ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም”

“ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም”

ታሪኽ ህይወት

“ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም”

ሀርበርት ጀኒንግስ ዘዘንተዎ

“ካብታ ወደባዊት ከተማ ቴማ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጋና እናተመለስኩ ከለኹ ንሓደ እትማልኦ ማኪና ዝጽበ ዝነበረ መንእሰይ ተማላእክዎ። ነቲ ኣጋጣሚውን ንምስክርነት ተጠቐምኩሉ። ጽቡቕ ገይረ ዝመስከርክሉ ኰይኑ ኢዩ ተሰሚዑኒ! እንተ​ዀነ ግን: እቲ መንእሰይ ኣብቲ ዝደልዮ ቦታ ምስ በጻሕና ካብታ ፒክ ኣፕ ዝዓይነታ ማኪና ዘሊሉ ብምውራድ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሉ ሃደመ።”

 እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ኣጋጣሚ ኣብ ህይወተይ ሓደ ዘይተለምደ ሓድሽ ነገር ከም ዘሎ ሓበሬታ ኰነኒ። እንታይ ከም ዘጓነፈኒ ቅድሚ ምዝንታወይ ካናዳዊ ክነሰይ ከመይ ኢለ ናብ ጋና ከም ዝመጻእኹ ክነግረኩም።

ግዚኡ ኣብ መፋርቕ ታሕሳስ 1949 ክኸውን ከሎ እቲ ቦታ ድማ ከባቢ ሰሜናዊ ቶሮንቶ: ካናዳ ኢዩ። ንሓድሽ ገዛ ኣገልግሎት ማይ ክህብ ተባሂሉ ሓደ ሜትሮ ዝኸውን ጒድጓድ ኵዒትና ምስ ወዳእና ማኪና መጺኣ ክሳብ እትወስደና ኵላትና ሰራሕተኛታት ደኺምናን ብቝሪ ከርዲድናን ስለ ዝነበርና ተኣኪብና ሓዊ ንስሕን ነበርና። ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታት: ኣርኖልድ ሎርቶን እተባህለ: ብሃንደበት ብዛዕባ “ውግእን ወረ ውግእን” “መወዳእታ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝኣመሰለ ንዓይ ሓድሽ ብዝዀነ ቃላት ተጠቒሙ ክዛረብ ጀመረ። ብኡንብኡ ኵሎም ዕላሎም ኣቋሪጾም ክጥምትዎ ጀመሩ: ገለውን ናይ ጽልኢ መንፈስ ዘርኣይዎ ነበሩ። ‘እዚ ሰብኣይ ተባዕ ኢዩ! ምንም እኳ ክሰምዖ ዝደሊ እንተ ዘየለ ንሱ ግና ዘረብኡ ይቕጽል ኣሎ’ ኢለ ከም ዝሓሰብኩ ይዝከረኒ። እቲ ዝብሎ ዝነበረ ግን ተንከፈኒ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ ዝሓልፍ ቁሩብ ዓመታት ጥራይ ኢዩ ገይሩ ነይሩ: ከምኡውን ኣብቲ ንብዙሕ ወለዶታት እምነት ስድራ​ቤተይ ኰይኑ ዝነበረ ክሪስታደልፊያን ዝበሃል ሃይማኖት ከምኡ ዝበለ ሰሚዐ ኣይፈልጥን ነይረ። በቲ ዘረባኡ ስለ እተማረኽኩ ኸኣ ጽን ኢለ ተኸታተልክዎ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ምእንቲ ክህበኒ ናብ ኣርኖልድ ክቐርብ ግዜ ኣይወሰደለይን። ንድሕሪት ምልስ ኢለ ንሱን ሰበይቱ ጂንን ንዓይ ተመክሮ ንዘይነበረኒ ወዲ 19 ዓመት ክሳዕ ክንደይ ይጻወሩንን ሕያውነት የርእዩንን ምንባሮም ይዝከረኒ። መብዛሕትኡ ግዜ ምስኦም ንኽዛረብ ኢለ ከይነገርኩን ከይተዓደምኩን ስቕ ኢለ ኢየ ናብ ገዝኦም ዝኸይድ ነይረ። ንሳቶም ኣተሓሳስባይ ንኸዐርን ነቲ ኣብ ኣእምሮይ ዝመላለስ ዝነበረ ምስ ናይ ስነ⁠-​ምግባር መለክዒታት ዝጋጮ ተግባራት ንኸርሕቕን ሓጊዞምኒ ኢዮም። ድሕሪ እቲ ኣብ ደረት መገዲ ሓዊ እናሰሓንና ዝጀመረ ተመክሮ ዓሰርተ ወርሒ ጸኒሐ: ብ22 ጥቅምቲ 1950 ከም ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነ ተጠመቕኩ: ምስታ ሕጂ ክፍሊ ከተማ ቶሮንቶ ዝዀነት ኖርዝ ዮርክ እትርከብ ጉባኤ ዊሎዳል ከኣ ሓበርኩ።

