ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ነቕ ዘይትብል እምነት’!

‘ነቕ ዘይትብል እምነት’!

ታሪኽ ህይወት

‘ነቕ ዘይትብል እምነት’!

ሀርበርት ሙለር ዘዘንተዎ

ሰራዊት ሂትለር ንኔዘርላንድ ምስ ወረራ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ: ኣብኡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣገዱ። ነዊሕ ከይጸንሐ: ስመይ ኣብ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ብናዚ ብደቂቕ ዝድለዩ ሰባት ወጸ: ከም እንስሳ ኸኣ ክሃድኑኒ ጀመሩ።

 ሓደ እዋን ዓሰርተ ሳዕ ምሕባእን ምህዳምን ስለ ዝሰልከየኒ: ንበዓልቲ ቤተይ በቲ ሰራዊት እንተ ተተሓዝኩ እፎይታ ክኸውን ከም ዝኽእል ነገርክዋ። ሽዑ ነተን “ካብ ዝዀነ ይኹን ጸላኢ ጸቕጢ እኳ እንተ ወረደ: ነቕ ዘይትብል . . . እምነት” ዝብላ ናይ ሓንቲ መዝሙር ቃላት ዘከርኩ። a ብዛዕባ እዛ መዝሙር እዚኣ ምስትንታነይ ንሓይለይ ኣሐደሶ: ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ወለደይን ፈተውተይን ንመፋነዊ ኢሎም ነዛ መዝሙር እዚኣ ክዝምሩ ኸለዉ ተዘከረኒ። ገለ ካብዚ ተዘክሮታትዶ ከካፍለኩም፧

ናይ ወለደይ ኣብነት

ብ1913 ኣብ ሓንቲ ኮፒትስ እትበሃል ኣብ ጀርመን እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ክውለድ ከለኹ: ወለደይ ኣባላት ወንጌላዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ነበሩ። b ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ማለት ብ1920 ኣቦይ ነታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ሓደጋ። ብ6 ሚያዝያ ኪርቸናውስትሪትስበሺኒጉንግ (ኣባል እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ምዃን ከም ዘቋረጸ ዝሕብር ሰነድ) ክዋሃቦ ሓተተ። እቲ ናይታ ኸተማ ተሓዚ መዝገብ ነቲ ዝሓተቶ ሰነድ መሊኡ ሃቦ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን ግን ኣቦይ እቲ ሰነድ ንስም ጓሉ ስለ ዘየጠቓልል ናብቲ ቤት ጽሕፈት ተመልሰ። እቲ ተሓዝ መዝገብ: ማርታ ማርጋሬታ ሙለር እውን ኣባል ናይቲ ቤተ⁠-​ክርስትያን ከም ዘይኰነት ዝገልጽ ካልእ ሰነድ ሃቦ። ኣብቲ ግዜ እቲ ማርጋሬታ ሓብተይ ጓል ሓደ ዓመትን መንፈቕን ነበረት። ኣቦይ ንየሆዋ ብምግልጋል ዝመጸ ብጐደሎ ነገራት ኣይዓግብን ነበረ!

ኣብታ ዓመት እቲኣ ወለደይ በቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝፍለጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተጠመቑ። ኣቦይ ትርር ብዝበለ መገዲ እኳ እንተ ኣዕበየና ንየሆዋ ተኣማንነት ስለ ዝነበሮ ግን መምርሒኡ ንምቕባል ኣይከብደናን ነበረ። ወለደይ ንየሆዋ እሙናት ብምንባሮም ምትዕርራይ ንኽገብሩ እውን ደሪኽዎም ኢዩ። ንኣብነት: ሰንበት ደገ ወጺእና ክንጻወት ዘይፍቀደልና እዋን ነይሩ ኢዩ። ብ1925 ሓንቲ ሰንበት ግን ወለድና ብእግርና ክንዛወር ምዃንና ነገሩና። ገለ ጥዓሞት ተማላእና: ባህ ዘብል እዋን ድማ ኣሕለፍና፣ እዝስ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቤት ተዳጒንካ ምስ ምውዓል ክነጻጸር ከሎ ኣየ ከመይ ዝበለ ለውጢ ኰን ኢዩ ነይሩ! ኣቦይ ኣብቲ ኣቐድም ኣቢሉ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ብዛዕባ ኣብ ሰንበት ዝግበር ንጥፈታት ዝነበሮ ኣረኣእያ ዘዐረየሉ ገለ ነጥብታት ከም እተማህረ ሓበረና። ኣብ ካልእ ግዜያት እውን ተመሳሳሊ ምትዕርራያት ንምግባር ፍቓደኛ ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ።

