ውሽጣዊ ጽባቐ ዘይሃስስ ዋጋ ኣለዎ
ውሽጣዊ ጽባቐ ዘይሃስስ ዋጋ ኣለዎ
ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ እሙን ክርስትያን: “መንእሰይ ንጽባቐ ምስ ውርዝውና ኣመዓራርዩ ኢዩ ዝርኢ” በለ።
እወ: ወድሰብ ንነዊሕ እዋን ኣብ ደጋዊ ጽባቐ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣትኩሮ ክገብር ጸኒሑ: መብዛሕትኡ እዋን ከኣ ብዛዕባ ውሽጣዊ ባህርያት ጌጋ ግምት ከም ዝወስድ ገይርዎ ኢዩ። ይኹን እምበር: ፈጣሪና ደጋዊ ትርኢትና ብዘየገድስ ንውሽጣዊ እንታይነትና ኢዩ ዝርኢ። በዚ ኸምዚ ድማ ጽቡቕ ኣብነት ናይ ብስለት ዘለዎ ምምዝዛን ኢዩ ኣርእዩና። ኣምላኽ ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ተዛረበ:- “እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን: ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ: እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ።”—1 ሳሙኤል 16:7
ኣምላኽ ምንጪ ናይ ሓቀኛ ጽባቐ ወድሰብ ኢዩ: ናይ ሰብ ሓቀኛ ጠባይ ክግምግም ከሎ ኸኣ ነቲ መንፈሳዊ ባህርያት ዝያዳ ግምት ከም ዝህቦ ቃሉ ይገልጽ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ: ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ: ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንአድ።” (ምሳሌ 31:30) ርግጽ ኢዩ: ደጋዊ ውቃበ ንውሽጣዊ ክፍኣት ይሽፍኖ ይኸውን። (ኣስቴር 1:10-12፣ ምሳሌ 11:22) ኣካላዊ ጽባቐ ምስ ግዜ ዝሃስስ እኳ እንተዀነ: ውሽጣዊ ጽባቐ ማለት ካብ ልቢ ዝምንጭ ባህርያት ግን ንሓዋሩ እናማዕበለ ክኸይድ ይኽእል ኢዩ።
ስለዚ ከም ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ከምኡውን ይኣኽለኒ ምባል ዝኣመሰለ ባህርያት ክንኵስኵስ ከመይ ዝበለ ጥበብ ኰን ኢዩ! (ገላትያ 5:22, 23) እምበኣር ነቲ ፈጺሙ ዘይሃስስ ዋጋ ዘለዎ ውሽጣዊ ጽባቐ ከነጥሪ ንኽእል ኢና።—1 ጴጥሮስ 3:3, 4