ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኻዊ ኣረኣእያ ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ንጽህና

ኣምላኻዊ ኣረኣእያ ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ንጽህና

ኣምላኻዊ ኣረኣእያ ብዛዕባ ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህና

“ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።”​—⁠ኢሳይያስ 48:⁠17

1, 2. (ሀ) ሰባት ብሓፈሻ ኣብ ጾታዊ ስነ⁠-​ምግባር ዘለዎም ኣረኣእያ ከመይ ይመስል፧ (ለ) ክርስትያናት ብዛዕባ ጾታዊ ስነ⁠-​ምግባር ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም፧

 ሎሚ ኣብ ብዙሕ ኵርንዓት ምድሪ ስነ⁠-​ምግባራዊ ኣቕዋም ከም ናይ ብሕቲ ጕዳይ ገይርካ ኢዩ ዝርአ። ሰባት ንጾታዊ ርክብ ከም ኣብ ሓዳር ጥራይ ክሕጸር ዘለዎ ዘይኰነስ ከም ኣብ እተመነይዎ እዋን ክፍጽምዎ ዝኽእሉ ባህርያዊ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ገይሮም ኢዮም ዝምልከትዎ። በዚ ተግባር እዚ ዝጕዳእ ዋላ ሓደ ሰብ ክሳብ ዘይሃለወ ኸኣ ብኸመይ ከም እትመላለስ ናይ ገዛእ ርእስኻ ውሳነ ምግባር ምንም ጌጋ ዘይብሉ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ብመንጽር እቲ ኣመለኻኽታኦም ክርአ ኸሎ ሰባት ብስነ⁠-​ምግባር ዝመጸ ብፍላይ ከኣ ንጾታ ዝምልከት ሕጊ ክስርዓሎም ኣይግባእን።

2 እቶም ንየሆዋ ዝፈልጥዎ ግን ካብዚ ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም። ንየሆዋ ስለ ዘፍቅርዎን ከሐጕስዎ ስለ ዝደልዩን ባህ እናበሎም ኢዮም ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒታት ዝስዕቡ። የሆዋ ኸም ዘፍቅሮም ከምኡውን ንሰናዮም ዝኸውን መምርሒ: እወ ብሓቂ ንረብሐኦም ዝኸውንን ሕጉሳት ዝገብሮምን መምርሒ ከም ዝህቦም ይግንዘቡ ኢዮም። (ኢሳይያስ 48:⁠17) ኣምላኽ ምንጪ ህይወት ስለ ዝዀነ ንኣጠቓቕማ ኣካላቶም ብፍላይ ድማ ነቲ ምስ ምትሕልላፍ ህይወት ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ዘለዎ ክፍሊ ኣካላቶም ዝምልከት መምርሒ ክረኽቡ ናብኡ ቝሊሕ እንተ በሉ እምበኣር ምኽንያታዊ ኢዩ።

ካብ ፈቃር ፈጣሪ እተዋህበ ህያብ

3. ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ንጾታዊ ርክብ ዝምልከት እንታይ ዝብል ኢዮም ተማሂሮም: እዚኸ ምስ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክነጻጸር ከሎ ኸመይ ኢዩ፧

3 ምስቲ ሎሚ ዘሎ ዓለማዊ ኣረኣእያ ክነጻጸሩ ኸለዉ ገለ ኣባላት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ከኣ እሞ ሕሉፍ ሓሊፎም ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ነውርን ሓጥእ ተግባርን ምዃኑ: እቲ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤደን ዝፈጸምዎ “ናይ መጀመርታ ሓጢኣት” እውን እንተ​ዀነ ጾታዊ ርክብ ምንባሩ ኢዮም ዝምህሩ። ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ምስቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይሰማማዕን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣውያን መጻምድቲ “እቲ ሰብኣይን ሰበይቱን” ብምባል ይጽውዖም። (ዘፍጥረት 2:⁠25) ኣምላኽ ‘ፍረዩን ተባዝሑን: ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ’ ብምባል ውሉዳት ክወልዱ ነገሮም። (ዘፍጥረት 1:⁠28) ውሉዳት ክወልዱ ኣዚዝዎም ከብቅዕ ጸኒሑ ድማ ነዚ መምርሒ እዚ ብምስዓቦም ክቐጽዖም ትርጕም ኣልቦ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 19:⁠8

