ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ኵሉ ሳዕ ንእሙናቱ ዓስቢ ይህቦም ኢዩ

የሆዋ ኵሉ ሳዕ ንእሙናቱ ዓስቢ ይህቦም ኢዩ

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ኵሉ ሳዕ ንእሙናቱ ዓስቢ ይህቦም ኢዩ

ቨርነን ዳንከም ዘዘንተዎ

ድራረይ ምስ ተደረርኩ ከም ልማደይ ሽጋራ ወላዕኩ። ድሕርዚ ንኣይሊን ሰበይተይ “ሎሚ ምሸት ኣኼባ ከመይ ነይሩ፧” ኢለ ሓተትክዋ።

 ንሓጺር እዋን ትም ድሕሪ ምባል ከምዚ በለትኒ:- “ሓድሽ መዝነታት ከም እተዋህበ ዝገልጽ ደብዳበ ተነቢቡ: ስምካ እውን ተጠቒሱ። ናይ ድምጺ መሳርሒ ዝቈጻጸር ኣገልጋሊ ክትከውን ተመዚዝካ። እታ ኣብቲ ደብዳበ እተጠቕሰት ናይ መወዳእታ ምሉእ ሓሳባት ‘ካብዞም ሓደስቲ እተመዘዙ ኣሕዋት ሽጋራ ዘትክኹ እንተልዮም: ነቲ መዝነት ክቕበልዎ ከም ዘይክእሉ ብምግላጽ ናብ ማሕበር ደብዳበ ክጽሕፉ ይግደዱ ኢዮም’ ዝብል ነበረ።” a ብቘራጽነት “ኣሃ! እምበኣር ከምኡ ተባሂሉ” ኢለ መለስኩ።

ስነይ ነኺሰ ነታ ሽጋራ ኣብቲ ኣብ ጥቓይ ዝነበረ መንገፊ ሽጋራ ኣጥፋእክዋ። ከምዚ ድማ በልኩ:- “ንምንታይ እዚ መዝነት እዚ ከም እተዋህበኒ ኣይፈልጥን ኢየ። ክሳዕ ሕጂ ግን መዝነት ምቕባል ኣብየ ኣይፈልጥን ኢየ: ብሕጂ እውን ኣይክኣብን ኢየ።” ደጊም ሽጋራ ንኸየትክኽ ወሰንኩ። እቲ ውሳነ እቲ ከም ክርስትያንን ከም ሙዚቀኛን መጠን ንህይወተይ ኣጸቢቑ ጸልይዎ ኢዩ። ነዚ ውሳነ ናብ ምግባር ዝመርሓኒ ገለ ፍጻመታት እስከ ከዘንትወልኩም።

ናብራ ስድራ​ቤትና ኣብ እዋን ቍልዕነተይ

ብ21 መስከረም 1914 ኣብ ቶሮንቶ: ካናዳ ተወለድኩ፣ ነቶም ኣርባዕተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ዘዕበዩ ፈቃራትን ጻዕራማትን ዝነበሩ ቨርነን ከምኡውን ላይላ በዅሪ ወዶም ኢየ ነይረ። ምንኣሰይ ዮርክ ይበሃል: ድሕሪኡ ኦርላንዶ: ዶግላስ: ኣይሊን: ከምኡውን ኮራል ነበሩ። ኣደይ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ከለኹ ቫዮሊን ሃበትኒ እሞ ናይ ሙዚቃ ትምህርቲ ንኽማሃር ኣብ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ሃሪስ ኣእተወትኒ። ናብራ ከቢድ እኳ እንተ ነበረ: ኣደይን ኣቦይን ግን ንመጓዓዝያይን ንናይ ቤት ትምህርተይ ክፍሊትን ዝኸውን ገንዘብ ኣይሰኣኑን። ደሓር ኣብ ቶሮንቶ ኣብ ዝርከብ ሮያል ኮንሰርቫትዎር ኦቭ ሚዩዚክ ናይ ሙዚቃ ክልሰ⁠-​ሓሳብን ምውህሃድን ተማሃርኩ: ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰንኩ ኸኣ ኣብቲ ማሰይ ሆል ዝበሃል ኣብታ ከተማ ዝርከብ ውሩይ ናይ ሙዚቃ ኣደራሽ ብደረጃ ኸተማ እተገብረ ውድድር ተኻፈልኩ። ኣብቲ ውድድር ተዓወትኩ እሞ ሓንቲ ጽብቕቲ ቫዮሊንን ብቈርበት ዓንጎግ እተሰርሐ መቐመጢኣን ተሸለምኩ።