ወለደይ ጥዕና እኳ እንተ ዘይነበሮም: ካብ ምስባኽ ግን ድሕር ኣይበሉን። ንኣብነት: ነታ ኤክለስያስቲክስ ኢንዳይትድ እትበሃል ትራክት (እንግሊዝኛ) ንምዕዳል ምስ ጉባኤና ሓደ ምሸት ብባቡር ናብታ ካብ ድረዝደን 300 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ረገንዝበርግ ተጓዓዝና። ንጽብሒቱ: ኣብ ምልእቲ እታ ከተማ ነቲ ትራክትታት ዓዲልና ምስ ወዳእና ብባቡር ተመለስና። ካብ ቤትና ወጺእና ክሳዕ እንምለስ ዳርጋ 24 ሰዓታት ሓሊፉ ነበረ።

ካብ ስድራ​ቤት ምፍላይ

እቲ ኣብ ጉባኤና ምስ ዩገንትግሩፕ (ጕጅለ መንእሰያት) ዝነበረኒ ሕብረት ብመንፈስ ንኽዓቢ ሓጊዙኒ ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ካብ 14 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሜና መንእሰያት ኣብታ ጉባኤ ምስ ዝርከቡ ገለ ዓበይቲ ኣሕዋት ንተኣኻኸብ ነበርና። ብሓባር ንጻወት: ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ንወቅዕ: መጽሓፍ ቅዱስ ነጽንዕ: ከምኡውን ብዛዕባ ፍጥረትን ስነ⁠-​ፍልጠትን ንዘራረብ ነበርና። ይኹን እምበር: ብ1932 ወዲ 19 ዓመት ከለኹ ምስታ ጕጅለ ዝነበረኒ ርክብ ተቛረጸ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይታ ዓመት እቲኣ ኣቦይ ካብቲ ኣብ ማግደበርግ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ደብዳበ መጾ። ማሕበር ማኪና ክዝውር ዝኽእልን ፓይነር ክኸውን ዝደልን ሰብ ትደሊ ነበረት። ወለደይ ፓይነር ክኸውን ከም ዝደልዩኒ እፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ: ዝኽእል ኰይኑ ግን ኣይስምዓንን ነበረ። ወለደይ ድኻታት ስለ ዝነበሩ ወዲ 14 ዓመት ከለኹ ብሽክለታታት: ናይ ስፌት ማኪና: ናይ ጽሕፈት ማኪና: ከምኡውን ካልእ ናይ ቤት ጽሕፈት ኣቕሑ ምዕራይ ጀሚረ ነበርኩ። ከመይ ገይረ ካብ ስድራ​ቤተይ ተፈልየ ክኸይድ እኽእል፧ ሓገዘይ የድልዮም ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ገና ኣይተጠመቕኩን ነይረ። ኣቦይ ኮፍ ኣቢሉ ጥምቀት እንታይ ከም ዘጠቓልል ተረዲአ እንተ ዀይነ ገለ ሕቶታት ሓተተኒ። ካብ መልሰይ ንኽጥመቕ እኹል መንፈሳዊ ዕቤት ከም ዝገበርኩ ምስ ተረድአ “ነዚ መዝነት እዚ ገዛእ ርእስኻ ከተቕርብ ኣሎካ” በለኒ። ኣነ ኸኣ ከምኡ ገበርኩ።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን ናብ ማግደበርግ ክኸይድ ጻውዒት ቀረበለይ። ነቶም ኣብታ ጕጅለ ዝነበሩ ኣዕሩኽተይ ምስ ነገርክዎም: ዘሐጕስ መዝሙር ብምዝማር ከፋንዉኒ ደለዩ። በታ ዝመረጽክዋ መዝሙር ግን ተገሪሞም ኢዮም: ከመይሲ ቁም ነገር ዝበዝሓ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዋ ነይሮም። ገሊኣቶም ቫዮሊናት: ማንዶሊኖታት: ከምኡውን ጊታራት እናወቕዑ ብሓባር ከምዚ ኢልና ዘመርና:- “ካብ ዝዀነ ይኹን ጸላኢ ጸቕጢ እኳ እንተ ወረደ: ነቕ ዘይትብል፣ ኣብ ገምገም ምድራዊ ጸበባ እኳ ዘይትናወጽ እምነት።” እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብቲ ዝመጽእ ዝነበረ ዓመታት ክሳዕ ክንደይ ከም ዘበርትዓኒ ሽዑ ኣይተረድኣንን ነይሩ።

