ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንንባብን መጽናዕትን ዝኸውን ግዜ ምዕዳግ

ንንባብን መጽናዕትን ዝኸውን ግዜ ምዕዳግ

ንንባብን መጽናዕትን ዝኸውን ግዜ ምዕዳግ

“ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ: ጊዜ [ዓድጉ]።”​—⁠ኤፌሶን 5:16

1. ንግዜና ምምቕራሕ ምስትውዓል ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ: ኣጠቓቕማ ግዜና ብዛዕባና እንታይ ኢዩ ክገልጽ ዝኽእል፧

 “ግዜ ምምራጽ ግዜ ምቝ​ጣብ” ምዃኑ ኢዩ ዝዝረብ። ሓደ ሰብ ነቲ ክገብሮ ዘድልዮ ነገራት ግዜ ምስ ዝምድበሉ: ንግዜኡ ብግቡእ ኢዩ ዝጥቀመሉ። ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ንዅሉ እተመደበሉ ሰዓት ኣለዎ: ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ግዜ ኣለዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (መክብብ 3:1 ትርጕም ሞፋት) ንዅላትና ክንጥቀመሉ እንኽእል ማዕረ ዝዀነ ግዜ ኢዩ ዘሎና፣ ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ድማ ኣባና እተመርኰሰ ኢዩ። እቲ ብቐዳምነት እንሰርዖ ነገራትን ኣመቐራርሓ ግዜናን: ኣብ ልብና ዝዓበየ ቦታ ዘለዎ እንታይ ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠21

2. (ሀ) የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ብዛዕባ መንፈሳዊ ድሌትና እንታይ ኢዩ ዝበለ፧ (ለ) እንታይ ርእሰ⁠-​ምርመራ ኢና ክንገብር ዝግብኣና፧

2 ምብላዕን ምድቃስን ንኣካላትና ኣድላዪ ብምዃኑ ንዕኡ ዝኸውን ግዜ ክህልወና ንግደድ ኢና። መንፈሳዊ ድሌትናኸ ደኣ፧ መንፈሳዊ ድሌትና እውን ከነዕግብ ከም ዘሎና ንፈልጥ ኢና። የሱስ ኣብ ናይ ከረን ስብከቱ “ብመንፈስ ድኻታት [“መንፈሳዊ ድሌቶም ንምምላእ ዝነቕሑ:” NW ]: . . . ብጹኣን እዮም” ኢሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 5:3) ስለዚ ኸኣ ኢዩ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብን ምጽናዕን ግዜ ምውፋይ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ብቐጻሊ ዘዘኻኽረና። (ማቴዎስ 24:⁠45) እዚ ኣድላዪ ምዃኑ ትግንዘብ እኳ እንተ ዀንካ: መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ወይ ንምንባብ ግን ግዜ ዘይብልካ ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ከምዚ ዝስመዓካ እንተ​ድኣ ዀይኑ: ቃል ኣምላኽ ንምንባብ: ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ንምግባር: ከምኡውን ንምስትንታን ዝኸውን ግዜ ክንረኽበሉ እንኽእል መገድታትን ኣገባባትን እስከ ንመርምር።

መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብን ምጽናዕን ዝኸውን ግዜ ምርካብ

3, 4. (ሀ) ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ግዜና ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝሃበ: እዚኸ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ‘ግዜ ዓድጉ’ ኢሉ ክመኽረና ኸሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧

3 ነዚ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው ኵላትና ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ከነቕልበሉ ዝግባእ ኢዩ። ከምዚ በለ:- “ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ: ጊዜ ዐዲግኩም: ከም ለባማት እምበር: ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ: ተመልከቱ። ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር: ዓያሱ ኣይትኹኑ።” (ኤፌሶን 5:15-17) እዚ ኸኣ ጸሎት: መጽናዕቲ: ኣኼባታት: ከምኡውን “ወንጌል መንግስቲ” ኣብ ምስባኽ ብእተኻእለ መጠን ምሉእ ብምሉእ ምክፋል ወሲኽካ: ነቲ ከም ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት መጠን ዘሎና ኵሉ መዳያት ህይወትና ዘመልክት ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20

