ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥቕሚ ርእስኻ እትስውእ ክትከውን ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧

ጥቕሚ ርእስኻ እትስውእ ክትከውን ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧

ጥቕሚ ርእስኻ እትስውእ ክትከውን ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧

ቢል ኣብ 50ታት ዕድመ ዝርከብ ኣብ ሓደ ናይ ህንጻ ቴክሎኖሎጂ ቤት ትምህርቲ ዝምህር ኣቦ ስድራ ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብናይ ገዛእ ርእሱ ወጻኢታት ንጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኸውን ኣደራሽ መንግስቲ ንድፊ ኣብ ምውጻእን ኣብ ምስራሕን ንብዙሕ ሰሙናት ይሕግዝ። ኤማ እተማህረትን ብቕዕትን ጓል 22 ዓመት ንጽል መንእሰይ ኢያ። ብሕታዊ ሸቶታትን ደስታን ኣብ ክንዲ እትስዕብ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽርድኡ ኣብ ምሕጋዝ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ልዕሊ 70 ሰዓታት ተሕልፍ። ሞረስን ቤቲን ጥሮታ ኢዮም። ሕጂ ኣብ ክንዲ ዘዕርፉ: ካልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ክፈልጡ ንምሕጋዝ ናብ ካልእ ሃገር ገዓዙ።

 እዞም ሰባት እዚኣቶም ንገዛእ ርእሶም ፍልይቲ ወይ ካብ ሰባ ንላዕሊ ገይሮም ኣይርእይዋን ኢዮም። እዚኣቶም ቅኑዕ ኢዩ ኢሎም ዝኣመኑሉ ዝገብሩ ዘለዉ ተራ ሰባት ኢዮም። ግዜኦምን ሓይሎምን ክእለቶምን ንብረቶምን ንኻልኦት ሰባት ክጠቅም ኣብ ዝኽእል ነገራት ዘውዕልዎ ስለምንታይ ኢዮም፧ እቲ ንኣምላኽን ሰባትን ዘለዎም ዓሚቝ ፍቕሪ ኢዩ ከምኡ ንኽገብሩ ዝድርኾም። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ንነፍሲ ወከፎም ጥቕሚ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ከም ዘማዕብሉ ገይራቶም ኢያ።

ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ክንብል ከሎና እንታይ ማለትና ኢዩ፧ ጥቕሚ ርእስኻ ንምስዋእ ምምናን ወይ ባሕታዊ ናብራ ምንባር ኣየድልን ኢዩ። ሓጐስካ ወይ ዕግበትካ ዝሰርቕ መጠኑ ዝሓለፈ ገዛእ ርእስኻ ምርሳዕ ዘጠቓልል እውን ኣይኰነን። ዘ ሾርተር ኦክስፎርድ ኢንግሊሽ ዲክሸነሪ (እንግሊዝኛ) ከም ዝገልጾ: ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ማለት “ንሓደ ዕዮ ንምፍጻም ወይ ንረብሓ ኻልኦት ኢልካ ገለ ነገር ንምግባር ናይ ገዛእ ርእስኻ ጥቕሚ: ሓጐስ: ከምኡውን ባህጊ ምግዳፍ” ማለት ኢዩ።

የሱስ ክርስቶስ​—⁠እቲ ዝበለጸ ኣብነት

እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ: ጥቕሚ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ብምንጽብራቕ እቲ ዝበለጸ ኣብነት ኢዩ። ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ዝነበረ እዋን ዝለዓለ ሓጐስን ዕግበትን ዝረኽበሉ ናብራ ይነብር ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ምስ ኣቦኡን መንፈሳውያን ፍጡራትን ናይ ማሕርሮ ርክብ ነይርዎ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ “ሰራሕተኛ” ኰይኑ ብምግልጋል ነቲ ክእለቱ ዘደንቕን ዘሐጕስን ዕማማት ንምፍጻም ይጥቀመሉ ነይሩ ኢዩ። (ምሳሌ 8:⁠30, 31) ካብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዝሃብተመ ሰብ ተሓጒሱ ክነብሮ ዝኽእል ኵነታት ንላዕሊ ይነብር ከም ዝነበረ ርግጽ ኢዩ። ደድሕሪ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እቲ ዝለዓለን ዝዓበየን ስልጣን ነበሮ።