ህውከት ዝመልኦ ምጅማር

እቶም ኣብ ማግደበርግ ዝነበሩ ኣሕዋት ማኪና ናይ ምምራሕ ክእለተይ ምስ ፈተኑኒ: ንዓይን ንኻልኦት ኣርባዕተ ፓይነራትን ማኪና ሃቡና እሞ ናብ ሽናይፈል ዝበሃል ኣብ ጥቓ ቤልጅም ዝርከብ ዞባ ከድና። ነዊሕ ከይጸናሕና ማኪናና ኣዝያ እተድልየና ንብረት ምዃና ተረዳእና። ኣብቲ ቦታ ዝነበረት ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ናብኡ ምምጻእና ኣቘጥዓ: እቶም ተቐማጦ እቲ ኣቝሻት ከኣ በቶም ኣቕሽሽቲ እናተሓበሉ ክሰጕና ተዳልዮም ይጸንሑ ነበሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ጭዃሮታትን መስአታትን ሒዞም ክሰጕና ከለዉ በታ ማኪና ገይርና ንሃድም ነበርና።

ድሕሪ እቲ ብ1933 እተገብረ በዓል ዝኽሪ እቲ ናይቲ ዞባ ተዓዛቢ ዝነበረ ፖል ግሮስማን ማሕበር ኣብ ጀርመን እትዓዮ ዕዮ ከም እተኣገደ ነገረና። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ነታ ማኪና ሒዘ ናብ ማግደበርግ ክምለስ እሞ ካብኡ ጽሑፋት ወሲደ ናብታ 100 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ርሒቓ እትርከብ ግዝኣት ሳክሶኒ ከግዕዝ ተነግረኒ። ኣብ ማግደበርግ ኣብ ዝበጻሕኩሉ ግዜ ግን ጌስታፖ (ናይ ናዚ ሚስጥራዊ ፖሊስ) ድሮ ነቲ ናይ ማሕበር ቤት ጽሕፈት ዓሺጎሞ ነበሩ። ነታ ማኪና ኣብ ላይፕሲግ ምስ ዝርከብ ሓው ገዲፈ ናብ ስድራ​ቤተይ ተመለስኩ: እንተ​ዀነ ግን ምስኦም ነዊሕ ኣይጸናሕኩን።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ናይ ማሕበር ቤት ጽሕፈት ኣብ ኔዘርላንድ ፓይነር ኰይነ ከገልግል ጻውዒት ገበረለይ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ሰሙን ክኸይድ መደብኩ። ኣቦይ ግን ብኡንብኡ ክኸይድ መኸረኒ። ምኽሩ ሰሚዐ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ነቐልኩ። ንጽብሒቱ ከዲዕካ ብዝብል ክሲ ፖሊስ ክኣስሩኒ ገዛና መጹ። እንተ​ዀነ ግን ኣነ ኣይጸናሕክዎምን።

ኣብ ኔዘርላንድ ኣገልግሎት ምጅማር

ብ15 ነሓሰ 1933 ኣብታ ካብ ኣምስተርዳም 25 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኣብ ሃይምስተይድ ዝነበረት ናይ ፓይነራት መንበሪ በጻሕኩ። ዋላ ሓንቲ ቋንቋ ዳች እኳ ዘይፈልጥ እንተ ነበርኩ: ንጽባሒቱ ክሰብኽ ከድኩ። በቲ ስብከት ዝሓዘ ንምስክርነት ዘገልግል ካርድ ገይረ ከገልግል ጀመርኩ። ሓንቲ ኣማኒት ካቶሊክ ዝዀነት ሰበይቲ ነታ ሪኮንሲሌሽን ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ምስ ወሰደት ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየ ተተባቢዐ! ኣብታ መዓልቲ እቲኣ 27 ንኣሽቱ መጻሕፍቲ እውን ኣበርኪተ ኢየ። ነታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ክዛዝማ ከለኹ እንደገና ብሓርነት ክሰብኽ ብምኽኣለይ ተሓጐስኩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ፓይነራት ጽሑፋት ብምዕዳል ዝረኽብዎ ወፈያ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ምንጪ እቶት ኣይነበሮምን። ነቲ ገንዘብ መግብን ካልእ ዘድሊ ነገራትን ንምግዛእ ንጥቀመሉ ነበርና። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ገለ ገንዘብ እንተ ተሪፉ ንብሕታዊ ወጻኢታት ምእንቲ ክሽፍነልና እቶም ፓይነራት ንማቐሎ ነበርና። ብዙሕ ገንዘብ እኳ እንተ ዘይነበረና: የሆዋ ግን ዘድልየና ዅሉ የማልኣልና ስለ ዝነበረ ብ1934 ኣብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ክካፈል ከኣልኩ።