ድሕሪ ገለ እዋን ፒያኖን በይስ ቫዮሊንን ምውቃዕ እውን ተማሃርኩ። መብዛሕትኡ ግዜ ብጕጅለ ኴንና ዓርብን ቀዳምን ምሸት ኣብ ንኣሽቱ ድግሳት ከምኡውን ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ትልሂት ሙዚቃ ንወቅዕ ነበርና። ኣብ ሓደ ካብዚ ትልሂት ከኣ ኢየ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ኣይሊን እተራኸብኩ። ኣብታ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝወዳእኩላ ዓመት ኣብታ ከተማ ምስ ዝርከባ ብዙሓት ጕጅለታት ሙዚቃ ሰራሕኩ። ድሕሪ ምረቓ ምስ ጕጅለ ሙዚቃ ፍረዲ ማውሪ ክዓዪ ዕድመ ቀረበለይ: እዚ ድማ ክሳዕ 1943 ጸቡቕ ኣታዊ ዝረኸብኩሉን ቀዋምን ዕዮይ ኰነ።

ንየሆዋ ምፍላጡ

ቀቅድሚ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምብርዑ ኣቦይ ኣብ ሓንቲ ኣብ ቶሮንቶ እትርከብ ግሮሰሪ መርኣዪ ኣቝሑት ዘመዓራሪ ኰይኑ ክሰርሕ ከሎ: ወለደይ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተላለዩ። ኣብቲ ምሳሕ ዝበልዑሉ ክፍሊ ክልተ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ (ቀደም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጽውዑሉ ዝነበሩ) ዝዀኑ ሰራሕተኛታት ንሓድሕዶም ክዘራረቡ ከለዉ ይሰምዖም እሞ ነቲ ዝሰምዖ ምሸት ናብ ገዛ ምስ ተመልሰ ንኣደይ ይነግራ ነበረ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ብ1927 ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ኣብ ቶሮንቶ ዝርከብ ናይ ካናድያን ናሽናል ኤግዚቢሽን ግራውንድስ ስታድዩም ዓቢ ኣኼባ ገበሩ። ገዛና ካብቲ ብወገን ምዕራብ ዝርከብ መእተዊ ናይቲ ስታድዩም ክልተ ኣንጎሎ ጥራይ ሓሊፍካ እትርከብ ስለ ዝነበረት ካብ ኦሃዮ: ሕ.መ.ኣ. ንዝመጹ 25 ሰባት መዕረፊት ኰይና ነበረት።

ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር ሓንቲ አይዳ ብለትሶ እትበሃል ተማሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ንኣደይ ብተደጋጋሚ ክትበጽሓ ጀመረት: እዋናዊ ጽሑፋት ድማ ተምጽኣላ ነበረት። ሓደ መዓልቲ “ወይዘሮ ዳንከም: ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ጽሑፋት እገድፈልኪ ነይረ: ኣንቢብክዮዶ ትፈልጢ፧” ኢላ ሓተተታ። ኣደይ ሽዱሽተ ቈልዑ ተዕቢ እኳ እንተ ነበረት: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዛ ነቲ መጽሔታት ከተንብቦ ወሰነት: ድሕሪኡ ድማ ነቲ መጽሔታት ካብ ምንባብ ኣየቋረጸትን። እንተ​ዀነ ግን: ነቲ ጽሑፋት ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይህቦን ኢየ ነይረ። ካብ ትምህርተይ ክምረቕ እጽዕር ነበርኩ: ብሙዚቃ ድማ ተዋሒጠ ኢየ ነይረ።

ኣብ ሰነ 1935 ኣነን ኣይሊንን ኣብ ናይ ኣንግሊካን ቤተ⁠-​ክርስትያን ተመርዓና። ወዲ 13 ዓመት ከለኹ ኣባል ናይ ዩናይትድ ቤተ⁠-​ክርስትያን ካብ ምዃን ኣቋሪጸ ስለ ዝነበርኩ: ክጽግዖ ዝኽእል ካልእ ሃይማኖት ኣይነበረንን፣ ስለዚ ኣብቲ ናይ መርዓ መዝገብ ዋላ እኳ ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዘይነበርኩ: ናይ የሆዋ ምስክር ኢለ መላእኩ።

