ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ንድኹም ሓይሊ ይህብ

የሆዋ ንድኹም ሓይሊ ይህብ

የሆዋ ንድኹም ሓይሊ ይህብ

“[የሆዋ ] ንድኹም ሓይሊ ይህብ: ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ።”—⁠ኢሳይያስ 40:⁠29

1. ነቲ ኣብ ፍጥረታት ኣምላኽ ዘሎ ሓይሊ ብመብርሂ ገይርካ ግለጽ።

 የሆዋ ደረት ዘይብሉ ሓይሊ ኣለዎ። ኣብቲ ዝፈጠሮ ነገራት እውን ከመይ ዝበለ ብርቱዕ ሓይሊ ኰን ኢዩ ዘሎ! እታ ኵሉ ነገራት እተሰርሓላ ደቃቕ ኣቶም ኣዝያ ካብ ምድቃቓ እተላዕለ: ኣብ ሓንቲ ንጣብ ማይ ሓደ ሚእቲ ቢልዮን ግዜ ቢልዮን ኣቶም ይርከብ። a ኣብ ምድርና ዘሎ ዅሉ ህይወት ኣብቲ ኣብ ጸሓይ ካብ ዝፍጠር ኣቶማዊ ምብልላዕ ዝወጽእ ጽዓት እተመርኰሰ ኢዩ። ነዚ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት ግን ክንደይ ዝኸውን ካብ ጸሓይ ዝርከብ ጽዓት ኢዩ ዘድልዮ፧ ምድሪ ካብ ብምልኡ እቲ ጸሓይ እተመንጭዎ ጽዓት ኣዝዩ ውሑድ ኢያ እትጥቀም። ይኹን እምበር: እቲ ካብ ጸሓይ ናብ ምድሪ ዝበጽሕ ኣዝዩ ውሑድ ጽዓት ካብቲ ኣብ ዓለም ዝርከባ ኢንዱስትሪታት ብምሉአን ዘህልኽኦ ጽዓት ብኣሽሓት ዝተዓጻጸፍ ኢዩ።

2. ብመሰረቱ ኢሳይያስ 40:⁠26 ብዛዕባ ሓይሊ የሆዋ እንታይ ኢያ እትብል፧

2 ብዛዕባ ኣቶም ኰነ ብዛዕባ እቲ ሰፊሕ ኣድማስ ክንሓስብ ከሎና: በቲ ዘደንቕ ሓይሊ የሆዋ ንምሰጥ ኢና። ስለዚ: የሆዋ ከምዚ ዝስዕብ ምባሉ ዘደንቕ ኣይኰነን:- “ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርአዩ: ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ: በብስሞም ዚጽውዖም እዩ: ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን”! (ኢሳይያስ 40:⁠26) እወ: የሆዋ ‘ዓቢ ምልክን’ ንብምሉኡ ኣብ ኣድማስ ዘሎ ናብ ህላወ ዘምጽአ ‘ብርቱዕ ሓይልን’ ኣለዎ።

ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ሓይሊ የድሊ

3, 4. (ሀ) ከድክመና ዝኽእል ገለ ረቛሒታት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ነየናይ ሕቶ ኢና ክንሓስበሉ ዘሎና፧

3 ኣምላኽ ደረት ዘይብሉ ሓይሊ ክህልዎ ኸሎ: ሰባት ግን ይደኽሙ ኢዮም። ኣብ ዝኸድና ንኺድ ዝደኸሙ ሰባት ኢና እንርኢ። ድኻም እናተሰምዖም ይትስኡ: ንስራሕ ወይ ንቤት ትምህርቲ ድኻም እናተሰምዖም ይኸዱ: ንገዝኦም ደኺሞም ይምለሱ: ከምኡውን ምሸት ደኺሞም ጥራይ ዘይኰነስ ሓይሎም ጽንቅቕ ኢልዎም ይድቅሱ። ገሊኣቶም ናብ ገሊኡ ቦታ ከይዶም ቁሩብ ዕረፍቲ ክረኽቡ ይምነዩ። ኣገልገልቲ የሆዋ ከም ምዃንና መጠን እቲ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዘለዎ ናብራና ተጋድሎ ስለ ዝሓትት ንሕና እውን ንደክም ኢና። (ማርቆስ 6:⁠30, 31፣ ሉቃስ 13:⁠24፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:⁠8) ኣብ ርእሲ እዚውን ካልእ ብዙሕ ረቛሒታት ንሓይልና ይጽንቅቖ ኢዩ።

