ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናት ብምግልጋል ሓጐስ ይረኽቡ

ክርስትያናት ብምግልጋል ሓጐስ ይረኽቡ

ክርስትያናት ብምግልጋል ሓጐስ ይረኽቡ

“ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ [“የሐጕስ።” NW]​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35

1. ሎሚ ከመይ ዝበለ ግጉይ ኣመለኻኽታ ኢዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ: ጐዳኢ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧

 ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ መበል 20 ዘመን: እተን “ንርእሰይ ይጥዓመኒ” ዝብላ ቃላት ብተደጋጋሚ ክስምዓ ጸኒሐን ኢየን። “ንርእሰይ ይጥዓመኒ” ክበሃል ከሎ ብዛዕባ ካልኦት ግዲ ዘይብልካ ብምዃን ዝንጸባረቕ ናይ ስስዐን ህርፋንን ኣመለኻኽታ ኢዩ። ኣብ ዓመት 2000 እውን ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዝብል ኣመለኻኽታ ከም ዘይጠፍአ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እተን “እንታይ ኢዩ ክጠቕመኒ፧” ወይ “እንታይ ክረኽበሉ ኢየ፧” ዝብላ ሕቶታት ክንደይ ግዜ ዝኸውን ሰሚዕካየን፧ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስስዐ ዝመልኦ ኣመለኻኽታ ሓጐስ ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ። ኣንጻር ናይቲ የሱስ ዝበሎ መሰረታዊ ስርዓት ኢዩ። የሱስ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ [“የሐጕስ።” NW ] በለ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35

2. ምሃብ ሓጐስ ከም ዘምጽእ ብኸመይ ኢዩ ተራእዩ፧

2 ብሓቂዶ ምሃብ ካብ ምቕባል ዝያዳ ሓጐስ የምጽእ ኢዩ፧ እወ። ናይ የሆዋ ኣምላኽ ኣብነት ውሰድ። “ናይ ህይወት ፈልፋሊ” ኣብኡ ኢዩ ዘሎ። (መዝሙር 36:⁠9) ሕጉሳትን ኣፍረይትን ክገብረና ዝኽእል ዘድልየና ዘበለ ነገራት ኣዳልዩልና ኣሎ። ንሱ ምንጪ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ኢዩ። (ያእቆብ 1:⁠17) እቲ “ሕጕስ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ብቐጻሊ ይህብ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:⁠11 NW  ) ንሰብኣዊ ፍጥረት የፍቅር ኢዩ: ኣብዚሑ ድማ ኢዩ ዝህቦም። (ዮሃንስ 3:⁠16) ብዛዕባ ሰብኣዊ ስድራ​ቤት እውን ሕሰብ። ወላዲ እንተ​ድኣ ዄንካ ቈልዓ ከተዕቢ ክንደይ መስዋእትን ክንደይ ወጻኢታትን ከም ዝሓትት ትፈልጥ ኢኻ። እቲ ቘልዓ ብዛዕባ እቲ እትገብሮ መስዋእትታት ንብዙሕ ዓመታት ኣይግንዘቦን ኢዩ። ንዅሉ ብኸምኡ ከም ዝረኸቦ ገይሩ ኢዩ ዝወስዶ። ይኹን እምበር: ውሉድካ ሳላ እቲ ስስዐ ዘይብሉ ውህበትካ እናዓበየ ክኸይድ ክትርእዮ ከሎኻ የሐጕሰካ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ተፍቅሮ ኢኻ።

