ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓለምለኻዊ ሰላም ብኸመይ፧

ዓለምለኻዊ ሰላም ብኸመይ፧

ዓለምለኻዊ ሰላም ብኸመይ፧

 ዓለምለኻዊ ሰላም ድሕሪ ሓጺር እዋን ክርከብ ድዩ፧ ብዙሓት ክብጻሕ ዝኽእል ይመስሎም ነይሩ ኢዩ: ሕጂ ግን ይጠራጠሩ ኣለዉ። ብመሰረት ሓደ ኣብ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ደይሊ መይል ኤንድ ጋርድያን ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ዝወጸ ብዛዕባ መጻኢ ብድሆታት ዝገልጽ ጸብጻብ “እቲ ቅድሚ 10 ዓመታት ብዛዕባ ሓድሽ ዓለምለኻዊ ስርዓት ዝግበር ዝነበረ ትንበያ: ሕጂ ተስፋ ዘይብሉ ትምኒት ኢዩ ዝመስል” በለት።

እቶም ጸሓፍቲ ካብቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ሰፊኑ ዝነበረ ትስፉው ሃዋሁው ተበጊሶም ኢዮም ተዛሪቦም። እቲ ዝሑል ኲናት ሽዑ ኢዩ ኣብቂዑ: ናይ ልዕለ⁠-​ሓያላን ግጭት ድማ ተወድአ። ብዙሓት ሰባት ኣብቲ መፈለምታ ሓድሽ መዋእል ኰይኑ እተራእዮም እዋን ደቅሰብ ንድኽነት: ሕማም: ከምኡውን ንኣከባብያዊ ጕዳያት ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ዓቢ ስጕምቲ ክወስዱ ኢዮም ዝብል ትጽቢት ነበሮም። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ሕጂ እቲ ትንቢታት እቲ ክብጻሕ ዘይክእል ትምኒት ኰይኑ ዝተረፈ ኢዩ ዝመስል። ቅድሚ ሕጂ ኣቓልቦ ገይርናሉ ኣብ ዘይንፈልጥ ቦታታት ሓድሽ ግጭታት ይለዓል ኣሎ፣ ናይ ዓለም ድኽነት እውን እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዘለወን ክልተ ሓደስቲ ሃገራት ኣለዋ። ሕ.ሃ. ነቲ ብተኸታታሊ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ክገትኦ ብዘይ​ምኽኣሉ: እቲ ዝወሃቦ ዝነበረ ልዑል ግምት ይዳኸም ኢዩ ዘሎ። እቲ ሰፊኑ ዘሎ ኣረኣእያ ካብ ብሩህ ናብ ጽልሙት መጻኢ ይቕየር ኣሎ።”

ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ወድሰብ ዝገብሮ ጻዕርታት ክሳዕ ክንደይ ብሉጽ እውን ይኹን ብዘየገድስ ምሉእ ብምሉእ ክዕወት ከም ዘይክእል ይርድኡ ኢዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ኢያ ተታሒዛ ዘላ።’ (1 ዮሃንስ 5:⁠19) ዓለም ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር ሰይጣን ክሳዕ ዘላ ከምቲ ኣምላኽ ዝፈጠራ ገነት ክትከውን ኣይትኽእልን ኢያ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ግን ብሩህ ተስፋ ንኽንሕዝ መሰረት ኣሎና። የሆዋ ኣምላኽ ዓለምለኻዊ ሰላም ንኸምጽእ ተመባጺዑ ኢዩ፣ ከምዚ ዝገብር ግን ነዚ ኣገባብ እዚ ብምምሕያሽ ዘይኰነስ ‘ጽድቂ ዝነብረላ ሓዳስ ምድሪ’ ብምምጻእ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) እወ: መንግስቲ ኣምላኽ ንፕላኔትና ናብ ሰላማዊትን ባህ እተብልን መንበሪት ክትቅይራ ኢያ: ሽዑ ህይወትን ስራሕን ንዅሎም እዙዛት ደቅሰብ ብቐጻሊ ዘሐጕስ ክኸውን ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ኢሉ ተማባጺዑ ኣሎ። እዚ መብጽዓታት እዚ ኣብ ዘየተኣማምን ናይ ሰባት ትንቢታት እተመስረተ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ኣብቲ ኣብ ባይታ ዘይወድቕ ቃል ናይቲ ዘይሕሱ ፈጣሪ እተመስረተ ኢዩ።​—⁠ራእይ 21:⁠4፣ ቲቶስ 1:⁠2