ተስፋ ምቝራጽ ዘይብላ ዓለም ድሕሪ ቐረባ ግዜ
ተስፋ ምቝራጽ ዘይብላ ዓለም ድሕሪ ቐረባ ግዜ
ህይወት ካብ ግዜ ናብ ግዜ በዳሂ እናዀነ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ: ተስፋ ከም እትቘርጽ ዝገብር ምኽንያታት ድማ ብዙሕ ኢዩ። ተስፋ ምስ ቈረጽና ስምዒትና ንምቍጽጻር ይኸብደና ይኸውን። እቶም ህይወት ዝፈትዉ ሰባት እውን ከይተረፈ ብርቱዕ ጓሂ ከጋጥሞም ይኽእል ኢዩ! ገለ ኣብነታት ርአ።
ኣብ ግዜ ጥንቲ ነብዪ ሙሴ ኣዝዩ ተስፋ ምስ ቈረጸ ንኣምላኽ “ነቲ መከራይ ከይርኢ: ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ: ብሓደ ኣፊቱ ቕተለኒ” በሎ። (ዘሁልቍ 11:15) ነብዪ ኤልያስ እውን ካብ ጸላእቱ ክሃድም ከሎ “ዎ እግዚኣብሄር: . . . ሕጂ ይአኽለኒ: ንነፍሰይ [ንህይወተይ] ውሰዳ” ኢሉ ጨርሐ። (1 ነገስት 19:4) ነብዪ ዮናስ ድማ “ዎ እግዚኣብሄር: እምብኣርሲ ሕጂ ኻብ ብህይወት ምንባር ሙማት ይሕሸኒ እሞ: እልምነካ አሎኹ: ንነፍሰይ ካባይ ውሰዳ” በለ። (ዮናስ 4:3) እንተዀነ ግን: ሙሴ ይኹን ኤልያስ ወይ እውን ዮናስ ርእሰ-ቕትለት ኣይፈጸሙን። ኵሎም ነቲ “ኣይትቕተል” ዝብል ትእዛዝ ኣምላኽ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። (ዘጸኣት 20:13) ኣብ ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ስለ ዝነበረቶም ፈጺሙ ክዕረ ዘይክእል ነገር ከም ዘየለ: ህይወት ድማ ውህበት ኣምላኽ ምዃና ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም።
እዚ ሕጂ ዘጋጥመና ዘሎ ግድላትከ፧ ኣብ ርእሲ እቲ ዘሎ ስምዒታዊ ጭንቀት ወይ ኣካላዊ ጸገማት ሓድሓደ ግዜ ነቲ ካብ ኣባላት ስድራቤት: ጐረባብቲ: ወይ መሳርሕቲ ዝመጽእ ንሕስያ ዘይብሉ ተግባራት እውን ክንዋጽኣሉ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም “ዓመጻ ዘበለ: ሮሜ 1:28-31) ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ተኸቢብካ ምውዓል ህይወት ከም እትጸልእ ዝገብር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቶም ምጽንናዕን ዕረፍትን ዘድልዮም ሰባት ከመይ ገይርና ክንሕግዞም ንኽእል፧
ሕሰም: ስስዔ: ክፍኣት ዝመልኦም: ምሉኣት ቅንኣት: ቅትለት: ባእሲ: ተንኰል: እከይ: መሕሸዅሸዅቲ: ሓመይቲ: ኣብ ኣምላኽ ጽሉኣት: ገፋዕቲ: ኵሩዓት: ተዘሃርቲ: ተጣበብቲ እከይ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ደናቝርቲ: ጠለምቲ: ፍቕሪ ዜብሎም: ዘይድንግጹ” ዓይነት ሰባት ተዛሪቡ ኣሎ። (ጽን ኢልካ ንምስማዕ ፍቓደኛ ምዃን
ጸበባን ስቓይን ንሓደ ሰብ ናይ ኣእምሮ ሚዛኑ ከም ዝስሕት ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ “ግፍዒ ንጥበበኛ የዐሽዎ” በለ። (መክብብ 7:7) ስለዚ ሓደ ብዛዕባ ርእሰ-ቕትለት ዝዛረብ ሰብ ሸለል ክበሃል የብሉን። እቲ ዘለዎ ጸገም ስምዒታዊ: ኣካላዊ: ኣእምሮኣዊ: ወይ መንፈሳዊ ይኹን ብዘየገድስ ቅልጡፍ ኣቓልቦ ክግበሮ ዘለዎ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: እቲ ዝግበር ናይ ክኢላ ሓገዝ ይኹን ሕክምና ይፋላለ ኢዩ: እቲ ዝግበር ዓይነት ሕክምና ድማ ብሕታዊ ውሳነ ክኸውን ኣለዎ።—ገላትያ 6:5
