‘ግዜኡ ኣይበጽሐን’
‘ግዜኡ ኣይበጽሐን’
“ጊዜኡ ስለ ዘይበጽሔ ግና: ኢዱ ዘልዐለሉ የልቦን።” —ዮሃንስ 7:30
1. እቲ የሱስ ክፍጽሞ ዝነበሮ ግብሪ በየኖት ክልተ ረቛሒታት ኢዩ እተጸልወ፧
የሱስ ክርስቶስ ንሃዋርያቱ “ወዲ ሰብ ድማ: ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር: ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን” ብምባል ነገሮም። (ማቴዎስ 20:28) ነቲ ሮማዊ ኣማሓዳሪ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ድማ “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” በሎ። (ዮሃንስ 18:37) የሱስ ስለምንታይ ከም ዝመውትን ቅድሚ ሞቱ እንታይ ክዓዪ ከም ዝነበሮን ብልክዕ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ተልእኾኡ ንምፍጻም ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከም ዝነበሮ እውን ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ከም መሲሕ መጠን ኣብ ምድሪ ክፍጽሞ ዝነበሮ ኣገልግሎት ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ጥራይ ኢዩ ክኸውን ነይርዎ። እዚኣተን ድማ ካብቲ የሱስ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብማይ እተጠመቐሉ ማለት እታ ኣቐዲማ ተነጊራ ዝነበረት መበል 70 ሰሙን ዝጀመረትሉ ግዜ (29 ከ.ኣ.ዘ.) ኣትሒዘን ክሳዕ እቲ የሱስ ኣብ መሳቐዪ ዕንጸይቲ ዝሞተሉ መፋርቕ ናይታ ሰሙን እቲኣ (33 ከ.ኣ.ዘ.) ኢየን ጸኒሐን። (ዳንኤል 9:24-27፣ ማቴዎስ 3:16, 17፣ 20:17-19) ስለዚ እምበኣር: እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኰይኑ ክፍጽሞ ዝነበሮ ግብሪ ብምሉኡ ብኽልተ ረቛሒታት ማለት ብዕላማ መምጽኢኡን ኣገዳስነት ግዜን እተጸልወ ኢዩ ነይሩ።
2. የሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌላት ብኸመይ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ: ብዛዕባ ተልእኾኡ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ከም ዝነበረኸ ብኸመይ ኢዩ ኣርእዩ፧
2 እቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ጸብጻባት: ንየሱስ ክርስቶስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እናኣወጀ ብዙሕ ተኣምራት ድማ እናገበረ ኣብ ብምልኡ ምድሪ ጳለስጢና ዝጓዓዝ ዝነበረ ሰብ ገይሩ ይገልጾ። ኣብ እዋን እቲ ናይ መጀመርታ ውዕዉዕ ክፍሊ ኣገልግሎቱ ‘ግዜኡ ኣይበጽሐን’ ተባሂሉ ኣሎ። የሱስ ባዕሉውን “ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን” ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ኣገልግሎቱ ኸኣ “ጊዜኡ በጺሓ” ዝብል መግለጺ ተጠቒሙ ኣሎ። (ዮሃንስ 7:8, 30፣ 12:23) የሱስ ነታ ሰዓት: ወይ ከኣ ነቲ መስዋእታዊ ሞቱ ሓዊስካ እተመደበሉ ዕዮ ንምፍጻም ዘሕልፎ ግዜ ምፍላጡ ነቲ ዝብሎን ዝገብሮን ዝነበረ ነገራት ጽልዋ ገይርሉ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ብኸመይ ከም ዝተንከፎ ምርዳእ ባህርያቱን ኣገባብ ኣተሓሳስባኡን ከመይ ከም ዝነበረ ንኸነስተውዕልን ጠቢቕና ‘ኣስኣሰሩ ክንስዕብን’ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 2:21
ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ቈረጸ
3, 4. (ሀ) ኣብ ቃና ኣብ እተገብረ መርዓ እንታይ ተፈጸመ፧ (ለ) ወዲ ኣምላኽ ነቲ ማርያም ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ዋሕዲ ወይኒ ገለ ነገር ንኽገብር ዘቕረበትሉ ርእይቶ እተቓወሞ ስለምንታይ ኢዩ: ካብዚኸ እንታይ ንማሃር፧
3 እዋኑ 29 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ። ካብቲ የሱስ ብብሕቱ ነቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ዝመረጸሉ እዋን ሒደት መዓልትታት ጥራይ ኢዩ ሓሊፉ። ኵሎም ንመርዓ ኢሎም ናብታ ኣብ ኣውራጃ ገሊላ እትርከብ ቃና እትበሃል ዓዲ መጹ። ማርያም ኣደ የሱስ እውን ኣብኡ ነበረት። ወይኒ ምስ ተወድአ: ማርያም ንወዳ “ወይኒ እምበር የብሎምን” ብምባል ገለ ነገር ክገብር ከም ዘለዎ ዝሕብር ርእይቶ ኣቕረበትሉ። የሱስ ግን “ኣቲ ሰበይቲ: ምሳኺኸ እንታይ አሎኒ፧ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን” ኢሉ መለሰላ።—ዮሃንስ 1:35-51፣ 2:1-4
4 እቲ “ኣቲ ሰበይቲ: ምሳኺኸ እንታይ አሎኒ፧” ዝብል መልሲ የሱስ ንእተዋህበ ርእይቶ ወይ እማመ ምቅዋም ዘመልክት ጥንታዊ ኣገባብ ሕቶ ኢዩ። የሱስ ንቓላት ማርያም እተቓወሞ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብቲ እዋን እቲ ወዲ 30 ዓመት ኢዩ ነይሩ። ሒደት ሰሙናት ኣቐዲሙ: ተጠሚቑ: ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኡ: ብዮሃንስ መጥመቕ ከኣ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ዝብል መለለዪ ተዋሂብዎ ነበረ። (ዮሃንስ 1:29-34፣ ሉቃስ 3:21-23) ሕጂ መምርሒ ካብቲ ለኣኺኡ ዝዀነ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ኢዩ ዝመጾ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ጥብቂ ኣባል ስድራቤት እውን እንተዀነ ኣብቲ የሱስ ክፍጽሞ ዝነበሮ ዕዮ ጣልቃ ኽኣቱ ዋላ ሓደ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብቲ የሱስ ንማርያም ዝሃባ ምላሽ ተገሊጹ ከም ዘሎ: ፍቓድ ኣቦኡ ንምፍጻም ኣየ ከመይ ዝበለ ቈራጽነት ኰን ኢዩ ዝነበሮ! ንሕናውን ንኣምላኽ ዘሎና “ምሉእ ግዴታ” ንምፍጻም ተመሳሳሊ ቈራጽነት ይሃልወና።—መክብብ 12:13 NW
5. የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቃና እንታይ ተኣምራት ኢዩ ዝፈጸመ: እዚኸ ኣብ ካልኦት ከመይ ዝበለ ውጽኢት ነበሮ፧