4 ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ዓሚቝ መጽናዕቲ ምግባርን ክፍሊ ህይወቶም ንኽገብርዎ ዝኸብዶም ዘሎ ኢዩ ዝመስል። ኣብ ርእሲ እተን ዘለዋ 24 ሰዓታት ሓንቲ ሰዓት ክንውስኽ ከም ዘይንኽእል ግልጺ ኢዩ: ስለዚ ጳውሎስ ሂብዎ ዘሎ ምኽሪ ካልእ ትርጕም ክህልዎ ኣለዎ። ብቛንቋ ግሪኽ እታ ‘ግዜ ምዕዳግ’ ተባሂላ ዘላ ሓረግ ገለ ነገር ወጻኢ ብምግባር ምዕዳግ ዝብል ሓሳብ ኢዩ ዘለዋ። ዳብሊው. ኢ. ቫይን ኣብታ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ዘርእስታ መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) “ንዝዀነ ይኹን እትረኽቦ ኣጋጣሚ ብእተኻእለ መጠን ብግቡእ ምጥቃም: እቲ ኣጋጣሚ ሓንሳብ እንተ​ድኣ ሓሊፉ ስለ ዘይምለስ ብዝበለጸ መገዲ ምጥቃም” ዝብል ትርጕም ሂብዋ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብን ምጽናዕን ዝኸውን ግዜ ካብ ምንታይ ወይ ካበይ ኢና እሞ እንዕድግ፧

ቀዳምነት ዝወሃቦ ነገራት ክንሰርዕ ኣሎና

5. ‘እቲ ዝሓይሽ ክንምርምር’ ዝግብኣና ስለምንታይን ብኸመይን ኢዩ፧

5 ኣብ ርእሲ እቲ ዘሎና ስጋዊ ግዴታታት ክንዓሞ ዘሎና ብዙሕ መንፈሳዊ ነገራት ኣሎ። ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ የሆዋ ከም ምዃንና መጠን ‘ብዕዮ ጐይታ ዕዙዛት’ እንዀነሉ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠58) ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘እቲ ዝሓይሽ ክምርምሩ’ ዝነገሮም። (ፊልጲ 1:⁠10) እዚ ኸኣ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ነገራት ክንሰርዕ ኣሎና ማለት ኢዩ። መንፈሳዊ ነገራት ኵሉ ግዜ ቅድሚ ስጋዊ ነገራት ክስራዕ ኣለዎ። (ማቴዎስ 6:⁠31-33) እንተ​ዀነ ግን: መንፈሳዊ ግዴታታትና ከነማልእ ኸሎና ሚዛናውያን ምዃን እውን ከድሊ ኢዩ። ነቲ ዘሎና ግዜ ናብቲ እተፈላለየ መዳያት ክርስትያናዊ ናብራና ብኸመይ ኢና እነመቓርሖ፧ ካብቲ ሓደ ክርስትያን ክገብሮ ዘለዎ ‘ዝሓሸ’ ነገራት: ናይ ብሕቲ መጽናዕትን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ዕሽሽ ከም ዝበሃል ገየሽቲ ተዓዘብቲ ጸብጻብ የቕርቡ ኢዮም።

6. ንዓለማዊ ስራሕ ወይ ዕዮ ገዛ ኣብ ዝምልከት ነገራት: ግዜ ምዕዳግ ክበሃል ከሎ እንታይ ኢዩ ከጠቓልል ዝኽእል፧

6 ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ: ግዜ ምዕዳግ “ንዝዀነ ይኹን እትረኽቦ ኣጋጣሚ ብእተኻእለ መጠን ብግቡእ ምጥቃም” ከምኡውን “ብዝበለጸ መገዲ ምጥቃም” ዘጠቓልል ኢዩ። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብን ምጽናዕን ልምድና ልሕሉሕ እንተ​ድኣ ዀይኑ: ግዜና ብኸመይ ነሕልፎ ኸም ዘሎና ንምርኣይ ገዛእ ርእስና ክንምርምር ጽቡቕ ኢዩ። ዓለማዊ ስራሕና ካብ መጠን ንላዕሊ ግዜናን ሓይልናን ዝወስደልና እንተ​ድኣ ዀይኑ ብዛዕባኡ ናብ የሆዋ ክንጽሊ ኣሎና። (መዝሙር 55:⁠22) መጽናዕትን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ሓዊስካ ነቲ ምስ ኣምልኾ የሆዋ እተተሓሓዘ ዝሓሸ ነገራት ዝኸውን ግዜ ንምርካብ ምትዕርራያት ክንገብር ንኽእል ንኸውን። ዕዮ ሰበይቲ ፈጺሙ ኣይውዳእን ኢዩ ክበሃል ልክዕ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ክርስትያናት ኣሓት እውን ቀዳምነት ክህብኦ ዘለወን ነገራት ብምስራዕ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብን ዓሚቝ መጽናዕቲ ንምግባርን ውሱን ዝዀነ ግዜ ክምድባ ኣለወን።

7, 8. (ሀ) ዝበዝሕ እዋን ንንባብን መጽናዕትን ዝኸውን ግዜ ካብ ከመይ ዝበለ ንጥፈታት ኢዩ ክዕደግ ዝከኣል፧ (ለ) ዕላማ ምዝንጋዕ እንታይ ኢዩ: ነዚ ምዝካርከ ቀዳምነት ዝወሃቦ ነገራት ኣብ ምስራዕ ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

7 ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ መብዛሕትና ካብቲ ብዙሕ ኣድላዪ ዘይኰነ ንጥፈታት ንመጽናዕቲ ዝኸውን ግዜ ክንዕድግ ንኽእል ኢና። ንገዛእ ርእስና ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ንሕተት:- ‘ዓለማዊ መጽሔታት ወይ ጋዜጣታት ኣብ ምንባብ: ናይ ተሌቪዥን ፕሮግራም ኣብ ምርኣይ: ሙዚቃ ኣብ ምስማዕ: ወይ ናይ ቪድዮ ጸወታ ኣብ ምጽዋት ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኢየ ዘሕልፍ፧ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምንባብ ዘሕልፎ ግዜ ምስ ኮምፒዩተር ዘሕልፎ ግዜ ድዩ ዝበዝሕ፧’ ጳውሎስ “ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር: ዓያሱ ኣይትኹኑ” ኢሉ ኣሎ። (ኤፌሶን 5:16) ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብሕታዊ መጽናዕትን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን እኹል ግዜ ዘይምድብሉ ቀንዲ ምኽንያት ካብ መጠን ንላዕሊ ተሌቪዥን ኣብ ምርኣይ ግዜ ስለ ዘሕልፉ ኢዩ ዝመስል።​—⁠መዝሙር 101:3፣ 119:37, 47, 48

8 ገሊኦም ምሉእ መዓልቲ ከጽንዑ ክውዕሉ ከም ዘይክእሉ: ብመጠኑ ዕረፍቲ ከም ዘድልዮም ይዛረቡ ኢዮም። እዚ ሓቂ እኳ እንተ​ዀነ: ነቲ ኣብ ምዝንጋዕ እነሕልፎ ግዜ ብምጽብጻብ ምስቲ ንመጽናዕቲ ወይ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እነሕልፎ ግዜ ከነወዳድሮ ጽቡቕ ኢዩ። እቲ ውጽኢቱ ዘገርም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምዝንጋዕን ዕረፍትን ኣድላዪ እኳ እንተ​ዀነ ግቡእ ቦትኡ ክሕዝ ኣለዎ። ዕላምኡ መንፈሳዊ ንጥፈታት ንምግባር ንኸሐድሰና ኢዩ። ዝበዝሕ ናይ ተሌቪዥን ፕሮግራማትን ናይ ቪድዮ ጸወታታትን ንሓደ ሰብ ዘድክምዎ ኢዮም: ቃል ኣምላኽ ምንባብን ምጽናዕን ግን ዘሐድስን ሓይሊ ዝህብን ኢዩ።​—⁠መዝሙር 19:⁠7, 8

