ኣብ እዋን ልደት ዝዝውተር ልምድታት ክርስትያናዊ ድዩ፧
ኣብ እዋን ልደት ዝዝውተር ልምድታት ክርስትያናዊ ድዩ፧
ልደት ኣብ ዝበዓለሉ እዋን ኢና እንርከብ ዘሎና። እዚ ንዓኻን ንስድራቤትካን ንመሓዙትካን እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧ መንፈሳዊ ወቕቲ ድዩ ወይስ ናይ ፌስታን ፈንጠዝያን ግዜ ኢዩ ክዀነልኩም፧ ልደት የሱስ ክርስቶስ ዝትኰረሉ ግዜ ድዩ ወይስ ክርስትያናዊ ስርዓታት ኣገዳሲ ገይርካ ዘይረኣየሉ እዋን ኢዩ፧
ነዚ ሕቶታት እዚ ክትሓስበሉ ኸሎኻ ክርሳዕ ዘይብሉ ነጥቢ ኣሎ: እዚ ኸኣ ኣብ እዋን ልደት ዝዝውተር ልምድታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝፈላለ ምዃኑ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ሜክሲኮን ካልኦት ሃገራት ላቲን ኣመሪካን እቲ ልደት ዝጽውዓሉ ስም ንባዕሉ ፍሉይ ኢዩ። ሓደ መዝገበ-ፍልጠት ገሊጽዎ ኸም ዘሎ እቲ ክሪስማስ ዝብል ናይ እንግሊዝኛ ስም ‘ካብቲ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝዝውተር ዝነበረ ክሪስተስ ማሰ ዝብል “ቅዳሰ ክርስቶስ” ዝትርጕሙ ስያመ ዝመጸ’ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ዓድታት ላቲን ኣመሪካ ዝዝውተር ላ ናቪዳድ ዝብል ስም ንልደት ክርስቶስ ዘመልክት ኢዩ። እስከ ሕጂ ናብቲ ኣብ ሜክሲኮ ዝዝውተር ልምድታት ነተኵር። እዚ ድማ ነዚ ኣውደ ዓመት ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣረኣእያ ንኸተጥሪ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ።
ፖሳዳስ: “እቶም ሰለስተ ሰብ ጥበብ:” ከምኡውን ናሲምየንቶ
እቲ ፌስታ ብፖሳዳስ ዝበሃል ጽምብል ኣብ 16 ታሕሳስ ኢዩ ዝጅምር። ሓደ ሜክሲኮስ ፊስትስ ኦቭ ላይፍ ዝበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ሓሳብ ይህብ:- “ፖሳዳስ ነቲ ዮሴፍን ማርያምን መዕቈቢ ዝህብዎም ብሩኻት ክሳዕ ዝረኽቡ ኣብ ከተማ ቤት-ልሄም ኰለል ዝበልሉ ዅነታት ንምዝካር ተባሂለን ዝጽምበላ ቅድሚ ልደት ዘለዋ ትሽዓተ ናይ ታሕጓስ መዓልትታት ኢየን። ነተን ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ዝነበራ መዓልትታት ብተዋስኦ መልክዕ ንምዝካረን ስድራቤታትን ኣዕሩኽትን ምሸት ምሸት ኢዮም ዝእከቡ።”
ሰባት ብጕጅለ ዀይኖም ምስሊ ማርያምን ዮሴፍን ሒዞም ናብ ሓደ ቤት ብምኻድ መሕደሪ ክህብዎም ብደርፊ ምልማን ወይ ድማ ፖሳዳ ልሙድ ኢዩ። እቶም ኣብ ውሽጢ ቤት ዘለዉ ድማ ነቲ ደርፊ ተቐቢሎም ድሕሪ ምድራፎም ነቶም ኣጋይሽ ንኽኣትዉ ይፈቕዱሎም። ድሕርዚ ኣዒንቶም እተሸፈኑ ሰባት ንሓደ ብገመድ ተኣሲሩ እተንጠልጠለ ፒኛታ ዝበሃል ዓቢ እተሰለመ ዕትሮ በብታራ ብበትሪ ኽሰብርዎ ይፍትኑ እሞ ምስ ተሰብረ ኸኣ እቶም ኣብቲ ጽምብል ዝመጹ ነቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ (ካሪመለ: ፍሩታ: ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት) ይኣርይዎ። ነዚ ስዒቡ ድማ ዝብላዕን ዝስተን ነገራት ከምኡውን ሙዚቃን ሳዕስዒትን ዘለዎ ድግስ ይጅምር። ካብ 16 ታሕሳስ ክሳዕ 23 ታሕሳስ ሸሞንተ ናይ ፖሳዳ ድግሳት ይግበር። ዕለት 24 ኖቸብዌና (ድሮ በዓል ልደት) ይበዓል: ስድራቤታት ብሓንሳብ ኰይኖም ፍሉይ ድራር ንምድራር ብእተኻእሎም መጠን ክተኣኻኸቡ ኢዮም ዝጽዕሩ።
ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ በዓል ሓድሽ ዓመት ደበኽ ይብል: እዚ በዓል እዚ ኸኣ ጭራሕ ምራሕ ብዝበዝሖ ድግስ ኢዩ ዝኽበር። ምሸት 5 ጥሪ እቶም ትረስ ሬስ ማጎስ (“ሰለስተ ሰብ ጥበብ”) ንቘልዑ መጻወቲ ኸምጽእሎም ትጽቢት ይግበር። እቲ ጽምብላት ናብ ምውዳእ ገጹ ዝኸይድ በቲ 6 ጥሪ ዝካየድ ድግስ ኢዩ: ሽዑ ሮስካ ደ ሬስ (ከቢብ ምቁር ሕብስቲ) ይሳሰ። እቲ ዶልሺ ክብላዕ ኸሎ: ሓደ ሰብ ኣብታ ናቱ ብጽሒት ንህጻን የሱስ እተመልክት ባምቡላ ይረክብ። እቲ ዝረኸባ ሰብ ነቲ ኣብ 2 ለካቲት ዝካየድ ድግስ ከዳሉን ከአንግድን ይግደድ። (ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ነቶም “ሰለስተ ሰብ ጥበብ” ንምምልካት ሰለስተ ባምቡላታት ኢዩ ዝግበር።) ክሳዕ ሕጂ ኽትግንዘቦ ክኢልካ ኸም ዘሎኻ እምበኣር ድግስ ምድጋስን ልደትን ዝፈላለዩ ኣይኰኑን።
ኣብዚ እዋን እዚ ናሲምየንቶ (ናይ ልደት ምርኢት) ጕሉሕ ፍጻመ ኢዩ። ኣብዚ ምርኢት እዚ እንታይ ኢዩ ዝግበር፧ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኰነ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን ከምኡውን ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ብካይላ: ዕንጨይቲ: ወይ እውን ብመሬት-ጥዑም እተሰርሐ ቅርጽታት (ዓበይቲ ወይ ንኣሽቱ) ንምርኢት ይቐርብ ኢዩ። እዚ ኸኣ ዮሴፍን ማርያምን ኣብ ቅድሚ ናጽላ ሕጻን ዝሓዘ መብልዕ ማል ተምበርኪኾም ከለዉ ዘርኢ ኢዩ። ኣብቲ ምርኢት መብዛሕትኡ ግዜ ጓሶት ከምኡውን እቶም ትረስ ሬስ ማጎስ (“ሰለስተ ሰብ ጥበብ”) እቱዋት ኢዮም። እቲ ቦታ ንመብልዕ ማል ዘመልክት ስለ ዝዀነ ገለ እንስሳታት ኣብ ወሰነ ወሰን ይረኣያ ኢየን። ኣብቲ ምርኢት እቲ ጕሉሕ ስፍራ ዘለዎ ግን እቲ ብስጳኛ ኤል ኒኖ ዳ ድዮስ (እቲ ቘልዓ ኣምላኽ) ዝብል መጸውዒ ዘለዎ ናጽላ ህጻን ኢዩ። እቲ ቕርጺ ናይዚ ህጻን እዚ ኣብ ድሮ ልደት ኣብ ቦትኡ ክቕመጥ ይኽእል ኢዩ።
ኣብ እዋን ልደት ዝዝውተር ልምድታት ምስ ዝምርመር
ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና (እንግሊዝኛ) ብሓፈሻ ብዛዕባ እቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝኽበር በዓል ልደት ክዛረብ ከሎ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጽ:- “መብዛሕትኡ እቲ ምስ ልደት ምትሕሓዝ ዘለዎ ልምድታት መበቈሉ ምስ ልደት ኣይኰነን: ኣብ ክንድኡስ ቤተ-ክርስትያን እተቐበለቶ ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ዘይክርስትያናዊ ልምድታት ኢዩ። እቲ ኣብ መፋርቕ ታሕሳስ ብሮማውያን ዝኽበር ዝነበረ ሳቱርናልያ ንመብዛሕትኡ ኣብ እዋን ልደት ዝዝውተር ናይ ፈንጠዝያ ልምድታት ሞደል ኰይንዎ ኢዩ። ወጃዕጃዕ ዝበዝሖ ድግስ ምድጋስ: ህያብ ምውህሃብ: ከምኡውን ከም ምውላዕ ሽምዓ ዝኣመሰለ ተግባራት ገለ ኻብቲ ካብዚ በዓል እዚ እተወርሰ ልምድታት ኢዩ።”
እቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝዝውተር ናይ ልደት ልምድታት ምናልባት ካልእ ተወሳኺ ነገራት ይህልዎ ይኸውን ኢዩ። እዚ ኻበይ እተወርሰ ምዃኑ የተሓሳስበካ ይኸውን። ብርግጽ: ብዙሓት ንመጽሓፍ ቅዱስ ክስዕብዎ ዝደልዩ ሰባት ገሊኡ ልምድታት ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ናይ ኣዝቴክ ሃይማኖታዊ ጽምብል እተወርሰ ምዃኑ ይግንዘቡ ኢዮም። ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ዝዝርጋሕ ኤል ዩኒቨርሳል እተባህለ ጋዜጣ (ስጳኛ) ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ሓሳብ ይህብ:- “ኣባላት እተፈላለየ ገዳማት ዝዀኑ ፈለስቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝጸንሖም ናይ ኣዝቴክ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ምስቲ ናይ ካቶሊክ ቅዳሴ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ዝዛነቕ ምዃኑ ኣስተብሃሉ እሞ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተበሊጾም ዕዮ
ወንጌላውነትን ሚስዮናውነትን ከካይዱ ኸኣሉ። ተዛረብቲ ቛንቋ ስጳኛ ናብቲ ቦታ ቕድሚ ምምጽኦም ንህንዳውያን ኣማልኽቲ ዝግበር ዝነበረ ዝክራት በቲ ንኣማልኽቲ ክርስትያናት ዝጽምበል ፌስታ ተክእዎ፣ ኣውሮጳዊ ፌስታታትን ንጥፈታትን ኣተኣታተዉ: ኣብ ርእሲ እዚውን ነቲ ህንዳዊ ፌስታታት ተጠቒሞምሉ ኢዮም: እዚ ኸኣ ብግዲኡ ባህላዊ ምትሕንፋጽ ኣስዒቡ ኢዩ: ብርግጽ ካብዚ ድማ ኢዩ ሜክሲኮኣዊ ስያመታት ክበቍል ዝኸኣለ።”ዘ ኢንሳክሎፔድያ ኣመሪካና ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብ እዋን ልደት ዝዳሎ ምርኢታት ነዊሕ ከይጸንሐ ኢዩ ክፍሊ በዓል ክሪስማስ ኰይኑ። . . . እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዝርአ ናይ ልደት ፍጻመ ዝገልጽ ቅርጽታት [ምርኢት መብልዕ ማል] ብቕዱስ ፍራንሲስ ከም ዝጀመረ ኢዩ ዝንገር።” እዚ ልደት ክርስቶስ ዘርኢ ምርኢታት ኣብቲ ሜክሲኮ ናብ መግዛእቲ እትኣትወሉ ዝነበረት እዋን ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን ይቐርብ ነበረ። እዚ ምርኢታት ንህንዳውያን ኣመሪካ ብዛዕባ ልደት ንምምሃሮም ብፍራንቺስካውያን ፈለስቲ እተጀመረ ኸኣ ኢዩ ነይሩ። ድሕርዚ ኢዩ ጽምብላት ፖሳዳስ ህቡብ እናዀነ ዝመጸ። ናይ ፈለማ ስዉር ዕላማ እንታይ ምንባሩ ብዘየገድስ: እቲ ስነ-ስርዓት ፖሳዳስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝፍጸመሉ ዘሎ ኣገባብ ኣየናይ መበቈል ከም ዘለዎ ዝገልጽ ኢዩ። ኣብዚ ወርሓት እዚ ኣብ ሜክሲኮ እንተድኣ ኣሊኻ ነዚ ዝስዕብ ሓደ ናይ ኤል ዩኒቨርሳል ጸሓፋይ ዘጕልሖ ነገር ኣጸቢቕካ ኽትግንዘቦ ኢኻ:- “እቲ ሓደ ግዜ ነቲ ውሉድ ኣምላኽ ዝውለደሉ መዕቈቢ ንኸናድዩ ወለዲ የሱስ ኰለል ዝበልዎ ጕዕዞ ዘዘኻኽረና ዝነበረ ስነ-ስርዓት ፖሳዳስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ስኽራን: ስስዐ: ህርፋን: ምውድልዳል: ከምኡውን ናይ ኣዝዩ ብዙሕ ዓመጻ ግዝያት ኢዩ ዀይኑ ዘሎ።”
ናሲምየንቶ ኣብቲ ሜክሲኮ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበረትሉ እዋን ኢዩ ካብቲ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያናት ብተዋስኦ ዝቐርብ ዝነበረ ምርኢታት ክውረስ ተኻኢሉ። ምንም እኳ እዚ ልምዲ እዚ ዝምስጦም ሰባት እንተለዉ: ብልክዕ ግን ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ዝሰማማዕ ድዩ፧ እዚ ክሕተት ዝግብኦ ሕቶ ኢዩ። እቶም ሰለስተ ሰብ ጥበብ ተባሂሎም ዘለዉ—ከም ሓቁ ክርአ ኸሎ እኳ ቈጸርቲ ከዋኽብቲ ኢዮም ነይሮም—ንየሱስ ክበጽሕዎ ምስ ከዱ: የሱስን ስድራቤቱን ኣብ መብልዕ ማል ኣይኰኑን ዝነብሩ ነይሮም። ገለ ግዜ ሓሊፉ ስለ ዝነበረ: እታ ስድራቤት ኣብ መንበሪ ገዛ ኢያ እትነብር ነይራ። ነዚ ዝርዝር እዚ ኣብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ኣብ ማቴዎስ 2:1, 11 ዘሎ ጸብጻብ ምስ እትርእዮ ክትድነቕ ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ክንደይ ዝኣኽሉ ቘጸርቲ ከም ዝነበሩ ዝገልጾ ሓበሬታ ከም ዘየለውን ከተስተብህል ኢኻ። a