5 ማርያም እቲ ወዳ ዝበላ ቓላት ስለ እተረዳኣቶ ብኡንብኡ ተመሊሳ ነቶም ኣሳሰይቲ “ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ” በለቶም። የሱስ ከኣ ነቲ ጸገም ፈትሖ። ነቶም ኣሳሰይቲ ነቲ ኣጋንእ ማይ ክመልእዎ ነገሮም: እቲ ማይ ከኣ ናብ ጥዑም ወይኒ ቀየሮ። እዚ ኸኣ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ምዃኑ ዝሕብር ምልክት ብምሃብ መጀመርታ ናይቲ የሱስ ተኣምራት ክገብር ዘኽእሎ ሓይሊ ነበረ። እቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ እዚ ምስ ረኣዩ እምነቶም ደልደለ።—ዮሃንስ 2:5-11
ንቤት የሆዋ ቀናእ
6. የሱስ በቲ ኣብ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዝረኣዮ ነገር ብቝጥዓ ዝመልአ ስለምንታይ ኢዩ: እንታይ ስጕምቲኸ ኢዩ ዝወሰደ፧
6 ነዊሕ ከይጸንሐ ጽድያ 30 ከ.ኣ.ዘ. ኣርከበ: የሱስን ብጾቱን ከኣ ፋስጋ ኸብዕሉ ናብ የሩሳሌም ገጾም ኣምርሑ። ኣብኡ ድማ ደቀ መዛሙርቱ መራሒኦም ቅድሚኡ ገይርዎ ዘይፈልጥ ነገር ክገብር ረኣይዎ። ስሱዓት ኣይሁዳውያን ነጋዶ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት መቕደስ ንመስዋእቲ ዝኸውን እንስሳታትን ኣዕዋፍን ይሸጡ ነበሩ። ነቶም እሙናት ኣይሁዳውያን ከኣ ብዙሕ ዋጋ የኽፍልዎም ነበሩ። የሱስ ብቝጥዓ ተላዒሉ ስጕምቲ ወሰደ። ካብ ገመድ መግረፊ ኣዳልዩ ነቶም ሸየጥቲ ከውጽኦም ጀመረ። ንገንዘብ እቶም ሸረፍቲ ፋሕ ኣቢሉ: ንሰደቓኦም ደንከሎ። ነቶም ሸየጥቲ ረገቢት “እዚ ኻብዚ ኣልዕልዎ” ብምባል ኣዘዞም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ክገብር ምስ ረኣይዎ: ነቲ “ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ” ዝብል ብዛዕባ ወዲ ኣምላኽ ዝዛረብ ትንቢት ዘከሩ። (ዮሃንስ 2:13-17፣ መዝሙር 69:9) ንሕናውን ዓለማዊ ዝምባለታት ንኣምልኾና ክምርዞ ንኸይነፍቅደሉ ብቕንኢ ተለዓዒልና ክንሕሎ ይግብኣና።
7. (ሀ) ኒቆዲሞስ ንመሲሕ ክበጽሕ ዘተባብዖ ነገር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ካብቲ የሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝሃቦ ምስክርነት እንታይ ኢና እንማሃር፧
7 ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበረሉ ግዜ የሱስ ጕሉሕ ትእምርትታት ፈጺሙ ኢዩ: ብዙሓት ሰባት ከኣ ብእኡ ኣመኑ። እቲ ኣባል ሳንሄድሪን ወይ ናይ ኣይሁድ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ዝነበረ ኒቆዲሞስ እኳ ከይተረፈ ብየሱስ ተመሲጡ ኢዩ: ዝያዳ ንኽፈልጥ ከኣ ብለይቲ ናብ የሱስ ከደ። የሱስን ደቀ መዛሙርቱን እናሰበኹን ደቀ መዛሙርቲ እናገበሩን ኣብ “ምድሪ ይሁዳ” ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝኸውን ጸንሑ። ይኹን እምበር ደድሕሪ ማእሰርቲ ዮሃንስ መጥመቕ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸዱ። ብኣውራጃ ሰማርያ ገይሮም ክጓዓዙ ኸለዉ: የሱስ ነቲ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ጽቡቕ ምስክርነት ንምሃብ ተጠቕመሉ። እዚ ኸኣ ንብዙሓት ሳምራውያን ኣመንቲ ክዀኑ መገዲ ከፈተሎም። ንሕናውን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንዛረበሉ እንኽእል ኣጋጣሚታት ንምርካብ ንቑሓት ንኹን።—ዮሃንስ 2:23፣ 3:1-22፣ 4:1-42፣ ማርቆስ 1:14
