ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብስነ-ምግባር ንጹህ ክትከውን ትኽእል ኢኻ

ብስነ-ምግባር ንጹህ ክትከውን ትኽእል ኢኻ

ብስነ⁠-​ምግባር ንጹህ ክትከውን ትኽእል ኢኻ

“ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ።”​—⁠1 ዮሃንስ 5:⁠3

1. ኣብ መንጎ እዞም ሎሚ ዘለዉ ሰባት ከመይ ዝበለ ናይ ስነ⁠-​ምግባር ፍልልይ ኢዩ ዘሎ፧

 ነዊሕ እዋን ይገብር ነብዪ ሚልክያስ ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ካብቶም ንኣምላኽ ዘየገልግሉ ሰባት በካይዳኦም ጐሊሖም ዝፍለይሉ ግዜ ንኽንበ ብመንፈስ ተመሪሑ ኢዩ። እቲ ነብዪ “ንስኻትኩም ድማ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን: ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ክትርእዩ ኢኹም” ብምባል ጸሓፈ። (ሚልክያስ 3:⁠18) እቲ ትንቢት እቲ ሕጂ ይፍጸም ኣሎ። ነቲ ብስነ⁠-​ምግባር ንጹህ ክትከውን ዝሓትት ስርዓታት ዘጠቓልል ትእዛዛት ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ጥበባውን ግቡእን መገዲ ህይወት ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ወትሩ ቐሊል ኢዩ ማለት ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ ክርስትያናት ድሕነት ንምርካብ ክጋደሉ ኸም ዝግብኦም ዝገለጸ።​—⁠ሉቃስ 13:⁠23, 24

2. ገሊኦም ብስነ⁠-​ምግባር ጽፉፋት ንኸይኰኑ ዘጸግሞም እንታይ ግዳማዊ ጸቕጥታት ኣሎ፧

2 ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህና ምሕላው ኣጸጋሚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ ግዳማዊ ጸቕጥታት ሓደ ኻብቲ ምኽንያት ኢዩ። ናይ ምዝንጋዕ ኢንዱስትሪ ንዘይግቡእ ጾታዊ ርክብ ከም ማራኽን ባህ ዘብልን ናይ ብጹሓትን ገይሩ ኢዩ ዘቕርቦ: ነቲ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ኸኣ ዳርጋ ዕሽሽ ኢዩ ዝብሎ። (ኤፌሶን 4:⁠17-19) ዝበዝሕ ካብቲ ዝርአ ጾታዊ ነገራት ኣብ መንጎ ዘይተመርዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን ዝፍጸም ኢዩ። እቲ ኣብ መብዛሕትኡ ፊልምታትን ናይ ተለቪዥን ምርኢታትን ዝርአ ጾታዊ ርክብ ናይ እግረ⁠-​መገድን ናይ ወዝብን ኢዩ። መብዛሕትኡ ሓልዮን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ዘይብሉ ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ካብ ግዜ ቝልዕነቶም ኣትሒዞም እተቓልዑ ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ምስዚ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ኸም ድላይካ ኽትኰነሉ እትኽእል ስነ⁠-​ምግባራዊ ሃዋህው ንኽትሰማማዕ ዝደናደን ሓያል ናይ መዛኑ ጸቕጢ ኣሎ፣ እቶም ነዚ ዘይምብርከኽሉ ኸኣ ኣደዳ ላግጽን ውርደትን ዝዀኑሉ እዋናት ኣሎ።​—⁠1 ጴጥሮስ 4:⁠4

3. ገለ ካብቲ ብዙሓት ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ኣብ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ዝጽመድሉ ምኽንያታት እንታይ ኢዩ፧

