ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ኽቡር ውርሻና—ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

እቲ ኽቡር ውርሻና—ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

እቲ ኽቡር ውርሻና—⁠ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

“ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት: ንዑ: እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ።”​—⁠ማቴዎስ 25:⁠34

1. ሰባት ከም ውርሻ ዝቕበልዎ እንታይ ነገራት ኣሎ፧

 ኵሎም ደቅሰብ ብውርሻ ዝረኸብዎ ነገራት ኣለዎም። ንገሊኣቶም እቲ ውርሻ ብንዋታዊ ነገራት ዝጣጠሐ ናብራ ህይወት ዘጠቓልል ክኸውን ከሎ፣ ንኻልኦት ድማ ድኽነት ዝመልኦ ህይወት ኢዩ። ብኻልእ መልክዑ ክርአ ኸሎ ኸኣ ገሊኦም ቀዳሞት ወለዶታት ብሰንኪ እቲ ባዕሎም እተመኰርዎ ወይ ድማ ካብ ካልኦት ዝሰምዕዎ ንኻልእ ቀቢላዊ ጕጅለ ናይ ምጽላእ ሓያል ስምዒት ኣውሪሶም ኢዮም። ኵላትና ግን ሓደ ናይ ሓባር ውርሻ ኣሎና። ኵላትና ካብቲ ቀዳማይ ሰብኣይ ዝዀነ ኣዳም: ውርሻ ሓጢኣት ተቐቢልና ኢና። እዚ ውርሻ እዚ ንምሸቱ ናብ ሞት መሪሑ ዝወስድ ኢዩ።​—⁠መክብብ 9:⁠2, 10፣ ሮሜ 5:⁠12

2, 3. የሆዋ ኣብ ፈለማ ንዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ኣዳልዪሎም ዝነበረ ውርሻ እንታይ ኢዩ ነይሩ: ክወርስዎ ዘይከኣሉኸ ስለምንታይ ኢዮም፧

2 የሆዋ ሰማያዊ ፈቃር ኣቦ ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ፈለማ ንደቅ​ሰብ ሓደ ኣዝዩ ፍሉይ ውርሻ​—⁠ኣብ ገነት ፍጽምና ዝመልኦ ዘለኣለማዊ ህይወት​—⁠ኣዳለወሎም። እቶም ቀዳሞት ወለድና ኣዳምን ሄዋንን ሓጢኣት ኣልቦ ዝዀነ ፍጹም ጅማረ ኢዩ ነይርዎም። የሆዋ ኣምላኽ ምድሪ ንደቅ​ሰብ ከም ህያብ ኢዩ ሂብዎም። (መዝሙር 115:⁠16) ምልእቲ ዓለም ከመይ ክትከውን ከም እትኽእል እትሕብር መርኣዪ ክትኰኖም ንገነት ኤደን ኣዳልዪዋ ነይሩ ኢዩ: ነቶም ቀዳሞት ወለድና ድማ ዘደንቕን ባህ ዘብልን መዝነት ይጽበዮም ነበረ። ውሉዳት ክወልዱ: ንምድርን ነቲ ኣብኣ ዝነበረ እተፈላለየ ናይ ኣታኽልትን እንስሳን ህይወት ክከናኸኑ: ከምኡውን ንደረት ገነት ናብ መላእ ዓለም ከስፍሕዎ ነበሮም። (ዘፍጥረት 1:⁠28፣ 2:⁠8, 9, 15) እቶም ዘርኦም ድማ ኣብዚ ክሳተፉ ነበሮም። ነዚ ንዘርእኻ ከተሕልፈሎምስ ክንደይ ዘደንቕ ውርሻ ኰን ኢዩ!

