ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ኣምላኽ ክትቀርበሉ እትኽእል መገድታት

ናብ ኣምላኽ ክትቀርበሉ እትኽእል መገድታት

ናብ ኣምላኽ ክትቀርበሉ እትኽእል መገድታት

ያእቆብ 4:⁠8 “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ትብል። የሆዋ ኣምላኽ: ኣብ ክንዳና ወዱ ብምሃብ ደቅሰብ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ክህልዎም ክሳዕ ክንደይ ከም ዝደሊ ኣርእዩ ኢዩ።

 ሃዋርያ ዮሃንስ ነዚ ፍቕራዊ ተበግሶ ምላሽ ክህበሉ ከሎ “ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ: ንሕናውን [ንኣምላኽ] ነፍቅር ኢና” በለ። (1 ዮሃንስ 4:⁠19) እንተ​ዀነ ግን: ብብሕትና ንኣምላኽ ምእንቲ ክንቀርቦ ገለ ስጕምትታት ክንወስድ ኣሎና። እቲ ስጕምትታት ምስቲ ኣብታ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ ተገሊጹ ዘሎ ምስ ሰባት ንምቅርራብ ዘድሊ ኣርባዕተ መገድታት ዝመሳሰል ኢዩ። እስከ ነዚ ኣርባዕተ መገድታት ንመርምር።

ነቲ ባህ ዘብል ባህርያት ኣምላኽ ኣስተብህለሉ

ኣምላኽ ብዙሕ ባህ ዘብል ባህርያት ኣለዎ: ገለ ካብቲ ጐሊሑ ዝርአ ኸኣ ፍቕሩ: ጥበቡ: ፍትሑ: ከምኡውን ሓይሉ ኢዩ። ጥበቡን ሓይሉን ኣብቲ ሰፊሕ ኣድማስ ኰነ ኣብዛ ዓለምና: ካብቶም ዓበይቲ ጋላክሲታት ኣትሒዙ ክሳዕ እቲ ደቂቕ ኣቶም ኣጸቢቑ ይንጸባረቕ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ: ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠መዝሙር 19:⁠1፣ ሮሜ 1:⁠20

ፍጥረት እውን ፍቕሪ ኣምላኽ የንጸባርቕ ኢዩ። ንኣብነት: ኣፈጣጥራና ኣምላኽ ተሓጒስና ክንነብር ከም ዝደልየና የርኢ። እተፈላለየ ሕብርታት ናይ ምርኣይ: ናይ ምስትምቓርን ምሽታትን: ብሙዚቃ ናይ ምዝንጋዕ: ናይ ምስሓቕ: ብጽባቐ ናይ ምሕጓስ ክእለት: ከምኡውን ካልእ ንህይወት ዝያዳ ንኸነስተማቕሮ ዝሕግዝ ክእለታትን ባህርያትን ሂቡና ኢዩ። እወ: ኣምላኽ ብሓቂ ለጋስ: ሕያዋይ: ከምኡውን ፈቃር ኢዩ፣ እዚ ባህርያት እዚ ኸኣ ብዘይ​ጥርጥር “ሕጉስ ኣምላኽ” ንኽኸውን ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 1:⁠11 NW  ፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35

የሆዋ ሉዓላውነቱን እቶም መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ነዚ ዘርእይዎ ድጋፍን ብቐዳምነት ኣብ ፍቕሪ እተመርኰሰ ምዃኑ የሐጕሶ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 4:⁠8) ልክዕ ኢዩ: የሆዋ ኣብ ኣድማስ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን ንደቅ​ሰብ ብፍላይ ከኣ ንእሙናት ኣገልገልቱ ልክዕ ከምቲ ሓደ ፈቃር ኣቦ ንደቁ ዝገብረሎም ገይሩ ኢዩ ዝሕዞም። (ማቴዎስ 5:⁠45) ንጽቡቖም ዘድሊ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይክልክሎምን ኢዩ። (ሮሜ 8:⁠38, 39) ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ: ንህይወት ናይቲ ሓደ ወዱ እውን ከይተረፈ ኣብ ክንዳና ኣሕሊፉ ሂቡ ኢዩ። እወ: ብህይወት ክንቅጽልን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ክንረክብን ዝኸኣልና ብፍቕሪ ኣምላኽ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 3:⁠16

