ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዚሕካ ምልጋስ ሓጐስ የምጽእ

ኣብዚሕካ ምልጋስ ሓጐስ የምጽእ

ኣብዚሕካ ምልጋስ ሓጐስ የምጽእ

 ሃዋርያ ጳውሎስ ፈቃር ክርስትያን ሽማግለ ከም ምዃኑ መጠን ንኣመንቲ ብጾቱ ኣጸቢቑ ይሓልየሎምን ክሕግዞም ይደልን ነበረ። (2 ቈረንቶስ 11:⁠28) ስለዚ: ኣብ መፋርቕ 50ታት ናይ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ድኻታት ክርስትያናት ገንዘባዊ ውጽኢት ክግበር ከመሓድር ከሎ: ነቲ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ልግሲ ጠቓሚ ትምህርቲ ንምሃብ ተጠቕመሉ። ጳውሎስ ተሓጒስካ ንእትገብሮ ወፈያ የሆዋ ክብ ኣቢሉ ከም ዝርእዮ ንምሕባር ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ኣጕልሐ:- “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ።”​—⁠2 ቈረንቶስ 9:⁠7

ኣዝዮም ድኻታት ግን ከኣ ለጋሳት

መብዛሕትኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብቲ ማሕበረሰብ ጕሉሕ ቦታ ኣይነበሮምን። ጳውሎስ “ብዙሓት ስልጡናት” ከም ዘይነበርዎም ተዓዚቡ ኢዩ። ‘ናይዛ ዓለም እዚኣ ድኹማት’ ከምኡውን ‘ብዓለም ሕሱራት’ ኢዮም ነይሮም። (1 ቈረንቶስ 1:⁠26-28) ንኣብነት: እቶም ኣብ መቄዶንያ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ‘ጥልቂ ዝዀነ ድኽነትን ብዙሕ ጸበባን’ ኢዮም ነይሮም። እዞም ኣብ መቄዶንያ ዝነበሩ ትሑታት ኣመንቲ ግን ‘ንሕብረት ምግልጋል ቅዱሳን’ ገንዘባዊ ውጽኢት ንኽገብሩ ለመኑ፣ እቲ ዝገበርዎ ውጽኢት ድማ ‘ሓለፋ ዓቕሞም’ ምንባሩ ጳውሎስ መስከረ!​—⁠2 ቈረንቶስ 8:⁠1-4

ከምዚ ዝኣመሰለ ልግሲ ብብዝሒ ናይቲ እተገብረ ውጽኢት ኣይኰነን ዝምዘን ነይሩ። ኣብ ክንድኡስ: ድራኸ: ንኸተማቕል ፍቓደኛ ምዃን: ከምኡውን ናይ ልቢ ዝንባለ ኢዩ ኣገዳሲ ነይሩ። ጳውሎስ ውጽኢት ኣብ ምግባር ኣእምሮን ልብን እቱው ምዃኑ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ሓቢርዎም ኢዩ። ከምዚ ድማ በሎም:- “ብኣኻትኩም ኣብ መቄዶናውያን ዝሕበነሉ ፍቓድ ልብኹምን ቅንኣትኩምን ንብዙሓት ሰብ ከም ዝሰሐለትን: እፈልጥ እየ።” ብልግሲ ንምሃብ ‘ብልቦም ሓሊኖም’ ነበሩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 9:⁠2, 7

‘መንፈሶም ኣለዓዓሎም’

ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ከሎ ነቲ ቅድሚ 15 ዘመናት ኣብ በረኻ እተፈጸመ ኣብነት ናይ ልግሲ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቶም 12 ነገዳት እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ወጺኦም ኣብ እግሪ ከረን ሲና ነበሩ። የሆዋ ኸኣ ንኣምልኾ ዝኸውን ማሕደር ክሃንጹን ኣቝሑ ክገብርሉን ኣዘዞም። እዚ ብዙሕ ንብረት ዘድልዮ ስራሕ ብምንባሩ እቶም ህዝቢ ውጽኢት ንኽገብሩ ዕድመ ተገብረሎም።

እስራኤላውያን እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ ‘ነፍሲ ወከፍ ልቡ ዝደፋፍኦ መጸ: ኵሉ መንፈሱ ፍቓድ ዘልዓለሉ ንመስርሒ ድንኳን ምርኻብ ንእግዚኣብሄር ህያብ ኣምጽአ።’ (ዘጸኣት 35:⁠21) እቶም ህዝቢ ብልግሲ ድዮም ሂቦም፧ እወ ኣኺሉ ክሳዕ ዝተርፍ ኢዮም ሂቦም! ንሙሴ “እዚ ህዝቢ ነቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ዝአዘዞ ዕዮ ንምዕያይ ሓለፋ እቲ ዜድሊ የምጽእ አሎ” ዝብል ጸብጻብ ኢዩ ተዋሂብዎ።​—⁠ዘጸኣት 36:⁠5