ኣብ ገሊላ ሰፊሕ ምስክርነት ይህብ
8. የሱስ ኣብ ገሊላ እንታይ ዕዮ ኢዩ ዝጀመረ፧
8 የሱስ ቀቅድሚ እታ ዝሞተላ ‘ግዜ’ ኣብቲ ናይ ሰማያዊ ኣቦኡ ኣገልግሎት ብዙሕ ዝገብሮ ነገራት ነበሮ። ኣብ ገሊላ ካብቲ ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ዝገበሮ ኣገልግሎት ዝዓበየ ጀመረ። “ኣብ ኵላ ገሊላ: ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ: ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ: ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ” ድማ ይዘውር ነበረ። (ማቴዎስ 4:23) እቲ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ: ተነስሑ” ዝብል ዘተሓሳስብ ቃላቱ ኣብ ምልእቲ እታ ኣውራጃ ተሰምዐ። (ማቴዎስ 4:17) ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ መጥምቕ ብዛዕባ የሱስ ዝውረ ዝነበረ ወረ ካብ ኣፉ ክሰምዕዎ ደልዮም ናብኡ ምስ መጹ: ከምዚ ብምባል ነገሮም:- “ዕዉራት ይርእዩ: ሓንካሳት ይኸዱ: ለምጻማት ይነጽሁ: ጸማማት ይሰምዑ: ምዉታት ይትንስኡ አለዉ: ንድኻታት ወንጌል ይስበኽ አሎ እሞ: ኪዱ: እዚ ዝርኤኹምዎን ዝሰማዕኩምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ። ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብጹእ እዩ።”—ሉቃስ 7:22, 23
9. እቶም ህዝቢ ናብ የሱስ ክርስቶስ ዝወሓዙ ስለምንታይ ኢዮም: ካብዚኸ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧
9 የሱስ ‘ወሪኡ ኣብቲ ኣብ ጐደቦኡ ዘሎ ዅሉ ዓድታት ተሰምዐ።’ ካብ ገሊላን ዓሰርተ ዓድን የሩሳሌምን ይሁዳን ማዕዶ ዮርዳኖስን ከኣ ብዙሓት ሰብ ናብኡ ይውሕዙ ነበሩ። (ሉቃስ 4:14, 15፣ ማቴዎስ 4:24, 25) እዚ ድማ በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ተኣምራታዊ ምሕዋይ ጥራይ ዘይኰነስ በቲ ዘደንቕ ትምህርትታቱ እውን ስለ እተሳሕቡ ኢዩ። መልእኽቱ ዝምስጥን ዘተባብዕን ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 5:1-7:27) ዘረብኡ ጸጋ ዝመልኦን ባህ ዘብልን ኢዩ ነይሩ። (ሉቃስ 4:22) ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብስልጣን ስለ ዝዛረብ እቶም ህዝቢ “ብምህሮኡ ተገረሙ።” (ማቴዎስ 7:28, 29፣ ሉቃስ 4:32) ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብሲ መን ኢዩ እሞ ዘይቀርብ፧ ንሕናውን ክእለት ኣማሃህራ ነማዕብል እሞ ቅኑዓት ሰባት ናብ ሓቂ ክሰሓቡ ኢዮም።
10. እቶም ሰብ ናዝሬት ንየሱስ ክቐትልዎ ዝደለዩ ስለምንታይ ኢዮም: ስለምንታይከ ኢዮም ዘይተዓወቱ፧