3 በዚ ዅሉ ክሕጐሱ እንተ​ድኣ ዀይኖም ግን ኣዳምን ሄዋንን ከምኡውን ዘርኦም ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ክህልዎም ኣድላዪ ነበረ። ኣዳምን ሄዋንን ግን ንየሆዋ ከፍቅርዎን ክእዘዝዎን እኳ እንተ ነበሮም ኣምላኽ ንዝሃቦም ነገራት ሞሳ ካብ ምርኣይ ሰኒፎምን ንትእዛዙ ጥሒሶምዎን ኢዮም። ንገነታዊት ቤቶም ከምኡውን ኣምላኽ ኣብ ቅድሚኦም ኣንቢርሎም ንዝነበረ ግርማዊ ተስፋ ኣጥፊኦምዎ ኢዮም። በዚ ኸምዚ ድማ ነዚ ነገራት እዚ ንዘርኦም ከውርስዎም ኣይከኣሉን።​—⁠ዘፍጥረት 2:⁠16, 17፣ 3:⁠1-24

4. ኣዳም ንዘጥፍኦ ውርሻ ክንረኽቦ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና፧

4 ይኹን እምበር: ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ውርሻ ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኽህልዎም የሆዋ ብምሕረቱ ምድላው ገበረ። ብኸመይ፧ ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ: ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ክንዲ ዘርኢ ኣዳም ፍጹም ህይወቱ ኣሕሊፉ ሂቡ ኢዩ። በዚ መገዲ እዚ ክርስቶስ ንዅሎም ዓዲግዎም ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ነቲ ውርሻ ብቐጥታ ይቕበልዎ ኢዮም ማለት ኣይኰነን። መስዋእቲ የሱስ ካብ ሓጢኣት ከም ዘተዓርቕ ብምእማንን ንእምነቶም ብተግባር ብምግላጽን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስምረት ዘለዎ ኣቕዋም ክሕዙ የድልዮም። (ዮሃንስ 3:⁠16, 36፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:⁠5, 6፣ እብራውያን 2:⁠9፣ 5:⁠9) ናብራ ህይወትካ ነዚ ምድላው እዚ ሞሳ ኸም ዘሎካ ዘርኢ ድዩ፧

ብኣብርሃም ኣቢሉ ዝሓለፈ ውርሻ

5. ኣብርሃም ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ዘማሰወሉ ብኸመይ ኢዩ፧

5 የሆዋ ነቲ ንምድሪ ዝምልከት ዕላምኡ ክፍጽም ከሎ ብሓደ ፍልይ ዝበለ መገዲ ምስ ኣብርሃም ርክብ ገበረ። ዓዱ ሓዲጉ ናብታ ኣምላኽ ባዕሉ ዘርእዮ ቦታ ክኸይድ ነቲ እሙን ሰብኣይ መምርሒ ሂብዎ ኢዩ። ኣብርሃም ብፍታው ተኣዘዘ። ናብቲ ቦታ ድሕሪ ምብጽሑ እውን ባዕሉ ኣብርሃም ዘይኰነስ ዘርኡ ነታ ምድሪ ክወርስዋ ምዃኑ የሆዋ ነገረ። (ዘፍጥረት 12:⁠1, 2, 7) ኣብርሃም እንታይ መልሰ⁠-​ግብሪ ኣርኣየ፧ ዘርኡ ውርሻ ምእንቲ ክቕበሉ ኣብቲ ኣምላኽ ዝመርሖ ቦታን በቲ ኣምላኽ ዝደልዮ መገድን ከገልግል ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ። ኣብርሃም ኣብታ ዘይትብጽሖ ምድሪ ክሳዕ ግዜ ሞቱ ን100 ዓመታት ንየሆዋ ኣገልጊልዎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 12:⁠4፣ 25:⁠8-10) ንስኻ እንተ ትኸውን ከምኡ ምገበርካዶ፧ የሆዋ ንኣብርሃም “ፈታውየይ” ኢልዎ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 41:⁠8

6. (ሀ) ኣብርሃም በቲ ወዱ ንኽስውእ ዝነበሮ ፍቓደኝነት እንታይ ምሳሌ ኢዩ ዝገደፈ፧ (ለ) ኣብርሃም ነየናይ ክቡር ውርሻ ኢዩ ንዘርኡ ከውርሶም ዝኸኣለ፧

