ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ-ምግባር እቲ ዝበለጸ ድዩ፧

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ-ምግባር እቲ ዝበለጸ ድዩ፧

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ⁠-​ምግባር እቲ ዝበለጸ ድዩ፧

 “ሓደ ሕብረተሰብ ንኣባላቱ ዝኸውን ድሕንነትን መምርሕን ዝርከበሉ መሰረታዊ ስርዓታት ዝሓዘ ቅዋም የድልዮ።” ነዚ ሓሳብ እዚ ዝሃበ ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ጀርመናዊ ጸሓፋይን ኣሰናዳኢ መደብ ተለቪዥንን ኢዩ። እዚ ብርግጽ ቅቡል ሓሳብ ኢዩ። ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ርግኣትን ብልጽግናን ዝመልኦ ምእንቲ ክኸውን: ሰባት ቅኑዕ ካብ ጌጋ ወይ ድማ ጽቡቕ ካብ ሕማቕ ዝፈልይሉ መሰረቱ ዝደልደለን ሓፈሻዊ ተቐባልነት ዘለዎን መዐቀኒታት ክህልዎም ይግባእ። እቲ ሕቶ ግን ‘ንሓደ ሕብረተ​ሰብን ኣባላቱን ዝኸውን ብሉጽ መዐቀኒታት ኣየናይ ኢዩ፧’ ዝብል ኢዩ።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዋሂቡ ዘሎ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ተቐባልነት እንተ​ድኣ ረኺቡ: ንውልቀ⁠-​ሰባት ርጉእን ሕጉስን ህይወት ከም ዝህልዎም ክገብር ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እቲ በቶም ነዚ ስርዓታት እዚ ዝሕልዉ ሰባት ዝቐውም ሕብረተሰብ ሕጉስን ዝያዳ ርጉእን ይኸውን። ኣይኰነን ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክልተ ኣገደስቲ ጕዳያት እንታይ ከም ዝብል እስከ ንመርምር: እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓዳር ክህሉ ዘለዎ ተኣማንነትን ኣብ መዓልታዊ ናብራ ህይወት ሓቀኛ ብዛዕባ ምዃንን ኢዩ።

ምስ ናይ ሓዳር ብጻይኩም ጥበቑ

ፈጣሪና ንኣዳም ምስ ፈጠሮ ንሄዋን እውን መጻምድቱ ኽትከውን ኣዳለዋ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ጥምረት ከኣ ኣብ ታሪኽ እቲ ናይ መጀመርታ ሓዳር ኰነ: እዚ ኸኣ ነባሪ ዝምድና ክኸውን ነበሮ። “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ” ብምባል ኣምላኽ ገሊጹ ኢዩ። ድሕሪ 4,000 ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን የሱስ ክርስቶስ ነዚ ናይ ሓዳር ስርዓት እዚ ንሰዓብቱ ደጊሙ ነገሮም። ኣብ ርእሲ እዚ ካብ ሓዳር ወጻኢ ንዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ኰኒንዎ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 1:⁠27, 28፣ 2:⁠24፣ ማቴዎስ 5:⁠27-30፣ 19:⁠5

ሕጉስ ሓዳር ንኽህሉ ብወገን ክልቲኦም መጻምድቲ ክንጸባረቕ ዘለዎ ክልተ ኣገደስቲ ባህርያት ፍቕርን ኣኽብሮትን ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። እቲ ርእሲ ስድራ​ቤት ዝዀነ በዓል ቤት ንድሌታት ሰበይቱ ብዝበለጸ ደረጃ ንምዕጋብ ጻዕሪ ብምግባር ካብ ስስዐ ናጻ ዝዀነት ፍቕሪ ከርኢ ይግብኦ። ምስኣ “በእምሮ” ኢዩ ክነብር ዘለዎ: ‘ከመርራ’ ኣይግብኦን ኢዩ። እታ በዓልቲ ቤት ድማ ኣብ ሰብኣያ “ዓሚቝ ኣኽብሮት” (NW  ) ክህልዋ ይግባእ። ሰብ ሓዳር ነዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ እንተ ዝስዕብዎ: ንመብዛሕትኡ ኣብ ሓዳር ዝለዓል ጸገማት ምእላዩ ወይ ምስናፉ ምተኻእለ ነይሩ። እቲ ሰብኣይ ምስ በዓልቲ ቤቱ: እታ ሰበይቲ ኸኣ ምስ በዓል ቤታ ንምጥባቕ ድሌት ምሃለዎም ነይሩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠1-7፣ ቈሎሴ 3:⁠18, 19፣ ኤፌሶን 5:⁠22-33

