ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ኣዚኻ ተፍቅሮዶ ኢኻ፧

ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ኣዚኻ ተፍቅሮዶ ኢኻ፧

ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ኣዚኻ ተፍቅሮዶ ኢኻ፧

“ነፍሰይ ንምስክራትካ [“ንመዘኻኸሪታትካ:” NW  ] ሐለወቶ: ኣዝየውን ኤፍቅሮ አሎኹ።”—⁠መዝሙር 119:⁠167

1. ብዛዕባ መዘኻኸሪታት የሆዋ ኣበይ ኢዩ ብፍላይ ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ዝርከብ፧

 የሆዋ ንህዝቡ ሕጉሳት ክዀኑ ኢዩ ዝደልዮም። ሓቀኛ ሓጐስ ንኽንረክብ ብሕግታት ኣምላኽ ክንመላለስን ትእዛዛቱ ክንሕሉን ከም ዘሎና እተረጋገጸ ኢዩ። ነዚ ንምፍጻም የሆዋ መዘኻኸሪታት ይህበና ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት: ብፍላይ ድማ ኣብታ በቲ መስፍን ይሁዳ ዝነበረ መንእሰይ ህዝቅያስ ተዳልያ ክትከውን እትኽእል መዝሙር መበል 119 ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ይርከብ። እዛ ባህ እተብል መዝሙር በዚ ዝስዕብ ቃላት ኢያ እትጅምር:- “ብመገዶም ፍጹማት ዝዀኑ: ብሕጊ እግዚኣብሄር ዚመላለሱ ብጹኣን እዮም። ምስክራቱ [“መዘኻኸሪታቱ:” NW  ] ዚሕልዉ: ብምሉእ ልቢ ዚደልይዎ ብጹኣን እዮም።”​—⁠መዝሙር 119:⁠1, 2

2. መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ምስ ሓጐስ እተተሓሓዘ ብኸመይ ኢዩ፧

2 ብዛዕባ ቃል የሆዋ ርጡብ ፍልጠት ብምጥራይን ኣብ ህይወትና ብምውዓልን ‘ብሕጊ እግዚኣብሄር ክንመላለስ’ ንኽእል ኢና። እንተ​ዀነ ግን: ፍጹማት ስለ ዘይኰንና መዘኻኸሪታት የድልየና ኢዩ። እታ ‘መዘኻኸሪታት’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል: ኣምላኽ ንሕግታቱ: ስርዓታቱ: መምርሒታቱ: ከምኡውን ትእዛዛቱ ከም ዘዘኻኽረና እተመልክት ኢያ። (ማቴዎስ 10:⁠18-20) እዚ መዘኻኸሪታት እዚ ጥፍኣትን ጓህን ዘስዕብ መንፈሳዊ ዕንቅፋታት ንኸነወግድ ስለ ዝሕግዘና: እንተ ሓሊናዮ ጥራይ ኢና ሕጉሳት ክንከውን እንኽእል።

ኣብ መዘኻኸሪታት የሆዋ ጥበቕ

3. ብመሰረት መዝሙር 119:⁠60, 61 እንታይ እምንቶ ኢዩ ዘሎና፧

3 እቲ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ክብ ኣቢሉ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ:- “ትእዛዛትካ ንምሕላው ቀልጠፍኩ እምበር: ኣይደንጔኹን። ኣግማድ ረሲኣን ከበበኒ: ሕግኻ ግና ኣይረሳዕኩን።” (መዝሙር 119:​60, 61) ሰማያዊ ኣቦና ነቲ ጸላእትና ንኽቕይዱና ኢሎም ዘኽብቡልና ኣግማድ ከም ዝበታትኾ ስለ እንተኣማመን: መዘኻኸሪታት የሆዋ ስደት ንኽንጻወር ይሕግዘና ኢዩ። ነቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ክንፍጽም: ኣብ ግዜኡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕንቅፋታት የናግፈና ኢዩ።​—⁠ማርቆስ 13:⁠10

4. ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ብኸመይ ኢና ክንቅበሎ ዘሎና፧

4 ሓድሓደ ግዜ ብመዘኻኸሪታት የሆዋ መኣረምታ ይወሃበና ኢዩ። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መኣረምታ ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝገበሮ ኵሉ ሳዕ ነማስወሉ። ንሱ ብጸሎት ከምዚ በለ:- ‘ምስክራትካ [“መዘኻኸሪታትካ:” NW  ] ባህታይ ኢዩ። ንምስክራትካ [“ንመዘኻኸሪታትካ:” NW  ] ኣፍቀርኩ።’ (መዝሙር 119:⁠24, 119) ንሕና ካብቲ ነቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበሮ ንላዕሊ መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ይወሃበና ኢዩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ተጠቒሱ ዘሎ ብኣማእታት ዝቝጸር ጥቕስታት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ: ብዛዕባ እቲ የሆዋ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝነበሩ ህዝቡ ዝሃቦም መምርሒታት ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዎ ዕላማ እውን የዘኻኽረና ኢዩ። ኣምላኽ ምስ ሕግታቱ ምትሕሓዝ ብዛዕባ ዘለዎ ነገራት ንኸዘኻኽረና ኣድላዪ ኰይኑ ምስ ዝረኽቦ: ንኸምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ መማሰውቲ ኢና። ‘ኣብ ምስክራት [“መዘኻኸሪታት:” NW  ] እግዚኣብሄር ብምጥባቕ’ ካብ ንፈጣሪና ዘጕህን ሓጐስና ዘጥፍእን ናብ ሓጢኣት ዝመርሕ መስድዒታት ክንርሕቕ ንኽእል ኢና።​—⁠መዝሙር 119:⁠31

5. ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ኣዚና ከነፍቅሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

5 ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ኢና ከነፍቅሮ ዘሎና፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ነፍሰይ ንምስክራትካ [“ንመዘኻኸሪታትካ:” NW  ] ሐለወቶ: ኣዝየውን ኤፍቅሮ አሎኹ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 119:⁠167 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ከም ካብ ሓደ ኣጸቢቑ ዝሓልየልና ኣቦ ዝወሃብ ምኽሪ ገይርና ንርእዮን ንቕበሎን እንተ​ድኣ ዄንና ኣዚና ከነፍቅሮ ኢና። (1 ጴጥሮስ 5:⁠6, 7) መዘኻኸሪታቱ የድልየና ኢዩ: ብኸመይ ከም ዝጠቕመና ምስ ተረዳእና ድማ ነቲ መዘኻኸሪታቱ ዘሎና ፍቕሪ ይዓቢ ኢዩ።

መዘኻኸሪታት ኣምላኽ እንደልየሉ ምኽንያት

6. ሓደ ካብቲ መዘኻኸሪታት የሆዋ ዘድልየና ምኽንያት እንታይ ኢዩ: ንኽንዝክሮኸ እንታይ ኢዩ ዝሕግዘና፧

6 ሓደ ካብቲ መዘኻኸሪታት የሆዋ እንደልየሉ ምኽንያት ረሳዕቲ ስለ ዝዀንና ኢዩ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ሰባት ብዝያዳ ኢዮም ዝርስዑ። . . . ምናልባት ንሓደ ስም ወይ ገለ ሓበሬታ ምዝካሩ ስኢንካ ኣብዛ ኣፈይ ኢያ ዘላ ዝበልካሉ እዋን ክህሉ ይኽእል ኢዩ። . . . ከምዚ ዝኣመሰለ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ግዝያዊ ምህሳስ ተዘክሮታት እንደገና ክዝከር ዝከኣል ምርሳዕ ይበሃል። ሊቃውንቲ ኣብ ሓደ ፋሕፋሕ ዝበለ ነገራት ዝሓዘ ክፍሊ ንሓደ ኣብ ዘይቦታኡ እተቐመጠ ኣቕሓ ምስ ምድላይ ኢዮም ዘመሳስልዎ። . . . ንገለ ሓበሬታ ንኽትዝክሮ ዘኽእለካ ጽቡቕ ሜላ: ኣጸቢቕካ እትፈልጦ ንዝመስለካ ነገር ንነዊሕ እዋን ምስ ተጽንዖ ኢዩ።” ትግሃት ዝመልኦ መጽናዕትን ምድግጋምን ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ንኸይንርስዖ ከምኡውን ምእንቲ ረብሓና ምስኡ ተሰማሚዕና ንኽንነብር ይሕግዘና።

7. መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ካብ ዝዀነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ሎሚ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

7 ኣብ ታሪኽ ደቅሰብ እከይ ኣብቲ ዝለዓለ ጽፍሑ በጺሑ ስለ ዘሎ: ሎሚ ካብ ዝዀነ ይኹን እዋን ንላዕሊ መዘኻኸሪታት የሆዋ የድልየና ኢዩ። ናብ መዘኻኸሪታት የሆዋ ነቕልብ እንተ​ድኣ ዄንና: በዚ ናይዛ ዓለም እኩይ መገድታት ንኸይንታለል ዘድልየና ምስትውዓል ከነጥሪ ኢና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ በለ:- “ምስክራትካ [“መዘኻኸሪታትካ:” NW  ] ምስትንታነይ እዩ እሞ: ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ለባም ኰንኩ። ትእዛዛትካ ሐልየ እየ እሞ: ሓለፋ እቶም ሽማግሌታት ኣእምሮ አሎኒ። ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉስ: ኣእጋረይ ካብ ክፉእ ዘበለ መገዲ ኸልከልኩ።” (መዝሙር 119:⁠99-101) ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ካብ “ክፉእ ዘበለ መገዲ” ክንሕሎ ከምኡውን ካብ መንጎ እቶም “ኣእምሮኦም ጸልሚቱ: ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም” ዘለዉ ብዙሓት ደቅሰብ ካብ ምዃን ክንርሕቕ ንኽእል ኢና።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠17-19

8. ኣብ እምነትና ንዘጋጥም ፈተናታት ብዓወት ንኽንዋጽኣሉ ብዝያዳ ክንዕጠቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

8 መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ኣብዚ “ዘመን መወዳእታ” ንዘጋጥመና ብዙሕ ፈተናታት ንምጽዋር ስለ ዝሕግዘና የድልየና ኢዩ። (ዳንኤል 12:⁠4) መዘኻኸሪታት እንተ ዘይወሃበና ነይሩ ‘ዝርስዑ ሰማዕቲ’ ምዀንና ነይርና። (ያእቆብ 1:⁠25) እንተ​ዀነ ግን: በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዝዳሎ ጽሑፋት ገይርና ንቕዱሳት ጽሑፋት ብብሕትን ኣብ ጉባኤን ምስ እነጽንዖ: ነቲ ንእምነትና ዘጋጥማ ፈተናታት ብዓወት ንኽንሰግሮ ይሕግዘና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠45-47) ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ምድላዋት ኣብ ፈታኒ ኣጋጣሚ ክንኣቱ ኸሎና ንየሆዋ ንምሕጓስ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ንኽንርዳእ የኽእለና።

ኣኼባታትና ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ

9. “ውህበት ሰብኡት” መን ኢዮም: ንኣመንቲ ብጾት ዝሕግዝዎምከ ብኸመይ ኢዮም፧

9 መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ክንረኽበሉ ካብ እንኽእል ሓደ መገዲ ብእተሸሙ ኣሕዋት መምርሒታት ዝቐርበሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ: የሱስ “ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ: ምርኮ ማረኸ ንሰብውን ውህበት [“ውህበት ሰብኡት:” NW  ] ሀበ” ብምባል ጸሓፈ። ቀጺሉ ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “[የሱስ] እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ: ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት: ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን: ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ።” (ኤፌሶን 4:⁠8, 11, 12) ንኣምልኾ ክንእከብ ከሎና እዞም “ውህበት ሰብኡት” ማለት እተሸሙ ሽማግለታት ናብ መዘኻኸሪታት የሆዋ ከም እነተኵር ምግባሮም ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ከነማሱ ዘሎና!