እንተ​ዀነ ግን: ወዲ ኣምላኽ “መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ: ሰብውን መሰለ: ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ።” (ፊልጲ 2:⁠7) ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ብምምጻእን ነቲ ብሰይጣን ዝወረደ ጕድኣት ንምዕራይ ህይወቱ በጃ ብምሃብን ፈትዩ ንዅሉ እቲ ዝነበሮ ብሕታዊ ረብሓታት ገደፎ። (ዘፍጥረት 3:​1-7፣ ማርቆስ 10:45) እዚ ድማ ምስ ደቅሰብ ኣብታ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሰይጣን ድያብሎስ ዘላ ዓለም ምንባር ማለት ኢዩ ነይሩ። (1 ዮሃንስ 5:⁠19) ብሕታዊ ጸገማትን ግድላትን ምጽዋር ማለት እውን ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: የሱስ ክርስቶስ እቲ ዝኸፍሎ ዋጋ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ ፍቓድ ኣቦኡ ክገብር ወሲኑ ነበረ። (ማቴዎስ 26:⁠39፣ ዮሃንስ 5:⁠30፣ 6:⁠38) እዚ ኸኣ ነቲ ናይ የሱስ ፍቕርን ተኣማንነትን ኣጸቢቑ ፈቲንዎ ኢዩ። ክሳዕ ክንደይ መስዋእቲ ክገብር ኢዩ ወሲኑ ነይሩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ: ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተአዘዘ” በለ።​—⁠ፊልጲ 2:⁠8

“እቲ . . . ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም”

ኣብነት የሱስ ክንስዕብ ኢና እንተባባዕ። ጳውሎስ “እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም” ኢሉ ተማሕጺኑ ኣሎ። (ፊልጲ 2:⁠5) ነዚ ብኸመይ ኢና ክንገብሮ እንኽእል፧ ሓደ ካብቲ ክንገብረሉ እንኽእል መገዲ ‘ነፍሲ ወከፍና ንብጻይና ድማ እምበር ንርእስና ዝሕሸና ብዘይ​ምጥማት’ ኢዩ። (ፊልጲ 2:⁠4) ናይ ሓቂ ፍቕሪ ‘ናታ [“ጥቕሚ ርእሳ:” NW  ] ኣይትደልን ኢያ።’​—⁠1 ቈረንቶስ 13:⁠5

ሓለይቲ ውልቀ⁠-​ሰባት ዝበዝሕ ግዜ ንኻልኦት ኣብ ምግልጋል ገዛእ ርእሶም ስስዐ ብዘይ​ብሉ መንፈስ ይውፍዩ ኢዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ግን መብዛሕትኦም ሰባት ገዛእ ርእሶም ዝፈትዉ ጥራይ ኢዮም። ኣብ ዓለም ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ኣረኣእያ ኢዩ ዘሎ። ካብ መንፈስ ዓለም ክንሕሎ ኣሎና: ከመይሲ ንኣረኣእያናን ዝንባለናን እንተ​ድኣ ጸልይዎ ልዕሊ ዅሉ ብዛዕባ ባህጊ ገዛእ ርእስና ክንሓስብ ክንጅምር ኢና። ድሕርዚ እንገብሮ ዘበለ ዅሉ ማለት ኣጠቓቕማ ግዜና: ሓይልና: ንብረትና ብጥቕሚ ገዛእ ርእስና እተዓብለለ ክኸውን ኢዩ። ስለዚ ድማ ኣንጻር እዚ ጽልዋ እዚ ኣበርቲዕና ክንቃለስ ኣሎና።

ሓድሓደ ግዜ ብቕንዕና እተዋህበ ምኽሪ እውን ከይተረፈ ነቲ ዘሎና ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ክሃስዮ ይኽእል ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ እቲ የሱስ ዘርእዮ ዝነበረ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ናበይ ገጹ ከም ዝመርሖ ብምግንዛብ “ይባልህካ እባ ደኣ: ጐይታይ” በሎ። (ማቴዎስ 16:⁠22) የሱስ ሉዓላውነት ኣቦኡን ድሕነት ደቅ​ሰብን ምእንቲ ክረጋገጽ ክሳዕ ሞት እውን ከይተረፈ ክበጽሕ ፍቓደኛ ምዃኑ ንጴጥሮስ ክርድኦ ዘይከኣለ ኢዩ ዝመስል። ስለዚ ኸኣ ንየሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ካብ ምግባር ከቋርጾ ደለየ።

‘ገዛእ ርእስኻ ቅበጽ’

