ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ—ዓስቢ ዘለዎን ዘሐጕስን ኢዩ

መጽናዕቲ—ዓስቢ ዘለዎን ዘሐጕስን ኢዩ

መጽናዕቲ​—⁠ዓስቢ ዘለዎን ዘሐጕስን ኢዩ

‘ሃለው እንተ በልካዮ ንምፍላጥ ኣምላኽ ክትረኽቦ ኢኻ።’​—⁠ምሳሌ 2:4, 5

1. ንዕረፍቲ ኢልና እንገብሮ ንባብ ብዙሕ ሓጐስ ከምጽኣልና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

 ብዙሓት ሰባት ንመዘናግዒ ኢሎም ጥራይ ኢዮም ዘንብቡ። እቲ ዝንበብ ነገር ጥዑይ እንተ​ድኣ ዀይኑ ንባብ ብሓቂ ጽቡቕ መዘናግዒ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ገለ ክርስትያናት ኣብ ርእሲ እቲ ዝገብርዎ ስርዓታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ሳሕቲ ካብ መዝሙር: ምሳሌ: ናይ ወንጌል ጸብጻባት: ወይ ካልእ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ናይ ሓቂ ሓጐስ ይረኽቡ ኢዮም። እቲ ኣብኡ ዝረኽብዎ ኣጸሓሕፋን ኣገላልጻን ናይቲ ቋንቋ ኣዝዩ ባህ የብሎም። ካልኦት ከኣ ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: መጽሔት ንቕሑ!: ኣብዚ መጽሔት እዚ ዝወጽእ ጸብጻብ ታሪኽ ህይወት: ወይ ካልእ ብዛዕባ ታሪኽ: ጂኦግራፊ: ከምኡውን ተፈጥሮ ዝገልጽ ኣርእስትታት ከንብቡ ይመርጹ።

2, 3. (ሀ) ዓሚቝ መንፈሳዊ ፍልጠት ምስ ዕጹም ብልዒ ክመሳሰል ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) መጽናዕቲ ክበሃል ከሎ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧

2 ንመዘናግዒ ኢልካ ዝግበር ንባብ ግዜኻ ባህ ኢሉካ ከተሕልፈሉ እትኽእል ኣገባብ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተ​ዀነ: መጽናዕቲ ግን ናይ ኣእምሮ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። እንግሊዛዊ ፈላስፋ ፍራንሲስ ቤከን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ገለ መጻሕፍቲ ጥዒምካ እትገድፎ ኢዩ: ካልእ ዝወሓጥ ኢዩ: ገሊኡ ኸኣ እተዀምስዖን እትጥሕኖን ኢዩ።” መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ዝዅምሳዕን ዝጠሓንን ተባሂሉ ዘሎ ዓይነት መጻሕፍቲ ምዃኑ ርግጽ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብዛዕባኡ [ብዛዕባ እቲ በቲ ንጉስን ካህንን ዝነበረ መልከጼዴቅ ተመሲሉ ዘሎ ክርስቶስ] ብዙሕ ነገር እንብሎ ነይሩናስ: ንምስማዕ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም: ትርጕሙ ጭንቂ እዩ። ዕጹም ብልዒ . . . ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ።” (እብራውያን 5:11, 14) ዕጹም ብልዒ ቅድሚ ውሒጥካ ምጥሓንካ ክዅምሳዕ ኣለዎ። ዓሚቝ ዝዀነ መንፈሳዊ ትምህርቲ እውን ተረዲእካ ኣብ ኣእምሮኻ ቅድሚ ምዕቋርካ ከተስተንትነሉ ኣሎካ።