እምንቲ ብጸይቲ

ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ነታ ሽዑ ጓል 18 ዓመት ዝነበረት ኤሪካ ፊንከ ረኸብኩዋ። ምስ ስድራይ ከለኹ እፈልጣ ነይረ ኢየ። መሓዛ ማርጋሬታ ሓብተይ ኢያ ነይራ: በቲ ኤሪካ ኣብ ሓቂ ዝነበራ ጽኑዕ ኣቕዋም ድማ ኵሉ ሳዕ እምሰጥ ነበርኩ። ኤሪካ ብ1932 ምስ ተጠምቀት ነዊሕ ከይጸንሐት: ሓደ ሰብ “ሀይል ሂትለር!” ምባል ኣብያ ኢሉ ንጌስታፖ ነገረላ። እቲ ጌስታፖ ደድሕሪኣ ከደ እሞ ንምንታይ ከም ዝኣበየት ሓተታ። ኤሪካ ነቲ ኣብ መደበር ፖሊስ ዝጸንሓ በዓል ስልጣን ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠3 ኣንበበትሉ እሞ ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ከም መድሓኒ ገይሩ ከም ዝሸሞ ገለጸትሉ። እቲ በዓል ስልጣን “ከምዚ ናትኪ ዓይነት እምነት ዘለዎም ካልኦት ኣለዉዶ፧” ኢሉ ሓተታ። ኤሪካ ግን ናይ ዝዀነ ይኹን ስም ክትነግሮ ፍቓደኛ ኣይነበረትን። እቲ ፖሊስ ክኣስራ ከም ዝኽእል ምስ ኣፈራርሃ: ኤሪካ ናይ ካልኦት ኣስማት ካብ ምንጋር ሙማት ከም ዝሕሻ ኣፍለጠቶ። ኣፍጢጡ እናጠመተ “ውጺ። ኪዲ ገዛኺ። ሀይል ሂትለር!” ኢሉ ጨደረ።

ድሕሪ እቲ ዓቢ ኣኼባ ናብ ኔዘርላንድ ተመለስኩ: ኤሪካ ግን ኣብ ስዊዘርላንድ ተረፈት። ክልቴና ግን ምቅርራብና ይዓቢ ከም ዝነበረ ተሰምዓና። ኤሪካ ኣብ ስዊዘርላንድ ከላ ኣብ ዓዳ ጌስታፖ ክኣስርዋ ይደልዩዋ ከም ዘለዉ ሰምዐት። ስለዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ፓይነር ኰይና ከተገልግል ወሰነት። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ማሕበር ናብ ስጳኛ ክትከይድ ሓተተታ። ኣብ ማድሪድ: ቀጺላ ኣብ ቢልባኦ: ድሕሪኡ ኸኣ ኣብታ ኣቕሽሽቲ ብዘለዓዓልዎ መስጐጕቲ ንሳን እታ ፓይነር ዝነበረት ብጸይታን እተኣስራላ ሳን ሰባስቲያን ፓይነር ኰይና ኣገልጊላ ኢያ። ብ1935 ክልቲአን ካብ ስጳኛ ክወጻ ተኣዘዛ። ኤሪካ ናብ ኔዘርላንድ መጸት: ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ ተመርዓና።

