ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኻልኦት ሃይማኖታት ክትምርምረንዶ ኣሎካ ኢዩ፧

ንኻልኦት ሃይማኖታት ክትምርምረንዶ ኣሎካ ኢዩ፧

ንኻልኦት ሃይማኖታት ክትምርምረንዶ ኣሎካ ኢዩ፧

 ሕጂ ሓደ ካብቶም ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ መጋይል “ንዓመት ዝኸውን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ተኻፊለ ኢየ: ንኻልኦት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር ድማ ባህ ይብለኒ ነበረ” በለ። ቀጺሉ ኸኣ ከምዚ ይብል:- “ድሕርዚ ብራድዮ ዝፍኖ ሃይማኖታዊ ፕሮግራማት ክሰምዕን ኣብ ተሌቪዥን ዝረኣዩ ሃይማኖታውያን ሰበኽቲ ክከታተልን ጀመርኩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ፕሮግራማት ካልእ ሃይማኖት ንዘለዎም ሰባት ብዝያዳ ንኽርድኦም ዝሕግዘኒ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ትምህርትታቶም ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ ምዃኑ እርድኣኒ እኳ እንተ ነበረ ክፈልጥ ግን እህንጠ ነበርኩ።”

ኣብታ መጋይል ዝርከባ ሃገር ዝነብር ሆርሃ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ሓቀኛ ኣምልኾ ኣብ ምምሃር ብቕንኢ ይዓዪ ነበረ። እንተ​ዀነ ግን: ንሱ እውን ብራድዮን ተሌቪዥንን ዝመሓላለፍ ሃይማኖታዊ ፕሮግራማት ክሰምዕ ጀመረ። “ናይ ካልኦት ኣተሓሳስባ ምፍላጥ ኣድላዪ ኢዩ” ይብል ነበረ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ትምህርትታት እተቓላዕካ ምዃን ብዛዕባ ከምጽኦ ዝኽእል ሓደጋ ምስ ዝሕተት “ንእምነት ናይ ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ዝፈልጥ ሰብ: ዋላ ሓደ ከፍርሶ ኣይክእልን ኢዩ“ ኢሉ ይምልስ ነበረ። እዚ ተመክሮታት እዚ ኣገዳሲ ሕቶ የልዕል ኢዩ: ካልኦት ንዝኣምኑሉ ነገር ምስማዕ ጥበባዊ ድዩ፧

ነቲ ሓቀኛ ክርስትና ምልላይ

ሃዋርያት ምስ ሞቱ ሓቀኛ ኣምልኾ በቲ ብቐጻሊ ዝዓቢ ዝነበረ እተፈላለየ ዓይነት ናይ ሓሶት ክርስትና ተበከለ። የሱስ ነዚ ኣቐዲሙ ብምርኣይ ነቲ ናይ ሓሶት ክርስትና ካብ ሓቀኛ ክርስትና ፈሊኻ ክትፈልጠሉ እትኽእል መገዲ ገለጸ። መጀመርታ “ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ: ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ: ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም” ኢሉ ኣጠንቀቐ። ቀጺሉ ኸኣ “ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም” በለ። (ማቴዎስ 7:⁠15-23) ሓቀኛታት ሰዓብቲ የሱስ ነቲ ዝመሃሮም ኣብ ግብሪ የውዕልዎ: ብጽቡቕ ፍሪኦም ድማ ብቐሊሉ ይልለዩ ኢዮም። ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ: ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንሰባት ንምንጋር ይዋፈሩ። ኣብነት የሱስ ብምስዓብ: ኣብ ናይ ዓለም ፖለቲካውን ማሕበራውን ግጭታት ኣይኣትዉን። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሮም ይቕበልዎ: ሓቂ ብምዃኑ ድማ የኽብርዎ። ንስም ኣምላኽ የፍልጡ። ነቲ ኣምላኽ ዝምህሮ ፍቕሪ ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ስለ ዝጽዕሩ ኸኣ ኣብ ውግእ ኣይካፈሉን ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ ንሓድሕዶም ከም ኣሕዋት ኢዮም ዝረኣኣዩ።​—⁠ሉቃስ 4:⁠43፣ 10:⁠1-9፣ ዮሃንስ 13:⁠34, 35፣ 17:⁠16, 17, 26

ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይርካ ‘ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን: ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዝግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ፍልልይ ክርአ’ ይከኣል ኢዩ። (ሚልክያስ 3:⁠18) ሎሚ ዘለዉ ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብሓሳብን ብግብርን ዝሓበሩ ኢዮም። (ኤፌሶን 4:⁠4-6) ሓንሳእ ነዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ምስ ኣለለኻ: ብዛዕባ ናይ ካልኦት እምነት ክትምርምር ወይ ክትፈልጥ ምህንጣይ እንታይ ይጠቅም፧

