ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንትእዛዛተይ ሐልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ”

“ንትእዛዛተይ ሐልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ”

“ንትእዛዛተይ ሐልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ”

 መንእሰይ: መስተውዓሊ: “መልክዔኛ: ትርኢቱ ድማ ጽቡቕ ነበረ።” ሰበይቲ ጐይታኡ ርሱን ስምዒት ዘለዋን ደረቐኛን ነበረት። በቲ መንእሰይ ስለ እተማረኸት: መዓልቲ መዓልቲ ከተስሕቶ ትጽዕር ነበረት። “ኰነ ኸኣ: ሓንቲ መዓልቲ ዕዮኡ ኺገብር ናብ ቤት አተወ: ኣብኣ ኣብታ ቤት ድማ ካብ ሰብ ቤት ገለ ሰብ ኣይነበረን። ብኽዳኑ ቀጥ ኣቢላ ሒዛ ድማ፤ ምሳይ ደቅስ: በለቶ።” እቲ ካብቶም ርእሲ ኣቦታት ዝዀነ ያእቆብ ዝወለዶ ዮሴፍ ግን ክዳኑ ሓዲጉ ካብ ሰበይቲ ጶጢፋር ሃደመ።​—⁠ዘፍጥረት 39:⁠1-12

ርግጽ ኢዩ: ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ካብ ፈታኒ ኵነታት ዝሃድም። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ ንጉስ ናይ ጥንቲ እስራኤል ኣብ ጸልማት መገዲ ዝረኣዮ መንእሰይ እሞ ሕሰብ። ሓንቲ ፋሉል ሰበይቲ ምስ ኣስሓተቶ “ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚዅብኰብ ብዕራይ: . . . ኰይኑ ብኡብኡ ሰዐባ።”​—⁠ምሳሌ 7:⁠21, 22

ክርስትያናት ‘ካብ ምንዝርና ክሃድሙ’ ተማዒዶም ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 6:⁠18) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መንእሰይ ክርስትያን ወደ መዝሙር ዝነበረ ጢሞቴዎስ “ካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም” ኢሉ ጸሓፈሉ። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠22) ናብ ምንዝር: ዝሙት: ወይ ካልእ ብዕልግና ክመርሕ ዝኽእል ነገር ከጋጥመና ኸሎ: ከምቲ ዮሴፍ ብቘራጽነት ካብ ሰበይቲ ጶጢፋር ዝሃደመ ክንሃድም ኣሎና። ነዚ ቘራጽነት ንኽንወስድ ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧ ሰሎሞን ኣብታ 7ይቲ ምዕራፍ ናይታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ምሳሌ ብዋጋ ዘይሽነን ምኽሪ ሂቡና ኣሎ። ካብ ውዲት ናይ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ናብራ ዝነብሩ ሰባት ብኸመይ ክንሕሎ ከም እንኽእል ዝገልጽ ትምህርትታት ጥራይ ዘይኰነስ: ሓንቲ ብዕልግቲ ሰበይቲ ንሓደ መንእሰይ ዘስሓተትሉ መገዲ ብንጹር ብምግላጽ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ናብራ ዝነብሩ ሰባት ብኸመይ ተግባሮም ከም ዝፍጽሙ ተዛረበ።

‘ንትእዛዛተይ ኣብ ኣጻብዕካ እሰሮ’

እቲ ንጉስ ኣባታዊ ምኽሪ ብምሃብ ጀመረ:- “ወደየ: ንቓላተይ ሐልዎ: ንትእዛዛተይውን ኣባኻ ዕቘሮ። ንትእዛዛተይ ሐልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ: ንሕገይውን ከም መርዓት ዓይንኻ ሐልዎ።”​—⁠ምሳሌ 7:⁠1, 2

ወለዲ: ብፍላይ ከኣ ኣቦታት: ኣምላኽ ጽቡቕን ክፉእን ዝብሎ ስርዓታት ንደቆም ናይ ምምሃር ሓላፍነት ሂብዎም ኣሎ። ሙሴ ንኣቦታት ከምዚ ኢሉ መዓዶም:- “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።” (ዘዳግም 6:⁠6, 7) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣቱም ኣቦታትውን: ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም።” (ኤፌሶን 6:⁠4) ስለዚ ወለዲ ዝህብዎ መምርሒ ኣኽቢርካ ክርአ እንተ​ድኣ ዀይኑ: ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መዘኻኸሪታት: ትእዛዛት: ከምኡውን ሕግታት ዝሓዘ ክኸውን ከም ዘለዎ እተረጋገጸ ኢዩ።