ኣብ መጻኢ ቈልዑ ወሊድና ንምዕባይ ንህንጠን ንፉዓት ወለዲ ንምዃን ንብህግን ነበርና። ስለዚ: ብሓባር ኴንና ሓድሽ ኪዳን ከነንብብ ጀመርና። ይኹን እምበር: ጽቡቕ ውጥን እኳ እንተ ነበረና: ካልእ ነገራት ንኸይነንብብ ይዓናቕፈና ነበረ። ቁሩብ ጸኒሕና እውን እንደገና ከነንብብ ፈተንና: እንደገና ድማ ተመሳሳሊ ዕንቅፋት ኣጋጠመና። ድሕርዚ: ኣብ በዓል ልደት ናይ 1935 ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ብናይ ህያብ ወረቐት ተጠቕሊላ ተዋህበትና። ሰበይተይ “እዚ ኣዴኻ ዝሰደደትልና ነገር ዘይልሙድ ዓይነት ናይ ልደት ህያብ ኢዩ” በለት። እንተ​ዀነ ግን: ናብ ስራሕ ምስ ከድኩ ነታ መጽሓፍ ከተንብባ ጀመረት: ነቲ እተንብቦ ዝነበረት ድማ ፈተወቶ። ንእተወሰነ ግዜ ኣብታ መጽሓፍ ተገዳስነት ከም ዘለዋ ኣይፈለጥኩን ነበርኩ። እቲ ቈልዑ ወሊድና ንምዕባይ ዝነበረና ሃረርታ ኣይኰነልናን። ብ1 ለካቲት 1937 ሓንቲ ጓል ወለድና እሞ ብዙሕ ከይጸንሐት ሞተት። ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዓሚቝ ሓዘን ኰን ኢዩ እተሰምዓና!

ኣብቲ ግዜ እቲ: ስድራይ ኣብ ዕዮ ስብከት ብንጥፈት ይሳተፉ ነበሩ: ኣብ ስድራ​ቤተይ ካብ ዝነበሩ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ኵንትራት ናይ ኮንሶሌሽን (ሕጂ ንቕሑ! ) መጽሔት ዘየእተወ ኣቦይ ጥራይ ምዃኑ ፈለጥኩ። ኣብታ ወርሒ እቲኣ ድማ ናይ ኣገልግሎት ሸቶ ዝነበረ እዚ ኢዩ። ክሳዕ እቲ እዋን እቲ ናይ ማሕበር ጽሑፋት ኣንቢበ እኳ ዘይፈልጥ እንተ ነበርኩ ኣቦይ ኣደንገጸኒ: ስለዚ “ኣቦይ: ንዓይ ኵንትራት ኣእትወኒ እሞ ከም ካልኦት ክትከውን ኢኻ” በልክዎ። ሓጋይ ምስ ኰነ እታ ጕጅለ ሙዚቃና ኣብ መዘናግዒ ቦታ ሙዚቃዊ ምርኢት ንምቕራብ ካብታ ከተማ ወጻኢ ከደት። መጽሔት ኮንሶሌሽን ድማ ናብቲ ዝኸድናዮ ብጶስጣ ይመጸኒ ነበረ። ጽድያ ምስ ኰነ እታ ጕጅለ ሙዚቃና ናብ ቶሮንቶ ተመልሰት። እቲ መጽሔታት ድማ ናብቲ ሓድሽ ቍጽሪ ጶስጣ ካብ ምምጻእ ኣየቋረጸን: ክሳዕ እቲ እዋን እቲ ንዋላ ሓንቲ ካብተን መጽሔታት እውን ትኹን ካብቲ መጠቕለሊኣ ኣውጺአ ርእየያ ኣይፈልጥን።

ሓደ እዋን ናይ ልደት ዕረፍቲ ተዋሂቡኒ ከሎ: ነቲ ተዀሚሩ ዝነበረ መጽሔታት ረኣኽዎ: ካብ ከፈልኩሉ እንታይ ትሕዝቶ ከም ዘለዎ ንምርኣይ ገለ ካብኡ ከንብቦ ኣሎኒ ኢለ ድማ ወሰንኩ። እታ ንመጀመርታ ካብቲ እተጠቕለለትሉ ወረቐት ኣውጺአ ዝረኣኽዋ መጽሔት ኣስደመመትኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንዝነበረ ፖለቲካዊ ውዲትን ብልሽውናን እተቃልዕ ነበረት። ብዛዕባ እቲ ዘንብቦ ዝነበርኩ ነቶም ብጾተይ ሙዚቀኛታት ክነግሮም ጀመርኩ። እንተ​ዀነ ግን: ንሓቅነት ናይቲ ዝነገርክዎም ነገር ኣብ ሕቶ ኣእተዉዎ: ስለዚ ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ምንባብ ክቕጽል ነበረኒ። ከይተረድኣኒ ብዛዕባ የሆዋ ክምስክር ጀመርኩ። ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው: እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘዳልዎ ዘደንቕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ካብ ምንባብ ኣቋሪጸ ኣይፈልጥን።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠45

