ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምሉኣትን ርዱኣትን ኴንኩም ደው በሉ

ምሉኣትን ርዱኣትን ኴንኩም ደው በሉ

ምሉኣትን ርዱኣትን ኴንኩም ደው በሉ

‘ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ: ኵሉ ሳዕ ብጸሎቱ ይጋደለልኩም ኣሎ።’​—⁠ቈሎሴ 4:⁠12

1, 2. (ሀ) እቶም ዘይኣመንቲ ብዛዕባ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እንታይ ኢዮም እተዓዘቡ፧ (ለ) እታ ናብ ሰብ ቈሎሴ እተላእከት መልእኽቲ ከመይ ዝበለ ፍቕራዊ ተገዳስነት ኢያ እተንጸባርቕ፧

 ሰዓብቲ የሱስ ብዛዕባ እቶም ኣምለኽቲ ብጾቶም ኣዝዮም ኢዮም ዝግደሱ ነይሮም። ንዘኽታማትን ድኻታትን ብዕድመ ዝደፍኡን ሰባት ብኸመይ ብሕያውነት ይሕዝዎም ከም ዝነበሩ ተርቱልያን (ኣብ መበል ካልኣይን ሳልሳይን ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ጸሓፊ) ገሊጽዎ ኣሎ። እቶም ክርስትያናት ፍቕሮም ብተግባር ይገልጹ ስለ ዝነበሩ እቶም ዘይኣመንቲ ብዛዕብኦም ብምምሳጥ ‘ንሓድሕዶም ክሳዕ ክንደይ ከም ዝፋቐሩ እሞ ርኣዩ’ ይብሉ ነበሩ።

2 እታ ናብ ሰብ ቈሎሴ እተጻሕፈት መልእኽቲ: ሃዋርያ ጳውሎስን መተዓይይቱ ኤጳፍራስን ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ተገዳስነት ከም ዝነበሮም ተርኢ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- ኤጳፍራስ ‘ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ: ኵሉ ሳዕ ብጸሎቱ ይጋደለልኩም ኣሎ።’ ኣብ 2001 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዘን ኣብ ቈሎሴ 4:⁠12 ዝርከባ “ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው [በሉ]” ዝብላ ቃላት ከም ናይ ዓመት ጥቕሲ ገይሮም ክወስድወን ኢዮም።

3. ኤጳፍራስ ብዛዕባ እንታይ ክልተ ነገራት ኢዩ ዝጸለየ፧

3 እቲ ኤጳፍራስ ምእንቲ እቶም ዘፍቅሮም ዘቕረቦ ጸሎት ክልተ መዳያት ዝሓቘፈ ምንባሩ ትግንዘቡ ኢኹም:- (1) ‘ምሉኣት ኰይኖም ደው ክብሉ’ (2) ‘ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣት ኰይኖም ደው ክብሉ።’ እዚ ንጥቕምና ክኸውን ተባሂሉ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቓሊሉ ኣሎ። ስለዚ ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘ምሉእን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱእን ኰይነ ደው ንኽብል ብብሕተይ እንታይ ክገብር የድልየኒ፧ ከምዚ ምስ ዝገብርከ ከመይ ዝበለ ውጽኢት ኢዩ ዝህልዎ፧’ እስከ ንርኣዮ።

‘ምሉኣት ኰይንኩም ደው ንምባል’ ጽዓሩ

4. ሰብ ቈሎሴ ‘ምሉኣት’ ምዃን ዘድልዮም ዝነበረ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዩ፧

