ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ እትፍጽሞ ነገራት

መንግስቲ ኣምላኽ እትፍጽሞ ነገራት

መንግስቲ ኣምላኽ እትፍጽሞ ነገራት

“መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።” ​—⁠ማቴዎስ 6:⁠10

1. ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ትርጕም ኢዩ ክህልዎ፧

 የሱስ ንሰዓብቱ ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክጽልዩ ክምህሮም ከሎ እቲ ናታ ምምጻእ ነዚ ንኣሽሓት ዓመታት ካብ ኣምላኽ ተገሊሉ ዘሎ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ከም ዘብቅዕ ክገብሮ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ ኣብዚ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ሰፊንሉ ዝጸንሐ እዋን: ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ተፈጻምነቱ ኣይረኸበን። (መዝሙር 147:⁠19, 20) እታ መንግስቲ ኣብ ሰማያት ድሕሪ ምቛማ ግን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ክፍጸም ኢዩ። እቲ ካብ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ናብቲ ናይ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣገዛዝኣ ዝስገረሉ ዘስደምም ዝዀነ እዋን ኣዝዩ እናቐረበ ኢዩ ዝመጽእ ዘሎ።

2. እቲ ካብ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ናብ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣገዛዝኣ ዘሰጋግር እዋን ዝፍለጠሉ ምልክት እንታይ ኢዩ፧

2 እቲ የሱስ “መከራ ኪኸውን እዩ: ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን” ኢሉ እተዛረ⁠በሉ ግዜ ነዚ ናይ መሰጋገሪ እዋን እዚ ዝሕብር ምልክት ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠21) እቲ እዋን እቲ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ከም ዝጸንሕ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሕብር እኳ እንተ​ዀነ: እቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዝህሉ መዓት ግን ኣብ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ካብ እተራእየ ጸበባ ኣዐርዩ ዝገደደ ኢዩ ክኸውን። ኣብ ምጅማር እቲ ዓቢ ጸበባ: ሓደ ንመብዛሕትኦም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሰባት ዘርዕዶም ነገር ክፍጸም ኢዩ: እዚ ኸኣ ጥፍኣት ኵለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ኢዩ። እዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይከርዕዶምን ኢዩ: ከመይሲ ንሳቶም ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ክጽበይዎ ጸኒሖም ኢዮም። (ራእይ 17:⁠1, 15-17፣ 18:⁠1-24) መንግስቲ ኣምላኽ ንብዘሎ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ኣብ ኣርማጌዶን ምስ ዳዕመዀቶ እቲ ዓቢ ጸበባ ከብቅዕ ኢዩ።​—⁠ዳንኤል 2:⁠44፣ ራእይ 16:⁠14, 16

3. ኤርምያስ ንብጽሒት ዘይእዙዛት ሰባት ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ፧

3 እዚ “ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን” ብዛዕባ እታ ሰማያዊት መንግስቱ ንዝገልጽ ‘ወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን’ ከመይ ዝበለ ትርጕም ኢዩ ክህልዎ፧ (2 ተሰሎንቄ 1:⁠6-9) ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጽ:- “እንሆ: መዓት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ኺሐልፍ: ብርቱዕ ህቦብላ ኸኣ ካብ ወሰን ምድሪ ኺለዐል እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ቅቱላት እግዚኣብሄር ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ለም ኪብሉ እዮም። ኣብ ዝባን ምድሪ ንድዅዒ ኪዀኑ እዮም እምበር: ኣይኪብከዮምን እዩ: ኣይኪእከቡን ኣይኪቕበሩን ድማ እዮም።”​—⁠ኤርምያስ 25:⁠32, 33

ናይ እከይ መወዳእታ

4. የሆዋ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ከም ዘብቅዕ እንተ ገበሮ ምኽኑይ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

