ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅድሚ ቐውዒ ኣብታ “ግራት” ምዕያይ

ቅድሚ ቐውዒ ኣብታ “ግራት” ምዕያይ

ቅድሚ ቐውዒ ኣብታ “ግራት” ምዕያይ

 ደቀ መዛሙርቲ ናይቲ ዓቢ መምህር ደንጽይዎም ነበረ። ቀቅድሚኡ የሱስ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ሓጺር ዛንታ ኣዘንትዩሎም ነበረ። ሓደ ካብቲ በታ መዓልቲ እቲኣ ዘዘንተዎ ብዙሕ ምሳልያዊ ዛንታታት ኢዩ ነይሩ። ምስ ወድአ መብዛሕትኦም እቶም ሰማዕቱ ገዲፎምዎ ከዱ። እቶም ሰዓብቱ ግና እቲ ምሳልያዊ ዛንታታት: ብፍላይ ከኣ እቲ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ዘዘንቱ: ፍሉይ ትርጕም ከም ዝነበሮ ፈለጡ። የሱስ ንፉዕ ተራኺ ጥራይ ከም ዘይነበረ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም።

ማቴዎስ “ምስላ ኽርዳድ ናይታ ግራት ተርጕመልና” ከም ዝበልዎ ገሊጹ ኣሎ። ከም መልሲ ናይ ሕቶኦም ድማ የሱስ ኣብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኢና ዝብሉ ዓቢ ክሕደት ከም ዝለዓል ብምግላጽ ነታ ምሳልያዊት ዛንታ ተርጐመሎም። (ማቴዎስ 13:⁠24-30, 36-38, 43) እዚ ተፈጺሙ ኢዩ: ድሕሪ ሞት ሃዋርያ ዮሃንስ ክሕደት ብቕልጡፍ ኣስፋሕፍሐ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠29, 30፣ 2 ተሰሎንቄ 2:⁠6-12) ናይዚ ጽልዋ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝነበረ የሱስ ከምቲ ኣብ ሉቃስ 18:⁠8 ዘሎ “ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና: እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧” ኢሉ ምሕታቱ ብሓቂ ዝግባእ ከይኰነ ኣይተረፈን።

ናይ የሱስ ምምጻእ: ምጅማር ናይቲ እቶም ብስርናይ እተመሰሉ ክርስትያናት ዝእከቡሉ ግዜ “ቐውዒ” ዘመልክት ኢዩ። እዚ ምልክት ናይቲ ብ1914 ዝጀመረ “መወዳእታ ዓለም” ኢዩ። ስለዚ ገለ ሰባት ቀቅድሚ እቲ ቐውዒ ምእታዉ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተገዳስነት ከሕድሩ ምጅማሮም ከገርመና የብሉን።​—⁠ማቴዎስ 13:⁠39

ታሪኻዊ ጸብጻብ ምስ እንምርምር ብፍላይ ካብ መበል 15 ዘመን ኣትሒዞም ብዙሓት ሰባት ከምዚ ዝበለ ተገዳስነት የሕድሩ ነይሮም ኢዮም: ኣብ መንጎ እቶም “ብኽርዳድ” ዝምሰሉ ብዙሕ ቍጽሪ ዘለዎም ህዝበ⁠-​ክርስትና ወይ ናይ ሓሶት ክርስትያናት እውን ከይተረፈ እዚ ተራእዩ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብብዝሒ ምስ ተዘርግሐን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት መወከሲ ምስ ተዳለወን: ቅኑዕ ዝልቦም ውልቀ⁠-​ሰባት ተጠንቂቖም ቅዱሳት ጽሑፋት ክምርምሩ ጀመሩ።

ብርሃን ይበርህ

ካብ መንጎ እዞም ሰባት እዚኣቶም እቲ በርሚንግሃም: ዓዲ እንግሊዝ ዝዓዱ ኣብ መጀመርታ ናይ መበል 19 ዘመን ዝነበረ ሄንሪ ግሩው (1781-1862) ይርከቦም። ወዲ 13 ዓመት ምስ ኰነ ምስ ስድራ​ቤቱ ንኣትላንቲክ ውቅያኖስ ብመርከብ ሰጊሮም ብ8 ሓምለ 1795 ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣተዉ። ኣብ ከተማ ፕሮቪደንስ: ሮድ ኣይላንድ ድማ ተቐመጡ። ወለዱ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕሪ ሰረጽሉ። ብ1807 ግሩው ወዲ 25 ዓመት ከሎ ኣብ ሃርትፎርድ: ኮኔክቲከት ፓስተር ናይ ባብቲስት ቤተ⁠-​ክርስትያን ኰይኑ ከገልግል ተጸውዐ።

