ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስምካ ዓቅቦ

ንስምካ ዓቅቦ

ንስምካ ዓቅቦ

 ሓደ ጽቡቕ ህንጻታት ዝነድፍ ሰብ ከም ክኢላ መሃንድስ መጠን ስሙይ ይኸውን ኢዩ። ሓንቲ ብትምህርቲ ንፍዕቲ መንእሰይ ከም ብልጽቲ ተማሃሪት ትፍለጥ። ኮፍ ኢሉ ዝውዕል ሰብ እውን ከይተረፈ ሃካይ ዝብል ስም ከጥሪ ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ስም ምጥራይ ኣድላዪ ምዃኑ ብምጕላሕ “ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ንላዕሊ ይበሃግ: ጽቡቕ ዝና ኸኣ ካብ ብሩርን ወርቅን ይበልጽ” ይብል።​—⁠ምሳሌ 22:⁠1 ኣን ኣመሪካን ትራንስለሽን (እንግሊዝኛ)

ጽቡቕ ስም በቲ ኣብ እተፈላለየ ግዜ እትገብሮ ንኣሽቱ ነገራት ድሕሪ ብዙሕ ግዜ ኢዩ ዝጥረ። ንኸተበላሽዎ ግን ሓንቲ ናይ ዕሽነት ተግባር ጥራይ እኽልቲ ኢያ። ንኣብነት: ሓንሳእ እትፍጽሞ ጾታዊ ብዕልግና ነቲ ዝነበረካ ጽቡቕ ስም የበላሽዎ ኢዩ። ኣብ ምዕራፍ ሽዱሽተ ናይታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላ መጽሓፍ ምሳሌ: እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን ካብቲ ንስምና ኣበላሽዩ ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ዘዕኑ ኣረኣእያን ተግባራትን ክንሕሎ ኣጠንቂቑና ኣሎ። ገለ ካብዚ ድማ ብዘይ​ምስትውዓል ዝግበር ውዕል: ትህኪት: ምትላል: ከምኡውን ጾታዊ ርኽሰት ይርከቦ: እዚ ድማ የሆዋ ብቐንዱ ዝጸልኦ ነገራት ኢዩ። ነዚ ምኽሪ እዚ ምስማዕ ነቲ ዘሎና ጽቡቕ ስም ንምዕቃብ ክሕግዘና ኢዩ።

ምስትውዓል ዘይብሉ ውዕል ካብ ምግባር ተጠንቀቕ

ምሳሌ ምዕራፍ ሽዱሽተ በዘን ዝስዕባ ቃላት ትጅምር:- “ወደየ: ንብጻይካ እንተ ተውሐስካ: ስለ ጓና ኸኣ ኢድ እንተ ጠቓዕካ: ብቓላት ኣፍካ ተትሐዝካ: ብቓላት ኣፍካ ተፈንጠርካ። ወደየ: ኣብ ኢድ ብጻይካ ኻብ ወደቕካስ: ምእንቲ ኽትግርነ: ከምዚ ግበር: ኪድ እሞ ተደፊእካ ንብጻይካ ነዝንዞ።”​—⁠ምሳሌ 6:⁠1-3

እዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ንግዳዊ ጕዳይ ካልኦት ብፍላይ ድማ ኣብ ጕዳይ ዘይንፈልጦም ሰባት ከይንኣቱ ዘጠንቅቐና ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: እስራኤላውያን ነቲ ‘ዝደኸየን ኢድ ዝሓጸሮን ሓዎም ከናብርዎ’ ነይርዎም ኢዩ። (ዘሌዋውያን 25:⁠35-38) ሓድሓደ እስራኤላውያን ግን ዘይርጉጽ ንግዳዊ ስራሓት ንምክያድ ‘ብዋሕስ’ ናይ ካልኦት ገንዘባዊ ደገፍ ረኺቦም ነቶም እተዋሕስዎም ብሓላፍነት ከም ዝሕተቱ ይገብርዎም ነይሮም ኢዮም። ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ኵነታት ከጋጥም ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ናይ ገንዘብ ትካላት ሓደገኛ ኢለን ንዝሓስብኦ ለቓሕ ቅድሚ ምፍቃደን ዋሕስ ይሓታ ኢየን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ብታህዋኽ ንኻልኦት ክትወሓሶምሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ዕሽነት ኰን ኢዩ! ብቝጠባ ኣብ መፈንጠራ ከእትወና: አረ ኣብ ባንክን ካልኦት ኣለቃሕቲ ትካላትን ጽቡቕ ስም ከም ዘይህልወና ክገብር ይኽእል ኢዩ!