የሱስ ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝቐድሖ: ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ ዓሚቝ ምስትውዓል ንኽንረክብ ኣኽኢሉና ኢዩ። (ዮሃንስ 14:⁠9-11) ስስዐ ዝበሃል ዘይብሉ: ብኻልኦት ዝግደስ: ከምኡውን ሓላዪ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ንየሱስ ሓደ ጸማምን ዓባስን ሰብኣይ ኣምጽኡሉ። እቲ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምዃን ከም ዝኸብዶ ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዘገርም ድማ የሱስ ነዚ ሰብኣይ እዚ ናብ ብሕት ዝበለ ቦታ ወሲዱ ኣሕወዮ። (ማርቆስ 7:⁠32-35) ብዛዕባ ስምዒታትካ ዝግደሱን ክብርኻ ዝሕልዉልካን ሰባት ክትረክብ ኣየሐጕሰካንዶ፧ ከምኡ እንተ​ድኣ ዀይኑ: ብዛዕባ የሆዋን የሱስን ዝያዳ እናተመሃርካ ብዝኸድካ መጠን ብዝበለጸ እናቐረብካዮም ክትከይድ ኢኻ።

ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ ሕሰብ

ሓደ ሰብ ዘደንቕ ባህርያት ይህልዎ ይኸውን: እንተ​ዀነ ግን ክንቀርቦ እንተ​ድኣ ደሊና ብዛዕባኡ ክንሓስብ ኣሎና። እዚ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ እውን ዝዓዪ ኢዩ። ክንቀርቦ እንተ​ድኣ ደሊና ብዛዕባ ባህርያቱ ምስትንታን ኣዝዩ ኣገዳሲ ካልኣይ ስጕምቲ ኢዩ። እቲ ብሓቂ ንየሆዋ ዘፍቅርን ‘ከም ልቢ [የሆዋ]’ ዝነበረን ንጉስ ዳዊት “ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር: ኵሉ ተግባርካ ኤስተንትን: ግብሪ ኣእዳውካ እሐስብ አሎኹ” በለ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠22፣ መዝሙር 143:⁠5

ነቲ ዘደንቕ ፍጥረታት ክትዕዘብ ወይ ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከሎኻ ከም ዳዊት ብዛዕባ እቲ እትርእዮ ወይ እተንብቦ ነገራት ተስተንትንዶ ኢኻ፧ ብዛዕባ ሓደ ካብ ኣጸቢቑ ዘፍቅሮ ኣቦኡ ደብዳበ ዝመጾ ውሉድ እሞ ሕሰብ። ነታ ደብዳበ ብኸመይ ኢዩ ዝርእያ፧ ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ኣንቢቡ ናብ ተመዛዚ ከም ዘይድርብያ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ: ንነፍሲ ወከፍ ዝርዝር እናመመየ ኢዩ ተጠንቂቑ ዘንብባ። ብተመሳሳሊ: ንሕና እውን ንቓል ኣምላኽ ከምቲ “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ: ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ” ኢሉ ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር ገይርና ኣዚና ክንፈትዎ ኣሎና።​—⁠መዝሙር 119:⁠97

ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ልምዲ ምዕቃብ

ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ባህርይ ናይ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ርክብ መትረብ ኢዩ። ብኣእምሮ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ልቢ ምዝራብ ከምኡውን ጽን ኢልካ ምስማዕ ዘጠቓልል ኢዩ። ንፈጣሪ ብጸሎት ክንዛረቦ ንኽእል ኢና: እዚ ኸኣ ብቐጥታ ናብኡ ዘቕርበና ክፍሊ ኣምልኾ ኢዩ። የሆዋ ብጸሎት ናይቶም ዘፍቅርዎን ዘገልግልዎን ከምኡውን ንየሱስ ክርስቶስ ከም ቀንዲ ወኪሉ ገይሮም ዝርእይዎ ባህ ይብሎ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 65:⁠2፣ ዮሃንስ 14:⁠6, 14

ኣብ ዝሓለፈ እዋን: ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ብራእይ: ሕልሚ: ከምኡውን ብመላእኽቲ ኣቢሉ ብእተፈላለየ መገዲ ተዛሪብዎም ኢዩ። ሎሚ ግን በቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቃሉ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ኢዩ ዝዛረበና። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16) ቃሉ ኣብ ጽሑፍ ብምስፋሩ ካብ ካልእ መራኸቢ መትረብ ሓለፍ ዘብሎ ብዙሕ ነገራት ኣለዎ። ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ምኽሪ ክትረኽበሉ ይከኣል ኢዩ። ልክዕ ከም ደብዳበ ደጋጊምካ ከተስተማቕሮ ትኽእል ኢኻ። ከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብኣፍ ኣብ ዝንገር መልእኽቲ ዘጋጥም ንምጥዋይ እተቓልዐ ኣይኰነን። ስለዚ ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኻ እተላእከ እኩብ ደብዳበታት ገይርካ ርኣዮ: በዚ ደብዳበታት እዚ ኣቢሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክዛረበካ ድማ ፍቐደሉ።​—⁠ማቴዎስ 4:⁠4

ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ቅኑዕን ጌጋን ዘለዎ ኣረኣእያ ይነግረና ኢዩ። ንደቅ​ሰብን ንምድርን ዘለዎ ዕላማ ይገልጽ ኢዩ። ምስ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባትን ህዝብታትን: እሙናት ኣምለኽቲ ይኹኑ ሕሱማት ተጻረርቲ: ከመይ ዝበለ ርክብ ከም ዝነበሮ ይገልጽ ኢዩ። የሆዋ ነቲ ምስ ሰባት ዝነበሮ ርክብ ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ኣብ ጽሑፍ ከም ዝሰፍር ብምግባሩ ብዛዕባ ባህርያቱ ደቀቕቲ ነገራት እውን ከይተረፈ ገሊጹ ኣሎ። ፍቕሩ: ሓጐሱ: ሓዘኑ: ጓሂኡ: ቍጥዓኡ: ምሕረቱ: ሓልዮቱ ኰታ እተፈላለየ ሓሳባቱን ስምዒታቱን ከምኡውን ከምዚ ንኽገብር ዝድርኾ ምኽንያታት በቲ ሰባት ብቐሊሉ ክርድእዎ ዝኽእሉ መገዲ ገሊጹ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 78:⁠3-7

ገለ ክፋል ቃል ኣምላኽ ድሕሪ ምንባብካ ካብቲ ዘንበብካዮ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧ ብፍላይ ከኣ ናብ ኣምላኽ ብኸመይ ዝበለ መገድታት ኢኻ ክትቀርብ እትኽእል፧ ብቐዳምነት: ብዛዕባ ኣምላኽ ከም ኣካል መጠን እንታይ ከም ዘንበብካን እተመሃርካን ሕሰብ: እዚ ኸኣ ንልብኻ ክትንክፎ ፍቐደሉ። ድሕርዚ ብዛዕባ እቲ ዘስተንተንካሉ ሓሳባትን ውሽጣዊ ስምዒታትን ከምኡውን ብኸመይ ካብኡ ክትጥቀም ከም እትጽዕር ንየሆዋ ብጸሎት ንገሮ። ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ክበሃል ከሎ ከምዚ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ካልእ ክትብሎ እትደሊ ነገራት እንተሎ ኣብ ጸሎትካ ከተእትዎ ትኽእል ኢኻ።

ምስ ኣምላኽ ሓቢርካ ዕየ

ገለ ኣብ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት ምስ ኣምላኽ ወይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም እተመላለሱ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። (ዘፍጥረት 6:⁠9፣ 1 ነገስት 8:⁠25) ከምዚ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣምላኽ ልክዕ ኣብ ጥቕኦም ከም ዘሎ ኰይኖም ተመላሊሶም ማለት ኢዩ። ሓጢኣተኛታት ምንባሮም ዘይከሓድ እኳ እንተ​ዀነ: ንሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ የፍቅሩ: ምስ ዕላማ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ከኣ ይነብሩ ነይሮም ኢዮም። ከምቲ ኣብ መዝሙር 32:⁠8 “ኣነ ኽምህረካ: ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ: ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ” ተባሂሉ ዘሎ የሆዋ ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ይቐርቦምን ይሓልየሎምን ኢዩ።

ንስኻ እውን ንየሆዋ ከም ናይ ማሕርሮ ዓርክኻ ማለት ምሳኻ ዝኸይድ: ዝሓልየልካ: ከምኡውን ኣባታዊ ምኽሩ ዝህበካ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ነብዪ ኢሳይያስ ንየሆዋ “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (ኢሳይያስ 48:⁠17) ነዚ ረብሓታት እዚ ከነስተማቕሮ ምስ ጀመርና: ብምሳልያዊ መገዲ ከምቲ ዳዊት ዝበሎ የሆዋ ‘ብየማንና’ ከም ዘሎ ክስምዓና ኢዩ።​—⁠መዝሙር 16:⁠8