ኣብቲ ግዜ እቲ ቍጠባዊ ኵነታት እስራኤላውያን ከመይ ነበረ፧ ካብቲ ‘ጸበባ ናይ ብርቱዕ ዕዮ:’ ‘መሪር ህይወት:’ ከምኡውን ከርፋሕ ናብራ ካብ ዝገላገሉ ነዊሕ ኣይገበሩን። (ዘጸኣት 1:⁠11, 14፣ 3:⁠7፣ 5:⁠10-18) ስለዚ ሃብታማት ኢዮም ነይሮም ምባል ዘይመስል ነገር ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: እስራኤላውያን ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ሒዞም ኢዮም ካብታ ባሮት ኰይኖም ዝግዙኡላ ዝነበሩ ሃገር ወጺኦም። (ዘጸኣት 12:⁠32) እንተ​ዀነ ግን: እዚ ብዙሕ ኣብ ግምት ዝኣቱ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ: ከመይሲ ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ነዊሕ ከይጸንሑ ዝብላዕ ስጋ ዀነ እንጌራ ከም ዘይብሎም ብምግላጽ ኣጕረምሪሞም ኢዮም።​—⁠ዘጸኣት 16:⁠3

እሞ ደኣ እስራኤላውያን ነቲ መስርሒ ማሕደር ዝኸውን ዘዋጽእዎ ክቡር ነገራት ካበይ ኢዮም ረኺቦሞ፧ ካብቶም ቀደም ጐይተቶም ዝነበሩ ግብጻውያን ኢዮም ረኺቦም። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- ‘ደቂ እስራኤል ካብ ግብጻውያን ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ለመኑ። [እቶም ግብጻውያን] ከኣ ዝደለይዎ ዅሉ ሃብዎም።’ እዚ ብግብጻውያን እተራእየ ልግሲ ካብ የሆዋ ዝመጸ በረኸት ደኣ እምበር ፈርኦን ዝሃቦም ኣይኰነን። እቲ መለኮታዊ መዝገብ ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ህዝቢ ዝደለይዎ ዅሉ ኺህብዎም ኣብ ቅድሚ ሰብ ግብጺ ሞገስ ሀቦም።”​—⁠ዘጸኣት 12:⁠35, 36

እስራኤላውያን ከመይ ከም እተሰምዖም እሞ ሕስብ ኣብሎ። ንመዋእላት ብመሪር ባርነትን ስእነትን ተሳቕዮም ኢዮም። ዳሕራይ ግን ናጻን ጥሪት ዘለዎምን ኰኑ። ንገለ ክፋል ናይቲ ጥሪት ክልግሱ ምስ ተሓተቱ ከመይ ኰን ይስምዖም ይኸውን፧ ጻማ ጻዕሮም ብምዃኑ ንገዛእ ርእሶም ጥራይ ክጥቀምሉ መሰል ከም ዘለዎም ክስምዖም ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ ንምድጋፍ ወፈያ ክገብሩ ጻውዒት ምስ ቀረበሎም ብፍቓዶምን ብልግስን ሃቡ! ነቲ ንብረት እቲ ክረኽቡ ዘኽኣሎም የሆዋ ምዃኑ ኣይረስዑን። ስለዚ ካብ ብሩሮምን ወርቆምን ማሎምን ኣኺሉ ክሳዕ ዝተርፍ ሃቡ። “ፍታው ልቢ” ነበሮም። ‘ልቦም ደፋፊእዎም:’ ‘መንፈሶም ድማ ኣለዓዒልዎም’ ኢዩ። ብሓቂ “ብፍታው ህያብ ንእግዚኣብሄር” ኢዩ ነይሩ።​—⁠ዘጸኣት 25:⁠1-9፣ 35:⁠4-9, 20-29፣ 36:⁠3-7