ኣብ መጀመርታ ደሓን መሲሉ እተራእየና ዳሕራይ ምስ ኣተናዮ ግን ዘይጥበባዊ ኰይኑ ምስ እንረኽቦኸ፧ ንትዕቢት ኣሰኒፍና ብዘይ​ምቍራጽ ‘ንብጻይና ክንንዝንዞ’ ኢዩ ምኽሪ ተዋሂቡና ዘሎ። ነቲ ነገር ንኸነዐርዮ ዝከኣለና ኵሉ ክንገብር ኣሎና። ሓደ ናይ መወከሲ መጽሓፍ ከምዚ ኢሉ ይሕብር:- “እቲ ዕዳ ኣባኻ ወይ ኣብ ስድራኻ ምእንቲ ከይወድቕ ምስቲ መባእስትኻ ተሰማሚዕካ ነቲ ጕዳይ ክሳዕ እትፈትሖ ዝከኣለካ ዅሉ ጸዓር።” እዚ ኸኣ ወዓል ሕደር ከይበልካ ክግበር ዘለዎ ነገር ኢዩ: ከመይሲ እቲ ንጉስ ወሲኹ “ንዓይንኻ ድቃስ: ንቕርኒብካ ትኽስታ ኣይትሀብ: ከምቲ ሜዳቝ ካብ ኢድ ሃዳኒ ዑፍውን ካብ ኢድ ኣፈንጣሪ ዜምልጣ: ንርእስኻ ኣድሕን” ኢሉ ኣሎ። (ምሳሌ 6:⁠4, 5) ዘይጥበባዊ መብጽዓ ገይርካ ኣብ መፈንጠራ ካብ እትኣቱ ኣቐዲምካ ምርሓቕ ይሓይሽ።

ከም ጻጸ ጻዕረኛ ኩን

ንጉስ ሰሎሞን “ኣታ ሃካይ: ናብ ጻጸ ኺድ: መገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን” ብምባል ይምዕድ። ካብ ኣካይዳ ናይቲ ደቂቕ ዝዀነ ፍጥረት: ጻጸ: እንታይ ጥበብ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧ እቲ ንጉስ ከምዚ ኢሉ ይምልስ:- “ወይ ሓለቓ ወይ ኣዛዚ ወይ ገዛኢ የብሉን: ግናኸ ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉ: ምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ።”​—⁠ምሳሌ 6:6-8

ጻጸ ብዘገርም መገዲ እተጠርነፉን ኣብ ንሓድሕዶም ሓለፍ ዝበለ ምትሕብባር ዘለዎምን ፍጥረት ኢዮም። ዝማሃሮም ዘይብሎም ንመጻኢ ዝዀኖም መግቢ ይእክቡ። ‘ሓለቓ ወይ ኣዛዚ ወይ ገዛኢ የብሎምን።’ ልክዕ ኢዩ ሓንቲ ንግስቲ ኣላቶም: እንተ​ዀነ ግን እንቋቝሖ ስለ እትወልድን ኣደ ናይቲ ጭፍራ ብምዃናን ጥራይ ኢያ ንግስቲ ተባሂላ ዘላ። ኣይትእዝዝን ኢያ። ዝኣልዮም ወይ ዝቈጻጸሮም ሓለቓ እኳ እንተ ዘይብሎም ጻጸ ከየዕረፉ ኢዮም ዝሰርሑ።

ንሕናውን ከም ጻጸ ጻዕረኛታትዶ ክንከውን ኣይግብኣናን፧ ዝቈጻጸረና ሰብ ይሃሉ ኣይሃሉ ብዘየገድስ ኣበርቲዕና ክንዓይን ስራሕና ንምምሕያሽ ክንጽዕርን ጽቡቕ ኢዩ። እወ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ስራሕ: ከምኡውን ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ክንካፈል ከሎና ዝከኣለና ዅሉ ክንገብር ኣሎና። ልክዕ ከምቲ ጻጸ ጻዕረኛታት ብምዃኖም ረብሓ ዝረኽቡ: ኣምላኽ ‘ብዅሉ ጻዕርና ጽቡቕ ክንርኢ’ ኢዩ ዝደልየና። (መክብብ 3:⁠13, 22፣ 5:⁠18) ጽሩይ ሕልናን ብሕታዊ ዕግበትን ዓስቢ ኣበርቲዕካ ምዕያይ ኢዩ።​—⁠መክብብ 5:⁠12