4. ኣምላኽ ንሰባት ጾታዊ ርክብ ናይ ምፍጻም ተኽእሎ ዝሃቦም ስለምንታይ ኢዩ፧

4 ካብዚ መጀመርታ ነቶም ቀዳሞት ወለድና: ደሓር ድማ ንኖህን ደቁን እተዋህቦም ትእዛዝ: ቀንዲ ዕላማ ጾታዊ ርክብ እንታይ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል ኢና: እዚ ኸኣ ውሉዳት ምውላድ ኢዩ። (ዘፍጥረት 9:⁠1) ይኹን እምበር: ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንጾታዊ ርክብ ኣብቲ ቘልዑ ንምውላድ ጥራይ ዝግበር ህቃነታት ክሓጽርዎ ኸም ዘይግደዱ ቃሉ ይገልጽ ኢዩ። ጾታዊ ርክብ ንስምዒታውን ኣካላውን ድሌታት ብዝግባእ ከማልኦ ዝኽእል ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ ንመጻምድቲ ሰብ ሓዳር ምንጪ ባህታ እውን ኢዩ። ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ዓሚቝ ፍቕሪ ዝገልጽሉ መገዲ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 26:⁠8, 9፣ ምሳሌ 5:⁠18, 19፣ 1 ቈረንቶስ 7:⁠3-5

መለኮታዊ ቐይዲ

5. ኣምላኽ ነቲ ሰባት ዝፍጽምዎ ጾታዊ ርክብ ብዝምልከት እንታይ ክልክላት ኢዩ ዝገበረ፧

5 ጾታዊ ድሌት ህያብ ኣምላኽ ምዃኑ እኳ እንተ ተዘረበሉ: ቀይዲ ኸም ዘይብሉ ገይርካ ግን ክግለጽ የብሉን። እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብ ውሽጢ ሓዳር እውን ከይተረፈ ዝውዕል ኢዩ። (ኤፌሶን 5:⁠28-30፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠1, 7) ካብ ሓዳር ወጻኢ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ክልኩል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዘየማትእ መምርሒ ኢዩ ዝህብ። እዚ መምርሒ እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ “ኣይትዘሙ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። (ዘጸኣት 20:⁠14) ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ የሱስ ‘ንምንዝርን ዝሙትን’ ምስቲ ንሰብ ከርክሶ ዝኽእል ካብ ልቢ ዝምንጭ “ክፉእ ሓሳብ” ኣጠቓሊልዎ ኣሎ። (ማርቆስ 7:⁠21, 22) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ኢሉ ንኽምዕዶም ብመንፈስ ተመሪሑ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 6:⁠18) ኣብታ ናብ እብራውያን ዝሰደዳ መልእኽቲ እውን “ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ: መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር: እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ።​—⁠እብራውያን 13:⁠4

6. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብታ “ምንዝር” እትብል ቃል እንታይ ኢዩ ተጠቓሊሉ ዘሎ፧

6 እታ “ምንዝር” እትብል ቃል እንታይ ማለት ኢያ፧ ካብታ ፖር·ን ʹያ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸት ኢያ: እዛ ቓል እዚኣ ሓድሓደ ግዜ ነቲ ዘይተመርዓዉ ሰባት ዝፍጽምዎ ጾታዊ ርክብ ንምምልካት እውን ትውዕል ኢያ። (1 ቈረንቶስ 6:⁠9) ኣብ ማቴዎስ 5:⁠32፣ ማቴዎስ 19:⁠9 ከምኡውን ኣብ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ጥቕስታት ግን እታ ስያመ ሒዛቶ ዘላ ትርጕም ስፍሕ ዝበለ ኢዩ: ንኸም ዝሙት ከምኡውን ምስ ቀረባ ዘመድ ይኹን ምስ እንስሳ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ እውን ተጠቓልል ኢያ። ኣብ ንሓድሕዶም ዘይተማራዓዉ ውልቀ⁠-​ሰባት ዝፍጽምዎ ካልእ ዓይነት ጾታዊ ተግባራት እውን ምስ ፖር·ን ʹያ ክምደብ ይኽእል ኢዩ: እዚ ድማ ብኣፍ ይኹን ብመሃንቱስ ንዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ከምኡውን ንናይ ካልእ ሰብ ጾታዊ ክፍሊ ኣካላት ምትንካፍን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ተግባራትን ዘጠቓልል ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ንዅሉ እዚ ተግባራት እዚ እንተ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ መገዲ ይዅንኖ ኢዩ።​—⁠ዘሌዋውያን 20:⁠10, 13, 15, 16፣ ሮሜ 1:⁠24, 26, 27, 32 a