ስም ኣምላኽ​—⁠ናይ ባህርያቱ ሕመረት

ብዙሓት ሃይማኖታትን ቍጽሩ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማትን ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣይጥቀምሉን: ከምኡውን ከም ዝፍለጥ ኣይገብርዎን ኢዮም ዘለዉ። (መዝሙር 83:⁠18 NW  ) እንተ​ዀነ ግን: ኣብ በዅሪ ጽሑፋት እብራይስጢ እታ የሆዋ እትብል ስም 7,000 ግዜ ዝኸውን ተጠቒሳ ኣላ! (መብዛሕትኦም ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ መለኮታዊ ስም ከውጽእዎ ከለዉ ንኸም እኒ በዓል: ቤል: መሮዳክ: ከምኡውን ሰይጣን ዝኣመሰለ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፋት እተጠቕሰ ብዙሕ ኣስማት ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ግን ዓቂቦምዎ ኢዮም!)

ገለ ሰባት ስም ኣምላኽ ምውጽኡ ብዙሕ ዘገድስ ነገር ኣይኰነን ይብሉ። እንተ​ዀነ ግን ሕስብ እሞ ኣብሎ: ምስ ሓደ ስም ዘይብሉ ኣካል ጥብቅን ውዕዉዕን ርክብ ምምስራት ከቢድ ድዩ ወይስ ቀሊል፧ ከም ኣምላኽ: ጐይታ ዝኣመሰለ (ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እውን ዘገልግል) መዓርጋት ንናይ የሆዋ ሓይሊ: ስልጣን: ወይ ደረጃ ይገልጾ ይኸውን ኢዩ: ብዘየማትእ መገዲ ዝገልጾ ግን ብሕታዊ ስሙ ጥራይ ኢዩ። (ዘጸኣት 3:⁠15 NW  ፣ 1 ቈረንቶስ 8:⁠5, 6) ብሕታዊ ስም ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ነቲ ባህርያቱን ጠባያቱን ዝሓቘፈ ኢዩ። ዎልተር ላውሪ እተባህለ ናይ ሃይማኖት ምሁር “እቲ ንኣም⁠ላኽ ብስሙ ዘይፈልጦ ሰብ: ከም ኣካል ገይሩ እውን ኣይፈልጦን ኢዩ” ብምባል ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።

ኣብነት ናይታ ማሪያ እትበሃል ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ቅንዕቲ ካቶሊክ እስከ ርአ። ማሪያ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ተራኸበት: ስም ኣምላኻ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከርእይዋ ፍቓደኛ ኰነት። እንታይከ በለት፧ “ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ረኣኽዎ ነባዕኩ። ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ምስ ፈለጥኩዎን ክጥቀመሉ ከም ዝኽእል ምስ ተረዳእኩን ልበይ ተተንከፈ።” ማሪያ መጽ​ሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ቀጸለት እሞ ኣብ ህይወታ ንመጀመርታ ግዜ ንየሆዋ ከም ኣካል ገይራ ክትፈልጦን ምስኡ ነባሪ ርክብ ክትምስርትን ከኣለት።

እወ: በቲ ስጋዊ ዓይንና ክንርእዮ ዘይንኽእል እኳ እንተዀንና ‘ንኣምላኽ ክንቀርቦ’ ንኽእልኢና። ነቲ ብሉጽ ባህርያቱ ብኣእምሮናን ኣልባብናን “ክንርእዮ” ንኽእል ኢና: በዚ ድማ እቲ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ይዓቢ። ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ “ማእሰር ፍጻሜ እያ።”​—⁠ቈሎሴ 3:⁠14

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

የሆዋ ነቲ ንዕኡ ዘሎካ ፍቕሪ ይምልሰሉ ኢዩ

ርክብ ክልተኣዊ ዝምድና ኢዩ። ናብ ኣምላኽ ምስ እንቐርብ: ንሱ ድማ ናባና ይቐርብ። ኣምላኽ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ስምኦንን ሃናን ክሳዕ ክንደይ ይግደሰሎም ከም ዝነበረ እሞ ሕስብ ኣብሎ: ክልቲኦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍሉይ መገዲ ተጠቒሶም ኢዮም። ስምኦን “ጻድቕ: ንኣምላኽ ዚፈርህ:” ንመሲህ እውን ዝጽበ ዝነበረ ምዃኑ እቲ ጸሓፊ ወንጌል ዝዀነ ሉቃስ ይነግረና። የሆዋ ነዚ ኣብ ስምኦን ዝነበረ ጽቡቕ ባህርያት ተዓዚብዎ ኢዩ። “ነቲ ቕቡእ . . . ከይረአዮ: ሞት ከም ዘይርኢ” ብምግላጽ ድማ ነዚ ፍትዊ ሰብኣይ እዚ ፍቕሩ ገሊጹሉ ኢዩ። ነቲ ዕሸል የሱስ ወለዱ ሒዞሞ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤት መቕደስ ምስ መጹ: የሆዋ ንስምኦን ናብኡ ብምምራሕ መብጽዓኡ ፈጸመ። ስምኦን ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰን ዓሚቝ ሞሳ ስለ ዝነበሮን: ነቲ ዕሸል ሓቘፎ እሞ “ዎ ጐይታይ: ነቲ . . . ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረአያስ: ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ” ኢሉ ጸለየ።​—⁠ሉቃስ 2:⁠25-35

