ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ—ዋጋ ዘለዎን ባህ ዘብልን ኢዩ

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ—ዋጋ ዘለዎን ባህ ዘብልን ኢዩ

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠ዋጋ ዘለዎን ባህ ዘብልን ኢዩ

“መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ [“ኣንብቦ:” NW ]።”​—⁠እያሱ 1:8

1. ካብ ንባብ ብሓፈሻ: ብፍላይ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምንባብ እንታይ ጥቕሚ ይርከብ፧

 ጠቓሚ ዝዀነ ነገር ምንባብ ረብሓ ዘለዎ ዕማም ኢዩ። ፈረንሳዊ ናይ ፖለቲካ ፈላስፋ ሞንቴስክየ (ሻርል⁠-​ሉዊ ደ ሰኮንዳ) ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንዓይ: መጽናዕቲ ክበሃል ከሎ ነቲ ኣብ ህይወት ዝርአ ምስልካይ ዝለዓለ ውጽኢት ዘለዎ ፈውሲ ኢዩ። በቲ ኣብ ምንባብ ዘሕልፎ ግዜ ክጠፍእ ዘይክእል ጭንቀት ፈጺሙ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን ኢዩ።” እዚ ልዕሊ ዅሉ ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝውዕል ኢዩ። እቲ ብመንፈስ እተደረኸ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ኣሎ:- “ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ: ንነፍሲ ይመልሳ። ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ: ንገርሂ የጥብቦ። ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ: ንልቢ የሐጕሶ።”​—⁠መዝሙር 19:7, 8

2. ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት የሆዋ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝዓቀቦ ስለምንታይ ኢዩ: ህዝቡ እንታይ ክገብርዎኸ ኢዩ ዝጽበ፧

2 የሆዋ ኣምላኽ: ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ምዃኑ መጠን ኣብቲ ሃይማኖታውያንን ዓለማውያንን ጸላእቲ ብርቱዕ ምጽራር ዘውርድሉ ዝነበሩ ዘመናት ከም ዝዕቀብ ገይርዎ ኢዩ። ፍቓዱ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ስለ ዝዀነ ቃሉ ኵሎም ደቅሰብ ክረኽብዎ ከም ዝኽእሉ ገይሩ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ዳርጋ 80 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ብ100 ቋንቋታት ክብጽሑ ከም ዝኽእሉ ይግመት። ትሕዝቶ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብ370 ቋንቋታት ክርከብ ይከኣል ኢዩ: ገለ ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ ብ1,860 ቋንቋታትን ላህጃታትን ክርከብ ይከኣል ኢዩ። የሆዋ ህዝቡ ንቓሉ ከንብብዎ ኢዩ ዝደልዮም። የሆዋ ነቶም ናብ ቃሉ ዘቕልቡ እወ: ነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዘንብብዎ ኣገልገልቱ ይባርኾም ኢዩ።​—⁠መዝሙር 1:⁠1, 2

ሽማግለታት መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ ትጽቢት ይግበረሎም

3, 4. የሆዋ ነገስታት እስራኤል እንታይ ክገብሩ ኢዩ ዝጽበዮም ነይሩ: ከመይ ዝበለ ሽዑ እተዋህበ ምኽንያታትከ ኢዩ ሎሚ እውን ኣብ ክርስትያን ሽማግለታት ክውዕል ዝኽእል፧

3 የሆዋ ብዛዕባ እቲ ህዝቢ እስራኤል ብሰብኣዊ ንጉስ ዝመሓደርሉ ግዜ ኣቐዲሙ ብምምልካት ከምዚ በለ:- “ይኸውን ድማ: ኣብ ልዕሊ ዝፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ: ካብቲ ኣብ ቅድሚ ሌዋውያን ካህናት ዘሎ ሕጊ ንእኡ ዚኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ ይጽሐፍ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኺመሀር: ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ምእንቲ ኸይልዐል: ካብቲ ትእዛዝ ከኣ ንየማን ኰነ ንጸጋም ከይዘብል: . . . ናይ እዚ ሕጊ እዚ ቓላትን እዚ ትእዛዛት እዝን ተጠንቂቑ ኺገብሮስ: ምስኡ ይኹን: ኵሉ መዓልቲ ህይወቱ ኸኣ የንብቦ።”​—⁠ዘዳግም 17:⁠18-20