ነቲ ናይ ምምሃር ሓላፍነታቱ ኣርዚኑ ይርእዮ: ነቶም ዝምህሮም ዝነበረ ኸኣ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ተሰማሚዖም ንኽነብሩ ክሕግዞም ይጽዕር ነበረ። እንተ​ዀነ ግን: ነታ ጉባኤ ካብ ዝዀነ ይኹን ደይመደይ ኢሉ ሓጢኣት ዝገብር ሰብ ጽርይቲ ገይርካ ምሓዝ ይኣምነሉ ነበረ። ንሱን ገለ ኣብታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ሓላፍነት ዝነበሮም ሰባትን ነቶም ዝመንዘሩ ወይ ኣብ ካልእ ዘይንጹህ ተግባራት እተኻፈሉ ሰባት ንምስጓጕ (ንምውጋድ) ዝግደዱሉ እዋናት ነይሩ ኢዩ።

ኣብታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝነበረ ካልእ ጸገማት እውን የጨንቖ ነበረ። ኣባላት ናይታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ዘይኰኑ ሰባት ንጕዳያት ናይታ ቤተ⁠-​ክርስትያን የካይዱን መዝሙር ይመርሑን ነበሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ነታ ጉባኤ ኣብ ዝምልከት ነገራት ድምጺ ክህቡ ይኽእሉ ስለ ዝነበሩ ብገለ መገዲ ናይ ምቍጽጻር ስልጣን ነበሮም። ግሩው ብመሰረት ካብ ዓለም ፍሉይ ምዃን ዝብል መሰረታዊ ስርዓት: እሙናት ሰብኡት ጥራይ ነዚ ዕዮ እዚ ክፍጽምዎ ከም ዘለዎም ኣጽኒዑ ይኣምን ነበረ። (2 ቈረንቶስ 6:⁠14-18፣ ያእቆብ 1:⁠27) ዘይኣመንቲ ንኣምላኽ ዝውድስ መዝሙር ከም ዝዝምሩ ምግባር ጸርፊ ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ። ሄንሪ ግሩው እዚ ኣቕዋም እዚ ስለ ዝነበሮ: ብ1811 እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ነጸገቶ። ካልኦት ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዝነበሮም ኣባላት እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ካብታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ተፈልዩ።

ካብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ምፍላይ

እቶም ሄንሪ ግሩው ዝርከቦም ጕጅለ ህይወቶምን ንጥፈታቶምን ምስ ምኽርታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሰማሚዖም ክነብሩ ዕላማ ብምግባር ንመጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕዎ ጀመሩ። እቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ መጽናዕቲ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብዝበለጸ ንኽርድእዎን ጌጋታት ናይ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ንኸቃልዑን ኣኽኣሎም። ንኣብነት: ብ1824 ግሩው ስላሴ ጌጋ ምዃኑ ርትዓዊ ብዝዀነ መገዲ ዘረድእ ጽሑፍ ጸሓፈ። ኣብቲ ዝጸሓፎ ሓሳባት ዘሎ መርትዖ እሞ ርአ:- “‘ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ግና ኣቦ ደኣ እምበር: ሰብ ኰነ መላእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወዲ ዀነ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን።’ [ማርቆስ 13:⁠32] ነቶም ኣካላት ተዋሂብዎም ዘሎ ደረጃ ተዓዘብ። ሰብ: መላእኽቲ: ወዲ: ኣቦ። . . . ኣቦ ጥራይ ነታ መዓልቲ ከም ዝፈልጣ ጐይታና መሃረና። ገሊኣቶም ከም ዝሓስብዎ ኣቦ: ቃል: ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ሰለስተ ኣካል ኣብ ሓደ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም እዚ ሓቂ ኣይኰነን፣ ከመይሲ ብመሰረት እዚ [ትምህርቲ እዚ ማለት ሰረተ⁠-​እምነት ስላሴ] እቲ . . . ወዲ ማዕረ ኣቦ ኢዩ ነታ መዓልቲ ዝፈልጣ።”

