ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመንፈስ ቅዱስ ብሕታዊ ሓጋዚየይ ገይረዮዶ ኢየ፧

ንመንፈስ ቅዱስ ብሕታዊ ሓጋዚየይ ገይረዮዶ ኢየ፧

ንመንፈስ ቅዱስ ብሕታዊ ሓጋዚየይ ገይረዮዶ ኢየ፧

 ናይ ስነ⁠-​ሃይማኖት ምሁራት ከምኡውን ሰባት ብሓፈሻ ብዛዕባ እንታይነት ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እተፈላለየ ሓሳባት ኣለዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ሓሳባት ግን ዘየድሊ ኢዩ። መንፈስ ቅዱስ እንታይ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ ኢዩ። ከምቲ ገሊኣቶም ዝብልዎ ኣካል ዘይኰነስ: ኣምላኽ ፍቓዱ ንምፍጻም ዝጥቀመሉ ብርቱዕ መስለጢ ሓይሊ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 104:⁠30 NW  ፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠33፣ 4:⁠31፣ 2 ጴጥሮስ 1:⁠21

መንፈስ ቅዱስ ዕላማ ኣምላኽ ምስ ምፍጻም ኣጸቢቑ ስለ ዝተሓሓዝ: ህይወትና ምስኡ ኣሰማሚዕና ንምንባር ክንብህግ ኣሎና። ብሕታዊ ሓጋዚና ክኸውን ክንብህግ ኣሎና።

ሓጋዚ ዘድለየ ስለምንታይ ኢዩ፧

የሱስ ካብ ምድሪ ዝዓርገሉ ግዜ ክቐርብ ከሎ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ: ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ [“ሓጋዚ:” NW  ] ኺህበኩም እዩ” ብምባል መረጋገጺ ሃቦም። ብተወሳኺውን ከምዚ በሎም:- “ግናኸ እንተ ኸድኩ ኸም ዚሔሸኩም: ሓቂ እነግረኩም አሎኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ: እቲ መጸናንዒ [“ሓጋዚ:” NW  ] ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ እሞ: እንተ ኸድኩ ግና: ንእኡ ኽሰደልኩም እየ።”​—⁠ዮሃንስ 14:⁠16, 17፣ 16:⁠7

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መምርሒ ብምሃብ ሓደ ረዚን ሓላፍነት ሂብዎም ኢዩ:- “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።” (ማቴዎስ 28:⁠19, 20) እዚ ምጽራር እናጋጠመ ክፍጸም ስለ ዝነበሮ ቀሊል ዕማም ኣይነበረን።​—⁠ማቴዎስ 10:⁠22, 23

ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ምጽራር ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ እውን ብእተወሰነ ደረጃ ምስሕሓብ ነበረ። ጳውሎስ ብ56 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጸሓፈሎም:- “ግናኸ ኣሕዋተየ: ነቶም ካብቲ እተመሀርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም: እምዕደኩም አሎኹ። . . . ካባታቶም ኣግልሱ።” (ሮሜ 16:⁠17, 18) ሃዋርያት ምስ ሞቱ እዚ ኵነታት እዚ ክገድድ ነበሮ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ኣጠንቀቐ:- “ኣነ ምስ ኣግለስኩ: ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚአትዉኹም: እፈልጥ አሎኹ። ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ: ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠29, 30

ነዚ ዕንቅፋት እዚ ንምስጋር ሓገዝ ኣምላኽ የድሊ ነበረ። ብየሱስ ኣቢሉ ድማ ነዚ ሓገዝ እዚ ሃበ። የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ን120 ዝዀኑ ሰዓብቱ “መንፈስ ቅዱስ መልኦም።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠15፣ 2:⁠4

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝፈሰሰ መንፈስ ቅዱስ: የሱስ መብጽዓ ዝኣተወሉ ሓገዝ ምንባሩ ፈሊጦም ኢዮም። ሽዑ ነቲ የሱስ ከምዚ ብምባል ዝሃቦም መለለዪ ብዝያዳ ከም እተረድእዎ ኣየጠራጥርን ኢዩ:- “እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ: [“ሓጋዚ:” NW  ] መንፈስ ቅዱስ: ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም: ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።” (ዮሃንስ 14:⁠26 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) የሱስ ንመንፈስ ቅዱስ ‘እቲ መጸናንዒ [“ሓጋዚ:” NW  ]: መንፈስ ሓቂ’ ኢሉ እውን ጸዊዕዎ ኣሎ።​—⁠ዮሃንስ 15:⁠26

