ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ንናብራ ህይወት ዝኸውን መምርሒ መጽሓፍ

መጽሓፍ ቅዱስ ንናብራ ህይወት ዝኸውን መምርሒ መጽሓፍ

መጽሓፍ ቅዱስ ንናብራ ህይወት ዝኸውን መምርሒ መጽሓፍ

 “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ: ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ: . . . ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።” (እብራውያን 4:⁠12) እዚ ቓል ኣምላኽ እንታይ ክዓምም ከም ዝኽእል ዝገልጽ ሓሳብ እዚ ብርግጽ መጽሓፍ ቅዱስ ናእዳ ዘትረፈ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ምዃኑ እውን ዝሕብር ኢዩ።

ሓደ ብዛዕባ ሃይማኖት ዝጽሕፍ ሰብ “እቲ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ልክዕ ከም ምትንፋስ ንህይወትና ኣድላዪ ኢዩ” ብምባል ብሕጽር ዝበለ ቃላት ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ኣስዒቡ ድማ “ሓደ ሰብ ነቲ ሎሚ ዘጋጥሞ ጸገማት ንኸጣጥእ ካብ ዘለዎ ሃረርታን ድሌትን ተበጊሱ ምስ ዘንብቦ: መጽሓፍ ቅዱስ ዘየስተሓፍር ምዃኑስ ዘገርም ኢዩ” ብምባል ገለጸ። መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምቲ ደሚቑ ዝበርህ ፋና: ኣብዚ ዘመናዊ ናብራ ህይወት ኣዝዩ እተሓላለኸ ብዙሕ ግድላትን ሽግራትን ከጋጥም ከሎ ብርሃኑ ይዅልዕ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 119:⁠105

እወ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ጥበብ ንኣተሓሳስባና ክቐርጽ ዝኽእል ሓይሊ ኣለዎ: ንግድላትና ዝኸውን መፍትሒ ንምርካብ ሓጋዚ ኢዩ: ናብራ ህይወትና የመሓይሸልና: ክንቅይሮ ንዘይንኽእል ኵነታት ክንብድህ ዘኽእለና ብልሓት ይህበና። ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ክንፈልጦን ከነፍቅሮን የኽእለና።

ዕላማ ኸም ዝህልወካ ዝገብር መጽሓፍ

እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ‘ንብዘሎ መገድና ኣጸቢቑ ይፈልጦ’ ኢዩ። ብዛዕባ ኣካላውን ስምዒታውን መንፈሳውን ድሌታትና ብዙሕ ይፈልጥ ኢዩ: ካባና ንላዕሊውን ከይተረፈ ይፈልጥ ኢዩ። (መዝሙር 139:⁠1-3) ሳላ እቲ ዘለዎ ሓልዮት ድማ ንሰባት ኣብ ባህርያቶም ክህልዎም ዝግባእ ደረት ይግድበሎም ኢዩ። (ሚክያስ 6:⁠8) ሰባት ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ገደብን መምርሕን ንምርዳእ ከምኡውን ኣብ ናብርኦም ብእኡ ክመላለሱ ዘኽእሎም ትምህርቲ ንምቕሳም ጻዕሪ እንተ ገበሩ እምበኣር ምኽንያታዊ ኢዩ። ‘ብሕጊ እግዚኣብሄር ዝፍሳህ’ ሰብ ብጹእ ምዃኑ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ገሊጹ ኣሎ። ኣስዒቡ ድማ “ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ” ይብል። (መዝሙር 1:⁠1-3) ከምዚ ዝበለ ዓስቢ ዘለዎ መጽሓፍ ብሓቂ ክንምርምሮ ዝግባእ ኢዩ።

ሓደ ሞሪስ ዝበሃል ጥሮታ ዝወጸ መምህር: መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ታሪኻውን ስነ⁠-​ጽሑፋውን ጥቕሚ ክርከቦ ይኽእል ኢዩ ዝብል ዘይሕለል እምነት ነበሮ። መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ብዛዕባ ምዃኑ ግን ይጠራጠር ነበረ። ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ቃሉ ዝሃበሉ ምኽንያት ምስ ተነግሮ ግና እተፈላለየ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ መርመረ። መንእሰይ ከሎ ጥንታዊ ታሪኽ: ስነ⁠-​ጽሑፍ: ስነ⁠-​ፍልጠት: ከምኡውን ጀኦግራፍ ተማሂሩ ኢዩ። ንገዛእ ርእሱ ከም ፈላጥ ገይሩ ይርእያ ካብ ምንባሩ እተላዕለ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ምዃኑ ዘረጋግጽ ብዙሕ ኣብነታት ይንዕቆ ከም ዝነበረ ይእመን። ከምዚ ዝስዕብ ድማ ይብል:- “ደድሕሪ ምቾትን ሃብትን ተድላን ክስዕብ ኣብ መፈንጠራ ኣትየ ኢየ። እቲ ኽሳዕ ሕጂ ካብ እተዳለዉ ጽሑፋት መወዳድርቲ ኣልቦ ዝዀነ መጽሓፍ ዘለዎ መሳጢ ትሕዝቶን ሓቅነትን ከይተገንዘብክሉ ዘሕለፍክዎ ግዜ ኸኣ ኣዝዩ ኢዩ ዘጣዕሰኒ።”

