ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘለኣለማዊ ሓጐስ ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ፧

ዘለኣለማዊ ሓጐስ ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ፧

ዘለኣለማዊ ሓጐስ ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ፧

 ሓጐስካ ብቐዳምነት በቲ እትነብረሉ ቦታ ድዩ ዝውሰን፧ መብዛሕትኦም ሰባት ሓጐስ ኣብ ከም ጽቡቕ ጥዕና: ትርጕም ዘለዎ ህይወት: ከምኡውን ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ምግባር ዝኣመሰለ ነገራት ዝምርኰስ ምዃኑ ብዘይ​ገለ ምውልዋል ይሰማምዕሉ ኢዮም። ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ምሳሌ “ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢ: ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሐይሽ” ብምባል ነዚ ገሊጽዎ ኣሎ።​—⁠ምሳሌ 15:⁠17

እቲ ዘሕዝን ግን ምድርና ካብ ጥንቲ ኣትሒዛ ናይ ጽልኢ: ዓመጽ: ከምኡውን ናይ ካልእ እኩይ ተግባራት ታሪኽ ዘለዋ ኢያ። እቲ ብዙሓት ሰባት ድሕሪ ሞት ክኸድዎ ተስፋ ዝገብሩሉ ሰማይ ወይ እቲ መንፈሳዊ ዓለምከ ከመይ ኢዩ፧ ከምቲ መብዛሕትኡ ሰብ ዝሓስቦ ወትሩ ፍስሃ ዝመልኦ ሰላም ዝነበሮ ከምኡውን ረብሻ ዝበሃል ዘይብሉ ህዱእ ቦታ ድዩ ነይሩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ምስ መላእኽቲ ዝበሃሉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ መንፈሳውያን ፍጡራት ኣብ ሰማይ ከም ዝነብር ይምህር ኢዩ። (ማቴዎስ 18:⁠10፣ ራእይ 5:​11) እዞም መላእኽቲ እዚኣቶም መንፈሳውያን “ደቂ ኣምላኽ” ተባሂሎም ተገሊጾም ኣለዉ። (እዮብ 38:​4, 7) መላእኽቲ ከም ሰባት ናጻ ስነ⁠-​ምግባራዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ድኣ ኢዮም እምበር ሮቦት ኣይኰኑን። ስለዚ: ቅኑዕ ኰነ ጌጋ ንምግባር ክመርጹ ይኽእሉ ኢዮም። መላእኽቲ ጌጋ ነገር ንምግባር ይመርጹዶ ኢዮም፧ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ብዙሓት መላእኽቲ ከምዚ ከም ዝገበሩ: አረ ካብ ኣምላኽ ብምዕላው እውን ከም ዝሓጥኡ ምፍላጥ ንገለ ሰባት የገርሞም ይኸውን ኢዩ!​—⁠ይሁዳ 6

ኣብ ሰማይ እተፈጸመ ዕልዋ

ሓጢኣት ኣብ መንፈሳዊ ዓለም እተቐልቀለ ብሰንኪ እቲ ደሓር ሰይጣን (ተቓዋሚ) ከምኡውን ድያብሎስ (መካፍኢ) ተባሂሉ እተጸውዐ ዝዓለወ መልኣኽ ኢዩ። እዚ ሓደ እዋን እዙዝ ዝነበረ መልኣኽ ናጻ ድሌቱ ተጠቒሙ ጌጋ ንምግባር መረጸ። ድሕርዚ ንኻልኦት መንፈሳውያን ፍጡራት ክፉእ ንኽገብሩ ጽልዋ ኣሕደረሎም: በዚ ኸምዚ ድማ ቀቅድሚ ማይ ኣይሂ: ኖህ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዙሓት መላእኽቲ ካብ ኣምላኽ ብምዕላው ምስ ሰይጣን ሓበሩ።​—⁠ዘፍጥረት 6:⁠2 NW እግረ⁠-​ጽሑፍ፣ 2 ጴጥሮስ 2:⁠4

እዞም ዝዓለዉ መላእኽቲ ብኡንብኡ ካብ ሰማይ ኣይተሰጉን። ኣብ ክንድኡስ: ገለ ቀይድታት ዝነበሮም እኳ ዝመስል እንተ​ዀነ: ንኣሽሓት ዓመታት ንሰማይ ክመላለሱ ግን ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። a ይኹን እምበር: እቲ ኣምላኽ ኣብዞም ገበርቲ እከይ ዘርኣዮ ምጽማም ምስ ተወድአ: ናብ ምድሪ “ተደርበዩ:” ኣብ መወዳእታ ድማ ክጠፍኡ ኢዮም። ሽዑ ኣብ ሰማይ “ኣቱም ሰማያት: ኣባታቶም እትነብሩውን ተሐጐሱ” ዝብል ድምጺ ተሰምዐ። (ራእይ 12:⁠7-12) ኣብ መወዳእታ ሰማያት ካብቶም ሽግር ዝፈጥሩ ስለ ዝጸረየ እቶም እሙናት መላእኽቲ ከም እተሓጐሱ ኣየጠራጥርን ኢዩ!