ካብ ስነ⁠-​ምግባራዊ ሕግታት ኣምላኽ ረብሓ ምርካብ

7. ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህና ብምሕላው ረብሓ ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 ዘይፍጹማት ሰባት ነቲ የሆዋ ንጾታ ኣመልኪቱ ዘውጽኦ መምርሒ ክእዘዝዎ ብድሆ ክዀኖም ይኽእል ኢዩ። ማይማንዴዝ እተባህለ ናይ መበል 12 ዘመን ውሩይ ኣይሁዳዊ ፈላስፋ ኣብ ጽሑፉ “ካብ ብምልኡ ኣብ ቶራህ [ሕጊ ሙሴ] ዘሎ ድንጋገታት ከም ንዘይግቡእን ብዕሉግን ጾታዊ ርክባት ዝእግድ ክልክላት ገይሩ ንምሕላዉ ዝኸብድ የልቦን” ብምባል ገለጸ። እንተ​ዀነ ግን: ኣምላኽ ንዝህቦ መምርሒ እንተ​ድኣ ተኣዚዝናዮ ኣዝዩ ብዙሕ ረብሓ ኢና እንረክብ። (ኢሳይያስ 48:⁠18) ንኣብነት: እቲ ኣብዚ መዳይ እዚ እነርእዮ ተኣዛዝነት ካብቲ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት የዕቍበና: ገለ ካብዚ ሕማማት እዚ ክሓዊ ዘይክእልን ሞት ዘስዕብን ኢዩ። b ካብ መውስቦ ወጻኢ ዘጋጥም ጥንሲ ኣየስግኣናን ኢዩ። ብኣምላኻዊ ጥበብ ምምልላስ ጽጹይ ሕልና ንኽህልወና እውን ናይ ገዛእ ርእሱ ኣበርክቶ ኣለዎ። ከምዚ ምግባር ብግዲኡ ክብሪ ገዛእ ርእስና ከም እንሕሉ፣ ብዘይ​ዚውን ኣዝማድና: ናይ ሓዳር ብጻይና: ደቅና: ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከምኡውን ካልኦት ሰባት ከም ዘኽብሩና ዝገብር ኢዩ። ብተመሳሳሊውን ብዛዕባ እዚ ኣብ ሓዳር ሓጐስ ክውስኽ ዝኽእል ጾታዊ ርክብ ጥዑይን ኣወንታውን ኣረኣእያ ኸም እነጥሪ ዝገብር ኢዩ። ሓንቲ ክርስትያን ጓል ኣንስተይቲ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጸሓፈት:- “ናይ ቃል ኣምላኽ ሓቂ መወዳድርቲ ዘይብሉ ብሉጽ ዕቝባ ኢዩ። ሓዳር ክገብር ድልውቲ ኢየ: ሓዳር ምስ ሓዝኩ ኸኣ ነቲ ዝምርዓዎ ክርስትያን ሰብኣይ ንጽህናይ ዓቂበ ኸም ዝጸናሕኩ ብሓበን ክነግሮ ኢየ።”

8. ብንጽህና ምምልላስ ጽሩይ ኣምልኾ ከም ዝድንፍዕ ክገብር ዝኽእል በየናይ መገድታት ኢዩ፧

8 ብንጽህና ምምልላስ ነቲ ኻልኦት ኣብ ሓቀኛ ኣምልኾ ዘለዎም ግጉይ ኣረኣእያ ምላሽ ኣብ ምሃብን ሰባት ናብቲ እነገልግሎ ኣምላኽ ከም ዝሰሓቡ ኣብ ምግባርን እውን ዓቢ ግደ ኣለዎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ: ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመ​ስግንዎ: ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳ⁠ኹም ኣጸብቑ” ብምባል ጽሒፉ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:​12) እቶም ንየሆዋ ዘየገልግሉ ነቲ ንጹህ ምምልላስና እንተ ዘይተገንዘብዎ ወይ እንተ ዘይተቐበልዎ እውን ከይተረፈ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ከም ዝርእዮን ዝሰምሮን አረ ካብኡ ሓሊፉውን በቲ ንመምርሒኡ ንምስዓብ እንገብሮ ጻዕሪ ከም ዝሕጐስን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።​—⁠ምሳሌ 27:⁠11፣ እብራውያን 4:⁠13