ሰሎሞን ክልተ ከም እትመራመር ዝገብራ ሕቶታት ገይሩ ነቲ ሃካይ ሰብ ካብ ድቃሱ ከበራብሮ ይፍትን። ከምዚ ይብል:- “ኣታ ሃካይ: ክሳዕ መኣዝ ኢኻ በጥ እትብል፧ መኣዝከ ኢኻ ኻብ ድቃስካ እትትንስእ፧” እቲ ንጉስ ብምሕጫጭ ነቲ ሃካይ ወሲኹ ከምዚ ይብሎ:- “ሓንሳእ ምድቃስ: ሓንሳእ ከኣ ምትኻስ: ሓንሳእ ምእንቲ ኽትዐርፍውን ኣእዳውካ ምምስቓል: ድሕርዚ ኸኣ ድኽነትካ ኸም ፈጣን መንገደኛ: ስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዐጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ።” (ምሳሌ 6:⁠9-11) እቲ ሃካይ ሰብ ጠላዕ ስለ ዝዀነ ድኽነት ከም ፈጣን ዓማጺ: ስእነት ድማ ከም ኣጽዋር እተዓጥቀ ሰብኣይ ቀልጢፉ ይመጾ። ግርሁ እቲ ሃካይ ቀልጢፋ ጻህያይን እሾኽን ትመልእ። (ምሳሌ 24:⁠30, 31) ንግዳዊ ዋኒኑ ኣብ ሓጺር ግዜ ይኸስር። ኣስራሒኸ ንሓደ ሃካይ ሰራሕተኛ ክሳዕ መዓስ ኢዩ ዝጽመሞ፧ ሓደ ከጽንዕ ዘይፈቱ ሃካይ ተማሃራይከ ኣብ ትምህርቱ ጽቡቕ ውጽኢት ከምጽእ ትጽቢት ይግበረዶ ኢዩ፧

ሓቀኛ ኩን

ሰሎሞን ንሓደ ሰብ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘለዎ ጸቡቕ ስምን ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብን ከም ዝበላሾ ዝገብር ካልእ ዓይነት ጠባይ ብምግላጽ ከምዚ ኢሉ ይቕጽል:- “ሕሱም ሰብ: ዓመጸኛ ሰብ: ብወስላታ ኣፍ ይመላለስ: ብዓይኑ ይጠቅስ: ብእግሩ ይዛረብ: በጻብዑ የመልክት። ተንኰል ኣብ ልቡ እዩ: ኵሉ ጊዜ እከይ ይፍሕስ: ባእሲ ድማ ይዘርእ።”​—⁠ምሳሌ 6:⁠12-14

እዚ መግለጺ እዚ ኣብ ሓደ መታለሊ ሰብ ዝውዕል ኢዩ። ሓሳዊ ኵሉ ግዜ ሓሶቱ ክሽፍን ኢዩ ዝጽዕር። ብኸመይ፧ “ብወስላታ ኣፍ” ጥራይ ዘይኰነስ ብናይ ኣካላቱ ምንቅስቓስ እውን ከይተረፈ ኢዩ ዝሕሱ። ሓደ ምሁር ከምዚ ኢሉ ይሕብር:- “ኣካላዊ ምንቅስቓስ: ናይ ድምጺ ቃና: ትርኢት ገጽ ኣቐዲምካ ዝውጠን ሜላታት ምትላል ኢዩ፣ ብድሕሪ እቲ ናይ ቅንዕና ዝመስል መጋረጃ ጠዋይ ሓሳብን ናይ ጽልኢ መንፈስን ተሓቢኡ ኣሎ።” ከምዚ ዝኣመሰለ እኩይ ሰብ ሕማቕ ውዲት ኣለዎ: ኵሉ ግዜ ድማ ጽልኢ ኢዩ ዝዘርእ። ዳሕራይ ግን እንታይ ኢዩ ዘጋጥሞ፧