3. ንየሆዋን ንኣሕዋትናን ምግልጋል ባህ ዘብል ስለምንታይ ኢዩ፧

3 ብተመሳሳሊ: ሓቀኛ ኣምልኾ እውን በቲ ኣብ ፍቕሪ እተመርኰሰ ምሃብ ኢዩ ዝፍለጥ። ንየሆዋን ንኣሕዋትናን ስለ እነፍቅሮም ከነገልግሎምን ገዛእ ርእስና ክንውፍየሎምን ባህ ዘብል ኢዩ። (ማቴዎስ 22:⁠37-39) ብስስዐ ተደሪኹ ዘገልግል ሰብ እንተ​ድኣ ኣልዩ ሓጐስ ዝበሃል ኣይረክብን ኢዩ። እቶም ብዘይ​ስስዐ ዘገልግሉ ግን ዝያዳ ዘገድሶም እንታይ ከም ዝቕበሉ ዘይኰነስ እንታይ ከም ዝህቡ ስለ ዝዀነ ብርግጽ ሓጐስ ይረኽቡ ኢዮም። ነዚ ሓቂ እዚ ኽንግንዘቦ ዝኸኣልና ምስ ኣምልኾና እተተሓሓዛ ገለ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣወዓዕለአን ከመይ ምዃኑ ብምምርማር ኢዩ። ንሰለስተ ካብዘን ቃላት እዚአን ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን ክንመያየጠለን ኢና።

ህዝባዊ ኣገልግሎት የሱስ

4. እቲ ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዘሎ “ህዝባዊ ኣገልግሎት” ከመይ ዝበለ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧

4 ኣብቲ በዅሪ ቋንቋ ግሪኽ ምስ ኣምልኾ እተተሓሓዘት ሓንቲ ኣገዳሲት ቃል ለይ·ቶር·ጊʹያ እትብል ክትከውን ከላ ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም (እንግሊዝኛ) “ህዝባዊ ኣገልገሎት” ተባሂላ ኢያ እትትርጐም። ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ካብ ለይ·ቶር·ጊʹያ “ቅዳሴ” እትብል ቃል ወጺኣ ኢያ። a ይኹን እምበር: ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዘሎ ወግዓዊ ቅዳሴታት ናይ ሓቂ ጠቓሚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኣይኰነን።

5, 6. (ሀ) ኣብ እስራኤል እንታይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኢዩ ዝፍጸም ዝነበረ: ከመይ ዝበለ ረብሓታትከ ነበሮ፧ (ለ) ነቲ ኣብ እስራኤል ዝፍጸም ዝነበረ ከመይ ዝበለ ዝዓበየ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኢዩ ዝተክኦ: ስለምንታይከ፧

5 ሃዋርያ ጳውሎስ ንካህናት እስራኤል ንምምልካት ምስ ለይ·ቶር·ጊʹያ እተተሓሓዘት ናይ ግሪኽ ቃል ተጠቒሙ ኣሎ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ካህን ዘበለ ዅሉ ኣብ ጸጽባሕ እናገልገለ [ለይ·ቶር·ጊʹያ] ይቐውም . . . መስዋእቲ ብዙሕ ሳዕ የቕርቦ አሎ።” (እብራውያን 10:⁠11) ሌዋውያን ካህናት ኣብ እስራኤል ኣዝዩ ጠቓሚ ዝዀነ ህዝባዊ ኣገልግሎት የቕርቡ ነይሮም ኢዮም። ሕጊ ኣምላኽ ይምህሩ: ንሓጢኣት እቲ ህዝቢ ዝሽፍን መስዋእትታት ከኣ የቕርቡ ነበሩ። (2 ዜና መዋእል 15:⁠3፣ ሚልክያስ 2:⁠7) እቶም ካህናትን እቶም ህዝብን ሕጊ የሆዋ ክስዕቡ ኸለዉ: እታ ሃገር ሕጕስቲ ትኸውን ነበረት።​—⁠ዘዳግም 16:⁠15

6 እስራኤላውያን ካህናት ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ኰይኖም ህዝባዊ ኣገልግሎት ናይ ምቕራብ ዓቢ መሰል ኢዩ ነይርዎም: እስራኤል ብምኽንያት ዘይተኣማንነት ምስ ተነጽገት ግን ኣገልግሎቶም ኣቋረጸ። (ማቴዎስ 21:⁠43) የሆዋ ካብኡ ዝዓበየ ካልእ ምድላው ገበረ። እዚ ድማ በቲ ዝዓበየ ሊቀ ካህናት ዝዀነ የሱስ እተፈጸመ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኢዩ። ብዛዕብኡ ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ንዘለኣለም ዚነብር ስለ ዝዀነስ: ዘይሐልፍ ክህነት አለዎ። ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ: ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ: ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ።”​—⁠እብራውያን 7:​24, 25