ምስ ኣመንቲ ብጾት ንቕድሚት ምስጓም

ኣቦይ ነቲ ሓድሽ እምነተይ ክቕጽሎ ከም ዝወሰንኩ ምስ ፈለጠ ኣብ ገዛና ወጥሪ እናወሰኸ ኸደ። ኣቦይ ሽዑ እዋን ብሓደ ሰኽራም መራሕ መኪና ሓደጋ ኣጋጢምዎ ስለ ዝነበረ መብዝሕትኡ ግዜ ምቅዳው ይስእን ነበረ። ናብራ ነደይን ነቶም ናኣሽቱ ዝነበሩ ክልተ ኣሕዋተይን ክልተ ኣሓተይን ከቢድዎም ነበረ። ኣንጻር እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝግበር ዝነበረ ጸቕጢ እናወሰኸ ኸደ። ወለደይ ሰላም ምእንቲ ክረኽቡ: ኣነ ኸኣ ኣብታ “መገዲ ሓቂ” ደልዲለ ምእንቲ ኽስረት ካብ ገዛ ኽወጽእ ጥበባዊ ኰይኑ ተሰምዓኒ።​—2 ጴጥሮስ 2:2

ኣብ መወዳእታ ሓጋይ 1951 ኣባል ናይታ ኣብ ኮልማን: ኣልቤርታ ዝነበረት ንእሽቶ ጉባኤ ኰንኩ። ሮስ ሃንትን ኬዝ ሮቢንስን ዝበሃሉ ክልተ መንእሰያት: ስርዓታውያን ፓይነራት ኰይኖም ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጽሙዳት ነበሩ። ንዓይ እውን ናብቲ ብወለንታ ዝዕየ ኣገልግሎት ከተኵር ሓጊዞምኒ ኢዮም። ብ1 መጋቢት 1952 ከኣ ስርዓታዊ ፓይነር ኰንኩ።

እቲ ዝረኸብክዎ መተባብዒ ብሓጐስ ኢየ ዝዝክሮ። ብዙሕ ክመሃሮ ዝነበረኒ ነገራት ነይሩ ኢዩ: ኣብዚ ድማ ኢየ ዘድሊ ስልጠና ዝረኸብኩ። ኣብታ ኣብ ኣልቤርታ እትርከብ ጉባኤ ሌዝብሪጅ ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ንሓደ ዓመት ዝኸውን ምስ ጸናሕኩ ከም ገያሺ ተዓዛቢ ዀይነ ንኸገልግል ዘይሓሰብክዎ ዕድመ ቀረበለይ። ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ካናዳ ካብ ሞንክቶን: ኒው ብራንስዊክ ክሳዕ ጋስፐ: ኲቤክ ፋሕ ኢለን ንዝነበራ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኸገልግል ተመደብኩ።

