ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ንህዝቡ ዕረፍቲ ይህብ

የሆዋ ንህዝቡ ዕረፍቲ ይህብ

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

የሆዋ ንህዝቡ ዕረፍቲ ይህብ

ጎቦ ክትድይብ ከለኻ ዝጸንሓካ ጽላል ዘለዎ መዕረፊ ንሓደ ዝደኸመ ገያሻይ ባህ ኢዩ ዘብሎ። ኣብ ኔፓል ከምዚ ዝበለ መዕረፊ ቻውታራ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከምቲ ልሙድ ቻውታራ ንኾፍ መበልን ንመዕረፍን ክኸውን ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ ልሙዕ ባንያን ዝብሃል ገረብ ኢዩ ዝቕመጥ። ምድላው ቻውታራ ምልክት ሕያውነት ክኸውን ከሎ መብዛሕትኦም ነዚ ዘዳልውዎ ሰባት መን ምዃኖም ኣይፍለጡን ኢዮም።

ኣብ ኔፓል እተረኽበ ተመክሮ ከም ዝሕብሮ የሆዋ ነቶም ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዝደኸሙ ብዙሓት “ገየሽቲ” ከመይ ኢሉ ምንጪ ናይ ሓጐስን መንፈሳዊ ምሕዳስን ከም ዝዀነ የርእየና።​—⁠መዝሙር 23:2

• ሊል ኩማሪ ኣብታ ዝማርኽ ትርኢት ናይቲ ብበረድ እተሸፈነ ኣኽራናት ሂማልያ ዘለዋ ጽብቕቲ ከተማ ፖካራ ኢያ እትነብር። እንተ​ዀነ ግን ቁጠባዊ ኵነታት ስድራ​ቤታ የጨንቓ ስለ ዝነበረ ብሩህ መጻኢ ተስፋ ኣይነበራን። ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ በጽሓታ በቲ ብሩህ ተስፋ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተደሪኻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽግበረላ ሓተተት።

ሊል ኩማሪ በቲ ዝግበረላ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ሕጕስቲ እኳ እንተ ነበረት ብርቱዕ ናይ ስድራ​ቤት ተቓውሞ የጋጥማ ስለ ዝነበረ ግን ተጸሚማ ኽትቅጽል ቀሊል ኣይነበረን። ንሳ ግን ኣየቋረጸትን። ስርዓታዊት ኰይና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ትሳተፍን ነቲ እተማሃረቶ ብፍላይ ከኣ ነቲ ከም በዓልቲ ቤት መጠን ከተርእዮ ዘለዋ ተኣዛዝነት ኣብ ግብሪ ተውዕሎን ነበረት። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ሰብኣያን ኣዲኣን: እቲ ሊል ኩማሪ እትገብሮ ዝነበረት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምልእቲ ስድራ​ቤት ከም ዝጠቕማ ክግንዘቡ ጀመሩ።

ሕጂ ሰብኣያን ሓያሎ ካብ ኣዝማዳን ቃል ኣምላኽ የጽንዑ ኣለዉ። ኣብዚ ዝሓለፈ ቐረባ እዋን ኣብ እተገብረ ኣሰምብሊ ሊል ኩማሪ ምስ 15 ኣዝማዳ ዀይና ኣብቲ ፕሮግራም ተኻፊላ ኢያ። ንሳ “ስድራ​ቤትና ሕጂ ኣብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ስለ ዝሓበረት ገዛይ ዕረፍቲ ዝመልኦ ዀይኑ ኣነ ኸኣ ናይ ሓቂ ኣእምሮኣዊ ሰላም ረኺበ” ትብል።

• ማሕበራዊ ምፍልላይ ኣብ ኔፓል ዘይሕጋዊ እኳ እንተ​ዀነ ገና ግን ኣብ መነባብሮ ሰባት ሓያል ጽልዋ ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ብዙሓት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማዕርነትን ኣድልዎ ዘይምርኣይን ዝገልጾ ሓሳባት ክሰምዑ ኸለዉ ተገዳስነት የርእዩ ኢዮም። “ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ” ምስ ተማህሩ ሱርያ ማያን ስድራ​ቤታን ኣብ ናብራ ህይወቶም ዓቢ ለውጢ ገበሩ።​—ግብሪ ሃዋርያት 10:34

ሱርያ ማያ በቲ ኣብ ማሕበራዊ ምፍልላይ ዝንጸባረቕ ዘይፍትሓውነት ከምኡውን በቲ ሱር ዝሰደደ ባህልን ልምድን ትጒሂ ነበረት። ሃይማኖታዊት ስለ ዝነበረት ከኣ ጣኦታታ ንኽሕግዝዋ ንብዙሕ ዓመታት ለሚናቶም ኢያ። ጸሎታ ግን ኣይተመለሰላን። ሓደ መዓልቲ ዓው ኢላ እናለመነት ከላ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ዝዀነት ጓል ጓላ ባቢታ ናብኣ ቀሪባ “ስለምንታይ ኢኺ ክሕግዙኺ ንዘይክእሉ ጣኦታት እትልምኒ፧” ብምባል ሓተተታ።

ኣደ ባቢታ ምስ ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ጀሚራ ነበረት። ባቢታ ንዓባያ ብህንጥዮት ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ክትከይድ ዓደመታ። ሱርያ ማያ ኣብኡ ምስ ተኻፈለት ካብ እተፈላለየ ማሕበራት ዝመጹ ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ብሕማቕ ከይተረኣኣዩ ሓቢሮም ክእከቡ ብምርኣያ ተገረመት። ቀልጢፋ እውን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽግበረላ ሓተተት። ምንም እኳ ጐረባብታ እንተ ኣግለልዋ ኣይጃጀወትን፣ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ክእለታ እውን ውሱን እኳ እንተ ነበረ መንፈሳዊ ዕቤት ንኸይትገብር ዕንቅፋት ኣይኰናን።

ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ሰብኣያን ሰለስተ ደቃን ወሲኽካ ሽዱሽተ ኣባላት ስድራ​ቤታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ሕጂ ሱርያ ማያ ስርዓታዊት ፓይነር ኰይና ንኻልኦት ካብቲ ከቢድ ጾሮም ኣናጊፉ ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ክህቦም ዝኽእል የሆዋ ጥራይ ምዃኑ ንኽፈልጡ ብሓጐስ ትሕግዞም ኣላ።