ንምሃብ ድሉው ምዃን

መጠን ናይቲ ውጽኢት ንልግሲ ናይቲ ወሃቢ መዐቀኒ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ሓደ እዋን የሱስ ክርስቶስ ሰባት ኣብ ሳጹን ምጽዋት ገንዘቦም ከውድቑ ኸለዉ ተዓዘበ። ሃብታማት ብዙሕ ገንዘብ ኣውደቑ: የሱስ ግን ሓንቲ ድኻ መበለት ኣዝዩ ትሑት ዋጋ ዘለወን ክልተ ሳንቲም ከተውድቕ ከላ ምስ ረኣየ ተመሰጠ። ከምዚ ድማ በለ:- ‘ካብ ኵላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኣውደቐት: ካብ ስእነታ ዘለዋ ዅሉ ምግባ ኢያ ዘውደቐት።’​—⁠ሉቃስ 21:⁠1-4፣ ማርቆስ 12:⁠41-44

ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ዝበሎም ነገራት ምስዚ ሓሳብ እዚ ዝሰማማዕ ነበረ። ነቶም ድኻታት ኣመንቲ ብጾት ንምሕጋዝ ውጽኢት ብዛዕባ ምግባር ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “ፍቓድ ልቢ እንተ አልዩስ: በቲ ዘለዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር: ብዜብሉ ኣይኰነን።” (2 ቈረንቶስ 8:⁠12) እወ: ወፈያ ብምውድዳር ዝግበር ነገር ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ካብቲ ዘለዎ ኢዩ ዝህብ: የሆዋ ኸኣ በቲ ናይ ልግሲ መንፈስ ይሕጐስ ኢዩ።

ነቲ ንዅሉ ነገር ዝውንን የሆዋ ዋላ ሓደ ሰብ ሃብቲ ክውስኸሉ ዘይክእል እኳ እንተ​ዀነ: ወፈያ ምግባር ግን እቶም ኣምለኽቲ ንዕኡ ዘለዎም ፍቕሪ ንምግላጽ መሰል ንኽረኽቡ ኣጋጣሚ ዝኸፍት ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 29:⁠14-17) ንረኣዩለይ ኢልካ ወይ ብኻልእ ናይ ስስዐ ድራኸ ዘይኰነስ: ብቕንዕና ሓቀኛ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ዝግበር ወፈያ ሓጐስን በረኸት ኣምላኽን የምጽእ። (ማቴዎስ 6:⁠1-4) የሱስ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ [“የሐጕስ:” NW  ]” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35) ጉልበትና ንኣገልግሎት የሆዋ ብምውፋይ ከምኡውን ገለ ካብ ንብረትና ንሓቀኛ ኣምልኾ ንምድጋፍን ነቶም ዝግብኦም ሰባት ንምሕጋዝን ብምምዳብ እዚ ሓጐስ እዚ ክንረክብ ንኽእል ኢና።​—⁠1 ቈረንቶስ 16:⁠1, 2

ሎሚ ንምሃብ ዘሎ ቅሩብነት

ሎሚ ዕዮ ስብከት “ወንጌል መንግስቲ” ብዓለምለኸ ደረጃ ይዓቢ ብምህላዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጸቢቖም ይሕጐሱ ኢዮም። (ማቴዎስ 24:⁠14) ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመታት ናይ መበል 20 ዘመን: ልዕሊ 3,000,000 ሰባት ንየሆዋ ህይወቶም ከም ዝወፈዩ ብጥምቀት ኣርእዮም: 30,000 ኣቢለን ዝዀና ሓደስቲ ጉባኤታት ከኣ ተመስሪተን ኢየን። እወ: ሓደ ሲሶ ካብዘን ሎሚ ዘለዋ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኢየን ተመስሪተን! መብዛሕትኡ እዚ ወሰኽ እዚ ፍረ ናይቶም ናብ ሰባት ብምኻድ ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ ንምንጋር ግዜኦምን ጉልበቶምን ዝውፍዩ ብትግሃት ዝዓዩ ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ኢዩ። ገለ ካብዚ ወሰኽ እቶም ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽድግፉ ኢሎም ዓዶም ገዲፎም ናብ ርሑቕ ሃገራት ዝኸዱ ሚስዮናውያን ዘፍረይዎ ኢዩ። ወሰኽ ስለ እተገብረ ሓደስቲ ወረዳታት ምቛም ኣድለየ: እዚ ድማ ሓደስቲ ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ክምዘዙ የድሊ ማለት ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ንዕዮ ስብከትን ንናይ ብሕቲ መጽናዕትን ዝኸውን ተወሳኺ ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን ጽሑፋት ኣድልዩ ኢዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ናይ ጨንፈር ህንጻታት ክሰፍሕ ወይ ብኻልእ ዝዓበየ ህንጻታት ክትካእ ኣድልዩ ኢዩ። እዚ ዅሉ በቲ ህዝቢ የሆዋ ብወለንታ ዝገብርዎ ውጽኢት ኢዩ ዝሽፈን።