መንፈስ ቅዱስ ሓጋዚ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧

መንፈስ ቅዱስ ብብዙሕ መገድታት ሓጋዚ ኰይኑ ከገልግል ነበሮ። ቀዳማይ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ነቲ ዅሉ ዝማሃሮም መንፈስ ቅዱስ ከም ዘዘኻኽሮም ተመባጺዕሎም ነበረ። ከምዚ ክብል ከሎ ቃላት ጥራይ ንኽዝክሩ ካብ ምሕጋዝ ንላዕሊ ክገብር ኢዩ ማለቱ ነበረ። መንፈስ ቅዱስ ነቲ የሱስ ዝማሃሮም ነገራት ዓሚቝ ትርጕሙን ኣገዳስነቱን ንኽርድኡ ክሕግዞም ነበሮ። (ዮሃንስ 16:⁠12-14) ብሓጺሩ መንፈስ ቅዱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ንሓቂ ብዝያዳ ምእንቲ ክርድእዋ ክሕግዞም ነበሮ። ጸኒሑ ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ መንፈስ ግና መዓሙቝ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዅሉ ይምርምር እዩ እሞ: ንኣና ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 2:⁠10) ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስ ንኻልኦት ሰባት ርጡብ ፍልጠት ንምትሕልላፍ: መጀመርታ ናይ ገዛእ ርእሶም ምርዳእ ጽቡቕ መሰረት ክህልዎ ነበሮ።

ካልኣይ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ክጽልዩን ነዚ ኸኣ ከየባተኹ ክገብርዎን ምሂርዎም ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝልምኑ ምስ ዝጠፍኦም: መንፈስ ቅዱስ ክልምነሎም ወይ ክሕግዞም ይኽእል ነይሩ ኢዩ። “መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ከም ዚግብኣና: ኣይንፈልጥን ኢና: ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይ​ንገር እህህታ ዚልምነልና።”​—⁠ሮሜ 8:⁠26

ሳልሳይ: መንፈስ ቅዱስ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንሓቂ ኣብ ምጥባቕ ክሕግዞም ነበሮ። የሱስ ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቖም:- “ናብ ዋዕላ ኺወስዱኹም: ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪገርፉኹም እዮም: ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን: ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም . . . ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ከለዉ: እንታይ ከም እትዛረቡ: በታ ጊዜ እቲኣ ኺውሀበኩም እዩ እሞ: ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ። መንፈስ ኣቦኹም እዩ ኣባኻትኩም ዚዛረብ እምበር: ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ።”​—⁠ማቴዎስ 10:⁠17-20

መንፈስ ቅዱስ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንምልላይን እቶም ኣባላታ ጥበባዊ ብሕታዊ ውሳነ ንኽገብሩን ክሕግዞም ነበሮ። እስከ ነዚ ክልተ መዳያት ኣዕሚቝና ንመርምሮ: ሎሚ ንዓና ዘለዎ ትርጕም ድማ ንርአ።

ከም መለለዪ ምልክት ዘገልግል ምዃኑ

እቶም ንብዙሕ ዘመናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዝነበሩ ኣይሁድ ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ኰይኖም ኣገልጊሎም ኢዮም። ንየሱስ ከም መሲህ ስለ ዘይተቐበልዎ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ንሳቶም እውን ካብ ኣምላኽ ክንጸጉ ምዃኖም ንምንጋር የሱስ ከምዚ ብምባል ተነበየሎም:- “እቶም ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ: ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ: እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ: ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ: ዚብል ጽሑፋትዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፧ ስለዚ ድማ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ: ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ: እብለኩም አሎኹ።” (ማቴዎስ 21:⁠42, 43) እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ተመስረተት: ሰዓብቲ ክርስቶስ ‘ፍረ ዝፈሪ ህዝቢ’ ዀኑ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እዛ ጉባኤ እዚኣ ምስ ኣምላኽ እተራኽብ መትረብ ኰነት። ናይዚ መለኮታዊ ስምረት ምስግጋር ንሰባት ምእንቲ ክርድኦም: ኣምላኽ ዘየማትእ መለለዪ ምልክት ሃበ።

ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ: መንፈስ ቅዱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዘይ​ፈልጥዎ ቋንቋታት ክዛረቡ ኣኽኣሎም: እዚ ኸኣ ንተዓዘብቲ ከም ዝግረሙን “ከመይ ኢልና ደኣ ዅላትና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም አሎና፧” ኢሎም ከም ዝሓቱን ገበሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠7, 8) እቲ ብዘይ​ትፈልጦ ቋንቋ ናይ ምዝራብ ክእለት ከምኡውን ‘ብሃዋርያት እተገብረ ብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትን’ ንሰለስተ ሽሕ ዝዀኑ ሰባት መንፈስ ኣምላኽ ብሓቂ ይዓዪ ኸም ዝነበረ ከለልዩ ኣኽኣሎም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠41, 43

ብተወሳኺውን ሰዓብቲ ክርስቶስ “ፍረ መንፈስ” ማለት ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ከምኡውን ይኣኽለኒ ምባል ብምፍራይ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምዃኖም ብንጹር ይልለዩ ነበሩ። (ገላትያ 5:⁠22, 23) ነታ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንምልላይ ብዝያዳ እትሕግዝ ጐሊሓ እትርአ ባህርይ ፍቕሪ ኢያ። የሱስ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ብምባል ተነበየ።​—⁠ዮሃንስ 13:⁠34, 35

ኣባላት እታ ናይ መጀመርታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ተቐቢሎምዎን ነቲ ዝሃቦም ሓገዝ ተጠቒሞምሉን ኢዮም። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት: ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝገብሮ ዝነበረ ንምዉታት የተንስእን ተኣምራት ይፍጽምን ከም ዘየለ ዝግንዘቡ እኳ እንተዀኑ: ሓቀኛታት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ምዃኖም ንኽልለዩ ፍረ መንፈስ የፍርዩ ኢዮም።​—⁠1 ቈረንቶስ 13:⁠8

ብሕታዊ ውሳነታት ኣብ ምግባር ዝሕግዝ ምዃኑ

መጽሓፍ ቅዱስ ውጽኢት መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ስለዚ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ እንተ​ድኣ ኣሚንና: መንፈስ ቅዱስ መምርሒ ይህበና ኣሎ ማለት ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17) ጥበባዊ ውሳነታት ንኽንገብር እውን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን ክሕግዘና ንፈቕደሉ ዲና፧

ኣብ እንገብሮ ናይ ሞያ ወይ ናይ ስራሕ ምርጫ ብኸመይ ክሕግዘና ይኽእል፧ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ክንኣትዎ ሓሲብናዮ ዘሎና ስራሕ ብኣረኣእያ የሆዋ ክንርእዮ የኽእለና። ስራሕና ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ: ቲኦክራሲያዊ ሸቶታት ንኽንስዕብ ዝሕግዘና እንተ​ዀነ ድማ ይምረጽ። ናይቲ ስራሕ ደሞዝ ወይ ህቡብነትን ክብረትን ዝተሓተ ኣገዳስነት ኢዩ ዘለዎ። ዝያዳ ዘገድስ እቲ ስራሕ ንህይወትና ዘድሊ ነገራት ክንረክብ ዘኽእለና ከምኡውን ክርስትያናዊ ግዴታታትና ንኽንፍጽም እኹል ግዜን ኣጋጣምን ዝህበና ምዃኑን ዘይምዃኑን ኢዩ።

ተሓጒስካ ክትነብር ምድላይ ባህርያውን ግቡእን ኢዩ። (መክብብ 2:⁠24፣ 11:⁠9) ስለዚ ሓደ ሚዛኑ ዝሕሉ ክርስትያን ንኽሕደስን ንኽሕጐስን ኢሉ ክዘናጋዕ ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን ፍረ መንፈስ ድኣ እምበር “ግብሪ ስጋ” ዘንጸባርቕ መዘናግዒ ክመርጽ የብሉን። ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ: ንሱ ኸኣ ምንዝር: ርኽሰት: ዕብዳን: ኣምልኾ ጣኦት: ጥንቈላ: ጽልኢ: ባእሲ: ቅንኢ: ቊጥዓ: ሻራ: ምፍልላይ: ዝርግርግ: ቅንኣት: ቅትለት: ስኽራን: ጓይላ: ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ።” ‘ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእን: ውዳሴ ከንቱ ምድላይ’ እውን ክውገድ ዘለዎ ጠባይ ኢዩ።​—⁠ገላትያ 5:⁠16-26

