ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብስራት ሰላም ኣብ ከበሳታት ቺያፓስ ይበጽሕ

ብስራት ሰላም ኣብ ከበሳታት ቺያፓስ ይበጽሕ

ብስራት ሰላም ኣብ ከበሳታት ቺያፓስ ይበጽሕ

‘ኣብቲ ዋላ ሓደ ክርስዖ ዘይክእል ኣብ ክፍለ⁠-​­ሃገር ቺያፓስ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ቕትለት: 45 መሳኪን ገባርን 13 ሕጻናትን ብዕጡቓት ተኣርሚዶም ኢዮም።’ እዚ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ እቲ ብዕለት 22 ታሕሳስ 1997 ኣብ ክፍለ⁠-​­ሃገር ቺያፓስ ኣብ ኣክቲአል እተባህለ ቦታ ዘጋጠመ ዅነታት ብመጽሔት “ኤል ዩኒቨርሳል” [ስጳኛ] እተዋህበ ኢዩ።

 ቺያፓስ ኣብ ርሑቕ ደቡባዊ ሜክሲኮ እትርከብ ምስ ጓቲማላ እትዳወብ ክፍለ⁠-​­ሃገር ኢያ። ደቀባት ናይቲ ንመዋእላት ዝኣክል ብድኽነት እተጠቕዐን ቍሊሕ ተባሂሉ ዘይፈልጥን ከባቢ ዝዀኑ ናይ ማያ ህንዳውያን ኣብ ትሕቲ አኺርሲቶ ሳፓቲስታ ደ ሊበራስዮን ናስዮናል (ኢ.ዘድ.ኤል.ኤን. ሃገራዊ ሰራዊት ሓርነት ዛፓቲስታ) ዝበሃል ውድብ ተጠርኒፎም ጥሪ 1994 ዕጥቃዊ ኣብያ ጀመሩ። ነቲ ግጭት ዝኸውን ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ካብ ዘተ ምንም ፍረ ኽርከብ ኣይተኻእለን። ብወገን እቶም ተቓወምቲ ይኹን ብሰራዊት መንግስቲ ዝፍኖ ዝነበረ መጥቃዕትታት ምፍሳስ ደምን ሞትን ኢዩ ኣስዒቡ። እቲ እተኸስተ ዕግርግር ንመብዛሕትኦም ገባር ከባቢኦም ሓዲጎም ናብቲ ዕቝባ ክርከቦ ዝከኣል ቦታታት ክሃድሙ ገዲድዎም ኢዩ።

እዚ ዘይርጉእ ኵነታት እዚ ክኽሰት ከሎ ካብቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ገለልትነቶም ዝሓለዉ ኣፍቀርቲ ሰላም ዝዀኑ ጕጅለ ሰባት ኣለዉ። ነቲ ንሰባት ዘጓንፎም ግድላት ዝኸውን ፍታሕ እንኮ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ኣብዚ ኸባቢ እዚ ዀነ ብዓለምለኸ ደረጃ ኣብ ምንጋር ብውዕዉዕ መንፈስ ተጸሚዶም ኣለዉ። (ዳንኤል 2:⁠44) እዚኣቶም እንታዎት ኢዮም፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም። ብመሰረት ትእዛዝ የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናብቲ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታታት ተጠልዩ ዘሎ ከበሳዊ ክፍልታት ቺያፓስ ንምብጻሕ ይጽዕቱ ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:⁠14) ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝበለ ዅነታት ኴንካ ምስባኽ ከመይ ይመስል ነበረ: እንታይ ፍረኸ ተረኽበ፧

“ናይ የሆዋ ምስክር ኢየ”

ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ዘይገበረ ኣዶልፎ ዝበሃል መንእሰይ ሓደ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኦካሲንጎ ኣብ ዝርከብ ስርሑ መደበር ረድዮ ዀይኑ ይዓዪ ነበረ። ሃንደበት እቲ ማዕጾ ገም በለ። ገጾም እተሸፈኑ ዕጡቓት ከኣ ድርግም በሉ: ጠበናጅኦም ድማ ናብ ርእሲ ኣዶልፎ ኣቃንዕዎ። ናብቲ ኽፍሊ ፈነወ ተጓዪዮም ከኣ ነቲ መሳርሒ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ኣእተውዎ: ኣብ መንግስቲ ውግእ ኸም ዝኣወጁ ድማ ኣቃልሑ።