ሞሪስ ሕጂ ኣብ 70ታት ዕድሚኡ ዀይኑ ናብቲ የሱስ ንሃዋርያ ቶማስ እተገልጸሉ ትርኢት ብምእማት ብኸምዚ ዝስዕብ ሞሳኡ ይገልጽ:- “መጽሓፍ ቅዱስ መገዲ ሓቂ ምዃኑ ዘጠራጥረኒ ነገራት ካብ ኣእምሮይ ምሉእ ብምሉእ ንምድምሳስ ኢደይ ናብቲ ‘ዝደሚ ቝስሊ’ ከእቱ ተደሪኸ ኢየ።” (ዮሃንስ 20:⁠24-29) ልክዕ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጽዎ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓሳባት ልቢ የቃልዖ ኢዩ: ንህይወት ድማ ትርጕም ይህቦ። ብርግጽ መጽሓፍ ቅዱስ ንናብራ ህይወት ዝኸውን መምርሒ ዝህብ መጽሓፍ ኢዩ።

ንእተሸገረት ነፍሲ ቅሳነት ይህባ

ኣብ ርእሲ እዚውን መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ካብ ሕማቕ ልምድታት ንኽናገፉ ዝሕግዞም ምኽሪ ይህቦም ኢዩ። ዳንየል ሽጋራ ናይ ምትካኽ ዘይጽፉፍ ልምዲ ኸሰንፍ ከምኡውን ዕብዳንን ቅጥዒ ኣልቦ ምዝውታር ኣልኮላዊ መስተን ደው ከብል ክኢሉ ኢዩ። (ሮሜ 13:⁠13፣ 2 ቈረንቶስ 7:⁠1፣ ገላትያ 5:⁠19-21) ብክውንነታዊ መገዲ ክርአ ኸሎ ከምዚ ዝኣመሰለ ልምድታት ምሒኻ ንምድርባይ እሞ ነቲ “ሓድሽ ሰብ” ንምልባስ ብኣና ወገን እውን ቈራጽ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። (ኤፌሶን 4:⁠22-24) ዳንየል ብዛዕባዚ “ፍጹማት ስለ ዘይኰንና: ብሓቂ ብድሆ ኢዩ ዀይኑኒ ነይሩ” ብምባል ይገልጽ። ይኹን እምበር: ተዓዊቱ ኢዩ። ሕጂ ቃል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ የንብብ ኣሎ: እዚ ኸኣ ምስ የሆዋ የቀራርቦ ኢዩ።

ዳንየል ንእሽቶ ኸሎ ኣንቢብዎ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ ንመጽሓፍ ቅዱስ ግን ካብ ቍልዕነቱ ጀሚሩ ዓሚቝ ኣኽብሮት ነይርዎ ኢዩ: ምሸት ምሸት ድማ ናብ ኣምላኽ ይጽሊ ነበረ። ሓደ ነገር ግን ጐዲልዎ ነበረ። ዳንየል ተሓጒሱ ኣይፈልጥን ኢዩ ነይሩ። እታ ንፈለማ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስም ኣምላኽ ዝረኣየላ እዋን ግን ኣብ ህይወቱ ነጥበ⁠-​መቐይሮ ዀነት። (ዘጸኣት 6:⁠3 NW፣ መዝሙር 83:⁠18 NW  ) ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ስም የሆዋ ክጥቀም ምስ ጀመረ ጸሎቱ ዝያዳ እናዓመቘ ኸደ። “የሆዋ ንዓይ እቲ ዝቐርቦ ኣካል ኰይኑኒ ኢዩ: ሕጂ እውን ገና እቲ ዝቐረበ ዓርከይ ኢዩ” ይብል።

