ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ናይ ሓድነት ኣብነት”

“ናይ ሓድነት ኣብነት”

“ናይ ሓድነት ኣብነት”

 ኣብ ርእሰ⁠-​ዓንቀጽ ናይ ሓንቲ ኣብ ኢንድያቱባ: ሳኦ ፓውሎ: ብራዚል እትሕተም ጋዜጣ ዝወጸ ኣርእስቲ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዝብል ነበረ። ኣብነት ዝዀኑ መን ኢዮም፧ እቲ ጸሓፊ “እቶም ሓድሽ ‘ኣደራሽ መንግስቲ’​—⁠ንኣብያተ-​መቕደሶም ወይ ኣደራሻቶም ዝጽውዑሉ ስም​—⁠ክሃንጹ ዝመደቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሸለል ክበሃል ዘይከኣል ኣወንታውን ጭቡጥን ናይ ምትሕብባር ኣብነት ኢዮም ኣርእዮም” ኢሉ ገለጸ።

ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎ ሓድነት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ብንጹር ይርአ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢያ እታ ዓንቀጽ ከምዚ ዝበለት:- “ወለንተኛታት ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን ኰተቴታት ዝእከቡሉን ንኣምላኽ ዘምልኹሉን ቦታ ብፍቓዶም ሓቢሮም ክሃንጹ ምርኣይ ዘነቓቕሕ ኢዩ።”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ካልእ መዳያት እውን ኣብነት ይዀኑ ኢዮም። እታ ዓንቀጽ ወሲኻ “ኣብ ርእሲ እቲ ዝማሃርዎ ትምህርትን ጸሎትን: ወልፊ ኣልኮልን ሓሽሽን ንዘለዎም ናይ ተሃድሶ ሓገዝ ምሃብ ከምኡውን ንሰባት መገዲ ሓድነትን ፍቕርን ናይ ምሕባር ዕላማ ኣለዎም” በለት። ነዚ ብኸመይ ኢዮም ክፍጽምዎ ክኢሎም፧ ሓደ ሰብ ምኽርታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዝማሃርን ኣብ ግብሪ ምስ ዘውዕሎን ካብዚ ሕማቕ ኣመላት ሓራ ንኽኸውን ከም ዝሕግዞ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይፈልጡ ኢዮም። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ነቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህርዎ ንኻልኦት ክምህሩ ዝጽዕሩ። እታ ርእሰ⁠-​ዓንቀጽ “ብዘይ​ጥርጥር ብህጹጽ ክሰዓብ ዘለዎ ኣብነት” ከም ዘርኣዩ ብምግላጽ ደምደመት።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ኣኼባታት ንዝዀነ ይኹን ሰብ ክፉት ኢዩ: ኣብቲ ኣኼባታት ከኣ ገንዘብ ኣይእከብን ኢዩ። ናብቲ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ተዓዲምካ ኣሎኻ።