ወለዲ ዝህብዎ ትምህርቲ ካልእ መምርሒታት ማለት ናይ ስድራ​ቤት ሕግታት እውን ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ። እዚ ንጥቕሚ ናይቶም ኣባላት ስድራ​ቤት ኢዩ ዝወጽእ። ልክዕ ኢዩ: እዚ ሕግታት እዚ ከከም ኣድላይነቱ ካብ ስድራ​ቤት ናብ ስድራ​ቤት ክፈላለ ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ወለዲ ንስድራ​ቤቶም ዝበለጸ ነገር ናይ ምውሳን ዕማም ኣለዎም። እቲ ዘውጽእዎ ሕግታት ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ መግለጺ ናይ ሓቀኛ ፍቕሮምን ሓልዮቶምን ኢዩ። ኣብዚ ንመንእሰያት ዝወሃብ ዘሎ ምኽሪ: ነቲ ወለዶም ዝህብዎም ሕግታትን ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታትን ክስዕቡ ኢዩ። እወ: ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒታት ‘ከም መርዓት ዓይኖም’ ማለት ብእተኻእሎም መጠን ኣኽቢሮም ክሕልዉዎ የድሊ። በዚ ኸምዚ ድማ ስርዓታት የሆዋ ምፍራስ ካብ ዘስዕቦ ሞት ድሒኖም ‘ብህይወት ክነብሩ’ ይኽእሉ።

ሰሎሞን ቀጺሉ [ንትእዛዛተይ ] ናብ ኣጻብዕካ እሰሮ: ኣብ ሰሌዳ ልብኻውን ጽሐፎ” በለ። (ምሳሌ 7:⁠3) ኣጻብዕ ኵሉ ሳዕ ነዒንቲ ስለ ዝረኣየአን: ዝወጠንናዮ ኣብ ምፍጻም እውን ኣድለይቲ ስለ ዝዀና: ካብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣተዓባብያ እተማሃርናዮ ትምህርቲ ወይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጥረናዮ ፍልጠት ኣብ እንገብሮ ዘበለ ዅሉ ብቐጻሊ ክንዝክሮን ክመርሓናን ኣለዎ። ክፍሊ ባህርይና ብምግባር ኣብ ሰሌዳ ልብና ክንቀርጾ ኣሎና።

እቲ ንጉስ ኣድላዪነት ናይ ጥበብን ምርዳእን ብምጕላሕ:- “ንጥበብ፤ ሓብተይ ኢኺ: በላ። ነእምሮ [“ንምርዳእ:” NW  ] ኸኣ ኣማኒተይ ኢልካ ስመያ” ብምባል ይምዕድ። (ምሳሌ 7:⁠4) ጥበብ ነቲ ኣምላኽ ዝህበና ፍልጠት ብግቡእ ናይ ምጥቃም ክእለት ማለት ኢዩ። ንጥበብ ከም ኣጸቢቕና እንፈትዋ ሓብትና ገይርና ክንሪኣ ኣሎና። ምርዳእ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ምርዳእ ክበሃል ከሎ ንነገራት ነሓድሕዱን ምስ ሓፈሻዊ ትሕዝቶኡን ዘለዎ ምትሕሓዝ ብምጭባጥ ሓደ ነገር ምስትውዓልን ምግንዛብን ማለት ኢዩ። ምርዳእ ከም ናይ ማሕርሮ ፈታዊት እትቐርባ ክትከውን ኣለዋ።

ምስ ዝረኸብናዮ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስልጠና ክንጠብቕ ከምኡውን ምስ ጥበብን ምርዳእን ንኽንጽጋዕ ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧ “ካብ ሰበይቲ እማት[]: ካብታ ልዙብ ቃላት እትዛረብ ጓና ሰበይቲ ምእንቲ ኺባልሃ[ ] ኢና ነዚ እንገብር። (ምሳሌ 7:⁠5) እወ: ከምዚ ምስ እንገብር: ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ናብራ ካብ ዝነብር ዘይንፈልጦ ወይ ካብ ጓና ሰብ ዝመጽእ ልዙብ ቃላት ክንሕሎ ኢና። a