4 ኤጳፍራስ እቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ መንፈሳውያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ‘ምሉኣት ኰይኖም ደው ክብሉ’ ብርቱዕ ድሌት ነበሮ። እታ ኣብዚ ‘ምሉኣት’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ጳውሎስ እተጠቐመላ ስያመ ፍጹም: ዝኣኸለ: ወይ ብሱል ዝብል ትርጕም ክህልዋ ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 19:⁠21፣ እብራውያን 5:⁠14፣ ያእቆብ 1:⁠4, 25) ሓደ ሰብ እተጠመቐ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑ ጥራይ ብሱል ክርስትያን ክገብሮ ከም ዘይክእል ትፈልጡ ኢኹም። ጳውሎስ ነቶም ካብ ቈሎሴ ብሸነኽ ምዕራብ ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ኣሕዋት ክጽሕፈሎም ከሎ እቶም ጓሶትን መምሃራንን ነቶም ኣሕዋት ‘ናብ ሕብረት እምነት: ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ: ናብ እኹል ሰብኣይ: ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክበጽሑ’ ንኽሕግዝዎም ክጽዕሩ ነጊርዎም ኣሎ። ኣብ ካልእ ኸኣ ጳውሎስ ንክርስትያናት “በእምሮ ሰብኡት ኩኑ” ኢሉ ተማሕጺንዎም ኣሎ።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠8-13፣ 1 ቈረንቶስ 14:⁠20

5. ምሉእ ምዃን ቀንዲ ሸቶና ክንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

5 ገሊኦም ሰብ ቈሎሴ ገና ዘይብሱላት እንተ​­ድኣ ነይሮም ኰይኖም ብሱላት ንምዃን ሸቶኦም ገይሮም ክሕዝዎ ነበሮም። እዚ ሎሚ እውን ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይክእልንዶ ኢዩ፧ ዓሰርተታት ዓመታት ይገብር ወይ ኣብ ቀረባ ግዜ እተጠመቕና ንኹን ብዘየገድስ ብናይ ምሕሳብ ክእለትናን ኣረኣእያናን ከም ዝዓበና ኣርኢናዶ ኢና፧ ቅድሚ ምውሳንና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግምት ነእቱ ዲና፧ ምስ ኣምልኾናን ጉባኤን እተተሓሓዘ ጕዳያት ንእግረ⁠-​­መገድና እንገብሮ ዘይኰነስ ኣብ ህይወትና ዝዓበየ ተራ ድዩ ዘለዎ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ምሉእ ዕቤት ንገብር ከም ዘሎና ዘርኢ ኵሉ መዳያት ኣብዚ ክንመያየጠሉ ዘይንኽእል እኳ እንተዀንና ክልተ ኣብነታት ግን እስከ ንርአ።

6. ሓደ ሰብ ከምቲ የሆዋ ፍጹም ዝዀነ ንሱውን ናብዚ ደረጃ እዚ ክዓብየሉ ዝኽእል ሓደ መዳይ እንታይ ኢዩ፧

6 ቀዳማይ ኣብነት:- ነቶም ካልእ ዓሌት: ዜግነት: ወይ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት እንታይነቶም ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ወይ ናይ ምጽላእ ልምዲ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ኢና ዓቢና ንበል። ሕጂ ግን ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ከም ዘየለ: ንሕና ድማ ኣድልዎ ከነርኢ ከም ዘይብልና ንፈልጥ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠14, 15, 34, 35) ኣብ ጉባኤና ወይ ወረዳና ካልእ መበቈል ዘለዎም ሰባት ኣለዉ: ብተደጋጋሚ ኸኣ ንረኽቦም ኢና። እንተ​­ዀነ ግን: ክሳዕ ክንደይ ኢና ብዛዕባ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ድሕረ⁠-​­ባይታ ዘለዎም ሰባት ኣሉታዊ ስምዒታት እነሕድር ወይ እንጥርጥሮም፧ ሓደ ካብኦም ምስ ዝጋገ ወይ ንእሽቶ ነገር እንተ ዝብድለና ብዛዕብኦም ‘ተሪር ኣመለኻኽታ’ ንምሕዳር ወይ ኣሉታዊ ስምዒት ንምምዕባል ቅልጡፋት ዲና፧ ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ሕተታ:- ‘ነቲ ናይ ኣምላኽ ኣድልዎ ዘይብሉ ኣረኣእያ ንምምዕባል ዝያዳ ዕቤት ክገብር የድልየኒዶ ኢዩ፧’

7. ከም ክርስትያን መጠን ምሉእ ምዃን ማለት ብዛዕባ ካልኦት እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ምሓዝ ዘጠቓልል ኢዩ፧

