ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክትጽሊ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧

ክትጽሊ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧

ክትጽሊ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧

 “ትልምኑ ኢኹም . . . ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም [ግን]: ኣይትቕበሉን ኢኹም። ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ።” (ያእቆብ 4:⁠3, 8) እዘን እቲ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ ያእቆብ ዝጸሓፈን ቃላት: እንጽልየሉ ምኽንያት ኣጸቢቕና ክንሓስበሉ ክድርኻና ይኽእላ ኢየን።

ጸሎት ንኣምላኽ እንታይ ከም እንደሊ እንነግረሉ መትረብ ጥራይ ኣይኰነን። የሱስ ኣብቲ ውሩይ ናይ ከረን ስብከቱ “ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ: ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ” በለ። እንተ​ዀነ ግን “ለምኑ: ይውሀበኩም” እውን ኢሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠8፣ 7:⁠7) ስለዚ የሆዋ እቲ ዘድልየና ነገራት ክንነግሮ ይደልየና ኢዩ። ይኹን እምበር: ጸሎት ካብዚ ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ።

ሓቀኛ ኣዕሩኽ ሓደ ነገር ምስ ደለዩ ጥራይ ኣይኰኑን ሓሳብ ንሓሳብ ዝለዋወጡ። ይተሓላለዩ ኢዮም: ስምዒቶም ክገልጹ ከለዉ ኸኣ ዕርክነቶም ይድልድል። ብተመሳሳሊ እውን ጸሎት ኣድለይቲ ነገራት ንምሕታት ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ዝዓቢ ዕላማ ኣለዎ። ንየሆዋ ዘሎና ልባዊ ተወፋይነት ብምግላጽ ምስኡ ዘሎና ርክብ ንምድልዳል ኣጋጣሚ ይኸፍተልና ኢዩ።

እወ: ኣምላኽ ምእንቲ ክንቀርቦ ኢሉ ናይ ጸሎት መሰል ሂቡና ኢዩ። ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ እንኽእል ብእተሸምደደ ጸሎት ዘይኰነስ ውሽጣዊ ስምዒትና ክን​ገልጸሉ ምስ እንኽእል ኢዩ። ንየሆዋ ብጸሎት ክንዛረቦ ምኽኣልናስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! ኣብ ርእሲ እዚ ሓንቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳሌ “ጸሎት ቅኑዓት . . . ባህ የብሎ” ትብል ኢያ።​—⁠ምሳሌ 15:⁠8

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣሳፍ “ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 73:⁠28) ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ግን ጸሎት ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ነዚ ብኸመይ ከም ዝገልጾ ኣስተውዕል:-

“ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ [ንየሱስ]፤ ጐይታይ: . . . ምጽላይ ምሀረና: በሎ።” የሱስ ክምልሰሉ ከሎ ከምዚ በለ:- “ክትጽልዩ ኸሎኹም፤ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ [በሉ]።” (ሉቃስ 11:⁠1, 2) ስም ኣምላኽን ብኸመይ ከም ዝቕደስን ከይፈልጥና ትርጕም ዘለዎ ጸሎት ክንጽሊ ንኽእልዶ ኢና፧ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃና ከይተረዳእናኸ ምስዚ ናይ የሱስ ቃላት ተሰማሚዕና ክንጽሊ ንኽእልዶ ኢና፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕና እንተ መርሚርናዮ ነዚ ጕዳያት እዚ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ስለዚ እቲ እንረኽቦ ፍልጠት ንኣምላኽ ክንፈልጦን መገድታቱ ክንርድኦን ይሕግዘና ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ንየሆዋ ኣምላኽ ስለ ዝፈለጥናዮ ናብኡ ከም ዝቐረብናን ዝያዳ ውፉያት ከም ዝዀንናን ይስምዓና። እዚ እውን ብግዴኡ ናጻ ኴንና ክንዛረቦ ይሕግዘና ኢዩ።

ጸሎት ጸገማት ክፈትሕ ይኽእል

ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ምግባር ጸገማት ንምፍታሕ ይሕግዘና ኢዩ። ኣብዚ ስዒቡ ዝግለጽ ኣጋጣሚታት: እዚ ብኸመይ ከም ዝዀነ ኣስተብህል። እዚ ኣጋጣሚታት እዚ እቶም ዝጽልዩ ሰባት ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ከደልድሉ ከም ዝኸኣሉ ዘርኢ ኢዩ።