እቲ መንእሰይ ምስታ ‘ተንኰለኛ ሰበይቲ’ ተራኸበ

እቲ ንጉስ እስራኤል ቀጺሉ ነቲ ባዕሉ እተዓዘቦ ነገር ገለጸ:- “ኣብ መስኰት ቤተይ ኰይነ: ብዓይነ ርግቢ ኣሳጊረ ኣማዕዶኹ: ኣብ ማእከል እቶም ዓያሱ ተመልከትኩ እሞ: ኣብ ማእከል እቶም መንእሰይ ልቢ ዜብሉ ጐበዝ ርኤኹ። ንሱ በደባባይ ኣብ ጥቓ ቐራና መገዲ ሐሊፉ: ናብታ ናብ ቤታ እትወስድ መገዲ ኣበለ። ምድሪ መስዩ: ጽልግልግታ ዀይኑ: ጸሊም ለይቲ: ድቕድቕ ጸልማት ነበረ።”​—⁠ምሳሌ 7:⁠6-9

እቲ ሰሎሞን ኣማዕድዩ ዝርእየሉ ዝነበረ መስኰት ዓይነ ርግቢ ነበሮ፣ እዚ ማለት ወሰናስኑ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ: ምናልባት እውን ምልኩዕ ቅርጽታት ዝነበሮ ኢዩ ዝመስል። እቲ ጽልግልግታ እናመሰየ ምስ ከደ: ነቲ መገድታት ድቕድቕ ጸልማት ወረሶ። ሓደ ንሓደጋ እተቓልዐ መንእሰይ ረኣየ። ምስትውዓል ወይ ቀልቢ ስለ ዝጐደሎ: ልቢ የብሉን። ኣብ ምንታይ ዓይነት ከባቢ ከም ዝነበረን እንታይ ከጋጥሞ ከም ዝኽእልን ዝፈለጠ ኢዩ ዝመስል። እቲ መንእሰይ ናብቲ ናብ ቤታ ኣብ ዝወስድ መገዲ ዘሎ ‘ኣደባባይ’ መጸ። እዛ እንዛረበላ ዘሎና እንታወይቲ ኢያ፧ እንታይከ ኢያ ክትገብር ትደሊ፧

እቲ ዝዕዘብ ዝነበረ ንጉስ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “እንሆ ኸኣ: ሰበይቲ ኽትቅበሎ ወጸት: ክዳን ምንዝርና እተኸድነት: ልባ ተንኰለኛ: ንሳ ህውከተኛን ቀላልን እያ: ኣእጋራ ኣብ ቤታ ኣይዐርፋን: ሓንሳእ ኣብ ኣደባባይ: ሓንሳእ ኣብ ዕዳጋ: ሓንሳእ ከኣ ኣብ ቀራና መገዲ ኣድብያ ትጸንሕ።”​—⁠ምሳሌ 7:⁠10-12

ኣከዳድና ናይዛ ሰበይቲ ክሳዕ ክንደይ ቀላል ምዃና ብንጹር ይሕብር ኢዩ። (ዘፍጥረት 38:⁠14, 15) ልክዕ ከም ኣመንዝራ ዘይእዱብ ክዳን ኢያ ተኸዲና። ኣብ ርእሲ እዚ: ልባ ተንኰለኛ ማለት ኣእምሮኣ “መታለሊ:” ሓሳባታ ድማ “ውዲት ዝመልኦ” ኢዩ። (ኣን ኣመሪካን ትራንዝሌሽን [እንግሊዝኛ]፣ ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን [እንግሊዝኛ]) ህውከተኛ ዀይና ደረቕ: ለፍላፊት ኰይና ነቓጽ: ዓው ዓው በሃሊት ኰይና ዘረባ ሰብ ዘይትሰምዕ: ተራር ኰይና ሕንጊድ ኢያ። ኣብ ቤታ ኣብ ክንዲ እተዕርፍ: ኣብ ቀራና መገዲ ኣድብያ ንእትሕዞ ሰብ ክትጽበ ኢላ ኣብ ኣደባባይ ምዃን ኢያ እትመርጽ። ከምቲ መንእሰይ ዝኣመሰለ ሰብ ከኣ ኢያ እትጽበ።

‘ብዙሕ ጥበራ’