ኣደራሻት መንግስቲ የድሊ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወሰኽ ክገብሩ ኸለዉ ኣድላይነቱ ጐሊሑ ካብ እተራእየ ነገራት ሓደ ኣደራሻት መንግስቲ ኢዩ። ኣብ መጀመርታ 2000 እተገብረ መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ ኣብተን ቍጠባዊ ጸገማት ዘለወን ዘይማዕበላ ሃገራት ልዕሊ 11,000 ዝኸውን ኣደራሻት መንግስቲ የድሊ ኣሎ። ንኣብነት: ኣንጎላ ንውሰድ። ኣብዛ ሃገር እዚኣ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ውግእ ሓድሕድ እኳ እንተሎ: ኣብ ዓመት ብገምጋም 10 ሚእታዊት ወሰኽ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተርኢ ኣላ። ይኹን እምበር: መብዛሕትአን ካብተን 675 ጉባኤታት ናይዛ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ዓባይ ሃገር ኣብ ግዳም ኢየን ዝእከባ። ኣብታ ሃገር 22 ኣደራሻት መንግስቲ ጥራይ ኣለዋ: ካብዚኣተን ድማ እተን 12 ጥራይ ኢየን ናሕሲ ዘለወን።

ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እውን ተመሳሳሊ ኵነታት ኢዩ ዘሎ። ኣብታ ርእሲ ከተማ: ኪንሻሳ: ዳርጋ 300 ጉባኤታት እኳ እንተለዋ: ኣብታ ከተማ ዓሰርተ ኣደራሻት መንግስቲ ጥራይ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ብምልእታ እታ ሃገር ልዕሊ 1,500 ኣደራሻት መንግስቲ ብህጹጽ የድሊ ኣሎ። ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ቅልጡፍ ዕቤት ስለ ዘሎ: ሩስያን ዩክረይንን ብድምር ብኣማእታት ዝቝጸር ኣደራሻት መንግስቲ ከም ዘድልየን ጸብጻብ ሂበን ኣለዋ። እቲ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዘሎ ቅልጡፍ ዕቤት ኣብ ብራዚል ኢዩ ጐሊሑ ዝርአ፣ ኣብታ ሃገር እቲኣ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ: ብዙሕ ተወሳኺ ኣደራሻት መንግስቲ ድማ የድሊ ኣሎ።

ነዘን ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ሃገራት ዘድልየን ነገራት ንምምላእ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደራሻት መንግስቲ ብቕልጡፍ ዝህነጸሉ ፕሮግራም የተኣታትዉ ኣለዉ። እዚ ፕሮግራም እዚ በቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋት ብልግሲ ዝገብርዎ ውጽኢት ኢዩ ዝምወል፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ እታ ዝደኸየት ጉባኤ እውን ከይተረፈት ምቹእ ናይ ኣምልኾ ቦታ ክህልዋ ይኽእል።

ከምቲ ኣብታ ጥንታዊት እስራኤል እተገብረ: ሎሚ እውን ብዙሕ ክዕየ ይከኣል ኢዩ: ከመይሲ ቅኑዓት ክርስትያናት ‘ብጥሪቶም ንእግዚኣብሄር የኽብርዎ’ ኢዮም። (ምሳሌ 3:⁠9, 10) በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንነፍሲ ወከፍ ኣብዚ ብፍታው ዝግበር ልግሲ ንኽሳተፍ ልቡ ዝደረኾ ዘበለ ዓሚቝ ምስጋንኡ ክገልጽ ይደሊ። መንፈስ የሆዋ ነቲ ብቐጻሊ ዝሰፍሕ ዘሎ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ዕዮ ንምድጋፍ ልቢ ሰባት ከም ዘለዓዕል ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

እዚ ዓለምለኻዊ ወሰኽ ክቕጽል ከሎ: ጉልበትናን ግዜናን ጥሪትናን ኣብ ምሃብ ሕጕሳትን ፍቓደኛታትን ከም ዝዀንና እነርእየሉ ኣጋጣሚታት ንድለ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምሃብ መንፈስ ዘምጽኦ ሓቀኛ ሓጐስ ከኣ ነስተማቕር።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

“ብጥበብ ተጠቐሙሉ!”