ግሩው ንግብዝና ናይቶም ንክርስቶስ ኢና እነገልግል ዝብሉ ኣቕሽሽትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣቃሊዑ ኢዩ። ብ1828 ከምዚ በለ:- “ሓደ ክርስትያን ኣብ ቤቱ ተዓጽዩ ምእንቲ ጸላእቱ ድሕሪ ምጽላይ: ንሰራዊቱ ነቲ ናይ ሞት ኣጽዋሮም ኣብ ልቢ እቶም ምእንትኦም ክጽልየሎም ዝጸንሐ ጸላእቱ ብጭካነ ክጀቕትዎ ክእዝዞም ምርኣይስ: ካብዚ ዝዓቢ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ነገር ንረክብዶ ኢና፧ በቲ ሓደ መዳይ ተሓጒሱ ነቲ ጐይታኡ ክመውት ከሎ ዘርኣዮ ባህርይ ይመስል፣ ይኹን እምበር በቲ ኻልእከ ንመን ኢዩ ዝመስል ዘሎ፧ የሱስ ንቐተልቱ ጸልይሎም ኢዩ። ክርስትያናት ግን ነቶም ዝጽልዩሎም ኢዮም ዝቐትልዎም።”

ግሩው ካብዚ ትርር ብዝበለ ቃላት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቲ ከም ‘ዘይዕሾ’ ዘረጋግጸልና ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ መዓስ ኢና ክንኣምኖ፧ ነቲ ካብ ‘እከይ መሲሉ ዝርአ ነገራት’ እውን ከይተረፈ ክንርሕቕ ዝሓትት ኣሰራርሓን መንፈስን ናይታ ቅድስቲ ሃይማኖት መዓስ ኢና ክንርድኦ፧ . . . ነቲ ወዲ እቲ ብሩኽ ዝመስረቶ ሃይማኖት ንሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ጕዳይ ከም መልኣኽ ክመስል: ኣብ ካልእ ከኣ ስራሕ ጋኔን ክሰርሕ ይፈቅድ ኢዩ ምባልስ ነቲ ወዲ ምጽላም ደይኰነን፧”

ዘለኣለማዊ ህይወት ብውርሲ ዝርከብ ኣይኰነን

ኣብቲ ግዜ እቲ ራድዮን ተሌቪዥንን ስለ ዘይነበረ ሓሳብካ እትገልጸሉ ልሙድ መገዲ: ቍንጽለ ጽሑፋት ምሕታምን ምዝርጋሕን ነበረ። ብ1835 ኣቢሉ ግሩው ትምህርትታት ናይ ዘይትመውት ነፍስን ገሃነም እሳትን ቅዱስ ጽሑፋዊ ከም ዘይኰነ እተቃልዕ ጠቓሚት ጽሕፍቲ ኣዳለወ። እዚ ሰረተ⁠-​እምነታት እዚ ንኣምላኽ ዝጸርፍ ኰይኑ ተሰምዖ።

እዛ ጽሕፍቲ ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ እዋን ዓቢ ጽልዋ ነበራ። ብ1837 ወዲ 40 ዓመት ጆርጅ ስቶርዝ ሓንቲ ቅዳሕ ናይዛ ጽሕፍቲ ኣብ ባቡር ረኸበ። ስቶርዝ ኣብ ሌባኖን: ኒው ሃምፕሻየር እተወልደ ኰይኑ ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ኣብ ዩቲካ: ኒው ዮርክ ይቕመጥ ነበረ።

ዓቢ ክብሪ ዝወሃቦ ዝነበረ ናይ ሜቶዲስት⁠-​ኤፒስኮፓል ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣገልጋሊ ኢዩ ነይሩ። ነታ ጽሕፍቲ ምስ ኣንበባ: ኣብቲ ጥርጣረ ሓዲርዎ ዘይፈልጥ ናይ ህዝበ⁠-​ክርስትያን መሰረታዊ ትምህርትታት ከምዚ ዝኣመሰለ ብርቱዕ መጎተ ክለዓል ዝኽእል ምዃኑ ኣገረሞ። ነታ ጽሕፍቲ መን ከም ዘዳለዋ ኣይፈልጥን ነበረ: ንእተወሰነ ዓመታት እውን ምስ ሄንሪ ግሩው ኣይተራኸበን። እንተ ቐልጠፈ ብ1844 ኣቢሉ ይኸውን ግን ክልቲኦም ኣብ ፊላደልፍያ: ፐንሲልቫንያ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ተራኺቦም ኢዮም። ይኹን እምበር: ስቶርዝ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምስ ኣገልገልቲ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ ምስ ካልእ ከይተዘራረበ ንሰለስተ ዓመት በይኑ ኣጽንዖ።

