ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዓወት ብኸመይ ኢኻ እትልክዖ፧

ንዓወት ብኸመይ ኢኻ እትልክዖ፧

ንዓወት ብኸመይ ኢኻ እትልክዖ፧

 ሓደ መዝገበ⁠-​ቃላት ንዓወት “ሃብቲ: ተቐባልነት: ወይ ዝና ምርካብ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። እዚ እተማልአ ትርጕም ድዩ፧ መለክዒ ዓወት ሃብቲ: ተቐባልነት: ወይ ዝና ጥራይ ድዩ ክኸውን ዝኽእል፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ቅድሚ ምምላስካ ነዚ ዝስዕብ ሕሰበሉ:- የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ስጋዊ ሃብቲ ኣይነበሮን። ብብዙሓት ሰባት ተቐባልነት ኣይረኸበን፣ በቶም ናይቲ ግዜ እቲ ዓበይቲ እውን ክብሪ ኣይረኸበን። ኰይኑ ግን: የሱስ ዕዉት ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧

የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ኢዩ ነይሩ። (ሉቃስ 12:⁠21) ድሕሪ ትንሳኤኡ: ኣኽሊል “ክብርን ግርማን” ብምሃብ ኣምላኽ ባሪኽዎ ኢዩ። የሆዋ ንወዱ ‘ልዕሊ ዅሉ ልዕል ኣበሎ: ካብ ኵሉ ልዕል ዝበለ ስምውን ሃቦ።’ (እብራውያን 2:⁠9፣ ፊልጲ 2:⁠9) የሱስ ብኣነባብርኡ ንልቢ የሆዋ አሐጒሱ ኢዩ። (ምሳሌ 27:⁠11) ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዕላምኡ ስለ ዝፈጸመ ዕዉት ኢዩ ነይሩ። ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ: ንስም ኣምላኽ ከኣ ክብሪ ኣምጺኡ ኢዩ። ኣምላኽ ድማ ብግዴኡ ብትምህርቲ ንፉዓት: ፍሉጣት ፖለቲካውያን: ወይ ህቡባት ስፖርታውያን ሰባት ዘይረኽብዎ ዓይነት ሃብቲ: ተቐባልነት: ከምኡውን ዝና ብምሃብ ኣኽበሮ። የሱስ ብሓቂ ኣብ ምድሪ ካብ ዝነበሩ ሰባት እቲ ልዕሊ ዅሉ ዕዉት ዝነበረ ሰብኣይ ኢዩ።

ክርስትያናት ወለዲ: ደቆም ከም የሱስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት ብምዃን ኣሰር ክርስቶስ እንተ​ድኣ ስዒቦም ሕጂ ብዙሕ በረኸት ከም ዝዓጽዱ: ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ኣገባብ ከኣ እዚ ዘይበሃል ዓስቢ ከም ዝረኽቡ ይፈልጡ ኢዮም። ሓደ መንእሰይ ኣሰር ክርስቶስ ንምስዓብ ከምቲ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ካብ ምግባር ንላዕሊ ዝሓይሽ የብሉን፣ እዚ ኸኣ ዝከኣል እንተ ዀይኑ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምጽማድ ማለት ኢዩ።

ይኹን እምበር: ኣብ ገሊኡ ሕብረተሰባት ብንእስነትካ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘይምእታው የስፋሕፍሕ ኣሎ። ሓደ መንእሰይ ትምህርቱ ምስ ወድአ: ምሉእ ግዜኡ ዝወስደሉ ስራሕ ክሕዝ: ክምርዖ: ከምኡውን ናብራ ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ ይኸውን። ሓድሓደ ግዜ: ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተዓባብያ ዘለዎም መንእሰያት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኸይኣትዉ የድሓርሕሩ። (ምሳሌ 3:⁠27) ስለምንታይ፧ ብሰንኪ ዝወርዶም ጸቕጥታት ምስቲ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ መለክዒታት ተሰማሚዖም ስለ ዝነብሩ ኢዮም። ንሮበርት እውን ከምዚ ኢዩ ኣጋጢምዎ። a