4 የሆዋ ኣምላኽ ንኣሽሓት ዓመታት ዝኣክል ንእከይ ተጸሚምዎ ኢዩ፣ እዚ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ኸኣ ቅኑዕ ልቢ ንዘለዎም ሰባት: ኣገዛዝኣ ወድሰብ መቕዘፍቲ ምዃኑ ንኽርድኡ እኹል ኢዩ። ንኣብነት: ካብ ሓደ ምንጪ ከም እተረኽበ ኣብ መበል 20 ዘመን ጥራይ ኣብ እተኻየደ ውግኣት: ሰውራታት: ከምኡውን ካልእ ህዝባዊ ናዕብታት ልዕሊ 150 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም ኢዮም። ሕሰም ወድሰብ ብፍላይ ኣብቲ ገለ 50 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት እተዛሕዝሕሉ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተራእዩ ኢዩ: ብዙሓት ካብዚኣቶም ብዘሰቅቕ መገዲ ኣብ ናይ ናዚ መዳጐኒ ደምበታት ኢዮም ሞይቶም። ኣብዚ ዘለናሉ እዋን ድማ ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ ‘እኩያት ሰባትን ጠበርትን ናብ ዝገደደ ክበጽሑ’ ይረኣዩ ኣለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5, 13) ሎሚ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት: ገበን: ዓመጻ: ብልሽውና: ከምኡውን ንመለክዒታት ኣምላኽ ናይ ምንዓቕ መንፈስ ፈቐድኡ ኢዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ። በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር የሆዋ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ከም ዘብቅዕ እንተ ገበሮ ምሉእ ብምሉእ ምኽኑይ ኢዩ።

5, 6. ነቲ ኣብ ጥንታዊት ከነኣን ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ሕሰም ግለጾ።

5 እዚ ሎሚ ዘሎ ኵነታት ምስቲ 3,500 ዓመታት ይገብር ኣብ ከነኣን ዝነበረ ኵነታት ዝመሳሰል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንኣማልኽቶም እቲ እግዚኣብሄር ዚጸልኦ ዘበለ ዅሉ ፍንፉን ነገር ይገብሩሎም ነበሩ: ንኣማልኽቶምሲ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ብሓዊ የንድዱሎም ነይሮም እዮም” ይብል። (ዘዳግም 12:⁠31) የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዞም ህዝብታት እዚኦም ካብ ቅድሜኻ ዚሰጎም ዘሎ: በቲ ሕሱም ዝገበርዎ . . . እዩ” ብምባል ኣፍሊጥዎም ኢዩ። (ዘዳግም 9:⁠5) ተመራማሪ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ሄንሪ ኤች. ሃለይ “ናይ በዓል: ኣስታሮት: ከምኡውን ናይ ካልኦት ኣማልኽቲ ከንኣን ኣምልኾ ኣዝዩ ሕሉፍ ዝዀነ መስተን ጾታዊ ርክብን ዝካየደሉ ኢዩ ነይሩ፣ ኣብያተ መቓድሶም ማእከል ነውራም ተግባራት ነበረ” ብምባል ትዕዝብቱ ገለጸ።

6 ሃለይ እቲ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ሕሱም ተግባራት ክሳዕ ክንደይ ግዕዙይ ከም ዝነበረ ኢዩ ገሊጹ ዘሎ: ከመይሲ ኣብ ሓደ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕ ከባቢታት: ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ “ዓጻጽምቲ ናይቶም ንበዓል እተሰውኡ ቘልዑ ዝሓዘ ኣዝዩ ብዙሕ ዓታሩ ረኺቦም ኢዮም።” ከምዚ ዝስዕብውን ኢሉ ኢዩ:- “ብምልኡ እቲ ኸባቢ: ጋህሲ ዕሸላት ህጻናት ኰይኑ ኢዩ ተረኺቡ። . . . ከንኣናውያን ብኽቱር ዘይስነ-ምግባራዊ ነገራት ብምርዋይ: ነዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣማልኽቶም ዝግበር ሃይማኖታዊ ጽምብል ገይሮም ብምውሳድ: ድሕርዚ ድማ: ነዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም መስዋእቲ ክኸውን ቦዅሪ ውላዶም ብምቕታል ኢዮም ኣምልኾኦም ዘቕርቡ ነይሮም። ብዓብይኡ ክርአ ኸሎ: ምድሪ ከንኣን ብሃገርለኸ ደረጃ ከም ሶዶምን ጎሞራን ኰይና ዝነበረት ኢያ እትመስል። . . . ከምዚ ዝኣመሰለ ዘስካሕክሕ ጽያፍን ጭከናን ዝርኣየሉ ስልጣነ ክቕጽል ዝዀነ ይኹን መሰል ነይሩዎዶ፧ . . . ነቲ ናይ ከተማታት ከንኣን ዑናታት ዝዀዓቱ ናይ ስነ⁠-​ጥንቲ ተመራመርቲ: ኣምላኽ ካብቲ ስጕምቲ ዝወሰደሉ ግዜ ስለምንታይ ኣቐዲሙ ከም ዘየጥፍኦም ይግረሙ ኢዮም።”