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ናይ ሓዳር ብጻይካ ክትጠብቕ ዝህቦ ናይ ተኣማንነት መዐቀኒ ምሕላው ሕጉስ ሓዳር ንኽህሉ ኣበርክቶ ዝገብር ድዩ፧ እስከ ውጽኢት ናይ ሓደ ኣብ ጀርመን እተኻየደ መጽናዕቲ ርአ። ኣብቲ መጽናዕቲ ጽቡቕ ሓዳር ከም ዝህሉ ክገብሩ ዝኽእሉ ኣገደስቲ ረቛሒታት ኣየኖት ምዃኖም ንኽገልጹ ሰባት ተሓተቱ እሞ፣ ሓድሕዳዊ ተኣማንነት ሓደ ካብቶም እተጠቕሱ ኣገደስቲ ረቛሒታት ነበረ። ሰብ ሓዳር ናይ መርዓ ብጻዮም እሙን ምዃኑ ምስ ዝግንዘቡ ኣዝዮም ሕጉሳት ከም ዝዀኑ እትሰማምዓሉ ሓቂዶ ኸይኰነ፧

ግድላት ምስ ዝለዓልከ፧

ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ብርቱዕ ዘይምስምማዕ ምስ ዝለዓልከ፧ ፍቕሮም እናጸምለወ ምስ ዝኸይድከ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምስ ዝብጻሕ: እቲ ሓዳር ከም ዝብተን ምግባር ዝበለጸ ድዩ፧ ወይስ ኣብዚ ደረጃ እዚ እውን ከይተረፈ ነቲ ምስ ናይ ሓዳር ብጻይካ ክትጠብቕ ዝሓትት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ተኣማንነት መዐቀኒ ምሕላዉ ምኽንያታዊ ኢዩ፧

ንዅሎም ሰብ ሓዳር ብሰንኪ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ዝለዓል ግድላት ከጓንፎም ምዃኑ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰሓትዎ ሓቂ ኢዩ ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 7:⁠28) ይኹን እምበር: እቶም ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ዝሕልዉ ሰብ ሓዳር ይቕረ ንምብህሃል ከምኡውን ብሓባር ኰይኖም ግድላቶም ንምፍታሕ ይጽዕሩ ኢዮም። ርግጽ ኢዩ: ከም ዝሙት ወይ ኣካላዊ ማህሰይቲ ዝኣመሰለ ኵነታት ንሓደ ክርስትያን ካብ ናይ መርዓ ብጻዩ ንኽፍለ ወይ ከኣ ንኽፋታሕ ግቡእ መሲሉ ኸም ዝርኣዮ ክገብር ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 5:⁠32፣ 19:⁠9) ኣመና ከቢድ ብዘይ​ኰነ ምኽንያት ወይ ድማ ካልእ ናይ ሓዳር ብጻይ ንምሓዝ ካብ ዝብል ድሌት ተበጊስካ ሓዳር ምፍራስ ግን ብኻልኦት ዘይትግደስ ስሱዕ ምዃንካ ዘቃልዕ ኢዩ። ብርግጽ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ንሓደ ሰብ ርጉእን ሕጉስን ህይወት ከም ዝህልዎ ዝገብር ኣይኰነን። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።

ፒተር እቲ ሓደ እዋን ምዉቕ ዝነበረ ሓዳሩ ዝዘሓለ ዀይኑ ተሰምዖ። a ስለዚ ኸኣ ንሰበይቱ ራሕሪሑ ምስታ ሰብኣያ ዝጠንጠነት ሞኒካ ክነብር ጀመረ። ብድሕሪኡኸ፧ ሒደት ኣዋርሕ ምስ ሓለፈ ፒተር ብዛዕባ ምስ ሞኒካ ዝጀመሮ ናብራ ክገልጽ ከሎ “ከምቲ ሓሲበዮ ዝነበርኩ ቀሊል ኰይኑ ኣይረኸብክዎን” ብምባል ተኣመነ። ስለምንታይ፧ ሰብኣዊ ጕድለት ከምቲ ኣብታ ሒማኡ ኣብዛ ናይ ሕጂ መጻምድቱ እውን ጐሊሑ ይርአ ነበረ። እቲ ዝገበሮ ህዉኽን ስሱዕን ውሳነ ኣብ ከቢድ ናይ ገንዘብ ጸገም ከም ዝኣቱ ስለ ዝገበሮ ድማ እቲ ሽግር እናገደደ ኢዩ ኸይዱ። ኣብ ርእሲ እዚ ደቂ ሞኒካ በቲ ኣብ ናብራ ስድራ​ቤቶም ዘጋጠመ ቅጽበታዊ ለውጢ ተደቚሶም ኢዮም።