ጆርጅ ስቶርዝ ኣብ መወዳእታ ነቲ ዝረኸቦ ፍልጠት ዋላ ሓደ ሰብ ጌጋ ምዃኑ መርትዖ ከቕርበሉ ስለ ዘይከኣለ ኣብ ሜቶዲስት ቤተ⁠-​ክርስትያን እንተ ጸኒሑ ንኣምላኽ እሙን ክኸውን ከም ዘይክእል ደምደመ። ብ1840 ብፍቓዱ ተሰናበተ እሞ ናብ ኣልባኒ: ኒው ዮርክ ገዓዘ።

ኣብ ምእታው ቀውዒ ናይ 1842 ስቶርዝ “ንምርምር ዝኸውን ሕቶ​—⁠እኩያት ዘይሞቱ ድዮም፧” ብዝብል ኣርእስቲ ሽዱሽተ ተኸታታሊ ዝርርብ ኣብ ሽዱሽተ ሰሙናት ሃበ። እዚ ናይ ብዙሓት ኣቓልቦ ስለ ዝሰሓበ ነቲ ትሕዝቶ እንደገና ብምምርማር ኣብ ጽሑፍ ኣሕተሞ: ኣብቲ ዝቐጸለ 40 ዓመታት ከኣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን 200,000 ቅዳሓት ተዘርግሐ። ስቶርዝን ግሩውን ኣንጻር ሰረተ⁠-​እምነት ናይ ዘይትመውት ነፍሲ ኣብ ምምጓት ይተሓባበሩ ነበሩ። ግሩው ብ8 ነሓሰ 1862 ኣብ ፊላደልፍያ ክሳዕ ዝመውት ብቕንኢ ካብ ምስባኽ ኣየቋረጸን።

ስቶርዝ ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሽዱሽተ ዝርርብ ምስ ኣቕረበ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ስብከት ናይቲ ክርስቶስ ብ1843 ብዝርአ መገዲ ክምለስ ዝጽበ ዝነበረ ዊልያም ሚለር ተገዳስነት ኣሕደረ። ንኽልተ ዓመታት ኣቢሉ ስቶርዝ ነዚ መልእኽቲ እዚ ኣብ ብምሉኡ ሰሜናዊ ምብራቕ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብንጥፈት ይሰብኮ ነበረ። ድሕሪ 1844 ክርስቶስ ዝምለሰሉ ዕለት ምውሳን ገደፎ: እንተ​ዀነ ግን ካልኦት ሰባት ግዜ ክጽብጽቡ እንተ​ድኣ ደልዮም ኣይቃወምን ነበረ። ስቶርዝ: ክርስቶስ ዝምለሰሉ ግዜ ቀረባ ምዃኑ: ክርስትያናት ድማ ተጠንቂቖምን ብመንፈስ ነቒሖምን ነታ መዓልቲ ምጽብጻብ ቅሩባት ኰይኖም ክጽበይዋ ከም ዘለዎም ይኣምን ነበረ። እንተ​ዀነ ግን ናይ ሚለር ጕጅለ ከም ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ: ዓለም ብሓዊ ክትነድድ ኢያ: ከምኡውን ነቶም ሓቂ ከይፈለጡ ዝሞቱ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት የብሎምን ዝኣመሰለ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ሰረተ⁠-​እምነታት ስለ እተቐበሉ ካብኣቶም ተፈላለየ።

ፍቕሪ ኣምላኽ ናበይ ኰን ኢዩ ዝመርሕ፧

ስቶርዝ ነቲ ኣምላኽ ንእኩያት መሊሱ ንኽቐትሎም ኢሉ ኢዩ ዘተንስኦም ዝብል ናይ ኣድቨንቲስት ርእይቶ ነጸጎ። ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍረ ዘይብሉን ናይ ሕነ ምፍዳይን ተግባር ከም ዝገብር ዘረጋግጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ክረክብ ኣይከኣለን። ስቶርዝን ተሓባበርቱን ድማ ኣንጻር ናይዚ ርእይቶ እዚ ሓዙ እሞ እኩያት ፈጺሞም ኣይክትንስኡን ኢዮም ኢሎም ደምደሙ። ነቲ ሓጥኣን ከም ዝትንስኡ ዝገልጽ ገለ ጥቕስታት ክገልጽዎ ዘይክእሉ እኳ እንተ ነበሩ: እቲ መደምደምታኦም ግን ዝያዳ ምስ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝሰማማዕ ኰይኑ ተሰምዖም። ዝያዳ ምርዳእ ዕላማ ኣምላኽ ዝርከበሉ እዋን ነዊሕ ኣይነበረን።