4 ክርስትያናት እኳ እንተ ዀንና: በቲ ብሓፈሻ ንዅሎም ሰባት ዝወርዶም ጸገማት ንትንከፍ ኢና። (እዮብ 14:⁠1) ሕማም: ቍጠባዊ ውድቀት: ወይ ካልእ ኣብ ናብራ ዘጋጥም ጸገማት ከጕህየናን ተስፋ ከቝርጸናን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ብፍላይ ነቶም ንጽድቂ ክብሉ ዝስጐጉ ሰባት ዝበጽሖም ፈተናታት ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠12፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠14) ብሰንኪ እቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራና ካብ ዓለም ዝወርደና ጸቕጥታትን ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዘጋጥመና ምጽራርን: ገሌና ኣዚና ስለ እንሕለል ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንዝሕትል ዘሎና ኰይኑ ይስምዓና ኢዩ። ብተወሳኺውን: ሰይጣን ድያብሎስ ኣብዚ ጥፍኣቱ ቀሪቡሉ ዘሎ እዋን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ንምብልሻው ዝከኣሎ ዅሉ ይገብር ኣሎ። እሞ ደኣ ንኸይንሕለልን ኣገልግሎትና ንኸይነቋርጽን ዘድልየና መንፈሳዊ ብርታዐ ብኸመይ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧

5. ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንምፍጻም ካብ ሰብኣዊ ሓይሊ ንላዕሊ ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧

5 መንፈሳዊ ብርታዐ ንምርካብ ናብቲ ልዕሊ ዅሉ ሓያል ዝዀነ ፈጣሪና የሆዋ ክንውከል ኣሎና። ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንምፍጻም ካብቲ ዘይፍጹማት ሰባት ዘለዎም ልሙድ ሓይሊ ንላዕሊ ከም ዘድሊ ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር: ካባና ምእንቲ ኸይከውን: እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና።” (2 ቈረንቶስ 4:⁠7) ቅቡኣት ክርስትያናት በቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ብጾቶም እናተሓገዙ ‘ኣገልግሎት ዕርቂ’ ይፍጽሙ ኣለዉ። (2 ቈረንቶስ 5:⁠18፣ ዮሃንስ 10:⁠16፣ ራእይ 7:⁠9) ንሕና ዘይፍጹማት ሰባት ነዚ ዕዮ ኣምላኽ ኣብ እንዓየሉ እዋን ምጽራር ስለ ዘጋጥመና: ብሓይልና ጥራይ ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና። የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ይሕግዘና ኢዩ: በዚ ድማ ብድኻምና ሓይሉ ጐሊሑ ይርአ። በቲ “ንጻድቃን . . . እግዚኣብሄር ይድግፎም እዩ” ዝብል መረጋገጺ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢና እንጸናናዕ!​—⁠መዝሙር 37:⁠17

‘እግዚኣብሄር ሓይልና ኢዩ’

6. የሆዋ ምንጪ ሓይልና ምዃኑ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ኢዩ ዘረጋግጸልና፧