9. ምንም እኳ ነቲ ምኽንያት ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ዘይንኽእል እንተ ዀንና: ኣብ መምርሒ ኣምላኽ እምንቶ ክህልወና ዝግባእ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብነት ሃብ።

9 ኣብ ኣምላኽ እምነት ምግባር: ንዓና ዝሓይሽ እንታይ ምዃኑ ከም ዝፈልጥ እምንቶ ምሕዳር ዘጠቓልል ኢዩ: እዚ ኸኣ ንዅሉ እቲ ምኽንያታት ናይቲ ንዓና ዝመርሓሉ ዘሎ መገዲ ንረደኣዮ ኣይንረድኣዮ ብዘየገድስ ኢዩ። ሓደ ኣብነት ካብ ሕጊ ሙሴ እስከ ንርአ። ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ሰፈር ተዋሂቡ ዝነበረ ሕጊ ንቐልቀል ዝምልከት ኰይኑ ወጻኢ ካብቲ ሰፈር ንኽድበ ዝእዝዝ ነበረ። (ዘዳግም 23:⁠13, 14) እስራኤላውያን እዚ መምርሒ እዚ ስለምንታይ ከም እተዋህበ ኣገሪምዎም ይኸውን ኢዩ: ገሊኦም ከኣ እሞ ዘየድሊ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ሕጊ እዚ ዓይንታት ማይ ንኸይብከልን ካብ ነፍሳት ዘመሓላልፍዎ ብዙሕ ሕማማት ዕቝባ ከም ዝዀኖምን ዳሕራይ ዝመጸ ሕክምናዊ ስነ⁠-​ፍልጠት ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። ብተመሳሳሊ እምበኣር ኣምላኽ ንጾታዊ ርክብ ኣብ መደቀስ ኣሚን ጥራይ ክሕጸር ዝወሰነሉ መንፈሳዊ: ማሕበራዊ: ስምዒታዊ: ኣካላዊ: ከምኡውን ስነ⁠-​ኣእምሮኣዊ ምኽንያታት ኣሎ። እስከ ሕጂ ገለ ካብቶም ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህናኦም ዝዓቀቡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ኣብነታት ንርአ።

ዮሴፍ​—⁠በቲ ዝነበሮ ስነ⁠-​ምግባራዊ ኣቕዋም ተባረኸ

10. ንዮሴፍ ከስድዖ ዝፈተነ መን ኢዩ: ከመይ ዝበለ ምላሽከ ሃበ፧

10 ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ዝሓደጎ ኣብነት ሌላ ከይሃለወካ ኣይተርፍን ኢዩ። ዮሴፍ ኣብ መበል 17 ዓመት ዕድሚኡ ጊልያ ጶጢፋር ሓለቓ ዘብዐኛታት ፈርኦን ግብጺ ዀነ። የሆዋ ንዮሴፍ ባረኾ እሞ ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ ኣዛዝ ኵሉ ቤት ጶጢፋር ክኸውን ተመዘዘ። ኣብ 20ታት ዕድሚኡ ምስ በጽሐ ኸኣ “መልክዔኛ: ትርኢቱ ድማ ጽቡቕ” ኰነ። በዓልቲ ቤቱ ንጶጢፋር ድማ ዓይና ኣውደቐትሉ: ንምስድዑ ኸኣ ሒዅ ትብል ነበረት። ዮሴፍ ግን ምስ ድሌታ ምስምማዕ ንጐይትኡ ምኽዳዕ ጥራይ ዘይኰነስ ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጢኣት’ ምዃኑ እውን ብምግላጽ ኣቕዋሙ ኣነጸረላ። ከምዚ ዝበለ ኣቕዋም ከም ዝወስድ ዝገበሮ ግን እንታይ ኢዩ፧​—⁠ዘፍጥረት 39:⁠1-9

11, 12. ካብ ምንዝርን ዝሙትን ዝኽልክል ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ መለኮታዊ ሕጊ እኳ እንተ ዘይነበረ: ዮሴፍ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ዘርሕቖ ኣተሓሳስባ ዘጥረየ ስለምንታይ ኢዩ፧