ዕድመይ 24 ጥራይ ስለ ዝነበረ ኣብ ሓቂ እውን ዳርጋ ሓድሽ ስለ ዝነበርኩ ምስቶም ከገልግሎም ዘለኒ ብሱላት መሰኻኽር ርእሰይ ከነጻጽራ ከሎኹ ኣይበቅዕን ኢየ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ኣዋርሕ ኸኣ ልባዊ ጻዕሪ ገበርኩ። ድሕርዚ ካልእ ዘይተጸበኽዎ ነገር ሰዓበ።

ቤት ትምህርቲ ጊልዓድን ናብ ጎልድ ኮስት ምኻድን

ኣብ መስከረም 1955 ኣብ ሳውዝ ላንሲንግ: ኒው ዮርክ: ምስቶም ሚእቲ ዝዀኑ ተማሃሮ መበል 26 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክሓብር ተዓደምኩ። ብሓቂ ዘድልየኒ ዝነበረ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ጽዑቕ ስልጠናን ትምህርትን ኢየ ረኺበ። ምስቶም ውዕዉዕ መንፈስ ዝነበሮም ጕጅለ ብምሕባረይ ቅንኣተይ ከም ዝውስኽ ገይርዎ ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ: ህይወተይ ብልጽግቲ ከም እትኸውን ዝገበረ ካልእ ነገር እውን ነይሩ ኢዩ።

ካብቶም ተማሃሮ ሓንቲ: ኢለን ስታብስ እትብሃል መንእሰይ ሓብቲ ንዕዮ ሚስዮናዊነት ትዳሎ ነበረት። ከም እተዓዘብክዋ ኢለን ርግእቲ: ቁም ነገረኛ: ትሕትና ዘለዋ: ሕጕስቲ ኢያ ነይራ። ብግልጺ: ክምርዓዋ ከም ዝደሊ ስለ ዝነገርክዋ ዘሰንበድክዋ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ። ንሳ ግን ኣይኣበየትንን! ንሳ ናብቲ እተመደበትሉ ኮስታ ሪካ: ኣነ ኸኣ ናብ ምድበይ ጎልድ ኮስት (ሕጂ ጋና): ምዕራብ ኣፍሪቃ: ንኽንከይድ ተሰማማዕና።

ኣብ ግንቦት 1956 ሓደ ንግሆ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ኣብቲ ኣብ ዓስራይ ደርቢ ዝርከብ ናይ ሓው ናታን ኖር ቤት ጽሕፈት ተጸዋዕኩ። ሽዑ ንሱ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንት ኢዩ ነይሩ። ነቲ ኣብ ጎልድ ኮስት: ቶጎላንድ (ሕጂ ቶጎ): ኣይቨሪ ኮስት (ሕጂ ኮት ዲቭዋር): ኣብ ኣፐር ቮልታ (ሕጂ ቡርኪና ፋሶ): ከምኡውን ኣብ ጋምቢያ ዝነበረ ዕዮ ስብከት ክኣሊ ኣገልጋሊ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኰይነ ተመዘዝኩ።

ነተን ሓውና ኖር እተዛረበኒ ቓላት ክዝክረን ከለኹ ልክዕ ትማሊ ዀይኑ ኢዩ ዝስማዓኒ። ከምዚ ድማ በለኒ:- “ቀልጢፍካ ነቲ ሓላፍነት ክትስከም ኣየድልየካን ኢዩ። ከይተሃወኽካ ካብቶም ኣብኡ ዘለዉ ብሱላት ኣሕዋት ተምሃር። እተዳለኻ ዀይኑ ምስ ተሰመዓካ ከም ኣገልጋሊ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኴንካ ምግልጋል ጀምር። . . . ናይ መዝነትካ ደብዳበ እንሀለ። ኣብኡ ምስ በጻሕካ ድሕሪ ሸውዓተ መዓልትታት እቲ ሓላፍነት ተሰከሞ።”

‘ሸውዓተ መዓልትታት ጥራይ: እቲ “ከይተሃወኽካ” ኢሉ ዝመኸረኒ ድኣ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧’ ኢለ ሓሰብኩ: በቲ ዘረባኡ ድማ ቅዝዝ በልኩ።