3 ሓደ መዝገበ⁠-​ቃላት ነታ “መጽናዕቲ” እትብል ቃል “ብምንባብ: ብምምርማር: ወዘተ ገይርካ ፍልጠት ወይ ምርዳእ ንምርካብ ንኣእምሮኻ ናይ ምጥቃም ተግባር ወይ መስርሕ” ብምባል ይገልጻ። እዚ ንሓድሓደ ቃላት እናስመርካ ብሃታሃታ ካብ ምንባብ ንላዕሊ ኢዩ። መጽናዕቲ ክበሃል ከሎ ስራሕ: ኣእምሮኣዊ ጻዕሪ: ከምኡውን ናይ ምስትውዓል ክእለትካ ምጥቃም ማለት ኢዩ። ይኹን እምበር: መጽናዕቲ ጻዕሪ ዝሓትት እኳ እንተ​ዀነ: ዘሐጕስ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ማለት ግን ኣይኰነን።

ንመጽናዕቲ ባህ ዘብል ምግባሩ

4. ብመሰረት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ: መጽናዕቲ ቃል ኣምላኽ ዘሐድስን ዓስቢ ዘለዎን ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

4 ቃል ኣምላኽ ምንባብን ምጽናዕን ዘሐድስ ከምኡ⁠ውን ዘበራትዕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ በለ:- “ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ: ንነፍሲ ይመልሳ። ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ: ንገርሂ የጥብቦ። ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ: ንልቢ የሐጕሶ: ትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ: ነዒንቲ የብርሄን።” (መዝሙር 19:7, 8) ሕግታትን መዘኻኸሪታትን የሆዋ ንነፍስና ዘሐድስ: መንፈሳዊ ድሕንነትና ዘዕቢ: ውሽጣዊ ሓጐስ ዘምጽእ: ከምኡውን ንኣዒንትና ነቲ ድንቂ ዝዀነ ዕላማታት የሆዋ ከም ዝርኢ ገይሩ ዘብርሆ ኢዩ። ክንደይ ባህ ዘብል ኰን ኢዩ!

5. መጽናዕቲ ብዙሕ ሓጐስ ከምጽኣልና ዝኽእል ብኸመይ ዝበለ መገድታት ኢዩ፧

5 ካብ ጻዕርና ጽቡቕ ፍረ ክንርኢ ምስ እንኽእል: ንኽንገብሮ መሊስና ክንሕጐስ ኢና። ስለዚ: መጽናዕቲ ዘሐጕስ ንኽኸውን ነቲ እንረኽቦ ሓድሽ ፍልጠት ንኽንጥቀመሉ ቅልጡፋት ክንከውን ኣሎና። ያእቆብ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ: ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት: ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን: ግብሪ ዚገብር እምበር: ዘይርስዕ ሰማዒ ግና: እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።” (ያእቆብ 1:25) ነቲ እተማሃርናዮ ነጥብታት ብኡንብኡ ምጥቃም ዓቢ ዕግበት ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ዕዮ ስብከት ወይ ክንምህር ከሎና ንእተሓተትናዮ ሕቶ መልሲ ንምሃብ ምርምር ምግባር እውን ብዙሕ ሓጐስ ከምጽኣልና ይኽእል ኢዩ።

ንቓል ኣምላኽ ፍቕሪ ምሕዳር

6. ናይ መዝሙር መበል 119 ጸሓፊ ንቓል የሆዋ ዝነበሮ ፍቕሪ ብኸመይ ኢዩ ዝገለጸ፧

6 እቲ ምናልባት ህዝቅያስ መንእሰይ መስፍን ከሎ ክኸውን ዝኽእል ኣቀናባሪ ናይ መዝሙር መበል 119 ንቓል ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝፈትዎ ገሊጹ ኢዩ። ምቁር ብዝዀነ ኣገላልጻ ገይሩ ከምዚ በለ:- ‘ብስርዓታትካ ባህ እብል: ንቓልካ ኣይክርስዖን ኢየ። ምስክራትካ ድማ ባህታይ ኢዩ: በቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካውን ባህ ክብል ኢየ። ሕግኻ ደስታይ ኢዩ እሞ: ብህይወት ክነብርሲ: ምሕረትካ ይውረደኒ። ጐይታየ: ምድሓንካ እናፍቕ ኣሎኹ: ሕግኻውን ደስታይ ኢዩ።’​—⁠መዝሙር 119:16, 24, 47, 77, 174

