ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓገዝ ንምርካብ ዝስማዕ ዘሎ ኣውያት

ሓገዝ ንምርካብ ዝስማዕ ዘሎ ኣውያት

ሓገዝ ንምርካብ ዝስማዕ ዘሎ ኣውያት

ሓንቲ ብራዚላዊት ሰበይቲ “ኣምላኽ ረሲዑኒ ኢዩ!” ብምባል ጨርሐት። ድሕሪ እቲ ድንገታዊ ሞት ሰብኣያ: ህይወታ ደጊም ትርጕም ዘለዎ ኰይኑ ኣይተሰምዓን። ንሓደ ከምዚ ዝኣመሰለ ጭንቀት ዘጋጠሞ: ምናልባት ድማ ሓገዝ ደልዩ ንዘእዊ ሰብ ከተጸናንዕ ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧

ገሊኦም ኣዝዮም ተስፋ ስለ ዝቘርጹ ህይወቶም የሕልፉ። መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ድማ መንእሰያት ኢዮም። ብመሰረት እታ ፎልያ ደ ኤስ. ፓውሎ እትበሃል ጋዜጣ እቲ ኣብ ብራዚል እተገብረ መጽናዕቲ “ኣብዚ ቐረባ እዋን ርእሰ⁠-​ቕትለት ኣብ መንእሰያት 26 ካብ ሚእቲ ከም ዝወሰኸ” ይገልጽ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ ሳኦ ፓውሎ ዘሎ ቫልተር a እተባህለ መንእሰይ ዘጋጠሞ ኵነታት ርአ። ወለዲ: መንበሪ: ብሕቱነት የብሉን: ፈተውተይ ኢሉ ክጽውዖም ዝኽእል ሰባት እውን የብሉን። ቫልተር ካብ ሽግሩ ንኽናገፍ ካብ ድንድል ክጸድፍ ወሰነ።

ኤድና እተባህለት ንጽል ወላዲት ምስ ሓደ ሰብኣይ ዕርክነት ክትጅምር ከላ ድሮ ክልተ ውሉዳት ነበርዋ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ ገዛ ናይታ ሓተታ መናፍስቲ እተዘውትርን ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዝነበራን ኣዲኡ ሓቢሮም ክነብሩ ጀመሩ። ኤድና ካልእ ቈልዓ ወለደት: ካብ መጠን ንላዕሊ ክትሰቲ ጀመረት: ብርቱዕ ጭንቀት ስለ ዘሕደረት ድማ ርእሰ⁠-​ቕትለት ክትፍጽም ፈተነት። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ደቃ ከተዕቢ ዝነበራ መሰል ተኸልአት።

ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባትከ፧ ማርያ ኵሉ ግዜ ፈታዊት ሰሓቕን ለፍላፊትን ኢያ ነይራ። እናዓበየት ምስ ከደት ግን ኣብቲ ከም ነርስ ኰይና እትገብሮ ዝነበረት ስርሓ ጌጋታት ከይትፍጽም ክትጭነቕ ጀመረት። እዚ ድማ ኣጸቢቑ ረበሻ። ገዛእ ርእሳ ክትፍውስ ፈቲና ምዃን ምስ ኣበያ ሕክምናዊ ሓገዝ ክትረክብ ደለየት: እቲ ዝረኸበቶ ሕክምና ድማ ጠቒምዋ ኢዩ ክበሃል ይከኣል። ደሓር ግን ጓል 57 ዓመት ኰይና ስራሕ ምስ ኣቋረጸት: መውጽኢ ዘይብሉ ኰይኑ ኣብ ዝስምዓ ብርቱዕ ጭንቀት ወደቐት። ብዛዕባ ርእሰ⁠-​ቕትለት ክትሓስብ ከኣ ጀመረት።

ናይ ሳኦ ፓውሎ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ዦዘ ኣልቤርቱ ዴል ፖርቱ “ካብቶም ጭንቀት ዘለዎም ሰባት ዳርጋ 10 ሚእታዊት ዝዀኑ ርእሰ⁠-​ቕትለት ክፍጽሙ ይፍትኑ” ይብል። ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰርጀን ጀነራል ዶ/ር ደቪድ ሳቸር ድማ “ካብቶም ብኻልኦት ሰባት ዝቕተሉ እቶም ርእሰ⁠-​ቕትለት ፈጺሞም ዝሞቱ ይበዝሑ ምባል ዘይእመን ኢዩ ዝመስል: እንተ​ዀነ ግን እዚ ዘሕዝን ሓቂ ኢዩ” ብምባል ጸብጻብ ይህብ።

ሓድሓደ ግዜ እቶም ርእሰ⁠-​ቕትለት ክፍጽሙ ዝፍትኑ ሓገዝ ደልዮም የእውዩ ከም ዘለዉ ኢዩ ዘርኢ። ኣባላት ስድራ​ቤትን ፈተውትን እውን ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ እቲ ዘድሊ ሓገዝ ክገብሩሎም ከም ዘድልዮም ርግጽ ኢዩ። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ሓሳብ ምሃብ ሓጋዚ ከም ዘይከውን ፍሉጥ ኢዩ:- “ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ከምዚ ክስመዓካ የብሉን:” “ካባኻ ዝገዱ ብዙሓት ኣለዉ:” ወይ “ሓሓሊፉ ንዅላትና ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ነገራት የጋጥመና ኢዩ።” ከምዚ ኣብ ክንዲ ምባል ናይ ሓቂ ፈታውን ጽን ኢልካ እትሰምዕን ክትከውን ዘይትጽዕር፧ እወ: ነቲ ተስፋ ዝቘረጸ ሰብ ብህይወት ምንባሩ ብዙሕ ረብሓታት ከም ዘለዎ ክርድኦ ክትሕግዞ ፈትን።

ቮልተያ እተባህለ ፈረንሳዊ ደራሲ “እቲ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ብምውዳቑ ሎሚ ርእሱ ዝቐትል ሰብ: ሓደ ሰሙን ተዓጊሱ ነይሩ እንተ ዝኸውን ምንባር ምበሃገ ነይሩ” ኢሉ ጸሓፈ። እቶም ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ዝወደቑ ሰባት ምንባር ትርጕም ከም ዘለዎ ክርድኡ ዝኽእሉ ድኣ እሞ ብኸመይ ኢዮም፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መንእሰያትን ዓበይትን ርእሰ⁠-​ቕትለት ይፍጽሙ

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ንሓደ ተስፋ ዝቘረጸ ሰብ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