ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሎሚ ኣገልገልቲ ኣምላኽ መን ኢዮም፧

ሎሚ ኣገልገልቲ ኣምላኽ መን ኢዮም፧

ሎሚ ኣገልገልቲ ኣምላኽ መን ኢዮም፧

“ክእለትና ኻብ ኣምላኽ . . . እዩ እሞ: ንሱ ኸኣ . . . ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ከኣልቲ ገበረና።”​—⁠2 ቈረንቶስ 3:5, 6

1, 2. ኵሎም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ሓላፍነት ኢዮም ተሰኪሞም ዝነበሩ: ጸኒሑ ግን እቲ ኵነታት እተለወጠ ብኸመይ ኢዩ፧

 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከም ኣቈጻጽራ ዘመንና ዝነበሩ ኵሎም ክርስትያናት ኣገዳሲ ሓላፍነት ተሰኪሞም ነበሩ። እዚ ኸኣ ብስራት ናይ ምስባኽ ሓላፍነት ኢዩ። ኵሎም ቅቡኣት ኣገልገልቲ ናይቲ ሓድሽ ኪዳን ኢዮም ነይሮም። ገሊኣቶም ከኣ ከም ኣብ ጉባኤ ንኻልኦት ምምሃር ዝኣመሰለ ተወሳኺ ሓላፍነት ነበሮም። (1 ቈረንቶስ 12:⁠27-29፣ ኤፌሶን 4:⁠11) ወለዲ ኣብ ውሽጢ ስድራ​ቤቶም ከቢድ ሓላፍነት ነይርዎም ኢዩ። (ቈሎሴ 3:⁠18-21) ይኹን እምበር: ኵሎም ኣብቲ መሰረታውን ኣገዳስን ዕዮ ስብከት ይካፈሉ ነበሩ። ኣብቲ በዅሪ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እዚ ሓላፍነት እዚ ዲ·ያ·ኮ·ኒʹያ ማለት ኣገልግሎት ኢዩ ዝበሃል።​—⁠ቈሎሴ 4:⁠17

2 ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግን ኵነታት ተለወጠ። ናይ ምስባኽ መሰል ኣብ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ከም ዝሕጸር ዝገብር ቤተ⁠-​ክህነት ዝበሃል ጕጅለ ክቕልቀል ጀመረ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠30) ቤተ⁠-​ክህነት ኣብ መንጎ እቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ኣዝዮም ሒደት ኣባላት ዝነበርዎ ጕጅለ ኢዩ። እቶም ዝበዝሑ ግን ምእመናን ተባሂሎም ኢዮም ዝፍለጡ። እቶም ምእመናን ንመነባብሮ እቶም ካህናት ዝኸውን መባእ ምሃብ ዘጠቓልል እተወሰነ ግዴታታት ከም ዘለዎም ዝማሃሩ እኳ እንተዀኑ ኣብ ስብከት ግን መብዛሕትኦም ስጕምቲ ዘይወስዱ ሰማዕቲ ጥራይ ኢዮም።

3, 4. (ሀ) ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዘለዉ ውልቀ⁠-​ሰባት ኣገልገልቲ ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ኣገልጋሊ ዝቝጸር መን ኢዩ: ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን እተፈልየ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

3 እቶም ካህናት ኣገልገልቲ (ካብታ “ኣገልጋሊ” ዝትርጕማ ዲ·ያ ʹኮ·ኖስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እተወስደት) ኢና በሃልቲ ኢዮም። a ኣብዚ ንኽበጽሑ ኸኣ ካብ ኮሌጅ ወይ ካብ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ብምምራቕ ይቕብኡ። ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “‘ምቕባእ’ ከምኡውን ‘ቅብኣት’ ዝብላ ቃላት: ቃል ኣምላኽ ናይ ምእዋጅ ወይ ሃይማኖታዊ ጽንብል ናይ ምክያድ ወይ ከኣ ክልቲኡ ናይ ምፍጻም ስልጣን ብምጕላሕ ወግዓዊ ብዝዀነ ጽንብላት ኣገልገልቲ ወይ ካህናት ንኽዀኑ ዝወሃብ ፍሉይ መዝነት ንምምልካት ኢየን ብልምዲ ዝዝውተራ።” ነቶም ኣገልገልቲ ዝቐብኦም ወይ ዝምዝዞም መን ኢዩ፧ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “ኣብተን ገና ብኣቡናት ዝምርሓ ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት: ኵሉ ግዜ እቲ ዝቐብእ ኣገልጋሊ ኣቡን ኢዩ። ኣብተን ናይ ፕረስባይተርያን ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት ድማ እቲ ቅብኣት በቶም ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ዘለዎም ኣካል ኢዩ ዝካየድ።”

