ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንነዊሕ ግዜ እተገብረ ምንዳይ ዓስቢ ረኸበ

ንነዊሕ ግዜ እተገብረ ምንዳይ ዓስቢ ረኸበ

ንነዊሕ ግዜ እተገብረ ምንዳይ ዓስቢ ረኸበ

 “የሆዋ፧ የሆዋ መን ኢዩ፧” ሲልቭያ እትበሃል ጓል ሸሞንተ ዓመት: ነዚ ስም እዚ ኣብ ሓደ ብቛንቋ ኣርመን እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ኢያ ርእያቶ። እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ናይ ሓንቲ ስድራ​ቤት ክኸውን ከሎ ካልእ ንእሽቶ ጓል ዘርኣየታ ኢዩ። ኣብቲ የረቫን: ኣርመንያ: ዝበሃል እትነብረሉ ከባቢ ሓተተት: ይኹን እምበር የሆዋ መን ምዃኑ ክነግራ ዝኸኣለ ኣይነበረን። ወለዳ: መማህራና: ኣገልገልቲ ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ቤተ⁠-​ክርስትያን እውን እንተዀኑ ክነግርዋ ኣይከኣሉን።

ሲልቭያ ዓበየት: ትምህርቲ ወድአት: ስራሕ ድማ ረኸበት: ገና ግን የሆዋ መን ምዃኑ ኣይፈለጠትን። መንእሰይ ከላ ካብ ኣርመንያ ክትስደድ ነበራ: ድሕሪ ገለ ግዜ ናብ ፖላንድ ከደት እሞ ምስ ካልኦት ስደተኛታት ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ክፍሊ ትቕመጥ ነበረት። ሓንቲ ካብተን መዳቕስታ ኵሉ ግዜ ዝበጽሕዋ ሰባት ነበርዋ። ሲልቭያ ድማ “ኣጋይሽኪ እንታዎት ኢዮም፧” ኢላ ሓተተታ። ንሳ ኸኣ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም: መጽሓፍ ቅዱስ ክምህሩኒ ኸኣ ኢዮም ዝመጹ” በለታ።

ሲልቭያ ስም የሆዋ ምስ ሰምዐት ብሓጐስ ፍንጭሕ በለት። ኣብ መወዳእታ ኸኣ የሆዋ መን ምዃኑን ከመይ ዝበለ ፈቃር ኣምላኽ ምዃኑን ክትርዳእ ጀመረት። ይኹን እምበር ድሕሪ ቅሩብ እዋን ካብ ፖላንድ ክትወጽእ ነበራ። ኣብታ ስግር ባሕሪ ቦልቲክ እትርከብ ዴንማርክ ዕቝባ ሓተተት። ብዙሕ ጥሪት ኣይተማልአትን: ካብ መንጎ እቲ እተማልኣቶ ግን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ነበረ። ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይ ሓንቲ ጽሕፍቲ: ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ዝርዝር ኣድራሻታት ረኸበት። እዚ ሓደ ካብቲ ክቡር ጥሪታ​—⁠ናብ የሆዋ ዝመርሕ መድሕን ህይወት​—⁠ኢዩ ነይሩ!

ሲልቭያ ኣብ ዴንማርክ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ተወስደት: ብኡንብኡ ኸኣ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትደልዮም ጀመረት። ካብቲ ሒዛቶ ዝነበረት ዝርዝር ኣድራሻታት: እቲ ኣብ ዴንማርክ ዝርከብ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣብ ከተማ ሆልቤክ ከም ዝርከብ ተገንዘበት። ሆልቤክ ግን ኣበይ ኢያ፧ ሲልቪያ ብባቡር ናብ ካልእ መዓስከር ተቐየረት: ናብኡ ክትከይድ ከላ እታ ባቡር ብኸተማ ሆልቤክ ሓለፈት! ሕጅውን ብሓጐስ ፍንጭሕ በለት።

ብድሕሪኡ ሓደ መዓልቲ: ሲልቭያ ብባቡር ናብ ሆልቤክ ተመልሰት: ካብቲ መደበር ባቡር ክሳዕ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከኣ ብእግራ ኸደት። ከምዚ ብምባል ከኣ ትዝክር:- “ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ምስ በጻሕኩ: ኣብ ርቦ ኮፍ ኢለ ብውሽጠይ ‘እዚ ገነት ኢዩ!’ በልኩ።” ኣብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ምዉቕ ኣቀባብላ ተገብረላ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረላ።

ይኹን እምበር ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ እዋናት ብዙሕ ሳዕ ኣብ እተፈላለየ መዓስከር ስደተኛታት ትቀያየር ነበረት። ኣብ ዝኸደቶ መዓስከር ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣበይ ከም ዘለዉ ሓቲታ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ነበራ። ድሕሪ ክልተ ዓመት: ህይወታ ንየሆዋ ንኽትውፊ ዘኽእላ ድሮ እኹል ትምህርቲ ረኺባ ነበረት። ተጠምቀት: ብድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመረት። ብ1998 ሰበ⁠-​ስልጣን ዴንማርክ: ዕቝባ ረኺባ ክትነብር ፈቐዱላ።

ሲልቭያ ሕጂ ጓል 26 ዓመት ኢያ: ኣብቲ ብዛዕባ ገነት ዘዘኻኸራ ቦታ ማለት ኣብቲ ኣብ ዴንማርክ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ተገልግል ኣላ። ሕጂ ከምዚ ትብል:- “ንኽገልጾ ቃላት ይሓጽረኒ። ንእሽቶ ቈልዓ ካብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣትሒዘ ንየሆዋ ኢየ ዝደሊ ነይረ። ሕጂ ረኺበዮ ኢየ። ናብራ ህይወተይ ኣብ ኣገልግሎቱ ከሕልፍ እምነ ነበርኩ: እንሆ ኸኣ ሕጂ ኣብ ቤትኤል ኣሎኹ። እዚ ኣብቲ ዝመጽእ ዓመታት እውን ቤተይ ክኸውን ጸሎተይ ኢዩ!”