3 ውሽጣዊ ጸቕጢ እውን ብስነ⁠-​ምግባር ጽፉፍ ንምዃን ኣጸጋሚ ኢዩ ዝገብሮ። የሆዋ ንሰባት ጾታዊ ድሌት ከም ዝህልዎም ገይሩ ኢዩ ፈጢርዎም: እዚ ድሌት እዚ ድማ ሓያል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ድሌት ምስቲ እንሓስቦ ኣዝዩ እተተሓሓዘ ኢዩ: ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ከኣ ምስቲ ምስ ሓሳብ የሆዋ ዘይሰማማዕ ኣተሓሳስባ ዝተሓሓዝ ኢዩ። (ያእቆብ 1:⁠14, 15) ንኣብነት ኣብ ብሪቲሽ ሜዲካል ጆርናል (እንግሊዝኛ) ተሓቲሙ ዝወጸ ናይዚ ቐረባ እዋን መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ ብዙሓት ሰባት ንፋልማይ ግዜኦም ጾታዊ ርክብ ዝፈጸሙ: ጾታዊ ርክብ እንታይ ከም ዝመስል ንምፍታን ካብ ዝነበሮም ህንጥዮት ሓሊፉ ካልእ ምኽንያት ኣይነበሮምን። ካልኦት ከኣ ካብ መሳትኦም እቶም ዝበዝሑ ኣብ ጾታዊ ተግባራት ንጡፋት ከም ዝዀኑ ገይሮም ስለ ዝሓስቡ ድንግልንኦም ንምፍራስ ድሌት ይሓድሮም ኢዩ። ካልኦት ድማ ስምዒቶም ከም ዝደፋፍኦም ወይ ድማ “ኣብቲ እዋን እቲ ብመስተ ሞይቅዎም” ከም ዝነበሩ ይገልጹ። ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ንደሊ እንተ​ድኣ ዄንና ግን ካብዚ እተፈልየ ሓሳብ ክህልወና ይግባእ። ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህና ንምዕቃብ እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኢዩ ክሕግዘና ዝኽእል፧

ጽኑዕ መትከል ይሃልኻ

4. ብስነ⁠-​ምግባር ጽፉፋት ንምዃን እንታይ ክንገብር ኢዩ ዝግብኣና፧

4 ብስነ⁠-​ምግባር ጽፉፋት ክንከውን ንደሊ እንተ​ድኣ ዄንና: ከምዚ ዝበለ ኣነባብራ እቲ ክህልወና ዝግባእ ዓይነት ናብራ ከም ዝዀነ ክንግንዘብ ይግብኣና። እዚ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ‘እቲ ሰናይን ባህ ዘብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርምሩ’ ብምባል ዝጸሓፈሎም ሓሳብ ዝሰማማዕ ኢዩ። (ሮሜ 12:⁠2) ብስነ⁠-​ምግባር ጽፉፍ ዝዀነ ናብራ እቲ ክህልወና ዝግብኦ ዓይነት ናብራ ምዃኑ ምግንዛብ ክበሃል ከሎ ግን ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ኣብ ቃል ኣምላኽ ኵኑን ምዃኑ ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። ነቲ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት እተዀነነሉ ምኽንያት ከምኡውን ነቲ ካብኡ ምርሓቕ ዘምጽኦ ረብሓ ምርዳእ ዘጠቓልል ኢዩ። ገለ ካብቲ ምኽንያት ኣብታ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ ተገሊጹ ኢዩ።

5. እቲ ክርስትያናት ብስነ⁠-​ምግባር ጽፉፋት ኰይኖም ክነብሩ ዝደልይሉ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧

5 ብሓቂ ክርአ ኸሎ ግን እቲ ክርስትያናት ካብ ጾታዊ ዘይስነ⁠-​ምግባር እንርሕቀሉ ቀንዲ ምኽንያት ምስ ኣምላኽ ካብ ዘሎና ርክብ ዝነቐለ ኢዩ። ኣምላኽ ንዓና ዝሕሸና ነገር እንታይ ምዃኑ ከም ዝፈልጥ ተማሂርና ኢና። እቲ ኣብኡ ዘሎና ፍቕሪ: እከይ ዘበለ ንኽንጸልእ ዝሕግዘና ኢዩ። (መዝሙር 97:⁠10) ኣምላኽ እቲ ዝለዓለ ወሃብ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ኢዩ። (ያእቆብ 1:⁠17) የፍቅረና ኢዩ። ንሕና ከም እነፍቅሮን ስለቲ ዅሉ ዝገበረልና ከም እነማስዎን ከኣ በቲ እነርእዮ ምእዛዝና ኢዩ ዝግለጽ። (1 ዮሃንስ 5:⁠3) ነቲ ጽድቃዊ ትእዛዛቱ ብምጥሓስ ንየሆዋ ከነጕህዮን ከነቘጥዖን ከቶ ኣይንደልን ኢና። (መዝሙር 78:⁠41) እቲ ቅዱስን ጽድቃውን ኣምልኾኡ ዝጽረፈሉ ምምልላስ ክህልወና ፍጹም ድሌት የብልናን። (ቲቶስ 2:⁠5፣ 2 ጴጥሮስ 2:⁠2) ብስነ⁠-​ምግባር ጽፉፋት ብምዃን ነቲ ሉዓላዊ ኣካል ነሐጕሶ ኢና።​—⁠ምሳሌ 27:⁠11