6 ሰማያዊ ኣቦና ‘ብርቱዕ ሓይሊ’ ስለ ዘለዎ ብቐሊሉ ከሐይለና ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝስዕብ ብምባል እውን ተነጊሩና ኢዩ:- “[የሆዋ] ንድኹም ሓይሊ ይህብ: ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ። ኣጕባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን: ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ: እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ: ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን: ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።” (ኢሳይያስ 40:⁠29-31) ዝወርደና ጸቕጥታት እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ: ሓድሓደ ግዜ ከምቲ ኣእጋሩ ረሸሽ ኢልዎ ምቕጻል ዝስእን ጐያዪ ዝስምዖ ክስምዓና ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: እቲ ንህይወት እንገብሮ ቅድድም ክውዳእ ሓጺር ኢዩ ተሪፍዎ ዘሎ: ስለዚ ክንሕለል የብልናን። (2 ዜና መዋእል 29:⁠11) ድያብሎስ እቲ መጻርርትና “ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ” ዀይኑ ይዘውር ኢዩ ዘሎ: ክንሕለል ድማ ኢዩ ዝደሊ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠8) ‘እግዚኣብሄር ሓይልናን ዋልታናን’ ምዃኑን ‘ንድኹም ሓይሊ ዝህበሉ’ እኹል ምድላዋት ምግባሩን ኣይንረስዕ።​—⁠መዝሙር 28:⁠7

7, 8. የሆዋ ንዳዊትን ኣንባቆምን ጳውሎስን ሓይሊ ከም ዝሃቦም ዝሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

7 የሆዋ ንዳዊት ዓቢ ዕንቅፋት ከጋጥሞ ኸሎ ጸኒዑ ንኽቕጽል ዘኽእሎ ሓይሊ ሂብዎ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ዳዊት ብምሉእ እምነትን ተኣማንነትን “ብኣምላኽ ንሕይል: ንሱውን ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 60:⁠12) ንኣንባቆም እውን ነብዪ ኰይኑ ንኸገልግል እተዋህቦ መዝነት ምእንቲ ክፍጽም የሆዋ ኣበርቲዕዎ ኢዩ። ኣንባቆም 3:⁠19 ከምዚ ትብል:- “እግዚኣብሄር: እቲ ጐይታ: ሓይለይ እዩ: ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን: ኣብቲ በሪኽ ቦታይውን ኬመላልሰኒ እዩ።” ኣብነት ናይቲ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ [ኣምላኽ] ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ ዝጸሓፈ ጳውሎስ እውን ኣቓልቦ ክግበረሉ ዝግባእ ኢዩ።​—⁠ፊልጲ 4:⁠13

8 ከም ዳዊትን ኣንባቆምን ጳውሎስን ኣብቲ ኣምላኽ ንኸበርትዓና ዘለዎ ክእለትን ንኸድሕነና ዘለዎ ሓይልን እምነት ከነሕድር ኣሎና። እቲ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ ምንጪ ‘ሓይልና’ ምዃኑ ካብ ፈለጥና: ካብቲ ኣምላኽ ብብዝሒ ዝቐረበልና ምድላዋት መንፈሳዊ ብርታዐ እንረኽበሉ መገድታት እስከ ንርአ።

ዘሐይለና መንፈሳዊ ምድላዋት

9. ክርስትያናዊ ጽሑፋት ንዓና ኣብ ምዕንጋል እንታይ ግደ ኣለዎ፧

9 ብክርስትያናዊ ጽሑፋት ገይርካ ንመጽ​ሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ምጽናዕ ከሐይለናን ከጽንዓናን ይኽእል ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ብሕጊ እግዚኣብሄር . . . ዚፍሳህ: ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን: ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ: ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ: ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።” (መዝሙር 1:⁠1-3) ከምቲ ኣካላዊ ሓይልና ንምዕቃብ ክንበልዕ ዘሎና: መንፈሳዊ ሓይልና ንምዕቃብ እውን ነቲ ኣምላኽ ብቓሉን ብክርስትያናዊ ጽሑፋትን ኣቢሉ ዝህበና መንፈሳዊ መግቢ ክንምገብ ከድልየና ኢዩ። ስለዚ ትርጕም ዘለዎ መጽናዕትን ምስትንታንን ኣድላዪ ኢዩ።