ብስራሕ ትሑዝ እኳ እንተ ነበርኩ: ብዙሕ ከይጸናሕኩ ኣብ ሰሰንበት ምስ ኣይሊን ኣብ ኣኼባታት ክካፈል ጀመርኩ። ብ1938 ሓደ ሰንበት ናብ ኣኼባ ምስ ከድና: ክልተ ብዕድመ ዝደፍኣ ኣሓት ሰላም በላና እሞ ሓንቲ ካባታተን “ሓውና: ኣቕዋምካ ምስ የሆዋ ምዃኑ ኣነጺርካዶ ኢኻ፧ ኣርማጌዶን ኣዝያ ቀሪባ ከም ዘላ ትፈልጥ ኢኻ!” በለትኒ። የሆዋ ንሱ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ ፈሊጠ: እታ ማሕበር ድማ ማሕበሩ ምዃና ኣሚነ ነበርኩ። ክፍሊ ናይታ ማሕበር ክኸውን ደለኹ: ስለዚ ብ15 ጥቅምቲ 1938 ተጠመቕኩ። ኣይሊን ሽዱሽተ ወርሒ ጸኒሓ ተጠምቀት። ኵሎም ኣባላት ስድራ​ቤተይ እተጠምቁ ኣገልገልቲ የሆዋ ምዃኖም የሐጕሰኒ ኢዩ።

ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ብምሕባረይ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢየ ዘስተማቐርኩ! ብዙሕ ከይጸናሕኩ ኣብ መንጎኦም ክኸውን ከለኹ ክፈዅሰኒ ጀመረ። ክካፈል ኣብ ዘይከኣልክሉ መዓልቲ: ኵሉ ሳዕ ኣብ ኣኼባታት እንታይ ከም ዝነበረ ንምፍላጥ እህንጠ ነበርኩ። እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ምሸት ንየሆዋ ኣብ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ዓቢ ለውጢ ኰነትኒ።

ዓቢ ለውጢ ዝገበርናሉ እዋን

ብ1 ግንቦት 1943 ካልእ ዓቢ ለውጢ ገበርና። ንመጀመርታ ግዜና ኣብቲ ብመስከረም 1942 ኣብ ክሊቭላንድ: ኦሃዮ እተገብረ “ናይ ሓዳስ ዓለም ቲኦክራሲያዊ ኣሰምብሊ” ዘርእስቱ ዓቢ ኣኼባ ተኻፈልና። ኣብቲ ዝውዳእ ዘይመስል መሪር ውግእ ዝነበረሉ እዋን: እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበረ ሓው ኖር ብትብዓት ዝሃቦ “ሰላም​—⁠ንሓዋሩ ክቕጽል ይኽእል ድዩ፧” ዘርእስቱ መሳጢ ህዝባዊ ዝርርብ ሰማዕና። ድሕሪ እቲ ውግእ ዓቢ ዕዮ ስብከት ዝካየደሉ እዋን ሰላም ከም ዝህሉ ካብ ራእይ ምዕራፍ 17 ብኸመይ ከም ዝገለጾ ኣጸቢቕና ንዝክሮ ኢና።

እቲ ልዕሊ ዅሉ ጽልዋ ዝገበረልና ግን እቲ ሓው ኖር ኣቐድም ኣቢሉ “ይፍታሕን መብጽዓኡን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝሃቦ ዝርርብ ኢዩ። ኣብቲ ዝርርብ እቲ ዝያዳ ፓይነራት ከም ዝድለዩ ጻውዒት ቀረበ! ኣነን ኣይሊንን ከኣ ተጠማመትና እሞ (ምስ ብዙሓት ካልኦት ብሓንሳእ) ሓቢርና “ንሕና ድሉዋት ኢና!” በልና። ብኡንብኡ ነቲ ዝያዳ ኣድላዪ ዕዮ ንምዕያይ መደባት ክንገብር ጀመርና።

ካብ 4 ሓምለ 1940 ኣትሒዙ ኣብ ዕዮ ናይቶም ኣብ ካናዳ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እገዳ ተገይሩ ነበረ። ብ1 ግንቦት 1943 ፓይነር ኴንና ከነገልግል ክንጅምር ከሎና: ብዛዕባ የሆዋ ምምስካርን ንናይ ማሕበር ጽሑፋት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምዕዳልን ገና ዘይሕጋዊ ኢዩ ነይሩ። ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ግን ከነገልግል ከሎና ናይ ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ናይ ብሕትና ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ሒዝና ንኸይድ ነበርና። ኣብታ ንመጀመርታ ግዜ ፓይነራት ኴንና እተመደብናላ ፓሪ ሳውንድ: ኦንታሪዮ ምስ በጻሕና ድሕሪ ሒደት እዋን ሓደ ስቲዋርት ማን ዝበሃል ተመክሮ ዘለዎ ፓይነር ምሳና ከገልግል ብጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተላእከ። ኣየ ከመይ ዝበለ ፍቕራዊ ምድላው ኰን ኢዩ! ሓው ማን ባህ ዘብል ባህርይን ፍሽሑው ገጽን ነበሮ። ካብኡ ተማሃርና: ባህ ዘብል ግዜ እውን ኣሕለፍና። ማሕበር ናብ ከተማ ሃሚልቶን ክንከይድ ክትምድበና ኸላ ብዙሓት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሕ ነበርና። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ዕድመይ ካብቲ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝህቡሉ ዕድመ ንላዕሊ እኳ እንተ ነበረ: ኣገልግሎት ክህብ ተጸዋዕኩ። ነቲ ጻውዒት ምቕባል ብምእባየይ ብ31 ታሕሳስ 1943 ተኣሰርኩ። ኣብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምቕራበይ: ኣብቲ ካልእ ዓይነት ኣገልግሎት ዝወሃበሉ ደምበ ከገልግል ተፈረድኩ: ኣብኡ ድማ ክሳዕ ነሓሰ 1945 ኣገልገልኩ።