እዚ ተመክሮ እዚ ኸም ዘርእዮ ንሓዳር ሕማቕ ኵነታት ምስ ዘጓንፎ ምጥንጣኑ ፍታሕ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ግድላት ምስ ዘጋጥም በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ቃል ኣምላኽ: ሰፊሩ ዘሎ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ምምልላስ: መብዛሕትኡ ግዜ ንሓዳር ሰላም ዝመልኦ ዀይኑ ከም ዝቕጽል ኢዩ ዝገብሮ። እዚ ኣብ ናይ ቶማስን ዶሪስን ኵነታት ሓቂ ዀይኑ ተረኺቡ ኢዩ።

ቶማስ ሰታይ ምዃን ክጅምር ከሎ: ቶማስን ዶሪስን ድሮ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝጸንሐ ሓዳር ነይርዎም ኢዩ። ዶሪስ ብጭንቀት ተዋሕጠት: ክፋትሑ ድማ ሓሰቡ። ዶሪስ ንሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ሓሳባ ኣካፈለታ። እታ ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ ዶሪስ ንምፍልላይ ኣብ ክንዲ እትህወኽ መጀመርታ ምስ በዓል ቤታ ንጸገሞም መፍትሒ ከናድይሉ ብምትብባዕ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓዳር ዘለዎ ኣረኣእያ ገለጸትላ። ዶሪስ ድማ ከምኡ ገበረት። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ: ፍትሕ ዘይድለየሉ ኵነታት ተፈጥረ። ቶማስን ዶሪስን ጸገሞም ንምፍታሕ ብሓንሳብ ኰይኖም ጸዓሩ። ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓቦም ሓዳሮም ንምድልዳልን ጸገሞም ንምፍታሕን ኣጋጣሚ ሂብዎም ኢዩ።

ብዅሉ ነገር ሓቀኛ ምዃን

ምስ ናይ መርዓ ብጻይ ብተኣማንነት ምጥባቕ ዝጠልቦ ነገራት ኣሎ: እዚ ኸኣ ስነ⁠-​ምግባራዊ ብርታዐ ዘሎካን ብስርዓት ምምልላስ እትፈቱን ምዃን ኢዩ። ኣብዛ ሸፈጥ ዝመልኣ ዓለም ሓቀኛ ዄንካ ንምምልላስ እውን እንተ​ዀነ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ኣድላዪ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓቀኛ ምዃን ብዙሕ ዝብሎ ነገራት ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ናይ ቀዳማይ ዘመን ክርስትያናት “ብዅሉ ደግነት [“ሓቀኛታት ኴንና:” NW  ] ክንነብር እናደሌና” ብምባል ጸሓፈሎም። (እብራውያን 13:⁠18) እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧

ሓቀኛ ሰብ ብልክዕ ዝመላለስን ቅጥፈት ዘይርከቦን ኢዩ። ኣብቲ ምስ ካልኦት ዘለዎ ርክብ ድማ ቅኑዕ ኢዩ​—⁠ግልጺ: ክቡር: ዘየደናግር ወይ ዘየታልል ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ሓቀኛ ሰብ ንብጻዩ ዘይጥብር: ንጽህንኡ ዝሕሉ ዓይነት ሰብ ኢዩ። ሓቀኛታት ሰባት ትውክልትን እምንቶን ዘለዎ ሃዋህው ከም ዝሰፍን ይገብሩ: እዚ ኸኣ ብግዲኡ ጥዑይ ኣረኣእያ ኸም ዝህሉ ዝገብር ከምኡውን ድልዱል ሰብኣዊ ርክባት ዘደንፍዕ ኢዩ።

ሓቀኛታት ሰባት ሕጉሳት ድዮም፧ ሕጉሳት ክገብሮም ዝኽእል ምኽንያት ኣሎ። ዋላ እኳ ብልሽውናን ምድንጋርን ኣስፋሕፊሑ እንተ ሃለወ ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ሓቀኛታት ሰባት ናእዳ የትርፉ ኢዮም፣ ወይ እውን ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ብልሽውናን ምድንጋርን ኢዩ ክኸውን ዝኽእል ሓቀኛታት ሰባት ምስ ዝርከቡ ይናኣዱ ኢዮም። ሓደ ኣብ መንእሰያት እተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ: እቲ ሓቀኛ ናይ ምዃን ባህርይ ውርዙውና ምዃኑ ዝገልጽ ሓሳብ ብ70 ኻብ ሚእቲ ናይቶም እቲ ሕቶ ዝቐረበሎም ተደጊፉ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ዕድመና ብዘየገድስ: ሓቀኛ ምዃን ካብቶም ኣዕሩኽ ክዀኑና እንደልዮም ሰባት እንጽበዮ ቀንዲ ረቛሒ ኢዩ።