6. ካልኦት ነቲ ስነ⁠-​ምግባራዊ መዐቀኒታትና ኸም ዝፈልጥዎ ምግባር ብኸመይ ክሕግዝ ይኽእል፧

6 ብስነ⁠-​ምግባር ጽፉፋት ንምዃን ሓንሳእ ውሳነ ምስ ገበርና እቲ ጽኑዕ መትከልና ብኻልኦት ከም ዝፍለጥ ምግባር ተወሳኺ ዕቝባ ኢዩ። ኣገልጋሊ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝዀንካን ነቲ ልዑል መዐቀኒታቱ ንምዕቃብ ቈራጽነት ከም ዝገበርካን ካልኦት ይፍለጡ። ህይወትካ ናትካ ኢያ: ኣካላትካ ናትካ ኢዩ: እቲ እትገብሮ ምርጫ እውን ናይ ገዛእ ርእስኻ ኢዩ። ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ እቲ ምስ ሰማያዊ ኣቦኻ ዘሎካ ብዋጋ ዘይሽነን ርክብ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህናኻ ንዋጋ ዕዳጋ ዘይቀርብ ምዃኑ ብንጹር ከም ዝፍለጥ ግበር። ንስርዓታት ኣምላኽ ብምድጋፍ ወኪሉ ዄንካ ትቐርብ ብምህላውካ ተሓበን። (መዝሙር 64:⁠10) ብዛዕባ እቲ ሒዝካዮ ዘሎኻ ንስነ⁠-​ምግባር ዝምልከት ጽኑዕ መትከል ምስ ካልኦት ንምምይያጥ ኣይትሕፈር። ኣፍካ መሊእካ ምዝራብካ ከበርትዓካን ከዕቍበካን ይኽእል ኢዩ: ካልኦት ድማ ኣብነትካ ንምስዓብ ክተባብዑ ኢዮም።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠12

7. ነቲ ብስነ⁠-​ምግባር ጽፉፋት ንምዃን ዝገበርናዮ ቈራጽነት ብኸመይ ክንዕቅቦ ንኽእል፧

7 ልዑል ስነ⁠-​ምግባራዊ ኣቕዋም ክንዕቅብ ምስ ቈረጽና ከምኡውን ካልኦት ኣቕዋምና ከም ዝፈልጥዎ ድሕሪ ምግባርና: ኣብቲ ዝገበርናዮ ቈራጽነት ንምጽናዕ ክንወስዶ ዘሎና ስጕምትታት ኣሎ። ሓደ ካብዚ ነገራት እዚ ኣዕሩኽ ኣብ ምምራጽ ጥንቁቕ ምዃን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን” ይብል። ምስቶም ከምቲ ናትካ ዝበለ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ዘለዎም ሰባት ሕበር፣ ከም እትጸንዕ ክገብሩኻ ኢዮም። እታ ጥቕሲ ቐጺላ “ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ብምባል ትገልጽ። (ምሳሌ 13:⁠20) ብዝከኣለካ መጠን ንውሳነኻ ከዳኽሙ ካብ ዝኽእሉ ሰባት ርሓቕ።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠33

8. (ሀ) ኣእምሮና ጥዑይ ዝዀነ ነገራት ክንምግቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እንታይ ኢና ከነወግድ ዘሎና፧