በዚ ኸምዚ እቲ መንእሰይ ምስታ ተንኰል ዝመልኦ ውጥን ዘለዋ ብዕልግቲ ሰበይቲ ተራኸበ። ኣየ እዝስ ንኣቓልቦ ሰሎሞን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ስሒብዎ ዝኸውን! ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ሐዘቶ ሰዐመቶውን: ዓይነ ዓይኑ እናጠመተት ከኣ በለቶ፤ መስዋእቲ ምስጋና ከቕርብ ተመባጺዔ ነይረ እየ እሞ: ሎሚ መብጽዓይ ፈጸምኩ: ስለዚ ኸኣ ክቕበለካን ገጽካ ኽደልን መጻእኩ እሞ ረኸብኩኻ።”​—⁠ምሳሌ 7:⁠13-15

ከናፍር እዛ ሰበይቲ ልዙብ ኢዩ። ዓይነ ዓይኑ እናረኣየት ኸኣ ብርእሰ⁠-​ተኣማንነት ኢያ እትዛረብ። ኵሉ እቲ እትብሎ ነገራት ነቲ መንእሰይ ንምትላል ብጥንቃቐ እተኣልመ ኢዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ መስዋእቲ ምስጋና ከም ዘቕረበትን መብጽዓኣ ከም ዝፈጸመትን ምጥቃሳ ብመንፈሳዊ መገዲ ዝጐድላ ከም ዘይብላ ብምሕባር ጽድቂ ኢያ ተርኢ ነይራ። ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ ምስጋና ስጋ: ሓርጭ: ዘይቲ: ከምኡውን ወይኒ ዘጠቓልል ነበረ። (ዘሌዋውያን 19:⁠5, 6፣ 22:⁠21፣ ዘሁልቍ 15:⁠8-10) እቲ መስዋእቲ ዘቕርብ ንዕኡን ንስድራ​ቤቱን ገለ ክፋል ካብቲ መስዋእቲ ምስጋና ክወስድ ይኽእል ነበረ: ስለዚ ኸኣ ኢያ ኣብ ቤታ ብዙሕ ዝብላዕን ዝስተን ከም ዘሎ ዝሓበረቶ። ኣመታ ንጹር ኢዩ:- እቲ መንእሰይ ኣብ ቤታ ጽቡቕ ግዜ ከሕልፍ ይኽእል ኢዩ። ካብ ቤታ ብፍላይ ንዕኡ ደልያ ኢያ መጺኣ። ነዚ ዘረባ እዚ ዝኣምን ከመይ ዝበልዎ ዓሻ ኰን ኢዩ! ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከምዚ በለ:- “ልክዕ ኢዩ: ሓደ ሰብ ደልያ ኢያ ወጺኣ: እንተ​ዀነ ግን ብሓቂ ነዚ ሰብ ብፍላይ ደልያ ድያ ወጺኣ፧ ዓሻ​—⁠ምናልባት ከኣ እዚ ዝረኸበቶ ሰብ​—⁠እንተ ዘይኰይኑ ዝኣምና የለን።”

እታ መስሓቲት ብኣከዳድናኣ: በቲ ጥዑም ናይ ሻሕራ ቃላታ: ብምሕቋፋ: ከምኡውን ብጣዕሚ ከናፍራ ምስ ማረኸቶ: ንናይ ምሽታት ህዋሱ ዘህርር ነገር ጠቐሰት። ከምዚ ኸኣ በለት:- “ኣብ ልዕሊ ዓራተይ ፍራሽ: ብፈትሊ ግብጺ እተጠልፈ ዝንጕርጕር ምንጻፍ ኣንጺፈሉ አሎኹ። ነቲ ምድቃሰይ ከርበ: ዓልወ: ቀረፋ ነጺገሉ አሎኹ።” (ምሳሌ 7:⁠16, 17) ንዓራታ ብዝንጉርጉር እተጠልፈ ምንጻፍ ግብጺ ብምንጻፍን ካብ ከርበ: ዓልወ: ከምኡውን ቀረፋ እተቐመመ ምኡዝ ጨና ብምንጻግን ኣመልኪዓቶ ኢያ።

