ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ በረኽቲ ከበሳታት ፔሩ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ

ኣብ በረኽቲ ከበሳታት ፔሩ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ

ንሕና ከምቶም እምነት ዘለዎም ኢና

ኣብ በረኽቲ ከበሳታት ፔሩ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ

 ኣብ መንጎ ምብራቓውን ምዕራባውን ጫፍ እምባታት ኣንደስ ማለት ኣብ ዶብ ቦሊቭያን ፔሩን ኣልቲፕላኖ ተባሂሉ ዝጽዋዕ በረኽቲ ከበሳታት ይርከብ። እዚ ስም “ኣብ በሪኽ ቦታ ዝርከብ ጐልጐል” ወይ “ከበሳ” ማለት ኢዩ። ዝዓበየ ክፋል ናይዚ ኣብ ቦሊቭያ ይርከብ።

እዚ በረኽቲ ከበሳታት 100 ኪሎ ሜተር ዝምግፋሑ: ልዕሊ 1,000 ኪሎ ሜተር ከኣ ዝርጋሐ ዘለዎ ኰይኑ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ዘለዎ ገምጋም ብራኸ 3,700 ሜትሮ ኢዩ። ኣብ ነፋሪት ኴንካ ካብታ ኣብ ገማግም እትርከብ ሊማ እትበሃል ርእሲ ከተማ ክትከይድ ከሎኻ ነቲ ብበረድ እተሸፈነ ኢል ሚስቲ ዝበሃል 5,822 ሜትሮ ዝምብራኹ እሳተ⁠-​ጎመራ ዝተፍኦ እምባ ልዕሊ ደበና ተቐልቂሉ ትርእዮ። ብማዕዶ ኸኣ እቶም ልዕሊ 6,000 ሜትሮ ዝምብራኾም ጫፎም ብበርድ እተሸፈነ ኔባዶ ኣምፓቶ ከምኡውን ኔባዶ ኮሩፑና ዝበሃሉ እምባታት ይርኣዩ። ብሃንደበት እቲ ሰፊሕ ከበሳታት ደቡባዊ ፔሩ ክረኣየካ ይጅምር።

እታ ካብተን ኣብ በረኽቲ ከበሳታት ፔሩ ዝርከባ ከተማታት ዝዓበየት ፑኖ ኰይና ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ወገን ናይቲ ቲቲካካ ዝበሃል ቀላይ ኢያ ተደኲና፣ እዚ ቐላይ እዚ መራኽብ ክሕዙ ካብ ዝኽእሉ ናይ ዓለም ቀላያት እቲ ዝበረኸ ኢዩ። እቲ ቦታ ካብ 3 ኪሎ ሜተር ንላዕሊ ብራኸ ስለ ዘለዎ: በጻሕቲ ነቲ ስሑው ኣየር ንኽለማመዱ ግዜ ይወስደሎም ኢዩ። ኣብ ከባቢ ቀላይ ቲቲካካ: ኴቹዋ ከምኡውን ኣይማራ ዝበሃሉ ቀያሕቲ ህንዳውያን ይቕመጡ። ድሙቕ ቀይሕ: ቀጠልያ: ወይ ሰማያዊ ክዳኖም ተኸዲኖም ኣብቲ ቻካራስ ዝብልዎ ንኣሽቱ ግራውቶም ክዓዩ ይረኣዩ። ቋንቋ ስጳኛ ኣብ ፔሩ ብብዝሒ ዝዝረበሉ ቋንቋ እኳ እንተ​ዀነ ኣብቲ በረኽቲ ከበሳታት ግን ቋንቋታት ኴቹዋ ከምኡውን ኣይማራ ይዝረብ ኢዩ።

