ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ተሓብሒቡን ተኣጊዱን

መጽሓፍ ቅዱስ ተሓብሒቡን ተኣጊዱን

መጽሓፍ ቅዱስ ተሓብሒቡን ተኣጊዱን

 ደዚደርዩስ ኢራስመስ ዝበሃል ውሩይ ናይ መበል 16 ዘመን ምሁር ወዲ ዳች “ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዅሉ ቛንቋታት እንተ ዝትርጐም ባህ ምበለኒ ነይሩ” ብምባል ጸሓፈ።

ኢራስመስ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንቕዱሳት ጽሑፋት ከንብቦን ክርድኦን ኢዩ ሃረር ዝብል ነይሩ። ተቐናቐንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ንኸምዚ ዝበለ ሓሳብ ጽርዱ ኢዮም ነይሮም። ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ እሞ ኣውሮጳ ኣብ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ትንኣስ ትዕበ ተገዳስነት ንዘርኣየ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣዝያ ሓደገኛ ቦታ ኢያ ነይራ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ባይቶኣዊ ሕጊ ተደንጊጉ ነበረ:- “ቅዱሳት ጽሑፋት ብእንግሊዝኛ ዘንብብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንብረቱን ጥሪቱን ክግበት ህይወቱውን ክሕየር ይግባእ . . . እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰብ በደሉ ተሓዲግሉ ኸብቅዕ ብድርቅና ነዚ ተግባር እዚ እንተ​ድኣ ቐጺልዎ ወይ ድማ ነቲ ተግባሩ እንተ​ድኣ ደጊምዎ ንንጉስ ብምጥላሙ መጀመርታ ክሕነቕ ንኣምላኽ ብምኽሓዱ ኸኣ ብሓዊ ኽነድድ ይግባእ።”

ኣብቲ ቐንዲ መሬት ኣውሮጳ እውን እንተ​ዀነ እቶም ናይ ፈረንሳ ዎልደንሳውያን ዝርከብዎም ናይ “መናፍቓን” ኣንቆራታት ብምኽንያት እቲ ካቶሊክ እተካይዶ ዝነበረት ኢንኩዚሽን ብጭከና ተሃዲኖም ኢዮም ጥራይ ዘይኰነስ “ካብ ወንጌልን መልእኽትታትን ራእይ ዮሃንስን ከምኡውን ካብ ካልእ ቅዱሳት ጽሑፋት” ናይ ምስባኽ ልምዲ ስለ ዝነበሮም መስጐጕቲ ወሪድዎም ኢዩ: “ከመይሲ ምእመናን ክሰብኩን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክምህሩን ከቶ ኽልኩል [ኢዩ ነይሩ]።” ብሰንኪ ዝነበሮም ፍቕሪ መጽሓፍ ቅዱስ ማእለያ ዘይብሎም ሰብኡትን ኣንስትን ብኣዝዩ ዘሰቅቕ ኵነታት ሞይቶም ኢዮም። ኣቡነ ዘበሰማያት ብምድጋሞምን ንደቆም እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ብምምሃሮምን ዝኸፍአ መቕጻዕቲ ወሪድዎም ኢዩ።

እዚ ኸምዚ ዝበለ ፍቕሪ ቓል ኣምላኽ ካብ ኣልባብ ናይቶም ንሰሜን ኣመሪካ ዝፈለሱ ሰፋሮ ኣይተፋሕቈን። ኤ ሂስትሪ ኦቭ ፕራይቨት ላይፍ —⁠ፓሽንስ ኦቭ ዘ ሪናይሰንስ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ጥንታዊት ኣመሪካ “ባህልን መጽሓፍ ቅዱስን ተነጺሉ ክረአ ክሳዕ ዘይከኣለሉ ደረጃ ኢዩ ንባብን ሃይማኖትን ከም ፍሕሶ ኣብ ንሓድሕዱ ተታሓሒዙ ዝነበረ” ብምባል ትገልጽ። ሓንቲ ብ1767 ኣብ ቦስተን እተሓትመት ናይ ሰበኻ ጽሕፍቲ ኸኣ እሞ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ምሕጽንታ ነይሩዋ ኢዩ:- “ኣብ ምንባብ ቅዱሳት ጽሑፋት ህርኩት ኩን። ነፍሲ ወከፍ ንግሆን ምሸትን ካብ መጽሓፍ ቅዱስካ ሓንቲ ምዕራፍ ከተንብብ ይግብኣካ።”