7 ካልኣይ ኣብነት:- ፊልጲ 2:⁠3 “ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ: ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ” ኢያ ትብል። በዚ መዳይ እዚ ብኸመይ ንዓቢ ኣሎና፧ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድኹምን ሓያልን ጎንታት ኣለዎ። ቅድሚ ሕጂ ጕድለት ሰባት ኣብ ምርኣይ ቅልጡፋት እንተ​­ድኣ ነይርና “ፍጹማት” ክዀኑ ክንጽበዮም ከም ዘይብልና ብምርዳእ ዓቢናዶ ኢና፧ (ያእቆብ 3:⁠2 NW  ) ካልኦት ካባና ዝበልጽሉ መገድታት ንምርኣይ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ሃለው ንብልዶ ኢና፧ ‘እዛ ሓብቲ እዚኣ ካባይ ንላዕሊ ዕግስቲ ኢያ።’ ‘እዚ ሓው እዚ ካባይ ንላዕሊ ኣወንታዊት ዝዀነት እምነት ኢያ ዘላቶ።’ ‘ንሱ ካባይ ንላዕሊ ክኢላ መምህር ኢዩ።’ ‘ርእሳ ብምግታእ ካባይ ትበልጽ።’ ምናልባት ገለ ሰብ ቈሎሴ በዚ መዳይ እዚ ብስለት ከርእዩ የድልዮም ነይሩ ይኸውን ኢዩ። ንሕናኸ የድልየናዶ ኢዩ፧

8, 9. (ሀ) ኤጳፍራስ ሰብ ቈሎሴ ምሉኣት ኰይኖም ‘ደው ክብሉ’ ዝጸለየሎም ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ‘ምሉእ ኴንካ ደው ምባል’ ብዛዕባ እቲ ቐጺሉ ዝነበረ ግዜ እንታይ ኢዩ ዘመልከተ፧

8 ኤጳፍራስ ሰብ ቈሎሴ ‘ምሉኣት ኰይኖም ደው ክብሉ’ ምእንትኦም ጸልዩ ኢዩ። ሰብ ቈሎሴ ምሉኣት: ብሱላት: እኹላት ክርስትያናት እኳ እንተ ነበሩ: “ደው” ምባል ክኽእሉ ወይ ጸኒዖም ክቕጽሉ ኤጳፍራስ ናብ ኣምላኽ ይጽሊ ምንባሩ ግልጺ ኢዩ።

9 ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን: ዋላ እቲ ብሱል እውን ከይተረፈ ኵሉ ግዜ ደው ኢሉ ይቕጽል ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ነቲ መልኣኽ ዝነበረ ወዲ ኣምላኽ “ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን” ብምባል የሱስ ገሊጽዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 8:⁠44) ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ብዛዕባ እቶም ሓደ ግዜ ንየሆዋ ዘገልግልዎ ዝነበሩ እሞ ዳሕራይ ግን ንድሕሪት እተመልሱ ሰባት ኣዘኻኺርዎም ኣሎ። ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ኣሕዋት “ስለዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ: ከይወድቕ ይጠንቀቕ” በሎም። (1 ቈረንቶስ 10:⁠12) እዚ ኸኣ ነቲ ሰብ ቈሎሴ ‘ምሉኣት ኰይኖም ደው ክብሉ’ ኣብ ክንድኦም ዝቐረበ ጸሎት ዝያዳ ዘትርሮ ኢዩ። ሓንሳእ ምሉኣት: እኹላት ምስ ኰኑ ንድሕሪት ከይተመልሱ: ከይተሓለሉ: ከይዘንበሉ ምእንቲ ክቕጽሉ ክጽዕሩ ነበሮም። (እብራውያን 2:⁠1፣ 3:⁠12፣ 6:⁠6፣ 10:⁠39፣ 12:⁠25) ስለዚ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሓተታ: ናይ መወዳእታ ስምረት ዝረኽብሉ ግዜ ‘ምሉኣት’ ኰይኖም ክርከቡ ኢዮም።​—⁠2 ቈረንቶስ 5:⁠10፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠12

10, 11. (ሀ) ብጸሎት ዝመጸ ኤጳፍራስ እንታይ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈልና፧ (ለ) ምስቲ ኤጳፍራስ ዝገበሮ ብምስምማዕ እንታይ ውሳነ ምግባር ኢኻ እትደሊ፧

