ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ትምህርቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና

ካብቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ትምህርቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና

ካብቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ትምህርቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና

 ኣምላኽ ንምድሪ መርመራ። ደቅሰብ ንኽነብሩላ ኢዩ ዘዳልዋ ነይሩ። ኵሉ እቲ ዝዓዮ ዝነበረ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። ዕዮኡ ምስ ፈጸመ: ኵሉ ነገር “ብዙሕ ጽቡቕ” ምዃኑ ገለጸ። (ዘፍጥረት 1:⁠12, 18, 21, 25, 31) ኣብቲ ፍጹም መደምደምታ ቅድሚ ምብጽሑ ግን: ሓደ ነገር “ጽቡቕ ኣይኰነን” በለ። ርግጽ ኢዩ: ኣምላኽ ዘይፍጹም ነገር ኣይፈጠረን። ናይ ምፍጣር ዕዮኡ ስለ ዘይተዛዘመ ጥራይ ኢዩ ከምኡ ዝበለ። የሆዋ “ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን: ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ” በለ።​—⁠ዘፍጥረት 2:⁠18

ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ጥዕና: ሓጐስ: ከምኡውን ኣብታ ምድራዊት ገነት እኹል መግቢ ረኺቦም ንዘለኣለም ተሓጒሶም ክነብሩ ዕላማ የሆዋ ነበረ። ኣዳም ኣቦ ኵሎም ደቅሰብ ኢዩ። ሄዋን ሰበይቱ ድማ “ኣደ ዅሉ ህያው” ኰነት። (ዘፍጥረት 3:⁠20) ሎሚ ምድሪ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ዘርኦም እኳ እንተ መልአት: ደቅሰብ ግን ካብ ፍጽምና ርሒቖም ኢዮም ዘለዉ።

ታሪኽ ኣዳምን ሄዋንን መብዛሕትኡ ሰብ ዝፈልጦ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን ካብኡ እንታይ ተግባራዊ ጥቕሚ ክንረክብ ንኽእል፧ ካብ ተመክሮ ናይቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧

“ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም”

ኣዳም ነቶም እንስሳታት ስም ከውጽኣሎም ከሎ ነፍሲ ወከፎም መዋስብቲ ከም ዘለዎም: ንሱ ግን ከም ዘይብሉ ተዓዘበ። ስለዚ ነታ የሆዋ ካብ መሰንገሊኡ ዝሰርሓ ምልክዕቲ ፍጥረት ምስ ረኣያ ተሓጐሰ። ኣዳም ንሳ ብፍላይ ክፋሉ ምዃና ስለ ዝፈለጠ “እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ: ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ: ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ: ሰበይቲ ትብሀል” በለ።​—⁠ዘፍጥረት 2:⁠18-23

ሰብኣይ “ደጋፊት” ተድልዮ ነበረት። ሕጂ ንዕኡ እትበቅዕ ረኸበ። ሄዋን መመላእታ ኣዳም ንምዃን ምሉእ ብምሉእ እትበቅዕ ነበረት። ነታ ገነታዊት ቤቶምን ነቶም እንስሳታትን ኣብ ምክንኻን: ቈልዑ ኣብ ምውላድ: ከምኡውን ከም ሓንቲ ሓቀኛ ብጸይቲ መጠን ሓሳብን ደገፍን ኣብ ምሃብ መመላእታኡ ኢያ ነይራ።​—⁠ዘፍጥረት 1:⁠26-30

የሆዋ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ብዓቕሞም ክብህግዎ ዝኽእሉ ኵሉ ነገር ኣዳለወ። ኣምላኽ ንሄዋን ናብ ሰብኣያ ብምምጻእ: በዚ ኣቢሉ ድማ መውስቦኦም ወግዓዊ ብምግባር: ንመሰረት ናይ መርዓ: ብእኡ ኣቢሉ ድማ ማሕበረሰብ ዝውደበሉ ስድራ​ቤት ተኸለ። እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዝርከብ ጸብጻብ “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ” ይብል። የሆዋ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ክባርኾምን ክፈርዩ ክነግሮምን ከሎ: ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ዝከናኸንዎ ኣቦን ኣደን ኣብ ዘለዋ ስድራ​ቤት ክውለድ ሓሊኑ ከም ዝነበረ ንጹር ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 1:⁠28፣ 2:⁠24

“ብመልክዕ ኣምላኽ”