ንሓደ ሰብ ናይ ርእሰ-ቕትለት ስምዒት ከም ዘሕድር ዝገብሮ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ምስትውዓል እተሓወሶ ድንጋጽ ዘርእን ዕጉስን ሰብ ምስ ዝረክብ እቲ ኵነታት ክልወጥ ይኽእል ኢዩ። ጽን ኢሎም ንኽሰምዑ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ኣባላት ስድራቤትን ፈተውትን ክሕግዙ ይኽእሉ ኢዮም። ናይ ብጻይነት ስምዒትን ሕያውነትን ኣብ ርእሲ ምርኣይ ካብ ቃል ኣምላኽ ሃናጺ ሓሳብ ምክፋል ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት ኣዝዩ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ።
ነቶም ጭንቀት ዘለዎም ዝኸውን መንፈሳዊ ሓገዝ
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰይኑ ከም እትረኽቦ ከይተገረምካ ኣይትተርፍን ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ እኳ ጥዕና ኣእምሮ ዝሕለወሉ መምርሒ ዝህብ መጽሓፍ እንተ ዘይኰነ ንህይወት ኣኽቢርና ንኽንርእዮ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ በለ:- “ንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለዉ ሰናይ ምግባርን ዚሔሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበኣርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን: ብዅሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን: እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።” (መክብብ 3:12, 13) ኣብ ርእሲ እቲ ንህይወት ትርጕም ከም ዘለዋ ዝገብር ዘዕግብ ስራሕ ከም ዝሑል ኣየር: ብርሃን ጸሓይ: ዕንባባታት: ኣእዋም: ከምኡውን ኣዕዋፍ ዝኣመሰለ ብቐሊሉ ዝርከብ ነገራት ክንሕጐሰሉ እንኽእል ውህበት ኣምላኽ ኢዩ።
ዝያዳ ዅሉ ዘጸናንዕ ድማ እቲ የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ብዛዕባና ከም ዝግደሱ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህበና መረጋገጺ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:16፣ 1 ጴጥሮስ 5:6, 7) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ምስዚ ብምስምማዕ “እግዚኣብሄር ይባረኽ: ነንመዓልቲ ጾርና ይጸውር አሎ: ንሱ ኣምላኽ ምድሓንና እዩ” በለ። (መዝሙር 68:19) ዋላ እኳ ኣብ ግምት ዘይንኣቱን ዋጋ ዘይብልናን ኰይኑ ክስምዓና ዝኽእል እንተዀነ: ኣምላኽ ናብኡ ክንጽሊ ዓዲሙና ኣሎ። ብትሕትናን ብቕንዕናን ሓገዝ ንዝሓቶ ሰብ ፈጺሙ ዕሽሽ ከም ዘይብሎ ፍጹም ኣይትጠራጠር።
ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ግድላት ናጻ ዝዀነ ህይወት ከሕልፍ ኢሉ ትጽቢት ዝገብር ሰብ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። (እዮብ 14:1) ይኹን እምበር: ርእሰ-ቕትለት ምፍጻም ንሽግራት መፍትሒ ክኸውን ከም ዘይክእል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንብዙሓት ሰባት ምሂርዎም ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ‘ምስ ተበራበረ መዓጹ እቲ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ርእዩ እቶም እሱራት ዝመለቑ መሲልዎ ሰይፉ መሊሑ ርእሱ ክቐትል ዝደለየ’ ተስፋ ቘሪጹ ዝነበረ ሓላው እሱራት ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ርአ። እቲ ሓላው እሱራት ካብ ውርደት: ምናልባት እውን ብዘርኣዮ ሸለልትነት ተሳቕዩ ካብ ዝመውት: ርእስኻ ምቕታል ዝሓይሽ ገይሩ ብኡንብኡ ደምደመ። ሃዋርያ ጳውሎስ ግን “ኵላትና ኣብዚ አሎና እሞ: ኣብ ርእስኻ እከይ ኣይትግበር” በሎ። ጳውሎስ ከምዚ ጥራይ ኢሉ ስቕ ኣይበለን። ንሱን ሲላስን ነቲ ሓላው እሱራት ኣጸናንዕዎ ነቲ “ጐይተተይ: ምእንቲ ኽድሕንሲ: እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧” ዝብል ሕቶኡ እውን መለስሉ። ንሳቶም “ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም” በልዎ። ድሕርዚ ንዕኡን ንስድራቤቱን ቃል የሆዋ ምስ ነገርዎም “ሽዑ ንሱ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ።” እቲ ሓላው እሱራትን ስድራቤቱን ኣጸቢቖም ተሓጐሱ: ናይ ህይወት ሓድሽ ትርጕም ድማ ረኸቡ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:27-35
ሎሚ እውን እንተዀነ በቲ ዘሎ እከይ ዝሕተት ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ምፍላጥ ብሓቂ ዕረፍቲ ኢዩ! ቃሉ ሓደ “ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል” እኩይ መንፈስ ‘ንብዘላ ዓለም የስሕታ’ ከም ዘሎ ይዛረብ። እቲ ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ ግን ተጸንቂቑ ኢዩ። (ራእይ 12:9, 12) ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኵሉ እቲ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ምድሪ ዘውረድዎ መከራ ብመለኮታዊ ጣልቃ ምእታው ክውዳእ ኢዩ። ድሕርዚ እታ ጽድቂ ዝነብረላ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ነቲ ተስፋ ከም እትቘርጽን ርእሰ-ቕትለት ከም እትፍጽምን ዝገብር ነገራት ንሓዋሩ ከተጥፍኦ ኢያ።—2 ጴጥሮስ 3:13
ነቶም ሓገዝ ደልዮም ዘእውዩ ዝኸውን ምጽንናዕ
ሕጂ እውን ከይተረፈ እቶም ተስፋ ዝቘረጹ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምጽንናዕ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። (ሮሜ 15:4) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት “ዎ ኣምላኽ: ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 51:17) ገለ ክንኣልዮ ዘይንኽእል ፈተናታት ከም ዘጋጥመና: ሳዕቤን ናይ ዘይፍጽምና ድማ ከም ዝስምዓና ሓቂ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ: ፈቃር: ከምኡውን ምኽንያታዊ ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና ርጡብ ፍልጠት ምርካብ ኣብ ቅድሚኡ ክቡራት ምዃንና መረጋገጺ ክህበና ኢዩ። ኣምላኽ ቀንዲ ፈታዊናን መምህርናን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምስ የሆዋ ኣምላኽ ናይ ማሕርሮ ርክብ ምስ እንፈጥር: ተስፋ ክንቈርጽ ፈጺሙ ኣይክሓድገናን ኢዩ። ፈጣሪና “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” ኢሉ ኣሎ።—ኢሳይያስ 48:17