ኣብ ላቲን ኣመሪካ እቶም ሰለስተ ሰብ ጥበብ ንሳንታ ክላውስ ተኪኦምዎ ንረኽቦም። እንተዀነ ግን: ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝግበር ብዙሓት ወለዲ ኣብ ገዛ መጻወቲ ይሓብኡ እሞ ጥሪ ዕለት 6 ንግሆ ቘልዑ ነቲ እቶም ሰለስተ ሰብ ጥበብ ከም ዘምጽኡሎም ገይሮም ዝሓስብዎ መጻወቲ ይደልይዎ። እዚ እዋን እዚ መጻወቲ ቘልዑ ንዝሸጡ ሸቃጦ ናይ መኽሰብ ግዜ ኢዩ። አረ ገሊኦምስ በቲ ብዙሓት ገርህታት ሰባት ከም ፈንጠዝያ ዝሓስብዎ እዋን ጅቦኦም ኣርጒዶም ኢዮም። እቲ ብዛዕባ እቶም ሰለስተ ሰብ ጥበብ ዝገልጽ ብሂል ኣብ ብዙሓት ሰባት—አረ ኣብ ንኣሽቱ ቘልዑ እውን ከይተረፈ—ዝነበሮ ጽልዋ ይዳኸም ኢዩ ዘሎ። ሰዓብቲ ናይዚ ልምዲ እዚ እናጐደሉ ይኸዱ ብምህላዎም ዝጕህዩ ሰባት እኳ እንተለዉ: ሓደ ሰብ ካብዚ ባህሊ ተረሲዑ ምእንቲ ኸይተርፍን ንመፍቶ ነጋዶን ተባሂሉ ዝግበር ፈንጠዝያ እንታይ ቝም ነገር ኢዩ ክጽበ ዝኽእል፧
ልደት ብቐዳሞት ክርስትያናት ኣይበዓልን ኢዩ ነይሩ። ሓደ መዝገበ-ፍልጠት ብዛዕባ እዚ ክገልጽ ከሎ “ኣብተን ቀዳሞት ዘመናት ቤተ-ክርስትያን ናይ ክቡራት ሰባት ዕለተ ሞት እምበር ዕለተ ልደት ናይ ምኽባር ክርስትያናዊ ልምዲ ኣይነበረን” ይብል። መጽሓፍ ቅዱስ ምብዓል ዕለተ ማቴዎስ 14:6-10
ልደት ምስ ሓቀኛታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘይኰነስ ምስ ኣረማውያን ኢዩ ዘተሓሕዞ።—ርግጽ ኢዩ ኸምዚ ክበሃል ከሎ ብዛዕባ እቲ ወዲ ኣምላኽ ክውለድ ከሎ ዝዀነ ናይ ሓቂ ፍጻመታት ምፍላጥን ምዝካርን ኣይጠቅምን ኢዩ ማለት ኣይኰነን። እቲ ኣብ ጭብጢ እተመስረተ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ንዅሎም እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ክገብሩ ዝደልዩ ሰባት ከገድሶም ዝግባእ ጥልቂ ትሕዝቶን ትምህርትን ኣለዎ።
ልደት የሱስ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ
ንልደት የሱስ ዝምልከት ናይ ሓቂ ሓበሬታ ኣብ ወንጌል ማቴዎስን ሉቃስን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣብኡ ተዋሂቡ ዘሎ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ገብርኤል መልኣኽ ንሓንቲ ማርያም ዝስማ ኣብ ናዝሬት ናይ ገሊላ እትነብር ዘይተመርዓወት መንእሰይ በጽሓ። እንታይ መልእኽቲኸ ኣምጽኣላ፧ “እንሆ: ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ: ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን: ወዲ ልዑልውን ኪብሀል እዩ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ: መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን።”—ሉቃስ 1:31-33