ምስ ተፈታሕኩ ብኡንብኡ ኣነን ኣይሊንን ኣብ ኮርንዎል: ኦንታሪዮ ፓይነራት ኴንና ከነገልግል ተመደብና። ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ ናብ ኲበክ ከድና: ኣብኡ ድማ ምስ ናይ ማሕበር ክፍሊ ሕጊ ኴንና ኣብ ፍሉይ ናይ ፖሊስ ቤት ፍርዲ ዝነበረ ጕዳያት ክንዓዪ ተመደብና። እዚ ዝዀነ ድዩፕለሲ ኣብ ኲበክ ኣመሓዳሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢዩ: ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወርድ መስጐጕቲ እውን ኣዝዩ ከቢድ ነበረ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ኣርባዕተ እተፈላለየ ኣብያተ⁠-​ፍርዲ እናኸድኩ ንኣሕዋትና እሕግዞም ነበርኩ። እቲ ግዜ እቲ ዘነቓቕሕን እምነት ዘደልድልን እዋን ኢዩ ነይሩ።

ደድሕሪ እቲ ብ1946 ኣብ ክሊቭላንድ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ: ናይ ወረዳ ከምኡውን ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ኰይነ ንኽዓዪ መዝነት ተዋህበኒ: እዚ ድማ ንዓይን ንሰበይተይን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ካናዳ ንኽንዘውር ኣጋጣሚ ከፈተልና። ኵሉ ነገር ብተኸታታሊ ሰዓበ። ብ1948 ኣብ መበል 11 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንካፈል ተጸዋዕና። ሓው ኣልበርት ሽሮደርን ማክስዌል ፍሬንድን መምህራንና ነበሩ: እታ 108 ተማሃሮ ዝነበርዋ ክፍልና ድማ 40 ቅቡኣት ይርከብዋ ነበሩ። ብዙሓት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ኣገልገልቲ የሆዋ ስለ ዝነበሩና ብርግጽ ብሉጽን ዓስቢ ዘለዎን ተመክሮ ኢዩ ነይሩ!

ሓደ መዓልቲ ሓው ኖር ካብ ብሩክሊን ክበጽሓና መጸ። ኣብቲ ዝሃበና ዝርርብ 25 ወለንተኛታት ቋንቋ ጃፓን ንኽማሃሩ ጻውዒት ኣቕረበ። ብምሉእና: 108 ተማሃሮ ወለንተኛታት ኴንና ቀረብና! መን ክመሃር ከም ዘለዎ ንምምራጽ ናይቲ ፕረዚደንት ዕዮ ኰነ። እዚ ጽቡቕ ፍረ ስለ ዘምጽአ እቲ ምርጫ የሆዋ መሪሕዎ ክኸውን ኣለዎ። መብዛሕትኦም ካብቶም ነቲ ቋንቋ ንኽማሃሩ እተመርጹን ብኡንብኡ ኣብ ጃፓን ዕዮ ስብከት ዝጀመሩን 25 ሰባት ካብ መዝነቶም ፈልከት ኣይበሉን: ሕጂ ብዕድመ ደፊኦም ኢዮም ገና ግን ኣብኡ ኢዮም ዘለዉ። ከም ሎይድ ባሪን ሜልባ ባሪን ዝኣመሰሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ካልእ መዝነት ስለ እተዋህቦም ካብ ጃፓን ግዒዞም ኢዮም። ሎይድ ክሳዕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝመውት ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ነበረ። ነቶም ናብ ጃፓን ዝኸዱ የሆዋ ፍረ ስለ ዝሃቦም ተኻፈልቲ ሓጐሶም ኢና።

መዓልቲ ምረቓ ኣኸለት: ንሕና ድማ ናብ ጃማይካ ክንከይድ ተመደብና። እንተ​ዀነ ግን: ኣብ ቤት ፍርዲ ኲበክ መዕለቢ ዘይተገብረሉ ቈጸራታት ስለ ዝነበረ: ናብ ካናዳ ክንምለስ መምርሒ ተዋህበና።

ዝያዳ ሙዚቃ!