4 ስለዚ እምበኣር ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ኣገልጋሊ ናይ ምዃን መሰል ኣብ እተወሰኑ ሰባት እተሓጽረ ኢዩ። ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ከምኡ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ እተወሰኑ ሰባት ጥራይ እተሓጽረ ኣይነበረን።

ብሓቂ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝበሃሉ መን ኢዮም፧

5. ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ከም ኣገልገልቲ ኰይኖም ዝዓዩ ንመን እውን ዘጠቓልሉ ኢዮም፧

5 ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ኵሎም ኣምለኽቲ የሆዋ​—⁠ሰማያውያን ይኹኑ ምድራውያን​—⁠ኣገልገልቲ ኢዮም። መላእኽቲ ንየሱስ ኣገልጊሎምዎ ኢዮም። (ማቴዎስ 4:⁠11፣ 26:⁠53፣ ሉቃስ 22:⁠43) መላእኽቲ እውን “ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም” እተመደቡ ኢዮም። (እብራውያን 1:⁠14፣ ማቴዎስ 18:⁠10) የሱስ ኣገልጋሊ ኢዩ ነይሩ። ‘ወዲ ሰብ ከገልግል እምበር: ከገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን’ ከኣ በለ። (ማቴዎስ 20:28፣ ሮሜ 15:⁠8) ስለዚ እምበኣር ሰዓብቲ የሱስ ‘ኣስኣሰሩ ኽስዕቡ’ ስለ ዘለዎም ንሳቶም እውን ኣገልገልቲ ክዀኑ ኣለዎም እንተ ተባህለ ኣየገርምን ኢዩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 2:⁠21

6. ደቀ መዛሙርቱ ኣገልገልቲ ክዀኑ ከም ዘለዎም የሱስ ብኸመይ ኢዩ ሓቢሩ፧

6 የሱስ ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ⁠-​መዛሙርቱ “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” በሎም። (ማቴዎስ 28:19, 20) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንኻልኦት ደቀ መዛሙርቲ ዝገብሩ​—⁠ኣገልገልቲ​—⁠ክዀኑ ነበሮም። እቶም ዘፍረይዎም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ንዅሉ ትእዛዛት የሱስ: እንተላይ እቲ ከይዶም ደቀ መዛሙርቲ ክገብሩ ዝነግር ትእዛዝ: ከኽብሩ ይማሃሩ ኢዮም። ሓቀኛ ወደ መዝሙር ክርስቶስ: ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ: ዓቢ ይኹን ቈልዓ ኣገልጋሊ ክኸውን ነበሮ።​—⁠ዮኤል 2:⁠28, 29

7, 8. (ሀ) ኵሎም ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣገልገልቲ ምዃኖም ዝሕብር ጥቕስታት ኣየናይ ኢዩ፧ (ለ) ብዛዕባ መዝነት ከመይ ዝበለ ሕቶታት ኢዩ ዝለዓል፧

7 ምስ እዚ ብምስምማዕ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኵሎም እቶም ኣብኡ ተኻፊሎም ዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትን ሓቢሮም ብዛዕባ እቲ “ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ተዛረቡ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠1-11) ወሲኹ ሃዋርያ ጳውሎስ “ሰብ ብልቡ አሚኑ ይጸድቕ: ብኣፉ ተአሚኑውን ይድሕን እዩ” ብምባል ጸሓፈ። (ሮሜ 10:9-11) ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ዝጸሓፈን ናብ እተወሰኑ ጕጅለ ቤተ⁠-​ክህነት ዘይኰነስ ናብቶም ‘ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኵላቶም ፍቑራት ኣምላኽ’ ኢዩ። (ሮሜ 1:⁠1, 7) ብተመሳሳሊ ኵሎም እቶም ‘ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ቅዱሳንን ብክርስቶስ የሱስ እሙናትን’ እውን ‘ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላው ኣብ ኣእጋሮም ከም ኣሳእን ኣእትዮም ደው ክብሉ’ ነበሮም። (ኤፌሶን 1:1፣ 6:15) ነታ ናብ እብራውያን እተጻሕፈት መልእኽቲ ክትንበብ ከላ ዝሰምዑ ኵሎም እውን ‘ነታ እሙንቶ ተስፋኦም ብዘይ​ ምንቕናቕ ከጽንዕዋ’ ነበሮም።​—⁠እብራውያን 10:23