እቲ ንጉስ እስራኤል “ስለዚ ጥፍኣቱ ብድንገት ይመጽእ: ብቕጽበት ዓይኒ ይጭፍለቕ: ፈውሲውን ከቶ የብሉን” ኢሉ መልሲ ይህብ። (ምሳሌ 6:⁠15) እቲ ሓሳዊ ምስ ተቓልዐ ዝነበሮ ዅሉ ጽቡቕ ስም ብሓንሳእ ይጠፍእ። መን ኢዩ እሞ ካልኣይ ግዜ ክኣምኖ፧ መወዳእታኡ ብሓቂ ኣዕናዊ ኢዩ: ከመይሲ ‘ብዘለዉ ሓሰውቲ’ ኣብ መንጎ እቶም ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዘጋጥሞም ሰባት ኢዮም ተጠቒሶም ዘለዉ። (ራእይ 21:⁠8) ‘ብዅሉ ደግነት [“ሓቀኛታት ኴንና:” NW] ንምንባር’ ዝከኣለና ዅሉ ንግበር።​—⁠እብራውያን 13:⁠18

ነቲ የሆዋ ዝጸልኦ ጽልኣዮ

ንእከይ ምጽላእ ንዘሎና ስም ዘበላሹ ነገራት ካብ ምግባር ዝሕልወና ከመይ ዝበለ ልጓም ኰን ኢዩ! እሞ ንእከይ ምጽላእ ከነማዕብሎዶ ኣይግብኣናን ኢዩ፧ ግን እንታይ ኢና ክንጸልእ፧ ሰሎሞን ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹድሽተ ነገር እየን: ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን: ትዕቢተኛ ዓይኒ: ሓሳዊት መልሓስ: ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው: እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ: እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋር: ሓሶት ዚዛረብ ሓሳዊ ምስክር: ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርእ።”​—⁠ምሳሌ 6:⁠16-19

እዘን መጽሓፍ ምሳሌ ጠቒሳተን ዘላ ሸውዓተ ነገራት እተን መሰረታውያን ኰይነን ነቲ ዝተረፈ ኵሉ ዓይነት ሓጢኣት እውን ዘጠቓልላ ኢየን። “ትዕቢተኛ ዓይኒ” ከምኡውን “እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ” ብሓሳብ ጥራይ ዝፍጸም ሓጢኣት ኢዩ። “ሓሳዊት መልሓስ” ከምኡውን “ሓሶት ዚዛረብ ሓሳዊ ምስክር” ማለት ናይ ሓጢኣት ቃላት ምውሳእ ኢዩ። “ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው” ከምኡውን “እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋር” ድማ እኩይ ተግባራት ማለት ኢዩ። ኣብ መንጎ እቶም ብሰላም ሓቢሮም ዝነብሩ ሰባት ባእሲ ክዘርኡ ዝፈትዉ ኸኣ ብፍላይ የሆዋ ዝፍንፍኖም ዓይነት ሰባት ኢዮም። ሰባት ነቲ እኩይ ተግባራቶም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ስለ ዝውስኽሉ እቲ ቍጽሪ ካብ ሽዱሽተ ናብ ሸውዓተ ምድያቡ እቲ ሕማቕ ነገራት ተባሂሉ ዘሎ እቲ እተጠቕሰ ጥራይ ከም ዘይኰነ ዝሕብር ኢዩ።

ነቲ ኣምላኽ ዝጸልኦ ነገር ክንፍንፍኖ ከም ዘሎና ርግጽ ኢዩ። ንኣብነት “ትዕቢተኛ ዓይኒ” ወይ ዝዀነ ይኹን ትዕቢት ዝንጸባረቐሉ ተግባራት ከነልግስ ኣሎና። ሕሜት እውን ክለግስ ዘለዎ ኢዩ: ከመይሲ ብቐሊሉ “ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ” ክፈጥር ይኽእል ኢዩ። ዘይጥዑይ ወረ: መሰረት ዘይብሉ ወቐሳ ወይ ሓሶት ብምንዛሕ ‘ንጹህ ደም ዘይነፍስስ’ እኳ እንተዀንና ናይ ካልእ ሰብ ጽቡቕ ስም ግን ከነበላሹ ንኽእል ኢና።

“ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ”

ሰሎሞን ነቲ ቀጺሉ እተዋህበ ምኽሪ ከምዚ ብምባል ይጅምሮ:- “ወደየ: ንትእዛዝ ኣቦኻ ሐልዎ: ንሕጊ ወላዲትካ ኸኣ ኣይትሕደጎ: ኵሉ ጊዜ ኣብ ልብኻ እሰሮ: ኣብ ክሳድካውን ኣጥቢቕካ ሐዞ።” ስለምንታይ፧ “እንተ ኸድካ: ይመርሓካ: በጥ እንተ በልካ: ይሕልወካ: እንተ ነቓሕካ ድማ: የዛርበካ።”​—⁠ምሳሌ 6:20-22