6 ኣብርሃም ነቲ ኣጸቢቑ ዝፈትዎ ዝነበረ ወዱ ይስሃቅ ንኽረክብ ንብዙሕ ዓመታት ብዓቕሊ ተጸብዩ ኢዩ። እቲ ወዲ ምስ ጐበዘ: ክስውኦ ንኣብርሃም ካብ የሆዋ መምርሒ ተዋህቦ። ኣምላኽ ንወዱ በጅነት ገይሩ ክህብ ምዃኑ ብምሳሌ የርኢ ኸም ዘሎ ኣብርሃም ኣይፈለጠን፣ እንተ​ዀነ ግን: ተኣዘዘ: መልኣኽ የሆዋ ደው እንተ ዘይብሎ ንይስሃቅ መስዋእቲ ገይሩ መቕረቦ ነይሩ። (ዘፍጥረት 22:⁠9-14) እቲ ንኣብርሃም ተመባጺዕሉ ዝነበረ መብጽዓታት ፍጻሜኡ ዝረክብ ብይስሃቅ ኣቢሉ ምዃኑ የሆዋ ኣቐዲሙ ነጊሩ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ዋላ እውን ቅድሚኡ ከምኡ ዝበለ ነገር ከቶ ተፈጺሙ ዘይፈልጥ እንተነበረ: ኣድላዪ እንተ​ድኣ ዀይኑ ኣምላኽ ንይስሃቅ ካብ ምዉታት ከተንስኦ ከም ዝኽእል ኣብርሃም እምነት ከም ዝነበሮ ንጹር ኢዩ። (ዘፍጥረት 17:⁠15-18፣ እብራውያን 11:⁠17-19) ኣብርሃም ወዱ ዝኣክል ስለ ዘይከልአ: “ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” ብምባል የሆዋ ብዕሊ ኣፍለጦ። (ዘፍጥረት 22:⁠15-18) እዚ ድማ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:⁠15 ተጠቒሱ ዘሎ ዘድሕን መሲሓዊ ዘርኢ: ብመስመር ወለዶ ኣብርሃም ኣቢሉ ከም ዝመጽእ ዝሕብር ኢዩ ነይሩ። እዝስ ከመይ ዝበለ ክቡር ውርሻ ኰን ኢዩ!

7. ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ንውርሽኦም ሞሳ ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧

7 ኣብርሃም ንትርጕም እቲ ሽዑ የሆዋ ዝፍጽሞ ዝነበረ ተግባር ኣይርድኦን ኢዩ ነይሩ፣ እቶም “ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ” ዝዀኑ ይስሃቅ ወዱ ይኹን ወዲ ወዱ ያእቆብ እውን ኣይፈልጥዎን ኢዮም ነይሮም። ኵሎም ግን ኣብ የሆዋ እምንቶ ነይርዎም ኢዩ። ምስ ዝዀነት ትኹን ኣብታ ሃገር ዝነበረት መንግስታዊት ከተማ ምትእስሳር ኣይገበሩን: ከመይሲ ነታ ዝሓሸት “ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን: መሰረት ዘለዋ ኸተማ” ክረኽቡ ኢዮም ዝደልዩ ነይሮም። (እብራውያን 11:⁠8-10, 13-16) እንተ​ዀነ ግን: እቲ ብኣብርሃም ኣቢሉ ተዘርጊሑ ዝነበረ ውርሻ ክቡር ምዃኑ እተገንዘቡ ኵሎም ዘርኢ ኣብርሃም ኣይነበሩን።

ገለ ካብቶም ነቲ ውርሻ ዝነዓቕዎ

8. ኤሳው ነቲ ኽቡር ውርሻኡ ሞሳ ዘይሃበሉ ብኸመይ ኢዩ፧

8 እቲ ንይስሃቅ ዓቢ ወዱ ዝነበረ ኤሳው ነቲ ዝነበሮ በዅሪ ናይ ምዃን መሰል ኣዕዚዙ ኣይረኣዮን። ንቕዱስ ነገራት ሞሳ ኣየርኣየን። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሓደ መዓልቲ ምስ ጠመየ ንመሰል ብዅርነቱ ንሓዉ ያእቆብ ዝሸጣ። ብኽንደይ ሸጣ፧ ብሓንቲ እንጌራን ጸብሒ ብርስንን! (ዘፍጥረት 25:⁠29-34፣ እብራውያን 12:⁠14-17) ኣምላኽ ንኣብርሃም እተመባጽዖ መብጽዓታት በቲ ስሙ ደሓር ኣምላኽ ባዕሉ ናብ እስራኤል ዝቐየሮ ያእቆብ ኣቢሉ ዝወጸ ህዝቢ ኢዩ ዝፍጸም። እዚ ፍሉይ ውርሻ ነቲ ህዝቢ እንታይ ኣጋጣሚታት ንኽረክብ ኢዩ መገዲ ዝኸፈተሉ፧