8 ይኹን እምበር ሓደ ሰብ ኣገልጋሊ ዝኸውን መዓስ ኢዩ፧ ብኻልእ ኣዘራርባ መዓስ ኢዩ ዝምዘዝ፧ መዝነት ዝህቦኸ መን ኢዩ፧

ከም ኣገልጋሊ ዄንካ ምምዛዝ​—⁠መዓስ፧

9. የሱስ መዓስ ኢዩ ተቐቢኡ ወይ ተመዚዙ: ብመንከ፧

9 ሓደ ሰብ መዓስን ብመንን ክምዘዝ ከም ዘለዎ ንምፍላጥ ኣብነት ናይ የሱስ ክርስቶስ ንርአ። የሱስ ኣገልጋሊ ኰይኑ ከም እተቐብአ ወይ ከም እተመዘዘ ዘረጋግጸሉ ምስክር ወረቐት ወይ ዲግሪ ካብ እተወሰነ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ኣይተቐበለን። ብዝዀነ ይኹን ሰብ ከኣ ኣይተመዘዘን። ኣገልጋሊ ኢዩ ነይሩ ክንብል እንኽእል ድኣ እሞ ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ እተን “ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ” ዝብላ መንፈስ ዝነፈሰን ቃላት ኢሳይያስ ኣብኡ ተፈጺመን ኢየን። (ሉቃስ 4:⁠17-19፣ ኢሳይያስ 61:⁠1) እዘን ቃላት እዚኣተን ብዘይ​ጥርጥር: የሱስ ብስራት ክነግር ከም እተመዘዘ ኢየን ዝሕብራ። ብመን፧ ነቲ ዕዮ እቲ ዝቐብኦ መንፈስ የሆዋ ስለ ዝዀነ: የሱስ ብየሆዋ ኣምላኽ ከም እተመዘዘ ንጹር ኢዩ። እዚ መዓስ ኢዩ ኰይኑ፧ የሱስ መንፈስ የሆዋ ዝወረዶ ክጥመቕ ከሎ ኢዩ። (ሉቃስ 3:⁠21, 22) ስለዚ እምበኣር እተቐብአ ወይ እተመዘዘ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ ኢዩ።

10. ሓደ ክርስትያን ኣገልጋሊ ‘ክኢላ’ ክኸውን ዝኽእል ብመን ኢዩ፧

10 ብዛዕባ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስከ እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧ እቲ ከም ኣገልገልቲ መጠን ዝነበሮም ቦታ ካብ የሆዋ ኢዮም ተቐቢሎምዎ። ጳውሎስ “ክእለትና ኻብ ኣምላኽ . . . እዩ እሞ: ንሱ ኸኣ . . . ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ከኣልቲ ገበረና” በለ። (2 ቈረንቶስ 3:5, 6) የሆዋ ንኣምለኽቱ ኣገልገልቲ ክዀኑ ብቕዓት ዝሃቦም ብኸመይ ኢዩ፧ ኣብነት ናይቲ ጳውሎስ ‘ብወንጌል ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ኣገልጋሊ’ ብምባል እተዛረበሉ ጢሞቴዎስ እሞ ንርአ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 3:2, 3