ናብ ኣዶልፎ ተመሊሶም ከኣ ኣብቲ ዕጥቃዊ ምንቅስቓሶም ክጽምበር ኣዘዝዎ። ዛጊት ዘይተጠምቀ እኳ እንተ ነበረ “ናይ የሆዋ ምስክር ኢየ” ብምባል መለሰሎም። እታ እንኮ ተስፋ ሰላም መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ገለጸሎም እሞ ነቲ ዝሃብዎ ወተሃደራዊ ክዳንን ብረትን ድማ ምቕባል ኣበዮም። ነቲ ቘራጽነት ዝመልኦ ኣቕዋሙ ብምርኣይ ከኣ ይኺድ ሓደግዎ። ነዚ ዅነት እዚ ኽዝክሮ ኸሎ ኣዶልፎ “እቲ ዘጋጠመኒ ኣብ እምነተይ ንኽጸንዕ ብሓቂ ሓጊዙኒ ኢዩ” ብምባል ይገልጽ።

ጸኒሑ እቲ ዝነበረ ኵነታት እኳ እንተ ሃድአ: እቲ ኸባቢ ግን ገና ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ቍጽጽር ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣዶልፎ ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ምሕድግ ኢሎም ዝነበሩ ጕጅለ ክርስትያናት ክዓዪ ሽማግለታት ናይቲ ኣብቲ ቦታ ዝነበረት ጉባኤ ንዘቕረብሉ ዕድመ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐበሎ። ነቶም ኣብቲ ዝሓልፈሉ ዝነበረ ናይ ተፍትሺ ነቝጣታት ዝሕልዉ ወተሃደራት ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑ ክገልጸሎም ከሎ ብኣኽብሮት ይርእይዎ ነበሩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ ተጠምቀ: እታ ምሕድግ ኢላ ዝነበረት ጕጅለ ናብ ደረጃ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽትዓቢ ብምሕጋዙ ኸኣ ዕግበት ክረክብ ክኢሉ ኢዩ። “ሕጂ ጥሙቕ ክርስትያን ብምዃነይ ኣፈይ መሊአ ናይ የሆዋ ምስክር ኢየ ክብል እኽእል ኢየ!” ብምባል ገለጸ።

“የሆዋ ኣበርቲዑና ኢዩ”

ኢ.ዘድ.ኤል.ኤን. ኣብ መንግስቲ ውግእ ኸም ዝኣወጀ ብረድዮ ደድሕሪ ምቅልሑ እቲ ህዝቢ ካብታ ኸተማ ሃዲሙ ወጸ። ፍራንሲስኮ እተባህለ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ወይ ድማ ፓይነር ነቲ ምስ በዓልቲ ቤቱ ዘጋጠሞ ዅነታት ንኽዋጽእሉ የሆዋ ብኸመይ ከም ዘበርተዖም ገሊጹ ኣሎ።

“ናብቲ ብእግሪ ሰለስተ ሰዓት ተጓዒዝካ ዝብጻሕ ቦታ ኼድና ኽንዕቈብ ወሰንና። ኣብኡ ሓንቲ ጉባኤ ስለ ዝነበረት ምስ ኣሕዋት ናይ ምሕዋስ ኣጋጣሚ ነይሩና ኢዩ። እቲ ኣብ ፓለንኬ ክግበር ተመዲቡ ዝነበረ ናይ ወረዳ ኣኼባና ዝካየደሉ ግዜ ኣተወ። ኣነን በዓልቲ ቤተይን ከኣ እቲ ንፓይነራት ዝግበረሎም ፍሉይ ኣኼባ ክሓልፈና እኳ እንተ ዘይደለና: እቲ ናብቲ ኣሰምብሊ ዝግበረሉ ዓዲ ዝወስድ መገዲ ግን በቶም ኢ.ዘድ.ኤል.ኤን. ኸም እተዓጽወ ፈለጥና። ብጣሻ ኣቢሉ ብዝወስድ መገዲ ኸኣ ኽንከይድ ወሰንና: ትሽዓተ ሰዓት ዝኣክል ድማ ተጐዓዝና። ኣብቲ ኣዚና እተሓጐስናሉ ናይ ፓይነራት ኣኼባ ኸኣ ብኣጋኡ በጻሕና: ንብምልኡ ፕሮግራም ናይቲ ኣሰምብሊ ድማ ኽንካፈሎ ከኣልና።

