ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምድሪ ንደቅሰብ መፈተኒት ቦታ ጥራይ ድያ፧

ምድሪ ንደቅሰብ መፈተኒት ቦታ ጥራይ ድያ፧

ምድሪ ንደቅ​ሰብ መፈተኒት ቦታ ጥራይ ድያ፧

 እፎይ! ሓሊፋ። እታ ንኽልተ ሰሙናት ብርቱዕ መርመራ ክትገብር ዝቐነየት ተማሃሪት ኣብ መወዳእታ ዘሐጕስ ውጽኢት ረኸበት። ሕጂ ናብቲ ኵሉ ሳዕ እትምነዮ ዝነበረት ስራሕ ክትኣቱ ትኽእል ኢያ።

ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት ብተመሳሳሊ መገዲ ኢዮም ዝርእይዎ። ኵሉ ሰብ ክሓልፎ ዘለዎ ናይ መጀመርታ ፈተና ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። እቶም “ዝሓልፉ” ድሕሪ ሞት ብዝረኽብዎ ሓደ ዓይነት ህይወት ናብ ዝሓሸ ደረጃ ይሰግሩ። ርግጽ ኢዩ: ደቅሰብ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዝበለጸ ነገር እቲ ሕጂ ንብዙሓት ካብ ምህላው ንላዕሊ ትርጕም ዘይብሉ ዓይነት ህይወት ነይሩ እንተ ዝኸውን ዘሕዝን ምዀነ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ እዮብ መብዛሕትኡ ዓመታት ህይወቱ ጥዕና ዝመልኦን ሃብታምን እኳ እንተ ነበረ “ሰብ: ውሉድ ሰበይቲ: ሓጺር ዕድመ: ጽጉብ ሓሳር እዩ” በለ።​—⁠እዮብ 14:⁠1

ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ንናይ ብዙሓት ኣረኣእያ ኣንጸባሪቑ ኣሎ:- “ሰማያዊ ኽብሪ: ኣምላኽ ንወድሰብ ዘዳለወሉ ጽሕፍቶ ኢዩ። . . . ናይ ወድሰብ ሓጐስ ነቲ ሰማያዊ ፍስሃ ኣብ ምጭባጥ ከም ዝምርኰስ ምርግጋጽ ይከኣል ኢዩ።” ቤተ⁠-​ክርስትያን ክርስቶስ እትበሃል ሃይማኖታዊት ጕጅለ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝገበረቶ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ: 87 ሚእታዊት ካብቶም ሓሳቦም ዝገለጹ ምስ ሞቱ ናብ ሰማይ ከም ዝኸዱ ይኣምኑ።

ብዙሓት ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባት እውን ድሕሪ ሞት ንምድሪ ገዲፎም ናብ ዝሓሸ ቦታ ክኸዱ ተስፋ ይገብሩ። ንኣብነት: ኣመንቲ ምስልምና ናብ ሰማያዊ ገነት ክኸዱ ተስፋ ይገብሩ ኢዮም። ኣብ ቻይናን ጃፓንን ዝርከቡ ሰዓብቲ ጽርይቲ ሃገር ዝበሃሉ ናይ ቡድሂዝም ኣንቆራታት: ነቲ “ኣሚዳ ” ዝብል ስም ቡድሃ ናይ ዘይተኣደነ ብርሃን ከየቋረጹ ብምድጋም ኣብታ ዝለዓለ ሓጐስ ዝረኽቡላ ጽርይቲ ሃገር ወይ ምዕራባዊት ገነት ከም ዝውለዱ ይኣምኑ።

እቲ ዘገርም ግን: እቲ ኣብ ዓለም ብዝበዝሐ ቋንቋታት እተተርጐመን ዝሰፍሐ ዝርጋሐ ዘለዎን መጽሓፍ ቅዱስ: ንምድሪ ናብ ዝለዓለ ደረጃ መሰጋገሪ ከም ዝዀነት እሞ ጠንጢናያ ከም እንኸይድ ገይሩ ኣይኰነን ዝገልጻ። ንኣብነት: “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ይብል። (መዝሙር 37:⁠29) እታ “ዓቃላት: ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” እትብል የሱስ እተዛረባ ፍልጥቲ መግለጺት እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢያ እትርከብ።​—⁠ማቴዎስ 5:⁠5

እቲ ተቐማጦ ምድሪ ንግዜኡ ኢዮም ኣብዚ ዝጸንሑ ዝብል ሓፈሻዊ ኣረኣእያ: ሞት ናብ ፍስሃ ዘለዎ ካልእ ህይወት ዘሰጋግር ደገ ኢዩ ዝብል ኣተሓሳስባ የመሓላልፍ። ከምኡ እንተ​ድኣ ዀይኑ ሞት ብርግጽ በረኸት ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን ሰባት ብሓፈሽኡ ንሞት ከምኡ ገይሮምዶ ኢዮም ዝርእይዎ: ወይስ ህይወቶም ንኸናውሑ ኢዮም ዝጽዕሩ፧ ሰባት እኹል ጥዕናን ድሕንነትን እንተ​ድኣ ረኺቦም ክሞቱ ከም ዘይደልዩ ካብ ተመክሮ ተራእዩ ኢዩ።

ይኹን እምበር: ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት ብእኩይ ነገራትን ስቓይን ዝመልአ ስለ ዝዀነ: ሕጂውን ብዙሓት ሰባት እቲ ሰላምን ሓጐስን ዝርከበሉ እንኮ ቦታ ሰማይ ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ሰማይ እከይን ምግርጫውን ዘይብሉ ፍስሃ ዝመልኦ ሰላም ዝርከቦ ቦታ ጥራይዶ ኢዩ፧ ህይወት ድሕሪ ሞት ኣብ ሰማይ ጥራይ ድዩ ክኸውን ዝኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ መልሲ ምስ ኣንበብካ ትግረም ትኸውን። በጃኻ ቀጺልካ ኣንብብ።