ኣረኣእያ ሕብረተሰብን ሕልናን ክጋጮ ኸሎ

ሮበርት ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ኢዩ ዓብዩ። ኰተቴ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ጠባዩን ኣመራርጻ ኣዕሩኽቱን ባህ ዘብል ኣይነበረን። ኣዲኡ ብዛዕባኡ ክትጭነቕ ጀመረት። ስለዚ: ንሓደ ካብቶም ፓይነራት ተባሂሎም ዝፍለጡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኸተባብዖ ሓተተቶ። ሮበርት እቲ ቀጺሉ ዝዀነ ነገር ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጽ:-

“እቲ ፓይነር ኣዝዩ ስለ እተገደሰለይ ብሓቂ አማስወሉ ኢየ። እቲ ሰናይ ኣብነቱ ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ ብኡንብኡ ኣብ ዕዮ ፓይነር ንኽጽመድ ባህጊ ከም ዘሕድር ገበረኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ኢያ ኣደይ እንደገና ክትጭነቕ ዝጀመረት፣ ሽዑ ግን መጨነቒኣ ካልእ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሕብረተሰብና ጓል ኣንስተይቲ ትምህርቲ ምስ ወድአት ብኡንብኡ ፓይነር እንተ ዀነት ምንም ሽግር የብሉን: ወዲ ተባዕታይ ግን ቅድሚ ፓይነር ምዃኑ መጀመርታ ኣብ ዘተኣማምን ቍጠባዊ ደረጃ ክበጽሕ ኢዩ ትጽቢት ዝግበረሉ።

“ናይ ገዛእ ርእሰይ ንግዲ ጀመርኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኣብቲ ንግዲ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝጠሓልኩ: ኣብ ጉባኤን ስብከትን ምክፋል ከም ልምዲ ጥራይ ገይረ ሓዝክዎ። ሕልናይ ክርብሸኒ ጀመረ: ከመይሲ ንየሆዋ ዝያዳ ከገልግሎ ከም ዝኽእል እፈልጥ ኢየ። ይኹን እምበር: ነቲ ካልኦት ክዀኖ ዝጽበዩኒ ነገራት ምጥንጣን ከቢድ ቃልሲ እኳ እንተ ነበረ: ክገብሮ ብምኽኣለይ ግን ሕጉስ ኢየ። ሕጂ ምርዑው ኢየ: ኣነን በዓልቲ ቤተይን ከኣ ካብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ኣትሒዝና ፓይነራት ኴንና ነገልግል ኣሎና። ኣብዚ ቐረባ እዋን: ኣገልጋሊ ጉባኤ ኰይነ ከገልግል ተመዚዘ ኣለኹ። ንየሆዋ ብምሉእ ልበይን ብዘሎኒ ዓቕምን ከገልግሎ ብምኽኣለይ ብሓቂ ዕግበት ኢዩ ዝስምዓኒ።”

ዝከኣል እንተ​ድኣ ዀይኑ መንእሰያት ገና ኣብ ትምህርቲ ኸለዉ ገለ ዓይነት ሞያ ወይ ክእለት ከጥርዩ እዚ መጽሔት እዚ ብተደጋጋሚ ኣተባቢዑ ኢዩ። ንምንታይ ዕላማ፧ ሃብታማት ንኽዀኑ ድዩ፧ ኣይኰነን። እቲ ቐንዲ ምኽንያት እኹላት ሰባት ኰይኖም ርእሶም ክኢሎም ብእተኻእሎም መጠን ንየሆዋ ምእንቲ ከገልግልዎ: ብፍላይ ከኣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ንኽዀኑ ኢዩ። ይኹን እምበር: ብዙሕ ግዜ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ደድሕሪ ዓለማዊ ሞያ ኣብ ምስዓብ ስለ ዝዋሓጡ: ከም ሳዕቤን ናይዚ ኣገልግሎቶም ይጐድል። ገሊኣቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምእታው ፈጺሞም ኣይሓስብሉን ኢዮም። ስለምንታይ፧

