ሰላም ነዚ ሓድሽ መዋእል፧
ሰላም ነዚ ሓድሽ መዋእል፧
ኣህጉራዊ ዓመት ሰላም ኣብ ከተማ ፓሪስን ኒው ዮርክን ብ14 መስከረም 1999 ብወግዒ ተኸፍተ። እዚ ሓፈሻዊ ባይቶ ው.ሕ.ሃ. ንዓመት 2000 ዝሃባ መግለጺ ኢዩ። ላዕለዋይ ሓላፊ ናይ ዩኔስኮ ዝነበረ ፈደሪኮ ማዮር “ሰላም ዝመልኦን ዓመጽ ዘይብሉን ሃዋሁ ንምፍጣር ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ክግበር” ዓቢ ጻውዒት ኣቕረበ።
ዩኔስኮ ከምዚ ዝስዕብ ብሂል ኣለዎ:- “ውግእ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ዝጅምር ካብ ኰነ መኸተ ሰላም ከኣ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ክህነጽ ኣለዎ።” ምስዚ ብምስምማዕ እቲ ውድብ “ብትምህርቲ: ብዘተን ምትሕግጋዝን” ሰላም ንምስፋሕ ወጠነ። ሚስተር ማዮር “ገባር ሰላም ምዃን ድኣ እምበር ሰላማዊ ምዃን ወይ ደላይ ሰላም ምዃን” ጥራይ ንበይኑ ኣኻሊ ከም ዘይኰነ ርእይቶኡ ሃበ።
እቲ ዘሕዝን ግን ዓመት 2000 ሰላማዊት ዓመት ኣይነበረትን። ኣብዚ ዘመናዊ ታሪኽ—ነቲ ኣብ ዓመት 2000 እተራእየ ፍጻመታት ወሲኽካ—ሰብ ልባዊ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበረ ውግእን ዓመጽን ግን ደው ከብል ክእለት ከም ዘይብሉ ተጋሂዱ ኢዩ።
ይኹን እምበር ሰላም ምስ ትምህርቲ እተተሓሓዘ ምዃኑ ብሓቂ ኣቓልቦ ክግበረሉ ዝግባእ ኢዩ። ቅድሚ 2,700 ዓመታት ኣቢሉ ነብዪ ኢሳይያስ “ኵላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም: ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ” ብምባል ተነበየ። (ኢሳይያስ 54:13 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ነብዪ ህዝብታት ኵላ ምድሪ መገድታቱ ምእንቲ ክማሃሩ ናብቲ ጽሩይ ኣምልኾ የሆዋ ኣምላኽ ክውሕዙ ምዃኖም ኣቐዲሙ ተነበየ። ምስ ከመይ ዝበለ ውጽኢትከ፧ “ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም።” (ኢሳይያስ 2:2-4 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ምስዚ ትንቢት ብምስምማዕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ዓለምለኻዊ ናይ ትምህርቲ ዕዮ ብምጽማድ ድሮ ንሚልዮናት ሰባት ነቲ ናይ ዝበዝሕ ውግኣት መበገሲ ዝዀነ ሃገራውን ዓሌታውን ጽልኢ ንኸሰንፉ ሓጊዞምዎም ኢዮም።
ውግእ ኣብታ ነባሪ ሰላምን ድሕነትን ንምድሪ እተምጽኣላ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይክህሉን ኢዩ። (መዝሙር 72:7፣ ዳንኤል 2:44) “ንግብርታት እግዚኣብሄር: ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ጥፍኣት ጠምቱ: ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ” ዝብል ቃላት ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ክፍጸም ኢዩ።—መዝሙር 46:8, 9