ዳንየል መጽሓፍ ቅዱስ ቀቅድሚ ምምሃሩ መጻኢ ጽልሙት ኰይኑ ኢዩ ዝርኣዮ ነይሩ። “ኵነታት ዓለም ከመይ ከም ዝመስል ንምፍላጥ ብዙሕ ምርቓቕ ኣየድልን ኢዩ” ብምባል ይገልጽ። “ራዕዲ ሓዲሩኒ ነበረ: ብዛዕብኡ ንኸይሓስብ ከኣ ብእተኻእለኒ መጠን ትሑዝ ክኸውን ኢየ ዝጽዕር ነይረ።” ድሕርዚ ግን ኣምላኽ ኣብ ዝጸረየት ምድሪ ንዝነብሩ ዅሎም ሰባት ፍትሒ ከውጽኣሎም ምዃኑ ከምኡውን ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣብ ዘለዋ ምድሪ ዝነብሩ እዙዛት ደቅሰብ ዘለኣለማዊ ሰላምን ሓጐስን ናይ ምስትምቓር ኣጋጣሚ ከም ዝህልዎም ፈለጠ። (መዝሙር 37:​10, 11፣ ዳንኤል 2:⁠44፣ ራእይ 21:⁠3, 4) ሕጂ ዳንየል ርግጽ ዝዀነ ተስፋ ኢዩ ሒዙ ዘሎ። እቲ ናይ ምቕሳን ሓይሊ ዘለዎ ጽልዋ መጽሓፍ ቅዱስ ንዳንየል ኣብ ህይወት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኽሕዝ ሓጊዝዎ ኣሎ።

ስምዒታዊ ጸገማት ንምስናፍ ዘሎ ሓገዝ

ጆርጅ ኣዲኡ ኽትመውት ከላ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ኢዩ ነይሩ። ንጽባሒቱ ብእኡ ኣቢሉ ከይተርፍ ካብ ምጭናቑ እተላዕለ ምሸት ምድቃስ ኣዝዩ የፍርሆ ነበረ። ድሕርዚ ግን ነቲ የሱስ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን ክዛረብ ከሎ ‘ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ናይ የሱስ] ሰሚዖም ዝወጹላ ሰዓት ክትመጽእ ኢያ’ ዝበሎ ቓላት ኣንበበ። በዘን ዝስዕባ ናይ የሱስ ቃላት እውን ተተንኪፉ ኢዩ:- “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝአመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር እዩ።” (ዮሃንስ 5:⁠28, 29፣ 11:⁠25) እዚ ሓሳባት እዚ ምኽንያታውን ርትዓውን ዘጸናንዕን ኰይኑ ተራእይዎ ኢዩ። ጆርጅ “እዚ ሓቂ እዚ ነእምሮ ጥራይ ኣይኰነን ዝምስጦ: ልቢ እውን ዝትንክፍ ኢዩ” ብምባል ይገልጽ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዳንየል እውን ፍርሒ ነይርዎ ኢዩ። ኣዲኡ ንኸተዕብዮ ዓቕሚ ስለ ዘይነበራ በብተራ ብዙሓት ስድራ​ቤታት ኢዮም ኣልዮምዎ። ወትሩ ጓና ዀይኑ ይስምዖ ስለ ዝነበረ: ጽላል ናይ ሓንቲ ፈቃር ስድራ​ቤት ክረክብ ሃረር ይብል ነበረ። ንምሸቱ ግና እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳብ ልቡ ኸም ዝረክብ ገይርዎ ኢዩ። ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሓብር ጀመረ: ኣብኡ ድማ ዝስገግሉን ፍቕሮም ዝልግስሉን ሰባት ክረክብ ከኣለ። ብርግጽ: መጽሓፍ ቅዱስ ተግባራውን ስምዒት ከዕግብ ብዝኽእልን መገዲ ረብሓ ዘምጽእ ኢዩ።

የሆዋ ነቲ ኣብ ውሽጢ ልብና ዘሎ ይዕዘቦ ጥራይ ዘይኰነስ እንታይ ንደሊ ኸም ዘሎና እውን ከም ዝፈልጥ ኣይትረስዕ። ኣምላኽ “ልቢ ዚመዝን” ኢዩ: ‘ንነፍሲ ወከፍ እውን ከከም መገዱ’ ኢዩ ዝህብ።​—⁠ምሳሌ 21:⁠2፣ ኤርምያስ 17:⁠10

