ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ጽብቕቲ ሜዳቝ”

“ጽብቕቲ ሜዳቝ”

“ጽብቕቲ ሜዳቝ”

 መብዛሕትና ጽብቕቲ ዝብል ቅጽል ንዓሌት ጤል ኣይንጥቀመሉን ኢና። ብዛዕባ ኣጣል ትዝ ዝብለና እንተልዩ ዝዀነ ይኹን ኣቝጽልቲ ዝበልዓ ከምኡውን መቐረት ዘለዎ ስጋን ምኡዝ ጸባን ዝህባና ምዃነን ኢዩ፣ ጽቡቓት ኢልና ግን ኣይንጽውዐንን ኢና እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኰነን።

ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ንሰበይቲ ከም “ፍት⁠ውቲ ዋላ: ጽብቕቲ ሜዳቝ” ገይሩ ጠቒስዋ ኣሎ። (ምሳሌ 5:​18, 19) እቲ መጽሓፍ ምሳሌ ዝጸሓፈ ሰሎሞን ኣብ እስራኤል ንዝነበሩ እንስሳ መሮር ብምስትውዓል ይዕዘብ ስለ ዝነበረ ነዚ ምሳሌ እዚ ንምጥቃም ብቑዕ ምኽንያት ከም ዝነበሮ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (1 ነገስት 4:⁠30-33) ምናልባት እውን ከም ኣቦኡ ዳዊት ነተን ካብቲ ኣብ ጥቓ ምዉት ባሕሪ ዝርከብ ከባቢ ዔን⁠-​ገዲ ዘይፍለያ ዝነበራ ሜዳቝ ተዓዚቡ ነይሩ ይኸውን ኢዩ።

እተን ኣብ ከባቢ በረኻ ይሁዳ ዝነብራ ሒደት ዕስለ ሜዳቝ ናብቲ ኣብ ዔን⁠-​ገዲ ዝርከብ ዓይኒ ማይ ኵሉ ሳዕ ይመላለሳ። ዔን⁠-​ገዲ ኣብ ኣጻምእ ዝርከብ እንኮ ምንጪ ማይ ስለ ዝዀነ: ንዘመናት ዝኣክል እተን ሜዳቝ ማይ ዝሰትያሉ ምቹእ ቦታ ኰይኑለን ኢዩ። እታ ዔን⁠-​ገዲ እትብል ስም እውን “ምንጪ ማሕስእ” ዝብል ትርጕም ክህልዋ ይኽእል ኢዩ: እዚ ድማ ኣብቲ ቦታ ኵሉ ሳዕ መሓስእ ከም ዝነበራ የርኢ። ሽሕኳ ንጉስ ዳዊት ብንጉስ ሳኦል ክስጐጕ ከሎ ሃዲሙ “ኣብ ኣኻውሕ ጤለ⁠-​በዱ” ይቕመጥ እንተ ነበረ: ኣብዚ ቦታ እዚ ዕቝባ ረኺቡ ኢዩ።​—⁠1 ሳሙኤል 24:⁠2, 3

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዔን⁠-​ገዲ ኣንስተይቲ ጤለ⁠-​በዱ ወይ ሜዳቝ ደድሕሪ እቲ ተባዕታይ ማይ ክትሰቲ በቲ ኣኻውሕ ዝመልኦ ስንጭሮ ክትወርድ ከላ ነቲ ምዕሩግ ኣካይዳኣ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ነቲ ኣንስተይቲ ጤለ⁠-​በዱ ምስ እምንቲ ሰበይቲ እተገብረ ምንጽጻር ክትርድኦ ትጅምር። እቲ ህድኣታን ምዕሩግ ባህርያታን እውን ሓለፍ ዝበለ ናይ ኣንስተይቲ ውርዝውና ዘንጸባርቕ ኢዩ። እታ “ጽብቕቲ” እትብል ቃል ነቲ ሜዳቝ ዘለዋ ውቃበን ምዕሩግ ትርኢትን ከም ዘመልክት ኣየጠራጥርን ኢዩ። a

ኣንስተይቲ ጤለ⁠-​በዱ ሓያልን ምዕርግትን ክትከውን ኣለዋ። ከምቲ የሆዋ ንእዮብ ዝገለጸሉ ጤለ⁠-​በዱ መግቢ ኣብ ዘይርከቦን ኵነታት ኣየር ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉን ክብጻሕ ዘይከኣል ኣኻውሕ ዝመልኦ ቦታ ኢያ እትወልድ። (እዮብ 39:⁠1 NW  ) እዚ ዅሉ ጸገማት እናሃለወ ክነሱ: ከምቲ ንሳ ብቐሊሉ ኣብቲ ኣኻውሕ እትሓኵርን እትዘልልን: ንማሕስኣ እውን ከምኡ ክትገብር ትምህራ ኢያ። ብተወሳኺውን ጤለ⁠-​በዱ ንማሕስኣ ካብ ሃዲኖም ዝበልዑ እንስሳታት ብትብዓት ትከላኸል ኢያ። ሓደ ተዓዛቢ: ሓንቲ ሜዳቝ ንንእሽቶ ማሕስኣ ኣብ ትሕቲኣ ኮፍ ኣቢላ ምስቲ ክምንዝዕ ዝመጸ ንስሪ ንፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ክትቃለስ ርእዩ ኢዩ።

ክርስትያን ኣንስትን ኣዴታትን ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኵነታት እውን ንደቀን ክከናኸና ኣለወን። ልክዕ ከም ሜዳቝ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበን ሓላፍነት ኣብ ምስካም ተወፋይነትን ሕያውነትን የርእያ። ንደቀን ከኣ ካብ መንፈሳዊ ሓደጋታት ብትብዓት ይከላኸላሎም። ስለዚ: ሰሎሞን እዚ ምሳሌ እዚ ክጥቀም ከሎ ንኣንስቲ ኣየነኣኣሰንን: ኣብ ክንድኡስ ነቲ ሰበይቲ ዘለዋ ግርማን ውቃበን ኢዩ ዘጕልሕ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር እዋን እውን ዝንጸባረቕ መንፈሳዊ ባህርያት ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብመሰረት ዘ ኒው ብራውን⁠-​ድራይቨር⁠-​ብሪግስ⁠-​ጀሰኒዩስ ሄብሪው ኤንድ ኢንግሊሽ ለክሲኮን: (እንግሊዝኛ) እታ “ጽብቕቲ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቸን እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል ኣብዚ ኣሰዃዅዓ እዚ ‘ብቕርጽን ትርኢትን ውቁብ ወይ ምዕሩግ ምዃን’ ማለት ኢያ።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ሰበይትን ኣደን ነቲ ኣምላኽ ዝሃባ ሓላፍነታት ክትፍጽም ከላ ባህ ዘብል መንፈሳዊ ባህርያት ኢያ እተንጸባርቕ