ንምድሪ ምውራሳ

7, 8. ኣምላኽ ንምድሪ ብኸመይ ኢዩ ከጽርያ፧

7 ከምቲ ኣምላኽ ንከነኣን ዘጽረያ ድሕሪ ሓጺር ግዜ እውን ንምልእቲ ምድሪ ኸጽርያ ኢዩ: ሽዑ ነቶም ፍቓዱ ዝፍጽሙ ክትዋሃብ ኢያ። “እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ: እምበኣርሲ ንስኻ ኣብታ መገዲ ሰናያት ተመላለስ: ንመገዲ ጻድቃንውን ሐልዋ። ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ . . . እዮም።” (ምሳሌ 2:⁠21, 22) እቲ ጸሓፍ መዝሙር እውን “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ብምባል ይገልጽ። (መዝሙር 37:⁠10, 11) ብተወሳኺ: ሰይጣን “ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም” ክእለ ኢዩ። (ራእይ 20:⁠1-3) እወ: “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።”​—⁠1 ዮሃንስ 2:⁠17

8 የሱስ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ንዝደልዩ ሰባት ተዳልይሎም ዘሎ ዓቢ ተስፋ ብሓፈሻዊ መልክዑ ክገልጾ ኸሎ “ዓቃላት: ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:⁠5) ነታ “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ብምባል እተነበየት መዝሙር 37:⁠29 ዝጠቐሳ ኢዩ ዝመስል። ቅኑዓት ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ዕላማ የሆዋ ከም ዝነበረ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። የሆዋ ‘ኣነ ኢየ: በቲ ዓብዪ ስልጣነይ ገይረ: ንምድርን ነቶም ኣብ ዝባን ምድሪ ዝነብሩ ሰብን እንስሳን ዝገበርኩ: ቅኑዕ ኰይኑ ንዝተራእየኒ ድማ ኢየ ዝህባ’ ብምባል ይገልጽ።​—⁠ኤርምያስ 27:⁠5

እተደንቕ ሓዳስ ዓለም

9. መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ዝበለት ዓለም ከም እትህሉ ኢያ ክትገብር፧

9 ድሕሪ ኣርማጌዶን መንግስቲ ኣምላኽ ‘ጽድቂ ዝነብረሉ ሓድሽ ምድሪ’ ከም ዝህሉ ክትገብር ኢያ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) ደሓንቲ ኣርማጌዶን ካብዚ ጨቋኒ ዝዀነ እኩይ ኣገባብ ሓራ ምስ ወጹስ ከመይ ዝበለ እፎይታ ኰን ክስምዖም ኢዩ! ናብታ ዘደንቕ በረኸትን ዘለኣለማዊ ህይወትን ተነቢሩላ ዘሎ ብሰማያዊት መንግስቲ እትመሓደር ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ምስ ኣተዉስ ክንደይ ኰን ብሓጐስ ፍንጭሕ ክብሉ ኢዮም!​—⁠ራእይ 7:⁠9-17

10. ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ እኩይ ነገራት ኢዩ ዘይህሉ፧

10 ደጊም ሰባት ናይ ውግእ: ገበን: ጥሜት ስግኣት ኣይከንጸላልዎምን ኢዩ: ተባላዕቲ እንስሳታት እውን ከይተረፉ ኣይከበርግግዎምን ኢዮም። “ኣነ [ምስ ህዝበይ] ኪዳን ሰላም ክአቱ: ንኽፉኣት ኣራዊት ካብ ሃገር ከጥፍኦም እየ። . . . ኦም መሮር ፍሪኡ ኼፍሪ እዩ: ምድሪውን ብቝላ ኽትህብ እያ: ኣብ ሃገሮም ከኣ ሀዲኦም ኪነብሩ እዮም።” “ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶም ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም: ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪምሀሩን እዮም። . . . ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።”​—⁠ህዝቅኤል 34:⁠25-28፣ ሚክያስ 4:⁠3, 4