ንናብራ ስድራ​ቤት ዝኸውን ተግባራዊ ምኽሪ

መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኣዊ ርክባት ብዝምልከት ተግባራዊ ምኽሪ ይህብ ኢዩ። ጆርጅ ብዛዕባ እዚ ክዛረብ ከሎ “ሓደ ካብቲ ኣብ ናብራ ህይወት ኣዝዩ ውጥረት ዝፈጥር ነገር ስኒት ምስኣን ወይ ድማ ዘይምርድዳእ ኢዩ” ብምባል ይገልጽ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ብኸመይ ይጋጠሞ፧ ከምዚ ዝስዕብ ይብል:- “ሓደ ሰብ ተቐይሙኒ ዘሎ ዀይኑ እንተ​ድኣ ተሰሚዑኒ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 5:⁠23, 24 ዘሎ ‘ቅድም ምስ ሓውካ ተዓረቕ’ ዝብል ንጹር ምኽሪ ኢየ ኣብ ግብሪ ዘውዕሎ። ብዛዕባ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምቅዳው ምዝራበይ ጥራይ ፍረ የምጽእ ኢዩ። ሽዑ ኢዩ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጾ ሰላም ኣምላኽ ክህልወኒ ዝጅምር። እዚ ምኽሪ እዚ ብሓቂ ተግባራዊ ኢዩ።”​—⁠ፊልጲ 4:⁠6, 7

ሰብኣይን ሰበይትን ምስምማዕ ምስ ዝስእኑ ክልቲኦም ‘ንምስማዕ ቅልጡፋት: ንምዝራብ ደንጐዪቲ: ንዅራ ደንጐዪቲ’ ምዃን ከድልዮም ኢዩ። (ያእቆብ 1:⁠19) ከምዚ ዝበለ ምኽሪ ነቲ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ የዐርዮ ኢዩ። ጆርጅ ቐጺሉውን ከምዚ ይብል:- “ነቲ ንበዓልቲ ቤተይ ከም ገዛእ ርእሰይ ገይረ ንኸፍቅራን ክርእያን ዘተባብዕ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምስ ዘውዕሎ: ብኡንብኡ ኢየ ፍረ ኽርእየሉ ዝጅምር። ሽዑ ንኸተኽብረኒ ኣዝዩ ዝቐለለ ይዀነላ።” (ኤፌሶን 5:⁠28-33) እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ገዛእ ርእስና ዘይፍጽምና ይኹን ነቲ ናይ ካልኦት ዘይፍጽምና ብኸመይ ኣፍልጦ ከም እንህበሉን እንዋጽኣሉን ይምህረና ኢዩ።

ዘይጽምሉ ምኽሪ

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ተዛሪቡ ኢዩ:- “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።” (ምሳሌ 3:⁠5, 6) እዝስ ከመይ ዝበለ ንጹርን ርዝነት ዘለዎን ቃላት ኰን ኢዩ!

መጽሓፍ ቅዱስ ንሰናይ ግብሪ ዝድርኽ ሓይሊ ኢዩ። ንኣምላኽ ዘፍቅርዎ ሰባት ህይወቶም ምስ ፍቓዱ ንኸሰማምዕዎ ኣብ ርእሲ ምሕጋዙ ‘ብሕጊ እግዚኣብሄር ተመላሊሶም’ ሓጐስ ከም ዝረኽቡ ይገብሮም። (መዝሙር 119:⁠1) ኵነታትና ከመይ ምዃኑ ብዘየገድስ: መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ዘድልየና መምርሕን ምኽርን ሒዙ ኣሎ። (ኢሳይያስ 48:⁠17, 18) መዓልቲ መዓልቲ ኣንብቦ: ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ኣስተንትን: ኣብ ግብሪ እውን ኣውዕሎ። ንኣተሓሳስባኻ ብሩህ ገይሩ ኣብቲ ጽፉፍን ጥዑይን ዝዀነ ነገራት ከም ዘተኵር ክገብሮ ኢዩ። (ፊልጲ 4:⁠8, 9) ብኸመይ ናብራኻ ክትመርሕ ከም ዘሎካን ንህይወት ብኸመይ ከም እተስተማቕራን ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ፈጣሪ ህይወት እውን ብኸመይ ከም እተፍቅሮ ክትማሃር ኢኻ።

ብኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ እንተ​ድኣ ተመላሊስካ ልክዕ ከምቲ ንኻልኦት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዝጠቐሞም ንዓኻውን ክጠቕመካ ኢዩ። እወ: ናእዳ ዘትረፈ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኰነስ ንናብራ ህይወት ዝኸውን መምርሒ መጽሓፍ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ!

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ጐዳኢ ልምድታት ንኸተሰንፍ ኣብ እትወስዶ ቈራጽነት ከም እትጸንዕ ክገብረካ ይኽእል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኣምላኽ ብኸመይ ክትቀርብ ከም እትኽእል ይምህረካ ኢዩ