ብ1870 ስቶርዝ ከቢድ ሕማም ሓመመ እሞ ንገለ ኣዋርሕ ክዓዪ ኣይከኣለን። ኣብዚ እዋን እዚ: ንዅሉ እቲ ኣብ 74 ዓመታት ህይወቱ እተማህሮ ነገራት ክምርምር ከኣለ። ነቲ ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ብዛዕባ ዘለዎ ዕላማ ኣገዳሲ ክፍሊ ዝዀነ ንኣብርሃም ዝኣተዎ ኪዳን ከይተረድኦ ከም ዝጸንሐ ደምደመ: እዚ ኸኣ ‘ኣብርሃም ቃል ኣምላኽ ስለ ዝሰምዐ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ክባረኹ ምዃኖም’ ዝሕብር ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 22:⁠18፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠25

እዚ ኣብ ኣእምሮኡ ሓድሽ ሓሳብ ኣምጽኣሉ። “ኵሎም ኣህዛብ” ክባረኹ እንተ​ድኣ ዀይኖም: ኵሎም ነቲ ብስራት ክሰምዕዎዶ ኣይግባእን፧ ብኸመይ ኢዮም ነቲ ብስራት ዝሰምዕዎ፧ ድሮ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሞይቶምዶ ኣይነበሩን፧ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝያዳ ምርምር ምስ ገበረ: “እኩያት” ዝበሃሉ ክልተ ክፍሊ ናይ ምዉታት ከም ዘለዉ ኣብ መደምደምታ በጽሐ፣ እዚኣቶም ከኣ እቶም ደይመደይ ኢሎም ንፍቕሪ ኣምላኽ ዝነጸጉን እቶም ንኣምላኽ ከይፈለጡ ዝሞቱን ኢዮም።

ስቶርዝ እቶም ንኣምላኽ ከይፈለጡ ዝሞቱ ካብ በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ የሱስ ንምጥቃም ኣጋጣሚ ምእንቲ ክረኽቡ ካብ ምዉታት ክትንስኡ ኣለዎም ኢሉ ደምደመ። እቶም ነዚ እተቐበሉ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ይነብሩ። እቶም ዝነጸግዎ ኸኣ ክጠፍኡ ኢዮም። እወ: ስቶርዝ ምንም ተስፋ ንዘይብሉ ሰብ: ኣምላኽ ኣየተንስኦን ኢዩ ኢሉ ይኣምን ነበረ። ኣብ መወዳእታ: ኣዳም ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም ሞይቱ ዝተርፍ የለን! ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜ ምምላስ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘለዉ ሰባት ድኣኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ኣብ መወዳእታ ስቶርዝ ነዞም ሰባት ንምብጻሕ ዓለምለኻዊ ናይ ስብከት ወፈራ ክግበር ምዃኑ ተረድኦ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ብኸመይ ከም ዝፍጸም ዋላ ሓንቲ ኣፋፍኖት ኣይነበሮን: እንተ​ዀነ ግን ብእምነት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብዙሓት ሰባት ሓደ ነገር ብኸመይ ከም ዝፍጸም ክረኣዮም እንተ ዘይክኢሉ ይነጽግዎ: እቲ መስርሕ ብኸመይ ከም ዝፍጸም ክርድኦም ስለ ዘይከኣለ ጥራይ ንኣምላኽ ዝሰኣኖ ነገር ከም ዘሎ ገይሮም ይድምድሙ።”

ጆርጅ ስቶርዝ ኣብ ታሕሳስ 1879 ካብታ ማእከል ናይቲ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ዝነበረ ወፈራ ናይ ዓለምለኸ ዕዮ ስብከት እትኸውን ቦታ ሒደት ኣንጎሎታት ሓሊፍካ ዝነበረት ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ እትርከብ ቤቱ ዓረፈ።