ሮበርት ዝሃቦ ሓሳብ ብእተወሰነ ደረጃ ነዚ ጕዳይ እዚ ዘብርሆ ኢዩ። ሮበርት ምስ ተማህረ ንግዲ ጀመረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ደድሕሪ መወዳእታ ዘይብሉ ዋኒን ክጐዪ ጀመረ። ሸቶኡ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ቝጠባ ንምብጻሕ ነበረ። እንተ​ዀነ ግን: ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ይኹን ካብኣ ወጻኢ ዝርከብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ነዚ ሸቶ እዚ ምሉእ ብምሉእ ክበጽሖ ዝኸኣለ ኣሎዶ ኢዩ፧ ክርስትያናት ነቲ ቍጠባዊ ግዴታታቶም ንምምላእ ብትግሃት ብምዕያይ ሓላፍነት ዝስከሙ ክዀኑ ክጽዕሩ ኣለዎም፣ እንተ​ዀነ ግን ኣብዚ ተለዋዋጢ ግዜ እዚ ብቝጠባ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ በጺሕና ክብሉ ዝኽእሉ ሰባት ዳርጋ ከም ዘየለዉ ከስተውዕሉ ኣለዎም። ስለዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ኣብ ማቴዎስ 6:⁠33 ተመዝጊቡ ዘሎ የሱስ ዝኣተዎ መብጽዓ ንክርስትያናት ኣዝዩ ዘጸናንዖም።

ሮበርት ኣብ ክንዲ እቲ ሕብረተሰብ ዝብሎ ነገራት: ልቡ ዝብህጎ ሓሳብ ክስዕብ ምቝራጹ የሐጕሶ ኢዩ። ሎሚ: ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ሞይኡ ገይሩ ብምሓዙ ባህ ይብሎ ኢዩ። እወ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክቡር ዕዮ ኢዩ። ከምቲ ሮበርት ባዕሉ ዝበሎ ንየሆዋ ‘ብዘለዎ ዓቕሚ’ የገልግል ስለ ዘሎ ውሽጣዊ ሰላም ረኺቡ ኢዩ።

ነቲ ዘሎካ ክእለት ብዝበለጸ መገዲ ተጠቐመሉ

ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሓት ተውህቦ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ። ገሊኣቶም ሓለፍ ዝበለ በሊሕ ኣእምሮ ኣለዎም፣ ካልኦት ከኣ ብኢደ⁠-​ስርሓት ተውህቦ ኣለዎም። እዚ ዅሉ ውህበት ካብቲ “ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ንዅሉ” ዝሃበ የሆዋ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠25) ህይወት እንተ ዘየለ እዚ ተውህቦ እዚ ዋጋ ዘይብሉ ምዀነ።

ስለዚ ነታ እተወፈየት ህይወትና ንኣገልግሎት የሆዋ እንተ ኣውዓልናያ ግቡእ እዩ። ሓደ ሞያ ዝነበሮ መንእሰይ ድማ ከምዚ ክገብር ኢዩ ወሲኑ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ካብ ውሩያት ስድራ​ቤት ዝመጸ ዀይኑ: ንእስነቱ ኣብታ ስምይቲ ዝነበረት ከተማ ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ ኢዩ ኣሕሊፍዎ። ብትውልዲ ኣይሁዳዊ እኳ እንተ ነበረ: ብኣቦኡ ግን ሮማዊ ዜግነት ነበሮ። በዚ ኸኣ ብዙሕ መሰላት ነበሮ። ምስ ዓበየ ብገማልኤል እተባህለ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ዝለዓሉ “ሊቃውንቲ” ተማህረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ‘ሃብቲ: ተቐባልነት: ከምኡውን ዝና’ ዝረክብ ኢዩ ዝመስል ነይሩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 21:⁠39፣ 22:⁠3, 27, 28

እዚ መንእሰይ እዚ መን ኢዩ፧ ስሙ ሳውል ይበሃል። እንተ​ዀነ ግን: ሳውል ክርስትያን ኰነ እሞ ኣብ መወዳእታ ሃዋርያ ጳውሎስ ተባህለ። እቲ ናይ ቀደም ባህግታቱ ሓዲጉ ከም ክርስትያን መጠን ምሉእ ህይወቱ ንኣገልግሎት የሆዋ ወፈዮ። ጳውሎስ ከም ስሙይ ጠበቓ ዘይኰነስ: ከም ቀናእ ሰባኺ ናይቲ ብስራት ኢዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ሚስዮናዊ ኰይኑ ን30 ዓመታት ኣቢሉ ምስ ኣገልገለ: ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ፈተውቱ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። ኣብዚ መልእኽቱ ቅድሚ ክርስትያን ምዃኑ ዝገብሮ ዝነበረ ነገራት ድሕሪ ምግላጹ ከምዚ በለ:- “ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ . . . ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ: ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ: ከም ጐሓፍ እቘጽሮ አሎኹ።” (ፊልጲ 3:⁠8) እወ: ጳውሎስ በቲ ዘሕለፎ ህይወት ኣይተጣዕሰን!

ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ካብ ገማልኤል ዝረኸቦ ትምህርቲኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ጠቒምዎዶ ኢዩ፧ እወ! ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ‘ብናይ ወንጌል ኣብ ምምጽራይን ምጽናዕን’ ሓጊዝዎ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ቀንዲ ዕዮ ጳውሎስ ስብከት ብስራት ኢዩ ነይሩ: እዚ ድማ ካብቲ ኣቐዲሙ እተማህሮ ትምህርቲ ዘይርከብ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ፊልጲ 1:⁠7፣ ግብሪ ሃዋርያት 26:⁠24, 25

ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ገለ ሰባት ተውህቦኦምን ክእለቶምን: አረ ትምህርቶም እውን ከይተረፈ ናይታ መንግስቲ ረብሓታት ንምቕዳም ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ንኣብነት ኤሚ ብንግድን ሕግን ካብ ዩኒቨርሲቲ ብዲግሪ ተመሪቓ ኢያ። ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ናይ ሕጊ ቤት ጽሕፈት ብዙሕ ደሞዝ እትረኽበሉ ስራሕ ነበራ: ሕጂ ግን ኣብ ሓደ ካብ ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ደሞዝ ከይተኸፍለት ወለንተኛ ኰይና ትዓዪ ኣላ። ኤሚ ኣብዚ እዋን እዚ ንህይወታ ከምዚ ብምባል ትገልጾ:- “ኣብ ህይወተይ እቲ ዝበለጸ ምርጫ ከም ዝገበርኩ ኢየ ዝኣምን። . . . ሒዘዮ ዘለኹ ዕዮ ምስ ዋላ ሓደ ካብቶም ኣብ ዩኒቨርሲቲ መማህርተይ ዝነበሩ ሰባት ዘለዎም ስራሕ ክልውጦ ባህጊ የብለይን። በዚ መሪጸዮ ዘለኹ መገዲ እዀርዕ ኢየ። ዝደልዮን ዝምነዮን ዘበለ ዅሉ ማለት ፍስሃን ሓጐስን ዘለዎ ህይወት ከምኡውን ዘዕግብ ስራሕ ረኺበ ኢየ።”

ኤሚ ናይ ኣእምሮ ሰላም: ዕግበት: ከምኡውን በረኸት የሆዋ ዘምጽኣላ መገዲ ኢያ መሪጻ። ብርግጽ ክርስትያን ወለዲ እውን ንደቆም እዚ ኢዮም ዝምነዩሎም!

ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዓወት ምርካብ

ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዕዉት ብዛዕባ ምዃን እውን ግቡእ ኣረኣእያ ምህላው ኣድላዪ ኢዩ። ኣብ ግራት ኣገልግሎት ጽሑፋት ብምዕዳል ወይ ምስ ሰብ ቤት ዘነቓቕሕ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ብምግባር ዘሐጕስ ግዜ ምስ እነሕልፍ: ብቐሊሉ ኢዩ ናይ ዓወት ስምዒት ዝስምዓና። ሰማዒት እዝኒ ሳሕቲ ጥራይ ንረክብ እንተ​ድኣ ዄንና ግን: ግዜና ብዘይ​ጠቅም ነጥፍእ ኣሎና ኢልና ንኽንድምድም ንደፋፋእ ንኸውን። ይኹን እምበር: ሓደ ካብቲ ትርጕም ናይ ዓወት ‘ተቐባልነት ምርካብ’ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ብመን ኢና ተቐባልነት ክንረክብ እንደሊ፧ ብየሆዋ። እዚ ኸኣ ሰባት ንመልእኽትና ይስምዕዎ ኣይስምዕዎ ብዘየገድስ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ሓያል ትምህርቲ ሂብዎም ኢዩ።

የሱስ ን70 ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን” ከም ዝለኣኸ ትዝክሮ ኢኻ። (ሉቃስ 10:⁠1) ምስ የሱስ ዘይኰነስ ንበይኖም ኣብ ከተማታትን ኣቝሻትን ክሰብኩ ነበሮም። እዚ ንዓኣቶም ሓድሽ ተመክሮ ነበረ። ስለዚ: ቅድሚ ምልኣኹ ብዝርዝር መምርሒ ሃቦም። “ወዲ ሰላም” ምስ ዝረኽቡ: ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ምስክርነት ይህብዎ ነበሩ። ተቐባልነት ምስ ዝስእኑ ግን ከይተጨነቑ መገዶም ክኸዱ ነበሮም። እቶም ክሰምዕዎም ዘይደልዩ ንየሆዋ ይነጽግዎ ከም ዘለዉ የሱስ ገለጸሎም።​—⁠ሉቃስ 10:⁠4-7, 16