ኣብ ብራዚል ሓንቲ ማሪያ እትበሃል ሰበይቲ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ጸለየት። ኣብቲ ሕብረተሰብ ብዝረኣየቶ ግብዝናን ብኻልእ ምኽንያትን በቲ ሕብረተሰብ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር ክትገብር ደለየት። ማሪያ ንሰብኣያን ደቃን ቤታን ራሕሪሓ ከደት። ሓሽሽ ክትወስድ ድማ ጀመረት። ሓጐስ ስለ ዘይረኸበት ግን ልባ ናብ ኣምላኽ ኣፍሲሳ ንኽሕግዛ ለመነቶ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በጽሑዋ እሞ ንመለኮታዊ መምርሒ ምቕባል ዘለዎ ረብሓ እትገልጽ ዓንቀጽ ዝሓዘት ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣበርከቱላ። እዚ ንልባ ተንከፎ: በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ምስቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ጀመረት። እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ምስ ስድራ​ቤታ እንደገና ከም እትተኣኻኸብ ገበራ። ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ እናተማህረት ምስ ከደት: ንዕኡ ዘለዋ ፍቕሪ ክትገልጽ ደለየት። ማሪያ ከምዚ በለት:- “ጠባየይ ኣመሓየሽኩ። ኣብ መጀመርታ ሰብኣየይን ስድራ​ቤተይን መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዐይ ተቓዊሞምኒ ኢዮም። ነቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ለውጥታት ምስ ረኣዩ ግን ከተባብዑኒ ጀመሩ።” ጸኒሓ: ማሪያ ነቲ ሰማዒ ጸሎት ንምግልጋል ህይወታ ወፈየት።

ኣብ ቦሊቭያ ዝነብር ሆሴ ምልክዕቲ ሰበይትን እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ንግድን እኳ እንተ ነበሮ: ሕጉስ ግን ኣይነበረን። ውሽማ ስለ ዝገበረ ሰበይቱ ሓዲጋቶ ከደት። ብዙሕ ክሰቲ ጀመረ: ዋጋ ዘይብሉ ኰይኑ ድማ ተሰምዖ። ሆሴ ከምዚ ይብል:- “ንኣምላኽ ንምሕጓስ እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ እናሓተትኩ ካብ ልበይ ክጽሊ ጀመርኩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ስርሐይ መጹ እሞ ብናጻ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ሓተቱኒ: ኣነ ግን ኣይተቐበልክዎን። ሰለስተ ሳዕ መጹኒ። ሓገዝ ደልየ ኣብ ዝጸለኹሉ ዘበለ: እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይመጹ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝቕጽል ምስ ዝመጹ ክሰምዖም ወሰንኩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ ኣንቢበዮ ነይረ ኢየ: ብዙሕ ሕቶታት እውን ነበረኒ: ንሳቶም ግን ኵሉ ሳዕ ዘዕግብ መልሲ ይህቡኒ ነበሩ። ብዛዕባ የሆዋ ምፍላጠይ ሓድሽ ዕላማ ህይወት ንኽህልወኒ ኣኽኣለኒ: እቶም ዝረኸብክዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዕሩኽተይ እውን ኣዝዮም ዘተባብዑ ኣብነታት ኢዮም ኰይኖምኒ! ነታ ውሽማይን ነቶም መሳትይተይን ገደፍክዎም። ነዊሕ ከይጸንሐ: ምስ ሰበይተይን ደቀይን ተኣኻኸብኩ። ኣብ መጀመርታ 1999 ከኣ ተጠመቕኩ።”

ኣብ ኢጣልያ: ሓዳር ታማራ ሽግር ነበሮ: ስለዚ ጥበብ ንኽትረክብ ጸለየት። ጓል 14 ዓመት ከላ ተቐጥቂጣ ካብ ቤት ስለ እተሰጐት ብቐሊሉ እትቝጣዕ ዓይነት ሰብ ኰነት። ታማራ ከምዚ ትብል:- “መጽሓፍ ቅዱስ ረኸብኩ እሞ ከንብቦ ጀመርኩ። ሓደ ምሸት ‘ጥበብ ምርካብ ከም ሕቡእ መዝገብ ምርካብ’ ምዃኑ ዝገልጽ ጥቕሲ ኣንበብኩ። ነታ ጥበብ እቲኣ ንምርካብ ጸለኹ። (ምሳሌ 2:⁠1-6) ንጽብሒቱ ንግሆ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጹኒ። ምስኦም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ጀመርኩ: እንተ​ዀነ ግን ነቲ እተማሃርክዎ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ግዜ ወሰደለይ። ኣብ መወዳእታ ክርስትያናዊ ኣነባብራ ክስዕብ ወሰንኩ እሞ ተጠመቕኩ። ሕጂ ምስ ሰብኣየይ ኰይነ ካልኦት ካብ ጥበብ ኣምላኽ ንኽጥቀሙ እሕግዝ ኣለኹ።”

