ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣዕሩኽ ከተጥርየሉ እትኽእል መገድታት

ኣዕሩኽ ከተጥርየሉ እትኽእል መገድታት

ኣዕሩኽ ከተጥርየሉ እትኽእል መገድታት

“ኣብ ምሉእ ህይወትካ ሓደ ዓርኪ ክህልወካ ኣዝዩ ሰናይ ኢዩ፣ ክልተ ብዙሕ ኢዩ፣ ሰለስተ ግን ዘይመስል ኢዩ።” —⁠ሄንሪ ብሩክስ ኣዳምስ

 ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ናይ ሓቂ ዓርኪ ዝርከብ ሳሕቲ ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ። ካብቶም ኣዕሩኽ ንምርካብ ዝምነዩ ጽምዋ ዝስምዖም ሰባት “ዘማኽረኒ ሰብ የብለይን:” “ዝኣምኖ የብለይን:” ወይ “ብዘይ​ካ ከልበይ መንዶ ኣሎኒ ኢዩ፧” ዝብል ዘረባታት ብተደጋጋሚ ይስማዕ ኢዩ።

ነባሪ ዕርክነት ከተጥርን ክትዕቅቦን በዳሂ ኢዩ። ክሽምቱ ንዕዳጋ ኣብ ዝወረዱ ሰባት እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ “ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 25 ሚእታዊት ናይቶም ዓበይቲ ‘ብብርቱዕ ጽምዋ’ ይሳቐዩ ኢዮም። . . . ኣብ ፈረንሳ ድማ ፍርቂ ናይቲ ህዝቢ ተነጽሎ የጋጥሞ ኢዩ።” ኣንጻር ጾታ ዝዀኑ ሰባት ንኸዕልሉ ዝቋጸርሉ ክለባት: ብኮምፒዩተር እተዕልለሉ መደባት: ከምኡውን ብጻይ ንዝደልዩ ሰባት ንኸፋልጥ ኣብ ጋዜጣታት ዝወጽእ ዓምድታት ምብዝሑ ሰባት ምስ ከምኦም ሰባት ክራኸቡ ከም ዝህንጠዩ ዘርኢ ኢዩ።

ጽምዋ ንኣተሓሳስባኻ ጥራይ ዘይኰነስ ኣካላዊ ጥዕናኻ እውን ከም ዝትንክፍ ዶ/ር ደቪድ ዊክስ እተባህለ ኒሮሳይኮሎጂስት ሓቢሩ ኣሎ። “ምስ ጽምዋ ዝተሓሓዝ ክቱር ፍርህን ጭንቀትን ዘለዎም ኣዝዮም ብዙሓት ሕሙማት ኢዮም ዝመጹኒ። ክቱር ጭንቀት ምስ ክቱር ጽምዋ እተተሓሓዘ ኢዩ።”

ፍትሕን ምብትታን ስድራ​ቤታትን ቍጽሮም እናበዝሐ ንዝኸዱ ሰባት ኣብ ጽምዋ ከም ዝነብሩ ይገብሮም ኣሎ። ኣብ ብሪጣንያ እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ኣብ መጀመርታ ናይ መበል 21 ዘመን ካብ ብዝሒ ህዝቢ ናይታ ሃገር ዳርጋ 30 ሚእታዊት ዝኸውን ሓደ ሰብ ጥራይ ናብ ዘለዎ ቤት ክቕየር ኢዩ።

ቅዱሳት ጽሑፋት ኣቐዲሙ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይ ስስዐ መንፈስ ክንጸባረቕ ምዃኑ ነጊሩ ነይሩ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5) ብዙሓት ምስ ሰባት ርክብ ንምምስራት ኣብ ክንዲ ዝግደሱ ኣብ ከም ገዛ ወይ ማኪና ዝኣመሰለ ስጋዊ ንብረት ወይ ኣብ ስርሖም ጥራይ ኢዮም ዝግደሱ። ኣንቶኒ ስቶር እተባህለ ደራሲ “ኣብ ናይ መርዓ ብጻይን ኣብ ውሉዳትን ኣብ ክንዲ ምግዳስ ህይወቶም ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ዘተኰረ ኢዩ” ብምባል ይገልጽ።

ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ብዋጋ ዘይሽነኑ ኢዮም

እቲ ናይ ህይወትካ ቍም ነገር ኣብ ዓይነት ናይቲ እተጥርዮ ዕርክነት እተመርኰሰ ኢዩ። ዝበዝሕ ግዜ እቶም ንገዛእ ርእሶም ጥራይ ዝነብሩ ሰባት ሕጕሳት ኣይኰኑን: ከመይሲ ዘለዎም ነገራት ወይ ሓሳቦም ዘካፍልዎ ዓርኪ የብሎምን። እተን “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ [“የሐጕስ:” NW ]” ዝብላ ቃላት የሱስ ክርስቶስ ሓቂ ኢየን። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ነዚ ሓቂ እዚ ብምቅላሕ ጆርጅ ባይረን እተባህለ እንግሊዛዊ ደራሲ ግጥሚ “ኵሎም እቶም ሓጐስ ዝረኽቡ ሰባት ንኻልኦት ከካፍልዎ ኣለዎም” ኢሉ ጸሓፈ።

ዓርኪ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ሓደ መዝገበ⁠-​ቃላት ነታ ቓል “ሓደ ምስ ካልእ ሰብ ብምፍታው ወይ ብምክብባር እተጣበቐ ሰብ” ብምባል ይገልጻ። ናይ ሓቂ ዓርኪ ንሓሳባትካ ናብ ጽቡቕ ነገራት ከም ዘቕንዕ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ዘድልየካ ግዜ ከተባብዓካን ክሃንጸካን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ሓዘንካ እውን ከይተረፈ ይካፈል ኢዩ። ንጉስ ሰሎሞን “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር: ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ” ኢሉ ኣሎ። (ምሳሌ 17:17) ስጋዊ ነገራት ድሕሪ ገለ ግዜ ዘለዎ ዋጋ ዘጥፍእ እኳ እንተ​ዀነ ናይ ሓቂ ዕርክነት ግን ግዜ እናሓለፈ ክኸይድ ከሎ ይዓብን ይዕንብብን ኢዩ።

ቅዱሳት ጽሑፋት ንክርስትያናት ፍቕሮም ‘ከግፍሑ’ ኢዩ ዝምሕጸኖም። (2 ቈረንቶስ 6:⁠13) ንኻልኦት ንምሕጋዝ ምትጋህ ጥበብ ኢዩ። ኣብ መክብብ 11:⁠1, 2 ከምዚ ዝስዕብ ነንብብ:- “ንእንጌራኻ ናብ ልዕሊ ማይ ስደዶ: ከመይሲ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ክትረኽቦ ኢኻ። ከመይ ዝበለ መከራ ኣብ ምድሪ ኸም ዚመጽእ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ: ኣብ ሾብዓተ: ኤረ ኣብ ሾሞንተ ምቐሎ።” እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ዕርክነት እውን ክውዕል ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ምስ ብዙሓት ሰባት ዕርክነት እንተ​ድኣ መስሪትካ ገለ ጸገም ከጋጥመካ ኸሎ ገለ ኻብኦም ክሕግዙኻ ክመጹ ኢዮም።

ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ብኻልእ መገዲ እውን ዕቝባ ክዀኑኻ ይኽእሉ ኢዮም። ምሳሌ 27:⁠6 “ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ” ትብል። ዝንእዱኻ ሰባት ብዙሓት እኳ እንተዀኑ: ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ጥራይ ኢዮም ብዛዕባኻ ተገዲሶም ዘሎካ ጕድለት ብምንጋር ብፍቕራዊ መገዲ ሃናጺ ሓሳብ ዝህቡኻ።​—⁠ምሳሌ 28:⁠23

ሕያዎትን ናይ ማሕርሮን ኣዕሩኽ ካብ መንጎ እቶም ኣባኻ ኣወንታዊ ጽልዋ ክገብሩ ዝኽእሉ ሳሕቲ ዝርከቡ ህያባት ኢዮም። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 10 ብዛዕባ እቲ ጸሎቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሰማዕነት ከም ዝረኸበ ብመልኣኽ እተነግሮ ሓለቓ ሰራዊት ሮሜ ዝነበረ ቆርኔሌዎስ ዝገልጽ ዛንታ ንረክብ ኢና። ሃዋርያ ጴጥሮስ ክበጽሖ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ነቶም ‘ኣዝማዱን ዝቐርብዎ ፈተውቱን ኣኪቡ’ ተጸበዮ። እቶም ናይ ቀረባ ፈተውቲ ቆርኔሌዎስ ካብ መንጎ እቶም ብስራት ተቐቢሎም ብመንፈስ እተቐብኡ እሞ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ክገዝኡ ተስፋ ዘለዎም ናይ መጀመርታ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ክዀኑ ኸኣሉ። እዝስ ነቶም ናይ ቀረባ ፈተውቲ ቆርኔሌዎስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ ነይሩ!​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠24, 44