8 ብተወሳኺውን ንኣእምሮና ብሓቂ: ረዚን: ቅኑዕ: ንጹህ: ተፈታዊ: ጽቡቕ ወረ: ደግነት ብዘለዎ: ከምኡውን ብዝነኣድ ነገራት ክንምግቦ የድልየና። (ፊልጲ 4:⁠8) ነዚ ክንገብሮ እንኽእል ኣብቲ እንርእዮን እነንብቦን ከምኡውን ኣብቲ እንሰምዖ ሙዚቃ መረጽቲ ብምዃን ኢዩ። ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ጽሑፋት ብልሹው ጽልዋ ኸም ዘይብሉ ገይርካ ምዝራብ፣ ስነ⁠-​ምግባራዊ ጽሑፋት ኣወንታዊ ጽልዋ የብሉን ኢልካ ከም ምዝራብ ኢዩ። ዘይፍጹማት ደቅሰብ ብቐሊሉ ኣብ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ክወድቁ ኸም ዝኽእሉ ኣይትረስዕ። ስለዚ ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕል መጻሕፍቲ: መጽሔታት: ፊልምታት: ከምኡውን ሙዚቃ ዘይግባእ ድሌት ከም እተሕድር ኢዩ ዝገብር: እዚ ኸኣ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ሓጢኣት ዝመርሕ ኢዩ። ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህና ንምዕቃብ: ንኣእምሮና ብኣምላኻዊ ጥበብ ክንመልኦ ይግብኣና።​—⁠ያእቆብ 3:⁠17

ናብ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ዝመርሕ ስጕምትታት

9-11. ሰሎሞን ኣዘንትይዎ ኸም ዘሎ ንሓደ መንእሰይ ናብ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ከም ዘምርሕ ዝገበሮ ኣየናይ በብሓደ እተወስደ ስጕምትታት ኢዩ፧

9 መብዛሕትኡ እዋን ብቐሊሉ ክልለዩ ዝኽእሉ ናብ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ዝመርሑ ስጕምትታት ኣለዉ። ነፍሲ ወከፍ እትወስዳ ስጕምቲ ንኽትምለስ ንዘሎ ኣጋጣሚ ዝያዳ ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ኢያ እትገብሮ። እዚ ኣብ ምሳሌ 7:⁠6-23 ብኸመይ ተገሊጹ ኸም ዘሎ ኣስተብህል። ሰሎሞን ንሓደ “ልቢ ዜብሉ [ወይ ቅኑዕ ድራኸ ዘይብሉ] ጐበዝ” ይዕዘቦ። እቲ ጐበዝ “በደባባይ ኣብ ጥቓ ቐራና መገዲ ሐሊፉ: ናብታ ናብ ቤታ [ናይ ሓንቲ ኣመንዝራ] እትወስድ መገዲ ኣበለ። ምድሪ መስዩ: ጽልግልግታ ዀይኑ” ነበረ። እዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ናይ ፈለማ ጌጋኡ። ምድሪ ምስ ጸልመተ ብዝረኸቦ መገዲ ዘይኰነስ ‘ልቡ’ ናብቲ ኣመንዝራ ዘይትሰኣነሉ ቦታ ምዃኑ ኣቐዲሙ ዝፈልጦ ጐደና ኢዩ መሪሕዎ።

10 ቀጺልና ድማ “እንሆ ኸኣ: ሰበይቲ ኽትቅበሎ ወጸት: ክዳን ምንዝርና እተኸድነት: ልባ ተንኰለኛ” ዝብል ነንብብ። ንሱ ድማ ይርእያ! ተጠውዩ ቤቱ ኽምለስ ምኸኣለ: ከምዚ ንኽገብር ግን ብፍላይ ብስነ⁠-​ምግባር ዝመጸ ድኹም ስለ ዝዀነ ንኽገብሮ ዝያዳ ይኸብዶ። ሒዛ ኸኣ ትስዕሞ። ምስ ተሳዕመ ድማ ነቲ መስድዒ ዘረባኣ ጽን ኢሉ ይሰምዖ። “መስዋእቲ ምስጋና ከቕርብ ተመባጺዔ ነይረ እሞ: ሎሚ መብጽዓይ ፈጸምኩ” ኸኣ ትብሎ። መስዋእቲ ምስጋና ንስጋ: ሓርጭ: ዘይቲ: ከምኡውን ወይኒ ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 19:⁠5, 6፣ 22:⁠21፣ ዘሁልቍ 15:⁠8-10) ነዚ ምጥቃሳ ምናልባት መንፈሳውነታ ኸም ዘየጥፍአት ኢያ እትሕብር ዘላ: ንእግረ መገዳ ኸኣ ኣብ ቤታ ብዙሕ ዝብላዕን ዝስተን ሽሻይ ከም ዘሎ ኢያ ትእምተሉ እትህሉ። ዓይነ ዓይኑ እናጠመተት ድማ “ንዓ: ክሳዕ ዚወግሕ ብፍትወት ንርወ: ብናይ ፍትወት ምትሕቝቛፍ ባህ ይበለና” ኢላ ትልምኖ።