ውግእ ኣንጸላልዩ ነበረ

ድሕሪ መርዓና ኣብ ሃይምስተይድ ፓይነር ኴንና ነገልግል ነበርና: ድሓር ናብ ሮተርዳም ገዓዝና። ኣብኡ ብ1937 ቮልፍጋንግ ወድና ተወልደ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብታ ኣብ ሰሜን ኔዘርላንድ እትርከብ ከተማ ግሮኒንገን ገዓዝና፣ ኣብኡ ኸኣ ምስ ፈርዲናንት ሆልቶርፍን ሄልጋ ሆልቶርፍን ዝባሃሉ ጀርመናውያን ፓይነራትን ጓሎምን ሓቢርና ንነብር ነበርና። ኣብ ሓምለ 1938 እቶም ናይ ጀርመን ዜግነት ዘለዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሰብኩ ከም ዘይብሎም ዝገልጽ መጠንቀቕታ ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ከም ዝመጻ ማሕበር ነገረትና። ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ዞን ኣገልጋሊ (ናይ ወረዳ ተዓዛቢ) ኰይነ ከገልግል ተመዘዝኩ: ስድራ​ቤተይ ከኣ ናብታ ሊችትደራቸር (ጸዋሪት ብርሃን) እትበሃል ናይቶም ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ኔዘርላንድ ዘገልግሉ ፓይነራት መንበሪ ኰይና እተገልግል ዝነበረት ናይ ማሕበር ጃልባ ገዓዘት። መብዛሕትኡ እዋን ካብ ስድራ​ቤተይ ተፈልየ ካብ ሓንቲ ጉባኤ ናብ ካልእ ብብሽክለታ እናኸድኩ ኣሕዋት ስብከቶም ንኽቕጽሉ አተባብዕ ነበርኩ። እቶም ኣሕዋት ከኣ ስብከቶም ኣየቋረጹን። አረ ገሊኣቶምሲ ኣብ ንጥፈታቶም ወሰኽ ገይሮም ኢዮም። ቪም ከተላሪያ ጽቡቕ ኣብነት ናይዚ ኢዩ።

ምስ ቪም ክራኸብ ከለኹ ሓቂ ፈሊጡ እኳ እንተ ነበረ: ብሕርሻ ግን ትሑዝ ዝዀነ መንእሰይ ኢዩ ነይሩ። “ንየሆዋ ንምግልጋል ግዜ እንተ​ድኣ ደሊኻ ካልእ ስራሕ ክትረክብ ኣሎካ” ኢለ መኸርክዎ። ከምቲ ዝበልክዎ ገበረ። ድሕሪ ገለ ግዜ ምስ ተራኸብና ፓይነር ኰይኑ ከገልግል ኣተባባዕክዎ። “ንኽበልዕ ግን ክዓዪ ኣሎኒ” ኢሉ መለሰለይ። “እትበልዖ ኣይትስእንን ኢኻ። የሆዋ ክሓልየልካ ኢዩ” ኢለ ኣረጋገጽኩሉ። ቪም ፓይነር ኰይኑ ከገልግል ጀመረ። ደሓር ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እውን ከይተረፈ ገያሺ ተዓዛቢ ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ። ሎሚ ኣብ 80ታት ዓመት ዕድሜኡ እኳ እንተሎ ቀናእ ናይ የሆዋ ምስክር ኢዩ። የሆዋ ብርግጽ ተኸናኺንዎ ኢዩ።

ኣብ ትሕቲ እገዳን ዝህደንን

እታ ረይና እትበሃል ካልኣይቲ ውላድና ምስ ተወልደት ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ ማለት ኣብ ግንቦት 1940 ሰራዊት ኔዘርላንድ ኢዱ ሃበ: ናዚ ኸኣ ንኔዘርላንድ ተቘጻጸራ። ኣብ ሓምለ ጌስታፖ ነቲ ናይ ማሕበር ቤት ጽሕፈትን ቤት ማሕተምን ሃገሮ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብብዝሒ ተኣስሩ: ኣነ ኸኣ ተታሓዝኩ። ናይ የሆዋ ምስክርን ኣብ ክሊ ዕድመ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘሎ ጀርመናውን ስለ ዝነበርኩ: ጌስታፖ እንታይ ከም ዝገብሩኒ ምግማት ኣየሸግርን ኢዩ። ንስድራ​ቤተይ ደጊም ኣይክርእዮምን ኢየ ኢለ ንርእሰይ ከእምና ፈተንኩ።

ድሕርዚ ኣብ ግንቦት 1941 እቶም ጌስታፖ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽኡኒ እሞ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ከይደ ክምዝገብ ኣዘዙኒ። በቲ ዘጋጠመ ኵነታት ኣዝዩ ደንጸወኒ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ጠፋእክዎም: ኣብታ ወርሒ እቲኣ ኸኣ እንደገና ገያሺ ተዓዛቢ ኰይነ ከገልግል ጀመርኩ። እቶም ጌስታፖ ኣብ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ብደቂቕ ዝድለዩ ሰባት ኣእተዉኒ።