9. ሳላ እቲ ዝነበሮም መንፈሳዊ ውርሻ ዘርኢ ያእቆብ ወይ እስራኤል ካብ ምንታይ ኢዮም ዝደሓኑ፧

9 ጥሜት ኣብ ዝነበረሉ ሓደ እዋን: ያእቆብን ስድራ​ቤቱን ናብ ግብጺ ገዓዙ። ኣብኡ ድማ በዝሑ: ኣዝዮም ድማ ሰሰኑ፣ እንተ​ዀነ ግን ባሮት እውን ኰይኖም ኢዮም። ይኹን እምበር: የሆዋ ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝገበሮ ኪዳን ኣይረስዖን። ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ እዋን ንደቂ እስራኤል ካብ ባርነት ሓራ ኣውጽኦም ከምኡውን ናብታ ንኣብርሃም እተመባጽዓሉ “ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ” ክወስዶም ምዃኑ ኣፍለጦም።​—⁠ዘጸኣት 3:⁠7, 8፣ ዘፍጥረት 15:⁠18-21

10. ምስቲ ደቂ እስራኤል ዝነበሮም ውርሻ እተተሓሓዘ ኣብ ከረን ሲና ከመይ ዝበለ ካልእ ሓለፍ ዝበለ ምዕባለታት ኢዩ እተራእየ፧

10 ደቂ እስራኤል ናብ ምድሪ ተስፋ ኽጓዓዙ ኸለዉ የሆዋ ኣብ ከረን ሲና ኣከቦም። ኣብኡ ኸኣ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ነገሮም:- “ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም: ኪዳነይውን እንተ ሐሎኹም: ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ: ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም። ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም።” (ዘጸኣት 19:⁠5, 6) እቲ ህዝቢ ብምልኡ ብወለንታ ነዚ ምስ ሰመሮ: የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ካልእ ህዝቢ ዘይገበረሉ ነገር ገበረሎም​—⁠ሕጉ ሃቦም።​—⁠መዝሙር 147:⁠19, 20

11. ምስቲ ደቂ እስራኤል ዝነበሮም መንፈሳዊ ውርሻ ተጠቓሊሉ ዝነበረ ክቡር ነገራት እንታይ ኢዩ፧

11 እቲ ሓድሽ ህዝቢ ከመይ ዝበለ መንፈሳዊ ውርሻ ኰን ኢዩ ዝነበሮ! ነቲ እንኮ ሓቀኛ ኣምላኽ ኢዮም ዘምልኹ ነይሮም። ካብ ግብጺ ሓራ ዘውጽኦም ንሱ ኢዩ: ኣብ ከረን ሲና ሕጊ ክወሃቦም ከሎ ዝነበረ ኣዝዩ ዘፍርህ ፍጻመታት ድማ በዒንቶም ተመልኪቶምዎ ኢዮም። ብነብያት ኣቢሉ ተወሳኺ “ቃል ኣምላኽ” ክወሃቦም ከሎ እቲ ውርሻኦም ዝያዳ ይድንፍዕ ነበረ። (ሮሜ 3:⁠1, 2) መሰኻኽሩ ክዀኑ የሆዋ ዝመዘዞም ንሳቶም ኢዮም ነይሮም። (ኢሳይያስ 43:⁠10-12) እቲ መሲሓዊ ዘርኢ ካብ ህዝቦም ኢዩ ክወጽእ ነይርዎ። እቲ እተዋህቦም ሕጊ ናብኡ ዝሕብርን እቲ መሲሕ ከም ዝልለ ዝገብርን ኢዩ ነይሩ: እቲ ህዝቢ ንኣድላይነት መሲሕ ከም ዝግንዘቦ ኣብ ምግባር ድማ ሓጋዚ ክኸውን ተደልዩ ነበረ። (ገላትያ 3:⁠19, 24) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ደቂ እስራኤል ምስቲ መሲሓዊ ዘርኢ ብምሕባር መንግስቲ ክህነትን ቅዱስ ህዝብን ኰይኖም ናይ ምግልጋል ኣጋጣሚ ክረኽቡ ምኸኣሉ ነይሮም።​—⁠ሮሜ 9:⁠4, 5

12. እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ እኳ እንተ ኣተዉ እንታይ ኢዮም ዘይረኸቡ፧ ስለምንታይ፧

12 የሆዋ ንእስራኤላውያን ናብታ ምድሪ ተስፋ መሪሑ ብምውሳድ መብጽዕኡ ዝሕሉ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ። ከምቲ ጸኒሑ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገለጾ ግን ብሰንኪ ምጕዳል እምነት እታ ምድሪ ብሓቂ ‘መዕረፊቶም’ ኣይኰነትን። ኣዳምን ሄዋንን ምስ ተፈጥሩ ዝጀመረት መዓልቲ ዕረፍቲ ኣምላኽ ንዘለዋ ዕላማ ክግንዘቡ ከምኡውን ምስቲ ዕላማ እቲ ተሰማሚዖም ክዓዩ ስለ ዘይከኣሉ: ብደረጃ ህዝቢ ናብ ‘ዕረፍቲ ኣምላኽ’ ኣይኣተዉን።​—⁠እብራውያን 4:⁠3-10

13. እስራኤል ነቲ ዝነበሮም መንፈሳዊ ውርሻ ብሰንኪ ዘይምምሳዎም ብደረጃ ህዝቢ እንታይ ኢዮም ዘጥፍኡ፧

13 ቍጽሪ ናይቶም ምስቲ መሲሕ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ መንግስቲ ካህናትን ቅዱስ ህዝብን ዝዀኑ ሰባት ካብቶም ብትውልዲ እስራኤላውያን ዝዀኑ ጥራይ ክመልእ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ነቲ ክቡር ውርሻኦም ግን ኣየማሰዉሉን። ካብቶም ብትውልዲ እስራኤላውያን ዝዀኑ ሒደት ጥራይ ኢዮም መሲሕ ምስ መጸ እተቐበልዎ። ከም ውጽኢት እዚ ድማ ውሑዳት ጥራይ ኢዮም ኣባላት እቲ ኣቐዲሙ እተነግረሉ መንግስቲ ክህነት ዝዀኑ። መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ካብቶም ብትውልዲ እስራኤላውያን ተወስደት እሞ ‘ፍሪኣ ንዝፈሪ ህዝቢውን ተዋህበት።’ (ማቴዎስ 21:⁠43) እቲ ህዝቢ እቲ እንታዋይ ኢዩ፧

ኣብ ሰማያት ዝውረስ ውርሻ

14, 15. (ሀ) ደድሕሪ ሞት የሱስ: ህዝብታት ‘ብዘርኢ’ ኣብርሃም እተባረኹ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ኣባላት እቲ ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ከም ውርሻ ዝቕበልዎ እንታይ ኢዩ፧

14 እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተዋህበቶ ህዝቢ: በቶም ብመንፈስ እተወልዱ 144,000 ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ዝቘመ መንፈሳዊ እስራኤል: ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ኢዩ። (ገላትያ 6:⁠16፣ ራእይ 5:⁠9, 10፣ 14:⁠1-3) ገለ ካብቶም 144,000 ብትውልዲ ኣይሁዳውያን እኳ እንተ ዀኑ: መብዛሕትኦም ግን ካብ ኣህዛብ ኢዮም ነይሮም። ብኸምዚ ድማ እቲ ‘ብዘርኡ’ ኵሎም ህዝብታት ክባረኹ ምዃኖም የሆዋ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ መብጽዓ ፍጻሜኡ ኽረክብ ጀመረ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠25, 26፣ ገላትያ 3:⁠8, 9) ኣብዚ ናይ ፈለማ ፍጻሜ እዚ ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ሰባት መንፈሳውያን ውሉዳትን ኣሕዋት የሱስ ክርስቶስን ብምዃን የሆዋ ከም ውሉዳቱ ንኽቕበሎም ብመንፈስ ቅዱስ ተቐብኡ። በዚ ኸምዚ ኸኣ: ንሳቶምውን ካልኣይ ክፍሊ እቲ “ዘርኢ” ኰኑ።​—⁠ገላትያ 3:⁠28, 29