11 ሳዕቤን እዚ እንታይ ምዃኑ ኣቐዲምካ ንምፍላጡ ከቢድ ኣይኰነን። “ብልዙብ ከናፍራ ሰሐበቶ።” ንሱ ኸኣ “ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚዅብኰብ ብዕራይ:” ከምቲ “ናብ መጻወድያ ዚሸብብ ዑፍ ኰይኑ” ናብ ቤታ ሰዓባ። ሰሎሞን ኣብቲ ዝሃቦ ናይ መደምደምታ ሓሳብ “ንጥፍኣት ነፍሱ ምዃኑ ኸይፈለጠ” ዝብል ከቢድ ቃላት ተዛሪቡ ኣሎ። “ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም” ስለ ዝዀነ እቲ ጕዳይ ንነፍሱ ወይ ንህይወቱ ኣብ መፈንጠራ ዘእቱ ኢዩ። (እብራውያን 13:⁠4) እዝስ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝኸውን ከመይ ዝበለ ሓያል ትምህርቲ ኰን ኢዩ! ናብቲ ስምረት ኣምላኽ ዘስእን መገዲ ዘእቱ ናይ ፈለማ ስጕምትታት ካብ ምውሳድ እውን ከይተረፈ ክንሕሎ ኣሎና።

12. (ሀ) እቲ “ልቢ ዜብሉ” ዝብል ኣገላልጻ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ስነ⁠-​ምግባራዊ ብርታዐ ከነጥሪ እንኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

12 እቲ ኣብዚ ጸብጻብ እዚ ተገሊጹ ዘሎ ጐበዝ “ልቢ ዜብሉ” ምንባሩ ኣስተብህል። እዚ ኣገላልጻ እዚ ዅሉ ሓሳቡ: ባህጉ: ፍትወቱ: ስምዒቱ: ከምኡውን ኣብ ህይወቱ ዝነበሮ ሸቶታት ምስቲ ኣምላኽ ዝሰምሮ ዝሰማማዕ ከም ዘይነበረ ይሕብረና። ስነ⁠-​ምግባራዊ ድኽመቱ ዘሰቅቕ ሳዕቤናት ኢዩ ኣምጺእሉ። ኣብዘን ጽንኩራት “ዳሕሮት መዓልትታት” ስነ⁠-​ምግባራዊ ብርታዐ ንምጥራይ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) ኣምላኽ ንምሕጋዝና ምድላዋት ይገብር ኢዩ። በታ ቕንዕቲ መገዲ ንምምልላስ ዘተባብዓናን ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ሸቶ ምስ ዘለዎም ሰባት ንምርኻብ ኣጋጣሚ ዝኸፍተልናን ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝካየድ ኣኼባታት የዳልወልና ኢዩ። (እብራውያን 10:⁠24, 25) ጕስነት ዝገብሩልናን መገዲ ጽድቂ ዝምህሩናን ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ኣለዉልና። (ኤፌሶን 4:⁠11, 12) መምርሕን ሓበሬታን ዝህበና ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ኣሎና። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16) መንፈስ ኣምላኽ ምእንቲ ኽሕግዘና ድማ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ክንጽልየሉ እንኽእል ኣጋጣሚ ኣሎና።​—⁠ማቴዎስ 26:⁠41

ዳዊት ካብ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ትምህርቲ ምውሳድ

13, 14. ንጉስ ዳዊት ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ዝወደቐ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

13 ጐሊሖም ዝረኣዩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ከይተረፉ ኣብ ጾታዊ ዘይስነ⁠-​ምግባር ምውዳቖም ዘሕዝን ኢዩ። ሓደ ኻብዚኣቶም እቲ ንየሆዋ ንዓሰርተታት ዓመታት ብተኣማንነት ዘገልገሎ ንጉስ ዳዊት ኢዩ። ንኣምላኽ ኣዝዩ የፍቅሮ ኸም ዝነበረ ምንም ኣየጠራጥርን ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ኣብ ዓዘቕቲ ሓጢኣት ጥሒሉ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ሰሎሞን ጠቒስዎ ዘሎ ጐበዝ: ዳዊት እውን ኣብቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ዘብጽሖ ስጕምትታት ነይሩ ኢዩ።

