ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በሰላ ኲናት

በሰላ ኲናት

በሰላ ኲናት

 ሓደ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እተሳተፈ ወተሃደር ነበር “ኣብ ኲናት ሰዓራይ የለን” ብምባል ርእይትኡ ገለጸ። “ተሳዓርቲ ጥራይ ኢዮም ዘለዉ” በለ። ነዚ ርእይቶ እዚ ዝሰማምዕሉ ብዙሓት ኢዮም። ሳዕቤን ኲናት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኢዩ፣ ሰዓርትን ተሳዓርትን ሰፍ ዘይብል ዋጋ ኢዮም ዝኸፍሉ። እቲ ኲናት ደው ምስ በለ እውን ከይተረፈ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት በቲ ዘይሃስስ በሰላ ኲናት ይሳቐዩ ኢዮም።

ከመይ ዝበለ በሰላ፧ ኲናት ታእላው ዘይብሎም ሰባት ብምህላቕ ብዙሓት ዘኽታማትን መበለታትን የስዕብ። ብዙሓት ብህይወት ዝደሓኑ ኸኣ ኣካላዊ በሰላን ስነ⁠-​ኣእምሮኣዊ ቝስልን ሒዞም ይተርፉ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ድማ ዘለዎም ኵሉ ይነድዩ ወይ ከኣ ግዲ ይስደዱ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውግኣት ብህይወት ዝተርፉ ሰባት ዝሓድሮም ጽልእን ጓህን ክንግምቶ ንኽእልዶ፧

እናሓደረ ዝቘስል በሰላ

ኲናት ኣብ ኣልባብ ሰባት ዝሓድጎ ኣሰር: ተዅሲ ደው ድሕሪ ምባሉ: ዕጥቂ ምስ ወረደ: ወተሃደራት ምስ ተሰናበቱ እውን ከይተረፈ መሪር ስምዒት ኢዩ ዘሕድር። እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ወለዶታት ኣብ ንሓድሕዱ ዓሚቝ ጽልኢ ክሓድሮ ይኽእል ኢዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ናይቲ ዝሓለፈ ኲናት በሰላ ነቲ ዝቕጽል ኲናት ጠንቂ ይዀኖ።

ንኣብነት: እቲ ንቐዳማይ ውግእ ዓለም ወግዓዊ መዕለቢ ንኽግበረሉ ተባሂሉ ብ1919 እተፈረመ ውዕል ቨርሳይ ኣብ ልዕሊ ጀርመን እገዳ ኣንበረ: ዜጋታት ጀርመን ድማ ነዚ ናይ ጽልእን በቐልን ስጕምቲ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (እንግሊዝኛ) ኸም ዝበሎ እቲ ውሳነታት ናይቲ ውዕል “ንጀርመናውያን ቂም ከም ዝሕዙ ገይርዎምን ሕነ ናይ ምፍዳይ ስምዒት ኣሕዲርሎምን ኢዩ።” ድሕሪ ገለ ዓመታት “እቲ ውዕል ሰላም ዘሕደሮ ቂም ንሂትለር መበገሲ ኰይንዎ ኢዩ:” እዚ ኸኣ ካብቲ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከም ዝጅምር ዝገበረ ረቛሒታት ሓደ ኢዩ።

ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ጀሚሩ ናብ ከባቢ ባልካን ለሓመ። ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ቀቢላታት ብ1940ታት ኣብ ንሓድሕደን ዝገደፍኦ በሰላ ነቲ ኣብ 1990ታት ኣብ ከባቢ ባልካን እተኻየደ ኲናት መገዲ ኣብ ምጽራግ እጃም ነይርዎ ኢዩ። ናይ ጀርመን ዲ ጺት እተባህለ ጋዜጣ ብዛዕባ እዚ ርእይቶ ኽህብ ከሎ “እቲ ኣብ ሓንቲ ሰንካም ነቝጣ ዝጀመረ ጽልእን በቐልን እናለሓመ ክሳዕ እዚ ግዜና ኣስፋሕፈሐ” ብምባል ይገልጽ።

ብርግጽ ደቅሰብ ብሰላም ሃዲኦም ክነብሩ እንተ​ድኣ ዀይኖም በሰላ ኲናት ክሓዊ ኣለዎ። እዚ ብኸመይ ክግበር ይከኣል፧ ጽልእን እህህታን ብኸመይ ኢዩ ክሕከኽ ዝከኣል፧ ንበሰላ ኲናት ከሕውዮ ዝኽእል መን ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

COVER: Fatmir Boshnjaku

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

U.S. Coast Guard photo; UN PHOTO 158297/J. Isaac