ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምጽላይ ገለ ጥቕሚ ኣለዎዶ ኢዩ፧

ምጽላይ ገለ ጥቕሚ ኣለዎዶ ኢዩ፧

ምጽላይ ገለ ጥቕሚ ኣለዎዶ ኢዩ፧

 ዳርጋ ኵሉ ሰብ ክጽሊ ከም ዘድልዮ ኰይኑ ዝስምዖ እዋን ኣሎ። አረ: ዳርጋ ኣመንቲ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ልባዊ ጸሎት ይገብሩ ኢዮም። ንኣብነት: ሓደ ቡድሂስት ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ግዜ “እምነተይ ኣብ ኣሚዳ ቡድሃ ገይረ ኢየ” ዝብል ጸሎት ይደጋግም ኢዩ።

ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታው ከምዚ ዝስዕብ ኢልካ ምሕታት ምኽንያታዊ ኢዩ:- ሰባት እንታይ ንኽረኽቡ ኢዮም ዝጽልዩ፧ እዚ ዅሉ ጸሎት ገለ ጥቕሚ ኣለዎዶ ኢዩ፧

ሰባት ስለምንታይ ኢዮም ዝጽልዩ፧

ብዙሓት ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ናብ ኣባሓጎታቶም ከምኡውን ናብ ሺንቶ ወይ ታኦ ዝበሃሉ ኣማልኽቶም ይጽልዩ ኢዮም። ከምዚ ዝገብሩ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝዋሃቦም ፈተና ንኽሓልፉ: ጽቡቕ ምህርቲ ንኽሓፍሱ: ወይ ሕማም ንኽርሕቀሎም ተስፋ ብምግባር ኢዮም። ቡድሂስት በቲ ዝገብርዎ ጻዕርታት ሓድሽ ፍልጠት ንኽበርሃሎም ተስፋ ይገብሩ። ሂንዱ ድማ ፍልጠት: ሃብቲ: ከምኡውን ዕቝባ ንኽረኽቡ ናብቶም ዝያዳ ዝፈርህዎም ተባዕትዮ ይኹኑ ኣንስትዮ ኣማልኽቶም ልባዊ ጸሎት የቕርቡ።

ገሊኦም ካቶሊክ ህይወቶም ብምሉኡ ፈለስቲ ወይ ደናግል ኰይኖም ንደቅ​ሰብ ንኽጠቕሙ ተስፋ ብምግባር ኣብ ደብሪ ወይ ገዳም ተዓጽዮም ከየባተኹ ይጽልዩ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካቶሊክ እተሸምደደ ጸሎት: ምናልባት እውን ብመቝጸርያ ገይሮም: ብምድግጋም ካብ ማርያም ሓገዝ የናድዩ። ኣብ ምብራቕ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዝነብሩ ሰባት እተጻሕፈ ጸሎት ኣብ መንኰርኰር ዝመስል የእትዉዎ እሞ ንዕኡ ብምዛር ከም ዝጸለዩ ይቘጽርዎ። ፕሮቴስታንት ስምዒቶም ከይሓብኡ ንኣምላኽ ዝገልጹሉ እኳ እንተዀኑ: ነታ ናይ ጐይታ ጸሎት ግን ይደጋግምዋ ኢዮም። ብዙሓት ኣይሁድ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ምዕራባዊ መንደቕ ከይዶም ንምጽላይ ነዊሕ ጕዕዞ ይገብሩ: እታ ቤት መቕደስ እንደገና ክትህነጽ: ብልጽግናን ሰላምን ዘለዎ ሓድሽ መዋእል ክመጽእ ድማ ይምነዩ።

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብትግሃት እኳ እንተ ጸለዩ: ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ግን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ብዝኸይድ ዘሎ ድኽነት: ወልፊ: ምብትታን ስድራ​ቤት: ዓመጽ: ከምኡውን ብውግእ ካብ ምንዋጽ ኣይዓረፈን። እዞም ኵሎም ሰባት በቲ ግቡእ መገዲ ስለ ዘይጽልዩዶ ክኸውን ይኽእል፧ ንምዃኑ ጸሎት ዝሰምዕ ኣካል ኣሎዶ ኢዩ፧

ጸሎት ዝሰምዕ ኣካል ኣሎዶ ኢዩ፧

ጸሎት ዝሰምዖ እንተ ዘይረኺቡ ከንቱ ኢዩ። ሓደ ሰብ ክጽሊ ኸሎ ኣብ ዘይርአ መንፈሳዊ ዓለም ሓደ ኣካል ይሰምዖ ምህላዉ ከም ዝኣምን እተረጋገጸ ኢዩ። ይኹን እምበር: ጸሎት ብናይ ድምጺ ማዕበላት ጥራይ ኣይኰነን ዝመሓላለፍ። እቲ ዝሰምዕ ኣካል ንሓሳባት እቲ ዝጽሊ ዘሎ ሰብ ከንብቦ ከም ዝኽእል እውን ከይተረፈ ብዙሓት ሰባት ይኣምኑ ኢዮም። እዚ መን ኰን ክኸውን ይኽእል፧