11. ኣካላዊ ሕማም ከብቅዕ ምዃኑ ብኸመይ እምንቶ ክህልወና ይኽእል፧

11 ሕማም: ሓዘን: ሞት እውን ከይተረፈ ከልግስ ኢዩ። “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ [“ሕሙም:” NW  ] እየ: ኣይብልን: እቲ ኣብኣ ዚነብር ህዝቢ ኣበሳኡ ተሐዲጉሉ እዩ።” (ኢሳይያስ 33:⁠24) “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ . . . እንሆ: ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ።” (ራእይ 21:⁠4, 5) የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ኣምላኽ ብዝሃቦ ሓይሊ ገይሩ ነዚ ነገራት እዚ ክፍጽሞ ከም ዝኽእል ኣርእዩ ኢዩ። ብደገፍ መንፈስ ቅዱስ የሱስ ኣብታ ሃገር ሓንካሳት ኣሕውዩን ሕሙማት ፈዊሱን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 15:⁠30, 31

12. ንምዉታት እንታይ ተስፋ ኢዩ ዘለዎም፧

12 የሱስ ነዚ ጥራይ ኣይኰነን ፈጺሙ። ምዉታት ኣተንሲኡ ኢዩ። ትሑታት ሰባት ነዚ ከመይ ዝበለ መልሰ⁠-​ግብሪ ኣርኣይሉ፧ ነታ ጓል 12 ዓመት ምስ ኣተንስኣ: ወለዳ “ዓብዪ ምግራም ተገረሙ።” (ማርቆስ 5:⁠42) እዚ የሱስ ኣብ ምድሪ እንታይ ክፍጽም ምዃኑ ዘርኢ ካልእ ኣብነት ኢዩ: ከመይሲ ሽዑ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15) ነቲ ሽዑ ጕጅለ ድሕሪ ጕጅለ ካብ ሞት እናተንስኡ ምስቶም ዘፍቅርዎም እንደገና ክራኸቡ ከለዉ ዝህሉ ዓቢ ፍስሃዊ ምግራም እሞ ክትግምቶ ፈትን! “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር” ምእንቲ “ክትመልእ” ብዘይ​ጥርጥር ኣብ ትሕቲ ምዕዛብ መንግስቲ ኣምላኽ ሰፊሕ ትምህርታዊ ዕዮ ክካየድ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 11:⁠9

ሉዓላውነት የሆዋ ይረጋገጽ

13. ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ቅኑዕ ምዃኑ ዝረጋገጽ ብኸመይ ኢዩ፧

13 ኣብ ምውዳእ እተን ሽሕ ዓመት ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ: ሰብኣዊ ስድራ​ቤት ናይ ኣእምሮን ኣካልን ፍጽምና ክምለሰሉ ኢዩ። ብዘላ ምድሪ ዓለምለኻዊት ገነት ኤደን ክትከውን ኢያ። ሰላም: ሓጐስ: ድሕንነት: ከምኡውን ፈቃር ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ክህሉ ኢዩ። ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኢዩ ክኸውን። እቲ ንኣሽሓት ዓመታት እተራእየ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ምስቲ ኣብተን ሽሕ ዓመት ዝህሉ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ሰማያዊ ዘደንቕ ኣገዛዝኣ ክነጻጸር ከሎ ከመይ ዝበለ ዓብይ ፍልልይ ኰን ኢዩ ክህልዎ! ኣምላኽ ብመንግስቱ ኣቢሉ ዘካይዶ ኣገዛዝኣ ብዅሉ መዳያቱ እቲ ዝበለጸ ኰይኑ ክርከብ ኢዩ። እቲ ኣምላኽ ንኽገዝእ ዘለዎ መሰል: ሉዓላውነቱ: ምሉእ ብምሉእ ክረጋገጽ ኢዩ።

14. እተን ሽሕ ዓመት ክውድኣ ኸለዋ ዓለውቲ እንታይ ከጓንፎም ኢዩ፧

14 እተን ሽሕ ዓመት ክውድኣ ኸለዋ: የሆዋ ንፍጹማት ደቅሰብ ናጻ ምርጭኦም ተጠቒሞም ንመን ከገልግሉ ከም ዝደልዩ ንኸርእዩ ኣጋጣሚ ክህቦም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ” ምዃኑ ይገልጽ። ንደቅ​ሰብ ከስሕት እንደገና ክፍትን ኢዩ: ገለ ካብኦም ካብ ኣምላኽ ተገሊሎም ብርእሶም ምሕዳር ክመርጹ ኢዮም። ‘ጸበባ ካልኣይ ሳዕ ምእንቲ ከይለዓል’ ግን የሆዋ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ነቶም ካብ ሉዓላውነት የሆዋ ዝዓልዉ ሰባትን ከጥፍኦም ኢዩ። እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ንዘለኣለም ዝጠፍኡ ሰባት ዕድል ከም ዘይተዋህቦም ወይ ከኣ እቲ ዝሰዓብዎ ግጉይ መገዲ ብሰንኪ ዘይፍጽምንኦም ከም ዝዀነ ክማጐት ዝኽእል ኣካል የለን። እወ: ልክዕ ከምቶም ብፍታዎም ካብቲ ጽድቃዊ ስርዓት የሆዋ ዝዓለዉ ፍጹማት ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን ኢዮም ክዀኑ።​—⁠ራእይ 20:⁠7-10፣ ናሆም 1:⁠9