ተወሳኺ ብርሃን የድሊ ነበረ

ከም ሄንሪ ግሩውን ጆርጅ ስቶርዝን ዝኣመሰሉ ሰብኡት ነቲ ሓቂ ከምዚ ሎሚ ንሕና እንርድኦ ዘሎና ገይሮም ብንጹር ይርድእዎዶ ነይሮም ኢዮም፧ ኣይፋልን። ኣብ ቃልሲ ከም ዘለዉ ይርድኦም ነይሩ ኢዩ: ከመይሲ ስቶርዝ ብ1847 ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ:- “ካብቲ ጸልማት ዘመን ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያን ካብ እንወጽእ ነዊሕ ከም ዘይገበርና ክንርስዕ የብልናን፣ ስለዚ ከም ሓቂ ገይርና እንወስዶ ገለ ‘ባቢሎናዊ ክዳን’ ተኸዲንና እንተ ተረኸብና ዘገርም ኣይኰነን።” ንኣብነት ግሩው: የሱስ በጅነት ከም ዝኸፈለ ይርድኦ ነይሩ ኢዩ: ይኹን እምበር “ተመዓራራዪ በጅነት” ከም ዝዀነ ማለት እቲ የሱስ ዝኸፈሎ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ኣብ ክንዲ እቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ከም ዝዀነ ኣይተገንዘበን። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠6 NW  ) ሄንሪ ግሩው: የሱስ ብዝርአ መገዲ መጺኡ ንምድሪ ከም ዝገዝእ ብጌጋ ይኣምን ነበረ። ይኹን እምበር: ግሩው ምቕዳስ ስም የሆዋ የተሓሳስቦ ነበረ: እዚ ድማ ካብ መበል ካልኣይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ንኣዝዮም ሒደት ሰባት እንተ ዘይኰይኑ ንብዙሓት ኣየተሓሳስቦምን ኢዩ።

ጆርጅ ስቶርዝ ብዛዕባ ገለ ኣገዳሲ ነጥብታት ቅኑዕ ምርዳእ ኣይነበሮን። በቶም ኣቕሽሽቲ ዝዝርጋሕ ዝነበረ ትምህርትታት ናይ ሓሶት ምዃኑ ክርድኦ ይኽእል ነበረ: እንተ​ዀነ ግን ሓድሓደ ግዜ ካብ መጠን ንላዕሊ ናብቲ ኣንጻር ዝዀነ ሓሳብ ይኸይድ ነበረ። ንኣብነት: እቲ ኣቕሽሽቲ ኦርቶዶክስ ኣብ ሰይጣን ዘለዎም ኣረኣእያ ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ ዘጕሃዮ ኢዩ ዝኸውን: ነቲ ድያብሎስ ኣካል ኢዩ ዝብል ሓሳብ ነጺግዎ ኢዩ። ንትምህርቲ ስላሴ: ነጺግዎ እኳ እንተ ነበረ: ክሳዕ ኣጋ ሞቱ ግን መንፈስ ቅዱስ ኣካል ምዃኑን ዘይምዃኑን ይጠራጠር ኢዩ ነይሩ። ጆርጅ ስቶርዝ ምምላስ ናይ ክርስቶስ ኣብ መጀመርታ ብዘይ​ርአ መገዲ ከም ዝኸውን እኳ እንተ ተጸበየ: ኣብ መወዳእታ ግን ብዝርአ መገዲ ክመጽእ ምዃኑ ይኣምን ነበረ። ይኹን እምበር: ክልቲኦም ሰብኡት ቅኑዕ ዝልቦምን ንጹሃትን ዝነበሩ ኢዩ ዝመስል: ካብ ብዙሓት ካልኦት ሰባት ንላዕሊ ድማ ናብ ሓቂ ቀሪቦም ኢዮም።

እታ የሱስ ኣብ ምሳልያዊ ዛንታ ናይ ስርናይን ክርዳድን ዝጠቐሳ “ግራት” ንቐውዒ ኣይተዳለወትን ኢያ ነይራ። (ማቴዎስ 13:⁠38) ግሩው: ስቶርዝ: ከምኡውን ካልኦት ንቐውዒ ንምድላዋ ኣብታ “ግራት” ይዓዩ ነበሩ።