15 የሱስ ቀቅድሚ ሞቱ ነቶም ኣይሁዳውያን ሕጹያት ኣባላት እቲ ሓድሽ ህዝቢ ምስቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ ደም ክጸንዕ ዝነበሮ ሓድሽ ኪዳን ኣፋሊጥዎም ኢዩ። ብመሰረት ኣብቲ ነቲ ኪዳን ዘጽንዕ መስዋእቲ ዘርእይዎ እምነት: እቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ኪዳን ዝዀኑ ሰባት ‘ንሓዋሩ ክፍጸሙ’ ነበሮም። (እብራውያን 10:⁠14-18) ‘ጻድቃን’ ክዀኑን ሓጢኣቶም ክሕደገሎምን ይኽእል ነበረ። (1 ቈረንቶስ 6:⁠11) በዚ ኸምዚ ኸኣ ከምቲ ኣዳም ቅድሚ ምሕጥኡ ዝነበሮ ይዀኑ ማለት ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚኣቶም ኣብ ምድራዊት ገነት ኣይኰኑን ክነብሩ። የሱስ ኣብ ሰማይ ስፍራ ከዳልወሎም ምዃኑ ነጊሩ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:⁠2, 3) ነቲ ‘ኣብ ሰማያት ተኣርኒብሎም ዘሎ ርስቲ’ ክብሉ ኸኣ ምድራዊ ተስፍኦም ይሓድጉ። (1 ጴጥሮስ 1:⁠4) ኣብ ሰማይ እንታይ ኢዮም ክገብሩ፧ የሱስ “ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም” ብምባል ገሊጹ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 22:⁠29

16. ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ዘደንቕ መዝነት ኣገልግሎት ኢዩ ተነቢርሎም ዘሎ፧

16 እቶም ምስ ክርስቶስ ዝገዝኡ ሓደ ካብቲ ኣብ ሰማይ ኰይኖም ዝፍጽምዎ ነገራት ኣንጻር ሉዓላውነት የሆዋ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ዕልዋ ኣሰሩ ካብ ምድሪ ምጥፋእ ኢዩ። (ራእይ 2:⁠26, 27) ከም ካልኣይ ክፍሊ እቲ መንፈሳዊ ዘርኢ ኣብርሃም መጠን ድማ ካብ ኵሎም ህዝብታት ንዝዀኑ ሰባት ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ናይ ህይወት በረኸት ኣብ ምምጻእ ክሳተፉ ኢዮም። (ሮሜ 8:⁠17-21) ከመይ ዝበለ ክቡር ውርሻ ኰን ኢዩ ዘለዎም!​—⁠ኤፌሶን 1:16-18

17. ቅቡኣት ክርስትያናት ገና ኣብ ምድሪ ኸለዉ እውን ከይተረፈ ነየናይ መዳያት ውርሽኦም ኢዮም ዘስተማቕርዎ፧

17 ውርሻ እቶም ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ኣብ መጻኢ ጥራይ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። የሱስ ዋላ ሓደ ካልእ ክገብሮ ብዘይ​ክእል መገዲ ነቲ እንኮ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንኽፈልጥዎ ሓጊዝዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 11:⁠27፣ ዮሃንስ 17:⁠3, 26) ‘ኣብ ኣምላኽ ምውካል’ እንታይ ማለት ምዃኑ ከምኡውን ንየሆዋ ምእዛዝ እንታይ ከም ዘጠቓልል ብቓልን ኣብነትን ምሂርዎም ኢዩ። (እብራውያን 2:⁠13፣ 5:⁠7-9) የሱስ ንዕላማ ኣምላኽ ዝምልከት ፍልጠት ሓቂ ብሕድሪ ሂብዎምን ብዛዕብኡ ዝበለጸ ምሉእ ምርዳእ ንኽረኽቡ መንፈስ ቅዱስ ክመርሖም ምዃኑ ኣረጋጊጽሎምን ኢዩ። (ዮሃንስ 14:⁠24-26) ኣገዳስነት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮኦምን ኣልባቦምን ከም ዝሰርጽ ገይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠10, 33) ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብ የሩሳሌም: ይሁዳ: ሰማርያ: ከምኡውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ናይ ምምስካርን ንሰባት ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን መዝነት ብሕድሪ ሂብዎም ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8