“ንዓድና ምስ ተመለስና ገዛና ተቓጺሉ ጥሪትና ድማ ተዘሚተን ጸንሓና። እታ ሓንቲ ዝጸንሓትና ነገር እንተ ዀይና ክዳውንቲ ዝሓዘት ንእሽቶ ሳንጣ ጥራይ ኢያ። በቲ ዝወረደና ጥፍኣት ጕሂና እኳ እንተ ነበርና: እቶም ኣብ ከተማ ኦካሲንጎ ዝነበሩ ኣሕዋት ብሕያውነት ናብ ኣባይቶም ወሲዶምና ኢዮም። ከም ሓረስቶት መጠን ተመኪርናዮ ዘይንፈልጥ ዓይነት ስራሕ እውን ኣርእዮምና ኢዮም። ሓደ ሓው ሞያ ስእሊ ክዕልመኒ ኸሎ ካልእ ሓው ድማ ስራሕ ጫማ ማሃረኒ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኢና ኣነን በዓልቲ ቤተይን ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ከየቋረጽና ገዛእ ርእስና ኽንናቢ ክኢልና ዘሎና። ንዅሉ እቲ ዘጋጠመና ሕስብ ከነብሎ ኸሎና ምንም እኳ ንኽንጻወሮ ቀሊል ከም ዘይኰነ ክንግንዘቦ ንኽእል እንተ ዀንና: የሆዋ የበርትዓና ኢዩ።”

ካብቲ ዕዮ ስብከት እተረኽበ ፍረ

እቶም ኣብ ክፍለ⁠-​­ሃገር ቺያፓስ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት ናብቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሰባት ንምብጻሕ ኣብ ዝግበር ፍሉይ ንጥፈት ንኸይካፈሉ እቲ ተኸሲቱ ዝነበረ ጸገማትን ሓደጋን ከጓናድቦም ኣይፈቐዱን። ንኣብነት: ነታ ስለምንታይ ኢያ ህይወት ብኽንድዚ ዝኣክል ሽግራት ተዋሒጣ ዘላ፧ ዝብል ምስቲ ዅነታት ዝሰማማዕ ኣርእስቲ ዝነበራ ዜና መንግስቲ ቝ. 34 ንምዝርጋሕ ኣብ እተኻየደ ወፈራ ምስቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርከቡ ክርስትያናት ብጾቶም ኰይኖም ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ናይ 1995 ተሳቲፎም ኢዮም።

ኣብ እዋን እቲ ወፈራ ሓደ ሲሮ ዝስሙ ስርዓታዊ ፓይነር ኣብ ፕወብሎ ንዌቦ ዝበሃል ናይ ሕርሻ ቦታ ሓንቲ ተገዳሲት ስድራ​­ቤት ረኸበ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ተመልሰ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብረሎም ጀመረ። ካልእ ግዜ ምስ ሓደ መሳንይቱ ዀይኑ ጽንዓት ክገብረሎም ናብቲ ቦታ ይኸይድ እሞ ኣቦ እታ ስድራ ኣብ ገዛ ኣይጸንሖምን። አረ ኣብቲ ገዛ ዝጸንሑስ ነቲ ሰብኣይ ረኺቦም ገለ ኽገብርዎ ዝጽበዩ ዝነበሩ ገጾም እተሸፈኑ ሰባት ኢዮም ነይሮም። ንሲሮን ብጻዩን ድማ እንታይ ደልዮም ከም ዝመጹ ሓተትዎም: ክቐትልዎም ምዃኖም ከኣ ኣጕባዕብዑሎም። ብውሽጦም ናብ የሆዋ ድሕሪ ምጽላዮም እዞም ክልተ ክርስትያናት እዚኣቶም ነታ ስድራ​­ቤት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ከም ዝመጹ ብትብዓት ገለጹሎም። ድሕርዚ እቶም ዕጡቓት ይኺዱ ሓደግዎም። ኣቦ እታ ስድራ ብገለ ምኽንያት ንገዛ ኸይመጸ ወዓለ።