4 የሆዋ ኵሎም እቶም ኣብ መጻኢ ነገስታት ክዀኑ ዝነበሮም ነቲ መለኮታዊ ሕጊ ዝሓዘ መጽሓፍ መዓልታዊ ከንብብዎ ስለምንታይ ከም ዝኣዘዘ ኣስተብህል:- (1) ‘ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ተማሂሩ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ቓላትን እዚ ትእዛዛት እዝን ተጠንቂቑ ኽገብሮ’ (2) “ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ምእንቲ ኸይልዐል” (3) “ካብቲ ትእዛዝ ከኣ ንየማን ኰነ ንጸጋም ከይዘብል።” እቶም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታትከ ንየሆዋ ክፈርህዎ: ሕግታቱ ክእዘዙ: ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ከይዕበዩ: ከምኡውን ካብ ትእዛዛት የሆዋ ከይወጹ ክጠንቀቑ ዝግብኦምዶ ኸይኰነ፧ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምቲ ነቶም ናይ እስራኤል ነገስታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝነበረ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት እውን ኣገዳሲ ኢዩ።

5. ኣማሓዳሪ ኣካል ኣብዚ ቐረባ እዋን ንኣባላት ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ብዛዕባ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝጸሓፈሎም: ኵሎም ክርስትያን ሽማግለታት ነዚ ምኽሪ እዚ ክስዕብዎ ዘለዎምከ ስለምንታይ ኢዩ፧

5 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት ብስራሕ ኣዝዮም ትሑዛት ኢዮም: እዚ ኸኣ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ብድሆ ኢዩ ዝኸውን። ንኣብነት: ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካልን ኣባላት እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ኮሚቴታት ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈትን ብስራሕ ኣዝዮም ትሑዛት ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብዚ ቐረባ እዋን ካብ ኣማሓዳሪ ኣካል ናብ ኮሚቴታት ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት እተላእከ ደብዳበ ልምዲ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ጽቡቕ መጽናዕቲ ምግባርን ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሕ ኢዩ ነይሩ። እታ ደብዳበ ከም ዝሓበረቶ: ከምዚ ምግባር ነቲ ንየሆዋን ንሓቅን ዘሎና ፍቕሪ ዘዕብዮ: ከምኡውን “እምነትና: ሓጐስና ክንዕቅብን ክሳዕ እቲ ግርማዊ መወዳእታ ክንጽመምን ዝሕግዘና ኢዩ።” ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዉ ኵሎም ሽማግለታት እውን እዚ ኣድላዪ ምዃኑ ይሰማምዕሉ ኢዮም። ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምንባብ: ዝገብርዎ ‘ንኽቐንዖም’ ክሕግዞም ኢዩ። (እያሱ 1:⁠7, 8) ብፍላይ ንሽማግለታት መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ንኽምህሩ: ንኽግስጹ: ንኸቕንዑ: ብጽድቂ ንኽእድቡ ይጠቕሞም ኢዩ።’​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:16

ንዓበይትን ንኣሽቱን ኣድላዪ ኢዩ

6. እያሱ ንዅሉ ቃላት ሕጊ የሆዋ ኣብ ቅድሚ እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ነገዳት እስራኤልን ኣብ መንጎኦም ዝነበሩ ጓኖትን ዘንበቦ ስለምንታይ ኢዩ፧