እንተ​ዀነ ግን: ከመይ ኢልካ ኢኻ ኣዕሩኽ ከተጥሪ እትኽእል፧ እቲ ንዕርክነት ዝምልከት ብዙሕ ሓሳባት ዝሓዘ መጽሓፍ ቅዱስ ተግባራዊ ምኽሪ ዝህብ ኢዩ። (ኣብዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ሳጹን ርአ።)

ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ክትረኽበሉ እትኽእል ቦታ

ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከተጥርየሉ እትኽእል ዝበለጸ ቦታ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኢዩ። ቀዳማይ ነገር ነቲ ንገዛእ ርእስኻ ምስቲ ፈጣሪኻን ሰማያዊ ኣቦኻን ዝዀነ የሆዋ ከምኡውን መድሓኒኻ የሱስ ክርስቶስ ዕርክነት ንምጥራይ እትረኽቦ ኣጋጣሚ ክትጥቀመሉ ኢኻ። እቲ ዓርኩ ክትከውን ዝዕድመካ ዘሎ የሱስ “ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ: ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን” ኢሉ ኣሎ። (ዮሃንስ 15:13, 15) ምስ የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ዕርክነት ብምግባር “ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም” ከም ዝቕበሉኻ ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። እወ: ምስ የሆዋን የሱስን ዕርክነት ምግባር ናይ ዘለኣለም ህይወት ማለት ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 16:⁠9፣ ዮሃንስ 17:⁠3

ምስኦም ምዉቕ ዕርክነት ክህልወካ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ኣብ ድንኳን የሆዋ ንምሕዳር እንታይ ከም ዘድሊ ኣብ መዝሙር 15 ተዘርዚሩ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልካ ነተን ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ ቍጽርታት ኣንብበን። ኣብ ርእሲ እዚ የሱስ “ንስኻትኩም እዚ ዝአዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም: ኣዕሩኸይ ኢኹም” ኢሉ ኣሎ።​—⁠ዮሃንስ 15:14

ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ዘሎ መምርሒ ብትግሃት ብምጽናዕን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ዓርኪ የሆዋን የሱስን ክትከውን ከም እትደሊ ተርኢ ኢኻ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዕርክነት ንምጥራይ ኣብቲ ፍልጠት የሆዋ ዝርከቦ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታዊ ኴንካ ምክፋል እውን የድልየካ። ብተኣማንነት ንየሆዋ ጽን ኢልካ ስምዓዮ እሞ ናብኡን ናብ ወዱን ኣጸቢቕካ ክትቀርብ ኢኻ።

ኣብ ኣኼባታት ምስቶም ንየሆዋ ዘፍቅሩ ከምኡውን ከም ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይኣኽለኒ ምባል ዝኣመሰለ ፍረ መንፈስ ኣብ ህይወቶም ዘንጸባርቑ ሰባት ክትራኸብ ኢኻ። (ገላትያ 5:⁠22, 23) ጽምዋ ኣወጊድካ ኣዕሩኽ ንምጥራይ ብርቱዕ ሃንቀውታ እንተ​ድኣ ኣልዩካ ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዝግበር ክርስትያናዊ ኣኼባታት ተኻፈል። ከምዚ ምግባር ምስቶም እተባረኹ ህዝቢ ኣምላኽ ዕርክነት ንምዅስኳስ ኣብቲ ልክዕ ቦታ ኣብቲ ልክዕ ግዜ ክትህሉ ኢኻ።