ገሊኦም ንንባብን መጽናዕትን ዝኸውን ግዜ ብኸመይ ከም ዝረኽቡ

9. ኣብታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ-መዓልቲ ምምርማር⁠—​1999 ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ ተዋሂቡ ዘሎ ምኽሪ ምስዓብ እንታይ ረብሓታት ኣለዎ፧

9 እቲ መቕድም ናይ 1999 ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ-መዓልቲ ምምርማር ከምዚ ይብል:- “ካብዛ ንእሽቶ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ዕለት ጥቕስን ሓሳባትን ንግሆ ምንባቡ ዝያዳ ጠቓሚ ኢዩ። የሆዋ እቲ ዝዓበየ መምህር በቲ መምርሒታቱ ገይሩ ዘበራብረካ ዘሎ ኰይኑ ክስምዓካ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ካብቲ ናይ የሆዋ መምርሒታት ከም ዝጥቀም ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ:- ‘[የሆዋ] ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ: ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ: ንእዝነይ የንቅሕ።’ ከምዚ ዝበለ ትምህርቲ ‘ንድኹም ብቓል ገይሩ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥ’ ንየሱስ ‘ናይ ምሁራት ልሳን’ ከም ዝረክብ ገበሮ። (ኢሳ. 30:⁠20፣ 50:⁠4፣ ማቴ. 11:⁠28-30) ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ክትነቅሕ ከለኻ እዋናዊ ዝዀነ ምኽሪ ካብ ቃል ኣምላኽ ምርካብ ነቲ ናይ ርእስኻ ጸገማት ክትዋጽኣሉ ይሕግዝ ጥራይ ዘይኰነስ ‘ናይ ምሁራት ልሳን’ ብምሃብ ንኻልኦት ንኽትሕግዝ ከዕጥቐካ ኢዩ።” a

10. ገሊኦም መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብን ንምጽናዕን ግዜ ዝረኽቡ ብኸመይ ኢዮም: እንታይ ረብሓታትከ የምጽኣሎም፧

10 ብዙሓት ክርስትያናት ዕለት ጥቕስን ሓሳባቱን ብምንባብ ከምኡውን ንግሆ ተንሲኦም መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ወይ ብምጽናዕ ነዚ ምኽሪ እዚ ይስዕብዎ ኢዮም። ኣብ ፈረንሳ ሓንቲ እምንቲ ፓይነር መዓልቲ መዓልቲ ኣንጊሃ ብምትንሳእ ን30 ደቒቕ ዝኣክል መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ከምዚ ንኽትገብር ዘኽኣላ እንታይ ኢዩ፧ ከምዚ ትብል:- “ንኽገብሮ ዓሚቝ ስምዒት ኢዩ ዘሎኒ: ዝመጸ ይምጻእ ነቲ ናይ ንባብ መደበይ እፍጽሞ ኢየ!” መዓስ ከም እነንብብ ብዘየገድስ እቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ነገር ነቲ ዘውጻእናዮ መደብ ምስዓብ ኢዩ። ኣብ ኣውሮጳን ሰሜን ኣፍሪቃን ንልዕሊ 40 ዓመታት ፓይነር ኰይኑ ዘገልገለ ረነ ሚካ ከምዚ ይብል:- “ካብ 1950 ጀሚረ ዓመት ዓመት መጽሓፍ ቅዱስ ብምልኡ ኣንቢበ ክውድእ ሸቶይ ኢዩ ነይሩ: ክሳዕ ሕጂ ኸኣ 49 ግዜ ኣንቢበዮ ኣለኹ። ነቲ ምስ ፈጣርየይ ዘሎኒ ጥብቂ ርክብ ንምዕቃብ ከምዚ ምግባር ኣድላዪ ኰይኑ ኢዩ ዝስመዓኒ። ብቓል ኣምላኽ ምስትንታን ፍትሒ የሆዋን ካልእ ባህርያቱን ኣጸቢቐ ንኽርዳእ ሓጊዙኒ ኢዩ: ምንጪ ናይ እዚ ዘይበሃል ብርታዐ ድማ ኰይኑኒ ኢዩ።” b