11, 12. ጢሞቴዎስ ኣገልጋሊ ክሳዕ ምዃን ዝበጽሐ ብኸመይ ኢዩ፧

11 እዚ ዝስዕብ ንጢሞቴዎስ እተነግሮ ቃላት ብኸመይ ኣገልጋሊ ከም ዝዀነ ንኽንርዳእ ይሕግዘና:- “ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሀርካ ፈሊጥካ: ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ: በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15) እቲ ንጢሞቴዎስ ህዝባዊ ምእማን ክገብር ዝደረኾ: ናይ እምነቱ ኸኣ መሰረት ዝነበረ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ኢዩ። ኣብዚ ዘብጽሖኸ ናይ ብሕቱ ንባብ ጥራይ ደዀን ይኸውን፧ ኣይፋሉን። ጢሞቴዎስ ካብቲ ዘንበቦ ርጡብ ፍልጠትን መንፈሳዊ ምርዳእን ንኽረክብ ሓገዝ የድልዮ ነይሩ ኢዩ። (ቈሎሴ 1:⁠9) ስለዚ እምበኣር ጢሞቴዎስ ‘ብምርዳእ’ ኢዩ ኣሚኑ። ‘ካብ ቍልዕነቱ’ ኣትሒዙ ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ይፈልጥ ካብ ነበረ: ኣቦኡ ድማ ኣማኒ ካብ ዘይነበረ: እተን ቀዳሞት መማህራኑ ኣዲኡን ዓባዩን ክዀና ኣለወን።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 1:⁠5

12 ይኹን እምበር: ጢሞቴዎስ ኣገልጋሊ ክኸውን ዘብቅዖ ካልእ ነገራት እውን ነይሩ ኢዩ። ሓደ ካብኡ: ምስቶም ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዝርከባ ጉባኤታት ዝነበሩ ክርስትያናት ብምሕባሩ እምነቱ ደልዲላ ኢያ። ብኸመይ ንፈልጥ፧ ምኽንያቱ ጳውሎስ መጀመርታ ንጢሞቴዎስ ክረኽቦ ኸሎ ድሮ “እቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዘለዉ ኣሕዋት ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነ[በ]ሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 16:2) ብተወሳኺ ኣብቲ ግዜ እቲ ገለ ኣሕዋት ንኸበራትዕዎም ኢሎም ናብተን ጉባኤታት መልእኽትታት ይልእኹ ነይሮም ኢዮም። ሽማግለታት እውን ንኽሃንጽዎም ኢሎም ይበጽሕዎም ነይሮም ኢዮም። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምድላዋት ንኸም ጢሞቴዎስ ዝኣመሰሉ ክርስትያናት ብመንፈስ ክዓብዩ ሓጊዝዎም ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠22-32፣ 1 ጴጥሮስ 1:⁠1

13. ጢሞቴዎስ ከም ኣገልጋሊ ኰይኑ እተመዘዘ መዓስ ኢዩ: መንፈሳዊ ዕቤቱ ኣብኡ ኣየብቅዐን ክትብል እትኽእልከ ስለምንታይ ኢኻ፧

13 ብመሰረት እቲ ኣብ ማቴዎስ 28:⁠19, 20 ዘሎ ትእዛዝ የሱስ: ጢሞቴዎስ እታ ዝነበረቶ እምነት ንየሱስ ክመስሎን ክጥመቕን ከም ዝደረኸቶ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 3:⁠15-17፣ እብራውያን 10:⁠5-9) እዚ ድማ ጢሞቴዎስ ህይወቱ ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ ከም ዝወፈየ ምልክት ኢዩ ነይሩ። ኣብ ግዜ ጥምቀቱ ጢሞቴዎስ ኣገልጋሊ ዀነ። ካብ ሽዑ ንነጀው ህይወቱ: ሓይሉ: ዘለዎ ዅሉ ናይ ኣምላኽ ኰነ። እዚ ኣብ ኣምልኾኡ ኣድላዪ ክፍሊ​—⁠“ቅዱስ ኣገልግሎት”​—⁠ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ጢሞቴዎስ ነቲ ዝረኸቦ ኣገልጋሊ ናይ ምዃን ክብሪ ጥራይ ዓጊቡ ስቕ ኣይበለን። ብመንፈስ እናዐበየ ብምኻድ ብሱል ክርስትያን ኣገልጋሊ ኰይኑ ኢዩ። ጢሞቴዎስ ኣብዚ ክበጽሕ ዝኸኣለ ምስቶም ከም ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ብሱላት ክርስትያናት ጥብቂ ርክብ ብምግባሩ: ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ስለ ዝነበሮ: ከምኡውን ቅንኢ ዝመልኦ ዕዮ ስብከት ይፍጽም ስለ ዝነበረ ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠14፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:⁠2፣ እብራውያን 6:⁠1