ኣብ ኣምላኽ ትውክልቲ ምግባር ንብዙሓት ሰባት ሓጊዝዎም ኢዩ። ብኣብነት ንምብራህ:- ማራ ሓደ ወዳ ብሓደጋ ትራፊክ ክመውት ከሎ: ንነዊሕ ግዜ ብዝጸንሐ ጭንቀት ኣቐዲማ ተዳኺማ ኢያ ጸኒሓ። a ትስንብድን ባዕላ ህይወታ ከተጥፍእ ትፍትንን ነበረት። ሕጂ ግን ዕዮ ገዝኣ ክትገብር ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣንጊሃ ትትስእ። ሙዚቃ ምስማዕን ንኻልኦት ምሕጋዝን ባህ ይብላ። እቲ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ ዝገልጽ ተስፋ ካብቲ ብሰንኪ ዘሰቅቕ ሞት እትፈትዎ ወዳ ዝወረዳ ጭንቀት ኣናገፋ: ኣብ ኣምላኽ ዘለዋ እምነት ድማ ኣበርትዓላ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ማራ ከም መላእኽቲ ኣብ ሰማይ ናይ ምንባር ባህጊ ፈጺሙ ስለ ዘይነበራ እተን ኣብ መዝሙር 37:11 ዘለዋ “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ዝብላ ቃላት ልባ ተንከፍኣ።
ሳንድራ እተባህለት ካልእ ብራዚልያዊት ድማ ንሰለስተ ደቃ ንፍዕቲ ኣደ ኰይና ንምዕባይ ኣበርቲዓ ጸዓረት። ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ትእመን:- “ሃንደበት ኣቦይ ምስ ሞተ: በዓል ቤተይ ድማ ካልእ ሰበይቲ ከም ዝለመደ ምስ ፈለጥኩ: ብስራሕ ኣዝየ ትሕዝቲ ካብ ምንባረይ እተላዕለ ሓገዝ ደልየ ናብ ኣምላኽ ምጽላይ ዝበሃል እውን ኣይሓሰብኩሉን።” ሳንድራ ተስፋ ብምቝራጽ ርእሳ ክትቀትል ፈተነት።
ካብዚ ኵነታት እዚ ንኽትወጽእ እንታይ ሓገዛ፧ እቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ዝነበራ ሞሳ ኢዩ ሓጊዝዋ። “ምሸት ምሸት ቅድሚ ምድቃሰይ መጽሓፍ ቅዱስ አንብብ: ንገዛእ ርእሰይ ድማ ኣብ ቦታ ናይቶም ዛንትኦም ዘንብቦ ዘለኹ ሰባት ክገብራ እፍትን ኢየ። ብተወሳኺውን መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! አንብብ ኢየ። ብፍላይ እቲ ታሪኽ ህይወት ዝገልጽ ጸብጻብ እፈትዎ ኢየ: ከመይሲ በቲ ኣብ ህይወት ዝረኽቦ ዘለኹ ነገራት ንኽዓግብ ይሕግዘኒ ኢዩ።” የሆዋ እቲ ዝበለጸ ዓርካ ምዃኑ ብምፍላጥ ነቲ ዘድልያ ነገራት ኣብ ጸሎታ ፈልያ ምጥቃስ ተማሂራ ኢያ።ተስፋ ምቝራጽ ዘይብሉ መጻኢ
ስቓይ ወድሰብ ግዝያዊ ምዃኑ ምፍላጥ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! እቶም ሕጂ ግዳይ ዓመጻ: ምጕዳል ፍትሒ: ወይ ግዳይ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምፍራድ ዝዀኑ ቈልዑን ዓበይትን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ እልል ክብሉ ኢዮም። ኣብቲ ትንቢታዊ መዝሙር ኣቐዲሙ ተነጊሩ ከም ዘሎ እቲ የሆዋ ንጉስ ክኸውን ዝሸሞ የሱስ ክርስቶስ “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ።” ኣብ ርእሲ እዚ ድማ “ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ።” ብርግጽ “ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ።”—መዝሙር 72:12-14
እዚ ትንቢታዊ ቃላት እዚ ዝፍጸመሉ ግዜ ቀሪቡ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ናይ ዘለኣለም ህይወት ምስትምቓር ዝብል ሓሳብ ኣይማርኸካንዶ፧ ዝማርኸካ እንተድኣ ኰይኑ ንኽትሕጐስን ንህይወት ከም ውህበት ኣምላኽ ገይርካ ኣኽቢርካ ንኽትርእያን ምኽንያት ኣሎካ። ነዚ ዘጸናንዕ ተስፋ ቅዱሳት ጽሑፋት ንኻልኦት ምስ እተካፍሎም: ነቶም ኣብዛ ርሕራሐን ፍቕርን ዘይብላ ዓለም ሓገዝ ደልዮም ዘእውዩ ዘለዉ ሰባት ኣብ ህይወቶም ሓጐስ ከም ዝረኽቡ ክትገብሮም ትኽእል ኢኻ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገሊኡ ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ኣብዚ እዋን እዚ ክንሕጐሰሉ እንኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ሓንቲ ተስፋ ምቝራጽ ዘይብላ ዓለም ክትነብር ሃንቀው ትብልዶ ኢኻ፧