ነቶም ዓቢ ጭፍራ ዘለዎም ክቡር ውርሻ

18. እቲ ኵሎም ህዝብታት ‘ብዘርኢ’ ኣብርሃም ከም ዝባረኹ የሆዋ ዝኣተዎ መብጽዓ ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዩ፧

18 ቍጽሪ ኣባላት እቲ ወራሲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ “ሒደት መጓሰ:” መንፈሳዊ እስራኤል: ንምዃን ዝሕረዩ ሰባት ዝመልአ ኢዩ ዝመስል። (ሉቃስ 12:⁠32) ካብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ንነጀው የሆዋ ካብ ኵሎም ህዝብታት እተዋጽአ ካልእ ዓቢ ጭፍራ ኣብ ምእካብ ኢዩ ኣተኲሩ ዘሎ። በዚ ኸምዚ እቲ ዅሎም ህዝብታት ‘ብዘርኡ’ ኸም ዝባረኹ የሆዋ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ መብጽዓ ብሰፊሑ ይፍጸም ኣሎ። እዞም እተባረኹ ደቅሰብ እዚኣቶም እውን ንየሆዋ ቅዱስ ኣገልግሎት ብሓጐስ የቕርብሉ: ድሕነቶም ኣብቲ ገንሸል ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝገብርዎ እምነት እተመርኰሰ ምዃኑ ድማ ኣፍልጦ ይህብሉ ኢዮም። (ራእይ 7:⁠9, 10) ክፍሊ እዚ ሕጕስ ጕጅለ እዚ ንምዃን የሆዋ ንዘቕርቦ ባህ ዘብል ዕድመ ተቐቢልካዮዶ ኣሎኻ፧

19. እቶም ሕጂ ዝባረኹ ዘለዉ ካብ ህዝብታት እተኣከቡ ሰባት ናበየናይ ውርሻ ኢዮም ዘቋምቱ፧

19 የሆዋ ነቶም ካብቲ ሒደት መጓሰ ዘይኰኑ ደቅሰብ ከመይ ዝበለ ክቡር ውርሻ ኢዩ ዝዝርግሓሎም፧ ርግጽ ኢዩ: እዚ ውርሻ እዚ ኣብ ሰማያት ኣይኰነን። እዚ እቲ ኣዳም ንዘርኡ ከውርሶም ዝኽእል ዝነበረ: ኣብታ ናብ ብዘላ ዓለም በብቝሩብ እትሰፍሕ ገነት ዝህሉ ፍጽምና ዝመልኦ ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ኢዩ። ‘ድሕሪ ደጊም ሞት: ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ዘይኰነላ’ ዓለም ኢያ ኽትህሉ። (ራእይ 21:⁠4) እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይዛረበካ ኣሎ:- “ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ: ሰናይ ድማ ግበር: ኣብታ ሃገር ተቐመጥ: እምነት ከኣ ድለ። ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ: ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ። ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ። ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”​—⁠መዝሙር 37:⁠3, 4, 10, 11, 29

20. እተን ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ንመብዛሕትኡ ካብቲ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዝረኽብዎ መንፈሳዊ ውርሻ ዘስተማቕርኦ ብኸመይ ኢየን፧

20 እተን ናይ የሱስ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ኣብቲ ምድራዊ ግዝኣት ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ውርሻ ኣለወን። (ዮሃንስ 10:⁠16ሀ) ሽሕኳ ኣብ ሰማያት ዘይነብሩ እንተዀኑ: መብዛሕትኡ ካብቲ እቶም ቅቡኣት ዘስተማቕርዎ መንፈሳዊ ውርሻ ናብኦም እውን ዝሓልፍ ኢዩ። እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ክቡር መብጽዓታት ክርድእዎ ዝኸኣሉ በቲ ነቶም ቅቡኣት ሓቚፉ ዘሎ ኣካል ማለት “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠45-47፣ 25:⁠34) እቶም ቅቡኣትን ካልኦት ኣባጊዕን ነቲ እንኮ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ይፈልጥዎን ሓቢሮም የምልኽዎን ኢዮም። (ዮሃንስ 17:⁠20, 21) ብሓንሳብ ኰይኖም ድማ ስለቲ ካብ ሓጢኣት ዘተዓርቕ ዋጋ መስዋእቲ የሱስ ንኣምላኽ የመስግንዎ። ኣብ ትሕቲ ሓደ ጓሳ: የሱስ ክርስቶስ: ኰይኖም ከም ሓደ መጓሰ ሓቢሮም የገልግልዎ። (ዮሃንስ 10:⁠16ሐ) ኵሎም ኣካል ናይ ሓደ ፈቃርን ዓለምለኻውን ሕውነት ኢዮም። ኣብቲ መሰኻኽር የሆዋን መንግስቱን ናይ ምዃን መሰል ከኣ ብሓባር ይሳተፉ። ብርግጽ እኳ ድኣ ህይወትካ ዝወፈኻን ጥሙቕን ኣገልጋሊ የሆዋ እንተ​ድኣ ዄንካ ኵሉ እዚ ኣብቲ መንፈሳዊ ውርሻኻ ተጠቓሊሉልካ ኣሎ።