14. ሎሚ ሓደ “ንዘለኣለማዊ ህይወት ቅኑዕ ዝንባለ” ዘለዎ ሰብ ኣገልጋሊ ናብ ምዃን ዝበጽሕ ከመይ ዝበለ ዕቤት ብምግባር ኢዩ፧

14 ሎሚውን ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንምስታፍ ዝወሃብ መዝነት ተመሳሳሊ ኢዩ። “ንዘለኣለማዊ ህይወት ቅኑዕ ዝንባለ” (NW  ) ዘለዎ ሰብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ንኽማሃር ሓገዝ ይወሃቦ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠48) እቲ ሰብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናብርኡ ከውዕሎን ትርጕም ብዘለዎ ኣገባብ ናብ ኣምላኽ ክጽልን ይማሃር ኢዩ። (መዝሙር 1:⁠1-3፣ ምሳሌ 2:⁠1-9፣ 1 ተሰሎንቄ 5:⁠17, 18) ምስ ካልኦት ኣመንቲ ብምሕባር ካብቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዝገብሮ ምድላዋት ይጥቀም ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠45-47፣ ምሳሌ 13:⁠20፣ እብራውያን 10:⁠23-25) በዚ ኸምዚ: ስሩዕ ትምህርታዊ ኣገባብ ብምክትታል ዕቤት ይገብር።

15. ሓደ ሰብ ክጥመቕ ከሎ እንታይ ኢዩ ዝኸውን፧ (እግረ⁠-​ጽሑፍ እውን ርአ።)

15 ኣብ መወዳእትኡ ድማ እቲ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕሪ ንየሆዋ ኣምላኽን ኣብቲ መስዋእታዊ በጅነት የሱስ ጽኑዕ እምነትን ድሕሪ ምሕዳሩ ህይወቱ ምሉእ ብምሉእ ንሰማያዊ ኣቦኡ ክውፊ ይደሊ። (ዮሃንስ 14:⁠1) ነዚ ወፈያ እዚ ብናይ ብሕቱ ጸሎት ምስ ገበሮ: ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጥምቀት ይገልጾ። ክጥመቕ ከሎ ምሉእ ብምሉእ ህይወቱ ዝወፈየ ናይ ኣምላኽ ኣገልጋሊ ወይ ዲ·ያ ʹኮ·ኖስ ምዃኑ ዝፍለጥ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ ስለ ዝዀነ: ጥምቀቱ ኣገልጋሊ ክኸውን ከም እተመዘዘ ዝገልጸሉ ስርዓት ኢዩ። ካብ ዓለም ክፍለ ኣለዎ። (ዮሃንስ 17:⁠16፣ ያእቆብ 4:⁠4) ከይቈጠበ ወይ ኣብ ረብሓ ከይተመርኰሰ ምሉእ ነብሱ ‘ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ገይሩ’ ኣቕሪቡ ኢዩ። (ሮሜ 12:⁠1) b ንክርስቶስ ዝቐድሕ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኢዩ።

ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እንታይ ኢዩ፧

16. ገለ ካብቲ ጢሞቴዎስ ከም ኣገልጋሊ መጠን ዝነበሮ ሓላፍነት እንታይ ኢዩ፧

16 ኣገልግሎት ጢሞቴዎስ እንታይ ዘጠቓልል ነበረ፧ ከም መጋይሽቲ ጳውሎስ መጠን ፍሉይ ሓላፍነታት ነይርዎ ኢዩ። ሽማግለ ምስ ኰነ: ጢሞቴዎስ ንክርስትያን ብጾቱ ኣብ ምጽንናዕን ምምሃርን ጻዕሪ ገይሩ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን ከምቲ ናይ የሱስን ጳውሎስን እቲ ቀንዲ ክፍሊ ኣገልግሎቱ ብስራት ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 4:⁠23፣ 1 ቈረንቶስ 3:⁠5) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ንስኻ ግና ብዅሉ ተጠንቀቕ: መከራ ጽገብ: ግብሪ ወንጌላዊ ግበር: ኣገልግሎትካ መልእ” በሎ።(ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና)​—⁠2 ጢሞቴዎስ 4:5