እተን ቀጺለን ዝነበረ ሒደት መዓልትታት ቀልጢፈን ሓለፋ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኸኣ መርከብ ተሰቐልኩ እሞ በቲ ኣብ ብሩክሊን ዘሎ ናይ ማሕበር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ሓሊፈ ብኢስት ሪቨር ጕዕዞ ባሕሪ ጀመርኩ። እዚ ድማ ናብ ጎልድ ኮስት ንምብጻሕ 21 መዓልትታት ዝወስድ ጕዕዞ ኢዩ ነይሩ።

ኣነን ኢለንን ብደብዳቤታትና ንኣገልግሎት ቡስጣ ስራሕ ኣብዚሕናሉ ነበርና። ብ1958 እንደገና ተራኸብና እሞ ኣብታ ዓመት እቲኣ ብ23 ነሓሰ ተመርዓና። የሆዋ ወረጃ በዓልቲ ቤት ስለ ዝሃበኒ ካብ ምምስጋን ኣቋሪጸ ኣይፈልጥን።

ን19 ዓመታት ምስቶም ሚስዮናውያንን ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ብጾተይ ኣብቲ ናይ ማሕበር ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንኸገልግል መሰል ስለ እተዋህበኒ አመስግን ኢየ። ኣብቲ ግዜ እቲ ስድራ ቤትኤል ካብ ሒደት ኣባላት ናብ 25 ዓበየ። እቲ ግዜ እቲ በዳሂ ግን ከኣ ብዙሕ ንጥፈታት ዝገበርናሉን ፍረ ዘለዎን ኢዩ ነይሩ። ነቲ ኣሉታዊ መዳይ እውን ክሓብኦ የብለይን። እቲ ብርቱዕ ሙቐት ዝነበሮ ኵነታት ኣየር ብድሆ ኰይንኒ ነበረ። ኵሉ ግዜ ዝርህጽ: ሓድሓደ ግዜውን ሓራቕ ዝነበርኩ ይመስለኒ። ይኹን እምበር: ኣብ ጋና ቍጽሪ ናይቶም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካብቲ ብ1956 ዝነበረ 6,000 ኣብ 1975 ናብ 21,000 ደይቡ ምርኣይ ኣብኡ ምግልጋልና ብሓቂ ዘሐጕስ ኢዩ ገይርዎ። ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ 60,000 ንጡፋት መሰኻኽር ክትርኢ ድማ ኣዝዩ ዘሐጕስ ኢዩ።

ዘይተጸበናዮ “ጽባሕ”

ኣብ 1970 ኣቢሉ ንኽትገልጾ ዘጸግም ናይ ጥዕና ሽግራት ከጓንፈኒ ጀመረ። ምሉእ ሕክምና እኳ እንተ ገበርኩ “ሕማም የብልካን” ይብሉኒ ነበሩ። ኵሉ ሳዕ ዝጽላኣኒ: ድኻም ዝስመዓኒ: ሸቐልቀል ዘብለኒ ዝነበረ ደኣ ስለምንታይ ኢዩ፧ ብኽልተ ዘሰንብድ መገድታት መልሲ ረኺበሉ። እቲ ያእቆብ “ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም” ኢሉ ዝጸሓፎ ሓቂ ኢዩ።​—ያእቆብ 4:​14