ነዚ ሰፊሕ ተፈላጥነት ዘይብሉ ዝርዝራት ኣብ ግምት ምስ እነእትዎ: መስተውዓልቲ ፍጡራት ንሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ኣብ ዘየኽብሩሉ እዋን ሓቀኛ ሰላም ክህሉ ከም ዘይክእል ንጹር ኢዩ። (ኢሳይያስ 57:​20, 21፣ ኤርምያስ 14:⁠19, 20) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ኵሎም ሕጊ ኣምላኽ ምስ ዝእዘዙ: ሰላምን ህድኣትን ይሰፍን። (መዝሙር 119:⁠165፣ ኢሳይያስ 48:⁠17, 18) ስለዚ ኵሎም ደቅሰብ ንኣምላኽ ኣፍቂሮምዎን ተኣዚዞምዎን ከምኡውን ንሓድሕዶም ተፋቒሮም ነይሮም እንተ ዝዀኑ: ምድሪ ብሓቂ ባህ እተብልን እተሐጕስን መንበሪ ቦታዶ ኣይምዀነትን፧ መጽሓፍ ቅዱስ እወ ኢሉ ኢዩ ዝምልስ!

እንተ​ዀነ ግን: ብዛዕባ እቶም ብስስዐ ነቲ እኩይ መገድታቶም ምቕያር ዝኣብዩኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ንሓዋሩ ንሰላም ናይቶም ፍቓድ ኣምላኽ ክገብሩ ዝደልዩ ሰባት ክዘርጉዶ ኢዮም፧ ኣይፋልን: ከምቲ ኣምላኽ ኣብቶም ኣብ ሰማይ ዝነበሩ እኩያት መላእኽቲ ስጕምቲ ዝወሰደ: ኣብዞም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ እኩያት ሰባት እውን ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ።

ዝጸረየት ምድሪ

ኣምላኽ “ሰማይ ዝፋነይ እዩ: ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እያ” ኢሉ ኢዩ። (ኢሳይያስ 66:⁠1) ኣምላኽ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ቅዱስ ስለ ዝዀነ ነታ ‘መርገጽ እግሩ’ ንሓዋሩ ብእኩያት ክትረክስ ኣይክፈቅድን ኢዩ። (ኢሳይያስ 6:⁠1-3፣ ራእይ 4:⁠8) ከምቲ ንሰማይ ካብ እኩያት መንፈሳውያን ፍጥረታት ዘጽረዮ: እዚ ቀጺሉ ዘሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጥቕስታት ከም ዝሕብሮ ንምድሪ እውን ካብ እኩያት ሰባት ከጽርያ ኢዩ:-

“እኩያት ኪጸንቱ እዮም: ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም።”​—⁠መዝሙር 37:⁠9

“እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ: . . . ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ: እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።”​—⁠ምሳሌ 2:⁠21, 22

“በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ ንኣኻትኩም ጸቢቡኩም ዘሎን ምሳና ዕረፍቲ: ነቶም ዜጻብቡልኩም ዘለዉን ጸበባ ኺፈዲ: ብኣምላኽ ቅኑዕ እዩ እሞ: ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ። . . . ንሳቶም ብመቕጻዕቲ: ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታናን ክብሪ ስልጣኑን ርሒቖም: ኪቕጽዑ እዮም።”​—⁠2 ተሰሎንቄ 1:⁠6-9

“[እታ ናይ እኩያት ደቅሰብ] ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።”​—⁠1 ዮሃንስ 2:⁠17

ምድሪ ደጊም ዘይዝረግ ሰላም ክሰፍናዶ ኢዩ፧

ኣምላኽ ነቲ ንእከይ ዝገብሮ ምጽማም ደረት ከም ዘለዎ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ዘርኢ እኳ እንተ​ዀነ: እከይ ሓንሳእ ምስ ተወገደ እንደገና ከም ዘይምለስ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ደድሕሪ እቲ ብዘመን ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ እውን እከይ ስለ ዝበዝሐ ደይኰነን ኣምላኽ ንቛንቋ ደቅሰብ ብምድብላቕ ነቲ እኩይ መደቦም ዘሰናኸሎ፧​—⁠ዘፍጥረት 11:⁠1-8