ቅዱስ ጽሑፋዊ ብዝዀነ ስርዓት ምዕባይ ብሓቂ ካብ መፈንጠራ ጾታዊ ርኽሰት ክሕልወና ይኽእል ድዩ፧ እወ: ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ:- “ካብታ እክይቲ ሰበይቲ: ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባልሃካስ: ትእዛዝ መብራህቲ እዩ: ሕጊ ኸኣ ብርሃን እዩ: ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ።” (ምሳሌ 6:⁠23-24) ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ምኽሪ ብምዝካር ‘ንእግርና መብራህቲ ንመገድና ብርሃን’ ገይርና ምስ እንጥቀመሉ: ነቲ እክይቲ ሰበይቲ ወይ እኩይ ሰብኣይ ዝገብሩልና ዘስድዕ ዕድመ ንኽንቃወሞ ክሕግዘና ኢዩ።​—⁠መዝሙር 119:⁠105

እቲ ጥበበኛ ንጉስ “ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ: ብቘላሕታኣውን ኣይትዘርፍካ” ብምባል ይምዕድ። ስለምንታይ፧ “ብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ [ሓደ ሰብ] ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን: ዘማዊት ከኣ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሀድን።”​—⁠ምሳሌ 6:⁠25, 26

ሰሎሞን ንሓንቲ ዘማዊት ሰበይቲ ድዩ ከም ኣመንዝራ ዝጠቕሳ ዘሎ፧ ምናልባት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ወይ ድማ ምስ ኣመንዝራ ጾታዊ ርኽሰት ምፍጻምን ምስ ሰበይቲ ኻልእ ዝሙት ምፍጻምን ዘምጽኦ ሳዕቤን ብኸመይ ከም ዝፈላለ ይገልጽ ይህሉ። እቲ ምስ ኣመንዝራ ርክብ ዘለዎ ሰብ “ሓንቲ እንጌራ” ክተርፎ ወይ ኣብ ክቱር ድኽነት ክወድቕ ይኽእል ኢዩ። ከምቲ ቀታሊ ዝዀነ አይድስ ዝኣመሰለ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ዘሳቒ ሕማም እውን ክሕዞ ይኽእል ኢዩ። በቲ ኻልእ ወገን ክርአ ኸሎ ድማ ምስ ሰበይቲ ኻልእ ኣጸቢቕካ ምቅርራብ ብመሰረት እቲ ሕጊ ብኡንብኡ ዝኸፍአ ሓደጋ የምጽእ ይኸውን። ሓንቲ ዘማዊት ሰበይቲ ነታ “ክብርቲ ነፍሲ” ናይቲ ምስኣ ዝዘመወ ሰብኣይ ኣብ ሓደጋ ተውድቓ። ሓደ ናይ መወከሲ መጽሓፍ “ብሰንኪ ዘይእዱብ ናብራ ዝበላሾ ህይወት ጥራይ ዘይኰነስ . . . ካልእ እውን ኣሎ። እቲ ሓጥእ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እውን ክወርዶ ይኽእል ኢዩ” ይብል። (ዘሌዋውያን 20:⁠10፣ ዘዳግም 22:⁠22) እቲ ዀይኑ እቲ: ከምዚኣ ዓይነት ሰበይቲ ክሳዕ ክንደይ ጽብቕቲ ትኹን ብዘየገድስ እትበሃግ ኣይኰነትን።

‘ሓዊ ኣይትሕቈፍ’

ሰሎሞን ዝሙት ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ብተወሳኺ ንምጕላሕ ከምዚ ኢሉ ይሓትት:- “ሰብዶ ሓዊ ሐቚፉስ ክዳኑ ኣይነድድን እዩ፧ ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ኸይዱኸ: ኣእጋሩዶ ኣይሐርርን እዩ፧” ናይዚ ትርጕም ክገልጽ ከሎ “ናብ ሰበይቲ ብጻዩ ዚአቱ ኸኣ ከምኡ እዩ፤ ዚትንክያ ኸይተቐጽዔ ከቶ ኣይተርፍን” ይብል። (ምሳሌ 6:⁠27-29) ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጥእ ብሓቂ ይቕጻዕ ኢዩ።