ሓደ ግዜ ግን ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ሲሮ እዚ ሰብኣይ እዚ ናብ ገዝኡ ምስ መጾ ደንጽይዎ ኢዩ። ብምልእታ እታ ስድራ​­ቤት ከም እተጠመቐትን ኣባላት ሓንቲ ኣብ ጓቲማላ እትርከብ ጉባኤ ምዃኖምን ምስ ነገሮ ሲሮ ብሓጐስ ፍንጭሕ ኢሉ ኢዩ። አረ ሓንቲ ኻብተን ደቁስ ስርዓታዊት ፓይነር ኰይና ተገልግል ነበረት!

ንመንፈሳዊ መግቢ እተራእየ ሞሳ

ምንም እኳ ኣብ ቺያፓስ ዘየቋርጽ ጸገማት እንተ ነበረ: ሓደ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ኣቕሪብዎ ኣብ ዘሎ ጸብጻብ ግን እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣገዳስነት ኣኼባታት ብሓቂ ተገንዚቦምዎ ኸም ዘለዉ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ። (እብራውያን 10:⁠24, 25) ኣብቲ ዝሃቦ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን እተኻየደ ናይ ፍሉይ መዓልቲ ኣሰምብሊ ገሊጹ ኣሎ: ተኣከብቲ ገና ምድሪ ኸይመሰየ ኸሎ ገዝኦም ምእንቲ ኽኣትዉ እቲ ኣሰምብሊ ኣንጊህካ ኽጅመር ተመደበ። ምንም እኳ መብዛሕትኦም ኣብቲ ኣሰምብሊ ዝካየደሉ ቦታ ንምብጻሕ ሰለስተ ሰዓት ዝኣክል ብጣሻ ኽጓዓዙ እንተ ነበሮም: ልክዕ ሰዓት 7:00 ናይ ንግሆ ክኸውን ከሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ኮፍ መበሊኡ ነበረ። ሽዱሽተ ኣባላት ውድብ ኢ.ዘድ.ኤል.ኤን. ኣብቲ ኣኼባ ተኻፊሎም ነቲ ፕሮግራም ይሰምዕዎ ምናልባትውን በቲ ትሕዝቶ ተሓጒሶም ኢዮም ዝዀኑ የጣቕዑ ነበሩ። ንሳቶምውን ኣብቲ ኣሰምብሊ ንምክፋል ሰለስተ ሰዓት ብእግሪ ተጓዒዞም ኢዮም መጺኦም። ዕስራ ዝዀኑ ኸኣ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ እተኸብረ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ተኻፊሎም ኢዮም።

ካልእ ምስቲ ምንቅስቓስ ናይቶም ደባይ ተዋጋእቲ ተሰሊፉ ዝነበረ መንእሰይ ድማ ንሓደ ጣሻ መሊእዎ ዝነበረ ከባቢ ዳህሳስ ክገብረሉ ብሓለፍቱ ተመዘዘ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሐ እቶም ዝበዝሑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ብምልኦም ተቐማጦ ሃዲሞም ጸንሕዎ። ኣብ ሓንቲ ኻብተን ዋናታተን ሓዲጎምወን ዝኸዱ ኣባይቲ ድማ ኣተወ። ዕጥይጥይ ምባል ምስ በዝሖ ኸኣ ኣብቲ ገዛ ኣብ ሓደ ወገን ዝጸንሖ ገለ መጻሕፍቲ ኣልዓለ እሞ ምንባብ ጀመረ። እቲ መጻሕፍቲ ድማ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓዲጎምዎ ዝኸዱ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ነበረ። እዚ መንእሰይ ኣብተን ንበይኑ ተጠልዩ ዝጸንሓለን እዋናት ብዛዕባ እቲ ዘንበቦ ኸስተንትን እኹል ግዜ ረኺቡ ኢዩ። ህይወቱ ለዊጡ ዕጥቁ ከውርድ ከም ዝግብኦ ድማ ወሰነ። ከምዚ ኽገብር ምስ ከኣለ ሽዑ ንሽዑ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበ እሞ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ጀመረ። ሽዱሽተ ወርሒ ኸይመልአ ኸሎ ኸኣ ንኻልኦት ከበስሮም ጀመረ። እዚ መንእሰይ እዚ ሕጂ ነቶም ቅድም ተደናገጽቲ እቲ ምንቅስቓስ ደባይ ተዋጋእቲ ዝነበሩ ካልኦት ኣባላት ስድራ​­ቤቱ ሓዊስካ ራብዓይ ርእሱ ጥሙቕ ክርስትያን ኢዩ።