ቀጺላ “ንዓ: ክሳዕ ዚወግሕ ብፍትወት ንርወ: ብናይ ፍትወት ምትሕቝቛፍ ባህ ይበለና” በለቶ። እዚ ተቕርበሉ ዘላ ዕድመ ብሓባር ባህ ዘብል ድራር ክድረሩ ጥራይ ኣይኰነን። ብጾታዊ ርክብ ክረውዩ ኢያ ትመባጽዓሉ ዘላ። ነቲ መንእሰይ ዝቐረበሉ ዕድመ ዝምስጥን ስምዒት ዘለዓዕልን ኢዩ! ኣብ ርእሲ እዚ ምእንቲ ክትደፋፍኦ ከምዚ በለቶ:- “ሰብኣየይ ከረጺት ገንዘብ ኣብ ኢዱ ሒዙ: ነዊሕ መገሻ ኸይዱ እዩ: ኣብ ገዛ የሎን። ወርሒ ፍጹም ብርሃን ምስ ኰነት እዩ ንገዛኡ ዚምለስ።” (ምሳሌ 7:⁠18-20) ሰብኣያ ብንግዲ ኣርሒቑ ስለ ዝኸደን ንእተወሰነ እዋን ክመጽእ ትጽቢት ስለ ዘይግበረሉን ምሉእ ድሕንነት ከም ዝህልዎም ኣረጋገጸትሉ። መንእሰይ ኣብ ምትላል ኣየ ክሳዕ ክንደይ ክኢላ ኰን ኢያ! “ብብዙሕ ጥበራ ኣስሐተቶ: ብልዙብ ከናፍራ ሰሐበቶ።” (ምሳሌ 7:⁠21) ሓደ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘህርር ፈተነ ንኽቃወም ከም ናይ ዮሴፍ ዓይነት ኣተሓሳስባ የድልዮ። (ዘፍጥረት 39:⁠9, 12) እዚ መንእሰይ ከምዚ ዝኣመሰለ ብቕዓት ነይርዎዶ ኢዩ፧

“ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚዅብኰብ ብዕራይ”

ሰሎሞን ከምዚ ብምባል ይትርኽ:- “ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚዅብኰብ ብዕራይ: ከምቲ ዓሻ: ፍላጻ ንኸብዱ ኽሳዕ ዚስንጥቖ: ብቕጽዓት ዚእሰር: ከምቲ ንጥፍኣት ነፍሱ ምዃኑ ኸይፈለጠ: ናብ መጻወድያ ዚሸብብ ዑፍ ኰይኑ ብኡብኡ ሰዐባ።”​—⁠ምሳሌ 7:⁠22, 23

እቲ መንእሰይ ነቲ ዘቕረበትሉ ዕድመ ክነጽጎ ኣይከኣለን። ቀልቡ ኣጥፊኡ “ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚዅብኰብ ብዕራይ” ሰዓባ። ከምቲ ንቕጽዓት ብመቝሕ እተኣስረ ሰብኣይ ካብ መቕጻዕቱ ዘየምልጥ: እቲ መንእሰይ እውን ናብ ሓጢኣት ተሳሕበ። “ፍላጻ ንኸብዱ ኽሳዕ ዚስንጥቖ” ማለት ናብ ሞት ከብጽሖ ዝኽእል ጕድኣት ክሳዕ ዝበጽሖ: ኣብ ከመይ ዝበለ ሓደገኛ ኵነታት ከም ዝኣተወ ኣየስተውዓለን። እቲ ሞት ኣካላዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እዚ ድማ ኣብ ሞት ከብጽሕ ናብ ዝኽእል ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ምቅልዑ ኢዩ። b እቲ ጕድኣት መንፈሳዊ ሞት ዘስዕበሉ ማለት “ንጥፍኣት ነፍሱ” እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጠቕላላ ህላወኡን ናብርኡን ኣጸቢቑ ኢዩ ተተንኪፉ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ከቢድ ሓጢኣት ፈጸመ። ስለዚ ኸኣ ከምቲ ናብ መጻወድያ ዝሸብብ ዑፍ ኰይኑ ናብ ሞት ጐየየ!