7. እቲ ናይ የሱስ ህዝባዊ ኣገልግሎት መዳርግቲ ዘይብሉ ረብሓታት ዘምጽኣሉ ስለምንታይ ኢዩ፧

7 የሱስ ንዘለኣለም ተካኢ ዘይብሉ ካህን ኰይኑ ኢዩ ዝቕጽል። በዚ ኸምዚ ንሱ ጥራይ ኢዩ ንሰባት ምሉእ ብምሉእ ከድሕኖም ዝኽእል። ነቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ህዝባዊ ኣገልግሎት ከኣ ኣብ ሓንቲ ብኢድ ሰብ እተሰርሐት ቤት መቕደስ ዘይኰነስ ኣብታ ናይ ሓቂ ቤት መቕደስ ማለት ኣብቲ ካብ 29 ከ.ኣ.ዘ. ንነጀው ዝጀመረ የሆዋ ንኣምልኾ ዝገበሮ ዝዓበየ ምድላው ኰይኑ ኢዩ ፈጺምዎ። ሕጂ የሱስ ኣብታ ቅድስተ ቅዱሳን ናይታ ቤት መቕደስ: ኣብ ሰማይ: ኰይኑ የገልግል ኣሎ። “ናይቲ: ጐይታ ደኣ እምበር: ሰብ ዘይተኸሎ መቕደስን ድንኳን ሓቅን [“ናይ ህዝቢ:” NW  ] ኣገልጋሊ [ለይ·ተር·ጎስʹ]” ከኣ ኢዩ። (እብራውያን 8:⁠2፣ 9:⁠11, 12) የሱስ ሒዝዎ ዘሎ ቦታ ዝለዓለ እኳ እንተ​ዀነ “ናይ ህዝቢ ኣገልጋሊ” ኢዩ። ነቲ ዝለዓለ ስልጣኑ ኸኣ ንምሃብ ድኣ እምበር ንምቕባል ኣይኰነን ዝጥቀመሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምሃብ ድማ ሓጐስ የምጽኣሉ ኢዩ። ክፍሊ ናይቲ “ኣብ ቅድሚኡ [ዝነበረ] ሓጐስ” ብምንባሩ ኣብ ብምሉኡ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ንኽጽመም ሓይሊ ሂብዎ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 12:2

8. የሱስ ነቲ ሕጊ ኪዳን ንምትካእ ኢሉ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝፈጸመ ብኸመይ ኢዩ፧

8 ናይ የሱስ ህዝባዊ ኣገልግሎት ካልእ መዳይ እውን ነይርዎ ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ሕጂ ግና ንሱ ማእከላይ ኣብ እትሐይሽ ተስፋ እተሰረተ: ዚበልጽ ኪዳንውን ከም ዝዀነ: ክሳዕ ክንድዚ ዝበለጸ [“ህዝባዊ:” NW  ] ኣገልግሎት ረኸበ።” (እብራውያን 8:6) ናይቲ ኣብ መንጎ የሆዋን እስራኤልን ዝነበረ ርክብ ከም መሰረት ኰይኑ ዝቘመ ኪዳን ማእከላዩ ሙሴ ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 19:⁠4, 5) የሱስ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን ኰነ። በዚ ሓድሽ ኪዳን እዚ ኸኣ ሓድሽ ህዝቢ ማለት በቶም ካብ ኵሎም ህዝብታት ዝመጹ መንፈሳውያን ቅቡኣት ክርስትያናት ዝቘመ ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ክውለድ ተኻእለ። (ገላትያ 6:⁠16፣ እብራውያን 8:⁠8, 13፣ ራእይ 5:⁠9, 10) እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ብሉጽ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኰን ኢዩ! ምስቲ ብእኡ ኣቢልና ንየሆዋ ቅቡል ኣምልኾ ከነቕርበሉ እንኽእል ህዝባዊ ኣገልጋሊ ዝዀነ የሱስ ክንፋለጥሲ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ!​—⁠ዮሃንስ 14:⁠6