እቶም 70 ስብከቶም ምስ ፈጸሙ “ጐይታይ: ኣጋንንቲ ድማ በስምካ ይግዝኡና አለዉ: እናበሉ ብሓጐስ” ናብ የሱስ ተመልሱ። (ሉቃስ 10:⁠17) እዞም ዘይፍጹማት ሰባት ንሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራት ከውጽኡ ምኽኣሎም ብዙሕ ኣሐጒስዎም ክኸውን ኣለዎ! ይኹን እምበር: የሱስ ነቶም ውዕዉዕ ስምዒት ዝነበሮም ደቀ መዛሙርቱ “ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ: ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር: መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም: በዚ ኣይትተሐጐሱ” ብምባል ኣጠንቀቖም። (ሉቃስ 10:⁠20 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቶም 70 ኵሉ ሳዕ ኣጋንንቲ ናይ ምውጻእ ሓይሊ ኣይነበሮምን: ወይ እውን ኣብ ኣገልግሎት ጽቡቕ ውጽኢት ዝረኽቡ ኵሉ ሳዕ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። እሙናት ኰይኖም እንተ ቐጺሎም ግን: ወትሩ ብየሆዋ ተቐባልነት ይረኽቡ ነበሩ።

ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ተድንቖምዶ ኢኻ፧

ቅድሚ ገለ ግዜ ሓደ መንእሰይ ንሓደ ክርስትያን ሽማግለ ከምዚ ኢሉ ነገሮ:- “ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ: ስራሕ ክረክብ ክጽዕር ኢየ። ስራሕ እንተ ስኢነ ግን ኣብ ሓደ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክኣቱ ክፍትን ኢየ።” መብዛሕትኦም ፓይነራት ግን ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ የብሎምን። ገሊኣቶም ፓይነር ንኽዀኑ ኢሎም ብዙሕ ደሞዝ ዝርከቦ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚታት ጠንጢኖም ኢዮም። ካልኦት ከኣ ብሉጽ ናይ ትምህርቲ ኣጋጣሚታት ገዲፎም ኢዮም። ከም ሃዋርያ ጳውሎስ መስዋእትታት ከፊሎም ኢዮም: ይኹን እምበር ከም ጳውሎስን ሮበርትን ኤሚን በቲ ዝገብርዎ ምርጫ ኣይጠዓሱን ኢዮም። ነቲ ካብቲ ዘለዎም እቲ ዝበለጸ ክህብዎ ዝግብኦ የሆዋ ብኽእለቶም ተጠቒሞም ከመስግንዎ መሰል ብምርካቦም የማስዉሉ ኢዮም።

ብዙሓት እሙናት መሰኻኽር የሆዋ ብእተፈላለየ ምኽንያት ፓይነራት ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። ምናልባት ክፍጽምዎ ዘለዎም ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነት ይህልዎም ይኸውን። ይኹን እምበር: ብምሉእ ‘ልቦምን ነፍሶምን ሓሳቦምን’ እንተ​ድኣ ኣገልጊሎምዎ የሆዋ ብኣታቶም ይሕጐስ ኢዩ። (ማቴዎስ 22:⁠37) ፓይነር ክዀኑ እኳ እንተ ዘይከኣሉ: እቶም ፓይነር ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ሰባት ጽቡቕ መገዲ ህይወት ከም ዝመረጹ ይርድኦም ኢዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ “ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 12:⁠2) ምስዚ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ብምስምማዕ: ናይዚ ኣገባብ እዚ ናይ ሕብረተሰብ ኣረኣእያ ወይ ዓለማዊ መለክዒታት ንኣተሓሳስባና ክቐርጾ ከነፍቅደሉ የብልናን። ፓይነር ኴንካ ከተገልግል ክኣል ኣይትኽኣል ብዘየገድስ: ንኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ህይወትካ ቀዳምነት ሃቦ። ብየሆዋ ተቐባልነት ክሳዕ ዝረኸብካ ዕዉት ክትከውን ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ደድሕሪ መወዳእታ ዘይብሉ ዋኒን ኣይትጕየ