እቲ ነዚ መጽሔት እዚ ኣብ 1879 ክሓትም ዝጀመረ ቻርለስ ቴዝ ራስል ብዛዕባ እቲ ኣቐዲሙ ዘሕለፎ ዓመታት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ጐይታ ንቓሉ ንኸነጽንዕ ብዙሕ ሓገዝ ሂቡና ኢዩ: ካብዚ ሓገዛት እዚ ጐሊሑ ዝርአ እቲ ብቓልን ብጽሑፍን ብዙሕ ደገፍ ዝገበረልና ብዕድመ ዝደፍአ ፍቑር ሓውና ጆርጅ ስቶርዝ ኢዩ፣ ክሳዕ ክንደይ ንፉዓትን ጥበበኛታትን ይንበሩ ብዘየገድስ ግን ሰዓብቲ ሰባት ክንከውን ደሊና ኣይንፈልጥን ኢና: የግዳስ ‘ፍቑራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ’ ክንከውን ኢና እንደሊ።” እወ: ቅኑዓት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ከም ግሩውን ስቶርዝን ዝኣመሰሉ ሰባት ዝገበርዎ ጻዕርታት ክጥቀሙ እኳ እንተ ኸኣሉ: ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ሓቀኛ ምንጪ ሓቂ ገይርካ ምምርማሩ ግን ገና ኣድላዪ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ዮሃንስ 17:⁠17

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሄንሪ ግሩው እንታይ ይኣምን ከም ዝነበረ

ስም የሆዋ ስለ እተጸርፈ ክቕደስ ኣለዎ።

ስላሴ: ዘይትመውት ነፍሲ: ከምኡውን ገሃነም እሳት ናይ ሓሶት ሰረተ⁠-​እምነት ኢዩ።

ክርስትያናዊት ጉባኤ ካብ ዓለም እተፈልየት ክትከውን ኣለዋ።

ክርስትያናት ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣብ ዝግበር ውግእ ክካፈሉ የብሎምን።

ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ናይ ሰንበት ሕጊ ስለ ዘየለዉ ንቐዳም ወይ ንሰንበት ከኽብሩ ኣየድልዮምን ኢዩ።

ክርስትያናት ኣብ ከም ፍሪማሶንስ ዝኣመሰለ ምስጢራዊ ማሕበራት ክኣትዉ የብሎምን።

ኣብ ክርስትያናት ኣቕሽሽትን ምእመናንን እናተባህለ ምፍልላይ ክግበር የብሉን።

ሃይማኖታዊ ማዕርጋት ካብ ጸረ⁠-​ክርስቶስ ዝመጸ ኢዩ።

ኵለን ጉባኤታት ኣካል ሽማግለታት ክህልወን ይግባእ።

ሽማግለታት ብዅሉ ኣካይዳኦም ቅዱሳትን ሕፍቲ ዘይብሎምን ክዀኑ ኣለዎም።

ኵሎም ክርስትያናት ብስራት ክሰብኩ ኣለዎም።

ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ዝነብሩ ሰባት ክህልዉ ኢዮም።

ክርስትያናዊ መዝሙራት ንየሆዋን የሱስን ዝውድስ ክኸውን ኣለዎ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ጆርጅ ስቶርዝ እንታይ ይኣምን ከም ዝነበረ

የሱስ ህይወቱ ንደቅ​ሰብ በጅነት ከፊሉ ኢዩ።

ስብከት ናይቲ ብስራት ገና ኣይተኻየደን (ብ1871)።

ስለዚ: ኣብቲ ግዜ እቲ (ብ1871) መወዳእታ ቀሪቡ ኢዩ ክበሃል ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። ኣብ መጻኢ ስብከት ዝካየደሉ መዋእል ክህሉ ኣለዎ።

ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ረኺቦም ዝነብሩ ሰባት ክህልዉ ኢዮም።

እቶም ሓቂ ከይፈለጡ ዝሞቱ ኵሎም ክትንስኡ ኢዮም። እቶም ነቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ እተቐበሉ ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ኢዮም። እቶም ዝነጸግዎ ክጠፍኡ ኢዮም።

ዘይትመውት ነፍስን ገሃነም እሳትን ንኣምላኽ ዘሕስር ናይ ሓሶት ሰረተ⁠-​እምነት ኢዩ።

ድራር ጐይታ ኣብ 14 ኒሳን ዓመት ዓመት ዝኽበር በዓል ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Photo: Collection of The New-York Historical Society/69288

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Photo: SIX SERMONS, by George Storrs (1855)

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

እቲ ኣሰናዳኢ ናይታ “ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ ” ዝነበረ ሲ. ቲ. ራስል ብ1909 ናብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ. ገዓዘ