ማርያም ነዚ መልእኽቲ እዚ ምስ ሰምዓቶ ኣዝያ ተገረመት። ዘይተመርዓወት ብምንባራ ኸኣ “እዚኸ: ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ: ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፧” በለት። እቲ መልኣኽ ድማ መሊሱ ኸምዚ ዝስዕብ በላ:- “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ: ወዲ ኣምላኽ ኪብሀል እዩ።” ማርያም ከኣ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ተገንዚባ “እኔኹ: ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር: ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ” በለት።—ሉቃስ 1:34-38
ዮሴፍ ምጥናስ ማርያም ምስ ፈለጠ ንኽፈትሓ ወጢኑ ነበረ እሞ ሓደ መልኣኽ ብዛዕባ እቲ ተኣምራታዊ ጥንሲ ነጊሩ ንኸይፈትሓ ተዛረቦ። ድሕርዚ ኸኣ ንወዲ ኣምላኽ ናይ ምእላይ ሓላፍነት ንምውሳድ ፍቓደኛ ዀነ።—ማቴዎስ 1:18-25
ሽዑ እቲ ኻብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ዝወጸ ትእዛዝ ንዮሴፍን ማርያምን ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ ናብታ ዓዲ ኣቦታቶም ዝዀነት ከተማ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ኸይዶም ክምዝገቡ ገዲድዎም ኢዩ። “ኰነ ድማ: ኣብኡ ኸለዉ: ጊዜ ሕርሳ በጽሔ። በዅሪ ወዳ ወለደት ብዓለባውን ጠቕለለቶ: ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ: ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ።”—ሉቃስ 2:1-7
ነቲ ድሕርዚ ዝዀነ ነገራት ሉቃስ 2:8-14 ብኸምዚ ዝስዕብ ትገልጾ:- “ኣብታ ምድሪ እቲኣ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሐድሩ ጓሶት ነበሩ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ደው በለ: ክብሪ እግዚኣብሄርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሄ: ብዙሕ ፍርሃት ከኣ ፈርሁ። እቲ መልኣኽ ድማ፤ እንሆ: ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ:—ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ:—ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ: ኣይትፍርሁ። ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፣ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም: በሎም። ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፤ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ: ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት: እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።”
እቶም ቈጸርቲ ከዋኽብቲ