10. ንመጽናዕትን ምስትንታንን ዝኸውን ግዜ መዓስ ክንረክብ ንኽእል፧

10 ብዛዕባ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ምስትንታን ብርግጽ ዓስቢ ዘለዎ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 2:⁠10) ንምስትንታን ዝኸውን ግዜ ግን መዓስ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧ ይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም “ኣጋ ምሸት ኣብ መሮር ኰይኑ ብሓሳቡ ኼስተንትን ወጺኡ ነበረ።” (ዘፍጥረት 24:⁠63-67) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት ‘ብለይቲ እናነቕሐ ይሓስብ’ ነበረ። (መዝሙር 63:⁠6) ንግሆ: ምሸት: ለይቲ: ኰታስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕን ብዛዕባኡ ከነስተንትንን ንኽእል ኢና። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕትን ምስትንታንን ናብ ካልእ የሆዋ ዘዳለዎ መንፈሳዊ መበራትዒ ማለት ጸሎት ይመርሓና።

11. ከየባተኽና ምጽላይ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

11 ናብ ኣምላኽ ከየባተኽና ምጽላይ የሐይለና ኢዩ። ስለዚ ‘ጸሎት ነዘውትር።’ (ሮሜ 12:⁠12) ሓድሓደ ግዜ ዘጋጥመና ዘሎ ፈተና ፈሊና ብምጥቃስ ንኽንዋጽኣሉ ጥበብን ሓይልን ንምርካብ ክንልምን ኣሎና። (ያእቆብ 1:⁠5-8) ዕላማታት ኣምላኽ ክፍጸም ክንርኢ ወይ ኣገልግሎትና ንምፍጻም ከም ዘሐየለና ከነስተውዕል ከለና ንኣምላኽ ነመስግኖን ንወድሶን። (ፊልጲ 4:⁠6, 7) ከየባተኽና ብጸሎት ናብ የሆዋ እንተ ተጸጊዕና: ንሱ እውን ኣይክሓድገናን ኢዩ። ዳዊት “እንሆ: ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ” ኢሉ ዘመረ።​—⁠መዝሙር 54:⁠4

12. ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንኽህበና ክንልምኖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

12 ሰማያዊ ኣቦና ብመንፈስ ቅዱሱ ወይ ብመስለጢ ሓይሉ ገይሩ የሐይለናን የበራትዓናን ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- ‘ናብ ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ ኣሎኹ። ብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ: ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ክህበኩም እጽሊ ኣሎኹ።’ (ኤፌሶን 3:⁠14-16) መንፈስ ቅዱስ ንኽወሃበና ክንጽሊ ከሎና የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ ከም ዝባርኸና ርግጸኛታት ክንከውን ኣሎና። የሱስ እዚ መረዳእታ እዚ ሃበ:- ውሉዱ ዓሳ ለሚንዎስ ተመን ዝህቦ እንታዋይ ፈቃር ኣቦ ኢዩ፧ ፈጺሙ ኸምኡ ኣይገብርን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ደምደመ:- “ንስኻትኩም እኳ [ሓጥኣን ከምኡውን ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ] ኽፉኣት ክነስኹም: ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” (ሉቃስ 11:⁠11-13) ከምዚ ዝኣመሰለ እምንቶ ብምሕዳር ንጸሊ: እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ በቲ ካብ መንፈስ ኣምላኽ ዝረኽብዎ ሓይሊ ‘ክብርትዑ’ ከም ዝኽእሉ ድማ ፈጺምና ኣይንረስዕ።