11 ብርግጽ: ዮሴፍ እቲ ተግባር ብሰባት ንኸይፍለጥ ካብ ዝብል ፍርሒ ተበጊሱ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኣይኰነን። ስድርኡ ካብቲ ንሱ ዝነበሮ ቦታ ኣዝዮም ርሒቖም ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም: ኣቦኡ እውን እንተ​ዀነ ዮሴፍ ዝሞተ ኢዩ ዝመስሎ ነይሩ። ዮሴፍ ጾታዊ ዘይስነ⁠-​ምግባር እንተ ዝፍጽም: ስድርኡ ብዛዕባዚ ዝፈልጥዎ ነገር ኣይምሃለወን። ምናልባትውን እዚ ሓጢኣት እዚ ካብ ጶጢፋርን ግዙኣቱን ክሕባእ ይኽእል ነይሩ ይኸውን: ከመይሲ ኣብቲ ቤት ዋላ ሓደ ሰብ ዘይህልወሉ እዋናት ነይሩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 39:⁠11) እንተ​ዀነ ግን: ዮሴፍ ከምዚ ዝበለ ተግባር ካብ ኣምላኽ ክሕባእ ኸም ዘይክእል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።

12 ዮሴፍ ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ዝፈልጦ ነገራት ኣጸቢቑ ሓሲብሉ ክኸውን ኣለዎ። ብዘይ​ጥርጥር ነቲ የሆዋ ኣብ ኤደን ገነት “ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ” ብምባል ዝሃቦ መግለጺ ይፈልጦ ነይሩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:⁠24) ብተወሳኺውን ሓደ ፍልስጥኤማዊ ንጉስ ንሳራ እኖሓጉኡ ከስድዓ ምስ ኣንቀደ የሆዋ ንዝበሎ ነገራት ይፈልጦ ነይሩ ይኸውን ኢዩ። የሆዋ ነቲ ንጉስ ከምዚ ዝስዕብ በሎ:- “እዛ ወሲድካያ ዘሎኻ ሰበይቲ በዓልቲ ሰብኣይ እያ እሞ: እንሆ: ብሰራ ኽትመውት ኢኻ: . . . ኣነ ድማ ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ከልከልኩኻ። ስለዚ ኽትትንክያ ኣይፈቐድኩልካን።” (ዘፍጥረት 20:⁠3, 6 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ሕጊ ገና ኣብ ዘይተዋህበሉ ግዜ እውን ከይተረፈ እምበኣር: የሆዋ ኣብ ሓዳር ዝነበሮ ኣረኣእያ ንጹር ኢዩ ነይሩ። ዮሴፍ ጽፉፍ ስነ⁠-​ምግባርን ንየሆዋ ከሐጕስ ዝብል ድሌትን ስለ ዝነበሮ ንዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ክነጽጎ ክኢሉ ኢዩ።

13. ዮሴፍ ካብ ሰበይቲ ጶጢፋር ክርሕቀሉ ዘይክእል ኵነታት ነይሩ ክኸውን ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

13 በዓልቲ ቤቱ ንጶጢፋር ግን እትሰድድ ዓይነት ሰበይቲ ኣይነበረትን: “መዓልቲ ንመዓልቲ” ምስኣ ኽድቅስ ትልምኖ ነበረት። ዮሴፍ ብቐሊሉ ካብኣ ክርሕቕ ዘይከኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧ ከም ባርያ መጠን ክፍጽሞ ዝነበሮ ግዴታ ነይርዎ ጥራይ ዘይኰነስ ኵነታቱ እውን ክልውጥ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ግብጺ ዝስራሕ ዝነበረ ኣባይቲ ናብ መኽዘን ንምእታው ብማእከል ሕልፍኚ ከም እትሓልፍ ዝገብር ምንባሩ ስነ⁠-​ጥንታዊ መርትዖታት ይሕብር። ስለዚ ዮሴፍ ካብ ሰበይቲ ጶጢፋር ክርሕቀሉ ዝኽእል ኣጋጣሚ ኣይነበሮን ክኸውን ኣለዎ።​—⁠ዘፍጥረት 39:⁠10