ፓይነር ክኸውን ከለኹ ሙዚቃ እኳ እንተ ገደፍክዎ: ሙዚቃ ግን ደድሕረይ ደኣ ሰዓበ። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ዓመት ናይ ማሕበር ፕረዚደንት ዝነበረ ሓው ናታን ኖርን ጸሓፊኡ ሚልተን ሄንሸልን ኣብቲ ኣብ ቶሮንቶ ዝርከብ ማፕል ሊፍ ጋርደንስ ዝበሃል ቦታ ኣኼባ ንምግባር መጹ። ሓው ኖር “ካብቲ ዝሓሰብክምዎ ደንጕዩ ኢዩ!” ዘርእስቱ ንነፍሲ ወከፍና ዘነቓቕሐ ህዝባዊ ዝርርብ ሃበ። ንመጀመርታ ግዜ ነቲ ናይ ዓቢ ኣኼባ ጕጅለ ሙዚቃ ክመርሕ ተዓደምኩ። ነቲ ኣብ ኪንግደም ሰርቪስ ሶንግ ቡክ (1944) እትበሃል ጽሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ዝርከብ ዝነበረ ህቡብ መዝሙራት ዝኸውን ዎልትስ ዝበሃል ዓይነት ሙዚቃዊ ህርመት ኣዳለና። እቶም ኣሕዋት ዝፈተዉዎ ኢዮም ዝመስሉ። ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ እቲ ፕሮግራም ምስ ተወድአ: ነቲ ሰንበት መደብ ተገይሩሉ ዝነበረ ፕሮግራም ንለማመድ ነበርና። ሓው ሄንሸል ካብቲ መድረኽ ናባና ገጹ ክመጽእ ብጎቦ ዓይነይ ረኣኽዎ: ናብኡ ከይደ ንኸዘራርቦ ድማ ነቲ ልምምድ ኣቋረጽኩዎ። “ኣብዚ ጕጅለ ሙዚቃ ክንደይ ሙዚቀኛታት ኣለዉኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ። “ኵሎም እንተ መጺኦም ዳርጋ 35 ይዀኑ ኢዮም” ኢለ መለስኩሉ። “ኣብ ዝቕጽል ሓጋይ ኣብ ኒው ዮርክ ዕጽፊ ናይዚኦም ክህልዉኻ ኢዮም” በለኒ።

ቅድሚ ሓጋይ ምዃኑ ግን ናብ ብሩክሊን ክኸይድ ተዓደምኩ። ኵነታት ስለ ዘይጠዓመ: ኣብ መጀመርታ ኣይሊን ምሳይ ክትከይድ ኣይከኣለትን። እቲ ኣብ 124 ኮሎምቢያ ሀይትስ ዝርከብ ሓድሽ ህንጻ ገና ዘይተወድአ ስለ ዝነበረ ኣብቲ ናይ ቅድም ህንጻ ቤትኤል መደቀሲ ተዋህበኒ። ኣብኡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ክፍሊ ምስቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ፐይን ከምኡውን ምስ ካርል ክለይን ብሓደ ንነብር ነበርና፣ ምስ ክልቲኦም ንመጀመርታ ግዜ ኢየ ተራኺበ: ቅቡኣት ድማ ኢዮም ነይሮም። እታ ክፍሊ ትጸበናዶ ነይራ፧ እወ። ይኹን እምበር: ተሳኒና ንነብር ነበርና። እቶም ብዕድመ ዝዓብዩኒ ዝነበሩ ኣሕዋት ዕጉሳትን ዓቃላትን ኢዮም ነይሮም። ኣነ እውን ጸገም ንኸይፈጥር እጽዕር ነበርኩ! መንፈስ የሆዋ እንታይ ክፍጽም ከም ዝኽእል ዘርኢ ጠቓሚ ትምህርቲ ረኸብኩ። ምስ ሓው ክለይን ብምፍላጠይን ምዕያየይን ኣዝዩ ብዙሕ በረኸታት ረኸብኩ! ወትሩ ሕያዋይን ሓጋዝን ኢዩ ነይሩ። ተሳኒና ኢና ንዓዪ ነይርና: ንልዕሊ 50 ዓመታት ድማ ናይ ማሕርሮ ኣዕሩኽ ዀንና።