14 ኣብቲ እዋን እቲ ዳዊት ኣብ ማእከላይ ዕድመ ምናልባት ኣብ መጀመርታ 50ታት ኢዩ ነይሩ ዝኸውን። ኣብ ዝባን ናሕሱ ዀይኑ ድማ ነታ ኣካላታ እትሕጸብ ዝነበረት መልክዐኛ ባትሴባ ረኣያ። መን ምዃና ንምፍላጥ ኣጣየቐ እሞ ብዛዕብኣ እኹል ሓበሬታ ረኸበ። ኡርያ ሰብኣያ ምስቲ ነታ ዓሞናዊት ከተማ ራባ ከቢብዋ ዝነበረ ሰራዊት ምህላዉ ኣጻርዩ ፈለጠ። ናብ ቤተ⁠-​መንግስቱ ኸም እትመጽእ ብምግባር ድማ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ፈጸመ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ነገራት ክተሓላለኽ ጀመረ​—⁠ባትሴባ ካብ ዳዊት ከም ዝጠነሰት ፈለጠት። ዳዊት ድማ ኡርያ ምስ ሰበይቱ ክድቅስ ተስፋ ብምግባር ካብ ውግእ ጸውዖ። ሓሳቡ እንተ ዝሰምረሉ ኸኣ ኡርያ ኣቦ እቲ ተጠኒሱ ዘሎ ቘልዓ ምመሰለ ነይሩ። ኡርያ ግን ቤቱ ኣይኣተወን። ዳዊት ሓጢኣቱ ክኽውል ኣብ ዘይክእለሉ ዅነታት ከም ዘሎ ተረዲኡ ተስፋ ብምቝራጹ: ናብቲ ሓለቓ ሰራዊት እትበጽሕ ኡርያ ክቕተለሉ ኣብ ዝኽእል ሓዲግ ቦታ ክስለፍ እትእዝዝ ደብዳበ ኣትሒዙ ናብ ራባ ሰደዶ። በዚ ኸምዚ ድማ ኡርያ ሞተ: ዳዊት ከኣ ምጥናሳ ከይተዋዓወዐ ነታ መበለት ሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳ።​—⁠2 ሳሙኤል 11:⁠1-27

15. (ሀ) ሓጢኣት ዳዊት እተቓልዐ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ዳዊት ነቲ ናይ ናታን ጥበባዊ ተግሳጽ ከመይ ዝበለ መልሰ⁠-​ግብሪ ሃበሉ፧

15 ዳዊት ሓጢኣቱ ንምኽዋል ዝኣለሞ ውዲት ዝቐንዐ መሰለ። ኣዋርሕ ሓለፈ። እቲ ቘልዓ ተወልደ። ዳዊት ንመ⁠ዝሙር 32 ክደርሳ ኸሎ እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ ኣእምሮኡ እንተ​ድኣ ነይሩ ዀይኑ: ሕልናኡ የሳቕዮ ኸም ዝነበረ ብንጹር ክርአ ይከኣል ኢዩ። (መዝሙር 32:⁠3-5) ይኹን እምበር እቲ ሓጢኣት ካብ ኣምላኽ ኣይተሓብአን። “ዳዊት ዝገበሮ ነገር ግና ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ ተራእየ” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። (2 ሳሙኤል 11:⁠27) የሆዋ ንነብዪ ናታን ለኣኾ: ንሱ ድማ ንዳዊት ጥበባዊ ብዝዀነ መገዲ ገይሩ ብምቕራብ ግብርታቱ ዘርዚሩ ወቐሶ። ዳዊት ከኣ ብኡንብኡ በደሉ ተኣምነ እሞ ካብ የሆዋ ምሕረት ለመነ። እቲ ቕንዕና እተሓወሶ ነስሕኡ ድማ ምስ ኣምላኽ ከም ዝዕረቕ ገበሮ። (2 ሳሙኤል 12:⁠1-13) ዳዊት ነቲ ተግሳጽ ኣይነጸጎን። ኣብ ክንድኡስ ከምቲ ኣብ መዝሙር 141:⁠5 ተገሊጹ ዘሎ “ጻድቕ ይውቅዓኒ: ለውሃት እዩ: ይዝለፈኒ: ዘይቲ ርእሲ እዩ: ርእሰይ ኣይእበዮ” ዝብል ዝንባለ ኢዩ ሒዙ።

