ደገፍ ብስቕታ ክግለጽ ከሎ
ደገፍ ብስቕታ ክግለጽ ከሎ
ሓንቲ ቤትረያል—ጀርመን ቸርችስ ኤንድ ዘ ሆሎካስት እተባህለት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ እቲ ሃይማኖት ኣብ ስርዓት ናዚ ዝነበሮ ግደ ብልክዕ ትገልጽ ኢያ። እታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ነቲ ስርዓት ምድጋፍ ኣብ ክርስትያናት ልሙድ ኢዩ ነይሩ: መብዛሕትኦም ከኣ ኣይሁድ መስጐጕቲ ክወርዶም ከሎ ምንም ተቓውሞ ኣይገበሩን። በዚ ዝመጸ ብስቕታኦም ንጹር ደገፍ ኢዮም ሂቦም።”
እቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ብስርዓት ናዚ ከም ዝሰሓቡ ዝገበሮም እንታይ ኢዩ፧ እታ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ: እቲ ሂትለር “ኣብ ሕብረተሰብ ጀርመን ሕግን ስርዓትን ናይ ምስፋን ሜልኡ” ንብዙሓት ኣስዲዕዎም ኢዩ። ከምዚ ኸኣ ትብል:- “ንስእለ-ጽዩፍ: ምንዝር: ምንጻል ጥንሲ: ግብረ-ሰዶም: ከምኡውን ዘመናዊ ስነ-ጥበብ ንዘንጸባርቖ ‘ጸይቂ:’ ተቓዊምዎ ኢዩ፣ ነተን ኣርባዕተ: ሽዱሽተ: ሸሞንተ ቈልዑ ዝወለዳ ኣንስቲ ኸኣ ናይ ነሓሲ: ብሩር: ከምኡውን ወርቂ መዳልያ ብምሃብ: ብመሰረት እቲ ባህለን ዕዮ ገዛ ጥራይ ክገብራ የተባብዕ ነበረ። እዚ ንባህላዊ ስርዓት ምስዓብ ምስቲ ሂትለር ነቲ ሃገራዊ ውርደት ዘምጽአ ቨርሳይለስ ትሪቲ ዝበሃል ውዕል መልሰ-ግብሪ ምስ ሃበሉ ዘለዓዓሎ ወተሃደራዊ ሃገራውነት ተደሚሩ ንመብዛሕትኦም ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብናይ ናዚ ስነ-ሓሳብ ከም ዝማረኹ ገበሮም።”
ሓደ ጕጅለ ግን ፈጺሞም እተፈልዩ ነበሩ። ቤትረያል “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዓመጽ ምክፋል ወይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምጥቃም ኣብዮም ኢዮም” ትብል። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነዞም ንእሽቶ ጕጅለ እዚኣቶም ብርቱዕ መጥቃዕቲ ወረዶም: ብዙሓት ካብ ኣባላቶም ከኣ ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ተደርበዩ። ካልኦት ሰዓብቲ ክርስቶስ ኢና ዝብሉ ግን ምንም ተቓውሞ ኣየርኣዩን። እታ መጽሓፍ ወሲኻ ከምዚ ትብል:- “ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ኣብ ክንዲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝድንግጽሎም ዝያዳ ጽልኢ ኢዮም ኣርእዮም: ኣብ ክንዲ ነቶም ሰላማውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝመስሉ ኸኣ ምስቲ ናይ ሂትለር ጭካነ ዝመልኦ ስርዓታት ተሰማምዑ።” እቲ ስቕታኦም ከኣ ነቶም ኣብ ትሕቲ ስርዓት ናዚ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጭከና ዝመልኦ ተግባራት ከም ዝወርዶም ገበረ።
ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ናይ ናዚ ፖለቲካ ዝነበሮም ጣልቃ ምእታው ጠንቂ ናይቲ ውዕዉዕ ክትዕ ኰይኑ ክቕጽል ከሎ: ቤትረያል ንናይ የሆዋ መሰኻኽር “ነቲ ስርዓት ስምረቶም ወይ ደገፎም ንምሃብ ዝኣበዩ ሃይማኖታዊ ጕጅለ” ብምባል ትገልጾም።