እቲ ቐዳማይ ምልክት ዝዀነኒ ምስቲ ናብ ከተማ ክማልኦ ከሎኹ ዝመስከርኩሉ መንእሰይ ወዲ ዘጋጠመኒ ተመክሮ ኢዩ። ህውኽ ህውኽ እናበልኩ ብዘይ​ዕረፍቲ እዛረቦ ከም ዝነበርኩ ኣይተፈለጠንን። እቲ መንእሰይ ኣብቲ ዝወርደሉ ቦታ ምስ በጽሐ ካብ ማኪና ነጢሩ ክሃድም ከሎ ኣዝየ ተገረምኩ። ዝበዝሑ ደቂ ጋና ብተፈጥሮኦም ርጉኣትን ህዱኣትን ኣብ ርእሲ ምዃኖም ኣብ ኵሉ ነገር ኣይርበሹን ኢዮም። ንሱ ዝገበሮ ግን ዘይተለምደ ነገር ኢዩ ዀይኑኒ። ኮፍ ኢለ ኣዕሚቘ ሓሰብኩ። ሓደ ሽግር ከም ዘለኒ ተረዳእኩ: ብልክዕ ግን እንታይ ምዃኑ ኣይፈለጥኩዎን። ብርግጽ ግን ሽግር ነይሩኒ ኢዩ።

ካልኣይ እውን ምስ ኢለን ዕሙቚ ዝበለ ምይይጥ ድሕሪ ምግባርና “እዚ ኣካላዊ ሽግር እንተ​ድኣ ዘይኰይኑ ናይ ኣእምሮ ሽግር ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ሓሳብ ኣቕረበት። ስለዚ ናይ ሕማመይ ምልክታት ተጠንቂቐ ብምጽሓፍ ናብ ናይ ኣእምሮ ሓኪም ከድኩ። እቲ ዝጸሓፍኩዎ ምስ ኣንበብኩሉ “እዚ እተለምደ ጕዳይ ኢዩ። ማኒክ⁠-​ዲፕረሲቭ ሳይኮሲስ ዝበሃል ዓይነት ሕማም ኣእምሮ ኢዩ ዘሳቕየካ ዘሎ” በለኒ።

ቅዝዝ በልኩ! ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ክልተ ዓመታት ንኽሓዊ እጽዕር እኳ እንተ ነበርኩ እናገደደኒ ደኣ ኸደ። መፍትሒ ኽረክብ ሃለው እብል ነበርኩ። ዋላ ሓደ ግን ብሓቂ እንታይ ከም ዝግበር ዝፈልጥ ኣይነበረን። ከመይ ዘበሳጩ ቃልሲ ኰን ኢዩ!

ንመሰል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ናይ ወትሩ ሞያና ገይርና ክንሕዞ ኢዩ ነይሩ መደብና። ብዙሕ ዝዕየ ዕዮ ድማ ነይሩ ኢዩ። “የሆዋ ፍቓድካ እንተ​ድኣ ዀይኑ: ‘ኣነ እውን እንተ ኣልየ: እዚ ወይስ እቲ ኽገብር ኢየ’” እናበልኩ ልባውን ዓሚቝን ጸሎት አቕርብ ነበርኩ። (ያእቆብ 4:​15) ግን ከምኡ ኣይኰነለይን። ስለዚ ነቲ ክውንነት ብምቕባል ኣብ ሰነ 1975 ጋናን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽትናን ገዲፍና ናብ ካናዳ ንኽንምለስ ተዳለና።

የሆዋ ብህዝቡ ኣቢሉ ሓገዝ ይህብ

ዕሽሽ እተባሃልኩ ዘይምዃነይን ሽግረይ እተፈልየ ነገር ከም ዘይኰነን ተረዳእኩ። እቲ ኣብ 1 ጴጥሮስ 5:⁠9 ዘሎ ቃላት ኣብ ህይወተይ ትርጕም ዘለዎ ዀይኑ ረኸብክዎ:- “እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ [ፍለጡ]።” ነዚ ብምርዳእ: ዘይደለናዮ ለውጢ ክንገብር እኳ እንተ ተገደድና የሆዋ ንኽልቴና ከመይ ዝበለ ሓገዝ ከም ዝገበረልና ከስተውዕሎ ጀመርኩ። ብብዙሕ መገድታት ከኣ ‘ኣሕዋት’ ጽቡቕ ገይሮም ሓጊዞምና ኢዮም!