ንጉስ ኣይሁድ እተወልደሉ ቦታ ንምርካብ ቈጸርቲ ከዋኽብቲ ካብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም ከም ዝኸዱ ናይ ማቴዎስ ጸብጻብ ይሕብር ኢዩ። ንጉስ ሄሮድስ ብዛዕባ እዚ እምብዛ ተገደሰ—ኣይናይ ጥዕናን ግን! “ናብ ቤት-ልሄም ድማ ሰደዶም፤ ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ሕጻን ኣርጊጽኩም መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ: ኣነ ኸኣ መጺኤ ኽሰግደሉ: ኣፍልጡኒ: በሎም።” እቶም ቈጸርቲ ከዋኽብቲ ድማ ነቲ ቘልዓ ረኸብዎ እሞ “ሳጹኖም ከፊቶም . . . ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጽ በረኸት ሀብዎ።” ናብ ሄሮድስ ግን ኣይተመልሱን። ‘ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ ሕልሚ ተራእይዎም ነይሩ ኢዩ።’ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ሄሮድስ ዝነበሮ ሃቐና ንዮሴፍ ንኽነግሮ መልኣኽ ሰደደ። ሽዑ ዮሴፍን ማርያምን ወዶም ሒዞም ንግብጺ ሃደሙ። ድሕርዚ ድማ እቲ ጨካን ንጉስ ሄሮድስ ነቲ ሓድሽ ንጉስ ንምቕንጻል ኣብ ቤት-ልሄምን ከባቢኣን ዝነበሩ ኣወዳት ክቕተሉ ኣዘዘ። እወ: ክልተ ዓመት ዝመልኡን ትሕቲኡ ዝዕድሚኦምን ኣወዳት ክቕተሉ ትእዛዝ ተዋህበ።—ማቴዎስ 2:1-16
ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
እቶም ክበጽሑ ዝመጹ ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ—ክንደይ ምንባሮም ብዘየገድስ—ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዘምልኹ ኣይነበሩን። እቲ ላ ንዌቫ ቢብልያ ላቲኖኣመሪካ ዝበሃል ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ (ናይ 1989 ሕታም) ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኣቶም ክገልጽ ከሎ “እቶም ሰብ ጥበብ ነገስታት ኣይነበሩን: ወዮ እኳ ድኣስ ጠንቈልትን ናይ ሓደ ኣረማዊ ሃይማኖት ካህናትን ኢዮም ነይሮም” ዝብል ሓሳብ ኣብ እግረ-ጽሑፍ ኣስፊሩ ኣሎ። ምስቲ ተወፍዮምሉ ዝነበሩ ዓውዲ ስነ-ኮዀብ ፍልጠት ንምስምማዕ ጥራይ ኢዮም ከይዶም። ናብቲ ንእሽቶ ቘልዓ ንኽኸዱ ኣምላኽ ክመርሖም ደልዩ ነይሩ እንተ ዝኸውን: ናብ የሩሳሌም መሪሑ ምውሳድን ናብ ቤተ-መንግስቲ ሄሮድስ ምእታውን ከየድለዮ
ብቐጥታ ናብታ ዝደልዩዋ ቦታ ምመርሖም ነይሩ። መሕልፎ ኣምላኽ ኢዩ ነቲ ቘልዓ ምእንቲ ኸዕቍቦ ጣልቃ ኣትዩ መገዶም ከም ዝቕይሩ ዝገበሮም።መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ጸብጻብ እዚ ብሰንኪ ያታዊ ተግባራትን እቲ ዝሰፍን ናይ ፈንጠዝያ ሃዋህውን ኣብ እዋን ልደት ተዓብዒቡ ኢዩ ዝተርፍ: እዚ ኸኣ ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ይደብኖ ኢዩ፣ እዚ ኣገዳሲ ነገር እዚ ከምቲ ንማርያምን ነቶም ጓሶትን ብዕሊ እተነግሮም እቲ ቘልዓ እተወልደ ዓቢ ንጉስ ንኽኸውን ኢዩ። ብርግጽ የሱስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕጻን ወይ ከኣ ዝዓዀኸ ቘልዓ ኣይኰነን። ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃን ይገዝእ ኢዩ ዘሎ: በዛ መንግስቲ እዚኣ ኣቢሉ ፍቓድ ኣምላኽ ንእተጻረረ ዘበለ ዅሉ ምምሕዳራት ድሕሪ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ከጥፍኦ ኢዩ: ንዅሉ ግድላት ደቅሰብ ከኣ ክፈትሖ ኢዩ። እታ ኣብ ኣቡነ ዘበሰማያት እንጽልየላ መንግስቲ እዚኣ ኢያ።—ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:9, 10