ናይ ዘለኣለም ኣዕሩኽ

ሓቀኛ ዕርክነት ዘደንቕ ዝዀነ ውህበት የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ። ካብ ባህርያቱን መንነቱን ዝምንጭ ኢዩ። ናይ ፍቕርን ልግስን መንፈስ ዘለዎ ብምዃኑ ንምድሪ ኣዕሩኽ ክዀኑኻ ብዝኽእሉ መስተውዓልቲ ፍጡራት መሊእዋ ኣሎ። ምስ ክርስትያናት ብጾት ሕበር። ኣተባብዓዮም። ምስኦም ሓቢርካ ኣገልግል። ምስኦም ኴንካን ምእንትኦምን ስርዓታዊ ዄንካ ጸሊ። ድሕርዚ ንየሆዋን ንወዱ የሱስ ክርስቶስን ክትመስሎም ኢኻ።

ዕርክነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክህቦን ክቕበሎን ዝኽእል ውህበት ኢዩ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኣዕሩኽትኻ ከተብዝሓሉ እትኽእል ኣጋጣሚ ክትረክብ ኢኻ። ምስዞም ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት: ከምኡውን ምስቶም ብሞት ደቂሶም ኣብቲ ‘ሞት ዘይኰነሉ’ ግዜ ክትንስኡ ዝጽበዩ ዘለዉ ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት ዝነበሩ ሰባት ዕርክነት ክትምስርት ኢኻ። (ራእይ 21:⁠4፣ ዮሃንስ 5:⁠28, 29) ሕጂ ምቕሉል ንምዃን ጸዓር: ምስቶም ንየሆዋ ዘፍቅሩ ሰባት ድማ ተዓራረኽ። ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ብምስማዕ ምስ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ዕርክነት ክትምስርት ጸዓር። ድሕርዚ ንዘለኣለም ጽምዋ ዝበሃል ፈጺሙ ኣይክስመዓካን ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ነባሪ ዕርክነት ንምጥራይ ዝሕግዝ ሽዱሽተ ነጥብታት

1. ዓርኪ ኹን። ኣብርሃም ነቕ ዘይትብል እምነት ስለ ዝነበረቶ “ዓርኪ የሆዋ” (NW  ) ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ያእቆብ 2:⁠23) እንተ​­ዀነ ግን: ዓርኪ የሆዋ እተባህለሉ ካልእ ተወሳኺ ምኽንያት እውን ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብርሃም ንኣምላኽ ይፈትዎ ከም ዝነበረ ይገልጽ። (2 ዜና መዋእል 20:⁠7) ተበግሶ ወሲዱ ስምዒቱ ንየሆዋ ገሊጽሉ ኢዩ። (ዘፍጥረት 18:⁠20-33) ናይ ዕርክነትካ መረጋገጺ ንምቕራብ ተበግሶ ምውሳድ ከድሊ ኢዩ። የሱስ “ሀቡ ኺውሀበኩም እዩ” ኢሉ ኣሎ። (ሉቃስ 6:38) ንኻልእ ምሕጋዝ ወይ ምድጋፍ ድልዱል ዕርክነት ንምምስራት መበገሲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ራልፍ ዋልዶ ኢመርሰን እተባህለ ኣመሪካዊ ጸሓፊ ሓደ ግዜ “ዓርኪ ንምጥራይ እንኮ መገዲ ዓርኪ ምዃን ኢዩ” በለ።

2. ዕርክነት ንምዅስኳስ ግዜ መድብ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ካብ ዕርክነት ዝርከብ ረብሓታት ሃረር ኢዮም ዝብልዎ። እንተ​­ዀነ ግን: ንዕኡ ንምጥራይ ዝኸውን እኹል ግዜ ኣይረኽቡን ኢዮም። ሮሜ 12:⁠15, 16 ኣብ ሓጐስን ዓወትን: ጓህን ተስፋ ምቝራጽን ናይ ካልኦት ክንካፈል ተተባብዓና ኢያ። ከምዚ ትብል:- “ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ: ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ: ንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ።” የሱስ ክርስቶስ ብስራሕ ትሑዝ እኳ እንተነበረ ምስ ኣዕሩኽቱ ዘሕልፎ ግዜ ነይርዎ ኢዩ። (ማርቆስ 6:⁠31-34) ዕርክነት ከም ሓንቲ ተኽሊ ንኽዕንብብን ንኽስስንን ማይ ምስታይን ምዅስኳስን የድልዮ ኢዩ​—⁠እዚ ኸኣ ግዜ ዝወስድ ኢዩ።