15. እሙናት ሰባት ምስ የሆዋ ከመይ ዝበለ ርክብ ኢዩ ክህልዎም፧

15 በቲ ሓደ ሸነኽ ክርአ ኸሎ ኸኣ መብዛሕትኦም ካብ ደቅሰብ ንሉዓላውነት የሆዋ ዝድግፉ ኢዩ ዝመስል። ዋላ ሓደ ከይተረፈ ኵሎም ዓለውቲ ክጠፍኡ ኸለዉ: ጻድቃን ግን ነቲ ናይ መወዳእታ ናይ ተኣማንነት ፈተና ብምሕላፍ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው ክብሉ ኢዮም። ነዞም እሙናት እዚኣቶም የሆዋ ከም ኣወዳቱን ኣዋልዱን ክቕበሎም ኢዩ። ስለዚ ናብቲ ኣዳምን ሄዋንን ቅድሚ ምዕላዎም ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ክምለሱ ኢዮም ማለት ኢዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ “እቲ ፍጥረት ንርእሱ . . . ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ” ዝብል ኣብ ሮሜ 8:⁠21 ዘሎ ሓሳባት ክፍጸም ኢዩ። “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ” ብምባል ነብዪ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ ይንበ።​—⁠ኢሳይያስ 25:⁠8

ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት

16. ናብ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ምቍማት ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

16 ኣምላኽ ንእሙናት ሰባት መንፈሳውን ስጋውን ረብሓታት ክሳዕ ዝጅርብብ ንዘለኣለም ከውሕዘሎም ምዃኑ ምፍላጥሲ ክንደይ ዘደንቕ ተስፋ ኰን ኢዩ! እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኢድካ ትኸፍት እሞ: ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ” ብምባል ብልክዕ ገሊጽዎ ኢዩ። (መዝሙር 145:16) የሆዋ ነቶም ምድራውያን ወረስቲ: ተስፋ ናይዚ ኣብ ገነት ዝህሉ ህይወት: ክፍሊ ናይቲ ኣብኡ ዘለዎም እምነት ክገብርዎ የተባብዖም ኢዩ። እቲ ንሉዓላውነቱ ዝምልከት ጕዳይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እኳ እንተ​ዀነ: የሆዋ ግን ንሰባት ብዘይ​ገለ ናይ ዓስቢ ተስፋ ከገልግልዎ ኣይሓቶምን ኢዩ። ኣብ ብምልኡ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ንኣምላኽ ክህሉ ዘለዎ ተኣማንነትን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወትን እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ከይተፈላለዩ ብሓንሳእ ከም ኣድለይቲ ክፍሊ ናይቲ ሓደ ክርስትያን ኣብ ኣምላኽ ክገብሮ ዝግባእ እምነት ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ። “እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ።”​—⁠እብራውያን 11:⁠6

17. የሱስ ብተስፋና ምጽንናዕ ግቡእ ምንባሩ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

17 የሱስ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:⁠3) ኣብዚ ንኣምላኽን ዕላማታቱን ምፍላጥ ምስቲ እዚ ፍልጠት እዚ ዘለዎ ዓስቢ ኢዩ ኣተሓሒዝዎ። ነዚ ዝኸውን ኣብነት ክንርኢ እንተ​ድኣ ዄንና ብመንግስቱ ምስ መጸ ምእንቲ ኽዝክሮ ሓደ ዓማጺ ንየሱስ ክሓቶ ኸሎ: የሱስ “ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን” ብምባል ኣረጋገጸሉ። (ሉቃስ 23:⁠43) ዋላ እውን ዓስቢ ኣይትርከብ እመን ኣይኰነን ዝብሎ ዘሎ። የሆዋ ኣገልገልቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ እተፈላለየ ዓይነት ፈተናታት ከጓንፎም ከሎ በቲ ተስፋ ናይቲ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝህሉ ዘለኣለማዊ ህይወት ክጸናንዑ ከም ዝደልዮም የሱስ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ናብቲ ዓስቢ ምቍማት ከም ክርስትያን መጠን ኣብ ምጽማም ኣዝዩ ኣድላዪ ሓገዝ ኢዩ።