ቢያትሪስ ካብቶም ኣብ ካራካስ: ቬንዝዌላ ዝርከቡ ምርኡያት ክፍሊ ሕብረተሰብ ኢያ ነይራ። እንተ​ዀነ ግን ካብ ሓዳራ ተፋትሐት: ትጭነቕ እውን ነበረት። ተስፋ ስለ ዝሰኣነት ሓደ እዋን ንሰዓታት ዝኣክል ጸለየት። ንጽብሒቱ ንግሆ ናይ ቤታ ደወል ተደወለ። ቅጭ ስለ ዝመጻ ብጩራ ምስ ጠመተት ክልተ ሰባት ቦርሳ ሒዞም ረኣየት። ኣብ ቤት ከም ዘየላ ኣምሲላ ኣጽቀጠት: እንተ​ዀነ ግን እቶም ሰባት ቅድሚ ምኻዶም ብትሕቲ እቲ ማዕጾ ሓንቲ ጽሕፍቲ ገደፉላ። እታ ጽሕፍቲ “መጽሓፍ ቅዱስካ ፍለጦ” ትብል ነበረት። እዞም ሰባት ክበጽሕዋ ምምጽኦም ምስቲ ቀቅድሚኡ ለይቲ ዝጸለየቶ ጸሎት ገለ ምትሕሓዝ ይህልዎዶ ይኸውን፧ ተመሊሶም ንኽመጹ ጸውዓቶም። ነዊሕ ከይጸንሐት ምስኦም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ጀመረት እሞ ጸኒሓ ተጠመቐት። ኣብ መወዳእታ ቢያትሪስ ሓጐስ ስለ ዝረኸበት እዚ ከመይ ገይርካ ከም ዝርከብ ንኻልኦት ትምህር ኣላ።

ካርመን ብዛዕባ እቲ ምስ ድኽነታ ዝነበራ ቃልሲ ጸለየት። ዓሰርተ ቈልዑን ራፋኤል ዝበሃል ሰኽራም ሰብኣይን ነበራ። ካርመን “ክዳውንቲ ብምሕጻብ ገንዘብ ክረክብ ፈተንኩ” በለት። ወልፊ መስተ ራፋኤል ግን መሊሱ ገደደ። ካርመን ከምዚ ትብል:- “ሰብኣየይ ለውጢ ምግባር ዝጀመረ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ምስ ጀመርና ኢዩ። ብዛዕባ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ማለት የሆዋ ነዛ ድኽነትን ጭቈናን ዘለዋ ዓለም ከም ዝቕይራ ተማሃርና። እቲ ናብ ኣምላኽ ዝጸለኽዎ ጸሎት ኣብ መወዳእታ መልሲ ረኸበ!” ራፋኤል ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ስለ እተማህረ: ስኽራን ገዲፉ ነቲ “ሓድሽ ሰብ” ክለብስ ሓገዞ። (ኤፌሶን 4:⁠24) ንሱን ስድራ​ቤቱን ናብርኦም ከመሓይሹ ከኣሉ። ራፋኤል ከምዚ ይብል:- “ሃብትን ናይ ገዛእ ርእስና ቤትን እኳ እንተ ዘይብልና: ንህይወትና ዘድሊ ነገራት ግን ኣሎና: ሕጉሳት እውን ኢና።”

ኵሉ ጸሎት ምላሽ ዝረኽበሉ ግዜ

እዞም ሰባት እዚኣቶም ብምጽላዮም ገለ ጥቕሚ ረኺቦምዶ ኢዮም፧ እወ: ብርግጽ ረኺቦም ኢዮም! መብዛሕትኦም ድማ ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓደ ሰብ መጺኡ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር ናብ የሆዋ ኣምላኽ ንኽቐርቡ ምስ ሓገዞም ጸሎቶም መልሲ ከም ዝረኸበ ኣስተብሂልካዶ፧​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 9:⁠11

ስለዚ እምበኣር ንኽንጽሊ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ድሕሪ ሓጺር እዋን መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእን ፍቓዱ ኣብ ምድሪ ንኽኸውንን ዝጽለ ጸሎት መልሲ ክረክብ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠10) ኣምላኽ ንምድሪ ካብቶም ተጻረርቱ ምስ ኣጽረያ “ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ።” (ኢሳይያስ 11:⁠9) ሽዑ ኵሎም እቶም ንየሆዋ ዘፍቅርዎ “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ከስተማቕሩ ኢዮም: ጸሎቶም እውን ብርግጽ መልሲ ክረክብ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 8:⁠18-21

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ስለምንታይ ክንጽሊ ከም ዘሎና ትፈልጥዶ ኢኻ፧