እከይ እንደገና ከም ዘይህሉ ንኽንተኣማመን ዘኽእለና ቀንዲ ምኽንያት ግን ምድሪ ከምቲ ደድሕሪ እቲ ማይ ኣይሂ ዝዀነቶ ብሰባት ስለ ዘይትግዛእ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ብመንግስቲ ኣምላኽ ኢያ ክትግዛእ። እዛ መንግስቲ እዚኣ በይና ንምልእቲ ምድሪ ኣብ ሰማይ ኰይና ከተመሓድራ ኢያ። (ዳንኤል 2:⁠44፣ 7:⁠13, 14) እከይ ከተኣታቱ ንዝፈተነ ዅሉ ቅልጡፍ ስጕምቲ ክውሰዶ ኢዩ። (ኢሳይያስ 65:⁠20) አረ ኣብ መወዳእታስ ነቲ ቐንዲ ምንጪ እከይ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስን ነቶም ኣጋንንቲ ዝበሃሉ ንዕኡ ዝሰዓቡ እኩያት መላእኽትን ከተጥፍኦም ኢያ።​—⁠ሮሜ 16:⁠20

ብተወሳኺውን እቲ ሎሚ ንገሊኣቶም ኣብ ናይ ዓመጽ ህይወት ከም ዝጥሕሉ ዝገብሮም ስእነት መግቢ: ክዳን: መዕቈቢ: ከምኡውን ስራሕ: ኣብቲ ግዜ እቲ ንደቅ​ሰብ ዘጨንቕ ጕዳይ ኣይክኸውንን ኢዩ። እወ: ብምልእታ ምድሪ ንዅሉ ሰብ እኹል ምህርቲ ናብ እተፍሪ ገነት ክትልወጥ ኢያ።​—⁠ኢሳይያስ 65:⁠21-23፣ ሉቃስ 23:⁠43

እቲ ዝያዳ ዘገድስ ከኣ እታ መንግስቲ ነቶም ተገዛእታ ናብቲ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ደቅሰብ ፍጽምና ከተሰጋግሮም ከላ ሰላማዊ ኣነባብራ ክትምህሮም ኢያ። (ዮሃንስ 17:⁠3፣ ሮሜ 8:⁠21) ድሕርዚ ደቅሰብ ደጊም ምስ ድኽመታቶምን ናይ ሓጢኣት ዝንባለታቶምን ስለ ዘይቃለሱ: ከምቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ የሱስ ንኣምላኽ ፍጹም ተኣዛዝነት ከርእዩን በዚ ክሕጐሱን ኢዮም። (ኢሳይያስ 11:⁠3) ከም ሓቂ ክንሪኦ እንተ​ድኣ ዄንና የሱስ ኣብታ እትመጽእ ገነት ፈጺሙ ዘይህሉ ዓቢ ፈተናን ስቓይን እኳ እንተ ወረዶ ንየሆዋ እሙን ካብ ምዃን ኣየቋረጸን።​—⁠እብራውያን 7:⁠26

ገለ ሰባት ናብ ሰማይ ዝኸዱሉ ምኽንያት

ብዙሓት ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነተን “ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። . . . ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ” ዝብላ ቃላት የሱስ ይፈልጥወን ኢዮም። (ዮሃንስ 14:⁠2, 3) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ምስቲ ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ዝህሉ ዝገልጽ ሓሳብ ኣይትጋጮንዶ፧

እዚ ትምህርትታት እዚ ንሓድሕዱ ኣይጋጮን ኢዩ። አረ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይድግፎ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እተወሰነ ቍጽሪ ዘለዎም ማለት 144,000 እሙናት ክርስትያናት ኣብ ሰማይ ንምንባር መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኖም ከም ዝትንስኡ ይገልጽ ኢዩ። እዚ ዘደንቕ ሽልማት እዚ እተዋህቡ ስለምንታይ ኢዮም፧ ነቶም ዮሃንስ ኣብ ራእይ ዝረኣዮም “ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ” እተባህለሎም ጕጅለ ስለ ዘቝሙ ኢዮም። (ራእይ 14:⁠1, 3፣ 20:⁠4-6) እቶም 144,000 ምስቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ክወዳደሩ ኸለዉ ብሓቂ “ሒደት መጓሰ” ኢዮም። (ሉቃስ 12:⁠32) ኣብ ርእሲ እዚውን: እቲ ንደቅ​ሰብ ብሓፈሻ ዘጋጥሞም ሽግራት ስለ ዝጠዓምዎ: ነቲ ንደቅ​ሰብን ምድርን ንምሕዳስ ዝግበር ዕዮ ክቈጻጸሩ ኸለዉ ከም የሱስ ‘ብድኻምና ክድንግጹልና’ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠እብራውያን 4:⁠15