ካብ ጉባኤ ዝርከብ ዘበራትዕ ደገፍ

13. ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ብኸመይ ክንሪኦ ኣሎና፧

13 የሆዋ በቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንገብሮ ኣኼባታት ኣቢሉ የሐይለና ኢዩ። የሱስ “ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተአከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ” በለ። (ማቴዎስ 18:⁠20) የሱስ ከምዚ ኢሉ ክመባጻዕ ከሎ: እቶም ኣብ ጉባኤ መሪሕነት ዝወስዱ ኣቓልቦ ክገብሩሉ ብዛዕባ ዝግባእ ጕዳይ ኢዩ ዝገልጽ ነይሩ። (ማቴዎስ 18:⁠15-19) ይኹን እምበር: እቲ መሰረታዊ ስርዓት ናይቲ የሱስ ዝበሎ ኣብ ኵሉ እቲ ብስሙ ብጸሎት ዝኽፈትን ዝዕጾን ናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ኣሰምብሊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን እውን ዝውዕል ኢዩ። (ዮሃንስ 14:⁠14) ስለዚ ቍጽሪ ተኣከብቲ ሒደት ይኹን ብዙሕ ብዘየገድስ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋል መሰል ኢዩ። እምበኣር ነዚ ብመንፈስ ንኸበራትዓናን ንፍቕርን ሰናይ ግብሪ ኸነቓቕሓናን እተዳለወ ኣጋጣሚታት ሞሳና ነርኢ።​—⁠እብራውያን 10:⁠24, 25

14. ክርስትያን ሽማግለታት ካብ ዝገብርዎ ጻዕርታት እንታይ ረብሓታት ኢና እንረክብ፧

14 ክርስትያን ሽማግለታት መንፈሳዊ ሓገዝን ምትብባዕን ይህቡ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 5:⁠2, 3) ከምዚ ሎሚ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዝገብርዎ ዘለዉ: ጳውሎስ ነተን ዝበጽሐን ዝነበረ ጉባኤታት ሓጊዝወንን ኣተባቢዕወንን ኢዩ። አረ ነቶም ኣመንቲ ብጾቱ ንምትብባዕን ካብኦም ምትብባዕ ንምርካብን ሃረር ይብል ነይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:⁠19-22፣ ሮሜ 1:⁠11, 12) ነቶም ብመንፈስ ኣብ ምሕያል ዓቢ ግደ ዘለዎም ናይ ጉባኤና ሽማግለታትን ካልኦት ክርስትያን ተዓዘብትን ኵሉ ሳዕ ሞሳ ነርእዮም።

15. እቶም ኣብ ጉባኤና ዝርከቡ ኣመንቲ ብጾት ብኸመይ ኢዮም ‘ዘጸናንዑና’፧

15 እቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ኣመንቲ ብጾት እውን ‘ከጸናንዑና’ ይኽእሉ ኢዮም። (ቈሎሴ 4:⁠10, 11) ሓቀኛታት ‘ፈተውቲ’ ስለ ዝዀኑ ኣብ ግዜ ጸበባ ክድግፉና ይኽእሉ ኢዮም። (ምሳሌ 17:⁠17) ንኣብነት ብ1945: 220 ዝዀኑ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ናዚ ዝነበረ ዛክሰንሃውሰን ዝበሃል መዳጐኒ ደምበ ተበጊሶም ን200 ኪሎ ሜትር ዝኸውን ከቢድ ናይ እግሪ ጕዕዞ ገበሩ። ብጕጅለ ኰይኖም ተጓዕዙ: እቶም ድሓን ዝዀኑ ድማ ነቶም ዝደኸሙ ኣብ ንኣሽቱ ዓረብያታት ገይሮም ይጐትዎም ነበሩ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ ኣብቲ ልዕሊ 10,000 እሱራት ናይቲ መዳጐኒ ደምበ ዝሞቱሉ ናይ ሞት ጕዕዞ: ዋላ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር እኳ ኣይሞተን። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብተን ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምኡውን ጂሆቫስ ዊትነስስ​—⁠ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዝበሃላ መጻሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ሓዊስካ ኣብ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ዝወጽእ ጸብጻብ: ኣምላኽ ንህዝቡ ምእንቲ ከይሕለሉ ኢሉ ከም ዘሐይሎም መረጋገጺ ይዀነና።​—⁠ገላትያ 6:⁠9 b