7, 8. (ሀ) ብመሰረት ኣበሃህላ ሓደ መወከሲ ብቓል ኣምላኽ ‘ባህ ምባል’ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ንቓል የሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ (ሐ) እዝራ ሕጊ የሆዋ ቅድሚ ምንባቡ ገዛእ ርእሱ ዘዳለወ ብኸመይ ኢዩ፧

7 ነታ ኣብ መዝሙር 119 “ባህ እብል” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል ሓደ መዝገበ⁠-​ቃላት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ክገልጻ ኸሎ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ቍ. 16 እቲ ኣወዓዕላኣ ምስተን ንምሕጓስ . . . ከምኡውን ንምስትንታን ዘመልክታ [ግስታት] እትመሳሰል ኢያ። . . . እቲ መስርዕ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ:- ተሓጐስ: ኣስተንትን: ባህ ይበልካ። . . . እዚ ኸኣ ዕላማ ዘለዎ ምስትንታን ንሓደ ሰብ ብቓል ያህወህ ባህ ከም ዝብሎ ዝገብር ምዃኑ ዘስምዕ ኢዩ። . . . እቲ ትርጕም ስምዒት እውን ዘጠቓልል ምዃኑ ኢዩ ዝሕብር።” a

8 እወ: እቲ ንቓል ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ካብ ልብና: ካብቲ መንበሪ ውሽጣዊ ስምዒትና ክወጽእ ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ሓሳባት ንኸነስተንትን ባህ ክብለና ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ ዓሚቝ ዝዀነ መንፈሳዊ ነገራት ክንሓስብ: ክንመራመር: ከነስተንትን የድልየና። እዚ ኸኣ ንበይንኻ ኴንካ ብዛዕባኡ ምስትንታንን ምጽላይን የድሊ። ልክዕ ከም እዝራ ቃል ኣምላኽ ንምንባብን ምጽናዕን ልብና ከነዳሉ ኣሎና። ብዛዕባኡ ከምዚ ዝብል ተጻሒፉ ንረክብ:- “እዝራ ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን: ስርዓትን ፍርድን ከኣ ኣብ እስራኤል ኪምህርንሲ ልቡ ኣዳለወ።” (እዝራ 7:⁠10) እዝራ ልቡ ከዳልወሉ ዝነበሮ ስለስተ ምኽንያታት ርአ:- ንምጽናዕ: ብብሕቱ ኣብ ግብሪ ንምውዓል: ከምኡውን ንኻልኦት ንኽምህር። ነዚ ኣብነት እዚ ክንስዕቦ ኣሎና።

መጽናዕቲ ከም ናይ ኣምልኾ ተግባር

9, 10. (ሀ) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብቓል የሆዋ የስተንትን ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እታ ‘ምስትንታን’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል እንታይ ማለት ኢያ፧ (ሐ) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም “ናይ ኣምልኾ ተግባር” ገይርና ክንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

9 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብሕግታት: ትእዛዛት: ከምኡውን መዘኻኸሪታት የሆዋ የስተንትን ከም ዝነበረ ገሊጹ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ንትእዛዛትካ ኤስተንትኖ: ንመገድኻውን እቋመቶ አሎኹ። ኣእዳወይ ድማ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕል: ስርዓታትካ ኸኣ ከስተንትን እየ። ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ: ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ። ምስክራትካ ምስትንታነይ እዩ እሞ: ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ለባም ኰንኩ።” (መዝሙር 119:15, 48, 97, 99) ብቓል የሆዋ ‘ምስትንታን’ እንታይ ዘመልክት ኢዩ፧