ክርስቲን ምስራቕ ክትመሃር ከላ ጓል 12 ዓመት ኢያ ነይራ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ድማ ዝወጸላ ናይ ጁባ ሌባ ኰነት። “ክሳብ 5,000 ዶች ማርክ [2,200 ዶላር ኣመሪካ] ዝበጽሕ ጥረ ገንዘብ ሒዘ ንገዛ ዝኣትወሉ መዓልትታት ነይሩ ኢዩ” ብምባል ከኣ ትገልጽ። እንተ​ዀነ ግን ክርስቲን ሓያለይ ግዜ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዀይና ኢያ: እቲ ኣብ ናብራኣ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ናይ ማእሰርቲ ስግኣት እውን ተቐንጢጡ ኣይፈልጥን ኢዩ ነይሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓቀኛ ምዃን ዝብሎ ነገር ምስ ገለጹላ ግን ክርስቲን በቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ⁠-​ምግባራዊ መዐቀኒታት ተመሰጠት። ነቲ “እቲ ዝሰረቐ: . . . ደጊምሲ ኣይስረቕ” ዝብል ማዕዳ ክትእዘዞ ኸም ዘለዋ ኸኣ ተማህረት።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠28

ክርስቲን ኣብቲ ተጠሚቓ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነትሉ እዋን: ድሮ ስርቂ ደው ኣቢላ ነበረት። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሓቀኛ ምዃንን ካልእ ክርስትያናዊ ባህርያትን ዕዙዝ ኣትኵሮ ስለ ዝገብሩ: ብዅሉ ነገራት ሓቀኛ ንምዃን ጻዕሪ ገይራ ኢያ። ላውዚሰ ሩንትሻው እተባህለ ጋዜጣ (ጀርመንኛ) “ሓቀኛ ምዃን: ሚዛናውነት: ፍቕሪ ሰብ: ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ስያመታት ኣብ እምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልዑል ግምት ዝወሃቦ ኢዩ” ብምባል ገለጸት። ክርስቲን ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወታ ዝገበረቶ ለውጢ ከመይ ይስምዓ፧ “ስርቂ ደው ብምባለይ ሕጂ ኣዝየ ሕጕስቲ ኢየ። ክብርቲ ኣባል ሕብረተሰብ ዝዀንኩ ዀይኑ ኸኣ ይስምዓኒ።”

ሕብረተሰብ ብምሉኡ ኢዩ ዝረብሕ

እቶም ንናይ መርዓ ብጾቶም እሙናት ዝዀኑ ከምኡውን ኣብ ናብርኦም ሓቀኛታት ዝዀኑ ሰባት ንበይኖም ጥራይ ኣይኰኑን ተሓጒሶም ዝተርፉ: የግዳስ ንሕብረተሰብ ብሓፈሽኡ እውን ጠቐምቲ ኢዮም። ወሃብቲ ስራሕ ዘየደናግሩ ሰራሕተኛታት ኢዮም ዝመርጹ። ኵላትና ትውክልቲ ዝግበሮም ጐረባብቲ ክህልዉና ኢና እንደሊ: ከምኡውን ኣብ ቅኑዓት ነጋዶ ዝርከብሉ ዕዳጋ ኢና ኽንሽምት እንደሊ። ካብ ብልሽውና ንዝርሕቁ ፖለቲከኛታትን ኣባላት ፖሊስን ፈራዶን ኣይመኽበርናዮምንዶ፧ ኣባላት ማሕበረሰብ ሓቀኛ ንናይ ምዃን ዝንባለ ኣብ ዝጥዕሞም እዋን ጥራይ ዘይኰነስ ከም መትከል እውን ምስ ዝሕዝዎ ብዙሕ ረብሓ ኢዩ ዝርከብ።