ምድሪ​—⁠ዘለኣለማዊት መንበሪት ደቅሰብ

ኣምላኽ ነቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ብምድላው: ቅድሚ 2,000 ዓመታት ኣቢሉ ነቶም 144,000 ክእክብ ጀመረ: ሕጂ እዞም ጕጅለ እዚኣቶም ቍጽሮም ከም ዝመልአ ኢዩ ኵነታት ዝሕብር። (ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠1-4፣ ገላትያ 4:⁠4-7) ይኹን እምበር: መስዋእቲ የሱስ ብናይ ሓጢኣት “ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበር” ብሓጢኣት ናይ 144,000 ጥራይ ኣይኰነን ቀሪቡ። (1 ዮሃንስ 2:⁠2) ስለዚ: ኵሎም ኣብ የሱስ እምነት ዘለዎም ሰባት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣለዎም። (ዮሃንስ 3:⁠16) እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ኣብ መቓብር ዝርከቡ ምዉታት: ናብ ሰማይ ንምኻድ ዘይኰነስ ናብታ ዝጸረየት ምድሪ ክትንስኡ ኢዮም። (መክብብ 9:⁠5፣ ዮሃንስ 11:⁠11-13, 25፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15) እንታይ ኰን ክጽበዮም ኢዩ፧

ራእይ 21:⁠1-4 ከምዚ ብምባል ትምልሰልና:- “እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ [ኢዩ:] . . . ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሕስብ እሞ ኣብሎ: ደቅሰብ ካብ ሞት ሓራ ክዀኑ ኢዮም: ስቓይን ጫውጫውን ከኣ ንዘለኣለም ኣይክህሉን ኢዩ! ኣብ መወዳእታ: የሆዋ ንምድርን ደቅ​ሰብን ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ዘደንቕ ፍጻሜኡ ክረክብ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 1:⁠27, 28

ምርጫና​—⁠ህይወት ወይስ ሞት

ኣዳምን ሄዋንን ንሰማይ ናይ ምኻድ ምርጫ ፈጺሙ ኣይተዋህቦምን። እቲ እተዋህቦም ምርጫ: ንኣምላኽ ተኣዚዝካ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ወይ ከይተኣዘዝካ ሙማት ኢዩ ነይሩ። እቲ ዘሕዝን ግን: ዘይምእዛዝ ብምምራጾም ናብ “መሬት” ተመልሱ። (ዘፍጥረት 2:⁠16, 17፣ 3:⁠2-5, 19) ደቅሰብ ምስ ሞቱ ብመቓብር ኣቢሎም ናብ ሰማይ ክኸዱ ፈጺሙ ዕላማ ኣምላኽ ኰይኑ ኣይፈልጥን። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ምእንቲ ክነብሩ ኣእላፋት መላእኽቲ ፈጠረ፣ እዞም መንፈሳውያን ፍጥረታት እዚኣቶም ምስ ሞቱ ኣብ ሰማይ ንኽነብሩ ዝተንስኡ ደቅሰብ ኣይኰኑን።​—⁠መዝሙር 104:⁠1, 4 NW  ፣ ዳንኤል 7:⁠10

ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር በረኸት ክንረክብ እንተ​ድኣ ደሊና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ኢዩ። የሱስ ኣብ ጸሎቱ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ።​—⁠ዮሃንስ 17:⁠3

ነቲ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ምውዓል ከኣ ናብቲ ኣብ ገነት ዝህሉ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ዝመርሕ ካልእ ስጕምቲ ኢዩ። (ያእቆብ 1:⁠22-24) እቶም ብቓል ኣምላኽ ዝመላለሱ ሰባት ንፍጻሜ ናይቲ ኣብ ከም ኢሳይያስ 11:⁠9 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ተመዝጊቡ ዘሎ ባህ ዘብል ትንቢታት ናይ ምርኣይ ተስፋ ኣለዎም፣ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ከምዚ ትብል:- “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ: ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።”​—⁠ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣምላኽ ንእከይ ኣብ ሰማይን ምድርን ክቕጽል ዘፍቀደሉ ምኽንያት ንምምርማር ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 70-9 ርአ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

“ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”​—⁠መዝሙር 37:⁠29