ካብ ናይ ሓሶት መምህራን ተጠንቀቕ

መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምስ ፈለጥካ እውን ከይተረፈ ብመንፈሳዊ መገዲ ብናይ ሓሶት ትምህርትታት ናይ ምብካል ሓደጋ ከም ዘሎ ኣፍልጦ ይህበሉ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ኣጠንቀቐ:- “ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ: ብልማድ ሰብ: ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ: ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ: ተጠንቀቑ።” (ቈሎሴ 2:⁠8) እዛ ጥቕሲ እዚኣስ ኣየ ከመይ ዝበለ ንጹር መብርሂ ኢያ ዝሃበት! ልክዕ ከምቲ ኣራዊት ጐቢጦም ክበልዑኻ ዝደልዩ: እዞም ናይ ሓሶት መምህራን እውን ብሓቂ ሓደገኛታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።

ጳውሎስ ካልኦት ዝኣምኑሉ ነገር የስተብህል ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሓደ ግዜ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝርርብ ጀመረ:- “ኣቱም ሰብ ኣቴና: ብዅሉ ነገር ምምላኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑ: እርእየኩም አሎኹ። እናዞርኩ መቓድስኩም ክርኢ ኸሎኹ: ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠22, 23) ይኹን እምበር: ጳውሎስ ንኣእምሮኡ ብቐጻሊ ብናይ ግሪኽ ፍልስፍና ኣይመልኦን ኢዩ ነይሩ።

ብዛዕባ መበቈልን እምነትን ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምፍላጥን ካብኡ ምምጋብን ዓቢ ፍልልይ ኣለዎ። a የሆዋ ኣብ ቃሉ ተመርኲሱ ትምህርቲ ምእንቲ ክህበና ኢሉ ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ሸይምዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 4:⁠4፣ 24:⁠45) ጳውሎስ እውን ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ:- “ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከአለኩምን እዩ። ወይስ ንጐይታ ምእንቲ ኸነቕንኦ ዲና፧”​—⁠1 ቈረንቶስ 10:⁠20-22

ገለ ናይ ሓሶት መምህራን ኣቐዲሞም ሓቀኛታት ክርስትያናት ዝነበሩ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም: ዳሕራይ ግን ካብ ሓቂ ናብ ግጉይ መገዲ ዘቢሎም ኢዮም። (ይሁዳ 4, 11) እዚ ከገርመና የብሉን። የሱስ ብዛዕባ እቲ ንቕቡኣት ክርስትያናት ዘመልክት “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ድሕሪ ምዝራቡ: ብዛዕባ እቲ “ጐይታይ ይድንጒ እዩ” ዝብልን ንብጾቱ ባሮት ምውቃዕ ዝጅምርን “ኽፉእ ባርያ” ተዛሪቡ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:⁠48, 49) መብዛሕትኡ ግዜ እዞም ውልቀ⁠-​ሰባት እዚኣቶምን ሰዓብቶምን ናይ ገዛእ ርእሶም ንጹር ትምህርቲ የብሎምን፣ ናይ ካልኦት እምነት ከፍርሱ ጥራይ ኢዮም ዝደልዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እዚኣቶም “ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘየምጽኤ: ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ: ሰላምውን ኣይትበልዎ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠2 ዮሃንስ 10፣ 2 ቈረንቶስ 11:⁠3, 4, 13-15

ንሓቂ ዘናድዩ ቅኑዓት ሰባት ካብ እተፈላለየ ሃይማኖታት ንዝሰምዕዎ ነገራት ተጠንቂቖም ምስ ዝምርምሩ ሰናይ ኢዩ። ድሕሪ ግዜ: ኣምላኽ ነቶም ንሓቂ ዘናድዩ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ክባርኾም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኻዊ ጥበብ “ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ: ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ: . . . ንምፍላጥ ኣምላኽ . . . ክትረኽቦ ኢኻ” ይብል። (ምሳሌ 2:⁠4, 5) ሓቀኛታት ክርስትያናት ንፍልጠት ኣምላኽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስን ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤን ስለ ዝረኸብዎ ከምኡውን የሆዋ ነቶም በዚ ፍልጠት እዚ ዝምርሑ ከመይ ገይሩ ከም ዝባረኾም ስለ ዝርእዩ: ንትምህርትታት ሓሶት ሃይማኖት ምስማዕ ኣየድልዮምን ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠14

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ማንካይንድስ ሰርች ፎር ጎድ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ መበቈልን ትምህርትታትን ናይተን ኣብ ዓለም ዘለዋ መብዛሕትአን ሃይማኖታት መሰረታዊ ሓበሬታ ትህብ ኢያ።