ክርስትያናት እውን ህዝባዊ ኣገልግሎት የቕርቡ ኢዮም

9, 10. ገለ ካብቲ ክርስትያናት ዝፍጽምዎ ህዝባዊ ኣገልግሎት እንታይ ኢዩ፧

9 ከምቲ ናይ የሱስ ልዕል ዝበለ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክፍጽም ዝኽእል ሰብ የለን። ቅቡኣት ክርስትያናት ሰማያዊ ዓስቦም ምስ ተቐበሉ ግን ምስ የሱስ ቦታኦም ብምሓዝ ከም ሰማያውያን ካህናትን ነገስታትን ኰይኖም ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎቱ ክሓብርዎ ኢዮም። (ራእይ 20:⁠6፣ 22:⁠1-5) ይኹን እምበር እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ክርስትያናት ህዝባዊ ኣገልግሎት ይፍጽሙ: ከምኡ ብምግባር ከኣ ዝዓበየ ሓጐስ ይረኽቡ ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ጳለስጢና ጥሜት ምስ ኰነ: ሃዋርያ ጳውሎስ ንጭንቂ ናይቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ንምህዳእ ካብቶም ኣብ ኣውሮጳ ዝነበሩ ኣሕዋት ሓገዝ ኣከበ። እዚ ድማ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኢዩ ነይሩ። (ሮሜ 15:⁠27፣ 2 ቈረንቶስ 9:⁠12) ሎሚውን ክርስትያናት ኣሕዋቶም ጸበባ: ባህርያዊ ዕንወት ወይ ካልእ ሓደጋታት ምስ ዘጋጥሞም ቅልጡፍ ረዲኤት ብምሃብ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ንምቕራብ ሕጕሳት ኢዮም።​—⁠ምሳሌ 14:⁠21

10 ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ካልእ ዓይነት ህዝባዊ ኣገልግሎት ከም ዘሎ እውን ኣመልኪቱ ኢዩ:- “ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን እንተ ተሰዋእኩ: ባህ ይብለኒ: ምስ ኵላትኩምውን እሕጐስ አሎኹ።” (ፊልጲ 2:17) እቲ ጳውሎስ ኣብ ክንዲ ሰብ ፊልጲ ዝገበሮ ጻዕሪ ብፍቕርን ትግሃትን ዝቐረበ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኢዩ ነይሩ። ሎሚውን ብፍላይ በቶም ከም “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኰይኖም ብምግልጋል መንፈሳዊ መግቢ በብግዜኡ ዝህቡ ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናት ተመሳሳሊ ዝዀነ ህዝባዊ ኣገልግሎት ይቐርብ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:⁠45-47) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ብጕጅለ ደረጃ ክርኣዩ ኸለዉ ‘ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸቕርቡ’ ከምኡውን ‘ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝጸውዖም ምእንቲ ኽነግሩ’ እተመዘዙ ‘ቅዱስ ክህነት’ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 2:5, 9) እዚኣቶም ከም ጳውሎስ ሓላፍነቶም ንምፍጻም ‘መስዋእቲ ክዀኑ’ ኸለዉ እውን ከይተረፈ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መሰላት ይሕጐሱ ኢዮም። እቶም ብጾቶም ዝዀኑ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ከኣ ኣብቲ ንደቅ​ሰብ ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ናይ ምንጋር ዕዮ ይሓብርዎምን ይድግፍዎምን ኢዮም። b (ዮሃንስ 10:⁠16፣ ማቴዎስ 24:⁠14) ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ዓብን ዘሐጕስን ህዝባዊ ኣገልግሎት ኰን ኢዩ!​—⁠መዝሙር 107:⁠21, 22

