ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክትኣምኖ ዝግብኣካ ድዩ፧

ክትኣምኖ ዝግብኣካ ድዩ፧

ክትኣምኖ ዝግብኣካ ድዩ፧

 እቲ ወዲ 12 ዓመት ተማሃራይ ነቲ መሰረታዊ ሕግታት ኣልጀብራ ንኽርዳእ ይጽዕር ነበረ። ናይ ክፍሊ መምህሮም ነቶም ተማሃሮ ቅኑዕ ዝመስል ናይ ኣልጀብራ ቀመር ኣርኣዮም።

“ሀ=ለ ንበል: ነፍሲ ወከፉ ኸኣ 1 ይተመን” ብምባል ጀመረ።

እቲ ተማሃራይ ከኣ ብሓሳቡ ‘ሕራይ’ እናበለ ንነፍሲ ወከፍ ደረጃ ናይቲ ቐመር ይከታተሎ ነበረ።

እቲ መምህር ድሕሪ ኣርባዕተ ርትዓዊ ዝመስል ደረጃ ቐመር “እምበኣርከስ: 2=1!” ኣብ ዝብል ዘደንጹ ውጽኢት በጽሐ።

ነቶም ተደናጊርዎም ዝነበሩ ተማሃሮኡ ኸኣ “እዚ ጌጋ ምዃኑ እስከ ኣረጋግጹ” በሎም።

እቲ ንእሽቶ ተማሃራይ በቲ ዝነበሮ ውሱን ፍልጠት ኣልጀብራ ገይሩ እዚ ውጽኢት እዚ ጌጋ ምዃኑ ከረጋግጽ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ናይቲ ቐመር ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ ኢዩ ዝመስል ነይሩ። ነዚ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ውጽኢት እሞ ክኣምኖ ይግባእዶ፧ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ መምህሩ ብሕሳብ ካብኡ ንላዕሊ ፈላጥ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ክኣምኖ ኣይግባእን ኢዩ! ‘ጌጋ ምዃኑ ከረጋግጾ ኣየድልየንን ኢዩ’ ብምባል ድማ ሓሰበ። ‘እዚ ትርጕም ኣልቦ ምዃኑ ይርድኣኒ ኣሎ’ በለ። (ምሳሌ 14:⁠15, 18) መምህሩ ወይ ዝዀነ ይኹን ካብ ደቂ ኽፍሉ ክልተ ቕርሺ ብሓደ ቕርሺ ዘሽርፍ ከም ዘይርከብ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ!

ድሕሪ ገለ ግዜ እዚ ናይ ኣልጀብራ ተማሃራይ እዚ ኣብቲ ኣቀማምራ ጕድለት ከም ዝነበረ ተረዲኡ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን እቲ ተመክሮ ሓደ ጠቓሚ ትምህርቲ ኣስኒቕዎ ኢዩ። ኣዝዩ ብሉጽ ፍልጠት ዘለዎ ሰብ ብጥንቃቐ እተኣልመ: ዘተሓታትት ከኣ ዘይመስል ጭብጥታት ኣብ ዘቕርበሉ ግዜ እውን ከይተረፈ ሓደ ሰማዒ ኣብቲ ነዚ ጭብጥታት እዚ ጌጋ ምዃኑ ከረጋግጽ ዘይክእለሉ ኵነታት ስለ ዘሎ ጥራይ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስራሕ ዓያሱ ዝዀነ መደምደምታ ምእማን ኣየድልዮን ኢዩ። ብርግጽ እቲ ተማሃራይ ነቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 4:⁠1 ዘሎ ንዅሉ እቲ ካብ ወግዓዊ ምንጪ ዝመጽእ ሓበሬታ እውን ከይተረፈ ብሃውሪ ክትኣምኖ ኸም ዘይብልካ ዝገልጽ ተግባራዊ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ዝስዕብ ነይሩ።