ካብ ግራት ኣገልግሎትና ሓይሊ ንረክብ ኢና

16. ኣብ ኣገልግሎት ስርዓታዊ ኴንካ ምክፋል ብመንፈስ ዘሐይለና ብኸመይ ኢዩ፧

16 ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ስርዓታዊ ኴንካ ምክፋል ብመንፈስ የሐይለና ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈት ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸነተኵር ከምኡውን ንዘለኣለም ምንባርን ምስኡ ዝመጽእ በረኸታትን ኣብ ኣእምሮና ንኽንሕዝ ይሕግዘና። (ይሁዳ 20, 21) እቲ ኣብ ኣገልግሎት እንዛረበሉ ቅዱስ ጽሑፋዊ መብጽዓታት ተስፋ ይህበና: ከምቲ ‘ንሕና ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና’ ዝበለ ነብዪ ሚክያስ እውን ቈራጻት ይገብረና ኢዩ።​—⁠ሚክያስ 4:⁠5

17. ብዛዕባ ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ሓሳባት ኢዩ ቀሪቡ ዘሎ፧

17 ንኻልኦት ክንምህር ከሎና ኵሉ ግዜ ቅዱሳት ጽሑፋት ንጥቀም እንተ​ድኣ ዄንና ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ይድልድል ኢዩ። ንኣብነት: በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ገይርና ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከሎና: ንመብዛሕትኡ እቲ ሓሳቡ ኣብኡ ዘይተጠቕሰ ጥቕስታት ምንባብን ምምይያጥን ጥበባዊ ኢዩ። እዚ ነቲ ጽንዓት ዝገብር ዘሎ ሰብ ይሕግዞ: ንመንፈሳዊ ምርዳእና እውን የዕምቖ ኢዩ። ሓደ ጽንዓት ዝገብር ሰብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ ወይ መግለጺ ንኽርድኦ ምስ ዝኸብዶ: ንሓንቲ ምዕራፍ ናይ መጽሓፍ ፍልጠት ንምሽፋን ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ጽንዓት ክግበር ይከኣል ኢዩ። ካልኦት ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ክቐርቡ ንምሕጋዝ ብግቡእ እንተ ተዳሊናን ዝያዳ ጻዕሪ እንተ ገይርናን ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እንሕጐስ!

18. መጽሓፍ ፍልጠት ብኸመይ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ይዕየየላ ከም ዘሎ ግለጽ።

18 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ህይወቶም ወፍዮም ኣገልገልቲ የሆዋ ምእንቲ ክዀኑ መጽሓፍ ፍልጠት ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ይዕየየላ ኣሎ፣ ብዙሓት ካብዚኣቶም ድማ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ ሓንቲ ፍልጠት ዘይነበሮም ኢዮም። ንኣብነት ሓደ ኣብ ስሪ ላንካ ዝነብር ኣማኒ ሂንዱ: ቈልዓ ኸሎ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ብዛዕባ ገነት ክትዛረብ ከላ ሰምዓ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ናብኣ ኸይዱ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ሓተታ: ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ በዓል ቤታ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብረሉ ጀመረ። እቲ መንእሰይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ጽንዓት ይገብር ነበረ: ንመጽሓፍ ፍልጠት ድማ ብተዛማዲ ኣብ ሓጺር እዋን ወድኣ። ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ክካፈል ጀመረ: ምስቲ ናይ ቀደም ሃይማኖቱ ዝነበሮ ርክብ ኣቋረጸ: ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ኰነ። ክጥመቕ ከሎ ድሮ ንሓደ ዝፈልጦ ሰብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓሉ ነበረ።

19. ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ክንደሊ ከሎና ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