ኣብ ዕዮ ስብከት መሪሕ ተግባር ምፍጻም

ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዙሓት ካብቶም ትሑታትን ጻዕራማትን ዝዀኑ ቋንቋታት ኴቹዋ ከምኡውን ኣይማራ ዝዛረቡ ሰባት ነቲ ርጡብ ፍልጠት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ፈሊጦም ኣለዉ። መብዛሕትኡ እዚ ፍረ እዚ ክርከብ እተኻእለ የሆዋ ነቲ ቅንኢ ዝመልኦ ጻዕርታት ናይቶም ፍሉያት ፓይነራት ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ናይ ምሉእ ግዜ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዚሑ ስለ ዝበረኾ ኢዩ።

ንኣብነት: ሆሴ ከምኡውን ሲልቪያ ዝበሃሉ ፍሉያት ፓይነራት ኣብታ ካብ ቀላይ ቲቲካካ 50 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ፑቲና እትበሃል ንእሽቶ ከተማ ተመደቡ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ሲልቪያ 16: ሆሴ ኸኣ 14 ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሑ ጀመሩ። ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ጥራይ: ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ካብ 23 ናብ 41 ወሰኸ። እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ: ቍጽሪ ተኣከብቲ ካብ 48 ናብ ዝለዓለ ቍጽሪ 132 ደየበ።

ሆሴ ከምዚ ይብል:- “ኣብዚ እተገለለ ማሕበረሰብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክንጅምር ከሎና: ብህዝባዊ ኣኼባን ብጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍን ምጅማር ተግባራዊ ኰይኑ ኢዩ ረኺብናዮ። እዚ ነቶም ሓደስቲ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ኣኼባታት ንምክፋል ዝቐለለ ይገብረሎም።”

ክልተ ብስጋ ኣሓት​—⁠ሓንቲ ካብኣተን ፓይነር ኢያ​—⁠ነቲ ብስራት ናብቲ ካብ ፑቲና 20 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ እተገለለ ማሕበረሰብ ሙኛኒ ኣብጽሐኦ። ኣብኡ ንሓደ ሉስዮ ዝበሃል ዓይነ⁠-​ስዉር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመራሉ። a እዚ ሰብኣይ እዚ ነቲ ኣብቲ ጐደቦ ዓዲ ዝነብር ናይ ካቶሊክ ሰባኽን ናይቲ ማሕበረሰብ ኣመሓዳርን ዝዀነ ሚገል ዝበሃል ሓዉ ዓደሞ። ዓርኪ ሚገል ኣብ ሰሰሙን ንምንታይ ናብ ሙኛኒ ከም ዝኸይድ ንሚገል ምስ ሓተቶ: ብዛዕባ የሆዋን ቃሉን ንኽማሃር ምዃኑ ነገሮ። ድሕሪኡ “ስለምንታይ እሞ ኣብዚ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይነጽንዕ፧” ዝብል ሕቶ ተላዕለ። እቲ ሚገል ዝነብረሉ ማሕበረሰብ ተገዳስነት ስለ ዘርኣየ: እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ቦታ ኣኼባ ንምግባር ምድላዋት ገበራ።