ኣዕሩኽ ብዛዕባ ምምራጽ እውን ተመሳሳሊ ኢዩ። ብመንፈሳውነት ድኣ እምበር ደጋዊ ትርኢት ወይ ሃብቲ ርኢኻ ምምራጽ ጥበባዊ ኣይኰነን። ኣምላኽ ንዳዊት “ዝኸም ልበይ” ስለ ዝበሎ: ዓርኪ ኣምላኽ ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠22) ኣምላኽ ንዳዊት ንጉስ እስራኤል ክኸውን ዝመረጾ ብደጋዊ ትርኢቱ ዘይኰነስ ብመሰረት እዚ ዝስዕብ ስርዓት ኢዩ:- “እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን: ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ: እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ።”​—⁠1 ሳሙኤል 16:⁠7

ብኣሽሓት ናይ ዝቝጸሩ ሰባት ዕርክነት ኣብ ደጋዊ ትርኢት ወይ ሃብቲ እተመርኰሰ ስለ ዝነበረ ኣብቂዑ ኢዩ። ኣብቲ ዘየተኣማምን ሃብቲ ዝምስረት ዕርክነት ብሃንደበት ከብቅዕ ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 14:⁠20) እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ: ኣዕሩኽ ክንመርጽ ከሎና ነቶም ንየሆዋ ንኸነገልግል ክሕግዙና ዝኽእሉ ክንመርጽ ይመኽረና። ኣብ ክንዲ ኣብ ምቕባል: ኣብ ምሃብ ከነተኵር ኢዩ ዝነግረና: ከመይሲ ምሃብ ኢዩ ዝያዳ ሓጐስ ዘምጽእ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35) ግዜን ፍቕርን ንኣዕሩኽና ክንህቦም ካብ እንኽእል ኣዝዮም ክቡራት ካብ ዝበሃሉ ነገራት ኢዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ናይ መርዓ ብጻይ ዘናዲ ክርስትያን: መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ይህብ ኢዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ እዚ ብኸምዚ ዝስዕብ ክግለጽ ይከኣል ኢዩ:- ‘ክንዮ መልክዕን ቅርጽን ኣስተብህል። ኣእጋር ርአ።’ ኣእጋር፧ እወ: ኣብዚ ግን ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኢዩ ኣትዩ ዘሎ። እተን ኣእጋር ነቲ ናይ የሆዋ ዕዮ ስብከት ብስራት ኣብ ምፍጻም ዘገልግላ ብምዃነን ኣብ ቅድሚኡ ጽቡቓትዶ ኢየን፧ መልእኽቲ ሓቅን ናይ ሰላም ብስራትን ዝወደያዶ ኢየን፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “እቲ ብስራት ዜበስር: ሰላም ዜውሪ: ሰናይ ዜበስር: ምድሓን ዜውሪ: ንጽዮን ከኣ: ኣምላኽኪ ይነግስ: ዚብል: ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን።”​—⁠ኢሳይያስ 52:⁠7፣ ኤፌሶን 6:⁠15

ኣብዚ ዘሐልል “ክፉእ ዘመን” ንነብር ስለ ዘሎና: ፍቓድ ኣምላኽ ንኽንገብር ሓገዝ የድልየና ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) እቲ ሓጋዚ ዝዀነ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዕዮኦም ብርታዐ ሂብዎም ኢዩ: ብሕታዊ ሓጋዚኦም እውን ኰይኑ ኢዩ። ንመንፈስ ቅዱስ ብሕታዊ ሓጋዚና ከም ዝኸውን ክንገብረሉ እንኽእል ቀዳማይ መገዲ ነቲ ውጽኢት መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ ቃል ኣምላኽ ብትግሃት ምጽናዕ ኢዩ። ከምኡዶ ንገብር ኣሎና፧

[ኣብ ገጽ 23 ምሉእ ስእሊ ይርከብ]