ኣዳም ‘ብመልክዕን ምስልን’ ኣምላኽ እተፈጥረ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። “ኣምላኽ መንፈስ” ስለ ዝዀነ ግን: እዚ ምምስሳል ብኣካል ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:⁠26፣ ዮሃንስ 4:⁠24) እዚ ምምስሳል እዚ ኣብቲ ንሰብ ካብ እንስሳ ጸብለል ዘብሎ ባህርያት ኢዩ ዝርአ። እወ: ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ኣብ ወድሰብ ናይ ፍቕሪ: ጥበብ: ሓይሊ: ከምኡውን ናይ ፍትሒ ባህርያት ተተኺሉሉ ኢዩ። ናጻ ድሌትን መንፈሳውነት ናይ ምህላው ተኽእሎን ተዋሂብዎ ኢዩ። ብውርሲ ዝረኸቦ ስነ⁠-​ምግባራዊ ኣተሓሳስባኡ ወይ ሕልናኡ: ቅኑዕን ጌጋን ንኽመሚ የኽእሎ። ወድሰብ ብህይወት ዝነብረሉ ምኽንያት ንኸስተንትን: ብዛዕባ ፈጣሪኡ ፍልጠት ንኽድልብ: ከምኡውን ምስ ፈጣሪኡ ጥብቂ ርክብ ንኸማዕብል ዘኽእሎ ምስትውዓል ኣለዎ። ስለዚ ኣዳም እዚ ዅሉ ክእለት ስለ ዝነበሮ: ነቲ ኣመሓዳሪ ናይ ምድራዊ ኢደ⁠-​ስርሓት ኣምላኽ ንኽኸውን እተዋህቦ ዕማም ዘድልዮ ኵሉ ኣጥርዩ ነበረ።

ሄዋን ሓጥአት

ኣዳም ንሄዋን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝኸልከሎም ነገር ቀልጢፉ ከም ዝነገራ ዘጠራጥር ኣይኰነን፣ እዚ ኸኣ ካብ ኵሉ እቲ ኣብ ገነት ዝነበረ ፍረ ኦም ክበልዑ ከም ዝኽእሉ: ነታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ እሞ ግን ከይትንክይዋ ዝእዝዝ ኢዩ። ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ክበልዑ ኣይነበሮምን። እንተ በሊዖም ኣብታ ዝበልዑላ መዓልቲ ክሞቱ ነበሮም።​—⁠ዘፍጥረት 2:⁠16, 17

ነዊሕ ከይጸንሐ ብዛዕባ እታ እተኸልከለት ፍረ ሕቶ ተላዕለ። ተመን ኣፈኛ ናይ ሓደ ዘይርአ መንፈሳዊ ፍጥረት ኰይኑ ናብ ሄዋን ቀረበ። እቲ ተመን ንጹህ ብምምሳል “ኣምላኽሲ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ: ኢሉዶ አዚዙ እዩ፧” ኢሉ ሓተታ። ሄዋን ካብ ሓንቲ ኦም እንተ ዘይኰይኑ ካብ ኵሉ ፍረ ኦም ክበልዑ ከም ዝኽእሉ ነገረቶ። ሽዑ ግን እቲ ተመን ንኣምላኽ ብምቅዋም ነታ ሰበይቲ ከምዚ በላ:- “ኣይፋልኩም: ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ: ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ: ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር: ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም።” እታ ሰበይቲ ነታ እተኸልከለት ኦም ብኻልእ መገዲ ክትጥምታ ጀመረት። “እታ ኦም ምብልዓ ጥዕምቲ: ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ” ነበረት። ሄዋን ስለ እተሓብለት ሕጊ ኣምላኽ ኣፍረሰት።​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠1-6፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:⁠14