ኣብቲ ብ1950: 1953: 1955: ከምኡውን 1958 ኣብ ያንኪ ስታድዩም ንዝግበር ዓበይቲ ኣኼባታት ዝኸውን ሙዚቃ ኣብ ምድላው ሓገዘይ ናይ ምውፋይ መሰል ረኺበ ኢየ፣ ከምኡውን ብ1963 ኣብቲ ኣብ ፓሳዴና: ካሊፎርንያ ዝርከብ ሮዝ ቦውል ዝበሃል ስታድዩም እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ኣነን ኣል ካቭሊንን ኣብቲ ጕጅለ ሙዚቃ ሓላፍነት ተዋህበና። ኣብቲ ብ1953 ኣብ ያንኪ ስታድዩም እተገብረ ዓቢ ኣኼባ: ቀቅድሚ እቲ ሰንበት እተዋህበ ህዝባዊ ዝርርብ ናይ ሙዚቃ ፕሮግራም ቀረበ። ኤሪኽ ፍሮስት ንኤዲት ሸምዮኒክ (ደሓር ኤዲት ቪጋንት) እትበሃል ብሶፕራኖ ዝበሃል ቃና ድምጺ እትዝምር ኣፋለጠና: ንሳ ድማ ነታ “ኣቱም መሰኻኽር ንቕድሚት ኪዱ!” ዘርእስታ ሓው ፍሮስት ዘዳለዋ መዝሙር ብጕጅለ ሙዚቃና ተዓጂባ ዘመረታ። ድሕርዚ ነቲ ምኡዝን ጥዑምን ድምጺ ናይ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንመጀመርታ ግዜ ብምስማዕና ተሓጒስና ኢና። እቲ ሃሪ ኣርነት ዝበሃል ሚስዮናዊ ንኽንሰምዖ ኢሉ ካብ ሰሜናዊ ሮዴዥያ (ሕጂ ዛምቢያ) ብጽቡቕ እተቐድሐ ካሴት ኣምጸኣልና። እቲ ድምጺ ነቲ ስታድዩም መልኦ።

ነታ ብ1966 ዝወጸት ናይ መዝሙር መጽሓፍ ምቕዳሕ

ነታ ሊላ ዝሕብራ “ሲንጊን ኤንድ ኣካምፓንዪን ዮርሰልፍ ዊዝ ሚዩዚክ ኢን ዮር ሃርትስ” ዘርእስታ ናይ መዝሙር መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ትዝክርዋዶ፧ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ናይ መወዳእታ ምድላዋት ከላ ሓው ኖር ከምዚ በለኒ:- “ገሊኡ መዝሙራት ክንቀድሖ ኢና። ሒደት ቫዮሊን ዝወቕዑን ገለ ሻምብቆ ዝነፍሑን ሰባት ጥራይ ዘለዉዋ ጕጅለ ሙዚቃ ከተቕውም ደልየ ኣለኹ። ኣብቲ ጕጅለ ሙዚቃ ‘ጥሩምባ ዝነፍሕ ሰብ’ ክህሉ ኣይደልን ኢየ!” እቲ ናይ ቤትኤል ኣደራሽ መንግስቲ ስቱድዮና ክኸውን ተመደበ: እንተ​ዀነ ግን ብዛዕባ ኣጠቓቕምኡ የተሓሳስበና ነበረ። እቲ ኣደራሽ ብመጋረጃ ዘይተሸፈነ መናድቕ: ብማቶኔላ እተሰርሐ ባይታ: ከምኡውን ብሓጺን እተሰርሐ ተዓጻፊ ሰድያታት ስለ ዝነበሮ መቓልሕ ምስ ዝመልስ እንታይ ኢና እንገብሮ፧ ነዚ ናይ ድምጺ ጸገም መን ክፈትሓልና ይኽእል፧ ሓደ ሓው “ቶሚ ሚቸል ኣብ ናይ ኤቢሲ ኔት ዎርክ ስቱድዮ ኢዩ ዝሰርሕ” ዝብል ሓሳብ ኣቕረበ። ምስ ሓው ቶሚ ሚቸል ተራኸብና: ንሱ እውን ንኽሕግዘና ፍቓደኛ ዀነ።

እታ ምቕዳሕ እንጅምረላ ናይ መጀመርታ ቀዳም ንግሆ ኣኸለት: እቶም ሙዚቀኛታት እናተላለዩ ከለዉ ድማ ሓደ ካብቶም ኣሕዋት መቐመጢ ናይ ትሮምቦን ዝበሃል መሳርሒ ሙዚቃ ሒዙ ነበረ። እቲ ሓው ኖር “ ‘ጥሩምባ ዝነፍሕ ሰብ’ ክህሉ ኣይደልን ኢየ!” ብምባል ዝሃበኒ መጠንቀቕታ ትዝ በለኒ። እንታይ ደኣ ኢየ ዝገብሮ፧ እቲ ሓው ነታ ትሮምቦን ካብቲ መቐመጢኣ ኣውጺኡ ከገጣጥማን ክፈታትናን ከሎ እዕዘቦ ነበርኩ። እቲ ሓው ቶሚ ሚቸል ነበረ: እቲ መጀመርታ ክነፍሕ ከሎ ዘስምዓና ዓይነት ኖታ ድማ ምኡዝ ነበረ። ንድምጺ ናይታ ትሮምቦን ከም ናይ ቫዮሊን ኢዩ ኣምሲልዋ! ‘እዚ ሓው እዚ ምሳና ክዓዪ ኣለዎ!’ ዝብል ሓሳብ መጸኒ። ሓው ኖር እውን ኣይተቓወመን።