10. ቀንዲ ሓሳብ ናይ እብራውያን 10:⁠24, 25 እንታይ ኢዩ፧

10 ንመለኮታዊ ምድላዋት ዘሎና ሞሳ ኣብተን ኣብ ሰሰሙን ዝውሰዳ ሓሙሽተ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንኽንካፈል ይድርኸና ኢዩ። ጳውሎስ ስርዓታዊ ኴንካ ኣብ ኣኼባ ምክፋል ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሑ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር: ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ: ኣኼባና ኣይንሕደግ።”​—⁠እብራውያን 10:⁠24, 25

11. ነፍሲ ወከፍ ሰሙናዊ ኣኼባና ብኸመይ ኢዩ ዝጠቕመና፧

11 ካብ ኣኼባታትና እንረኽቦ ነገራት ተማስወሉዶ ኢኻ፧ ሰሙናዊ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ንእምነትና የደልድሎ: ምስ መዘኻኸሪታት የሆዋ ተሰማሚዕና ንኽንከይድ ይሕግዘና: ከምኡውን ን“መንፈስ ዓለም” ንኽንቃወሞ የኽእለና። (1 ቈረንቶስ 2:⁠12፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠31) ኣብ ህዝባዊ ኣኼባ: እቶም ተዛረብቲ ካብ መዘኻኸሪታት የሆዋን ካብቲ ዘደንቕ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል” የሱስን: ኰታስ ብሓፈሽኡ ካብ ቃል ኣምላኽ መምርሒ ይህቡ ኢዮም። (ዮሃንስ 6:⁠68፣ 7:⁠46፣ ማቴዎስ 5:⁠1–​7:⁠29) ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ናይ ምምሃር ክእለትና ይሰሓል ኢዩ። ካብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኸኣ ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከሎና: ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕ: ከምኡውን ኣብ ካልእ መዳያት ኣገልግሎትና እንጠቀመሉ ኣቀራርባ ምእንቲ ክንመሓየሽ ኣዝዩ ብዙሕ ሓገዝ ንረክብ ኢና። እቲ ሒደት ኣባላት ብዝርከብዎ ጕጅለ ዝግበር ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ: መብዛሕትኡ ግዜ መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ዘጠቓልል ሓሳባት ንኽንህብ ዝሰፍሐ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና ኢዩ።

12, 13. ኣብ ሓንቲ ኣብ እስያ እትርከብ ሃገር ዝነብሩ ህዝቢ ኣምላኽ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ዘለዎም ሞሳ ብኸመይ ኢዮም ኣርእዮም፧

12 ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዄንካ ምክፋል ትእዛዛት ኣምላኽ የዘኻኽረና: ከምኡውን ውግእን ቍጠባዊ ጸገምን ካልእ ንእምነትና ዝፍትን ነገራትን ከጋጥመና ኸሎ ብመንፈስ ጽኑዓት ኴንና ንኽንቅጽል ይሕግዘና። ካብ ኣባይቶም ተመዛቢሎም ኣብ ህልም ዝበለ ጫካ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣብ ሓንቲ ናይ እስያ ሃገር ዝርከቡ 70 ዝዀኑ ክርስትያናት: ኣኼባታት ኣድላዪ ምዃኑ ኣስተውዒሎም ኢዮም። ስርዓታውያን ኰይኖም ኣኼባታቶም ንኽቕጽሉ ስለ ዝወሰኑ: ናብታ ብውግእ ዝዓነወት ዝነብሩላ ዝነበሩ ኸተማ ተመለሱ እሞ ነቲ ካብ ዕንወት ዝተረፈ ኣደራሽ መንግስቶም እተሰርሓሉ ነገራት ኣሞላሊቖም ኣብቲ ጫካ ኣገጣጠምዎ።

13 ኣብ ካልእ ክፋል ናይታ ሃገር ህዝቢ የሆዋ ንዓመታት ዝጸንሐ ውግእ ተጸሚሞም ድሕሪ ምሕላፍ ሕጂውን ብቕንኢ የገልግሉ ኣለዉ። ሓደ ኣብቲ ኸባቢ ዝነብር ሽማግለ “ኣሕዋት ስምረት ንኽህልዎም ልዕሊ ዅሉ ዝሓገዞም እንታይ ኢዩ፧” ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ: ከምዚ ኢሉ መለሰ:- “ን19 ዓመታት ስርዓታውያን ኴንና ኣኼባ ንገብር ነበርና። ሓድሓደ ግዜ ብሰንኪ ደብዳብ ወይ ካልእ ጸገማት: ገለ ኣሕዋት ናብቲ እንእከበሉ ቦታ ክመጹ ዘይክእሉ እኳ እንተ ነበሩ ኣኼባና ግን ሰሪዝና ኣይንፈልጥን ኢና።” እዞም ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ‘ኣኼባኦም ዘይምሕዳግ’ ኣድላዪ ምዃኑ ብርግጽ ተገንዚቦሞ ኢዮም።