10 ይኹን እምበር: ኵሎም ሰማዕቲ የሱስ ተቐበልቲ ኢዮም ነይሮም ማለት ኣይኰነን። ኣብቲ ናይ መጀመርታ እዋናት ኣገልግሎቱ እውን ከይተረፈ: ኣብ ዓዱ ናዝሬት ኣብ እትርከብ ቤት ጸሎት ኰይኑ እናማሃረ ኸሎ: ንምቕታሉ ፈተነ ተገይሩ ኢዩ። እቶም ሰብ እታ ኸተማ በቲ ዘውስኦ “ዘረባ ጸጋ” እኳ እንተ ተገረሙ: ተኣምራት ክርእዩ ደለዩ። ይኹን እምበር: የሱስ ብዙሕ ተኣምራታዊ ተግባራት ኣብ ክንዲ ዝፍጽም: ንስስዐዖምን ጕድለት እምነቶምን ኣቃልዖ። እቶም ኣብቲ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ሰባት ኣዝዮም ተቘጥዑ እሞ ተንሲኦም ንየሱስ ሓዝዎ: ከጽድፍዎ ድማ ናብ ገምገም ከረን ወሰድዎ። ንሱ ግን ካብ ኢዶም ኣምሊጡ ሃደመ። እታ ዝሞተላ ‘ግዜ’ ገና ኣይበጽሐትን።—ሉቃስ 4:16-30
11. (ሀ) ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት ንየሱስ ክሰምዕዎ ዝመጹ ዝነበሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) የሱስ ሰንበት ኣፍሪስካ ተባሂሉ እተኸሰ ስለምንታይ ኢዩ፧
11 ከም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ካልኦትን ዝኣመሰሉ መራሕቲ ሃይማኖት መብዛሕትኡ እዋን ኣብቲ የሱስ ዝሰብከሉ ዝነበረ ቦታታት ይርከቡ ነይሮም ኢዮም። ዝበዝሑ ኸኣ ጽን ኢሎም ክሰምዑን ክማሃሩን ዘይኰነስ ጕድለት ክረኽብሉን ንኸፈንጥርዎን ኢሎም ኢዮም ዝመጹ ነይሮም። (ማቴዎስ 12:38፣ 16:1፣ ሉቃስ 5:17፣ 6:1, 2) ንኣብነት: ኣብ 31 ከ.ኣ.ዘ. ፋስጋ ከብዕል ኢሉ ንየሩሳሌም ምስ ከደ: ንሓደ 38 ዓመት ዝሓመመ ሰብኣይ ኣሕወየ። እቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት ግን ሰንበት ብምፍራሱ ወቐስዎ። የሱስ ግን “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር: ኣነውን እገብር አሎኹ” ኢሉ መለሰ። ኣይሁድ: ኣቦ ኢሉ ብምጽዋዕ ወዲ ኣምላኽ ኢየ ስለ ዝበለ ንኣምላኽ ከም ዝጸረፈ ገይሮም ከሰስዎ። ንየሱስ ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ: ንሱ ግን ምስ ደቀ መዛሙርቱ የሩሳሌም ሓዲጉ ናብ ገሊላ ከደ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ ሓይልና ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ዕዮ ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ከነውዕሎ ኸሎና ምስ ተጻረርቲ ዘየድሊ ምትህልላኽ ካብ ምግባር ምስ እንቝጠብ ጥበብ ኢዩ።—ዮሃንስ 5:1-18፣ 6:1
12. የሱስ ነቲ ናይ ገሊላ ዞባ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ብኣገልግሎቱ ዝሸፈኖ፧
12 ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ሓደ ዓመትን መንፈቕን: የሱስ መብዛሕትኡ ኣገልግሎቱ ኣብ ገሊላ ኣሕለፎ: ኣብቲ ሰለስተ ዓመታዊ በዓላት ኣይሁድ ንኽካፈል ጥራይ ከኣ ናብ የሩሳሌም ይበጽሕ ነበረ። ኵሉ ዅሉ ኣብ ገሊላ ሰለስተ ጕዕዞ ስብከት ገበረ። እዚ ኸኣ ኣብ መጀመርታ ምስ 4 ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ: ኣብ ካልኣይ ምስ 12 ሃዋርያት: እቲ ሳልሳይ ድማ ዝሰፍሐ ኰይኑ ምስቶም ዘሰልጠኖም ሃዋርያት ኢዩ ፈጺምዎ። ኣብ ገሊላ ኣየ ከመይ ዝበለ ሰፊሕ ምስክርነት ኰን ኢዩ እተዋህበ!—ማቴዎስ 4:18-25፣ ሉቃስ 8:1-3፣ 9:1-6