የሆዋ ነታ ጓል 84 ዓመት ሃና እውን “ሽዑ” ናብ የሱስ ብምምራሕ ፍቕሩ ኣርኣያ። እዛ ፍትውቲ መበለት እዚኣ ለይትን መዓልትን ካብ ቤት መቕደስ ከይተፈልየት ንየሆዋ “ተገልግል” ከም ዝነበረት መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። ኣዝያ ስለ እተሓጐሰት: ልክዕ ከም ስምኦን ንየሆዋ ስለቲ ዘርኣያ ሓለፍ ዝበለ ሕያውነት ኣመስገነቶ: “ነቶም ምድሓን የሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም” ከኣ ብዛዕባ እቲ ቘልዓ ተዛረበቶም።​—⁠ሉቃስ 2:⁠36-38

እወ የሆዋ: ስምኦንን ሃናን ክሳዕ ክንደይ ከም ዘፍቅርዎን ከም ዝፈርህዎን ከምኡውን ፍቓዱ ብዛዕባ ምፍጻም ክሳዕ ክንደይ ከም ዘተሓሳስቦም ተዓዚቡ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት ንየሆዋ ከም እትቐርቦ ኣይገብረካንዶ ኢዩ፧

የሱስ እውን ከም ኣቦኡ ነቲ ናይ ሓቂ ውሽጣዊ ሓሳባት ናይ ሓደ ሰብ ፈልዩ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ቤት መቕደስ እናመሃረ ከሎ ሓንቲ “ድኻ መበለት” ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት “ኽልተ ለብጦን” ጥራይ ከተውድቕ ከላ ተዓዘበ። ካልኦት ተዓዘብቲ ነቲ ዝወፈየቶ ነገር ኣብ ግምት ኣየእተውዎን ይዀኑ: የሱስ ግን ኣስተብሂሉሉ ኢዩ። እታ ሰበይቲ ዘለዋ ኵሉ ስለ ዝሃበት ነኣዳ። (ሉቃስ 21:⁠1) ስለዚ: ወፈያና ብዙሕ ይኹን ውሑድ ብዘየገድስ ካብቲ ዘሎና እቲ ዝበለጸ ምስ እንህብ: የሆዋን የሱስን ከም ዘማስውሉ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ኣምላኽ በቶም ዘፍቅርዎ ዝሕጐስ እኳ እንተ​­ዀነ: በቶም ዝባኖም ሂቦም ጌጋ መገዲ ዝስዕቡ ሰባት ግን ይጕሂ ኢዩ። ዘፍጥረት 6:⁠6 የሆዋ በቲ ደቅሰብ ቀቅድሚ እቲ ኣብ ግዜ ኖህ ዝወረደ ማይ ኣይሂ ዝገብርዎ ዝነበሩ ክፍኣት ‘ብልቡ ከም ዝጐሃየ’ ትነግረና ኢያ። ጸኒሑ እውን እቶም ዘይእዙዛት እስራኤላውያን ብተደጋጋሚ “ንኣምላኽ ፈተንዎ: ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ” ብምባል መዝሙር 78:⁠41 ትገልጽ። እወ: ኣምላኽ ስምዒታት ዘይብሉ ካብ ኵሉ ዝረሓቐ “ናይ ኵሉ ነገር ምንጪ” ኣይኰነን። ከም ናትና ብምኽንያት ዘይፍጽምና ዘይደንዘዘ ሚዛናዊ ስምዒታት ዘለዎ ናይ ሓቂ ኣካል ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ ፍጥረታት የሆዋ ምስትንታን ናብኡ ከቕርበና ዝኽእል ሓደ መገዲ ኢዩ