17, 18. (ሀ) ክርስትያናት ኣብ ከመይ ዝበለ ኣገልግሎት ኢዮም ዝጽመዱ፧ (ለ) ዕዮ ስብከት ንሓደ ክርስትያን ኣገልጋሊ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ዘገድሶ፧

17 እዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ኣገልገልቲ እውን ከምኡ ኢዮም። ንኻልኦት ኣብቲ ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ዝርከብ ድሕነት እናሓበሩ: ነቶም ትሑታት ዘበሉ ኸኣ ስም የሆዋ ክጽውዑ እናማሃሩ ኣብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝዀነ ዕዮ ወንጌላውነት ይጽመዱ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠21፣ 4:⁠10-12፣ ሮሜ 10:⁠13) ናይዞም ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ደቅሰብ እንኮ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና: ሕጅውን ከይተረፈ ብኣምላኻዊ ስርዓታት እንተ​ድኣ ተመላሊስና ዝሓሸ ናብራ ከም እንነብር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መርትዖ የቕርቡ ኢዮም። (መዝሙር 15:⁠1-5፣ ማርቆስ 13:⁠10) እንተ​ዀነ ግን: ሓደ ክርስትያን ኣገልጋሊ ንማሕበራዊ ግድላት ደቅሰብ ዝፈትሕ ወንጌል ኣይኰነን ዝሰብኽ። ኣብ ክንድኡስ ‘ኣምልኾ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ተስፋ ከም ዘለዎ’ ኢዩ ዝምህር።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:8

18 ሓቂ ኢዩ መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ ተወሳኺ ዘገልግልሉ መገድታት ኣለዎም: እዚ ኸኣ ካብ ሓደ ክርስትያን ናብቲ ሓደ ክርስትያን ክፈላለ ይኽእል ኢዩ። ብዙሓት ናይ ስድራ​ቤት ሓላፍነታት ኣለዎም። (ኤፌሶን 5:⁠21-6:⁠4) ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኣብታ ጉባኤ ዝፍጽምዎ ሓላፍነት ኣለዎም። (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠1, 12, 13፣ ቲቶስ 1:⁠5፣ እብራውያን 13:⁠7) ብዙሓት ክርስትያናት ኣደራሽ መንግስቲ ንምህናጽ ይሕግዙ ኢዮም። ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ሓንቲ ካብተን ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኣባይቲ ቤትኤል ወለንተኛታት ኰይኖም ናይ ምግልጋል ዘደንቕ መሰል ኣለዎም። ይኹን እምበር: ኵሎም ክርስትያናት ኣገልገልቲ ኣብ ስብከት እቲ ብስራት ይካፈሉ ኢዮም። ዘይምልከቶም ፍሉያት የለዉን። ሓደ ሰብ ናይ ሓቂ ክርስትያን ኣገልጋሊ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክፍለጥ ዝኽእል ኣብዚ ዕዮ እዚ ምስ ዝጽመድ ኢዩ።

ሓደ ክርስትያን ኣገልጋሊ ዘለዎ ኣመለኻኽታ

19, 20. ክርስትያን ኣገልገልቲ ከመይ ዝበለ ኣመለኻኽታ ኢዮም ከማዕብሉ ዘለዎም፧

19 ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዘለዉ መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ ፍሉይ ክብሪ ክወሃቦም ይጽበዩ ኢዮም: ከም “ብጹእ” ከምኡውን “ኣባ” ዝብል መዓርጋት ከኣ ይቕበሉ። ሓደ ክርስትያን ኣገልጋሊ ግን ክብሪ ዝግብኦ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዝዀነ ይፈልጥ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠9, 10) ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ኣገልጋሊ ከምዚ ዝኣመሰለ ልዕል ዝበለ ክብሪ ይግብኣኒ ኢዩ ኣይብልን ወይ ከኣ ፍሉይ ማዕርጋት ክወሃቦ ኣይምነን ኢዩ። (ማቴዎስ 23:⁠8-12) እታ ዲ·ያ·ኮ·ኒʹያ እትብል ቃል መሰረታዊ ትርጕማ “ኣገልግሎት” ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሓደ ግዜ ምስዛ ቓል እዚኣ እትኸይድ ግሲ: ከም እኒ ኣብ መኣዲ ተዓጢቕካ ምግልጋል ዝኣመሰለ ብሕታዊ ኣገልግሎት ንምምልካት ትውዕል ኢያ። (ሉቃስ 4:⁠39፣ 17:⁠8፣ ዮሃንስ 2:⁠5) እታ ቓል ምስቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እተተሓሓዘ ዕዮ ንምምልካት ክትውዕል ከላ ዝያዳ ክብ ዝበለ ትርጕም እኳ እንተለዋ: ሓደ ዲ·ያ ʹ​ኮ·ኖስ ገና ኣገልጋሊ ኢዩ።