ኣብ ይሁዳን ጴርያን ብትብዓት ምስባኽ
13, 14. (ሀ) እቶም ኣይሁድ ኣብ ከመይ ዝበለ ኣጋጣሚ ኢዮም ንየሱስ ክሕዝዎ ዝደለዩ፧ (ለ) እቶም ገላዉ ንየሱስ ክኣስርዎ ዘይክኣሉ ስለምንታይ ኢዮም፧
13 እዋኑ ቀውዒ 32 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ: እቲ ናይ የሱስ ‘ግዜ’ ኸኣ ገና ኣይበጽሐን ነበረ። በዓል ዳስ ስለ ዝቐረበ: እቶም ንየሱስ በደ ኣሕዋቱ ዝዀኑ “ካብዚ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ” ብምባል ተማሕጸንዎ። ንሳቶም ንዅሎም እቶም ኣብ የሩሳሌም በዓል ከብዕሉ እተኣከቡ ሰባት ተኣምራታዊ ሓይሉ ከርእዮም ኢዮም ደልዮሞ። የሱስ ግን ሓደገኛ ምዃኑ ይግንዘብ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ንኣሕዋቱ “ኣነስ: ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን እዩ እሞ: ናብዚ በዓልዚ ገና ኣይድይብን እየ” በሎም።—ዮሃንስ 7:1-8
14 ኣብ ገሊላ ንገለ ግዜ ዝኸውን ድሕሪ ምድንጓዩ: የሱስ ናብ የሩሳሌም ደየበ: “ግናኸ ተሐቢኡ እምበር: ብግሁድ ኣይኰነን።” እቶም ኣይሁድ ከኣ “ኣበይ አሎ ንሱ፧” እናበሉ ኣብቲ በዓል ደለይዎ። ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል ድማ: የሱስ ናብቲ ቤት መቕደስ ኣትዩ: ብትብዓት ክምህር ይጅምር። ንኽኣስርዎ ወይ ንኽቐትልዎ ኢሎም ድማ ክሕዝዎ ደለዩ። “ጊዜኡ ስለ ዘይበጽሔ” ግና ክዕወቱ ኣይክኣሉን። ሽዑ ብዙሓት ብየሱስ ኣመኑ። እቶም ንኽሕዝዎ ብፈሪሳውያን እተላእኩ ገላዉ እውን ከይተረፉ ጥራይ ኢዶም ተመልሱ። “ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን” ድማ በሉ።—ዮሃንስ 7:9-14, 30-46
15. እቶም ኣይሁድ ንየሱስ ክድርብይሉ ኣእማን ዘልዓሉ ስለምንታይ ኢዮም: የሱስከ ቀጺሉ ከመይ ዝበለ ናይ ስብከት ወፈራ ኢዩ ዝጀመረ፧
15 ኣብ ግዜ እቲ በዓል ኣብቲ ቤት መቕደስ ብዛዕባ ኣቦኡ ክምህር ከሎ እቲ ኣብ መንጎ የሱስን ኣይሁዳውያን ተጻረርትን ዝነበረ ግጭት ቀጸለ። እቶም ኣይሁድ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ናይቲ በዓል: የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ይነብር ከም ዝነበረ ዝገልጽ ሓሳብ ብምዝራቡ ስለ እተቘጥዑ: ክድርብይሉ ኢሎም እምኒ ኣልዓሉ። ንሱ ግን ተሓቢኡ ኣምለጠ። (ዮሃንስ 8:12-59) የሱስ ኣብ ወጻኢ የሩሳሌም ኰይኑ ኣብ ይሁዳ ጽዑቕ ወፈራ ምስክርነት ጀመረ። 70 ደቀ መዛሙርቲ መረጸ እሞ መምርሒ ድሕሪ ምሃቡ በብኽልተ ገይሩ ነቲ ዞባ ክሽፍንዎ ለኣኾም። ናብ ኵሉ እቲ የሱስ ብሃዋርያቱ ተሰንዩ ክኸዶ መዲብዎ ዝነበረ ቦታታትን ከተማታትን ቀዲሞም ሓለፉ።—ሉቃስ 10:1-24
16. የሱስ ኣብ በዓል ምሕዳስ ቤት መቕደስ ካብ ከመይ ዝበለ ሓደጋ ኢዩ ዘምለጠ: እንደገናኸ ኣብ ከመይ ዝበለ ዕዮ ኢዩ እተጸምደ፧