ብዙሕ ስጋዊ ነገራት እኳ እንተ ዘይነበረና የሆዋ ኣይሓደገናን። ነቶም ኣብ ጋና ዝርከቡ ኣሕዋትና ብንዋታውን ካልእ ነገራትን ንኽሕግዙና ኣለዓዒልዎም ኢዩ። ነቲ ዘይተጸበናዮ “ጽባሕ” ንኽንዋጽኣሉ ነቶም ካብ ልቢ እንፈትዎም ኣሕዋትና እናተደናፈቕና ተሰናበትናዮም።

ዓባይ ሓፍታ ንኢለን ሌኖራን ሰብኣያ ኣልቪን ፍሪዘንን ብሕያውነት ኣብ ገዝኦም ተቐቢሎም ዘድልየና ነገር ብልግሲ እናሃቡ ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣንቢሮምና ኢዮም። ሓደ ፍሉጥ ናይ ኣእምሮ ሓኪም “ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክትሓዊ ኢኻ” ብምባል ርግጸኛ ኰይኑ ተዛረበኒ። ምናልባት ንኸጸናንዓኒ ኢሉ ይኸውን: ግን እቲ ዝበሎ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት እውን ኣይተፈጸመን። ክሳዕ ሕጂ: በዚ ሎሚ ብእሩም ኣጸዋውዓ ተቐያያሪ ንዝዀነ ጠባይ ዘመልክት ባይፖላር ሙድ ዲስኦርደር ዝበሃል ሕማም እሳቐ ኣሎኹ። እዚ ዋላኳ እሩም ኣጸዋውዓ እንተ​ዀነ እቶም በዚ ሕማም እዚ ዝሳቐዩ ኣጸቢቖም ከም ዝፈልጥዎ ግን ነቲ ከቢድ ምልክታት እዚ ሕማም እዚ ኣየህድኦን ኢዩ።

ኣብቲ እዋን እቲ ሓው ኖር በቲ ኣብ ሰነ 1977 ናብ ሞት ዘብጽሖ ሕማም ይሳቐ እኳ እንተ ነበረ: ብእተኻእሎ መጠን ግን ዘጸናንዕ ቃላትን ምኽርን ዝሓዘለ ነዊሕን ዘተባብዕን ደብዳበ ይጽሕፈለይ ነበረ። ክሳዕ ሕጂ እተን ደብዳቤታት ዓቂበየን ኣሎኹ። እተን ቃላቱ ነቲ ዓብሊሉኒ ዝነበረ ኣብ ክውንነት ዘይተመርኰሰ ከም ዝፈሸልኩ ዘርኢ ስምዒታት ኣብ ምጥፋእ ዓቢ ኣበርክቶ ገይረን ኢየን።

ኣብ መወዳእታ 1975 እቲ ክቡር መሰል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣቋሪጽና ኣብ ጥዕናይ ጥራይ ከነቕልብ ጀመርና። ብርሃን ከሕምመኒ ጀመረ። ሃንደበታዊ ብርቱዕ ድምጺ ከም ተዅሲ ዀይኑ ይስምዓኒ። ሰባት ብብዝሒ ናብዝን ናብትን ክብሉ ኸለዉ እርበሽ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኽሳተፍ ብሓቂ ቃልሲ ኢዩ ዝዀነኒ ነይሩ። መንፈሳዊ ሕብረት ኣድላዪ ምዃኑ ግን እኣምን ኢየ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኵሉ ሰብ በቦትኡ ምስ ሓዘ እኣቱ: እቲ ፕሮግራም ምስ ተወድኣ ኸኣ ሰብ ናብዝን ናብትን ምባል ከይጀመረ ኸሎ እወጽእ።