6 ኣብ ግዜ ጥንቲ ብብሕትኻ ክትጥቀመሉ እትኽእል ቅዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይነበረን: ስለዚ ኸኣ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ወጺእካ ኢዩ ዝግበር ነይሩ። የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዓይ ዓወት ምስ ሃቦ: እያሱ ንነገዳት እስራኤል ኣብ ቅድሚ ከረን ዔባልን ከረን ጌሪዚምን ኣከቦም። ድሕርዚ እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብለና:- “ንብዘሎ ቓላት ሕጊ: ነቲ በረኸትን መርገምን: ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ዅሉ ኣንበቦ። ካብቲ ሙሴ ዝአዘዞ ዅሉ: እያሱ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ ማሕበር እስራኤልን ኣንስትን ሕጻናትን ኣብ ማእከሎም ዝኸዱ ጓኖትን ዘየንበቦ ቓል ኣይነበረን።” (እያሱ 8:⁠34, 35) ንኣሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ: ደቀባት ይኹኑ ጓኖት: ነቲ ካብ የሆዋ በረኸት ወይ መርገም ከምጽኣሎም ዝኽእል ባህርያት ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ኣልባቦምን ኣእምሮኦምን ክወቕርዎ ነበሮም። መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እነንብብ ከምዚ ንምግባር ከም ዝሕግዘና ፍሉጥ ኢዩ።

7, 8. (ሀ) ሎሚ ከምቶም ‘ጓኖት’ ዝሕሰቡ መን ኢዮም: መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ ዘድልዮምከ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዘለዉ ‘ቈልዑ’ ንኣብነት የሱስ ክስዕቡ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዩ፧

7 ኣብዚ እዋን እዚ ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ክርአ ኸሎ ብሚልዮና⁠ት ዝቝጸሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ከምቶም ‘ጓኖት’ ኢዮም። ኣቐዲሞም ብመዐቀኒታት ዓለም ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም: ሕጂ ግን ህይወቶም ለዊጦም ኢዮም። (ኤፌሶን 4:​22-​24፣ ቈሎሴ 3:​7, 8) ብዛዕባ ጽቡቕን ሕማቕን ዝሕብር መዐቀኒታት የሆዋ እንታይ ምዃኑ ንገዛእ ርእሶም ብቐጻሊ ከዘኻኽርዋ የድልዮም ኢዩ። (ኣሞጽ 5:⁠14, 15) ቃል ኣም​ላኽ መዓልቲ መዓልቲ ምንባብ ድማ ከምዚ ንኽገብሩ ይሕግዞም ኢዩ።​—⁠እብራውያን 4:⁠12፣ ያእቆብ 1:25

8 መዐቀኒታት የሆዋ እንታይ ምዃኑ ወለዶም ዝማሃርዎም: እንተ​ዀነ ግን ፍቓድ ኣምላኽ ቅኑዕ ምዃኑ ንገዛእ ርእሶም ከእምንዋ ዘድልዮም ብዙሓት ‘ሕጻናት’ እውን ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ኣለዉ። (ሮሜ 12:⁠1, 2) ከመይ ገይሮም ኢዮም ከምዚ ክገብሩ ዝኽእሉ፧ ኣብ እስራኤል እቶም ካህናትን ዓበይትን ከምዚ ዝብል መምርሒ ተዋሂብዎም ነይሩ:- “ኺሰምዕዎስ ነዚ ሕጊ እዚ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ኣንብቦ። ምእንቲ ኺሰምዑን ኪመሀሩን እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፈርህዎ: ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ድማ ንምግባሩ ኺጥንቀቑ: እቶም ዘይፈልጡ ደቆም ድማ ኪሰምዑን ኪመሀሩን: . . . ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፈርህዎ: ነቲ ህዝቢ: ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ደጌታትካ ዘሎ ጓናኻን: አክቦም።” (ዘዳግም 31:⁠11-13) የሱስ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ይነብር ብምንባሩ ገና ወዲ 12 ዓመት ከሎ ሕግታት ኣቦኡ ንኽርዳእ ዓሚቝ ተገዳስነት ኣርእዩ ኢዩ። (ሉቃስ 2:⁠41-49) ብድሕሪኡ እውን ኣብ ቤት ጸሎት ከይዱ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንበብ ከሎ ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕን ኣብቲ ምንባብ ናይ ምክፋልን ልምዲ ነይርዎ ኢዩ። (ሉቃስ 4:⁠16፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠21) ሎሚ ዘለዉ ንኣሽቱ እውን ቃል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ብምንባብን ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝንበበሉን ዝጽንዓሉን ኣኼባታት ስርዓታውያን ኰይኖም ብምክፋልን ነቲ ናይ የሱስ ኣብነት ክስዕቡ ኢዮም ዝተባብዑ።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ—⁠ቀዳምነት ዝወሃቦ ኢዩ