እቲ ናይ ድሕነት ኣጋጣሚ ንዅሎም እቶም መልእኽቲ እቲ ብስራት ንምስማዕ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ርሑው ምዃኑ ካብቲ እቶም መላእኽቲ ነቶም ጓሶት ዝነገርዎም ኣዋጅ ክንግንዘቦ ንኽእል ኢና። እቶም እተቐበሎም ከኣ “ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ተባሂሎም ኣለዉ። ኣብ ትሕቲ እታ ብየሱስ ክርስቶስ እትምራሕ መንግስቲ ንሰላም ዝኸውን ዘደንቕ ተስፋታት ኣሎ: ሰባት ግን ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ወለንተኛታት ክዀኑ ይግባእ። ልደት ከምዚ ንምግባር ዝምሽእ ቅነ ድዩ: ሓደ ሰብ እዚ ድሌት እዚ ኸም ዘለዎ ዝንጸባርቐሉ ሃዋህዉ ድዩ፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክስዕብዎ ዝደልዩ ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት ናይዚ ሕቶ እዚ መልሲ ንጹር ምዃኑ ኢዮም ዝኣምኑ።—ሉቃስ 2:10, 11, 14
[እግረ-ጽሑፍ]
a ዕሽሽ ተባሂሉ ዘይሕለፍ ካልእ ጕዳይ እውን ኣሎ:- ኣብቲ ሜክሲኮኣዊ ናሲምየንቶ እቲ ሕጻን “እቲ ቘልዓ ኣምላኽ” ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ: እዚ ኸኣ ሕጻን ኰይኑ ናብ ምድሪ ዝመጸ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ሓሳብ ኢዩ ዘለዎ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ ኣብ ምድሪ እተወልደ ወዲ ኣምላኽ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ፣ ከምቲ ዅሉ ዝኽእል የሆዋ ኣምላኽ ኣይኰነን ነይሩ ወይ ድማ ማዕሪኡ ኣይነበረን። ነቲ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ ሉቃስ 1:35፣ ዮሃንስ 3:16፣ 5:37፣ 14:1, 6, 9, 28፣ 17:1, 3፣ 20:17 ተገሊጹ ዘሎ ሓቂ ኣብ ሓሳብካ ቋጽሮ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ዝግረሙ ሰባት ይህልዉ ኢዮም
ቶም ፍሊን እተባህለ ደራሲ ኣብታ ልደት ዘለዎ ኣሉታዊ መዳይ እትበሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ነቲ ብዛዕባ ልደት ንምምርማር ዓመታት ዝኣክል ግዜ ድሕሪ ምሕላፉ ዝበጽሖ መደምደምታታት ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ:-
“እቲ ሎሚ ምስ ልደት እነተሓሕዞ ማእለያ ዘይብሉ ልምድታት ሱር መሰረቱ ካብቲ ቕድሚ ክርስትና ዝነበረ ናይ ኣረማውያን ሃይማኖታዊ ልምድታት ኢዩ። ገለ ኻብዚ ልምድታት እዚ ማሕበራውን ጾታውን ስነ-ኮኾባውን ምትእስሳራት ስለ ዘለዎ ነቶም መበቈል ባህሊ ዘገናዝቡ ዘመናዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ምሁራት ነቲ ሱር መሰረት ናይዚ ልምድታት እዚ ምስ ተረድእዎ ከም ዝነጽግዎ ክገብሮም ይኽእል ኢዩ።”—ገጽ 19
ፍሊን ነዚ ዝድግፍ ኣኽል-ታርፍ መርትዖታት ድሕሪ ምቕራቡ: ነቲ መሰረታዊ ነጥቢ ይሕብር:- “ሓደ ኻብቲ ንልደት ኮር ተገልበጥ ገይርዎ ዘሎ ነገር ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዘይክርስትያናዊ ምዃኑ ኢዩ። ነቲ ቅድሚ ክርስትና ዝመጸ ልምድታት ካብ ኣስተብሃልናሉ እቲ ዝተረፈ መብዛሕትኡ ድሕሪ ክርስትና እተወሰኸ ድኣ እምበር መበቈሉስ ክርስትያናዊ ኣይኰነን።”—ገጽ 155
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
እቲ የሱስ ክውለድ ከሎ እተነግረ ኣዋጅ ነቲ ኣብ መጻኢ ከም ብኣምላኽ እተመዘ ንጉስ መጠን ዘለዎ ግደ ዝእምት ኢዩ ነይሩ