16. ሰሎሞን ንበደል ብዝምልከት እንታይ መጠንቀቕታን ምኽርን ኢዩ ዝሃበ፧

16 እቲ ኻልኣይ ውሉድ ዳዊትን ባትሴባን ዝዀነ ሰሎሞን ነቲ ኣብ ህይወት ኣቦኡ ኣሉታዊ ምዕራፍ ዝነበረ ፍጻመ ኣስተውዒልሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ “ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን: እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ” ብምባል ጽሒፉ ኢዩ። (ምሳሌ 28:⁠13) ኣብ ከቢድ ሓጢኣት እንተ​ድኣ ወዲቕና ነዚ ናይ መጠንቀቕታን ማዕዳን ቃል ዝዀነ መን⁠ፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ክንስዕቦ ኣሎና። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሓጢኣትና ክንናዘዝን ሽማግለታት ጉባኤ ሓገዝ ንኽህቡና ክንቀርቦምን ኣሎና። ቀንዲ ሓላፍነት ሽማግለታት ነቶም ኣብ ግጉይ ተግባራት ዝወደቑ ንኽዕረዩ ሓገዝ ምሃብ ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 5:⁠14, 15

ንሳዕቤናት ሓጢኣት ምጽማሙ

17. የሆዋ ሓጢኣት ዝምሕር እኳ እንተ​ዀነ: ካብ ምንታይ ኢዩ ዘየዕቍበና፧

17 የሆዋ ንዳዊት ምሕረት ገይርሉ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ዳዊት ንጽህንኡ ዝሕሉ: ንኻልኦት ምሕረት ዝገብር ሰብ: ከምኡውን እቲ ዘርኣዮ ነስሓ ናይ ሓቂ ስለ ዝነበረ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ካብቲ ጸኒሑ ዝመጸ ኣዕናዊ ሳዕቤናት ዕቝባ ኣይረኸበን። (2 ሳሙኤል 12:⁠9-14) ሎሚ እውን እንተ​ዀነ ካብዚ እተፈልየ ነገር የሎን። ሽሕኳ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝናስሑ ዘውርዶ መከራ እንተዘየለ: ካብቲ ብሰሪ ግጉይ ተግባራቶም ዝወርዶም ዘይተርፍ ሳዕቤናት ግን ከም ዝናሓፉ ኣይገብርን ኢዩ። (ገላትያ 6:⁠7) ፍትሕ: ዘይተደልየ ጥንሲ: ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት: ከምኡውን ካብ ካልኦት እምነትን ክብርን ምስኣን ገለ ካብቲ ብሰንኪ ጾታዊ ዘይስነ⁠-​ምግባር ክወርድ ዝኽእል ሳዕቤናት ኢዩ።

18. (ሀ) ብዕሉግ ጾታዊ ዘይስነ⁠-​ምግባር ብኸመይ ክርአ ኸም ዘለዎ ጳውሎስ ንናይ ቈረንቶስ ጉባኤ ብኸመይ ነገራ፧ (ለ) የሆዋ ንሓጥኣን ፍቕሩን ምሕረቱን ዘርእዮም ብኸመይ ኢዩ፧

18 ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ወዲቕና ሳዕቤናት እቲ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ክወርደና ከሎ ብቐሊሉ ተስፋ ናይ ምቝራጽ ስምዒት ከነሕድር ንኽእል ኢና። እንተ​ዀነ ግን: እዚ ካብ ምንሳሕን ምስ ኣምላኽ ካብ ምትዕራቕን ንኽዓግተና ክንፈቕደሉ የብልናን። ኣብ ቀዳማይ ዘመን: ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ነቲ ምስ ቀረባ ዘመድ ዝምንዝር ዝነበረ ሰብኣይ ካብታ ጉባኤ ክኣልይዎ ኸም ዝነበሮም ዝገልጽ መልእኽቲ ጽሒፍሎም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 5:⁠1, 13) እቲ ሰብኣይ ብሓቂ ምስ ተናስሐ ግን ጳውሎስ ንኣባላት እታ ጉባኤ “ይቕረ ደኣ በሉሉን ኣጸናንዕዎን” ዝብል መምርሒ ሃቦም። (2 ቈረንቶስ 2:5-8) የሆዋ ንዝናስሑ ሓጥኣን ፍቕሩን ምሕረቱን ከም ዘርእዮም ካብዚ መን​ፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቲ: ሓደ ሓጥእ ክናሳሕ ከሎ ይሕጐሱ ኢዮም።​—⁠ሉቃስ 15:⁠10