10 ንኻልኦት ብስሞም ጠቒስና የሆዋ ነቲ ዘለዎም ሽግር ኣብ ምፍታሕ ክሕግዞም: ከጸናንዖም: ክባርኾም: ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ክህቦም ክንጽልየሎም ኣድላዪ ምዃኑ ርኢና ኢና። ኤጳፍራስ ኣብ ክንዲ ሰብ ቈሎሴ ዘቕረቦ ጸሎት እውን ከምዚ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ናይ ኤጳፍራስ ጸሎት ንሕና እውን ብዛዕባ ገዛእ ርእስና እንታይ ኢልና ክንጽሊ ከም እንኽእል ዝገልጽ ሓሳብ ንረክብ ኢና። ክሳዕ መወዳእታ ብብሕትና ‘ምሉኣት ኴንና ደው ንኽንብል’ ክሕግዘና ናብ የሆዋ ክንጽሊ ከም ዘሎና ሕቶ ዘድልዮ ኣይኰነን። ንስኻኸ ትጽሊዶ ኢኻ፧

11 ኵነታትካ ኣብ ጸሎት ንምንታይ ዘይትጠቕሶ፧ ‘ምሉእ:’ እኹል: ብሱል ንምዃን ክሳዕ ክንደይ ትስጕም ከም ዘሎኻ ንኣምላኽ ንገሮ። ኣበየናይ መዳያት ገና ብመንፈስ ክትዓቢ ከም ዘድልየካ ንኽትግንዘብ ክሕግዘካ ንየሆዋ ሕተቶ። (መዝሙር 17:⁠3፣ 139:⁠23, 24) ከተዐርዮ ዘሎካ ነገራት ከም ዘሎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ድሕርዚ በቲ ጕዳይ ተስፋ ኣብ ክንዲ እትቘርጽ ንኸተዐርዮ ዘድልየካ ሓገዝ ብምሕባር ብግልጺ ለምኖ። ብዛዕባ እዚ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ለምኖ። ኣብ መወዳእታ ‘ምሉእ ኴንካ ደው ንምባል’ ክትክእል ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኣንዊሕካ ንምጽላይ ቈራጽነት ዘይትገብር። ነታ ናይ ዓመት ጥቕሲ ክትምርምራ ከሎኻ ድማ ብተደጋጋሚ ከምዚ ክትገብር መደብ ምግባር ይከኣል ኢዩ። ኣብ ጸሎትካ ናብቲ ንድሕሪት ከም እትምለስ: ከም እትደክም: ወይ ካብ ኣገልግሎት ኣምላኽን ህዝቡን ከም እትርሕቕ ክገብረካ ዝኽእል ዝንባለታትን ከመይ ገይርካ ከተርሕቖ ከም እትኽእልን ኣተኵር።​—⁠ኤፌሶን 6:⁠11, 13, 14, 18

ርዱኣት ንምዃን ጸዓሩ

12. ሰብ ቈሎሴ ‘ርዱኣት’ ክዀኑ ዘድልዮም ዝነበረ ብፍላይ ስለምንታይ ኢዩ፧

12 ኤጳፍራስ: ሰብ ቈሎሴ ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎም ምሉኣት ኰይኖም ክርከቡ እንተ​­ድኣ ዀይኖም ዘድልዮም ካልእ ኣገዳሲ ነገር እውን ኣብ ጸሎቱ ጠቒሱ ኢዩ። እቲ ኤጳፍራስ ዝጠቐሶ ንዓና እውን ኣድላዪ ኢዩ። እንታይከ ኢዩ ንሱ፧ ‘ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣት ክዀኑ’ ኢዩ ጸልዩ። ብመናፍቕነትን ንእምነትካ ብዘበላሹ ፍልስፍናታትን ኢዮም ተኸቢቦም ነይሮም። ገለ ካብኡ ኸኣ ንሓቀኛ ኣምልኾ ዝመስል መስድዒ ዝዀነ ነገራት ዘለዎ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ከምቲ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣምልኾ ዝነበረ ፍሉያት መዓልትታት ብጾም ወይ ብድግስ ገይሮም ከብዕሉ ጸቕጢ ይግበረሎም ነበረ። ናይ ሓሶት መምሃራን ድማ ኣብቶም ነቲ ሕጊ ናብ ሙሴ ዘብጽሑ ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራት ዝዀኑ መላእኽቲ የተኵሩ ነበሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጢ ክግበረልካ እሞ ሕሰቦ! ከደናግር ዝኽእል ኣዝዩ ብዙሕ ሓሳባት ኢዩ ነይሩ።​—⁠ገላትያ 3:⁠19፣ ቈሎሴ 2:⁠8, 16-18