14. (ሀ) ዮሴፍ ካብ ሰበይቲ ጶጢፋር ምስ ሃደመ እንታይ ሰዓቦ፧ (ለ) ዮሴፍ እሙን ብምዃኑ የሆዋ ብኸመይ ባረኾ፧

14 እታ ኣብ ቤት ንበይኖም ዝነበሩላ ግዜ ድማ መጸት። በዓልቲ ቤቱ ንጶጢፋር ንዮሴፍ ብኢዳ ሒዛ “ምሳይ ደቅስ” እናበለት ግዲ በለቶ። ንሱ ግን ሃደመ። ብምእባዩ ስለ ዝጐሃየት ከኣ ክጋሰሳ ኸም ዝፈተነ ገይራ ከሰሰቶ። እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧ ዮሴፍ ንጽህንኡ ብምሕላዉ የሆዋ ብኡንቡኡዶ ዓስቢ ሂብዎ ኢዩ፧ ኣይሃቦን። አረ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩን ተመቚሑን ኢዩ። (ዘፍጥረት 39:⁠12-20፣ መዝሙር 105:⁠18) ገለ ግዜ ምስ ሓለፈ የሆዋ ነቲ ዝወረዶ በደል ረኣየሉ እሞ: ንዮሴፍ ካብ ማሕዩር ናብ ቤተ⁠-​መንግስቲ ደኣ ክብ ኣበሎ! ዮሴፍ ድማ እቲ ኣብ ግብጺ ካልኣይ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ሰብ ኰነ: ሰበይትን ውሉዳትን ብምርካብ ድማ ተባረኸ። (ዘፍጥረት 41:⁠14, 15, 39-45, 50-52) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እቲ ንንጽህና ዮሴፍ ዝምልከት ጸብጻብ 3,500 ዓመታት ይገብር ኣብ መዝገብ ከም ዝሰፍር ተገይሩ ኢዩ: እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዞም ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምእንቲ ከቕልብሉ ኢዩ። እዝስ ንጽድቃዊ ሕግታት ኣምላኽ ብምእዛዝ እተረኽበ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ! ብተመሳሳሊውን ሎሚ ንሕና ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህና ብምዕቃብና ብኡንብኡ ረብሓታት ዘይንረክብ እኳ እንተዀንና: የሆዋ ኸም ዝርኢ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ኸኣ ከም ዝባርኸና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።​—⁠2 ዜና መዋእል 16:⁠9

እዮብ ‘ምስ ኣዒንቱ ዝኣተዎ ኺዳን’

15. እዮብ ‘ምስ ኣዒንቱ ኣትይዎ ዝነበረ ኪዳን’ እንታይ ኢዩ፧

15 ካልእ ንጽህንኡ ዝዓቀበ ድማ እዮብ ኢዩ። እዮብ ካብ ሰይጣን እተፈላለየ ፈተና ክወርዶ ኸሎ ንናብርኡ ተመሊሱ ረኣዮ እሞ ነቲ ሓደ ካብ ስርዓታት የሆዋ ዝዀነ ጾታዊ ስነ⁠-​ምግባር ግሂስዎ እንተ​ድኣ ዀይኑ: ከቢድ መቕጻዕቲ ንኽወርዶ ፍቓደኛ ምዃኑ ኣፍለጠ። “ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተአታቶኹ: ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል፧” ድማ በለ። (እዮብ 31:⁠1) እዮብ ከምዚ ዝበለ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ንጽህና ምእንቲ ኽዕቅብ ዓይኑ ተኺሉ ጓል ኣንስተይቲ ርእዩ ከይምነያ ብቘራጽነት ወሲኑ ኸም ዝነበረ ንምምልካት ኢዩ። ኣብ መዓልታዊ ናብራ ህይወቱ ደቂ ኣንስትዮ ከጋጥምኦ: ሓገዝ እንተ​ድኣ ደልየን ድማ ደገፍ ምሃቡ ዘይተርፍ ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። ናይ ጾታዊ ርክብ ስምዒታዊ ምትእስሳር ክፈጥር ብዝኽእል ኣገባብ ንጓል ኣንስተይቲ ንምጥማት ግን ንገዛእ ርእሱ ኣይፈቐደላን። እቲ ዝወረዶ ፈተናታት ቅድሚ ምጅማሩ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ዝነበሮ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ: “ኻብ ኵሎም ሰብ ምብራቕ ዚበልጽ ዓብዪ ነበረ።” (እዮብ 1:⁠3) ይኹን እምበር ብዙሓት ኣንስቲ ምእንቲ ኽህልውኦ ንሃብቱ ከም መስሓቢ ኣይተጠቕመሉን። ኣብ ብዕሉግ ጾታዊ ርክብ ምእንቲ ኽጽመድ ቈነጃጁ የኳሽም ከም ዘይነበረ ንጹር ኢዩ።