14. ካብቲ እታ ብዕድመ ዝደፍአት ሃና ዝነበራ ልምዲ እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧

14 እታ 84 ዓመት ዝዕድሜኣ መበለት ዝነበረት ሃና ‘ካብ ቤት መቕደስ ኣይትወጽእን ነበረት።’ ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እቲ ህጻን የሱስ ድሕሪ ምውላዱ ነዊሕ ከይጸንሐ ናብቲ ቦታ ምስ ተወስደ ኣብኡ ጸንሐት። (ሉቃስ 2:⁠36-38) ካብ ኣኼባታት ንኸይተብኵር ቈሪጽካዶ ኣሎኻ፧ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ኣሰምብሊታትናን ዓበይቲ ኣኼባታትናን ክፍለ⁠-​ግዜ ንምክፋል ዝከኣለካ ዅሉ ንምግባር ትጽዕርዶ ኣሎኻ፧ እቲ ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ዝወሃብ ብመንፈስ ጠቓሚ ዝዀነ መምርሒታት: ሰማያዊ ኣቦና ንህዝቡ ከም ዝሓልየሎም ንጹር መርትዖ ይዀነና ኢዩ። (ኢሳይያስ 40:⁠11) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ዘሐጕስ ኢዩ: ኣብኡ ምክፋልና ድማ ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ዘርኢ ኢዩ።​—⁠ነህምያ 8:⁠5-8, 12

ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ብምሕላው እተፈለኻ ኹን

15, 16. ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ምሕላው ንኣካይዳና ዝጸልዎ ብኸመይ ኢዩ፧

15 ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ምሕላው ካብዛ እክይቲ ዓለም ንኽንፍለ ይሕግዘና ኢዩ። ንኣብነት: ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ምስዓብ ካብ ጾታዊ ብዕልግና ይሕልወና ኢዩ። (ዘዳግም 5:⁠18፣ ምሳሌ 6:⁠29-35፣ እብራውያን 13:⁠4) ንኽትሕሱ: ንኸተደላህቕ: ወይ ንኽትሰርቕ ዝመጸካ ፈተና ምስ መለኮታዊ መዘኻኸሪታት ብምስምማዕ ብዓወት ክስገር ይከኣል ኢዩ። (ዘጸኣት 20:⁠15, 16፣ ዘሌዋውያን 19:⁠11፣ ምሳሌ 30:⁠7-9፣ ኤፌሶን 4:⁠25, 28፣ እብራውያን 13:⁠18 NW  ) ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ምሕላው ሕነ ንኸይንፈዲ: ቂም ንኸይንሕዝ: ወይ ከኣ ንዋላ ሓደ ንኸይነካፍእ የኽእለና ኢዩ።​—⁠ዘሌዋውያን 19:⁠16, 18፣ መዝሙር 15:⁠1, 3

16 ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ብምስዓብ ንኣገልግሎቱ ቅዱሳት ወይ ፍሉያት ንኸውን። ካብዛ ዓለም እዚኣ እተፈለና ምዃንና ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ኰን ኢዩ! የሱስ ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት ምእንቲ ሰዓብቱ ናብ የሆዋ ከምዚ ኢሉ ጸለየ:- “ኣነ ቓልካ ሀብክዎም። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ: ዓለም ጸልኣቶም። ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር: ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን። በቲ ሓቂ ቐድሶም: ቃልካ ሓቂ እዩ።” (ዮሃንስ 17:⁠14-17) ነቲ ንቕዱስ ኣገልግሎት ፍሉያት ዝገብረና ቃል ኣምላኽ ብቐጻሊ ሞሳ ነርኢ።

17. ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ዕሽሽ እንተ​ድኣ ኢልናዮ እንታይ ከጋጥመና ይኽእል: ስለዚ እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧

17 ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ንኣገልግሎቱ እንበቅዕ ኴንና ክንርከብ ኢና እንደሊ። ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ዕሽሽ እንተ​ድኣ ኢልና ግን በቲ ኣብ መብዛሕትኡ ናይዛ ዓለም ኣዘራርባ: ጽሑፋት: መዘናግዒታት: ከምኡውን ኣካይዳ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ መንፈስ ክንጽሎ ንኽእል ኢና። ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ዘይነማሱ: ርኹሳት: ጨካናት: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዝና ተድላ እንፈቱ ክንከውን ከም ዘይንደሊ እተረጋገጸ ኢዩ፣ እዚ እቶም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑ ሰባት ዘንጸባርቕዎ ገለ ባህርያት ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5) ኣብ ምጽንቃቕ ናይዘን ዳሕሮት መዓልትታት ናይዚ ኣገባብ እዚ ንነብር ስለ ዘሎና: ብቐጻሊ ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ንኽንሕሉ እሞ በዚ ኸኣ ‘ከም ቃሉ ገይርና ንነፍስና ንኽንጥንቀቕ’ መለኮታዊ ሓገዝ ንምርካብ ከየባተኽና ንጸሊ።​—⁠መዝሙር 119:⁠9

18. ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ምሕላው እንታይ ኣወንታዊ ስጕምትታት ንኽንወስድ ኢዩ ዘኽእለና፧

18 መዘኻኸሪታት የሆዋ ክንገብሮ ዘይግብኣና ነገር ጥራይ ኣይኰነን ዝሕብረና። ንመዘኻኸሪታቱ ምሕላው ኣወንታዊ ስጕምቲ ከም እንወስድ ይገብረና: ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንኽንውከሎን ብምሉእ ልብና: ነፍስና: ሓሳብና: ከምኡውን ሓይልና ንኸነፍቅሮን ይድርኸና ኢዩ። (ዘዳግም 6:⁠5፣ መዝሙር 4:⁠5፣ ምሳሌ 3:⁠5, 6፣ ማቴዎስ 22:⁠37፣ ማርቆስ 12:⁠30) መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ንብጻይና ንኸነፍቅር እውን ይድርኸና ኢዩ። (ዘሌዋውያን 19:⁠18፣ ማቴዎስ 22:⁠39) ንኣምላኽን ንብጻይናን ዘሎና ፍቕሪ: ብፍላይ መለኮታዊ ፍቓድ ብምፍጻምን ነቲ ህይወት ዘውህብ ‘ፍልጠት ኣምላኽ’ ንኻልኦት ብምክፋልን ኢና ከነርእዮ እንኽእል።​—⁠ምሳሌ 2:⁠1-5

ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ምሕላው ማለት ህይወት ኢዩ!

19. ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ምስዓብ ረብሓ ዘለዎን ጠቓምን ምዃኑ ንኻልኦት ብኸመይ ከነርእዮም ንኽእል፧

19 ንመዘኻኸሪታት የሆዋ እንሕሉን ካልኦት ከምኡ ንኽገብሩ እንሕግዞምን እንተ​ድኣ ዄንና: ንርእስናን ነቶም ዝሰምዑናን ከነድሕን ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠16) ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ምስዓብ ብሓቂ ረብሓ ዘለዎን ጠቓምን ምዃኑ ንኻልኦት ብኸመይ ከነርእዮም ንኽእል፧ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናብራና ብምውዓል ኢዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ “እቶም ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ” ሰባት: ቃል ኣምላኽ ብሓቂ ክንስዕቦ ዝግባእ ዝበለጸ መገዲ ምዃኑ መርትዖ ይረኽቡ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠48) ብተወሳኺውን ‘ኣምላኽ ኣብ ማእከልና ከም ዘሎ’ ክግንዘቡ ከምኡውን ነቲ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ ኣብ ምምላኽ ንኽሓብሩና ክድረኹ ኢዮም።​—⁠1 ቈረንቶስ 14:⁠24, 25