10 እታ “ምስትንታን” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል “ኣጸቢቕካ ምሕሳብ” “ንሓደ ጕዳይ ኣብ ኣእምሮኻ ከም ዝመላለስ ምግባር” ዝብል ትርጕም እውን ክህልዋ ይኽእል ኢዩ። “ብዛዕባ ተግባራት ኣምላኽ . . . ከምኡውን ቃል ኣምላኽ ብውሽጥኻ ምሕሳብ ንምምልካት እትውዕል ኢያ።” (ቲኦሎጂካል ዎርድቡክ ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመንት [እንግሊዝኛ]) እታ “ምስትንታን” እትብል ስም “እቲ ጸሓፍ መዝሙር” ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኽ “ኣጸቢቑ ይሓስብ ምንባሩ” “ተፈታዊ መጽናዕቲ ይገብር ምንባሩ” እተመልክት ኢያ: እዚ ኸኣ “ናይ ኣምልኾ ተግባር ኢዩ።” መጽናዕቲ ቃል ኣምላኽ ከም ክፍሊ ኣምልኾና ገይርና ምስ እንሓስቦ ዝያዳ ርዝነት ዝውስኸሉ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ትግሃት ብእተሓወሶ መገድን ጸሎትን ክግበር ኣለዎ። መጽናዕቲ ክፍሊ ኣምልኾና ኢዩ: ኣምልኾ ንምምሕያሽ ድማ ኢዩ ዝግበር።

ንቓል ኣምላኽ ኣዕሚቝካ ምዅዓት

11. የሆዋ ንህዝቡ ዓሚቝ መንፈሳዊ ሓሳብ ዝገለጸሎም ብኸመይ ኢዩ፧

11 ኣኽብሮት ብእተሓወሶ ሞሳ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ ጐይታይ: ግብርኻ ኸመይ ዓብዪ እዩ: ሓሳብካ ኣዝዩ ዓሚቝ እዩ” ኢሉ ኣወጀ። (መዝሙር 92:5) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብዛዕባ “መዓሙቝ ኣምላኽ:” እቲ የሆዋ በቲ “ብመንፈሱ ገይሩ” ዝሰርሕ ዘሎ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣቢሉ ንህዝቡ ዝገልጸሎም ዓሚቝ ሓሳብ ተዛሪቡ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 2:​10፣ ማቴዎስ 24:45) ክፍሊ እቲ ባርያ ብትግሃት ንዅሎም መንፈሳዊ መግቢ የዳልወሎም ኢዩ። ነቶም ሓደስቲ “ጸባ” ነቶም “ብጹሓት” ድማ “ዕጹም ብልዒ” የዳልወሎም ኢዩ።​—⁠እብራውያን 5:⁠11-14

12. በቲ ክፍሊ ባርያ እተገልጸ ኣብነት “መዓሙቝ ኣምላኽ” ዝገልጽ ትምህርቲ ጥቐስ።

12 ከምዚ ዝኣመሰለ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ንምርዳእ ብጸሎት መጽናዕቲ ክንገብርን ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ከነስተንትንን የድልየና። ንኣብነት: የሆዋ ከመይ ገይሩ ኣብ ሓደ እዋን ፍትሓውን መሓርን ክኸውን ከም ዝኽእል ዘርኢ ጽቡቕ ትምህርቲ ተሓቲሙ ወጺኡ ነይሩ። መሓሪ ምዃኑ ነቲ ዘለዎ ፍትሓውነት ዘዳኽሞ ኣይኰነን፣ ኣብ ክንድኡስ መለኮታዊ ምሕረት መግለጺ ፍትሑን ፍቕሩን ኢዩ። የሆዋ ንሓደ ሓጥእ ሰብ ክፈርዶ ኸሎ መጀመርታ እቲ ሰብ ብመሰረት በጅነታዊ መስዋእቲ ወዱ ምሕረት ክረክብ ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ኢዩ ዝውስን። እቲ ሓጥእ ዘይናሳሕ ወይ ዓለወኛ ምስ ዝኸውን ኣምላኽ ብዘይ​ ምሕረት ፍትሒ ክፍጸም ይፈቅድ ኢዩ። እቲ ይኹን እቲ ግን ነቲ ልዕል ዝበለ ስርዓታቱ ብተኣማንነት ይፍጽሞ ኢዩ። b (ሮሜ 3:​21-​26) ‘ወዳጄ መዓሙቝ ጥበብ ኣምላኽ።’​—⁠ሮሜ 11:⁠33

13. ነቲ ክሳዕ ሕጂ እተገልጸ ‘ዓብዪ ዝቝጽሩ’ መንፈሳዊ ሓቂ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ኢና ከነርእዮ ዝግባእ፧