21, 22. ኵላትና ንመንፈሳዊ ውርሻና ሓብሒብና ከም እንሕዞ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

21 እዚ መንፈሳዊ ውርሻ እዚ ንዓኻ ክሳዕ ክንደይ ክቡር ኢዩ፧ ፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻም ኣብ ህይወትካ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ብምግባሩ ነዚ ውርሻ እዚ ኣዕዚዝካ ዲኻ እትምልከቶ፧ ነዚ ብግብሪ ንምምስካርከ ነቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝግበር ኵሉ ኣኼባታት ንምክፋል ብቓል ኣምላኽን ማሕበሩን ዝወሃብ ምኽሪ ጠቢቕካዶ ትስዕቦ ኣሎኻ፧ (እብራውያን 10:⁠24, 25) እዚ ውርሻ እዚ ኣብ ግዜ ጸገማ እውን ከየባተኽካ ንኣምላኽ ከም እተገልግሎ ዝገብር ንዓኻ ብዋጋ ዘይሽነን ድዩ፧ እዚ ውርሻ እዚ ናብ ክጠፍኣሉ ዝኽእል መገዲ ከም እትኣቱ ንዝገብረካ ዝዀነ ይኹን ፈተና ክትቃወሞ ዘኽእለካ ድልዱል ሞሳ ድዩ ዘሎካ፧

22 ኣምላኽ ንዝሃበና መንፈሳዊ ውርሻ ኵላትና ሓብሒብና እንሕዞ ንኹን። ኣዒንትና ናብታ ኣብ ፊትና ዘላ ገነት ኣትኲረን ክጥምታ ኸለዋ: ኣብቲ ሕጂ የሆዋ ዝዝርግሓልና ዘሎ መንፈሳዊ መሰላት ሃየ ምሉእ ብምሉእ ንሳተፍ። ኵሉ ዋኒናትና ደድሕሪ እቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከም ዝስራዕ ምግባር: እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውርሻ ብሓቂ ንዓና ኣዝዩ ክቡር ምዃኑ ዘእምን መርትዖ እነቕርበሉ መገዲ ኢዩ። ኣብ መንጎ እቶም “ዎ ኣምላኸይ: ንጉሰይ: ልዕል ከብለካ: ስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ክባርኽ እየ” ኢሎም ዝእውጁ ሰባት ንምዃን ንጽዓር።​—⁠መዝሙር 145:⁠1

ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

• ኣዳም ንኣምላኽ እሙን ነይሩ እንተ ዝኸውን: እንታይ ውርሻ ኣመሓላሊፉልና ምሃለወ፧

• ዘርኢ ኣብርሃም ነቲ ተዘርጊሕሎም ዝነበረ ውርሻ ብኸመይ ረኣይዎ፧

• ኣብቲ ናይ ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ ውርሻ እንታይ ኢዩ ተጠቓሊሉ ዘሎ፧

• ውርሻ ናይቶም ዓቢ ጭፍራ እንታይ ኢዩ: ብሓቂ ከም ዘማስዉሉኸ ብኸመይ ከርእዩ ይኽእሉ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ደቂ ኣብርሃም መብጽዓ ናይ ሓደ ክቡር ውርሻ ተዋሂብዎም ኢዩ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ንመንፈሳዊ ውርሻኻ ተማስወሉዶ ኣሎኻ፧