የሱስ እንታይ ኢሉ መለሰሉ፧ እቲ ጸብጻብ “ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ርእዩ: ንጴጥሮስ፤ ኣታ ሰይጣን: ናይ ሰብ እምበር: ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ እሞ: ካባይ ርሐቕ: ኢሉ ገንሖ” ይብል። ድሕርዚ የሱስ ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ “ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ: ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ: መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዐበኒ” በሎም።​—⁠ማርቆስ 8:33, 34

ንየሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ምኽሪ ምስ ሃቦ 30 ዓመታት ኣቢሉ ጸኒሑ ጴጥሮስ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ እንታይ ማለት ምዃኑ ምሉእ ምርዳእ ኣጥርዩ ከም ዝነበረ ኣርእዩ ኢዩ። ነቶም ኣመንቲ ብጾቱ ከዕርፉ: ክዛነዩ ኣየተባብዖምን። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ናይ ቅድም ዓለማዊ ባህግታቶም ገዲፎም ሓቛቝ ልቦም ክዕጠቑ ኣተባብዖም። ግድላት እኳ እንተ ነበረ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ክህብዎ ነበሮም።​—⁠1 ጴጥሮስ 1:⁠6, 13, 14፣ 4:⁠1, 2

ንየሱስ ክርስቶስ ብተኣማንነት እናሰዓብና ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ንጥፈታትና ክመርሓና ብምፍቃድ ኵለንትናና ንሱ ክውንኖ ምግዳፍ እቲ ነፍሲ ወከፍና ክንስዕቦ እንኽእል ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ናብራ ኢዩ። በዚ ዝመጸ ጳውሎስ ሰናይ ኣብነት ኢዩ። ዝነበሮ ናይ ህጹጽነት ስምዒትን ሞሳን ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ዕንቅፋት ክዀኖ ዝኽእል ዝነበረ ዓለማዊ ተስፋታት ወይ መጻኢታት ንኽገድፍ ኣለዓዒልዎ ኢዩ። ንጥቕሚ ኻልኦት ኣብ ምግልጋል ‘ብብዙሕ ታሕጓስ ኵሉ ወፍየ ነፍሰይውን ክውፊ ኢየ’ በለ። (2 ቈረንቶስ 12:15) ጳውሎስ ንኽእለቱ ጥቕሚ ገዛእ ርእሱ ዘይኰነስ መለኮታዊ ጥቕሚ ኣብ ምስፋሕ ተጠቕመሉ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠24፣ ፊልጲ 3:⁠8

ከም ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበለ ኣረኣእያ እንተ​ድኣ ኣሎና ኰይኑ ንምርግጋጽ ንገዛእ ርእስና ብኸመይ ኢና ክንምርምራ እንኽእል፧ ንገዛእ ርእስና ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ሕቶታት ክንሓታ ንኽእል ኢና:- ነቲ ዘሎኒ ግዜ: ሓይሊ: ክእለት: ከምኡውን ንብረት ብኸመይ ኢየ ዝጥቀመሉ፧ ነዝን ንኻልእ ክቡር ህያባትን ጥቕሚ ገዛእ ርእሰይ ንምድንፋዕ ድየ ዝጥቀመሉ ወይስ ንኻልኦት ንምሕጋዝ፧ ኣብቲ ህይወት ዘድሕን ዕዮ ስብከት ብስራት ምሉእ ብምሉእ ንምክፋል ምናልባት እውን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን ሓሲበሉዶ ኢየ፧ ኣብ ከም ምህናጽ ወይ ምጽጋን ኣደራሻት መንግስቲ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ኣጸቢቐ ክሳተፍ እኽእልዶ ኢየ፧ ነቶም ዘድልዮም ንምሕጋዝ ንዝረኽቦ ኣጋጣሚታት እጥቀመሉዶ ኢየ፧ ንየሆዋ ካብቲ ዘሎኒ እቲ ዝበለጸዶ እህቦ ኢየ፧​—⁠ምሳሌ 3:⁠9

‘ምሃብ ኣዝዩ የሐጕስ’