20, 21. መዘኻኸሪታት ኣምላኽን መንፈሱን እንታይ ንኽንገብር ኢዩ ዘኽእለና፧

20 ቅዱሳት ጽሑፋት ብቐጻሊ ብምጽናዕ: ንእተማሃርናዮ ነገራት ኣብ ግብሪ ብምውዓል: ከምኡውን ካብቲ ናይ የሆዋ መንፈሳዊ ምድላዋት ምሉእ ብምሉእ ብምጥቃም ንመዘኻኸሪታቱ ኣዚና ከነፍቅሮ ኢና። ነዚ መዘኻኸሪታት እዚ እንተ​ድኣ ስዒብና ነቲ “ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ” ንኽንለብስ ክሕግዘና ኢዩ። (ኤፌሶን 4:⁠20-24) መዘኻኸሪታት የሆዋን መንፈስ ቅዱሱን ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይኣኽለኒ ምባል ንኸነንጸባርቕ የኽእለና ኢዩ: እዚ ባህርያት እዚ ድማ ካብቲ ኣብዛ ብሰይጣን ተታሒዛ ዘላ ዓለም ዝንጸባረቕ ነገራት እተፈልየ ኢዩ። (ገላትያ 5:⁠22, 23፣ 1 ዮሃንስ 5:⁠19) ስለዚ ብናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ብእተሸሙ ሽማግለታት: ከምኡውን ኣብ ንኣሽቱ ኰነ ዓበይቲ ኣኼባታት ከምኡውን ኣሰምብሊታት: ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሓቶ ብቕዓታት መዘኻኸሪ ክወሃበና ከሎ መማሰውቲ ክንከውን ንኽእል ኢና።

21 መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ስለ እንሕሉ: ምእንቲ ጽድቂ መከራ እኳ እንተ ወረደና ክንሕጐስ ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 6:⁠22, 23) ኣዝዩ ዘፍርህ ኵነታት ከጋጥመና ኸሎ ምድሓን ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ኢና እንውከል። ኵለን መንግስታት ናብታ ኣርማጌዶን እትበሃል “ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ” ይእከባ ስለ ዘለዋ እዚ ብፍላይ ሕጂ ኣድላዪ ኢዩ።​—⁠ራእይ 16:⁠14-16

22. ብዛዕባ መዘኻኸሪታት የሆዋ ዝመጸ እንታይ ቈራጽነት ኢና ክንወስድ ዘሎና፧

22 እቲ ዘይንበቕዖ ውህበት ዘለኣለማዊ ህይወት ክንረክብ እንተ​ድኣ ዄንና: ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ኣዚና ከነፍቅሮን ብምሉእ ልብና ክንሕልዎን ኣሎና። ስለዚ ከምቲ “ምስክራትካ [“መዘኻኸሪታትካ:” NW  ] ንዘለኣለም ጽድቂ እዩ: ኣእምሮ ሀበኒ እሞ: ብህይወት ክነብር እየ” ኢሉ ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበሮ ዓይነት መንፈስ ይሃልወና። (መዝሙር 119:⁠144) ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “[ዎ የሆዋ] ናባኻ ተማህለልኩ: ኣድሕነኒ: ምስክራትካውን [“መዘኻኸሪታትካውን:” NW  ] ክሕሉ እየ” ብምባል ዝነበሮ ቈራጽነት ብንጹር ዝገለጸ ንሕና እውን ከምኡ ንግበር። (መዝሙር 119:⁠146) እወ: ብቓላትን ብግብርን ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ኣዚና ከም እነፍቅሮ ነርኢ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ብኸመይ ይርእዮ ነበረ፧

• መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧

• መለኮታዊ መዘኻኸሪታት ኣብ ምሕላው ኣኼባታትና እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዎ፧

• መዘኻኸሪታት የሆዋ ካብዛ ዓለም እዚኣ እተፈለና ዝገብረና ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ኣዝዩ የፍቅሮ ነበረ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ንኣብነት ሃና ብምስዓብ ካብ ኣኼባታት ንኸይተብኵር ወሲንካዶ ኢኻ፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ምስዓብ ንኣገልግሎቱ እተፈለና ብምዃን ንጹሃትን ተቐባልነት ዘሎናን ይገብረና