ኣብ ርእሲ እዚ እሙናት ሰብ ሓዳር: መሰረት ርጉእ ስድራ​ቤታት ኢዮም። መብዛሕትኦም ሰባት ከኣ ምስቲ “[ያታዊ] ስድራ​ቤት ክሳዕ እዛ ሕጂ እዋን እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዋሕስ ሰብኣዊ ድሕንነትን ትርጕም ዝመልኦ ህይወትን ኢዩ” ብምባል ሓሳቡ ብዕሊ ዝገለጸ ኣውሮጳዊ ፖለቲከኛ ምስምሞዖም ዘይተርፍ ኢዩ። ሰላማዊ ስድራ​ቤት እቲ ንዓበይትን ንኣሽቱን ስምዒታዊ ድሕንነት ክረኽቡ ዝበለጸ ኣጋጣሚ ዝኸፍተሎም ዓንኬል ኢዩ። ስለዚ እሙናት ሰብ ሓዳር ጽኑዕ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ እጃም ኣለዎም ማለት ኢዩ።

ናይ መርዓ ብጻዮም ዝጠንጠኖም ሰብ ሓዳር ምስ ዘይህልዉ: ኣብ ቤት ፍርዲ ናይ ፍትሕ ጕዳያት ወይ ንቘልዓ መን የዕብዮ ዝብል ክርክራት እንተ ዘይህሉ ነይሩ: ኵሉ ሰብ ከመይ ዝበለ ረብሓ ክረክብ ከም ዝኽእል እሞ ገምቶ። ናይ ጁባ ወይ ናይ ድኳን ሰረቕቲ: መደላሓቕቲ: ብልሹዋት ሰበ⁠-​ስልጣን: ወይ መደናገርቲ ሊቃውንቲ እንተ ዘይህልዉ ነይሮም ከመይ ዝበለ ዅነታት ምሃለወ፧ እዝስ ሕልሚ ዀይኑ ዝተርፍዶ ይመስል፧ እዚ ነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባ መጻኢና ኣብ ዝገልጾ ነገራትን ልባዊ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ሕልሚ ኣይኰነን። መሲሓዊት መንግስቲ የሆዋ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ምድሪ ንዝህሉ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ናይ ምምሕዳር ስልጣን ክትሕዝ ምዃና ቃል ኣምላኽ ይመባጻዕ ኢዩ። ኵሎም እቶም ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ እቲኣ ዝህልዉ ተገዛእቲ ናብርኦም ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ⁠-​ምግባር ንኸሳንይዎ ክማሃሩ ኢዮም። ኣብቲ እዋን እቲ “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”​—⁠መዝሙር 37:⁠29

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ⁠-​ምግባር እቲ ዝበለጸ ኢዩ

ንቕዱሳት ጽሑፋት ዝመርመርዎ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ካብ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ጸብለል ዝበለ ኣምላኻዊ ጥበብ እተመስረተ ምዃኑ ክግንዘቡ ክኢሎም ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ትውክልቲ ኽግበሮን ኣብዛ ዘመናዊት ዓለምና ንዘሎ ህይወት ዝኸውን ተግባራዊ መምርሒ ክርከቦን ከም ዝከኣል ይኣምኑ። ናብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ምኽሪ ምስ ዘቕልቡ ኣጸቢቖም ክረብሑ ኸም ዝኽእሉ ድማ ይፈልጡ ኢዮም።

ስለዚ ኸኣ ኢዮም እዞም ውልቀ⁠-​ሰባት እዚኣቶም ነቲ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ዝብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ዘቕልብሉ። (ምሳሌ 3:⁠5, 6) ከምዚ ብምግባር ከኣ ናብራ ህይወቶም ብብዙሕ መዳዩ ኸም ዝመሓየሽ ይገብርዎ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሰባት እውን ንረብሓ ዀይኖም ኢዮም ዝርከቡ። ኣብቲ ዅሎም ደቅሰብ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ⁠-​ምግባር ዝስዕብሉ እዋን ዝህሉ ‘መጻኢ ህይወት’ ድማ ጽኑዕ እምንቶ ኣለዎም።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠8

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ ኣስማት ተለዊጡ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሓዳር ግድላት ከጋጥም ከሎ ብመዐቀኒታት ቃል ኣምላኽ ምንባር: ነቲ ሓዳር ከም ዝቕጽል ኣብ ርእሲ ምግባሩ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም መጻምድቲ ሰለማዊ ናብራ ከም ዝነብሩ ክገብሮም ይኽእል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ዋላ እኳ ብልሽውና ኣስፋሕፊሑ እንተ ሃለወ ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ሓቀኛታት ሰባት ናእዳ የትርፉ ኢዮም፣ ወይ እውን ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ብልሽውና ኢዩ ክኸውን ዝኽእል ሓቀኛታት ሰባት ምስ ዝርከቡ ይናኣዱ ኢዮም