“ጓል ዓሰርተ ዓመት ኢየ። ነዚ ገንዘብ እዚ ዝሰደልኩም ዘለኹ መጻሕፍቲ ንምሕታም ዘድሊ ወረቐት ወይ ልእ ነገር ንኽትዕድጉሉ ኢለ ኢየ።”​—⁠ሲንዲ

“ብዙሕ መጻሕፍቲ ምእንቲ ክትሓትሙልና ነዚ ገንዘብ እዚ ክሰደልኩም ባህ እብለኒ። ንኣቦይ ብምሕጋዝ ዝረኸብክዎ ገንዘብ ኢዩ። ስለዚ ብጥበብ ተጠቐሙሉ!”​—⁠ጓል ሸውዓተ ዓመት ፓም

“በቲ ህቦቡላ ዘስዓቦ ጸገማት ሓዚነ ኢየ። ደሓን ክትኰኑ ተስፋ እገብር። ኣብ ሳጹነይ ኣዋህሊለዮ ዝጸናሕኩ ገንዘብ እዚ [2 ዶላር ኣመሪካ] ጥራይ ኢዩ።”​—⁠ጓል ኣርባዕተ ዓመት ኣሊሰን

“ስመይ ሩዲ ኢዩ: ወዲ 11 ዓመት ኢየ። ራልፍ ሓወይ ድማ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ኢዩ። ጁዲት ሓብተይ ከኣ ጓል ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኢያ። [ኣብ ውግእ ዘለወን ሃገራት] ንዝርከቡ ኣሕዋትና ንምሕጋዝ ነቲ ዝወሃበና ገንዘብ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከነዋህልል ጸኒሕና ኢና። ነዚ ንሰደልኩም ዘሎና 20 ዶላር ከኣ ከነዋህልል ክኢልና።”

“እቶም [ብህቦብላ ጕድኣት ዝወረዶም] ኣሕዋት የደንግጹኒ ኢዮም። ምስ ኣቦይ እናዓየኹ 17 ዶላር ከዋህልል ክኢለ ኣለኹ። ባዕልኹም ወሲንኩም ኣብ ሓደ መዓላ ከተውዕልዎ ኢለ ነዚ ገንዘብ እዚ እሰደልኩም ኣለኹ።”​—⁠ወዲ ሸሞንተ ዓመት ማክለይን

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን]

ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ውጽኢታት

ንምግባር ገሊኦም ዝጥቀምሉ ኣገባባት

ብዙሓት ኣብቲ “ነቲ ናይ ማሕበር ዓለምለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ውጽኢት—ማቴዎስ 24:14” ዝብል እተጻሕፎ ናይ ውጽኢት ሳጹናት ዘእትውዎ እተወሰነ ገንዘብ ይፈልዩ ወይ ይምድቡ። ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ዝርከብ ዓለምለኻዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ወይ ናብቲ ናይቲ ኸባቢ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ይልእካኦ።

ብወለንታ ዝግበር ናይ ገንዘብ ወፈያታት: ብቐጥታ ናብ Treasurer’s Office, Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania, 25 Columbia Heights, Brooklyn, New York 11201-2483 ኢልካ ክልኣኽ ወይ ከኣ በቲ ንሃገርካ ዘገልግል ቤት ጽሕፈት ማሕበር ኣቢሉ ክስደድ ይከኣል ኢዩ። ስልማት ወይ ካልእ ክቡር ነገራት እውን ምውፋይ ይከኣል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ህያብ ብዘይ​­ገለ ገደብ እተዋህበ ምዃኑ ዝነግር ሓጺር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ክለኣኽ ኣለዎ።

ክምለስ ዝኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ

ፍሉይ ስምምዕ ብምግባር ገንዘብ ንማሕበር ክዋሃብ ይከኣል ኢዩ። እቲ ዝሃበ ሰብ ንብሕቲ ጕዳይ ክጥቀመሉ እቲ ገንዘብ ምስ ዘድልዮ ይምለሰሉ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ በጃኻ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ተጠቒምካ ናብ ተሓዝ መዝገብ ጸሓፍ።

ብመደብ ዝግበር ልግሲ

ብጀካ እቲ ብዘይ​­ገለ ገደብ ዝግበር ናይ ገንዘብ ህያብን ክምለስ ዝኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብን: ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝካየድ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ ካልእ ናይ ምሃብ ኣገባባት እውን ኣሎ። ነዚ ዝስዕብ ድማ ዘጠቓልል ኢዩ:-