20 ስለዚ እምበኣር ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ኣገልጋሊ ክብ ዝበለ ኰይኑ ከም ዝስምዖ ዝገብሮ ምኽንያት የብሉን። ናይ ሓቂ ክርስትያን ኣገልገልቲ: እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍሉይ ሓላፍነታት ዘለዎም እውን ከይተረፈ: ትሑታት ባሮት ኢዮም። የሱስ “እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ: ግዙእኩም ድኣ ይኹን። እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ: ባርያኻትኩም ይኹን” በለ። (ማቴዎስ 20:26, 27) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከማዕብልዎ ዘለዎም ጥዑይ ኣመለኻኽታ ከርእዮም ከሎ ኣእጋሮም ኢዩ ሓጺብዎም። እዚ ኸኣ ሓደ ዝተሓተ ባርያ ዝዓዮ ዕዮ ኢዩ። (ዮሃንስ 13:⁠1-15) ከመይ ዝበለ ናይ ትሕትና ኣገልግሎት ኰን ኢዩ ዝፈጸመ! ስለዚ እምበኣር: ክርስትያን ኣገልገልቲ ንየሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ብትሕትና ኢዮም ዘገልግልዎም። (2 ቈረንቶስ 6:⁠4፣ 11:⁠23) እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከገልግሎ ኸሎ ትሕትና የንጸባርቑ ኢዮም። ነቲ ብስራት ክሰብኩ ከለዉ ኸኣ ነቶም ዘይኣመንቲ ብዘይ​ስስዐ ኢዮም ዘገልግልዎም።​—⁠ሮሜ 1:⁠14, 15፣ ኤፌሶን 3:⁠1-7

ኣብቲ ኣገልግሎት ምጽማም

21. ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት ብምጽማሙ ብኸመይ ተባረኸ፧

21 ጳውሎስ ኣገልጋሊ ክኸውን ከሎ ምጽማም ኣድልይዎ ኢዩ። ንሰብ ቈሎሴ ኸኣ ነቲ ብስራት ንኽሰብከሎም ብዙሕ ጸበባ ከም ዘሕለፈ ነገሮም። (ቈሎሴ 1:⁠24, 25) ስለ እተጸመመ ግን ብዙሓት ነቲ ብስራት ተቐቢሎም ኣገልገልቲ ኰይኖም ኢዮም። መንፈሳውያን ፍጡራት ብምዃን ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ንኽቕመጡ: ከም ደቂ ኣምላኽን ኣሕዋት የሱስ ክርስቶስን መጠን ውልድነት ረኺቦም ኢዮም። ኣየ ከመይ ዝበለ ብምጽማሞም ዝረኸብዎ ክቡር ዓስቢ ኰን ኢዩ!

22, 23. (ሀ) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ኣገልገልቲ ምጽማም ዘድልዮም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ካብ ክርስትያናዊ ምጽማም ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ፍረ ኢዩ ዝርከብ፧