ኣወንታዊ ጎድኒ ምርኣይ

ምንም እኳ ኣዝዩ ከቢድ ጸገም እንተ ኣጋጠመ: ብሓቂ ክርአ ኸሎ ግን እቲ ግጭት ኣብቲ ሰባት ንዕዮ ስብከት ዝነበሮም ኣረኣእያ ኣወንታዊ ጽልዋ ገይሩ ኢዩ። እቲ ቓልሲ ኣብ ዝጀመረሉ ኸተማ ዝነብር ሽማግለ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጽ:- “እቲ ውግእ ኻብ ዝጅምር ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ይኸውን እቲ ዕዮ ስብከት ኣብ ውሽጥን ወጻእን እታ ኸተማ ብእተመሓደረ ኣገባቡ ጀመረ። ሰባት ብህንጥዮት ይሰምዑና ነበሩ። ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ከኣ ዓደልና: ሓያሎ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ጀመርና። ኣብ ሓደ ኸባቢ ብዙሓት ንሓቂ ዝጻረሩ እኳ እንተ ነበሩ: ሕጂ ግን ብምኽንያት እቲ ዘጋጠመ ዕግርግር ኣረኣእያኦም ስለ እተቐየረ ይሰምዑን መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑን ጥራይ ዘይኰኑስ ኣኼባታትን ኣሰምብሊታትን እውን ይካፈሉ ኣለዉ።”

ዘይርጉእ ዅነታት እኳ እንተ ነበረ: ኣሕዋት ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታቶም ኸቋርጹ ብዘይ​­ምኽኣሎም ግን ሕጉሳት ኢዮም። ሓይልታት መንግስቲ ከምኡውን ኢ.ዘድ.ኤል.​­ኤን. እናፈለጡ ነቲ ብመንፈስ ከበርትዖም ዝኽእል ኣሰምብሊታት የካይድዎ ነይሮም ኢዮም። እቲ ብገየሽቲ ተዓዘብቲ ዝግበር ዝነበረ ምብጻሓት እውን ንምቕጻል እቲ ዕዮ ስብከት ሓያል ድፍኢት ኰይኑ ኢዩ። እቲ ዘገርም ግን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕዮ ስብከቶም ከየባተኹ ንኽቕጽሉ ካብቶም ኣብቲ ግርጭት ተጸሚዶም ዝነበሩ እውን ከይተረፈ ዝበዝሕ ግዜ ምትብባዕ ይርከብ ነይሩ ኢዩ።

እቶም ኣብ ቺያፓስ ዘለዉ ሰባት ክጽመምዎ ዝነበሮም ፈተናታትን ጸገማትን ድሕሪ ገለ ግዜስ ቀሊልሎም ኢዩ ክበሃል ኣብ ዝከኣለሉ ደረጃ እኳ እንተ በጽሐ: ምሉእ ብምሉእ ግን ኣየኽተመን። ሓደ ርግጽ ዝዀነ ነገር ግን ኣሎ: እዚ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብስራት ሰላም ከይተሓለሉ ናብ ሰባት ንምብጻሕ ዝገብርዎ ጻዕሪ ብቘራጽነት ይቕጽልዎ ምህላዎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠34-36፣ ኤፌሶን 6:⁠15) ልክዕ ከምቲ ነብዪ ኤርምያስ ዝበሎ ንሳቶምውን “መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ” ይግንዘብዎ ኢዮም። (ኤርምያስ 10:⁠23) ነዚ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ዘይፍትሓውነትን ድኽነትን ዝኸውን ፍታሕ ኸተምጽእ እትኽእል እታ በቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እትምራሕ ዘላ መንግስቲ ጥራይ ኢያ።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠10

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኣብ ከበሳታት ቺያፓስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምስባኽ ክኸዱ ኸለዉ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ቺያፓስ

ጓቲማላ

ወሽመጥ ሜክሲኮ

ሰላማዊ ውቅያኖስ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.