መድሕን:- ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ/እስትሕጋግ ክፍሊት ተጠቃሚት ከም ዝዀነት ገይርካ ስም ክመሓላለፈላ ይከኣል ኢዩ።

ናይ ባንክ ሕሳብ:- ናይ ባንክ ሕሳብ: ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት: ወይ ናይ ውልቀ⁠-​­ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዝፈቕዶ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብሓደራ ክወሃብ ወይ ኣብ ግዜ ሞት ተጠቃሚት ምዃና ክግለጽ ይከኣል ኢዩ።

ኣክሲዮንን ቦንድን:- ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ​­ገለ ገደብ እተዋህበ ህያብ ኰይኑ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክውፈ ይከኣል ኢዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት:- ክሽየጥ ዝኽእል ዘይንቀሳቐስ ንብረት: ብዘይ​­ገለ ገደብ እተዋህበ ህያብ ወይ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ክዀነሉ ዝኽእል መደብ ብምግባር ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክውፈ ይከኣል ኢዩ። ሓደ ሰብ ዝዀነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ንማሕበር ንምሃብ ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳዱ ምስ ማሕበር ክራኸብ ኣለዎ።

ለበዋን ሕድርን:- ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ለበዋ ብምግባር ጥሪት ወይ ገንዘብ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ከተውርሳ ይከኣል ኢዩ: ወይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚት ክትከውን ስም ክመሓላለፈላ ይከኣል ኢዩ። ንሃይማኖታዊ ማሕበር ዝወሃብ ሕድሪ: ገለ ናይ ቀረጽ ምጕዳላት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።

እቲ “ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ዝብል ስያመ ከም ዝገልጾ: እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዝውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዝሓትት ኢዩ። ነቶም ብገለ ልግሲ ዝመልኦ መደብ ገይሮም ንማሕበር ክጠቕሙ ዝደልዩ ውልቀ⁠-​­ሰባት ንምሕጋዝ: ማሕበር ቻሪታብል ፕላኒን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትበሃል ብሮሹር ብእንግሊዝኛን ብቛንቋ ስጳኛን ኣዳልያ ኢያ። እታ ብሮሹር ነቲ ንህያባትን ለበዋን ሕድርን ዝምልከት ማሕበር እተቐበለቶ ብዙሕ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ ኢያ ተዳልያ። ብዘይ​­ዚውን እታ ብሮሹር ንንብረትን ገንዘብን ንናይ ቀረጽ መደብ ምግባርን ዝምልከት ተወሳኺ ጠቓሚ ሓበሬታ ሒዛ ኣላ። ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ ሕጂ ንማሕበር ፍሉይ ህያብ ክህቡ ወይ ኣብ ግዜ ሞት ከውርሱ ዝብህጉ ውልቀ⁠-​­ሰባት ንስድራ​­ቤቶምን ንብሕታዊ ኵነታቶምን ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ኣዝዩ ጠቓምን ኣስላጥን ኣገባብ ምእንቲ ኽመርጹ ንምሕጋዝ ተባሂላ እውን ኢያ ተዳልያ። ቅዳሕ ናይዛ ብሮሹር እዚኣ ብቐጥታ ካብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ብምሕታት ክርከብ ይከኣል ኢዩ።

ብዙሓት ነዛ ብሮሹር እዚኣ ብምንባብን ምስቶም ኣብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ዝሰርሑ ብምምይያጥን ንማሕበር ክሕግዙ: ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዝርከብ ናይ ምጕዳል ቀረጽ ረብሓታት ከኣ ከዕብይዎ ክኢሎም ኢዮም። እቲ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ከምዚ ዝኣመሰለ መደባት ክሕበርን ነቲ ጕዳይ ዝገልጽ ቅዳሕ ናይቲ ሰነድ ክዋሃቦን ኣለዎ። በቲ ብመደብ ዝግበር ናይ ምሃብ ምድላዋት ኣቢልካ ክትውፊ ትደሊ እንተ​­ድኣ ዄንካ በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ኣድራሻ ገይርካ ወይ ድማ ናብቲ ንሃገርካ ዘገልግል ቤት ጽሕፈት ማሕበር ብምጽሓፍ ወይ ብምድዋል ምስቶም ኣብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ዝሰርሑ ኣሕዋት ክትራኸብ ኣሎካ።

CHARITABLE PLANNING OFFICE

Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania

100 Watchtower Drive, Patterson, New York 12563-​9204

Telephone: (845) 306-​0707