13 ልክዕ ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር: የሆዋ ዝበዝሕ ካብ ሓሳባቱ የካፍለና ብምዃኑ ንሕጐስ ኢና። ዳዊት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ዎ ኣምላኽ: ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ: ቍጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እንተ ቘጸርክዎ: ካብ ሑጻ ይበዝሕ: እንተ ነቓሕኩ: ገና ምሳኻ እየ።” (መዝሙር 139:17, 18) እቲ ሕጂ ዘሎና ፍልጠት ካብቲ የሆዋ ንዘለኣለም ዝገልጸልና ሓሳባት ንእሽቶ ጭራም ጥራይ እኳ እንተ​ዀነ: ነቲ ክሳዕ ሕጂ ተገሊጹ ዘሎ ‘ዓብዪ ዝቝጽሩ’ ክቡር መንፈሳዊ ሓቂ ነማስወሉ ኢና: ነዚ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ብዙሕ ቍም ነገራት ንምርካብ ድማ ዝያዳ ኣዕሚቝና ክንኵዕት ኢና እንደሊ።​—⁠መዝሙር 119:⁠160

ጻዕርን ኣስላጢ መሳርሒታትን የድሊ

14. ቃል ኣምላኽ ኣብ ምጽናዕ ጻዕሪ ከም ዘድሊ ምሳሌ 2:⁠1-6 ብኸመይ ኢያ እተጕልሕ፧

14 ዓሚቝ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። ንምሳሌ 2:⁠1-6 ተጠንቂቕና ምስ እነንብባ እዚ ሓቂ እዚ ዝያዳ ግልጺ ይዀነልና። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን መለኮታዊ ፍልጠት: ጥበብ: ከምኡውን ምስትውዓል ንምርካብ ክንገብሮ ዘሎና ጻዕሪ ንምጕላሕ እተጠቐመለን ንንጥፈት ዘመልክታ ግስታት ኣስተብህለለን። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ወደየ: እዝንኻ: ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ: ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ: ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ: ንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ አርነብካዮ: እወ ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ: ንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ: ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ: ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ: ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ: ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ። እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ: ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: ዓስቢ ዘለዎ መጽናዕቲ ልክዕ ከም ንሕቡእ መዝገብ ገይርካ ምምርማር: ምዅዓት ዝሓትት ኢዩ።

15. ጽቡቕ ናይ ኣጸናንዓ ኣገባብ ከም ዘድሊ እንታይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነት ኢዩ ዘርኢ፧

15 ብመንፈስ ዘበልጽግ መጽናዕቲ ንምግባር ጽቡቕ ናይ ኣጸናንዓ ኣገባብ እውን ይሓትት ኢዩ። ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሓጺን እንተ ጐደመ: ንብልሑ ኸኣ እንተ ዘይሰሐልካዮ: ሓይልኻ ብዙሕ ይደክም።” (መክብብ 10:10) ሓደ ሰራሕተኛ ጐዲም መሳርሒ ምስ ዝጥቀም ወይ ነቲ መሳርሒ ብብልሓት ምስ ዘይጥቀመሉ ሓይሉ የጥፍእ: ውሕሉል ስራሕ ከኣ ኣይሰርሕን። ብተመሳሳሊ ድማ ካብቲ ኣብ መጽናዕቲ እነሕልፎ ግዜ ዝርከብ ረብሓ እውን ብመሰረት እቲ እንጥቀመሉ ኣገባብ ኣጸናንዓ ይፈላለ ኢዩ። እንጥቀመሉ ናይ ኣጸናንዓ ኣገባብ ከነማሓይሸሉ እንኽእል ብሉጽ ተግባራዊ ሓሳብ ኣብታ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ c (እንግሊዝኛ) ኣብ መጽናዕቲ 7 ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።

16. ዓሚቝ መጽናዕቲ ንኽንገብር ዝሕግዘና እንታይ ተግባራዊ ርእይቶ ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ፧