22 እዞም ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ምጽማም የድልዮም ኢዩ። ብዙሓት ምስ ሕማም ወይ ምስቲ ብእርጋን ዝመጽእ ቃንዛ መዓልታዊ ቃልሲ ኣለዎም። ወለዲ​—⁠መብዛሕትኦም ንጽል ኰይኖም​—⁠ውሉዳቶም ንምዕባይ ይጽዕሩ ኢዮም። ውሉዳት እውን ኣብ ቤት ትምህርቶም ንዘጋጥሞም ሕማቕ ጽልዋታት ብትብዓት ይቃለስዎ ኢዮም። ብዙሓት ክርስትያናት ከቢድ ቍጠባዊ ቃልሲ ኣለዎም። ብዙሓት ድማ ብሰንኪ እዚ ሎሚ ዘሎ “ክፉእ ዘመን” መስጐጕቲ ወይ ሽግር የሕልፉ ኢዮም! (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) እወ: እዞም ሎሚ ዘለዉ ዳርጋ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ኣገልገልቲ የሆዋ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኰይኖም ‘ብብዙሕ ትዕግስቲ ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ ኣሎና’ ክብሉ ይኽእሉ ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 6:4) ክርስትያን ኣገልገልቲ ኣይሕለሉን ኢዮም። ብምጽማሞም ብሓቂ ክንኣዱ ኣለዎም።

23 ኣብ ርእሲ እዚውን ምጽማም ከምቲ ናይ ጳውሎስ ዘደንቕ ፍረ የምጽእ ኢዩ። ብምጽማም: እቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ጥብቂ ርክብ ንዕቅቦ ንልቡ ድማ ነሐጕሶ። (ምሳሌ 27:⁠11) እምነትና ነደልድል ደቀ መዛሙርቲ ድማ ንገብር: በዚ ኸምዚ ኸኣ ክርስትያናዊ ሕውነትና ነስፍሕ። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠16) የሆዋ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣገልገልቱ የናብሮምን ንዝገብርዎ ኣገልግሎት ይባርኾን ኢዩ ዘሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እቶም ናይ መወዳእታ ኣባላት ናይቶም 144,000 ተኣኪቦም ኢዮም: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካልኦት ከኣ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ርጉጽ ተስፋ ኣለዎም። (ሉቃስ 23:⁠43፣ ራእይ 14:⁠1) እቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብሓቂ መግለጺ ምሕረት የሆዋ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:⁠1) እምበኣርከስ ኵላትና ኣኽቢርና ንሓዞ: እቲ ብእኡ ዝርከብ ፍረ ድማ ንዘለኣለም ዝነብር ብምዃኑ ነመስግን።​—⁠1 ዮሃንስ 2:⁠17

[እግረ-ጽሑፋት]

a እታ ዲ·ያ ʹኮ·ኖስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ምንጪ ናይታ ኣብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ናይ ምዕያይ መዝነት ከም ዘለዎ እተመልክት “ድያቆን” እትብል ቃል ኢያ። ኣብ ገሊአን ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት ኣንስቲ እውን ድያቆን ይዀና ኢየን።

b ሮሜ 12:⁠1 ብፍላይ ኣብ ቅቡኣት ክርስትያናት እትውዕል እኳ እንተ​ዀነት: እቲ ስርዓት ኣብቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” እውን ዝውዕል ኢዩ። (ዮሃንስ 10:⁠16) እዚኣቶም ‘ምእንቲ ከገልግልዎ: ንስም እግዚኣብሄር ኬፍቅሩ: ባሮቱ ክዀኑ ኢሎም ምስ እግዚኣብሄር ይሓብሩ።’​—⁠ኢሳይያስ 56:⁠6

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ኵሎም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ዝነበሮም፧

• ሓደ ክርስትያን ኣገልጋሊ ንምዃን መዓስን ብመንን ኢዩ ዝምዘዝ፧

• ሓደ ክርስትያን ኣገልጋሊ እንታይ ኣመለኻኽታ ኢዩ ከማዕብል ዘለዎ፧

• ሓደ ክርስትያን ጸገማት ከጋጥሞ ኸሎ ክጽመም ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ጢሞቴዎስ ቃል ኣምላኽ እተማህረ ካብ ቍልዕነቱ ኢዩ። ምስ ተጠመቐ ኸኣ እተመዘዘ ኣገልጋሊ ዀነ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ጥምቀት ሓደ ሰብ ህይወቱ ከም ዝወፈየ ዝገልጽ ምልክት ኢዩ: ኣገልጋሊ ክኸውን ከም እተመዘዘ ኸኣ የርኢ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ኣገልገልቲ ብፍታው ኢዮም ዘገልግሉ