ስድራ​ቤተይ ብኸመይ ከም እተዋጽእሉ

በዓልቲ ቤተይን ደቀይን ናብ ሓንቲ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ናይታ ሃገር እትርከብ ፎርደን እትበሃል ቍሸት ገዓዙ። ኣብ ሓደጋ ምእንቲ ከይኣትዉ ግን ናብ ስድራ​ቤተይ ዝገብሮ ምብጻሕ ኣጸቢቐ ክቕንሶ ነበረኒ። (ማቴዎስ 10:⁠16) እቶም ኣሕዋት ንድሕንነተይ ክብሉ እታ ዳይትሰ ያን (ብጀርመን ዮሃንስ) እትብል ናይ ብርዒ ስመይ እንተ ዘይኰይኑ ናይ ሓቂ ስመይ ኣይጥቀሙን ነበሩ። እቲ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ዝነበረ ቮልፍጋንግ ወደይ እውን ከይተረፈ “ኣቦይ” ኢሉ ክዛረብ ኣይፍቀደሉን ነበረ: ኣብ ክንድኡ “ኦመ ያን” (ኣያይ ዮሃንስ) ኢሉ ኢዩ ዝጽውዓኒ ነይሩ። እዚ ንዕኡ ብስምዒታዊ መገዲ ኣዝዩ ይኸብዶ ነበረ።

እሕባእ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ኤሪካ ነቶም ቈልዑ ትኣልዮምን ስርዓታዊት ኰይና ትሰብኽን ነበረት። ረይና ጓል ክልተ ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን: ኤሪካ ኣብ መጽዓኒ ኣቝሑ ናይ ብሽክለታ ኣጓራቢታታ ናብተን ገጠራት ከይዳ ትሰብኽ ነበረት። መግቢ ብቐሊሉ ዘይርከብ እኳ እንተ ነበረ: ኤሪካ ግን ነታ ስድራ​ቤት ዝኸውን መግቢ ኣብ ምርካብ ብዙሕ ኣይተሸገረትን። (ማቴዎስ 6:⁠33) ሓደ እዋን ናይ ስፌት ማኪና ዝጸገንኩሉ ሓደ ካቶሊክ ሓረስታይ ድንሽ ሃባ። ካባይ እውን መልእኽቲ የብጽሓላ ነበረ። ሓደ ግዜ ካብ ፋርማሲ ገለ ነገር ንምዕዳግ ሓደ ጋልደን ከፈለት። እቲ ወናኒ ናይቲ ፋርማሲ ተሓቢኣ ከም እትነብርን ናይ መግቢ ኩፖን ከም ዘይብላን ስለ ዝፈለጠ: ነቲ ዝደለየቶ ኣቕሓን ክልተ ጋልደንን ሃባ። ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ርህራሀ ናብራኣ ንኽትቅጽል ሓገዛ።​—⁠እብራውያን 13:⁠5

ምስ ተባዓት ኣሕዋት ብሓባር ምዕያይ

ኣብቲ እዋን እቲ ዋላ እኳ ምስቶም ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ጥራይ እራኸብ እንተ ነበርኩ: ንጉባኤታት ምብጻሕ ግን ኣየቋረጽኩን። ጌስታፖ ኵሉ ሳዕ ይከታተሉኒ ስለ ዝነበሩ: ኣብ ሓደ ቦታ ብዙሕ ሰዓታት ክጸንሕ ኣይክእልን ኢየ ነይረ። መብዛሕትኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ክረኽቡኒ ኣይፍቀደሎምን ነበረ። ምስ ኣባላት ናይታ ብሓባር ኰይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዑላ ንእሽቶ ጕጅለኦም ጥራይ ኢዮም ዝፋለጡ ነይሮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ክልተ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ናይ ሓንቲ ከተማ ዝነብራ ብስጋ ኣሓት: ኣብ ግዜ እቲ ውግእ ክልቲአን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝነበራ ክፈልጣ ዝኸኣላ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኢዩ።

ንናይ ማሕበር ጽሑፋት ዝኸውን መሕብኢ ቦታታት ምርካብ ካልእ ስርሐይ ነበረ። ግምቢ ዘብዐኛ ንምቕዳሕ ዝኸውን ወረቓቕቲ: ናይ እስቴንስል ኣቝሑ: ከምኡውን ናይ ጽሕፈት ማካይን ምናልባት እንተ ኣድለየና ኢልና ንሓብእ ነበርና። ሓድሓደ ግዜ እቲ ብማሕበር እተሓትመ መጻሕፍቲ ካብ ሓደ መሕብኢ ቦታ ናብ ካልእ ከነግዕዞ ነበረና። ሓደ እዋን ማንም ንኸይጥርጥረና ተጠንቂቕና 30 ጽሑፋት ዝመልአ ካርቶናት ከነግዕዝ ይዝከረኒ። እዚ እውን ሓደገኛ ስራሕ ነበረ!