ሄዋን ሓጢኣት ምፍጻም እንተ ዘይኰይኑ ካልእ መዋጽኦ ዘይብሉ ኵነታት ድዩ ኣጋጢምዋ፧ ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን! ገዛእ ርእስኻ ኣብ ቦታኣ እስከ ኣእቱ። እቲ ተመን ዝበሎ ነገር ምስቲ ኣምላኽን ኣዳምን ዝበልዎ ነገር ምሉእ ብምሉእ ዝጻረር ኢዩ ነይሩ። ሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ መጺኡ ንሓደ እተፍቅሮን እትኣምኖን መታለሊ ኢዩ ኢሉ እንተ ዝኸሶ ከመይ ምተሰምዓካ፧ ሄዋን ኣብቲ ተመን ብርቱዕ ጽልኢ ብምሕዳር: ምስማዕ እውን ብምእባይ: ካብቲ ዝገበረቶ እተፈልየ ስምዒት ከተርኢ ነበራ። ብዘይ​ዚውን እቲ ተመን ንጽድቂ ኣምላኽን ንቓላት ሰብኣያን ኣብ ሕቶ ዘእትዎ እንታዋይ ኢዩ፧ ሄዋን ነቲ ስርዓት ርእስነት ካብ ዘለዋ ኣኽብሮት ተላዒላ ዝዀነ ይኹን ውሳነ ቅድሚ ምግባር ምኽሪ ክትሓትት ነበራ። ንሕና እውን ምስቲ ኣምላኽ ዝሃበና መምርሒታት ዝጻረር ነገር እንተ ተነጊሩና ከምኡ ክንገብር ኢዩ ዘሎና። እንተ​ዀነ ግን: ሄዋን ጽቡቕን ክፉእን ባዕላ ክትውስን ስለ ዝደለየት: ንቓላት ናይቲ ፈታኒ ኣመነቶ። ነቲ ሓሳብ ዝያዳ ብዘስተንተነቶ መጠን: ዝያዳ ድራኸ ኣሕደረላ። ነቲ ክፉእ ትምኒት ካብ ኣእምሮኣ ኣብ ክንዲ እትሓኮ ወይ ምስቲ ርእሲ ስድራ​ቤታ ኣብ ክንዲ እትመያየጠሉ: ብዛዕባኡ ብምሕሳባስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ጌጋ ኰን ኢያ ፈጺማ!​—⁠1 ቈረንቶስ 11:⁠3፣ ያእቆብ 1:⁠14, 15

ኣዳም ቃል ሰበይቱ ሰምዐ

ሄዋን ነዊሕ ከይጸንሐት ኣዳም ኣብቲ ሓጢኣታ ንኽሓብራ ደፋፍኣቶ። ብቐሊሉ ሕራይ ኢሉ ምቕባሉ ብኸመይ ኢና እንገልጾ፧ (ዘፍጥረት 3:⁠6, 17) ኣዳም ኣብ መንጎ ክልተ ተኣማንነት ኢዩ ተቐርቂሩ። ነቲ ንሄዋን እታ ፍቕርቲ መዋስብቱ እውን ወሲኹ ኵሉ ነገር ዝሃቦ ፈጣሪኡ ደዀን ይእዘዝ ይኸውን፧ ኣዳም እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ካብ ኣምላኽ መምርሒ ደዀን ይደሊ ይኸውን፧ ወይስ እቲ ሰብኣይ ኣብቲ ናይ ሰበይቱ ሓጢኣት ክሓብር ይውስን ይኸውን፧ ኣዳም ነታ እተኸልከለት ፍረ ብምብላዕ ሄዋን ክትረኽቦ ዝሓሰበቶ ነገር ናይ ሓቂ ከም ዘይኰነ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ “ኣዳም ኣይተሐብለን: ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠14) ስለዚ ኣዳም ደይመደይ ኢሉ ኣንጻር ኣምላኽ ምኻድ መረጸ። ካብ ሰበይቱ ንኸይፍለ ዝነበሮ ፍርሂ ካብቲ ኣምላኽ ነቲ ኵነታት ንምዕራይ ኣብ ዝነበሮ ክእለት ዘሕደሮ እምነት ከም ዝዛየደ ኣየጠራጥርን ኢዩ።

ኣዳም ዝገበሮ ነገር ርእሰ⁠-​ቕትለት ኢዩ ነይሩ። ኵሎም ዘርኡ ብሰንኪ ኵነኔ ሓጢኣት ንኽሞቱ ስለ እተወልዱ: ንዅሎም እቶም የሆዋ ብምሕረቱ ኣቦ ክዀኖም ዝፈቐደሉ ዘርኡ እውን ቀቲልዎም ኢዩ። (ሮሜ 5:⁠12) እዚ ስስዐ ዝመልኦ ዘይምእዛዝ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ጥፍኣት ኰን ኢዩ ኣስዒቡ!