መጻኢ እታ መንግስቲ

18, 19. እቲ ሽሓዊ ግዝኣት ምስ ተወድአ መጻኢ እቲ ንጉስን እታ መንግስትን እንታይ ክኸውን ኢዩ፧

18 መንግስቲ ኣምላኽ: ንምድርን ነቶም ሰብኣውያን ነበርታን ናብ ፍጽምና ከተብጽሖምን ምስኡ ከተተዓርቖምን የሆዋ ዝጥቀመላ ካልኣይ ደረጃ ዘለዋ ምምሕዳር ስለ ዝዀነት: እቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከምኡውን እቶም ነገስታትን ካህናትን ዝዀኑ 144,000 ድሕሪ እቲ ሽሓዊ ግዝኣት ግዴኦም እንታይ ኢዩ ክኸውን፧ “ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዚገብሮም: ኪነግስ ይግብኦ እዩ እሞ: ኵሉ ሽመትን ኵሉ ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዐረ: እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ: ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን።”​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠24, 25

19 ክርስቶስ ነታ መንግስቲ ናብ ኣምላኽ ምስ ኣረከባ: እቲ ንዘለኣለም ከም እትቕጽል ኣብ ዝገልጽ ጥቕስታት ክህልወና ዘለዎ ምርዳእ እሞ ከመይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧ ከምዚ ክበሃል ከሎ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትፍጽሞ ዕማማት ነባሪ ኢዩ ክኸውን ማለት ኢዩ። ክርስቶስ ስለቲ ንምርግጋጽ ሉዓላውነት የሆዋ ዝፈጸሞ ተግባራት ዘለኣለማዊ ክብሪ ክጐናጸፍ ኢዩ። ሓጢኣትን ሞትን ምሉእ ብምሉእ ንዘለኣለም ስለ ዘልግስን ወድሰብ ድማ ድሕነት ስለ ዝረክብን ግን እቲ ከም መድሓኒ መጠን ዝህልዎ ግደ ከብቅዕ ኢዩ። እቲ ሽሓዊ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘኽትም: ኣብ መንጎ የሆዋን እዙዛት ደቅ​ሰብን ዝጸንሕ ካልኣይ ደረጃ ዝወሃቦ ምምሕዳር ደጊም ኣድላዪ ኣይክኸውንን ኢዩ። በዚ ኸምዚ ‘ኣምላኽ ኵሉ ኣብ ኵሉ ክኸውን’ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠28

20. ናይ ክርስቶስን ናይቶም 144,000 መጋዝእቱን መጻኢ ክንፈልጥ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

20 እቲ ሽሓዊ ግዝኣት ምስ ተወድአ ክርስቶስን መጋዝእቱን እንታይ ግደ ኢዩ ክህልዎም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዝገልጾ ነገር የብሉን። እንተ​ዀነ ግን: የሆዋ ኣብ ብዘሎ ፍጥረታቱ ብዙሕ ተወሳኺ መሰል ኣገልግሎት ከም ዝህቦም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሎሚ ኵላትና ንሉዓላውነት የሆዋ ብምድጋፍ ኣብ መጻኢ ብህይወት ጸኒሕና እቲ የሆዋ ነቲ ንጉስን ብጾቱ ነገስታትን ካህናትን ከምኡውን ንብምሉኡ እዚ መሳጢ ኣድማሱ ዓሊምሉ ዘሎ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ዘለኣለማዊ ህይወት እንረክብ ይግበረና!

ንድግማ ዝኸውን ነጥብታት

• ነየናይ ናይ ምምሕዳር መሰጋገሪ እዋን ኢና እናቐረብናዮ እንኸይድ ዘሎና፧

• ኣምላኽ ንእኩያትን ጻድቃንን ዝፈርዶም ብኸመይ ኢዩ፧

• ኣብ ሓዳስ ዓለም ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዩ ክህሉ፧

• ሉዓላውነት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ዝረጋገጽ ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

‘ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ክኸውን ኢዩ’

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

እሙናት ሰባት ምስ የሆዋ ቅቡል ዝዀነ ርክብ እንደገና ክህልዎም ኢዩ