16 ሓደ ሰብ ስርሑ ቅድሚ ምጅማሩ ዘድልዮ ዅሉ መሳርሒታት ኢዩ ዝቕርብ። ብተመሳሳሊ: መጽናዕቲ ክንጅምር ከሎና ካብቲ ቤተ⁠-​መጻሕፍትና ዘድልየና ዅሉ መሳርሒታት ክንቅርብ ኣሎና። መጽናዕቲ ስራሕ ምዃኑን ናይ ኣእምሮ ጻዕሪ ከም ዝሓትትን ብምዝካር ግቡእ ዝዀነ ኣቃውማ ክህልወና እውን ኣድላዪ ኢዩ። ንቑሓት ኴንና ክንቅጽል ንደሊ እንተ​ድኣ ዄንና ኣብ ጣውላ ዄንካ ምጽናዕ: ኣብ ዓራት ወይ ከታኽሰካ ኣብ ዝኽእል ኮፍ መበሊ ኴንካ ካብ ምጽናዕ ንላዕሊ ዝበለጸ ኢዩ። ንእተወሰነ ግዜ ኣቓልቦ ገይርካ ምስ ኣጽናዕካ: ገለ ምንቅስቓስ ምግባር ወይ ሓድሽ ኣየር ምውሳድ ጠቓሚ ኰይኑ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

17, 18. ነቲ ዘሎ ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ መሳርሒታት ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ኣብነታት ሃብ።

17 ተወዳዳሪ ዘይብሉ ብዙሕ ናይ መጽናዕቲ ሓገዛት እውን ኣሎና። ካብ መንጎ እዚ እቲ ቐንዲ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኰይኑ ሕጂ ብምልኡ ወይ ብኸፊል ብ37 ቋንቋታት ክርከብ ይከኣል ኢዩ። እቲ ማእከላይ ሕታም ናይ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መወከሲ: ስም ናይቲ ጸሓፍን እተጻሕፈሉ ቦታን ዝሽፍኖ ግዜን ዝነግር “ሰሌዳ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ” ኣለዎ። ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ክትረኽበሉ እትኽእል መሐበሪ: መመላእታ ጽሑፍ: ከምኡውን ካርታ ኣለዎ። ኣብ ገሊኡ ቋንቋታት እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ብዓቢ ሕታም ይርከብ ኢዩ: መወከሲ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ። ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዅሉ ሓገዛት መስርዑ ዝሓዘ ስፍሕ ዝበለ እግረ⁠-​ጽሑፋት እውን ኣለዎ። ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣዕሚቝካ ምእንቲ ክትኵዕት ነቲ ብቛ⁠ንቋኻ ክትረኽቦ እትኽእል መሳርሒታት ምሉእ ብምሉእ ትጥቀመሉዶ ኢኻ፧

18 ካልእ ብዋጋ ዘይሽነን ናይ መጽናዕቲ ሓገዝ ድማ እቲ ክልተ ጥራዛት ዘለዎ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ዝበሃል መዝገበ⁠-​ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። እዚ ጥራዛት እዚ በቲ ክትርድኦ እትኽእል ቋንቋ እንተ​ድኣ ኣሎ ኰይኑ ከተጽንዕ ከሎኻ ካባኻ ዘይፍለ መሳርሒ ክኸውን ኣለዎ። ድሕረ⁠-​ባይታ ናይ ብዙሕ ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትረኽበሉ ትኽእል ኢኻ። ተመሳሳሊ ሓገዝ ክህበካ ዝኽእል ካልእ መሳርሒ ኸኣ ‘ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ኢዩ’ (እንግሊዝኛ) ዘርእስቱ መጽሓፍ ኢዩ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓዳስ መጽሓፍ ከተንብብ ክትጅምር ከሎኻ ነቲ ጂኦግራፊያውን ታሪኻውን ድሕረ⁠-​ባይታ: ከምኡውን ናይቲ እነንብቦ መጽሓፍ ጽማቝ ሓሳብን ካብኡ ክንረኽቦ እንኽእል ጥቕምን ሒዙ ዘሎ ኣብ ‘ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ ’ ዝርከብ ሓሳብ ክትምርምሮ ጽቡቕ ኢዩ። ነቲ ብጽሑፍ መልክዕ ዘሎ ብዙሕ ናይ መጽናዕቲ ሓገዛት ተወሳኺ ዝኸውን ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ድማ እቲ ሕጂ ብትሽዓተ ቋንቋታት ክርከብ ዝኽእል ዎችታወር ላይብረሪ ኢዩ።