13. ንሰብ ቈሎሴ እንታይ ረቛሒ ምግንዛብ ኢዩ ክሕግዞም ዝኽእል ዝነበረ: እዚኸ ንዓና ብኸመይ ክሕግዘና ይኽእል፧

13 የሱስ ክርስቶስ ዘለዎ ተራ ብምጥቃስ ጳውሎስ ነዚ ሓሳብ እዚ ተቓወሞ። “ደጊም ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ: ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ። ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሀኒጽኩምን . . . ከምቲ እተመሀርኩምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ።” እወ: (ንሰብ ቈሎሴ ኰነ ንዓና) ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽን ህይወትናን ዘለዎ ተራ ምሉእ ምርዳእ ክህልወና ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ጳውሎስ “ኣብኡ ብዘሎ ምልኣት መለኮት ብስጋ ሐዲርዎ እዩ እሞ: ንሱ ርእሲ ዅሉ ሕልቅነትን ስልጣንን እዩ: ንስኻትኩምውን ብእኡ ተመሊእኩም አሎኹም” ብምባል ገለጸሎም።​—⁠ቈሎሴ 2:⁠6-10

14. ሰብ ቈሎሴ ህያው ተስፋ ዝነበረቶም ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ሰብ ቈሎሴ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ኢዮም ነይሮም። ተስፋኦም ሰማያዊ ህይወት ንምርካብ ብምንባሩ ፍሉይ ኢዩ ነይሩ: ነዚ ተስፋ እዚ ብሩህ ገይሮም ክሕዝዎ ኸኣ ምሉእ ዘይጕዱል ምኽንያት ነይርዎም ኢዩ። (ቈሎሴ 1:⁠5) ብዛዕባ ርግጽነት ተስፋኦም ጽኑዕ ምርዳእ ክህልዎም “ፍቓድ ኣምላኽ” ኢዩ ነይሩ። ዝዀነ ይኹን ካብኣቶም ብዛዕባ እዚ ተስፋ እዚ ክጠራጠርዶ ነይርዎ ኢዩ፧ ፈጺሙ ኣይነበሮን! እቶም ኣምላኽ ኣብ ምድራዊት ገነት ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ዝሃቦምከ ካብዚ እተፈልየዶ ክኸውን ይግባእ፧ ብርግጽ እተፈልየ ክኸውን ኣይግባእን ኢዩ! እዚ ርግጽ ተስፋ እዚ ንጹር ዝዀነ ክፍሊ “ፍቓድ ኣምላኽ” ኢዩ። ሕጂ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ሕሰበሉ:- ሓደ ካብቶም ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዝድሕኑ “ዓቢ ጭፍራ” ንምዃን ትጽዕር እንተ​­ድኣ ሃሊኻ: ተስፋኻ ክሳዕ ክንደይ ህያው ኢዩ፧ (ራእይ 7:⁠9, 14) ክፍሊ ናይቲ ‘ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ዘሎካ ምርዳእዶ’ ኢዩ፧

15. ጳውሎስ ንተስፋ እውን ዘጠቓልል እንታይ ተኸታታሊ ዝዀነ ነገራት ኢዩ ዝጠቐሰ፧

15 “ተስፋ” ክንብል ከሎና ርግጽ ዘይኰነ ባህጊ ወይ ሕልሚ ቐትሪ ማለትና ኣይኰነን። እዚ ካብቲ ጳውሎስ ኣቐድም ኣቢሉ ንሰብ ሮሜ ዝጸሓፈሎም ተኸታታሊ ነጥብታት ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ኣብቲ ዝጠቐሶ ተኸታታሊ ነገራት ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ምስታ ቀጺላ ዘላ እተተሓሓዘት ወይ ናብኣ እትመርሕ ኢያ። ጳውሎስ ኣብቲ ዘቕረቦ ሓሳብ ‘ንተስፋ’ ጠቒስሉ ዘሎ ቦታታት ኣስተብህል:- “ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር: እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና: በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን: እቲ ምፍታንውን ተስፋ: በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ: እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ።”​—⁠ሮሜ 5:⁠3-5

16. ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክትማሃር ከሎኻ እንታይ ተስፋ ኢኻ ዝረኸብካ፧

16 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መልእኽቲ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ነገሩኻ ከም ኵነታት ምውታት ወይ ትንሳኤ ዝኣመሰለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣቓልቦኻ ስሒቡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንብዙሓት ልዕሊ ዅሉ ሓድሽ ዝዀኖም እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣብ ምድራዊት ገነት ዝህሉ ህይወት ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ትምህርቲ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ፈለጥካ ከመይ ከም እተሰመዓካ እስከ ዘክሮ። ሕማምን እርጋንን ዘይብሉ: ፍረ ጻማኻ እትረኽበሉ: ምስ እንስሳ ሰላም ዘለዎ ህይወት እሞ ሕሰቦ። ኣየ ከመይ ዝበለ ተስፋ ኰን ኢዩ! (መክብብ 9:​5, 10፣ ኢሳይያስ 65:17-​25፣ ዮሃንስ 5:​28, 29፣ ራእይ 21:​3, 4) ድንቂ ዝዀነ ተስፋ ኢኻ ረኺብካ!

17, 18. (ሀ) እቲ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ዘቕረበሎም ተኸታታሊ ነጥብታት ናብ ተስፋ ዝመርሕ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ኣብ ሮሜ 5:​4, 5 ተጠቒሱ ዘሎ ተስፋ እንታይ ዓይነት ኢዩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋኸ ኣሎካዶ፧

17 ጸኒሑ ገለ ዓይነት ምጽራር ወይ መስጐጕቲ ከም ዘጋጠመካ ፍሉጥ ኢዩ። (ማቴዎስ 10:⁠34-39፣ 24:⁠9) ኣብዚ ቀረባ እዋናት እውን ከይተረፈ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣባይቶም ተዘሪፉ ኢዩ ወይ ክስደዱ ተገዲዶም ኢዮም። ገሊኦም ኣካላዊ ማህሰይቲ ወሪድዎም: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋቶም ተሃጊሩ: ወይ ግዳይ ናይቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝመሓላለፍ ናይ ሓሶት ጸብጻብ ኰይኖም ኢዮም። ናይቲ ዘጋጥመካ መስጐጕቲ ዓይነት ብዘየገድስ ከምቲ ኣብ ሮሜ 5:⁠3 ተገሊጹ ዘሎ ብጸበባ ትምካሕ ወይ ትሕጐስ ኢኻ: ጽቡቕ ፍረ ድማ ኢዩ ዘለዎ። ጸበባ ከምቲ ጳውሎስ ኢልዎ ዘሎ: ትዕግስቲ ከም እተጥሪ ዝገብረካ ኢዩ። እታ ትዕግስቲ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስምረት ዘለዎ ኣቃውማ ንኽህልወካ ትሕግዘካ። እትገብሮ ዘሎኻ ቅኑዕ: ከምኡውን ፍቓድ ኣምላኽ ትፍጽም ከም ዘሎኻ ስለ እትፈልጥ ስምረቱ ከም እትረክብ ርግጸኛ ትኸውን። ኣብቲ ናይ ጳውሎስ ቃላት “ምፍታን” ዝብል ሓሳብ ኣስተብሂልካ ኣሎኻ። ቀጺሉ ጳውሎስ “እቲ ምፍታንውን ተስፋ” ከም እተሕድር ዝገብር ምዃኑ ጠቒሱ ኣሎ። እዚ ኣገላልጻ እዚ ይሕድሰካ ይኸውን። ጳውሎስ ‘ንተስፋ’ ኣብቲ ዝርዝር ኣብ መወዳእታ ዝጠቐሳ ስለምንታይ ኢዩ፧ መጀመርታ ብስራት ምስ ሰማዕካዶ ከይኰንካ ተስፋ ዝገብርካ፧