ሚገል ነቲ ዝማሃሮ ዝነበረ ንኻልኦት ከካፍል ጀመረ። ብዛዕባ እቲ ከም ናይ ካቶሊክ ሰባኽን ምክትል ኣመሓዳርን መጠን ዝነበሮ ስልጣንከ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧ ኣብቲ ናይ ማሕበረሰብ ኣደራሽ ኣብ እተገብረ ኣኼባ: ናይ ካቶሊክ ሰባኺ ካብ ምዃን ከም ዘቋረጸ ገለጸ። ካልእ ሰብ ደኾን ይሽየም ይኸውን፧ ሓንቲ ካብቶም ተኣከብቲ “ሓቂ እናተማሃርና ከሎና ካልእ ሰባኺ ንምንታይ የድልየና፧” በለት። ብዛዕባ እቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝማሃርዎ ዝነበሩ ትምህርቲ ትዛረብ ከም ዝነበረት እተረጋገጸ ኢዩ። ካልእ ሰብ ድማ ቀጺሉ “በይንኻ ነዚ ሓዲግካ ምውጻእካ ኣይንሰማምዓሉን ኢና። ስለምንታይ ኵልና ነዚ ዘይንሓድጎ፧” በለ። ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ብሓባር “ኵልና ሓዲግናዮ ኣሎና!” ኢሎም ጨደሩ።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብቲ ናይ ማሕበረሰብ ኣኼባ ብዛዕባ ጣኦትን መስቀልን ተዘራረቡ። ሓደ ሰብኣይ ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ኵሎም ዘዳግም 7:⁠25 ከንብቡ ሓተቶም፣ እታ ጥቕሲ ከምዚ ትብል:- “እተወቕረን እተጸርበን ምስልታት ኣማልኽቶም ብሓዊ ኣንድዱ: ነቲ ኣባታቶም ዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣይትመነዩ: እዚ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ: ብእኡ ኸይትሕንኰልሲ: ካብኡ ንኣኻ ገለ ኣይትውሰድ።”

ድሕርዚ እቲ ሰብኣይ እቶም ንዅሉ ጣኦታት ክነድድ ኣለዎ ዝብሉ ኣእዳዎም ሓፍ ከብሉ ሓተተ። ኵለን ኣእዳው ብቕጽበት ሓፍ በላ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:​19, 20) ሕጂ ካብተን ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝርከባ 25 ስድራ​ቤታት 23 ቃል ኣምላኽ የጽንዓ ኣለዋ። ክልተ ሰባት ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ: ሓሙሽተ ሰብ ሓዳር ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ኣቕዋም ምእንቲ ክህልዎም መርዓኦም ሕጋዊ ንምግባር መዲቦም ኣለዉ።​—⁠ቲቶስ 3:⁠1፣ እብራውያን 13:⁠4

ብካሴት ገይርካ ምምሃር

ኣብቲ በረኽቲ ከበሳታት ብዙሕ እተማህረ ስለ ዘይርከብ: ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ በቲ ናይቲ ዓዲ ቋንቋ እተዳልዎ ቪድዮታትን ካሴታትን ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ እውን ከይተረፈ ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ። ሓንቲ ዶራ እትበሃል ፍልይቲ ፓይነር በታ ኣብ ካሴት እተቐድሐት ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ገይራ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ ኢያ። ነቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ቍጽሪ ምስ ኣስምዓቶም: ናይታ ቍጽሪ ሕቶ ትሓቶም።

ኣብቲ ዓዲ ዘሎ መደበር ራድዮ ገለ ክፋል ካብታ ብቛንቋ ኴቹዋ እተዳለወት ብሮሹር ብቕዓት ብቐጻሊ ፈነወ ይገብር ኢዩ። ብተመሳሳሊ እውን ገለ ክፋል ካብቲ ብቛንቋ ስጳኛ እተዳለወ ንቕሑ! ፈነወ ይግበር ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ንመልእኽቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝፈለጡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤቶም ክኸዱ ከለዉ ዝያዳ ክማሃሩ ይደልዩ ኣለዉ።

ዓለም ነዚ በረኽቲ ከበሳታት ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይትህቦን ኢያ: ኣምላኽ ግን ኣይረስዖን። ሳላ እቲ የሆዋ ንደቅ​ሰብ ዘርኣዮ ፍቕሪ ብዙሓት ኣብቲ ኣብ እምባታት ኣንደስ ዘሎ በረኽቲ ከበሳታት ዝርከቡ ተቐማጦ ክፍሊ ናይቲ ነታ ግርማዊት ቤት ናይታ ሓቀኛ ኣምልኾ ብኽብሪ ዝመልኡ ጭፍራ ኰይኖም ኣለዉ።​—⁠ሃጌ 2:⁠7

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብዚ ዓንቀጽ ገለ ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።