እታ ጕጅለ ሙዚቃ ንፉዓት ሙዚቀኛታት ዝሓቘፈት ነበረት: ፈቃራት ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ኢዮም ነይሮም። ስርዓት ዘይብሉ ሰብ ኣይነበረናን! ነቲ ሙዚቃ ምቕዳሕ ከቢድ ዕዮ ኢዩ ነይሩ: እንተ​ዀነ ግን ዋላ ሓደ ኣየጕረምረመን። ነቲ ዕዮ ወዲእና ክንፈላለ ከሎና ነባዕና፣ ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ዕዮ እተሳተፍና ሓያል ሕውነት ተፈጥረ። ነፍሲ ወከፍና ነቲ መሰል ተሓጒስናሉ ኢና: ነቲ ዕዮ ክንፍጽም ስለ ዘኽኣለና ድማ የሆዋ ይመስገን።

ተወሳኺ ዓስቢ ዘለዎ መሰላት

ብዙሕ ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ: ገና ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እሕጐሰሉ ኢየ። ናይ ወረዳን ኣውራጃን ተዓዛቢ ኰይነ ን28 ዓመታት ሰሪሐ ኢየ: እዚ ዅሉ ድማ ባህ ዘብል ኢዩ ነይሩ። ድሕርዚ ንሓሙሽተ ዓመታት ነቲ ኣብ ኦንታሪዮ ዝርከብ ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ኖርቫል ኣብ ምምሕዳር ዓየኹ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳመ⁠-​ሰንበት ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ስለ ዝነበረ: ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ብናይ ወጻኢ ቋንቋታት ኣውራጃዊ ኣኼባታት ይግበር ብምንባሩ ኣነን ኣይሊንን ትሑዛት ነበርና። ብ1979/80 ነደፍትን መሃንድሳትን ነቲ ንመጻኢ ኣብ ሃልተን ሂልስ ናይ ማሕበር ጨንፈር ክኸውን እተሓስበ ንድፊ ንምውጻእ ነቲ ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ኣብ ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ምዕያይ ድሕሪ ምውዳእና: ካብ 1982 ክሳዕ 1984 እንደገና ኣብ ዓውዲ ሙዚቃ ንምዕያይ ናብ ብሩክሊን ከድና።

ፍቕርቲ ሰበይተይ ካብቲ መበል 59 ዝኽሪ ዓመት መርዓና ሸውዓተ መዓልትታት ጥራይ ጸኒሓ ብ17 ሰነ 1994 ሞተት። ክልቴና ብሓባር ኴንና ን51 ዓመታት ብተወፋይነት ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ኣሕሊፍና ኢና።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወተይ ዘጋጠመኒ ብዙሕ ተመክሮታት ክሓስብ ከለኹ: መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ኣዝዩ ክቡር መምርሒ ከም ዝዀነኒ እዝክር ኢየ። ሓድሓደ ግዜ ነቲ ኣይሊን ብብሕታ እትጥቀመሉ ዝነበረት መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከለኹ: ነቲ ምልክት ዝገበረትሉ ጥቕስታት: ሓረጋት: ከምኡውን ቃላት ብምርኣይ ብዛዕባ እቲ ልባ ዝተንከፋ ሓሳባት አስተንትን እሞ ዓቢ ሓጐስ ከኣ እረክብ። ንዓይ እውን ከም ኣይሊን ፍሉይ ስምዒት ዘሕድረለይ ጥቕስታት ኣሎ። ሓንቲ ካብዚኣተን እታ ንየሆዋ ዝቐረበ ጸሎት እትገልጽ መዝሙር መበል 137 ኢያ:- “የሩሳሌመየ እንተ ረሲዐክስ በገና ምውቃዕ እስኣን! እንተ ዘይዘኪረኪ: ልዕሊ ዅሉ ድማ ብኣኺ እንተ ዘይተሓጒሰስ: ክዝምር ዘይክእል እኹን!” (መዝሙር 137:⁠5, 6ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን [እንግሊዝኛ]) ሙዚቃ እፈቱ እኳ እንተ ዀንኩ: እቲ ዝለዓለ ሓጐስ ግን ነቲ ዝኣክል ዕድመን ዘዕግብ ህይወትን ዝሃበኒ የሆዋ ብተኣማንነት ካብ ምግልጋል ኢየ ዝረኽቦ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 1 ሰነ 1973 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ክጥመቕን ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውንን እንተ​ድኣ ደልዩ ሽጋራ ምትካኽ ከቋርጽ ዘለዎ ስለምንታይ ምዃኑ ትገልጽ ኢያ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ብ1947 ምስ ኣይሊን

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ናይ መጀመርታ ናይ ምቕዳሕ ፕሮግራም