“ቀለቦም በብጊዜኡ”

11, 12. (ሀ) እንታይ ‘ቀለብ’ ኢዩ በቲ ‘እሙን መጋቢ’ ዝዳሎ ዘሎ፧ (ለ) እቲ ‘ቐለብ’ በብግዜኡ ዝዳሎ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧

11 ከምቲ ስርዓታዊ ዝዀነ ናይ ምምጋብ ልምዲ ጽቡቕ ኣካላዊ ጥዕና ንኽህልወና ኣበርክቶ ዝገብር: ንመጽናዕትን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ዝኸውን ስርዓታዊ መደብ ምህላው እውን ንመንፈሳዊ ጥዕናና ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብ ወንጌል ሉቃስ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ቃላት የሱስ ንረክብ:- “እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ: ቀለቦም በብጊዜኡ ኺህቦም: ጐይታኡ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞስ መን እዩ፧” (ሉቃስ 12:42) ሕጂ ንልዕሊ 120 ዝኸውን ዓመታት ‘ቀለብ በብግዜኡ’ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ካልእ መጻሕፍትን ጽሑፋትን ወጺኡ ኢዩ።

12 ነታ “በብጊዜኡ” እትብል ቃል ኣስተብህለላ። የሆዋ እቲ ዓቢ ‘መምህርና’ ኣብቲ ልክዕ ግዜኡ ብወዱን በቲ ክፍሊ ባርያን ኣቢሉ ንሰረተ⁠-​እምነት ይኹን ጠባይ ኣብ ዝምልከት ነገራት ንህዝቡ መሪሕዎም ኢዩ። ኵላትና ብሓባር ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ቃል ንሰምዕ ከም ዘሎና ኢዩ:- “ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም: ኣእዛንካ: እዚኣ እያ እታ መገዲ . . . ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን።” (ኢሳይያስ 30:20, 21) ኣብ ርእሲ እዚ ኣቓልቦ ገይርና መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ብብሕትና ከነንብብ ከሎና መብዛሕትኡ እዋን እቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሳብ ብፍላይ ንዓና እተዳለወ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ። እወ: መለኮታዊ ምኽርን መምርሕን በብግዜኡ ኢና እንረክብ: እዚ ኸኣ ፈተናታት ንኽንቃወም ወይ ጥበብ እተሓወሶ ውሳነ ኽንገብር የኽእለና።

ጽቡቕ ናይ ኣመጋግባ ልምዲ ኣማዕብል

13. ገለ ድኹም ዝዀነ ልምዲ መንፈሳዊ ኣመጋግባ እንታይ ኢዩ፧

13 ካብቲ በብግዜኡ ዝዳሎ ‘ቐለብ’ ምሉእ ብምሉእ ንምጥቃም ጽቡቕ ናይ ኣመጋግባ ልምዲ ክህልወና ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብን ብሕታዊ መጽናዕቲ ንምግባርን ስርዓታዊ ዝዀነ መደብ ክህልወና ይግባእ: ክንስዕቦ ድማ ኣሎና። መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ምምጋብ ጽቡቕ ዝዀነ ልምዲ ከምኡውን ዓሚቝ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ እትገብረሉ ግዜ ኣሎካዶ ኢዩ፧ ወይስ ነቲ ንዓና ተባሂሉ ብጥንቃቐ እተኸሸነ መግቢ ላዕሊ ላዕሉ ጥራይ ጥዕም ጥዕም ብምባል ወይ ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ብሃታሃታ ናይ ምምጋብ አረ ሓድሓደ ግዜ ዋላ ሓንቲ ከይበላዕካ ናይ ምውዓል ልምዲ ድዩ ዘሎካ፧ ሕማቕ ዝዀነ መንፈሳዊ ኣመጋግባ ንገሊኣቶም ብእምነት ከም ዝደኽሙ: አረ ከም ዝወድቁ እውን ገይርዎም ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 1:⁠19፣ 4:⁠15, 16