3. ካልኦት ክዛረቡ ኸለዉ ጽን ኢልካ ስምዓዮም። ጽን ዝብሉ ንፉዓት ሰማዕቲ ብቐሊሉ ኣዕሩኽ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ወደ መዝሙር ዝነበረ ያእቆብ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ . . . ይኹን” ኢሉ ኣሎ። (ያእቆብ 1:19) ምስ ካልኦት ሰባት ክትዘራረብ ከሎኻ ኣብ ስምዒቶም ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ንኽዛረቡ ኣተባብዓዮም። ንኸተኽብሮም ተበግሶ ውሰድ። (ሮሜ 12:⁠10) ድሕርዚ ምሳኻ ክቐርቡ ክደልዩ ኢዮም። ኣብ ዝዀነ ይኹን ዕላል ትዕብልል እንተ​­ድኣ ዄንካ ወይ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ብተደጋጋሚ ትዛረብ እንተ​­ድኣ ዄንካ ዝሰምዓካ ወይ ብዛዕባ ስምዒታትካን ድሌታትካን ዝሓሊ ሰብ ንምርካብ ክኸብደካ ኢዩ።

4. ይቕረ በሃሊ ኹን። የሱስ ሓደ ግዜ ንጴጥሮስ “ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ” ይቕረ ንምባል ድልዊ ክኸውን ነጊርዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 18:21, 22) ናይ ሓቂ ዓርኪ ንናእሽቱ ጌጋታት ሸለል ኢልዎ ኢዩ ዝሓልፍ። ብኣብነት ንምብራህ:- ገሊኦም በለስ ደቀቕቲ ፍረታት ስለ ዘለዎ ኣይፈትውዎን ይዀኑ። እቶም በለስ ዝፈትዉ ሰባት ግን ደቀቕቲ ፍረታት ከም ዘለዎ እውን ኣየስተብህልሉን ኢዮም። ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከኣ በቲ ዘለዎም ጽቡቕ ባህርያት ኢዮም ዝፍተዉ፣ እቲ ንኣሽቱ ጕድለታቶም ሸለል ተባሂሉ ኢዩ ዝሕለፍ። ጳውሎስ “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: . . . ይቕረ ተባሃሀሉ” ብምባል ተማሕጺኑ ኣሎ። (ቈሎሴ 3:13) እቶም ይቕረ በሃልቲ ኣዕሩኽቶም ዓቂቦም ኢዮም ዝነብሩ።

5. ናይ ካልኦት ብሑትነት ኣኽብር። ኣዕሩኽትኻ እውን ሓዊስካ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብእተወሰነ ደረጃ ብሑትነት ይደሊ ኢዩ። ምሳሌ 25:⁠17 ጥበብ ብዘለዎ መገዲ “ብጻይካ ኸይመንወካ እሞ ከይጸልኣካስ: ናብ ቤቱ እግርኻ ኣይተዘውትር” ብምባል ትገልጽ። ስለዚ ኸኣ ናብ ኣዕሩኽትኻ እትኸዶ ብዝሕን ንውሓትን ምኽንያታዊ ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ናብ ቅንኢ ክመርሕ ዝኽእል ነዕሩኽትኻ ንበይንኻ ጥራይ ክትሕዞም ናይ ምድላይ ባህርይ ኣወግድ። ብዛዕባ እትፈትዎ ነገራትን ኣብ ገለ ነገራት ዘሎካ ርእይቶን ክትገልጽ ከሎኻ መስተውዓሊ ኹን። እዚ ዘሐድስን ባህ ዘብልን ዕርክነት ንምጥራይ ኣበርክቶ ዝገብር ኢዩ።

6. ለጋስ ኩን። ዕርክነት ብልግሲ ኢዩ ዝዅስ​­ኰስ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ለጋሳትን መማቐልትን [ኩኑ]” ብምባል ምዒዱ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 6:18) ንኣብነት: ንኻልኦት ብቓላትካ ኣተባብዓዮም። (ምሳሌ 11:⁠25) ብቕንዕና ንምንኣድን ሃናጺ ዕላል ንምዕላልን ኣይትሰከፍ። ኣብ ድሕንነት ካልኦት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ከተርኢ ኸሎኻ ናባኻ ክቐርቡ ኢዮም። ኣብቲ ንዓኻ ክገብሩልካ ዝኽእሉ ነገራት ኣብ ክንዲ ምትኳር ኣብቲ ንስኻ እተገብረሎም ነገራት ኣተኵር።