ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ሓደ ዘይርአ ኣምላኽ ክትቀርብ ትኽእልዶ ኢኻ፧

ናብ ሓደ ዘይርአ ኣምላኽ ክትቀርብ ትኽእልዶ ኢኻ፧

ናብ ሓደ ዘይርአ ኣምላኽ ክትቀርብ ትኽእልዶ ኢኻ፧

‘ምስ ሓደ ክርእዮ ዘይክእል ኣካል ከመይ ገይረ ኢየ ጥብቂ ርክብ ክምስርት ዝኽእል፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። እዚ ተቐባልነት ዘለዎ ሕቶ ክመስል ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ነዚ ዝስዕብ እሞ ሕስብ ኣብለሉ:-

 ፍቕራውን ነባርን ርክብ ንምምስራት ምርኣይ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ዘድሊ፧ ኣገዳስነት ናይቲ ብዓይኒ ዘይርአ ረቛሒታት ማዕረ እቲ ዝርአ: ምናልባትውን ካብኡ ዝበልጽዶ ኣይኰነን፧ እወ: ብርግጽ ከምኡ ኢዩ! በዚ ምኽንያት እዚ ገለ ሰባት ብቐጻሊ ምስ ካልኦት ብምጽሕሓፍ ጥብቂ ርክብ ኣማዕቢሎም ኢዮም። ኣብ ደብዳበታቶም ዝፈትውዎ ወይ ዝጸልእዎ ነገራት: ሸቶታቶም: መትከሎም: ዘሐጕሶም ነገራት: ከምኡውን ካልእ ባህርያት ወይ ዘገድሶም ነገራት ብግልጺ ይጽሕፉ ኢዮም።

ዓይነ⁠-​ስውራን እውን ምስ ካልእ ሰብ ጥብቂ ርክብ ንምምስራት ምርኣይ ወሳኒ ከም ዘይኰነ ኣርእዮም ኢዮም። ኣብነት ናይ ኤድዋርድን ግወንን ዝበሃሉ ዓይነ⁠-​ስውራን ሰብ ሓዳር እስከ ርአ። a ኤድዋርድ ኣብ ቤት⁠-​ትምህርቲ ዓይነ⁠-​ስውራን ክማሃር ከሎ ምስታ መማህርቱ ዝነበረት ግወን ተራኸበ። ንባህርያት ግወን ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዘራርባኣን ጠባያን እተንጸባርቖ ቅንዕና ከምኡውን ንስራሕ ዘለዋ ሓለፍ ዝበለ ኣረኣእያ ነኣዶ። ግወን እውን ብግዴኣ ብኤድዋርድ ተሳሒባ ኢያ: “ንዅሉ እቲ ክዓቢ ከለኹ ኣድላዪ ኢዩ ኢለ ዝኣመንኩሉ ባህርያት ኣንጸባሪቑ ኢዩ” ኸኣ በለት። ንመርዓ ምልላይ ተጀመረ እሞ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ተመራዓዉ።

ኤድዋርድ ከምዚ በለ:- “ብሓባር ክትከውን ከሎኻ: ምስ ካልእ ሰብ ርክብ ኣብ ምምስራት ዑረት መሰረታዊ ለውጢ ኣየምጽእን ኢዩ። ንሓድሕድካ ክትርአአ ኣይትኽእልን ትኸውን: ስምዒታት ግን ኣይዓውርን ኢዩ።” ሕጂ ድሕሪ 57 ዓመታት እውን ኣዝዮም ኢዮም ዝፋቐሩ። መፍትሕ ናይዚ ባህ ዘብል ርክብ እንተ ወሓደ ኣርባዕተ ነገራት ከም ዘጠቓልል ይገልጹ: እዚ ኸኣ (1) ንባህርያት ናይቲ ሓደ ምስትብሃል: (2) ብዛዕባ እቲ ባህርያት ምሕሳብን ናብኡ ምቕራብን: (3) ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ልምዲ ምዕቃብ: (4) ብሓባር ኴንካ ምዕያይ ኢዩ።

እዚ ኣርባዕተ ነጥብታት እዚ ንዝዀነ ይኹን ጽቡቕ ርክብ ክምስርት ዝብህግ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ፣ እቲ ርክብ ኣብ መንጎ ኣዕሩኽ: ናይ መርዓ ብጾት: ዝያዳ ዅሉ ኸኣ ኣብ መንጎ ሰባትን ኣምላኽን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኣምላኽ ክንርእዮ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና ነዚ ነጥብታት እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል: ምስኡ ጥብቂ ርክብ ንምምስራት ብኸመይ ክሕግዘና ከም ዝኽእል ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንርኢ ኢና። b

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።

b ምስ ኣምላኽ ዝግበር ርክብ ከምቲ ምስ ሰባት ዝግበር ርክብ ዘይኰነስ: ህላወኡ ኣብ ምእማን እተመስረተ ኢዩ። (እብራውያን 11:⁠6) ኣብ ኣምላኽ ጽኑዕ እምነት ንምህናጽ ዝሕግዝ ዝርዝር ሓሳባት እንተ​ድኣ ደሊኻ: በጃኻ ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ኢዝ ዘር ኤ ክሪኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ርአ።