14. ነቲ እንፈልጦ ዝመስል ኣርእስትታት እውን ተጠንቂቕና ከነጽንዖ ጠቓሚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ገሊኦም ነቲ መሰረታዊ ሰረተ⁠-​እምነት ስለ ዝፈልጥዎ ነፍሲ ወከፍ ዝወጽእ ኣርእስቲ ሓድሽ ነገር ዘለዎ ኰይኑ ኣይስምዖምን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ በገባብ ዝግበር መጽናዕትን ኣኼባታት ምክፋልን ንዕኦም ኣድላዪ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ነቲ ቅድሚ ሕጂ እተማሃርናዮ ምዝኽኻር ከም ዘድልየና መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር ኢዩ። (መዝሙር 119:95, 99 NW፣ 2 ጴጥሮስ 3:1፣ ይሁዳ 5) ልክዕ ከምቲ ንፉዕ ከሻኒ ብሓደ ዓይነት ኣስቤዛ ገይሩ እተፈላለየ ምቁር ዝዀነ መግቢ ዘዳሉ እቲ ክፍሊ ባርያ ድማ ዘዐንግል መንፈሳዊ መግቢ ብእተፈላለየ መገድታት ኢዩ ዘዳሉ። ሓደ ብተዳጋጋሚ ዝወጽእ ኣርእስቲ እውን ከይተረፈ ክሓልፈና ዘይንደልዮ ደቀቕቲ ሓሳባት ዝሓዘ ኢዩ። ካብቲ እነንብቦ እንረኽቦ ጥቕሚ ብዓቢኡ ኣብቲ ንኸነጽንዖ ዝወስደልና ግዜን እንገብሮ ጻዕርን እተመርኰሰ ኢዩ።

ካብ ምጽናዕን ምንባብን ዝርከብ መንፈሳዊ ረብሓታት

15. መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ምጽናዕን ንፉዓት ኣገልገልቲ ቃል ኣምላኽ ክገብረና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

15 መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምንባብን ምጽናዕን እንረኽቦ ረብሓታት ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ነቲ “ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ . . . ዓያዪ” ክንከውን ዝሓተና ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ዝዀነ ክርስትያናዊ ሓላፍነት ንምምላእ ንነፍሲ ወከፍና ይሕግዘና ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ከነንብብን ከነጽንዕን ከሎና ኣእምሮና ዝያዳ ብሓሳብ ኣምላኽ ይምላእ። ድሕርዚ ከም ጳውሎስ ምስ ሰባት ‘ብጽሑፋት ክንዘራረብ’ ነቲ ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ ዝገልጽ ዘደንቕ ሓቂ ድማ ‘እናተርጐምና ክንገልጸሎም’ ክንክእል ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 17:2, 3) ናይ ኣመሃህራ ክእለትና ክዓቢ ኢዩ: ዕላልና: ዘረባና: ከምኡውን እንህቦ ምኽሪ ብመንፈስ ዝያዳ ሃናጺ ክኸውን ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 1:⁠5

16. ቃል ኣምላኽ ብምንባብን ምጽናዕን ብኸመይ ዝበለ ብሕታዊ መገድታት ኢና እንጥቀም፧

16 ኣብ ርእሲ እዚ: ቃል ኣምላኽ ኣብ ምምርማር እነሕልፎ ግዜ ህይወትና ብዝያዳ ምስ መገድታት የሆዋ ንኸነሰማምዖ ከኽእለና ኢዩ። (መዝሙር 25:4፣ 119:​9, 10፣ ምሳሌ 6:​20-​23) ነቲ ከም ትሕትና: ተኣማንነት: ሓጐስ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ባህርያትና ከደልድሎ ኢዩ። (ዘዳግም 17:19, 20፣ ራእይ 1:3) ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምንባብን ምጽናዕን ዝረኸብናዮ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ኸሎና: ብዘይ​ ገለ ዕንቅፋት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ይፈስስ: እዚ ኸኣ ብግዲኡ ኣብ ኵሉ እቲ እንገብሮ ነገራት ኣኽል⁠-​ታርፍ ፍረ መንፈስ ከም ዝህልዎ ይገብር።​—⁠ገላትያ 5:⁠22, 23