18 ጳውሎስ ኣብዚ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረና ፍጹም ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ይዛረብ ከም ዘየለ ንጹር ኢዩ። ጳውሎስ ኣብዚ ጠቒስዎ ዘሎ ተስፋ ክንዮ እዚ ዝሓልፍ ኢዩ፣ ዓሚቝ ሓሳብ ዘለዎን ዝያዳ ዘነቓቕሕን ኢዩ። ብተኣማንነት ተጸሚምና ስምረት ኣምላኽ ከም ዘሎና ምስ እንግንዘብ ተወሳኺ ተስፋን ምብርታዕን ይዀነና። ተስፋና ድማ ዝያዳ ህያው: ድልዱል: ከምኡውን ብሕታዊ ይኸውን። እዚ ዓሚቝ ተስፋ እዚ ኸኣ ኣጸቢቑ ይበርህ። ቀንዲ ክፍሊ ኵሉ ህይወትና ድማ ይኸውን። “በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ: እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ።”

19. ተስፋኻ ክፍሊ ናይቲ ስርዓታዊ ዄንካ እትገብሮ ጸሎትካ ክኸውን ዘለዎ ብኸመይ ኢዩ፧

19 ኤጳፍራስ እቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ኣሕዋቱን ኣሓቱን በቲ ኣብ ቅድሚኦም ተነቢሩሎም ዝነበረ ኣጸቢቖም ክትንከፉን ክርድእዎን: ‘ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣት ክዀኑ’ ተጊሁ ይጽሊ ነበረ። ንሕና እውን ነፍሲ ወከፍና ስርዓታውያን ኴንና ብዛዕባ ተስፋና ናብ ኣምላኽ ንጸሊ። ኣብቲ ብብሕቲ እተቕርቦ ጸሎት ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዘሎካ ተስፋ ጥቐስ። ክሳዕ ክንደይ ከም እትናፍቓ ብዛዕባ ምምጻኣውን ጽኑዕ ምርዳእ ከም ዘሎካ ንየሆዋ ንገሮ። ነቲ ዘሎካ ምርዳእ ከም ዝዓሙቝን ከም ዝሰፍሕን ንምግባሩ ለምኖ። ልክዕ ከምቲ ሰብ ቈሎሴ ‘ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣት ክዀኑ’ ኤጳፍራስ ዝጸለየ ንስኻውን ከምኡ ግበር። ደጋጊምካ ለምን።

20. ብተዛማዲ ውሑዳት ሰባት ካብቲ ክርስትያናዊ መገዲ ምስ ዝወጹ ተስፋ ክንቈርጽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧

20 ምሉእን ርዱእን ኰይኑ ደው ዝብል ኵሉ ብዘይ​­ምዃኑ ኣቓልቦኻ ናብ ካልእ ኣይትግበር ወይ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ገሊኣቶም ክወድቁ: ከላግሱ: ወይ ክሕለሉ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ንገለ ካብቶም ቀረባ ብጾት የሱስ ዝነበሩ ሃዋርያት ኣጋጢምዎም ኢዩ። እንተ​­ዀነ ግን: ይሁዳ ምስ ከድዐ እቶም ካልኦት ሃዋርያት ንጥፈታቶም ኣዝሒሎም ወይ ኣቋሪጾምዶ ኢዮም፧ ፈጺሞም ከምኡ ኣይገበሩን! ጴጥሮስ ነቲ ኣብ መዝሙር 109:⁠8 ዘሎ ካልእ ሰብ ንቦታ ይሁዳ ከም ዝወስዳ ንምግላጽ ኣውዓሎ። ንዕኡ ዝትክእ ተመርጸ: እቶም ናይ ኣምላኽ እሙናት ድማ ኣብ ዕዮ ስብከቶም ንጡፋት ኰይኖም ቀጸሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠15-26) ኣጸቢቖም ርዱኣት ኰይኖም ደው ክብሉ ቈሪጾም ተላዒሎም ነበሩ።