16 ኣብ ሓጋይ 32 ከ.ኣ.ዘ. ‘ግዜ’ የሱስ ቀሪቡ ነበረ። በዓል ምሕዳስ ቤት መቕደስ ከብዕል ናብ የሩሳሌም መጸ። ኣይሁድ ገና ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ። የሱስ ኣብ ገበላ ቤት መቕደስ ክመላለስ ከሎ ከበብዎ። ሕጂውን ንኣምላኽ ከም ዝጸረፈ ገይሮም ብምኽሳስ: ክቐትልዎ እምኒ ኣልዓልሉ። የሱስ ግን ከም ቀደሙ ኣምለጠ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ካብ ይሁዳ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ ኣውራጃ ጴርያ ካብ ከተማ ናብ ከተማ: ካብ ቍሸት ናብ ቍሸት እናኸደ ኣብ ጐደናታት ይምህር ነበረ። ብዙሓት ከኣ ብእኡ ኣመኑ። እንተዀነ ግን: ምስቲ ዘፍቅሮ ኣልኣዛር እተተሓሓዘ ህጹጽ መልእኽቲ ስለ ዝመጾ ናብ ይሁዳ ተመልሰ።—ሉቃስ 13:33፣ ዮሃንስ 10:20-42
17. (ሀ) የሱስ ኣብ ጴርያ ክሰብኽ ከሎ እንታይ ህጹጽ መልእኽቲ ኢዩ ዝመጾ፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ እቲ ክወስዶ ዝነበሮ ስጕምትን ዝፍጸመሉ ግዜን ይፈልጥ ከም ዝነበረ ዝሕብረና እንታይ ኢዩ፧
17 እቲ ህጹጽ መልእኽቲ: ካብተን ኣብ ቢታንያ ናይ ይሁዳ ዝቕመጣ ኣሓት ኣልኣዛር ዝዀና ማርታን ማርያምን ኢዩ ተላኢኹ። እቲ ልኡኽ “ጐይታይ: እቲ እተፍቅሮስ እንሆ: ሐሚሙ አሎ” በሎ። የሱስ ከኣ “እዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብር: ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር: ንሞት ኣይኰነን” ኢሉ መለሰ። ነዚ ዕላማ እዚ ንምፍጻም ከኣ ኰነ ኢሉ ኣብታ ዝነበራ ስፍራ ክልተ መዓልቲ ወዓለ። ጸኒሑ ንደቀ መዛሙርቱ “ደጊም ንዑናይ: ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ” በሎም። ንሳቶም ግን ተጠራጢሮም “መምህር: ብኣምሆ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኻ ይደልዩ ነይሮምሲ: መሊስካዶ ናብኡ ትኸይድ፧” በልዎ። የሱስ እቲ ተሪፍዎ ዝነበረ ኣብ ‘መዓልቲ ዘሎ ሰዓታት’ ወይ ከኣ እቲ ኣምላኽ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ክፍጽሞ ዝመደበሉ ግዜ ሓጺር ምዃኑ ይግንዘብ ስለ ዝነበረ: እንታይ ክገብር ከም ዘለዎን ስለምንታይ ከም ዝገብሮን ብልክዕ ይፈልጥ ኢዩ።—ዮሃንስ 11:1-10
ዋላ ሓደ ክነጽጎ ዘይክእል ተኣምራት
18. የሱስ ኣብ ቢታንያ ምስ በጽሐ እቲ ዅነታት ከመይ ጸንሖ: ብድሕሪኡኸ እንታይ ኣጋጠመ፧
18 ኣብ ቢታንያ መጀመርታ ዝረኸበቶ ማርታ ኢያ። “ጐይታይ: ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ: ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በለቶ። ማርያምን እቶም ኣብ ገዝአን ዝመጹ ካልኦትን ከኣ ሰዓብዋ። ኵሎም ይበኽዩ ነበሩ። የሱስ “ኣበይ ኣንቢርኩምዎ፧” ኢሉ ሓተተ። ንሳቶም ከኣ “ጐይታይ: ንዓ እሞ ርኤ” በልዎ። ኣብቲ ናይ ዝኽሪ መቓብር—ብእምኒ እተዓጽወ በዓቲ—ምስ በጽሑ የሱስ “ነዚ እምኒ ኣልዕልዎ” በሎም። ማርታ የሱስ እንታይ ክገብር ከም ዝደለየ ስለ ዘይፈለጠት “ጐይታይ: ራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ: ፈጺሙ ጨንዩ እዩ” ብምባል ተቓወመት። የሱስ ግን “እንተ ትአምንስ: ክብሪ ኣምላኽ ምርኤኺዶ ኣይበልኩኽን፧” በላ።—ዮሃንስ 11:17-40