19 ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይ ዘበራትዕ ሓጐስ የምጽኣልና ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠33) እተፈላለየ ፈተናታት የጋጥመና እኳ እንተ​ዀነ: ብሓጐስን ብቕንእን ነቲ ብስራት ካብ ምእዋጅ ኣይነቋርጽን ኢና። (ቲቶስ 2:⁠14) ብዙሓት ካባና ናይ ምሉእ ግዜ ፓይነራት ኰይኖም ንምግልጋል ዝድለ ብቕዓት የማልኡ ኣለዉ: ገሊኣቶም ድማ ኣብቲ ዝያዳ ወንጌላውያን ዝድለዩሉ ቦታ የገልግሉ ኣለዉ። በዚ ይኹን በቲ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ተሓጒስና ቀዳምነት ምስ እንህብ: የሆዋ ንግብርናን ነቲ ንስሙ እነርእዮ ፍቕርን ከም ዘይርስዕ ርግጸኛታት ኢና።​—⁠እብራውያን 6:⁠10-12

ብሓይሊ የሆዋ ጸኒዕና ንቐጽል

20. ሓይሊ ንምርካብ ናብ የሆዋ ከም እንጽጋዕ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

20 ኣብ የሆዋ ተስፋ ከም እንገብርን ሓይሊ ንምርካብ ናብኡ ከም እንጽጋዕን ባህ ኢሉና ነርኢ። ካብቲ ‘በቲ እሙን ባርያ’ ዝዳሎ መንፈሳዊ ምድላዋት ምሉእ ብምሉእ ብምጥቃም ከምዚ ክንገብር ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 24:⁠45) ብብሕትን ኣብ ጉባኤን ብክርስትያናዊ ጽሑፋት ገይርና ቃል ኣምላኽ ምጽናዕ: ልባዊ ጸሎት ምግባር: ካብ ሽማግለታት ዝርከብ መንፈሳዊ ደገፍ: እሙናት ኣመንቲ ብጾትና ዝገደፉልና ሰናይ ኣብነታት: ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ስርዓታዊ ኴንካ ምክፋል ገለ ካብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ዘደልድለልናን ኣብቲ ቕዱስ ኣገልግሎትና ጸኒዕና ንኽንቅጽል ዘኽእለናን ምድላዋት ኢዩ።

21. ሃዋርያ ጴጥሮስን ጳውሎስን ካብ ኣምላኽ ዝወሃብ ሓይሊ ኣድላዪ ምዃኑ ዝገለጹ ብኸመይ ኢዮም፧

21 ሰብኣዊ ድኻም እኳ እንተ​ሎና: ሓገዝ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ንውከል እንተ​ድኣ ዄንና ሓይሊ ይህበና ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ኣድላዪ ምዃኑ ብምግንዛብ ‘ዘገልግል እንተ​ዀነ: ከምቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል’ ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 4:⁠11) ጳውሎስ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ከሎ ኣብቲ ኣምላኽ ዝህቦ ሓይሊ ትውክልቲ ከም ዝነበሮ ኣርእዩ ኢዩ:- “ምስ ዝደክም: ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ: ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም: ብጸርፊ: ብሓሳር: ብምስጓጒ: ብጸበባ እሕጐስ እየ።” (2 ቈረንቶስ 12:⁠10) ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ነርኢ: ነቲ ንድኹም ሓይሊ ዝህብ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ ኸኣ ክብሪ ነምጽእ።​—⁠ኢሳይያስ 12:⁠2

[እግረ-ጽሑፋት]

a እዚ ቍጽሪ እዚ ብናይ ሕ.መ.ኣ. ስርዓት ኣሃዝ 1 ምስ 20 ዜሮታት ገይርካ ኢዩ ዝጸሓፍ።

b ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትማ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ልሙድ ንላዕሊ ዝዀነ ሓይሊ ዘድልዮም ስለምንታይ ኢዩ፧

• ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ከም ዘሐይሎም ዝገልጽ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ኣሎ፧

• ገለ ካብቲ የሆዋ ንኸሐይለና ዝጥቀመሉ ምድላዋት እንታይ ኢዩ፧

• ሓይሊ ደሊና ናብ ኣምላኽ ከም እንጽጋዕ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ንኻልኦት ንምምሃር መጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀም ከሎና ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ይድልድል