21, 22. ምሉኣትን ርዱኣትን ኴንኩም ደው ኢልኩም ከም ዘለኹም ብኸመይ ኢዩ ክርአ ዝኽእል፧

21 ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ምሉኣትን ርዱኣትን ኴንኩም ደው ኢልኩም ከም ዘለኹም ተሰዊሩ ከም ዘይተርፍ ምሉእ ብምሉእ ክትተኣማመኑ ትኽእሉ ኢኹም። ካልኦት ከስተብህልሉን ከማስውሉን ኢዮም። መን ኢዮም ካልኦት፧

22 እቶም ዝፈልጡኻን ዘፍቅሩኻን ኣሕዋትካ ይኹኑ ኣሓትካ ከስተብህልሉ ኢዮም። ዋላ እኳ መብዛሕትኦም ብቓላት እንተ ዘይገለጹልካ እቲ ውጽኢቱ ምስቲ ኣብ 1 ተሰሎንቄ 1:⁠2-6 ዘሎ ተመሳሳሊ ክኸውን ኢዩ። ከምዚ ይብል:- “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ግብሪ እምነትኩምን ጻዕሪ ፍቕርኹምን ትዕግስቲ ተስፋኹምን ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከየብኰርና ኣብ ጸሎትና ዅሉ ሳዕ እናዘከርናኩም: ብዛዕባ ዅላትኩም ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና። . . . እቲ ወንጌልና ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብብዙሕ ምርዳእን ከኣ እዩ እምበር: ብቓል ጥራይ ኣይመጸኩምን። ንስኻትኩምውን . . . ሰዓብትናን ሰዓብቲ ጐይታናን ኰንኩም።” እቶም ምሳኻ ዘለዉ እሙናት ክርስትያናት ‘ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ምሉእን ርዱእን’ ኴንካ ምስ ርኣዩኻ ከምዚ ክስምዖም ኢዩ።​—⁠ቈሎሴ 1:⁠23

23. ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት እንታይ ንምግባር ኢኻ ክትውስን ዘሎካ፧

23 ሰማያዊ ኣቦኻ እውን ከም ዝዕዘቦን ብእኡ ከም ዝሕጐስን ርግጽ ኢዩ። በዚ ኣይትጠራጠር። ስለምንታይ፧ ከመይሲ “ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ” ርዱእ ኴንካ ምሉእ ብምሉእ ደው ኢልካ ኢኻ ዘሎኻ። ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ “ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ እተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም” ክትመላለሱ ብምባል ዘተባብዕ ቃላት ጽሒፉሎም ኣሎ። (ቈሎሴ 1:⁠10) እወ: ዘይፍጹማት ሰባት ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ከሐጕስዎ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ የሐጒሶምዎ ኢዮም። ሕጂ ምሳኻ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ንየሆዋ የሐጕስዎ ኢዮም ዘለዉ። ንስኻ እውን ከምኡ ከተሐጕሶ ትኽእል ኢኻ! ስለዚ ኸኣ ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ዓመት መዓልታዊ ጸሎትካን ስርዓታዊ ተግባራትካን ‘ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ምሉእን ርዱእን ኴንካ ደው ክትብል’ ከም ዝቘረጽካ የረጋግጽ።

ትዝክሮዶ፧

• ‘ምሉእ ኴንካ ደው ምባልካ’ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧

• ኣብ ጸሎትካ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ እንታይ ነገራት ኢኻ ከተጠቓልል እትኽእል፧

• ኣብ ሮሜ 5:​4, 5 ተገሊጹ ከም ዘሎ እንታይ ዓይነት ተስፋ ክህልወካ ኢኻ እትደሊ፧

• እዚ ዝወሰድናዮ ትምህርቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት እንታይ ሸቶ ንኸተውጽእ ኢዩ ኣለዓዒሉካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኤጳፍራስ: ኣሕዋቱ ብዛዕባ ክርስቶስን ተስፋኦምን ኣብ ዘለዎም ምርዳእ ምሉኣት ኰይኖም ደው ንኽብሉ ጸልዩ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካልኦት ከም ናትካ ተስፋን ጽኑዕ ምርዳእን ኣለዎም