እቲ ኣብ ቬንቱራ: ካሊፎርንያ: ዝርከብ ጕጅለ ምርምር ባርና ኸም ዝበሎ: ልዕሊ 90 ኻብ ሚእቲ ዝዀኑ ኣመሪካውያን ነፍሲ ወከፎም ሰለስተ መጽሓፍ ቅዱስ ይውንኑ። ኣብዚ ቐረባ እዋን እተኻየደ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ ግን ምንም እኳ ኣብዚ ኸባቢ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ገና ኣዕዚዝካ ይርአ እንተሎ: “ንምንባቡ: ምጽንዑ: ከምኡውን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ግዜ ምሕላፍ . . . ከም ናይ ኣበው ተቘጺሩ ኢዩ ተሪፉ ዘሎ።” ብዙሓት ሰባት ምስ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ላዕሊ ላዕሊ ሌላ ጥራይ ኢዩ ዘለዎም። ሓደ ኣሰናዳኢ ዓምዲ ጋዜጣ ኸምዚ ዝስዕብ በለ:- “[መጽሓፍ ቅዱስ] ሕጂ እውን ከይተረፈ ንእዋናዊ ግድላትን ሻቕሎትን ዝምልከት ትሕዝቶ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት ዳርጋ የልቦን ክበሃል ይከኣል።”

ተቐያያሪ ዝዀነ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ

እቲ ‘ብናይ ገዛእ ርእስና ኣተሓሳስባን ሰብኣዊ ምትሕግጋዝን ኣብ ናብራና ዕዉታት ክንከውን ንኽእል ኢና’ ዝብል እምነት ሰፊሕ ተቐባልነት ኢዩ ረኺቡ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ጭብጥን ሓቅን ዝሓዘለ መጽሓፍ ዘይኰነስ ልክዕ ከም ካልእ ብዙሕ መጻሕፍቲ ሃይማኖታዊ ርእይቶን ብሕታዊ ተመክሮን ዘለዎ ገይርካ ኢዩ ዝርአ።

እሞኸ ደኣ መብዛሕትኦም ሰባት ነዚ ኻብ ግዜ ናብ ግዜ እናተሓላለኸን እናገደደን ዝኸይድ ዘሎ ናይ ህይወት ግድላት ብኸመይ ይበድህዎ፧ ንጹር ስነ⁠-​ምግባራዊ ከምኡውን ሃይማኖታዊ ሕንጻጽን መምርሕን ስኢኖም ኣብ መንፈሳዊ ደንበርበር ኢዮም ዝርከቡ። ከም ስካን ዘይብላ መርከብ: ‘በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዝኸውን ተንኰልን ዝመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው ይድፍኡን ይኽብከቡን’ ኢዮም ዘለዉ።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠14

ስለዚ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ክንሓትት ይግብኣና:- መጽሓፍ ቅዱስ ከም ካልእ ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ ድዩ: ወይስ ተግባራውን ኣድላዪን ሓበሬታ ዝሓዘ ርግጽ ቃል ኣምላኽ፧ (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17) መጽሓፍ ቅዱስ ኣቕልቦ ክንገብረሉ ዝግባእ ድዩ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ደዚደርዩስ ኢራስመስ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

From the book Deutsche Kulturgeschichte

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ዎልደንሳውያን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ስለ ዝሰበኹ መስጐጕቲ ወሪድዎም ኢዩ

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Stichting Atlas van Stolk, Rotterdam