ኣብ ኣገልግሎት ምክፋል ካልእ ብድሆ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ገዛ ምስ በጻሓኩ ነቲ ደወል ንኽድውል እውን ትብዓት ኣይረክብን። ይኹን እምበር: ኣገልግሎትና ንገዛእ ርእስናን ነቶም ኣወንታዊ ምላሽ ዘለዎም ሰባትን ንምድሓን ምዃኑ ብምፍላጠይ ኣየቋረጽኩን። (1 ጢሞቴዎስ 4:​16) ቍሩብ አዕርፍ ኣቢለ: ስሚዕታተይ ተቘጻጺረ ናብታ ቀጺላ ዘላ ማዕጾ ከይደ እንደገና እፍትን። ኣብ ኣገልግሎት ምክፋል ብምቕጻለይ መንፈሳዊ ጥዕናይ ክዕቅብ ክኢለ: እዚ ድማ ንናይ ምጽዋር ክእለተይ ወሲኹለይ ኢዩ።

እዚ ተቐያያሪ ዝዀነ ጠባይ ዝርኣየሉ ሕማም: ሕዱር ብምዃኑ እዚ ኣገባብ እዚ ክሳዕ ዘሎ ካባይ ዘይፍለ ምዃኑ ተገንዘብኩ። ብ1981 ንቕሑ!  a ዘሐጒስ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ሒዙ ይወጽእ ነበረ። በቲ መጽሔታት እቲ ኸኣ ብዛዕባ ባህርይ ናይዚ ሕማም እዚ ዝሓሸ ምርዳእ ክረክብን ንኽዋጽኣሉ ክሕግዘኒ ዝኽእል ዝያዳ ስሉጥ ዝዀነ ኣገባባት ክፈልጥን ከኣልኩ።

ተጻዋርነት ምምሃር

እዚ ዅሉ ንበዓልቲ ቤተይ ብዙሕ መስዋእትን ምትዕርራይን ክትገብር ኣድሊዋ ኢዩ። ንስኻ እውን ተመሳሳሊ ጸገም ንዘለዎ ሰብ ትኣሊ እንተ​ድኣ ኣሊኻ ነቲ ንሳ ዝሃበቶ ቀጺሉ ዘሎ ርእይቶ ትግንዘቦ ትኸውን ኢኻ:-

“ተቐያያሪ ዝዀነ ጠባይ ኣብ ባህርያት ናይቲ ሰብ ሃንደበታዊ ለውጢ ዘምጽእ ኢዩ ዝመስል። እቲ ሰብ ሕጉስ ከምኡውን ሓድሽ መደባትን ሓሳባትን ዘለዎ ኰይኑ ይጸንሕ እሞ ብሃንደበት ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ድኹም: ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ: ቁጡዕ ሰብ ይኸውን። ሕማም ምዃኑ እንተ ዘይፈሊጦምዎ ንኻልኦት ከሕርቖምን ከደንጽዎምን ይኽእል ኢዩ። ሽዑ ሽዑ መደባትካ ክትቅይር ከምኡውን ምስ ተስፋ ምቚራጽን ዕሽሽ እተበሃልካ ኰይኑ ዝስምዓካ ስምዒታትን ክትቃለስ ትጅምር።”

ብወገነይ ከኣ ካብ ካልእ ግዜ እተፈልየ ጥዕና ክስመዓኒ ኸሎ የሻቅለኒ። “ዋዒ” እተሓወሶ ጠባይ ከርኢ እንተ​ድኣ ጀሚረ ቀጺሉ “ስቕታ” እተሓወሶ ጠባይ ከም ዝመጽእ ይርድኣኒ ኢዩ። እዚ ስቕታ እተሓወሶ ጠባይ ንገለ ግዜያት ዝኸውን ዘይግባእ ነገራት ካብ ምግባር ስለ ዘዕርፈኒ ካብ “ዋዒ” “ስቕታ” እመርጽ። ኢለን ሕሉፍ ዋዒ ከርኢ ከሎኹ ብምጥንቃቕ: ክጭነቕ ከሎኹ ኸኣ ብምጽንናዕን ብምሕጋዝን ዓቢ ደገፍ ኰይናትኒ ኢያ።