ቅዱስ ኣገልግሎት ኣቕርብ

11. ነብዪት ሃና ንዅሎም ክርስትያናት ሰናይ ኣብነት እትዀኖም ብኸመይ ኢያ፧

11 ምስ ኣምልኾና እተተሓሓዘት ካልእ ናይ ግሪኽ ቃል ከኣ ላ·ትሪʹያ እትብል ክትከውን ከላ ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም “ቅዱስ ኣገልግሎት” ተባሂላ ኢያ እትትርጐም። ቅዱስ ኣገልግሎት ምስ ናይ ኣምልኾ ተግባራት እተተሓሓዘ ኢዩ። ንኣብነት እታ ጓል 84 ዓመት መበለትን ነብዪትን ዝነበረት ሃና “ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት: ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል [“ቅዱስ ኣገልግሎት ተቕርብ:” NW   (ምስታ ላ·ትሪʹያ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እተተሓሓዘት)]” ከም ዝነበረት ተገሊጻ ኣላ። (ሉቃስ 2:36, 37) ሃና ንየሆዋ ብዘይ​ምቍራጽ ኢያ ተምልኾ ነይራ። ንዅልና ንኣሽቱን ዓበይትን ሰብኡትን ኣንስትን ከኣ ሰናይ ኣብነት ኢያ እትዀነና። ከምቲ ሃና ከየባተኸት ናብ የሆዋ እትጽልን ስርዓታዊት ኰይና ኣብ ቤት መቕደስ እተምልኽን ዝነበረት: ቅዱስ ኣገልግሎትና እውን ጸሎትን ኣብ ኣኼባታት ምስታፍን ዘጠቓልል ኢዩ።​—⁠ሮሜ 12:⁠12፣ እብራውያን 10:⁠24, 25

12. ቀንዲ መዳይ ቅዱስ ኣገልግሎትና እንታይ ኢዩ: እዚ እውን ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝኸውንከ ብኸመይ ኢዩ፧

12 ሃዋርያ ጳውሎስ “ብዘይ​ ምቍራጽ ከም ዝሐስበኩም: . . . ብጸሎተይ ኵሉ ሳዕ ከም ዝልምን: እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ [“ቅዱስ ኣገልግሎት ዘቕርበሉ:” NW  ] ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ” ኢሉ ብምጽሓፍ ዝዓበየ መዳይ ናይ ቅዱስ ኣገልግሎትና ጠቒሱ ኣሎ። (ሮሜ 1:⁠9) እወ: ስብከት ብስራት ነቶም ሰማዕቲ ዝወሃብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዘይኰነስ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ዝቐርብ ናይ ኣምልኾ ተግባር እውን ኢዩ። ሰማዒት እዝኒ ንርከብ ኣይንርከብ ብዘየገድስ ዕዮ ስብከት ናብ የሆዋ ዝቐርብ ቅዱስ ኣገልግሎት ኢዩ። ብዛዕባ ሰናይ ባህርያትን ዕላማታትን ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ንኻልኦት ንምንጋር እንገብሮ ጻዕሪ ዓቢ ሓጐስ ከም ዘምጽኣልና ፍሉጥ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 71:⁠23

ኣበይ ኢና ቅዱስ ኣገልግሎት እነቕርብ፧

13. እቶም ኣብቲ ውሽጣዊ ኣጸድ ናይ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ የሆዋ ዘገልግሉ እንታይ ተስፋ ኢዩ ዘለዎም: ምስኦም ሓቢሮም ዝሕጐሱኸ መን ኢዮም፧

13 ጳውሎስ ንቕቡኣት ክርስትያናት ከምዚ ብምባል ጸሓፈሎም:- “ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ: ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናገልገልና ነመስግን።” (እብራውያን 12:⁠28) እቶም ቅቡኣት ነታ መንግስቲ ንምውራስ ብምትእምማን ስለ ዝጽበዩ ነቲ ልዑል ከምልኹ ኸለዉ ካብ እምነቶም ኣይነቓነቑን ኢዮም። ኣብታ ቅድስቲ ክፍልን ኣብቲ ውሽጣዊ ኣጸድን ናይታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ የሆዋ ኰይኖም ቅዱስ ኣገልግሎት ከቕርብሉ ዝኽእሉ ንሳቶም ጥራይ ኢዮም። ኣብታ ቅድስተ ቅዱሳን ማለት ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ሓቢሮም ከገልግሉ ኸኣ ብሃረርታ ይጽበዩ ኣለዉ። እቶም ብጾቶም ዝዀኑ ክፍሊ ናይተን ካልኦት ኣባጊዕ ድማ ምስኣቶም ኰይኖም በቲ ዘደንቕ ተስፋ ይሕጐሱ ኢዮም።​—⁠እብራውያን 6:​19, 20፣ 10:19-​22