እዚ ግን ኣብቲ ድሮ ሒዝካዮ ዘሎኻ ሓሳብ ብትሪ ኽትነቅጽ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ግጉይ ኣረኣእያ ንኸተዐሪ ዝሕግዘካ ሓበሬታ ንዘይምቕባል ኣእምሮኻ ምዕጻው ንባዕሉ ጌጋ ኢዩ። ይኹን እምበር: ካብ ሓደ ዝለዓለ ፍልጠት ወይ ድማ ዝለዓለ ቦታ ኸም ዘለዎ ዝዛረብ ኣካል ጸቕጢ ስለ እተገብረልካ ‘ካብ ኣእምሮኻ ቀልጢፍካ ኽትነቓነቕ’ የብልካን። (2 ተሰሎንቄ 2:⁠2) ርግጽ ኢዩ እቲ መምህር ንተማሃሮኡ የዐሽዎም ኢዩ ነይሩ። እንተ​ዀነ ግን: ሓድሓደ ግዝያት ዘይቅኑዕ ነገራት ይኽሰት ኢዩ። ‘ብምፍሓስ ስሕተት’ ኣዝዮም ‘ተተናዀልቲ’ ዝዀኑ ሰባት ከጋጥሙና ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠14፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:⁠14, 23, 24

ምሁራት ወርትግ ልክዕ ድዮም፧

ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓውዲ ዘለዉ ምሁራት ክሳዕ ክንደይ በላሕቲ ይኹኑ ብዘየገድስ ኣብ ንሓድሕዶም ዘይሰማምዕሉ ሓሳባትን ተቐያያሪ ዝዀነ ርእይቶታትን ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ መበገሲ ሕማም እንታይ ምዃኑን ብዛዕባ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣብ ስነ⁠-​ፍልጠት ሕክምና መሰረታዊ ዝዀነ ነገራትን ዝካየድ መዕለቢ ዘይተረኽቦ ክርክራት ርአ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ሓደ ናይ መድሃኒት ፕሮፈሰር ኣብ ጽሕፉ “ሕማም ኣብ ምምጻእ ቀንዲ ረቛሒ ተፈጥሮኣዊ ውርሻና ድዩ ወይስ ኣከባቢና ንሊቃውንቲ ኣርእስቲ ርሱን ክትዕ ኢዩ ዀይንዎም ዘሎ” ብምባል ይገልጽ። እቶም ዝዀነ ይኹን ተግባርን ነገርን ኣቐዲሙ ኸም እተወሰነ ዝኣምኑ ሰባት: ጂን ንእተፈላለየ ሕማማት እተቓላዕና ኣብ ናይ ምዃን ኵነታት ዓቢ ተራ ኸም ዘለዎ ኣዐርዮም ኢዮም ዝኣምኑ። ካልኦት ከኣ ኣከባብን ኣገባብ ኣነባብራን እቶም ኣብ ስነ⁠-​ሕማም ብቐዳምነት ዝስርዑ ረቛሒታት ምዃኖም ይማጐቱ። ክልቲኦም ወገናት ንመጐተኦም ዝድግፍ መጽናዕትታትን ኣሃዛዊ ጸብጻባትን ኣብ ምጥቃስ ስሉጣት ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን: እቲ ኽትዕ ገና መዕለቢ ኣይረኸበን።

መብዛሕትኦም ውሩያት ፈላስፋታት ዝምህርዎ ዝነበሩ ትምህርቲ ኣብ እዋኖም ዘተሓታትት ዘይመስል እኳ እንተ ነበረ: ግጉይ ምዃኑ ግን ብተደጋጋሚ ኢዩ ዝረጋገጽ ዘሎ። በርትራንድ ራስል እተባህለ ፈላስፋ ብዛዕባ ኣሪስቶትል ክዛረብ ከሎ “ካብ ኵሎም ፈላስፋታት ንላዕሊ ሓያል ጽልዋ ዝነበሮ” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ይኹን እምበር: ራስል መብዛሕትኡ ናይ ኣሪስቶትል ሰረተ⁠-​እምነት “ምሉእ ብምሉእ ሓሶት” ምንባሩ እውን ሓቢሩ ኣሎ። “ብዘይ​ምግናን ኵሉ እቲ ኣብዚ ዘመናዊ እዋን ኣብ ስነ⁠-​ፍልጠት: ስነ⁠-​መጐት: ወይ ድማ ኣብ ፍልስፍና እተመዝገበ ሓድሽ ምዕባለታት ካብ ደቀ መዛሙርቲ ኣሪስቶትል ቀጥታዊ ተቓውሞ ኣጓኒፍዎ ኢዩ” ብምባል ጸሓፈ።​—⁠ሂስትሪ ኦቭ ዌስተርን ፊሎሶፊ (እንግሊዝኛ)

“ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ”

ቀዳሞት ክርስትያናት ምስ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ከም በዓል ሶቅራጠስ: ፕላቶ: ኣሪስቶትል ዝኣመሰሉ ውሩያት ፈላስፋታት ግሪኽ ይራኸቡ ነይሮም ኢዮም። ኣብተን መዓልትታት እቲኣተን ዝነበሩ ምሁራት ንመብዛሕትኦም ክርስትያናት በእምሮ ኸም ዝበልጽዎም ገይሮም ኢዮም ዝሓስቡ ዝነበሩ። መብዛሕትኦም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ “ብስጋ ለባማት” ከም ዘይኰኑ ኢዩ ዝቝጸር ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 1:⁠26) አረ እቶም ፍልስፍና ናይቲ እዋን እቲ እተማህሩ ሰባትሲ ንእምነት ክርስትያናት ከም “ዕሽነት” ወይ ድማ ከም “ሃጠው ቀጠው” ኢዮም ዝሓስብዎ ነይሮም።​—⁠1 ቈረንቶስ 1:⁠23 ፊሊፕስ

ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነይርካ እንተ ትኸውን: በቲ ናይቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ምሁራት ዘቕርብዎ ቃል ቅብጥር ወይ ድማ በቲ ናይ ርኣዩለይ ጥበቦም ምተመሰጥካዶ፧ (ቈሎሴ 2:⁠4) ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ዝበሎ ከቶ እትምሰጠሉ ምኽንያት የልቦን። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ‘ጥበብ ጠቢባን ከምኡውን ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲ’ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዕሽነት ምንባሩ ጳውሎስ ንክርስትያናት ኣዘኻኺርዎም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 1:⁠19) “ፈላስፋታት: ጸሓፍቲ: ከምኡውን ተንተንቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ንዅሉ ጥበቦም ከርእይኹም ትጽበዩ ኣሎኹም፧” ዝብል ሕቶ ድማ ኣቕረበ። (1 ቈረንቶስ 1:⁠20 ፊሊፕስ) እቶም ኣብ ግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ፈላስፋታት: ጸሓፍቲ: ከምኡውን ተንተንቲ ክሳዕ ክንደይ በላሕቲ ምንባሮም ብዘየገድስ ንግድላት ወድሰብ ዝኸውን መፍትሒ ክህቡ ግን ኣይከኣሉን።

ስለዚ ክርስትያናት እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ከወግድዎ ዝነግሮም ዝነበረ ነገር ‘ብሓሶትሲ ፍልጠት ተባሂሉ ዘሎ ክትዕ’ ምንባሩ ተማሂሮም ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠20) ጳውሎስ ነዚ ፍልጠት እዚ ‘ሓሶት’ ኢሉ ዝጸውዓሉ ምኽንያት ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ረቛሒ ይጐድሎ ስለ ዝነበረ ኢዩ፣ እዚ ረቛሒ እዚ ኸኣ እቲ ዘቕርብዎ ክልሰ⁠-​ሓሳብ ክረጋገጸሉ ዝከኣል ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ምንጪ ወይ መወከሲ ኢዩ። (እዮብ 28:⁠12፣ ምሳሌ 1:⁠7) ኣብ ርእሲ እዚ ጕድለት እዚ ኸኣ እቲ ቐንዲ መታለሊ ዝዀነ ሰይጣን ኣዒርዎም ስለ ዝነበረ: እቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ዝጠብቁ ሰባት ንሓቂ ክረኽብዋ ምንም ተስፋ ኣይነበሮምን።​—⁠1 ቈረንቶስ 2:⁠6-8, 14፣ 3:⁠18-20፣ 2 ቈረንቶስ 4:⁠4፣ 11:⁠14፣ ራእይ 12:⁠9

መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠መንፈስ ዝነፈሶ መምርሒ

እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣምላኽ ንፍቓዱ: ዕላምኡ: ከምኡውን ንስርዓታቱ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዝገለጾ ምንም ተጠራጢሮም ኣይፈልጡን ኢዮም ነይሮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17) እዚ ኸኣ ‘ብልማድ ሰብ ብጥበብ ዓለምን ከንቱ ምጥባርን ከይማረኹ’ ኣዕቊብዎም ኢዩ። (ቈሎሴ 2:⁠8) ሎሚውን ተመሳሳሊ ዅነታት ኢዩ ዘሎ። መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ከምቲ ሰባት ዝህብዎ ዘደናግርን ኣብ ንሓድሕዱ ዝጋጮን ርእይቶ ዘይኰነስ መሰረት እቲ እንኣምኖ ነገር ከነንብረሉ እንኽእል ጥጡሕ ባይታ ዘንጽፍ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:⁠17፣ 1 ተሰሎንቄ 2:⁠13፣ 2 ጴጥሮስ 1:⁠21) እዚ ምድላው እዚ እንተ ዘይህልወና ነይሩ ነቲ እንድገፎ ዓንዲ ኣብቲ ልክዕ ከም ሑጻ ንየው ነጀው ዝብል ሰብኣዊ ክልሰ⁠-​ሓሳባትን ፍልስፍናታትን ምተኸልናዮ ነይርና።​—⁠ማቴዎስ 7:⁠24-27

ይኹን እምበር ‘ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጌጋ ኸም ዘሎ እሞ ካብቲ ወትሩ ዝቀያየር ናይ ሰባት ፍልስፍና ንላዕሊ ትውክልቲ ኽግበረሉ ኸም ዘይከኣል: ስነ⁠-​ፍልጠታዊ ጭብጥታት ኣየረጋገጾን ድዩ፧’ ኢሉ ዝሓትት ሰብ ይህሉ ይኸውን። ንኣብነት: በርትራንድ ራስል ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ተዛረበ:- “ኮፐርኒከስ: ከፕለር: ከምኡውን ጋሊለዮ እቲ ምድሪ ናይ ኣድማስ ማእከል ከም ዘይኰነት ዝገልጽ ኣረኣእያኦም ተቐባልነት ምእንቲ ኽረክብ ንኣሪስቶትልን ንመጽሓፍ ቅዱስን ክነጽግዎም ተገዲዶም ኢዮም።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብዚ ሕጂ ምድሪ ንባዕላ ብቢልዮናት ዓመታት ዝቝጸር ዕድመ ኸም ዘለዋ ዝሕብር ጭብጥታት ተረኺብሉ ዘሎ እዋን እውን ከይተረፈ ብፍጥረት ዝኣምኑ ሰባት ትርር ኢሎም መጽሓፍ ቅዱስ ምድሪ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ናይ 24 ሰዓት መዓልቲ ኸም እተፈጥረት ኢዩ ዝምህር ምባሎም ከም ኣብነት ዝጥቀስዶ ኸይኰነ፧

ከም ሓቁ ኽንርእዮ እንተ​ድኣ ዄንና መጽሓፍ ቅዱስ ንምድሪ ናይ ኣድማስ ማእከል ገይሩ ኣይገልጻን ኢዩ። እዚ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዘይስዕቡ ዝነበሩ መራሕቲ ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት ዝምህርዎ ዝነበሩ ትምህርቲ ኢዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዋሂቡ ዘሎ ናይ ፍጥረት ጸብጻብ ነቲ ምድሪ ናይ ቢልዮናት ዓመታት ዕድመ ኸም ዘለዋ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣይነጽጎን ኢዩ ጥራይ ዘይኰነስ ንነፍሲ ወከፍ ናይ ፍጥረት መዓልቲ ኸኣ ኣብ ናይ 24 ሰዓት ንውሓት ኣይሓጽራን ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:⁠1, 5, 8, 13, 19, 23, 31፣ 2:⁠3, 4) ምንም እኳ ናይ ስነ⁠-​ፍልጠት መምሃሪ መጽሓፍ እንተ ዘይኰነ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቕንዕና እተገብረ ገምጋም ከም ዝሕብሮ ግን ትሕዝትኡ “ሃጠው ቀጠው” ኣይኰነን። ወዮ እኳ ድኣስ ምስቲ ሓቀኛ ምዃኑ ዝረጋገጸሉ ስነ⁠-​ፍልጠት ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ ኢዩ። a