9. (ሀ) ብዛዕባ እቲ እነንብቦ መረጽቲ ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ናይ መጀመርታ ኣዳላዊ ናይዚ መጽሔት እዚ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጽንዕ ዝሕግዘና ነገራት እንታይ ኢዩ ዝበለ፧

9 እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “መጻሕፍቲ ምጽሓፍ መወዳእታ የብሉን: ብዙሕ ምምሃር ድማ ንስጋ የድክሞ እዩ እሞ: ተጠንቀቕ” ብምባል ጸሓፈ። (መክብብ 12:12) ነቲ ሎሚ ዝጸሓፍ ዘሎ ብዙሕ መጽሓፍቲ ምንባብ ንኣካል የድክሞ ጥራይ ዘይኰነስ: ንኣእምሮ እውን ሓደገኛ ኢዩ ክበሃል ይከኣል ኢዩ። ስለዚ መራጺ ምዃን ኣገዳሲ ኢዩ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዘና ጽሑፋት ኣብ ርእሲ ምንባብ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ እውን ከነንብቦ ኣሎና። እቲ ናይ መጀመርታ ኣዳላዊ ናይዚ መጽሔት እዚ ንኣንበብቱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒና ምዃኑ: ከምኡውን እቶም ካልኦት ኣምላኽ ዝሃበና ደገፍትና ክዀኑ ይኽእሉ: ‘ደገፍቲ’ ደኣምበር መተካእታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይኰኑ ፈጺምኩም ኣይትረስዑ።” a ስለዚ እምበኣር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ዕሽሽ ክንብሎ እኳ እንተ ዘይብልና መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ግን የድልየና ኢዩ።

10. እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ንኣድላይነት ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኢዩ ከጕልሖ ጸኒሑ፧

10 እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” እዚ ኣድላዪ ምዃኑ ስለ እተገንዘበ ንዓመታት ዝኣክል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ምስ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ፕሮግራም ሓቢሩ ዝኸይድ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣውጺኡ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠45) እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ፕሮግራም ንብምልእታ መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ ኣብ ሸውዓተ ዓመት ንኽትውድኦ ዝሕግዝ ኢዩ። እዚ መደብ እዚ ንዅሉ ጠቓሚ እኳ እንተ​ዀነ ብፍላይ ግን ነቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምልኡ ኣንቢቦም ወዲኦም ዘይፈልጡ ሓደስቲ ጠቓሚ ኢዩ። እቶም ኣብቲ ሚስዮናውያን ዝማሃርሉ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድን ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርትን እተኻፈሉ: ከምኡውን ሓደስቲ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ኣብ ሓደ ዓመት ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢቦም ክውድኡ ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ። ኣየናይ መደብ ከም እትስዕብ ብዘየገድስ ብውልቂ ይኹን ብስድራ​ቤት ደረጃ ነቲ ዘውጻእካዮ ፕሮግራም ንምስዓቡ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ቀዳምነት ክትህቦ የድሊ።