ነቲ ሰረብራል ኮርተክስ ዝበሃል ክፍሊ ሓንጐልና ካብ ዘቝሙ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ኒሮን ዝበሃሉ ዋህዮታት ሓሳብ ከመይ ኢሉ ከም ዝምንጭ ጥራይ ንተመራመርቲ ምስጢር ኢዩ ኰይኑዎም ዘሎ። እንተ​ዀነ ግን: እቲ ንሓንጎል ዝነደፈ ኣካል ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ከንብቦ ይኽእል ኢዩ ምባል ምኽንያታዊ ኢዩ። እዚ ድማ እቲ ፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። (መዝሙር 83:⁠18 NW፣ ራእይ 4:⁠11) ጸሎት ናብኡ ክቐርብ ኣለዎ። እንተ​ዀነ ግን የሆዋ ንዅሉ ናብኡ ዝቐርብ ጸሎት የቕልበሉዶ ኢዩ፧

ኵሉ ጸሎት ይስማዕዶ ኢዩ፧

እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ጸሎት ዘዝውትር ሰብ ኢዩ ነይሩ። ብመንፈስ ተደሪኹ መዝሙር ይጽሕፍ ስለ ዝነበረ “ኣታ ጸሎት እትሰምዕ: ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 65:⁠2) የሆዋ ነቲ ደቅሰብ ብኣሽሓት ቋንቋታት ዝጽልይዎ ጸሎት ክርድኦ ይኽእል ኢዩ። ኣእምሮ ሰብ ክንድዚ ዝኣክል ሓበሬታ ክቕበል ብዘይ​ምኽኣሉ: ኣምላኽ ነቲ ብቕቡል መገዲ ናብኡ ዝጽለ ጸሎት ከቕልበሉ ኣይክእልን ኢዩ ማለት ኣይኰነን።

ይኹን እምበር: እቲ ጸሎት ዘዘውትር ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ እውን ኵሉ ጸሎት ንኣምላኽ የሐጕሶ ኢዩ ማለት ከም ዘይኰነ ገሊጹ ኢዩ። የሱስ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ብሽምደዳ ዝግበር ዝነበረ ተደጋጋሚ ጸሎት እተዛረቦ እሞ ኣስተብህለሉ:- “ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ: ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ: ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ።” (ማቴዎስ 6:⁠7) የሆዋ ነቲ ውሽጣዊ ስምዒትና ዘይገልጽ ጸሎት ክሰምዕ ክንጽበዮ ኣይንኽእልን ኢና።

ሓንቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳሌ ገለ ጸሎት ንኣምላኽ ባህ ዘየብሎ ስለምንታይ ምዃኑ ክትገልጽ ከላ “እቲ ሕጊ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚመልስ: ጸሎቱ እኳ ፍንፉን እዩ” ትብል። (ምሳሌ 28:⁠9) ካልእ ምሳሌ ኸኣ “እግዚኣብሄር ነቶም ረሲኣን ርሑቖም እዩ: ንጸሎት ጻድቃን ግና ይሰምዖ” ትብል። (ምሳሌ 15:⁠29) መራሕቲ ጥንታዊት ይሁዳ ከቢድ ሓጢኣት ኣብ እተሰከሙሉ እዋን: የሆዋ ከምዚ በሎም:- “ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ: ኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለን: ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም: ኣይሰምዕን እየ: ኣእዳውኩም ደም መሊኤን እየን።”​—⁠ኢሳይያስ 1:⁠1, 15

ሃዋርያ ጴጥሮስ ጸሎት ብየሆዋ ተቐባልነት ከም ዘይረክብ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ጠቒሱ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ:- “ኣቱም ሰብኡት: ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት: ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት: ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን: ከምኡ ምስ ኣንስትኹም በእምሮ ንበሩ።” (1 ጴጥሮስ 3:⁠7) ነዚ ምኽሪ እዚ ዘይሰምዕ ሰብኣይ ጸሎቱ ካብ ናሕሲ ኣይሓልፍን ኢዩ!

ጸሎት ክስማዕ እንተ​ድኣ ዀይኑ ገለ ብቕዓታት ክማላእ ከም ዘለዎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ይኹን እምበር: ብዙሓት ዝጽልዩ ሰባት ኣምላኽ ከነማልኦ ብዛዕባ ዝሓተና ብቕዓታት ግዲ የብሎምን። ስለዚ ኸኣ ኢዩ እዚ ዅሉ ዕዙዝ ጸሎት እኳ እንተ ተገብረ ዓለም ክትመሓየሽ ዘይከኣለት።

ጸሎትና ምእንቲ ክስማዕ ድኣ እሞ ኣምላኽ እንታይ ብቕዓት ከነማልእ ኢዩ ዝደልየና፧ ናይዚ መልሲ ምስ ምኽንያት መጸለይና ዝተሓሓዝ ኢዩ። ጸሎት ገለ ጥቕሚ እንተለዎ ክንፈልጥ ንደሊ እንተ​ድኣ ዄንና: ዕላምኡ ክንርድኦ ኣሎና። የሆዋ ንዕኡ ክንዛረቦ መገዲ ዝኸፈተልና ስለምንታይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

G.P.O., Jerusalem