“ብመገዳ ኣይትስሐት”

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ካብቲ ዝረኣዮ ነገር ትምህርቲ ብምውሳድ ከምዚ ኢሉ ይምሕጸን:- “እምበኣርሲ ደቀየ: ስምዑኒ: ናብ ዘረባ ኣፈይ ከኣ ኣቕልቡ። ንሳ ንብዙሓት ወጊኣ ኣውዲቓቶም: ዝቐተለቶም ከኣ መሊኦም እዮም: ቤታ ናብ ውሻጠ ሞት ዜውርድ: መገዲ ሲኦል እዩ እሞ: ንልብኻ ናብ ጐደናኣ ኣቢልካ ኣይተዘምብሎ: ብመገዳ ኣይትስሐት።”​—⁠ምሳሌ 7:⁠24-27

ሰሎሞን ካብቲ ሞት ዘስዕብ መገዲ ናይቶም ብዘይ​ስነ⁠-​ምግባራዊ ናብራ ዝመላለሱ ሰባት ከነልግስ እሞ ‘ብህይወት ክንነብር’ ይመኽረና ምህላዉ ንጹር ኢዩ። (ምሳሌ 7:⁠2) እዚ ምኽሪ እዚ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ነዚ ግዜና ዘድሊ! ናብቲ እቶም ኣድብዮም ዝጽበዩ ሰባት ብብዝሒ ዝርከቡሉ ቦታ ክንከይድ ከም ዘይብልና እተረጋገጸ ኢዩ። ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታታት ብምኻድ ንምንታይ ናብቲ ሜላታቶም እተቓላዕካ እትኸውን፧ ንምንታይ “ልቢ ዜብሉ” እትኸውን: ስለምንታይከ ብመገዲ “ጓና” እትስሕት፧

እታ እቲ ንጉስ ዝረኣያ “ጓና ሰበይቲ” ነቲ መንእሰይ ‘ብናይ ፍትወት ምትሕቝቛፍ ባህ ንኽብሎም’ ብምዕዳም ኣስሓተቶ። ብዙሓት መንእሰያት: ብፍላይ ከኣ ደቂ ኣንስትዮ: በዚ ኸምዚ መገዲ ደይኰነን ዝሰድዑ፧ ሕስብ እሞ ኣብሎ: ሓደ ሰብ ጾታዊ ብዕልግና ንኽትፍጽም ክሓባብለካ ከሎ: ሓቀኛ ፍቕሪ ስለ ዘለዎ ድዩ ወይስ ካብ ስስዐ ተበጊሱ ኢዩ፧ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብሓቂ ዘፍቅራ ሰብኣይ ነቲ ካብ ክርስትያናዊ ስልጠና ዝረኸበቶ ትምህርትን ንሕልናኣን ክትጥሕስ ጸቕጢ ዝገብረላ ስለምንታይ ኢዩ፧ ሰሎሞን “ንልብኻ” ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ መገድታት “ኣይተዘምብሎ” ብምባል ይምዕድ።

መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ መስሓቲ ዝጥቀመሉ ቃላት ልዙብን ብጥንቃቐ እተኣልመን ኢዩ። ንጥበብን ምርዳእን ካባና እንተ ዘይፈሊናየን: ነቲ ውዲት ንኽንፈልጦ ይሕግዛና ኢየን። ነቲ የሆዋ ዝኣዘዘና ዘይምርሳዕ ከኣ የዕቍበና ኢዩ። ስለዚ ወትሩ ‘ትእዛዛት ኣምላኽ ንኽንሕሉ’ ንጽዓር እሞ ንዘለኣለም ‘ብህይወት ክንነብር ኢና።’​—⁠1 ዮሃንስ 2:⁠17

[እግረ-ጽሑፋት]

a እታ “ጓና” እትብል ቃል ነቶም ንሕጊ የሆዋ ዝባኖም ብምምላስ ካብኡ እተፈልዩ ሰባት እተመልክት ኢያ ነይራ። ስለዚ: ከም ኣመንዝራ ዝኣመሰለት ብዕልግቲ ጓል ኣንስተይቲ “ጓና ሰበይቲ” ክትበሃል ትኽእል ኢያ።

b ገለ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ንጸላም ከብዲ ጕድኣት የውርደላ ኢዩ። ንኣብነት ፍንጣጣ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ ከሎ: እቶም ባክተርያ ንጸላም ከብዲ ይወሩዋ። እቲ ጅግል ዘምጽእ ባክተርያ እውን ነድሪ ጸላም ከብዲ ከስዕብ ይኽእል ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ወለዲ ንዘውጽእዎ ሕግታት ብኸመይ ትርእዮ፧

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው: ህይወት ማለት ኢዩ