16. (ሀ) እዮብ ንክርስትያናት ሰብ ሓዳር: ሰናይ ኣብነት ዝዀኖም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ምምልላስ ናይቶም ኣብ መዓልትታት ሚልክያስ ዝነበሩ ሰብኡት ካብ ናይ እዮብ ፍልይ ዝበለ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ: ብዛዕባ እዚ ዘሎናዮ ግዜኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧

16 ስለዚ እምበኣር እዮብ ኣብ ግዜ ራህዋን ጸገማን ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህንኡ ሓልዩ ኢዩ። የሆዋ ነዚ ተዓዚብዎ: ኣብዚሑ ኸኣ ጸግይዎ ኢዩ። (እዮብ 1:⁠10፣ 42:⁠12) እዮብ ንሰብኡትን ኣንስትን ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ! የሆዋ ኣዝዩ እንተ ኣፍቀሮ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን! ኣንጻር እዚ ግን ብዙሓት ሎሚ ዘለዉ ሰባት እቲ ምምልላሶም ምስቲ ኣብ መዓልትታት ሚልክያስ ዝነበረ ኣጸቢቑ ዝመሳሰል ኢዩ። እቲ ነብዪ ነቲ ብዙሓት ሰብኡት ኣንስቶም ዝጠልምሉ ዝነበሩ ኵነታት ኰኒንዎ ኢዩ: መብዛሕትኦም ንኣሽቱ ኣንስቲ ንኽምርዓዉ ኢዮም ከምዚ ዝበለ ግብሪ ዝፍጽሙ ዝነበሩ። መሰውኢ የሆዋ ብንብዓት እተን ብሰብኡተን እተጠንጠና ኣንስቲ ጠልቅዩ ብምንባሩ ኣምላኽ ነቶም ኣንስቶም ‘ዝጠለሙ’ ሰብኡት ኰኒንዎም ኢዩ።​—⁠ሚልክያስ 2:⁠13-16

ንጽህንኣ ዝሓለወት ጐርዞ

17. እታ ሱላሚት ልክዕ ከም “እተሸጐረ ገነት” ዝዀነት ብኸመይ ኢያ፧

17 ንጽህናኣ ዝሓለወት ሳልሰይቲ ኣብነት ድማ እታ ሱላሚት ኢያ። ንሳ ጐርዞን መልክዐኛን ብምንባራ ንሓደ ጓሳ ጥራይ ዘይኰነትሲ ነቲ ሃብታም ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን እውን ከይተረፈት መሲጣቶ ኢያ። ኣብ ብምልኡ እቲ ኣብ መሃልየ መሃልይ ዘሎ ማራኺ ዛንታኣ ንጹህ ምምልላስ ከም ዝነበራ እሞ ካልኦት ከኣ የኽብሩዋ ከም ዝነበሩ ተገሊጹ ኣሎ። ንሰሎሞን ኣብያቶ እኳ እንተ ዀነት: ንዛንታኣ ኣብ ጽሑፍ ንኸስፍሮ ግን ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ ኢዩ። እቲ እተፍቅሮ ዝነበረት ጓሳ እውን ስለቲ ዝነበራ ንጹህ ምምልላስ የኽብራ ነበረ። ሓንሳእ እሞ ኸኣ ከም “እተሸጐረ ገነት” ገይሩ ኣብ ኣእምሮኡ ስኢልዋ ኢዩ። (መሃልየ መሃልይ 4:⁠12) ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ምልኩዕ ገነት እተፈላለየ ባህ ዘብል ኣሕምልትን ምኡዝ ጨና ዘለዎ ዕምባባታትን ሰሰው ዝብል ኣእዋምን ዝመልኦ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ዝበለ ገነት መካበብያኡ ብኣታኽልቲ ወይ ድማ ብደጐል ይሕጸር ብምንባሩ በቲ መሸጐር ዝነበሮ ደጌታቱ ጥራይ ኢዩ ክእቶ ዝከኣል ዝነበረ። (ኢሳይያስ 5:⁠5) እቲ ናይታ ሱላሚት ስነ⁠-​ምግባራዊ ጽሬትን ምጭውናን ነቲ ጓሳ ልክዕ ከምቲ ውቁብ ገነት ሓሓሊፉ ጥራይ ዝርአ ኢዩ ዀይንዎ። ምንም ኣበር ዘይርከባ ንጽህቲ ኢያ ነይራ። ነቲ መሳጢ ፍቕራ ክረኽቦ ዝኽእል ዝነበረ ኸኣ እቲ ኣብ መጻኢ ሰብኣያ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ ነይሩ።