እቲ ሕማም ኣበርቲዑ ክለዓለካ ኸሎ ርእስኻ ካብ ካልኦት ኣግሊልካ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ስምዒት ጥራይ ኢኻ እትግደስ። ሓደ ሰብ ክጭነቕ ከሎ ወይ ከኣ ኣእምሮኡ ኣብ ዝስሕተሉ እዋን ነቲ ናይ ካልኦት ስምዒታትን ዘርእይዎ ምላሽን ካብ ምግንዛብ ዓዲ ብምውዓል ምሉእ ብምሉእ ኢዩ ርእሱ ዘግልል። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ነቲ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጸገማተይ ክቕበሎ የሸግረኒ ነይሩ። እቲ መለዓዓሊ ጸገም ግዳማዊ ነገር ማለት ኣብ ጻዕርታተይ ከይተዓወትኩ ብምትራፈይ ወይ ብሰንኪ ገለ ሰብ ኢዩ ኢለ እሓስብ ስለ ዝነበርኩ ኣተሓሳስባይ ንምዕራይ ቃልሲ ነይሩኒ ኢዩ። ብተደጋጋሚ ንገዛእ ርእሰይ ‘ኣብ ከባብየይ እተለወጠ ነገር የለን። እቲ ግድል ውሽጣዊ ድኣ እምበር ግዳማዊ ኣይኰነን’ እናበልኩ ከዘኻኽራ ነበረኒ። ቀስ እናበለ ኣተሓሳስባይ ተዓረየ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዛዕባ ኵነታተይ ዝመጸ ንሓድሕድናን ንኻልኦትን ግልጽን ሓቀኛታትን ክንከውን ከም ዘሎና ተማሂርና ኢና። ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንምሓዝ ስለ እንጽዕር እቲ ሕማም ንናብራና ክቈጻጸሮ ኣይነፍቅደሉን ኢና።

ዝሓሸ “ጽባሕ”

ልባዊ ጸሎትን ብዙሕ ቃልስን ብምግባር ካብቲ የሆዋ ዝህበና በረኸትን ደገፍን ተጠቒምና ኢና። ሕጂ ክልቴና ዕድመ ደፊእና ኢና። ብቐጻሊ ውሱን ዝዀነ ሕክምና እናተኸታተልኩ ጥዕናይ ሓልየ እነብር ኣሎኹ። ንዝረኸብናዮ ዝዀነ ይኹን መሰል ኣገልግሎት ነማስወሉ ኢና። ናይ ጉባኤ ሽማግለ ዀይነ ምግልጋል እውን እቕጽል ኣሎኹ። ነቶም ኣብ እምነት ዘለዉ ካልኦት ሓገዝቲ ዄንና ክንርከብ ኵሉ ግዜ ኢና እንጽዕር።

እቲ “ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም” ዝብል ኣብ ያእቆብ 4:⁠14 ዘሎ ቃላት ሓቂ ኢዩ። እዚ ኣገባብ እዚ ክሳዕ ዘሎ ኸኣ ሓቂ ኰይኑ ክቕጽል ኢዩ። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ያእቆብ 1:12 ዘሎ ቃላት እውን ሓቂ ኢዩ:- “ተፈቲኑ ምስ ወጸ: ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ: እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።” ሎሚ ኵልና ጸኒዕና ነቲ የሆዋ ንጽባሕ ኣንቢሩልና ዘሎ በረኸት ክንረክብ ንጸበ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ናይ 8 ነሓሰ 1981 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) “ናብራኻ ክትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ” ዝብል ዓንቀጽ፣ ኣብ ናይ 8 መስከረም 1981 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) “ንጭንቀት ከመይ ገይርካ ከም እትቃለሶ” ዝብል ዓንቀጽ፣ ከምኡውን ኣብ ናይ 22 ጥቅምቲ 1981 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) “ንኸቢድ መንፈስ ጭንቀት ምስናፉ” ዝብል ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቤት ስእለይ ንበይነይ ብሒተ ከሎኹ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ኢለን በዓልቲ ቤተይ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቴማ: ጋና ኣብ እተገብረ “ናይ ዘለኣለም ብስራት” ዘርእስቱ ናይ 1963 ኣሰምብሊ