14. እቶም ዓቢ ጭፍራ ካብቲ ናይ የሱስ ህዝባዊ ኣገልግሎት ብኸመይ ኢዮም ዝጥቀሙ፧

14 እቶም ካልኦት ኣባጊዕከ ኣበይ ኰይኖም ኢዮም ቅዱስ ኣገልግሎት ዘቕርብሉ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣቐዲሙ ከም ዝረኣዮ: እቶም ክፍሊ ናይተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ዓቢ ጭፍራ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ተጋሂዶም ኢዮም: “ኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም ኣጻዕደዉ።” (ራእይ 7:⁠14) እዚ ኽበሃል ከሎ ኸኣ ከምቶም ቅቡኣት ብጾቶም ኣብቲ የሱስ ዝገበሮ ህዝባዊ ኣገልግሎት ማለት ኣብቲ ምእንቲ ደቅሰብ ዘሕለፎ ፍጹም ህይወቱ እምነት የሕድሩ ኢዮም። እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ካብቲ ናይ የሱስ ህዝባዊ ኣገልግሎት እውን ስለ ዝጥቀሙ ‘ኪዳን [የሆዋ] የጽንዑ’ ኣለዉ። (ኢሳይያስ 56:⁠6) እዚኣቶም ክፍሊ ናይቲ ሓድሽ ኪዳን እኳ እንተ ዘይኰኑ ነቲ ምስኡ እተተሓሓዘ ሕግታት ብምእዛዝን ምስቲ ብእኡ ኣቢሉ እተገብረ ምድላዋት ብምትሕብባርን ነቲ ኺዳን የጽንዑ ኢዮም። ምስ ኣባላት ናይ ኣምላኽ እስራኤል ሓቢሮም ኣብ ሓደ መንፈሳዊ መኣዲ እናተመገቡ: ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብምውዳስን ንዕኡ ባህ ዘብል መንፈሳዊ መስዋእትታት ብምቕራብን ኣብ ዕዮኦም ይተሓባበርዎም ኢዮም።​—⁠እብራውያን 13:⁠15

15. እቶም ዓቢ ጭፍራ ቅዱስ ኣገልግሎት ዘቕርቡ ኣበይ ኰይኖም ኢዮም: እዚ በረኸት እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ዝትንክፎም፧

15 በዚ ኸምዚ እቶም ዓቢ ጭፍራ “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም” ተራእዮም ኢዮም። ብዘይ​ እዚውን “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዮም: ኣብታ መቕደሱውን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ አለዉ። እቲ ኣብቲ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸኣ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ኪተኽሎ እዩ።” (ራእይ 7:9, 15) ኣብ እስራኤል ጵሮሴሊት ኣብ ወጻኢ ኣጸድ ቤት መቕደስ የሆዋ ኰይኖም የምልኹ ነይሮም ኢዮም። ብተመሳሳሊ እቶም ዓቢ ጭፍራ እውን ኣብ ወጻኢ ኣጸድ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ የሆዋ ኰይኖም የገልግልዎ ኣለዉ። ኣብኡ ዄንካ ምግልጋል ድማ የሐጕሶም ኢዩ። (መዝሙር 122:⁠1) እቶም ዝተረፉ መተሓባብርቶም ቅቡኣት ኵሎም ሰማያዊ ውርሽኦም ምስ ተቐበሉ እውን ከይተረፈ ከም ህዝቡ መጠን ንየሆዋ ቅዱስ ኣገልግሎት ምቕራብ ክቕጽሉ ኢዮም።​—⁠ራእይ 21:⁠3

ተቐባልነት ዘይብሉ ቅዱስ ኣገልግሎት

16. ብዛዕባ ቅዱስ ኣገልግሎት እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ እተዋህበ፧

16 ኣብ ግዜ ጥንታዊት እስራኤል: ቅዱስ ኣገልግሎት ምስ ሕግታት ኣምላኽ ብምስምማዕ ኢዩ ክቐርብ ነይርዎ። (ዘጸኣት 30:⁠9፣ ዘሌዋውያን 10:⁠1, 2) ሎሚውን ብተመሳሳሊ ቅዱስ ኣገልግሎትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ክረክብ ንደሊ እንተ​ድኣ ዄንና ከነማልኦ ዘሎና ብቕዓታት ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ ከምዚ ብምባል ዝጸሓፈሎም:- “በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም: ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን። ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ: ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዐቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ: ንጽሊ አሎና።” (ቈሎሴ 1:9, 10) ንኣምላኽ ንምምላኽ እቲ ግቡእ መገዲ ኣየናይ ምዃኑ እንውስን ንሕና ኣይኰንና። ርጡብ መንፈሳዊ ፍልጠት: መንፈሳዊ ምርዳእ: ኣምላኻዊ ጥበብ ኣድላዪ ረቛሒታት ኢዩ። እንተዘይኰነ ግን: ሓደገኛ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።