18. እቲ ብዛዕባ ዮሴፍ: እዮብ: ከምኡውን ብዛዕባ እታ ሱላሚት ዝገልጽ ጸብጻባት እንታይ ኢዩ ዘዘኻኽረና፧

18 ንስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህና ብዝምልከት እታ ሱላሚት ነዘን ሎሚ ዘለዋ ክርስትያን ደቂ ኣንስትዮ ብሉጽ ኣብነት ኢያ እትዀነን። የሆዋ ነቲ እዛ ሱላሚት ዝነበራ ውርዝውና ርእይዎን ኣማስይሉን ኢዩ: ከምቲ ንዮሴፍን እዮብን ዝባረኾም ከኣ ባሪኽዋ ኢዩ። መምርሒና ምእንቲ ክኸውን ድማ እቲ ናይ ንጽህንኦም ጸብጻብ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመዝጊቡልና ኣሎ። እቲ ሎሚ ንጽህና ንምዕቃብ እንገብሮ ጻዕሪ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይምዝገብ እኳ እንተ​ዀነ: የሆዋ ግን ነቶም ፍቓዱ ኽመልኡ ዝደልዩ ሰባት ዝኸውን “መጽሓፍ መዘከርታ” ኣለዎ። የሆዋ ‘ይጸናጸን’ ከም ዘሎ: ብስነ⁠-​ምግባር ንጹሃት ንምዃን ብተኣማንነት ምስ እንጽዕር ድማ ከም ዝሕጐስ ሃየ ኣይንረስዕ።​—⁠ሚልክያስ 3:⁠16

19. (ሀ) ብዛዕባ ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህና ክህልወና ዘለዎ ኣረኣእያ ከመይ ዝበለ ኢዩ፧ (ለ) ኣብታ እትስዕብ ዓንቀጽ እንታይ ኢና ክንድህስስ፧

19 ሽሕኳ እቶም እምነት ዘይብሎም ሰባት ዘባጭዉልና እንተዀኑ: ነቲ ፈቃር ፈጣሪና እዙዛት ብምዃንና ግን ንሕጐስ ኢና። ልዑል ስነ⁠-​ምግባር: እወ ኣምላኻዊ ስነ⁠-​ምግባር ዘሎና ሰባት ኢና። እዚ ክንሕበነሉ ዘሎና ነገር ኢዩ: እወ ከም ክቡር ሃብቲ ኽንዕቅቦ ኢዩ ዘሎና። ንጹህ ስነ⁠-​ምግባራዊ ኣቕዋም ምስ እንዕቅብ በረኸት ከነስተማቕርን ኣብ መጻኢ እውን ማእለያ ዘይብሉ በረኸት ናይ ምርካብ ብሩህ ተስፋ ክህልወናን ይኽእል ኢዩ። ክውንነታዊ ብዝዀነ መገዲ እንተ​ድኣ ርኢናዮ ግን: ብስነ⁠-​ምግባር ንጹሃት ንምዃን እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ ኣብዛ ስዒባ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶ እዚ ክንድህስሶ ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ 15 መጋቢት 1983 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 29-31 (እንግሊዝኛ) ተመልከት።

b እቲ ዘሕዝን ግን ንጹሃት ክርስትያናት ካብቲ መምርሒ ኣምላኽ ዘይስዕብ ዘይኣማኒ ናይ ሓዳር ብጻዮም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ዝልከፍሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ።

ምገለጽካዮዶ፧

• ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዝመጸ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝምህር፧

• እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላ “ምንዝር” እትብል ቃል እንታይ ኢያ እተጠቓልል፧

• ብስነ⁠-​ምግባር ንጹሃት ምስ እንኸውን እንታይ ረብሓ ኢና እንረክብ፧

• ዮሴፍ: እዮብ: ከምኡውን እታ ሱላሚት ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ሰናይ ኣብነት ዝዀንዎም ብኸመይ ኢዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ዮሴፍ ካብ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ሃዲሙ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እታ ሱላሚት ልክዕ ከም “እተሸጐረ ገነት” ኢያ ነይራ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

እዮብ ‘ምስ ኣዒንቱ ኪዳን ’ ገበረ