17. ብዝሕን ዓይነትን ናይቲ ብብሕትና እንገብሮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን መጽናዕትን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ዝጸልዎ ብኸመይ ኢዩ፧

17 ልዕሊ ዅሉ ድማ: እቲ ቃል ኣምላኽ ንምንባብን ንምጽናዕን ኢልና ካብ ካልእ ንጥፈታት እንዕድጎ ግዜ ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ብሕታዊ ርክብ ብዙሕ በረኸት ከምጽእ ኢዩ። ጳውሎስ ክርስትያናት ብጾቱ ‘በቲ ፍልጠት ፍቓድ ኣምላኽ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ብምምላእ ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብሉ ብቑዓት ኰይኖም ክመላለሱ’ ጸልዩ ኢዩ። (ቈሎሴ 1:9, 10) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ‘ንእግዚኣብሄር ብቑዓት ኴንና ንኽንመላለስ ብፍልጠት ፍቓዱን ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ክንመልእ’ ከድልየና ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: በረኸትን ስምረትን የሆዋ ንምርካብ ብዓቢኡ ኣብቲ ብብሕቲ እንገብሮ ብዝሕን ዓይነትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባብናን መጽናዕትናን እተመርኰሰ ኢዩ።

18. ነቲ ኣብ ዮሃንስ 17:⁠3 ዘሎ ቃላት የሱስ ምስ እንስዕቦ እንታይ በረኸታት ኢና ክንረክብ እንኽእል፧

18 “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።” (ዮሃንስ 17:3) እዚኣ ሓንቲ ካብተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኻልኦት ቃል ኣምላኽ ምጽናዕ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ንኽርድኡ ክሕግዝዎም ኢሎም ብዙሕ ግዜ ዝጥቀሙለን ጥቕስታት ኢያ። ንሕና እውን ነፍሲ ወከፍና ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ክህልወና ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። እቲ ንዘለኣለም ምንባር ዝብል ተስፋና ኣብቲ ብዛዕባ የሆዋን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ዘሎና እናዓበየ ዝኸይድ ፍልጠት እተመርኰሰ ኢዩ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕሰቦ። ብዛዕባ የሆዋ ምምሃር እነብቅዓሉ ግዜ የለን ማለት ኢዩ። ብዛዕባኡ ገና ንዘለኣለም ክንማሃር ኢና!​—⁠መክብብ 3:⁠11፣ ሮሜ 11:⁠33

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።

b ነታ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 15-16 ዘላ “መዓስ ከም ዘንብብዎን ብኸመይ ከም እተጠቐሙን” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ናይ ድግማ ሕቶታት

• በቲ ኣጠቓቕማ ግዜ እንታይ ኢዩ ክግለጽ ዝኽእል፧

• መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብን ምጽናዕን ካበየናይ ንጥፈታት ኢዩ ግዜ ክዕደግ ዝከኣል፧

• ነቲ ዘሎና ልምዲ መንፈሳዊ ኣመጋግባ ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

• ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ምንባብን ምጽናዕን እንታይ ረብሓታት ይርከብ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታዊ ዄንካ ምንባብን ምጽናዕን ‘ቃል ኣምላኽ ብቕንዕና ንኸነማቕል’ የኽእለና

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ብስራሕ ትሑዝ ዝዀነ ናብራ ህይወትና ንኻልእ ንጥፈታት ምስ መንፈሳዊ ረብሓታት ሚዛናዊ ምግባሩ ብዙሕ በረኸት ኣለዎ