19. የሱስ ንኣልኣዛር ቅድሚ ምትንስኡ ዓው ኢሉ ዝጸለየ ስለምንታይ ኢዩ፧
19 እቲ ንመቓብር ኣልኣዛር ሸፊንዎ ዝነበረ እምኒ ምስ ተላዕለ: እቶም ሰባት እቲ ዝገብሮ ግብሪ ብሓይሊ ኣምላኽ ከም ዝፍጸም ምእንቲ ክፈልጡ ዓው ኢሉ ጸለየ። ሽዑ “ኣልኣዛር ንዓ: ናብ ወጻኢ ውጻእ” ኢሉ ብዓቢ ድምጺ ጨደረ። ኣልኣዛር ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእሱሩ: ገጹውን ብመኣረምያ ተጐንጒኑ ኸሎ ወጸ። የሱስ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም።—ዮሃንስ 11:41-44
20. እቶም የሱስ ንኣልኣዛር ከተንስኦ ኸሎ ዝረኣዩ ሰባት እንታይ ምላሽ ኢዮም ዝሃቡ፧
20 ንማርታን ንማርያምን ከጸናንዕወን ዝመጹ ብዙሓት ኣይሁድ ከኣ እዚ ተኣምራት እዚ ምስ ረኣዩ ብየሱስ ኣመኑ። ካልኦት ከኣ ብዛዕባ እቲ እተፈጸመ ነገር ንፈሪሳውያን ክነግርዎም ከዱ። እንታይ ምላሽከ ሃቡ፧ ብኡንብኡ ምስ ሊቃውንቲ ካህናት ኰይኖም ኣብ ሳንሄድሪን ህጹጽ ዋዕላ ገበሩ። ራዕዲ ሒዝዎም ከምዚ ብምባል ጓሂኦም ገለጹ:- “እዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር አሎ እሞ: እንታይ ንግበር፧ ከምዚ እንተ ሐደግናዮ: ኵሉ ብእኡ ኺአምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም።” ሊቀ ኻህናት ቀያፋ ግን “ንስኻትኩም ገለ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም: ኵሉ ህዝቢ ኻብ ዚጠፍእስ: ሓደ ሰብኣይ በጃ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚሔሸና: ከቶ ኣይትሐስቡን ኢኹም።” ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚሮም ከኣ ንየሱስ ክቐትልዎ ተማኸሩ።—ዮሃንስ 11:45-53
21. እቲ ተኣምራታዊ ትንሳኤ ኣልኣዛር ናይ እንታይ መቕድም ኢዩ ነይሩ፧
21 ስለዚ ኸኣ የሱስ ኣብ ቢታንያ ቀልጢፉ ብዘይምብጽሑ: ማንም ክኽሕዶ ዘይክእል ተኣምራት ክፍጽም ክኢሉ ኢዩ። ካብ ኣምላኽ ሓይሊ ረኺቡ ነርባዕተ መዓልትታት ሞይቱ ንዝነበረ ሰብኣይ ኣተንስአ። እቶም ብኽብሪ ዝረኣዩ ዝነበሩ ኣባላት ሳንሄድሪን እኳ ከይተረፉ ነዚ ከስተብህልሉን ነቲ ገባር ተኣምራት ከኣ ናይ ሞት ፍርዲ ክብይንሉን ተገዲዶም ኢዮም! ስለዚ እቲ ተኣምራት ኣብ ኣገልግሎት የሱስ መቕድም ናይ ሓደ ኣገዳሲ ምዕራፍ ኢዩ ነይሩ። ካብቲ ‘ጊዜኡ ኣይበጽሐን’ እተባህለሉ እዋን ናብቲ “እታ ጊዜ በጺሓ” እተባህለሉ እዋን መሰጋገሪ ኢዩ ነይሩ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• የሱስ ብዛዕባ እቲ ብኣምላኽ እተዋህቦ ዕዮ ይፈልጥ ከም ዝነበረ ብኸመይ ኣርኣየ፧
• የሱስ ነቲ ኣዲኡ ብዛዕባ ወይኒ ዝሃበቶ ርእይቶ እተቓወሞ ስለምንታይ ኢዩ፧
• ካብቲ የሱስ ምስ ተጻረርቲ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ እንታይ ኢና ክንመሃር እንኽእል፧
• የሱስ ኣልኣዛር ምሕማሙ ምስ ተነግሮ ቅልጡፍ ስጕምቲ ካብ ምውሳድ እተደናጐየ ስለምንታይ ኢዩ፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ንሓይሉ ኣብቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ዕዮ ኢዩ ኣውዒልዎ