እቲ ናይ ኣናብባኻ ልምዲ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧

11. ካብቲ ካብ ኣፍ የሆዋ ዝወጽእ ቃል ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክንምገብ ዘሎና ብኸመይን ስለምንታይን ኢና፧

11 ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ዘውጻእካዮ መደብ ኣብ ምስዓብ ጸገም እንተ​ድኣ ኣሎካ ኰይኑ ንገዛእ ርእስኻ እዚ ዝስዕብ ሕቶ ክትሓታ ይግባእ:- ‘እቲ ናይ ንባብ ወይ ቲቪ ናይ ምርኣይ ልምደይ ኣብቲ ቓል የሆዋ ንኸንብብ ዘሎኒ ክእለት እንታይ ጽልዋ ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል፧’ ነቲ ሙሴ ዝጸሓፎ: የሱስ ከኣ ዝደገሞ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” ዝብል ሓሳብ ዘክሮ። (ማቴዎስ 4:4፣ ዘዳግም 8:⁠3) ልክዕ ከምቲ ኣካላዊ ሓይሊ ንኽንረክብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ መግቢ ክንበልዕ ዘድልየና: መንፈሳውነትና ንምዕቃብ ድማ ሓሳብ የሆዋ መዓልታዊ ክንወስድ የድልየና ኢዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብምንባብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሓሳብ ኣምላኽ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና።

12, 13. (ሀ) ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ ንቓል ኣምላኽ ክህልወና ዘለዎ ባህጊ ብኸመይ ኢዩ ዘብርሆ፧ (ለ) ጳውሎስ ነቲ ብጸባ ገይሩ ዝሃቦ መብርሂ ካብቲ ጴጥሮስ እተጠቐመሉ ብእተፈልየ ኣገባብ ዘውዓሎ ብኸመይ ኢዩ፧

12 ንመጽሓፍ ቅዱስ ‘ከም ቃል ሰብ ዘይኰነስ ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ከም ቃል ኣምላኽ’ ገይርና ብምቕባል ምስ እነማስወሉ ልክዕ ከምቲ ቈልዓ ጸባ ጡብ ኣዴኡ ንምርካብ ሃረምረም ዝብል ንሕና እውን ከምኡ ገይርና ክንብህጎ ኢና። (1 ተሰሎንቄ 2:13) ሃዋርያ ጴጥሮስ ምስ ጸባ ብምምስሳል ከምዚ ኢሉ ኣሎ:- “እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ: ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩ: ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ።” (1 ጴጥሮስ 2:2, 3) “እግዚኣብሄር ሕያዋይ” ምዃኑ ካብ ተመክሮ ጥዒምናዮ እንተ​ድኣ ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ባህጊ ከነማዕብል ኢና።

13 ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ጴጥሮስ ብናይ ጸባ ምሳሌ ገይሩ ክገልጾ ኸሎ ካብቲ ናይ ጳውሎስ ብእተፈልየ መልክዕ ምዃኑ ክስትብሃለሉ ዘለዎ ነገር ኢዩ። ንሓደ ሓድሽ እተወልደ ሕጻን ጸባ እቲ ዘድሊ ንጥረ ነገር ዝረኽበሉ መግቢ ኢዩ። እዚ ጴጥሮስ እተጠቐመሉ መብርሂ: ቃል ኣምላኽ ኵሉ እቲ ‘ንምድሓን ምእንቲ ክንዓቢ’ ዘድልየና ነገራት ዝሓዘ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ። ጳውሎስ ግን ነቲ ገለ ብመንፈስ ኣባጽሕ ኢና ዝብሉ ሰባት ዝጥቀምሉ ሕማቕ ዝዀነ ናይ ኣመጋግባ ልምዲ ንምጕላሕ ኢዩ ንጸባ ከም መብርሂ ተጠቒሙሉ። ናብቶም እብራውያን ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ:- “ከም ምንዋሕ ዘመኑስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ: ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም አሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር: ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ። ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ እሞ: ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን። ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ።” (እብራውያን 5:12-14) ፍረ ዘለዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትና ኣብ ምዕባይን ንመንፈሳዊ ነገራት ዘሎና ሸውሃት ኣብ ምኽፋትን ልዑል ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል ኢዩ።