ሳዕቤን ሓጢኣት

ሓጢኣት ብኡንብኡ ሕፍረት ኣስዓበ። እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ምስ የሆዋ ንምዝርራብ ኣብ ክንዲ ብሓጐስ ዝጐዩ ተሓብኡ። (ዘፍጥረት 3:⁠8) ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ዕርክነት ተበትከ። ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ነገር ምስ ተሓተቱ: ክልቲኦም ሕጊ ኣምላኽ ከም ዘፍረሱ ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ ምንም ጣዕሳ ኣየርኣዩን። ነታ እተኸልከተለት ፍረ ብምብላዕ ነቲ ኣምላኽ ዘርኣዮም ለውሃት ዝባኖም መለሱሉ።

ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ መከራ ጥንስን ቈልዓ ንኽውለድ ዘሎ ጻዕርን ከም ዝበዝሕ ኣምላኽ ገለጸ። ድሌት ሄዋን ናብ ሰብኣያ ክኸውን: ንሱ ድማ ክመልካ ነበሮ። እቲ ናጽነት ንምርካብ ዝገበረቶ ፈተነ እምበኣር ምሉእ ብምሉእ ኣንጻሩ ዝዀነ ነገር ኣስዓበ። ኣዳም እውን ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ፍረ ምድሪ ብጻዕሪ ክበልዕ ነበሮ። ኣብ ኤድን ከይለፍዐ ኣብ ክንዲ ዝዕንገል: ናብቲ እተሰርሓሉ መሬት ክሳዕ ዝምለስ ንህይወቱ ዘድልዮ ነገራት ንምርካብ ካብ መጠን ንላዕሊ ክጽዕር ነበሮ።​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠16-19

ኣብ መወዳእታ: ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ኤደን ተሰጉ። የሆዋ ከምዚ በለ:- “እንሆ: ኣዳም ከም ሓደ ኻባና: ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኰይኑ አሎ። ሕጂ ኸኣ ኢዱ ኸይዝርግሕ: ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ድማ ኸይበልዕ: ንዘለኣለም ከኣ ህያው ኰይኑ ኸይነብር: . . .።” ጎርዶን ዌናም ዝበሃል ምሁር “እዛ ምሉእ እዚኣ ሓሳብ ጠልጠል ኢላ ኢያ ተሪፋ” በለ: ስለዚ ነቲ ዝተረፈ ሓሳብ ኣምላኽ ባዕልና ክንምልኦ ኢዩ ተገዲፍልና፣ እዚ ድማ “ካብ ገነት ከውጽኦም ኢየ” ዝብል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሓሳብ ብምሉኡ መዝገበ። ዌናም ግን ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “መደምደምታ ከይተገልጸ ምትራፉ: ንፍጥነት ናይቲ ኣምላኽ ዝወሰዶ ስጕምቲ ይሕብረና። ገና ተዛሪቡ ከይወድአ ኸሎ ካብ ገነት ኤድን ተሰጉ።” (ዘፍጥረት 3:⁠22, 23) በዚ ኸምዚ ኣብ መንጎ የሆዋን እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝነበረ ርክብ ብምሉኡ ከም ዘቋረጸ ንጹር ኢዩ።

ኣዳምን ሄዋንን ኣብታ 24 ሰዓታት ዝነበራ መዓልቲ ብኣካል ኣይሞቱን። ይኹን እምበር: ብመንፈሳዊ መገዲ ሞይቶም ኢዮም። ካብቲ ምንጪ ህይወት ንሓዋሩ ስለ እተፈልዩ: ናብ ሞት ከምርሑ ጀመሩ። እቲ በዅሪ ወዶም ቃየል ነቲ ካልኣይ ወዶም ኣቤል ብምቕታሉ ንመጀመርታ ግዜ ሞት ምስ ረኣዩ: ክሳዕ ክንደይ ከም ዝመረሮም እሞ ሕስብ ኣብሎ!​—⁠ዘፍጥረት 4:⁠1-16

ድሕርዚ: ብዛዕባ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ብተዛማዲ ብዙሕ ኣይፍለጥን ኢዩ። ኣዳም ወዲ 130 ዓመት ምስ ኰነ እቲ ሴት ዝበሃል ሳልሳይ ወዶም ተወልደ። ኣዳም ድሕርዚ 800 ዓመት ጸኒሑ: “ኣወዳትን ኣዋልድን” ምስ ወለደ ወዲ 930 ዓመት ኰይኑ ሞተ።​—⁠ዘፍጥረት 4:⁠25፣ 5:⁠3-5

ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ

እዚ ጸብጻብ ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ንጠንቂ ናይዚ ተባላሽዩ ዘሎ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኣብ ርእሲ ምግላጹ: ንዓና እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ ይህበና ኢዩ። ካብ የሆዋ ኣምላኽ ናጻ ክንወጽእ ምባል ዓቢ ዕሽነት ኢዩ። እቶም ናይ ሓቂ ጥበበኛታት ዝዀኑ ሰባት ኣብቲ እኹል ኢዩ ኢሎም ዝሓስብዎ ናይ ገዛእ ርእሶም ፍልጠት ዘይኰነስ ኣብ የሆዋን ቃሉን ኢዮም እምነት ዝገብሩ። የሆዋ ጽቡቕን ክፉእን ይውስን ኢዩ: ብመሰረቱ ጽቡቕ ምግባር ክበሃል ከሎ ድማ ንዕኡ ምእዛዝ ማለት ኢዩ። ጌጋ ምግባር ክበሃል ከሎ ንሕግታቱ ምጥሓስን ንስርዓታቱ ምንጻግን ማለት ኢዩ።

ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ደቅሰብ ዝብህግዎ ነገራት ማለት ዘለኣለማዊ ህይወት: ናጽነት: ዕግበት: ሓጐስ: ጥዕና: ሰላም: ብልጽግና: ከምኡውን ሓደስቲ ርኽበታት ንኽህልዎም ኣጋጣሚ ከፊቱ ነበረ: ሕጂውን ከፊቱ ኢዩ ዘሎ። ይኹን እምበር: ነዚ ዅሉ ንምርካብ ምሉእ ብምሉእ ጽጋዕተኛታት ናይ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ምዃንና ኣፍልጦ ክንህብ የድልየና።​—⁠መክብብ 3:⁠10-13፣ ኢሳይያስ 55:⁠6-13

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኣዳምን ሄዋንን ጽውጽዋይ ድዮም፧

እታ ብሰንኪ ሓጢኣት ዝጠፍአት ቀዳመይቲ ገነት: ከም ዝነበረት ብጥንታውያን ባቢሎናውያን: ኣሶራውያን: ግብጻውያን: ከምኡውን ብኻልኦት ብሰፊሑ ይእመነሉ ኢዩ። ኣብ መብዛሕትኡ እዚ ጸብጻባት እዚ ብዛዕባ እታ ዘለኣለማዊ ህይወት እተውህብ ኦም ህይወት ተጠቒሱ ኣሎ። ስለዚ ደቅሰብ ኣብ ኤድን ገለ ዘሕዝን ነገር ከም ዘጋጠመ ኣይረስዑን።

ሎሚ: ብዙሓት ሰባት ነቲ ብዛዕባ ኣዳምን ሄዋንን ዝገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጸብጻብ ከም ጽውጽዋይ ስለ ዝቘጽርዎ ኣይቅበልዎን ኢዮም። ኰይኑ ግን መብዛሕትኦም ሊቃውንቲ ዓሌት ሰብ ሓደ መበቈል ዘለዎ ስድራ​ቤት ምዃኑ ይሰማምዑሉ ኢዮም። ብዙሓት ናይ ሃይማኖት ምሁራት ሳዕቤን ናይቲ በቶም ቀዳሞት ወለድና እተፈጸመ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ናብ ደቅሰብ ከም እተመሓላለፈ ክኽሕድዎ ዘይከኣል ኢዩ። ወድሰብ እተፈላለየ መበቈል ኢዩ ዘለዎ ዝብል እምነት: ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ብሓያሎ ኣባሓጎታት ኢዩ ተፈጺሙ ንኽብሉ የገድዶም። እዚ እውን ብግዴኡ ክርስቶስ “እቲ ዳሕራይ ኣዳም” ንደቅ​ሰብ በጃ ከፊልሎም ዝብል ንኽኽሕዱ የገድዶም። የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ምጥርጣር ኣይነበሮምን። ኣብ ዘፍጥረት ዝርከብ ጸብጻብ ሓቂ ከም ዝዀነ ይኣምንሉ ነይሮም ኢዮም።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠22, 45፣ ዘፍጥረት 1:⁠27፣ 2:⁠24፣ ማቴዎስ 19:⁠4, 5፣ ሮሜ 5:⁠12-19