17. (ሀ) ኣብ ግዜ ሙሴ እቲ ቅዱስ ኣገልግሎት ተበላሽዩ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሎሚ እቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ብዘይ​ቅኑዕ መገዲ ክፍጸም ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

17 ነቶም ኣብ ግዜ ሙሴ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዘክሮም። ከምዚ ዝብል ከኣ ነንብብ:- “ኣምላኽ ግና ካባታቶም ኣግለሰ . . . ንሰራዊት ሰማይ ኬምልኹ ፈንዩ ሐደጎም።” (ግብሪ ሃዋርያት 7:⁠42) እስራኤላውያን የሆዋ ኣብ ክንድኦም ኰይኑ ተኣምራት ክፍጽም ርእዮም ኢዮም። ይኹን እምበር: ይጠቕሙና ኢዮም ብምባል ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣተኰሩ። እሙናት ኣይነበሩን። ቅዱስ ኣገልግሎትና ንኣምላኽ ዘሐጕስ ኰይኑ ክርከብ እንተ​ድኣ ተደልዩ ግድን እሙናት ክንከውን ይግብኣና። (መዝሙር 18:⁠25) ሓቂ ኢዩ ሎሚ ካብ የሆዋ ዓልዮም ከዋኽብቲ ወይ ናይ ወርቂ ምራኽ ዘምልኹ ብዙሓት እኳ እንተ ዘየለዉ: ካልእ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ግን ኣሎ። የሱስ ‘ንገንዘብ’ ከይነገልግል ኣጠንቂቑ ኣሎ: ጳውሎስ ከኣ ንስስዐ ኣምልኾ ጣኦት ብምባል ጸዊዕዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 6:⁠24፣ ቈሎሴ 3:⁠5) ሰይጣን እውን ንገዛእ ርእሱ ከም ኣምላኽ ክብ ኣቢልዋ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:⁠4) ከምዚ ዝዓይነቱ ኣምልኾ ጣኦት ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ: መፈንጠራ ድማ ኢዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ ሓደ ንየሱስ እስዕብ ኢየ እናበለ ክነሱ ኣብ ህይወቱ ዘለዎ ቀንዲ ሸቶ ግን ንምህብታም ዝዀነ ወይ ከኣ ናይ ሓቂ ትውክልቱ ኣብ ገዛእ ርእሱን ኣብ ኣተሓሳስባኡን ዝዀነ ሰብ እሞ ሕስብ ኣብል። ብሓቂ ንመን ኢዩ ዘገልግል ዘሎ፧ እዚ ካብቶም ኣብ ግዜ ኢሳይያስ ዝነበሩ ብስም የሆዋ እናመሓሉ ክነሶም ነቲ ዓበይቲ ተግባራቱ ንኽብሪ እቶም ርኹሳት ጣኦታት ዘውዓልዎ ኣይሁድ ከመይ ኢሉ ክፍለ ይኽእል፧​—⁠ኢሳይያስ 48:⁠1, 5

18. ኣብ ዝሓለፈ ግዜያትን ኣብዚ እዋን እዝን ቅዱስ ኣገልግሎት ብግጉይ መገዲ ክፍጸም ዝጸንሐ ብኸመይ ኢዩ፧

18 የሱስ እውን “ዝቐተለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ጊዜ ኽትመጽእ እያ” ብምባል ኣጠንቂቑ ኣሎ። (ዮሃንስ 16:2) እቲ ዳሕራይ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝዀነ ሳውል ‘ኣብ ቅትለት እስጢፋኖስ ኣብ ዝሰመረሉን’ ‘ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ኣብ ዝነደረሉን’ እዋን ንኣምላኽ የገልግል ከም ዝነበረ ገይሩ ይሓስብ ምንባሩ ኣይጠራጥርን ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠1፣ 9:⁠1) ሎሚ እውን ገለ ካብቶም ዓሌታዊ ምጽራይን ጃምላዊ ቅትለትን ዝፍጽሙ ሰባት ንኣምላኽ ነምልኽ ኢና ኢዮም ዝብሉ። ንኣምላኽ ነምልኽ ኢና እናበሉ ክነሶም ንሃገራውነት: ቀቢላውነት: ሃብቲ: ንገዛእ ርእሶም: ወይ ንኻልእ ዓይነት ጣኦታት ዘምልኹ ብዙሓት ኢዮም።