ብኸመይ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተንብብ

14, 15. (ሀ) እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መሰል ኢዩ ዝሃበና፧ (ለ) ካብ መለኮታዊ ጥበብ ብኸመይ ኢና ክንጥቀም እንኽእል፧ (ኣብነታት ሃብ።)

14 እቲ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ዝዀነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጅመር ብንባብ ዘይኰነስ ብጸሎት ኢዩ። ጸሎት እዚ ኢልካ ክትገልጾ ዘይከኣል መሰል ኢዩ። ንሓደ ብዛዕባ ዓሚቝ ዝዀነ ኣርእስቲ ዝዛረብ መጽሓፍ ክትምርምር ከሎኻ ነቲ ትሕዝቶ ምእንቲ ክትርድኦ ነቲ ደራሲኡ ንኽሕግዘካ ከም ምጽዋዕ ኢዩ። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ሓገዝ ኰን ኢዩ! እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ከምዚ ዝኣመሰለ መሰል ሂቡካ ኣሎ። ሓደ ኣባል ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣማሓዳሪ ኣካል ንኣሕዋቱ ከምዚ ብምባል ጽሒፍሎም ኣሎ:- “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና: ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ: ኪውሀቦውን እዩ። . . . ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን።” (ያእቆብ 1:5, 6) ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ኣማሓዳሪ ኣካል እውን ጸሎት እተሓወሶ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ብቐጻሊ ይምሕጸነና ኢዩ።

15 ጥበብ ነቲ ዘሎካ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ምውዓል ማለት ኢዩ። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምግንጻልካ ነቲ ኣብ ብሕታዊ ህይወትካ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ዘድልየካ ነጥብታት ከተንብብ ከሎኻ ከተስተብህለሉ ክሕግዘካ ንየሆዋ ሕተቶ። ንእትማሃሮ ሓደስቲ ነገራት ምስቲ ቅድሚ ሕጂ እትፈልጦ ኣተሓሕዞ። ምስቲ እተረዳእካዮ “ጥዑይ ቃል” ኣሰማምዓዮ። (2 ጢሞቴዎስ 1:⁠13) ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወት ጥንታዎት ህዝቢ ኣምላኽ እተራእየ ፍጻመታት ኣስተንትን: ተመሳሳሊ ኵነታት ምስ ዘጋጥመካ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ ድማ ንገዛእ ርእስኻ ሕተት።​—⁠ዘፍጥረት 39:​7-9፣ ዳንኤል 3:​3-6, 16-​18፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:​18-​20

16. እቲ እንገብሮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ረብሓ ዘለዎን ጠቓምን ንኽንገብሮ ዝሕግዘና እንታይ ተግባራዊ ሓሳብ ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ፧

16 ምዕራፋት ንምውዳእ ኢልካ ጥራይ ኣይተንብብ። ግዜ ውሰድ። ብዛዕባ እቲ እተንብቦ ዘሎኻ ኣስተንትን። ግልጺ ዘይኰነ ሓሳብ ክትረክብ ከሎኻ: መጽሓፍ ቅዱስካ መወከሲ ዘለዎ እንተ​ድኣ ዀይኑ ኣብኡ ርኣዮ። እቲ ሓሳብ ገና ግልጺ እንተ​ድኣ ዘይኰይኑልካ ኸኣ ተወሳኺ ምርምር ንምግባር መዘኻኸሪ ሓዝ። ከተንብብ ከሎኻ ነቲ ብፍላይ ክትዝክሮ ወይ ክትጽሕፎ እትደሊ ነጥብታት ምልክት ግበረሉ። ኣብቲ ሕድጋት ናይ ብሕትኻ መዘኻኸርን መወከስን እውን ክትውስኸሉ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዕዮ ስብከትን ምምሃርን ዘድልየካ ኰይኑ ዝስምዓካ ጥቕስታት እንተ​ድኣ ኣልዩ ነታ ቐንዲ ቃል ኣስተብህለላ እሞ ነቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ገጻት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣመልካቲ ቃላት ተወከስ። b

ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሐጕስ ግበሮ

17. መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ክንሕጐስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17 ንጉስ ዳዊት እቲ ሕጉስ ሰብ ‘ብሕጊ እግዚኣብሄር ዝፍሳህ: ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን ዝመራምሮ’ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (መዝሙር 1:2) እቲ እንገብሮ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ጾር ዘይኰነስ ብሓቂ ዘሐጕሰና ክኸውን ኣለዎ። ሓደ ካብቲ ዘሐጕስ ክንገብረሉ እንኽእል መገዲ እቲ እንማሃሮ ነገራት ክሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ምግንዛብ ኢዩ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ጥበብ ዚረክብ . . . ብጹእ እዩ። ጐደናኣ ጐደና ሓጐስ: ብዘሎ መገዳ ኸኣ ሰላም እዩ። ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ: ኣጽኒዑ ዚሕዛ ዘበለ ኸኣ ብጹእ እዩ።” (ምሳሌ 3:13, 17, 18) ጥበብ ንምርካብ ምጽዓር ብሓቂ ዝግባእ ኢዩ: ከመይሲ ጐደናኣ ጐደና ሓጐስ: ሰላም: ፍስሃ: ኣብ መወዳእታ ድማ ህይወት ኢዩ።

18. ኣብ ርእሲ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ካልእ ዘድሊ ነገር እንታይ ኢዩ: ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽከ እንታይ ኢና ክንርኢ፧

18 እወ: ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ረብሓ ዘለዎን ባህ ዘብልን ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ንሱ ጥራይ ኣኻሊ ድዩ፧ ኣባላት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ንዘመናት ዝኣክል መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ ጸኒሖም ኢዮም: እንተ​ዀነ ግን ከምተን “ኵሉ ሳዕ ዚምሀራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከአለን” ኢዮም ኰይኖም ዘለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:7) ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ፍረ ዘለዎ ንኽኸውን ነቲ ዝረኸብናዮ ፍልጠት ኣብ ብሕታዊ ናብራና ኣብ ግብሪ ከነውዕሎን ኣብ ናይ ስብከት ይኹን ምምሃር ዕዮና ክንጥቀመሉን ብዝብል ዕላማ ክንገብሮ ኣሎና። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20) ባህ ዘብልን ፍረ ዘለዎን ክኸውን ዝኽእል ጻዕርን ጽቡቕ ኣገባብ መጽናዕትን ምስ ዝህሉ ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

b ነቲ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 11-12 ዘሎ “ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ንምዕባይ ዝሕግዙ ርእይቶታት” ዝብል ኣርእስቲ ርአ።

ናይ ድግማ ሕቶታት

• እንታይ ንነገስታት እስራኤል እተዋህበ ምኽሪ ኢዩ ሎሚ ንሽማግለታት ዝምልከት: ስለምንታይከ፧

• ሎሚ በቶም ‘ጓኖትን ሕጻናትን’ ተመሲሎም ዘለዉ መን ኢዮም: መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ከንብቡ ዘድልዮምከ ስለምንታይ ኢዩ፧

• እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብኸመይ ዝበለ ተግባራዊ መገድታት ኢዩ ስርዓታውያን ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ዝሕግዘና ዘሎ፧

• ካብቲ እንገብሮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ረብሓን ሓጐስን ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ብፍላይ ሽማግለታት መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ የድልዮም

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቤት ጸሎት ኬድካ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምንባብ ምክፋል ልምዲ የሱስ ኢዩ ነይሩ