19. ብዝፈጸምካዮ ግጉይ ተግባር ብግቡእ ምጕሃይ እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧

19 በቲ ግጉይ ተግባርና ንጕሂ እኳ እንተ ዀንና: ምጥዓስና ግን ‘ናብኡ ንኸይንምለስ መጠንቀቕታ’ ክዀነና ይኽእል ኢዩ። (እዮብ 36:⁠21) ብርግጽ: እቲ ዕረ ዝዀነ ሳዕቤን ሓጢኣት: ካልእ ሓጢኣት ካብ ምድጋም ክዓግተና ኣለዎ። ብዘይ​ዚውን ዳዊት ነቲ ካብቲ ሓጥእ ተግባሩ ዝረኸቦ ዘሕዝን ተመክሮ ንኻልኦት ኣብ ምምካር ተጠቒምሉ ኣሎ። “መገድኻ ንመፍረስቲ ኽምህሮም እየ: ሓጥኣን ከኣ ናባኻ ኺምለሱ እዮም” ድማ በለ።​—⁠መዝሙር 51:⁠13

ሓጐስ ንየሆዋ ብምግልጋል ኢዩ ዝርከብ

20. ጽድቃዊ ትእዛዛት ኣምላኽ ብምሕላው እንታይ ረብሓታት ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧

20 የሱስ “ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን ደኣ እዮም” በለ። (ሉቃስ 11:⁠28) ጽድቃዊ ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው ንሕጅን ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ መጻኢ ግዜን ዝኸውን ሓጐስ ኢዩ ዘምጽእ። ድሮ ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህና ዘሎና ሰባት እንተ​ድኣ ዄንና: ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ንዓና ንምሕጋዝ ኢሉ ዝገበሮ ምድላዋት ገዛእ ርእስና ኸም እትጥቀም ብምግባር በቲ ሒዝናዮ ዘሎና መገዲ ንቐጽል። ኣብ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ወዲቕና እንተ​ድኣ ዄንና ድማ የሆዋ ነቶም ብሓቂ ዝናስሑ ሰባት ንምምሓር ድሉው ምዃኑ ብምፍላጥና ንጸናናዕ: ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ነቲ ሓጢኣት ንኸይንደግሞ ሃየ ቈራጽነት ንውሰድ።​—⁠ኢሳይያስ 55:⁠7

21. ኣየናይ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝሃቦ ማዕዳ ኣብ ግብሪ ምውዓል ኢዩ ብስነ⁠-​ምግባር ንጹሃት ንኽንከውን ክሕግዘና ዝኽእል፧

21 ድሕሪ ቝሩብ ግዜ እዛ ሓጥእ ዓለም እዚኣ ምስ ኵሉ እቲ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ኣረኣእያኣን ተግባራታን ክትሓልፍ ኢያ። ንሕና ግን ስነ⁠-​ምግባራዊ ጽፈት ብምዕቃብ ሕጅን ንሓዋሩን ክንረብሕ ኢና። ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣቱም ፍቁራተይ: ነዚ እናተጸቤኹምሲ: ብዘይ​ ነውርን ብዘይ​ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ። . . . ነዚ ቕድም እናፈለጥኩምሲ: [ብ]ስሕተት እቶም ስዲ ዚኸዱ ዘለዉ ተስሒብኩም ካብ ጽንዓት ርእስኹም ከይትወድቁ ተሐለዉ።”​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠14, 17

ምገለጽካዮዶ፧

• ብስነ⁠-​ምግባር ንጹህ ንምዃን ከቢድ ክኸውን ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

• በቲ ልዑል ስነ⁠-​ምግባራዊ መዐቀኒታት ክንስዕብ ዝወሰድናዮ ስጕምትታት ጸኒዕና ከም እንቕጽል ክገብረና ዝኽእል ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧

• ካብቲ ሰሎሞን ጠቒስዎ ዘሎ ጐበዝ ዝፈጸሞ ሓጢኣት እንታይ ትምህርቲ ኢና ክንቀስም እንኽእል፧

• ንነስሓ ብዝምልከት እቲ ዳዊት ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ኢዩ ዝምህረና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ብስነ⁠-​ምግባር ዝመጸ ዘሎና ኣቕዋም ካልኦት ከም ዝፈልጡ ምግባር ዕቝባ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ብቕንዕና ስለ እተናስሐ የሆዋ ምሒርዎ ኢዩ