19. (ሀ) ነቲ ቅዱስ ኣገልግሎትና ብኸመይ ኢና እንምልከቶ፧ (ለ) እንታይ ዓይነት ቅዱስ ኣገልግሎት ኢዩ ሓጐስ ዘምጽኣልና፧

19 የሱስ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ: ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ [“ቅዱስ ኣገልግሎት ኣቕርብ:” NW  ]” በለ። (ማቴዎስ 4:10) ንሰይጣን እኳ ይዛረቦ እንተ ነበረ ነቲ ዝበሎ ቃላት ከነቕልበሉ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን ኢዩ! ነቲ ልዑል ጐይታ ኣድማስ ቅዱስ ኣገልግሎት ምቕራብ ልዕል ዝበለን ክቡርን መሰል ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ምስ ኣምልኾና እተተሓሓዘ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምቕራብከ እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧ ነዚ ኣብ ክንዲ ብጾትና ዄንና ምስ እንፍጽሞ ዓቢ ሓጐስ ዘምጽእ ዕዮ ኢዩ። (መዝሙር 41:⁠1, 2፣ 59:16) ይኹን እምበር ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ብምሉእ ልብን ብቕኑዕ መገድን ምስ ዝግበር ጥራይ ኢዩ ናይ ሓቂ ሓጐስ ከምጽእ ዝኽእል። ንኣምላኽ ብግቡእ ዘምልኹ ዘለዉ መን ኢዮም፧ የሆዋ ናይ መን ቅዱስ ኣገልግሎት ኢዩ ዝቕበል፧ ነታ ምስ ኣምልኾና እተተሓሓዘት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላ ሳልሰይቲ ቃል ምስ እንምርምራ ነዚ ሕቶታት እዚ ክንምልሶ ኢና። እዚ ኸኣ ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እቲ ኣብ ከም ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ዘሎ ቅዱስ ቁርባን ዝኣመሰለ ናይ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ቅዳሴታት ብሓፈሻ ናይ ኣምልኾ ቅዳሴ ወይ ከኣ ፍሉይ ጽምብላት ኢዩ።

b ብመሰረት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠2 እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ነብያትን መማህራንን: ንየሆዋ ‘ኣብ ቅድሚ ህዝቢ የገልግልዎ’ (ካብታ ምስ ለይ·ቶር·ጊʹያ እተተሓሓዘት ናይ ግሪኽ ቃል እተተርጐመት) ከም ዝነበሩ ጸብጻብ ይነግረና። እዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት እዚ ድማ ንህዝቢ ምስባኽ እውን የጠቓልል ነይሩ ክኸውን ኣለዎ።

እንታይ ኢልኩም ምመለስኩም፧

• የሱስ ከመይ ዝበለ ዓቢ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኢዩ ዝፈጸመ፧

• ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኢዮም ዝፍጽሙ፧

• ክርስትያናዊ ቅዱስ ኣገልግሎት እንታይ ኢዩ: ኣበይከ ኢዩ ዝፍጸም፧

• ቅዱስ ኣገልግሎትና ንኣምላኽ ከሐጕሶ ንደሊ እንተ​ድኣ ዄንና እንታይ ኢና ከነጥሪ ዘሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ወለዲ ካብ ምሃብ ብዙሕ ሓጐስ ይረኽቡ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ንኻልኦት ክሕግዙን ብስራት ክሰብኩን ከለዉ ህዝባዊ ኣገልግሎት ይህቡ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

እነቕርቦ ቅዱስ ኣገልግሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ንምርግጋጽ ርጡብ ፍልጠትን ምርዳእን የድልየና