“ሰራቒ ጠምዩ ኺዕንገል ኢሉ እንተ ሰረቐ: ሰብ ኣይንዕቆን እዩ” ዝብል መዘኻኸሪ ተዋሂቡና ኣሎ። እንተ​ዀነ ግን “እንተ ተታሕዘ ኸኣ: ሾብዓተ ኢድ ይዐዲ: ኣብ ቤቱ ዘሎ ዅሉውን ይህብ።” (ምሳሌ 6:⁠30, 31) ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ሓደ ሰራቒ ዘለዎ ኵሉ ክኸፍል ዝሓቶ እውን እንተ ነበረ ነቲ ዝሰረቖ ክኸፍሎ ነይርዎ ኢዩ። a እሞ እቲ ንጌጋኡ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ዘይብሉ ዘማዊኸ ድኣ ክሳዕ ክንደይ ዝያዳ ክቕጻዕ ዘይግብኦ!

ሰሎሞን “እቲ ምስ ሰበይቲ ዚምንዝር ግና ልቢ የብሉን” ይብል። ልቢ ዘይብሉ ሰብ ጽቡቕ ምምዝዛን የብሉን: ከመይሲ ንሱ “ንነፍሱ ኼጥፍኣ ዚደሊ እዩ።” (ምሳሌ 6:⁠32) ብደገ ክርአ ኸሎ ጽቡቕ ስም ዘለዎ ይመስል ይኸውን: እቲ ውሽጣዊ ሰቡ ግን ብሓቂ ብስለት ዘይብሉ ኢዩ።

ሓደ ዘማዊ ሰብ ዝዓጽዶ ካልእ ፍረ እውን ኣሎ። “ቍስልን ነውርን ይረኽቦ: ጸርፉ ከቶ ኣይድምሰስን። ቅንኢ ንሰብኣይ ብቝጥዓ የንድዶ እዩ እሞ: ብመዓልቲ ሕነ ኣይድንግጽን እዩ። ግዲ ኻሕሳ የብሉን: ኣብዚሕካ ውህበት እንተ ኣቕረብካሉ እኳ: ኣይቅበልን እዩ።”​—⁠ምሳሌ 6:⁠33-35

ሰራቒ ነቲ ዝሰረቖ ክኽሕሶ ይኽእል ኢዩ: ዘማዊ ግን ክኽሕሶ ኣይክእልን ኢዩ። ንሓደ ሰበይቱ ተወሲዳቶ እተቘጠዐ በዓል እንዳ እንታይ ካሕሳ ኢዩ እሞ ክወሃቦ፧ እቲ በደለኛ ዘቕርቦ ዝዀነ ይኹን ልመና ከም ዝድንግጽ ክገብሮ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ዘማዊ ንዝገበሮ ሓጢኣት ፈጺሙ ክመልሶ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ኣብ ስሙ ዝወረደ ሕስረትን ነውርን ምስኡ ኢዩ ዝተርፍ። ኣብ ርእሲ እዚ: ንገዛእ ርእሱ ካብቲ ዝግብኦ መቕጻዕቲ ክብጀዋ ወይ ናጻ ከውጽኣ ኣይክእልን ኢዩ።

ካብ ዝሙትን ነቲ ዘሎና ጽቡቕ ስም ኣበላሽዩ ኣብ ኣምላኽ ጸርፊ ካብ ዘምጽእ ካልእ ጠባይን ኣረኣእያን ክንቍጠብሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ጥበብ ኰን ኢዩ! ስለዚ እምበኣር ብዘይ​ምስትውዓል ኣብ ዝግበር ውዕላት ኣይንእቶ። ጻዕረኛን ሓቀኛን ምዃን ንስምና ይሰልሞ። ነቲ የሆዋ ዝጸልኦ ክንጸልእ ክንጽዕር ከሎና ኸኣ ኣብ ቅድሚኡን ኣብ ቅድሚ ብጾትናን ጽቡቕ ስም ዘሎና ንኹን።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ሓደ ሰራቒ ዕጽፊ: ኣርባዕተ ዕጽፊ: ወይ ሓሙሽተ ዕጽፊ ክኸፍል ይሕተት ነበረ። (ዘጸኣት 22:⁠1-4) እታ “ሾብዓተ ኢድ” እትብል መግለጺት ምሉእ መቕጻዕቲ እተመልክት ኢያ: እዚ ድማ ካብቲ ዝሰረቖ ኣዝዩ እተዓጻጸፈ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ክትወሓስ ከሎኻ ጥንቁቕ ኩን

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ከም ጻጸ ጻዕረኛ ኩን

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ሕሜት ተሓሎ