እንተ​ዀነ ግን: ጥቕሚ ርእስኻ እትስውእ ምዃን ብሓቂ ጥበባዊ ድዩ፧ ብርግጽ ጥበባዊ ኢዩ! ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ ምንጽብራቕ ብዙሕ በረኸት ከም ዘምጽእ ጳውሎስ ብብሕቱ ተመኲርዎ ኢዩ። ብዙሕ ሓጐስን እዚ ዘይበሃል ብሕታዊ ዕግበትን ኣምጺእሉ ኢዩ። ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ሽማግለታት ኣብ ሚሊጦስ ምስ ረኸቦም ብዛዕባ እዚ ገሊጽሎም ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፤ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ [“የሐጕስ:” NW  ]: ዝበሎ ቓል እናዘከርካ: ከምዚ ጌርካ: [ጥቕሚ ርእስኻ ብምስዋእ] ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ: ብዅሉ ኣርኤኹኹም።” (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ ምንጽብራቕ ሕጂ እውን ዓቢ ሓጐስ ከም ዘምጽእ ኣረጋጊጾም ኢዮም። የሆዋ ነቶም ካብ ጥቕሚ ገዛእ ርእሶም ንላዕሊ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽን ጥቕሚ ካልኦትን ዘገድሶም ሰባት ዓስቢ ክህቦም ከሎ እውን ኣብ መጻኢ ብዙሕ ክሕጐሱ ኢዮም።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠8-10

ቢል ካልኦት ኣደራሽ መንግስቲ ንኽሰርሑ ኣብ ምሕጋዝ ስለምንታይ ኣበርቲዑ ከም ዝጽዕር ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ ከምዚ በለ:- “ነተን ከም ንኣሽቱ ጉባኤታት ዝቝጸራ በዚ መዳይ እዚ ምሕጋዘን ኣጸቢቑ የዕግበኒ ኢዩ። ንዘሎኒ ክእለትን ሞያዊ ፍልጠትን ንጥቕሚ ካልኦት ኢለ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኸለኹ ብዙሕ ኢየ ዝሕጐስ።” ኤማ ሓይላን ክእለታን ካልኦት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓቂ ንኽማሃሩ ኣብ ምሕጋዝ ክትውፍዮ ዝመረጸት ስለምንታይ ኢያ፧ “ካልእ ዝዕየ ኰይኑ ኣይስምዓንን ኢዩ። ገና መንእሰይን ምስ ሓይለይን ከሎኹ ንየሆዋ ንምሕጓስን ንኻልኦት ንምሕጋዝን ዝከኣለኒ ዅሉ ክገብር ኢየ ዝደሊ። ገለ ስጋዊ ጥቕምታት ምስወአይ ዓቢ ነገር ኣይኰነን። ምስቲ የሆዋ ዝገበረለይ ኣረኣኢኻ ዝግባኣኒ ነገር ጥራይ ኢየ ዝገብር ዘለኹ።”

ሞረስን ቤቲን ንስድራ​ቤቶም ንምእላይን ዘድሊ ንምቕራብን ብዙሕ ዓመታት ጽዒሮም ሕጂ ዘይምዕራፎም ኣየጣዕሶምን ኢዩ። ሕጂ ጥሮታ ወጺኦም ኢዮም: ንህይወቶም ድማ ሓደ ረብሓን ትርጕምን ዘለዎ ነገር ብምግባር ክቕጽልዎ ኢዮም ዝደልዩ። ንሳቶም “ሕጂ ኣራጢጥና ከነዕርፍ ኣይንደልን ኢና” ኢዮም ዝብሉ። ወሲኾም ከኣ “ናብ ወጻኢ ሃገራት ኬድካ ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ክማሃሩ ምሕጋዝ ትርጕም ዘለዎ ነገር ንምግባር ኣጋጣሚ ዝህበና ኢዩ” ይብሉ።

ጥቕሚ ርእስኻ እትስውእ ንምዃን ቈሪጽካዶ ኢኻ፧ እዚ ቀሊል ኣይኰነን። ኣብ መንጎ እቲ ዘይፍጹም ሰብኣዊ ባህግታትናን ንኣምላኽ ከነሐጕስ ምድላይናን ቀጻሊ ቃልሲ ኢዩ ዘሎ። (ሮሜ 7:⁠21-23) ንስጕምትና የሆዋ ክመርሖ እንተ​ድኣ ገዲፍናዮ ግን ኣብቲ ቃልሲ ክንስዕር ንኽእል ኢና። (ገላትያ 5:⁠16, 17) ነቲ ኣብ ኣገልግሎቱ እነርእዮ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ከም ዝዝክሮ ርግጽ ኢዩ: ኣብዚሑ ኸኣ ክባርኸና ኢዩ። ብርግጽ የሆዋ ኣምላኽ ‘መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ በረኸት ብዘይ​ ልክዕ ከፍስሰልና ኢዩ።’​—⁠ሚልክያስ 3:10፣ እብራውያን 6:⁠10

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ጥቕሚ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ነይርዎ ኢዩ። ንስኻኸ፧

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ጻዕሪ ጳውሎስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