ኣብ ርእሲ እዚ: ክልኩል እኳ እንተ ነበረ: ካብቲ ኣብ ምብራቓዊ ኔዘርላንድ ዝነበረ ሕርሻታት ናብተን ኣብ ምዕራብ ዝነበራ ከተማታት መግቢ ኣብ ምጕዕዓዝ ነመሓድር ነበርና። ነቲ መግቢ ኣብ ካሮሳ ንጽዕኖ እሞ ናብ ምዕራብ ገጽና ንጓዓዝ። ኣብ ፈለግ ምስ በጻሕና እቲ ድንድላት ወተሃደራት ስለ ዝነበርዎ ብእኡ ክንሰግር ኣይከኣልን ነበረ። ኣብ ክንድኡ ነቲ ጽዕነት ናብ ንኣሽቱ ጀላቡ ጽዒንና ነስግሮ: ድሕሪኡ ኣብ ካልእ ካሮሳ ጽዒንና ንወስዶ። ኣብታ ዝደለናያ ከተማ ምስ በጻሕና ክሳዕ ዝጽልምት ንጽበ እሞ ኣብ ሸኾና ናይቲ ፈረስ ካልሲ ኣእቲና ናብቲ ናይ ጉባኤ መግቢ ዝኽዘነሉ ምስጢራዊ ቦታ ሰላሕ ኢልና ንኸይድ። ካብኡ እቲ መግቢ ነቶም ድኻታት ኣሕዋት ይከፋፈል።

ሰራዊት ጀርመን ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ መግቢ መኽዘን እንተ ዝረኽብዎ ነይሮም: ምናልባት ናይ ሰብ ህይወት ምተኸፍሎ። እንተ​ዀነ ግን: ሓያሎ ኣሕዋት ብፍቓዶም ይሕግዙና ነበሩ። ንኣብነት: እቶም ኣብ ከተማ ኣመርዝፎርት ዝነበሩ ስድራ​ቤት በሉሚንክ ቤቶም ጥቓ መሐለዊ ቦታ ሰራዊት ጀርመን እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ሳሎኖም መኸዘኒ መግቢ ክኸውን ፈቐዱልና! ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ተባዓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ክንዲ ኣሕዋቶም ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዮምዋ ኢዮም።

የሆዋ ኣብቲ እገዳ ዝነበረሉ ዓመታት ንዓይን ንበዓልቲ ቤተይን እሙናት ኴንና ንኽንቅጽል ሓጊዙና ኢዩ። ኣብ ግንቦት 1945 ሰራዊት ጀርመን ተሳዕረ: ካብ ተሓቢእካ ምንባር ድማ ተገላገልኩ። ማሕበር ካልኦት ኣሕዋት ክሳዕ ዝርከቡ ገያሺ ተዓዛቢ ኰይነ ከገልግል ሓተተትኒ። ብ1947 በርቱስ ፋን ደር በይል ተክኣኒ። c ኣብቲ ግዜ እቲ ሳልሳይ ውላድ ወሊድና ነበርና: ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ናይታ ሃገር ድማ ተቐመጥና።

ጓህን ሓጐስን

ኣነ ካብ ስድራይ ተፈልየ ናብ ኔዘርላንድ ምስ ከድኩ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቦይ ከም እተኣስረ እቲ ውግእ ምስ ተወድአ ፈለጥኩ። ጥዕና ስለ ዘይነበሮ ክልተ ሳዕ ተፈትሐ: እንተ​ዀነ ግን ክልቲኡ ግዜ እንደገና ተኣስረ። ኣብ ለካቲት 1938 ናብቲ ኣብ ቡከንዋልድ: ጸኒሑ ኸኣ ናብቲ ኣብ ዳካው ዝነበረ መዳጎኒ ደምበ ተላእከ። ኣብኡ ብ14 ግንቦት 1942 ሞተ። ክሳዕ መወዳእታ ጽኑዕን እሙንን ነበረ።