19. (ሀ) የሆዋ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ከሎና ዝሕግዘና ጽቡቕ መሳርሒታት ዝቐረበልና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ግቡእ ዝዀነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን መጽናዕትን ንምግባር እንታይ ኢዩ ዘድሊ፧

19 የሆዋ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቱ ‘ንምፍላጥ ኣምላኽ ደልዮም ንኽረኽብዎ’ ኢሉ ነዚ ዅሉ መሳርሒታት በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ኣዳልይዎ ኣሎ። (ምሳሌ 2:⁠4, 5) ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልምዲ ብዛዕባ የሆዋ ኣጸቢቕና ክንፈልጥን ምስኡ ድማ ጥብቂ ዝምድና ክንገብርን የኽእለና። (መዝሙር 63:⁠1-8) እወ: መጽናዕቲ ማለት ስራሕ ኢዩ: ግን ሓጐስን ዓስብን እትረኽበሉ ስራሕ ኢዩ። ይኹን እምበር: ግዜ ዝወስድ ብምዃኑ ‘ነቲ ዝገብሮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ብሕታዊ መጽናዕትን እኹል ኣቓልቦ ንኽገብረሉ እሞ ግዜ ካበይ ኢየ ክረክብ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትህሉ። ነዚ ኣብዛ ናይ መወዳእታ ዓንቀጽ ናይዚ ተኸታታሊ ኣርእስትታት እዚ ክንርእዮ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኒው ኢንተርናሽናል ዲክሸነሪ ኦቭ ኦልድ ተስታመንት ቲኦሎጂ ኤንድ ኤክሰጀሲስ (እንግሊዝኛ) ጥራዝ 4 ገጽ 205-7

b ናይ 1 ነሓሰ 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 13 ቍጽሪ 7 ርአ። ከም ናይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፕሮጀክት ገይርካ ብምሓዝ ንኽልቲአን ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጻት ክትምርምረን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ርእሲ እዚ ኣብቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተዳለወ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ዘርእስቱ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ⁠-​ፍልጠት “ጃስቲስ” “መርሲ” ከምኡውን “ራይቸስነስ” ዝብል ኣርእስትታት ዘለዎ ዓንቀጻት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

c ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብቛንቋኻ እንተዘየላ: ኣብዘን ዝስዕባ ዓንቀጻት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ኣገባብ ኣጸናንዓ ጽቡቕ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ:- 15 ነሓሰ 1993 ገጽ 3-​9፣ 15 ግንቦት 1986 (107) ካልኣይቲ ዓንቀጽ ካብ ቍጽሪ 15-18።

ናይ ድግማ ሕቶታት

• ነቲ እንገብሮ ብሕታዊ መጽናዕቲ ባህ ዘብልን ዓስቢ ዘለዎን ክንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ልክዕ ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር: ብቓል የሆዋ ‘ባህ ከም ዝብለና’ ከምኡውን ከም ‘እነስተንትን’ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ምሳሌ 2:​1-6 ቃል ኣምላኽ ንምጽናዕ ጻዕሪ ከም ዝሓትት ብኸመይ ኢያ እተርኢ፧

• የሆዋ እንታይ ጽቡቕ ዝዀነ ናይ መጽናዕቲ መሳርሒታት ኢዩ ዘዳለወ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ብሕት ኢልና እንገብሮ ምስትንታንን ጸሎትን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዓሚቝ ፍቕሪ ንኸነሕድር ይጠቕመና

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣዕሚቝካ ንኽትኵዕት ነቲ ዘሎ ናይ መጽናዕቲ መሳርሒታት ምሉእ ብምሉእ ትጥቀመሉዶ ኢኻ፧