“ኣእምሮ”

መብዛሕትኦም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምናልባት ውሱን ደረጃ ትምህርቲ ዝነበሮም ተራ ሰብኡትን ኣንስትን እኳ እንተ ነበሩ: ኣምላኽ ንኽጥቀምሉ ዝሃቦም ካልእ ጸጋ ነይርዎም ኢዩ። ኣተዓባብያኦም ብዘየገድስ: ኣእምሮን ናይ ምሕሳብ ክእለትን ነይርዎም ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ‘እቲ ሰናይን ባህ ዘብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽምርምሩ ንኣእምሮኦም’ ምሉእ ብምሉእ ክጥቀምሉ ንክርስትያናት ብጾቱ ኣተባቢዕዎም ኢዩ።​—⁠ሮሜ 12:⁠1, 2

ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም “ኣእምሮ” ተጠቒሞም ምስ ቃል ኣምላኽ ዘይሰማማዕ ዝዀነ ይኹን ፍልስፍና ወይ ድማ ምህሮ ምንም ረብሓ ክርከቦ ኸም ዘይከኣል ተገንዚቦም ኢዮም። ኣብ ሓድሓደ ኣጋጣሚታት ከኣ እሞ እቶም ኣብ ግዜኦም ዝነበሩ ገለ ለባማት ሰባት ‘ነታ ሓቂ ከዲኖምዋ’ ከምኡውን ኣምላኽ ከም ዘሎ ንዝሕብር ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ መርትዖታት ጐስዮምዎ ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ “ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ” ብምባል ጸሓፈ። ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላምኡን ዝገልጽ ሓቂ ስለ ዝነጸግዎ “ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ: እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ።”​—⁠ሮሜ 1:⁠18-22፣ ኤርምያስ 8:⁠8, 9

እቶም ለባማት ኢና በሃልቲ መብዛሕትኡ ግዜ ከም “ኣምላኽ የልቦን” ወይ “መጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ዘይከኣል ኢዩ” ወይ “ሕጂ ኣብተን ‘ዳሕሮት መዓልትታት’ ኣይኰንናን ዘሎና” ዝብል ባዕሎም ዝደምደምዎ ሓሳባት ሒዞም ኢዮም ዝቐርቡ። እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ “2=1” ኢልካ ናብ ምድምዳም ዝመርሕ ዕሽነት ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 3:⁠19) ሰባት ንገዛእ ርእሶም ኣበየናይ ክብ ዝበለ ቦታ የደይብዋ ብዘየገድስ: እቲ ባዕሎም ኣብ መደምደምታ በጺሖም ዘቕርብዎ ሓሳብ ምስ ኣምላኽ ዝጋጮ: ንቓሉ ዕሽሽ ዝብል: ከምኡውን ምርዳእካ ዝደፍን እንተ​ድኣ ዀይኑ ከቶ ኽትቅበሎ የብልካን። ጐደና ለባማት ነቲ “ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ: ኵሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ምዃኑ ይረኸብ” ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ዘረጋግጾ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 3:⁠4

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዝርዝር ሓበሬታ ትደሊ እንተ​ድኣ ዄንካ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ ኣብ እተሓትማ ዘ ባይብል​—⁠ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ፧ ከምኡውን ኢዝ ዘር አ ክርኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ ዝብላ መጻሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ተመልከት።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ተቐያያሪ ዝዀነ ርእይቶታት ደቅሰብ ዘይኰነስ መሰረት ናይቲ እንኣምኖ ነገር ከነንብረሉ እንኽእል ጥጡሕ ባይታ ዘንጽፍ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ጸጋም: ኤጲቁሬዎስ:- Photograph taken by courtesy of the British Museum; ኣብ ላዕሊ ማእከል: ፕላቶ:- National Archaeological Museum, Athens, Greece; የማን: ሶቅራጠስ:- Roma, Musei Capitolini