ኣደይ እውን ኣብ መዳጎኒ ደምበ ዳካው ተዳጒና ነበረት። ብ1945 ሓራ ክሳዕ እትወጽእ ኣብኡ ነበረት። እቲ ወለደይ ዘርኣይዎ ጽንዓት ነቲ ዝረኸብክዎ መንፈሳዊ በረኸት ብዙሕ ኣበርክቶ ስለ ዝገበረ: ኣደይ ምሳና ንኽትነብር ብ1954 ምምጻኣ ንዓይ ፍሉይ መሰል ኢዩ ነይሩ። እታ ካብ 1945 ኣትሒዛ ኣብታ ኮሙኒስት ምብራቕ ጀርመን ፓይነር ኰይና እተገልግል ዝነበረት ማርጋሬታ ሓብተይ እውን መጸት። ኣደይ ሕምምትን ቋንቋ ዳች ዘይትኽእልን እኳ እንተ ነበረት: ኣብ ጥቅምቲ 1957 ምድራዊ ህይወታ ክሳዕ እትውድእ ብተኣማንነት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ካብ ምክፋል ኣየቋረጸትን።

እቲ ብ1955 ኣብ ኑረምበርግ: ጀርመን እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ንዓና ፍሉይ ኢዩ ነይሩ። ኣብኡ ምስ በጻሕና: ካብ ድረዝደን ዝመጹ ኣሕዋት ንኤሪካ: ኣዲኣ ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ከም ዘላ ነገርዋ። ድረዝደን ኣብ ትሕቲ ምብራቕ ጀርመን ትመሓደር ስለ ዝነበረት: ኤሪካ ምስ ኣዲኣ ካብ ዝረኣኣያ 21 ዓመታት ገይረን ነበራ። ከም ዝራኸባ ተገብረ እሞ: ኣደን ጓልን ተሓቛቘፋ። ኣየ ከመይ ዝበለ ባህ ዘብል ምትእኽኻብ ኰን ኢዩ ነይሩ!

ድሕሪ ግዜ ስድራ​ቤትና ሸሞንተ ቈልዑ ዘለዋ ኰነት። እቲ ዘሕዝን ግን: ሓደ ወድና ብሓደጋ ማኪና ሞተ። ይኹን እምበር: ኵሎም እቶም ዝተረፉ ደቅና ንየሆዋ ከገልግሉ ምርኣይና ምንጪ ዓሚቝ ሓጐስ ኰነና። ወድና ቮልፍጋንግ ምስ በዓልቲ ቤቱ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኰይኑ ብምግልጋሉ የሐጕሰና ኢዩ: ወዶም እውን ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

ዕዮ የሆዋ ኣብ ኔዘርላንድ ክዓቢ ከሎ ምርኣየይ የሐጕሰኒ ኢዩ። ብ1933 ኣብዚ ፓይነር ኰይነ ከገልግል ክጅምር ከለኹ ሓደ ሚእቲ ኣቢልና እንኸውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበርና። ሎሚ: ልዕሊ 30,000 ኣስፋሕቲ ኣለዉ። ጉልበትና እናደኸመ እኳ እንተ ኸደ: ኣነን ኤሪካን ምስተን “ነቕ ዘይትብል . . . እምነት” ዝብላ ቃላት ናይታ ናይ ቀደም መዝሙር ተሰማሚዕና ክንከይድ ቈሪጽና ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a መዝሙር 194​—⁠ሶንግስ ኦቭ ፕረይዝ ቱ ጂሆቫ (1928) (እንግሊዝኛ)

b ሕጂ ፒርና ተባሂላ እትፍለጥ ከተማ ኮፒትስ: ካብ ከተማ ድረዝደን 18 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኢልበ ኢያ እትርከብ።

c ናይ ሓው ፋን ደር በይል ታሪኽ ህይወት እንተ​ድኣ ደሊኻ ኣብ ናይ 1 ጥሪ 1998 ግምቢ ዘብዐኛ “ካብ ሓቂ ዝበልጽ ዋላ ሓንቲ የለን!” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ርአ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

እቶም “ዩገንትግሩፕ ” ካብ ግራት ኣገልግሎት ተመሊስና ከነዕርፍ ከሎና

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣነን እቲ መገላግልተይ ዝነበረ ፓይነርን ኣብ ሽናይፈል ንኸነገልግል እተዋህበና ዞባ ሸፍንና። ሽዑ ወዲ 20 ዓመት ነበርኩ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብ1940 ምስ ኤሪካን ቮልፍጋንግን

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ጸጋም ናብ የማን:- ዮናታን ወዲ ወደይን ሚርያም ሰበይቱን: ኤሪካ: ኣነ: ቮልፍጋንግ ወደይን ዩልያ ሰበይቱን

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ምስ ኣቦይ ተኣሲሩ ዝነበረ ሓው ነዛ ስእሊ ናይ ኣቦይ ብ1941 ሰኣላ